Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ ድዩ ተጸሊሉ ዋላስ ኢሰያስ? – ይኩኖ ባህታ

ኣብዚ ቅንያት እዚ ሓደ ዘገርም ዜና ኽንሰምዕ ቀኒና ኣለና፡ንሱ ድማ ቐደም ብደረጃ ሚንስትርነት ዝሰርሐን ትክ ትንፋስን ዓርክን ኢሰያስ ዝነበረን ናይዝጊ ኽፍሉ ሬስኡ ናብ ዝተወለደሉ ዓዱ ከይዱ ከይቅበር ተከልኪሉ ተባሂሉ ክዝረብ ቐንዩ ኣሎ፡ መስደመም እዩ ኣንታ

ኣብዚ ቅንያት እዚ ሓደ ዘገርም ዜና ኽንሰምዕ ቀኒና ኣለና፡ንሱ ድማ ቐደም ብደረጃ ሚንስትርነት ዝሰርሐን ትክ ትንፋስን ዓርክን ኢሰያስ ዝነበረን ናይዝጊ ኽፍሉ ሬስኡ ናብ ዝተወለደሉ ዓዱ ከይዱ ከይቅበር ተከልኪሉ ተባሂሉ ክዝረብ ቐንዩ ኣሎ፡ መስደመም እዩ ኣንታ ሎሚስ ጉድ ክንሰምዕ ኢና ዝብሉን ገለ ድማ እቲ ነገር ዝኣርሞሞም ተባኢሶም’ከ ነይሮም ድዮም ክብሉ ሕቶታት ከልዕሉ ጀሚሮም ኣለዉ ፡ነዚ ገለ ለባማት ክምልስሉ እንከለዉ  ኣብ ቲቪ ኤረ ጥራሕ ተራፍዱ እንተኮንኩም ዳኣ ከምይ ገይርኩም  ሓቒ ክትፈልጡ  ጥራሕ ዕድመ ይሃበኩም እንበር ብዙሓት ዘግርሙ ነገራት ክትሰምዑ ኢኩም ክብሉ ይምልሱ።

ሞት ናይዝጊ ኽፍሉን ኣጋጢሙ ዘሎ ኹነታትን ንደግፍቲ እቲ ስርዓት ይኹኑ ካላኦት ስንባደን ምግራምን ፈጢሩ ኣሎ።ወረ ገሊኦምስ ኣንታ እንታይ ኢና ኮይና ኽብሉ ንነብሶም እውን ምእማን ዝሰኣንዋ ይመስሉ ኣለዉ።

ኣብቲ ቐንዲ ዛዕባይ ካኣትው  ህዝቢ ኤርትራ ድዩ ተጸሊሉ ዋላስ ኢሰያስ ምክንያቱ ብህይወት ንዘሎ ሰብ ብዝፈጸሞ ገበናት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከተቕርቦ ሙኽንይ እዩ፡ እንተዳኣ ብህይወት ሓሊፉ ግን ምስ ሬሳ ባእሲ እንታይ ኣምጻኦ እዚ ዘሕፍርን ዘነውርን ፍጻሜ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ፎእ ክብሎ ይግባእ።ምክንያቱ እዚ ስርዓት እዚ ንሬሳ እካ ዘይመሓረ ንብህይወት ዘልዉ ምሕረት ክገብር ሕልሚ እዩ፡ኣቶ ኢሰያስ ንብህይወት ዘለዉ  ዘይኮነስ ንሬሳ ናብ ፍራዲ ዘቅርብ ሕጊ እዩ ዘለና ከይብሉና ንፈርህ ኣለና።

ኤርትራ ሃገርና ንእሽቶ ኽነሳ ኣብ ዓለም ግን ብዘነውሩን ስንብራት ዝገድፉን ሕማቓት ነገራት ጥራሕ ተፈሊጣ ኣላ፡ ሳላ ስርዓት ኢሰያስ ዝተሳእነ ነገር  የለን ።ኣብ ውሽጢ እዘን ዕስራ ዓመታት ብዙሓት ናይ ኽፋእ መዳልያታት ረክብና፡እገዳ ፡ስደት፡እስርቤት፡መቅተልቲ፡ደቒ ሳላሳ ዓመት  ሃዲሞም ኢልካ ንደቒ ሰብዓ ዓመት ጋር ኽፈሉና ፡ህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ መከራ ተጸብጺቡ  እውን ኣይውዱእን።ንፉዓት መራሕቲ ንዘላኣለም ተዘኪሩ ዝነብር ሽልማት የምጽኡ መራሒ ህግደፍ ከኣ ካብ ዓለም ዘነጽልን ተሰሚዑ ዘይፈልጥን ብልሽውናታትን ይጛማዳሕ።

ኣብ መወዳእታ ነብስሄር ናይዝጊ ኽፍሉ መባድልቱ ንሕማቕ ፈሪዶሞ ኩሉ ግዜ ውልቐ መልክቲ እቲ ኽፋእ ብፈተውቶም እዮም ዝጅምርዎ።እቶም ኣብ ጎኒ ኢሰያስ ብፍርሒ ጉንብስብስ ትብሉ ዘለኩም እውን ዘርሞ ዘርሞ ከይትተርፉ ካብ ናይዝጊ ኽፍሉ ክትመሃሩ ይግበኣኩም “ድሕሪ ሞት ኣቦካ ሞት ጊዴኻ ስለዝኾነ”እንተለበምኩምን ህዝብኩም እንተከሓስኩምን ይሕሸኩም።  እቲ ኣብ ቤተሰብ ናይዝጊ ኽፍሉ ወሪዱ ዘሎ ሕማቕ ዕጫ ግን ዘሕዝን ኾይኑ፡ ሬሳ ንከይቕበር ምክልካል ግን ዘይሃይማኖታውን፡ ስነምግባራውን ፡ባህላውን ፡ኣነዋርን ስለዝኮነ ህዝቢ ኤርትራ ዓገብን ፎእ ኽብሎን ይግባእ

ይኩኖ ባህታ

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Gerimuna February 26, 2012

    ህዝቢ ኤርትራ ድዩ ተጸሊሉ ዋላስ ኢሰያስ? Good question. The answer is ህዝቢ ኤርትራ

    • revolution February 27, 2012

      i definitely
      agree with

      • Semhar February 27, 2012

        ኤርትራ ሃገርና ኣብ ዓለም ብዘነውሩን ስንብራት ዝገድፉን ሕማቓት ነገራት ጥራሕ ተፈሊጣ ኣላ፡ ሳላ ስርዓት ኢሰያስ ዝተሳእነ ነገር የለን ።ኣብ ውሽጢ እዘን ዕስራ ዓመታት ብዙሓት ናይ ኽፋእ መዳልያታት ረክብና፡እገዳ ፡ስደት፡እስርቤት፡መቅተልቲ፡ደቒ ሳላሳ ዓመት ሃዲሞም ኢልካ ንደቒ ሰብዓ ዓመት ጋር ኽፈሉና ፡ህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ መከራ ተጸብጺቡ እውን ኣይውዱእን።ንፉዓት መራሕቲ ንዘላኣለም ተዘኪሩ ዝነብር ሽልማት የምጽኡ መራሒ ህግደፍ ከኣ ካብ ዓለም ዘነጽልን ተሰሚዑ ዘይፈልጥን ብልሽውናታትን ይጛማዳሕ።

  • 1234gebar February 26, 2012

    ይኹኖ ባህታ ኣይትሓዘለይ እዛ ዝጽሓፍካያ ኣገዳሲት ኽትከውን ትኽእል’ያ ግን ሓደ ሰብ’ውን ኣየንብባን’ዩ ምኽንያቱ ዓይኒ ስለ ዘሕምም። ሓደ ቃል ምስ ጸሓፍካ ካብቲ ዝቕጽል ቃል መፈላለዪ ስለ ዘይገበርካሉ። ንኣብነት ይኹኖ ምስ ጸሓፍካ ነታ ኣብ ትሕቲ V B N M ዘላ እትጥወቕ መስመር ጠውቓ’ሞ ቀጺልካ ባህታ ጸሓፍ፡ ይኩኖን ባሕታን ከኣ ክፈላለያ እየን። እዚኣ እንተ ተረዲኣትካ ድሕሪ ሕጂ ዝኮነ ናይ ትግርኛ ኽትጽሕፍ ኮሎኻ ሓደ ቃል ምስ ጸሓፍካ ንዓኣ ኣንጠወቅካ ዝደለካዮ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ። ኣብ እንግሊዝኛ’ውን ከማኡ። ካልእ ምስጢር የብሉን። እዚ ወደሓንክካ!

  • SINGAPO - ERITREAN February 26, 2012

    ኣነኮ ብእብራይስጢ ዝተጻሕፈ መሲሉኒ ናብ “Google translate ,from hebrew to english ” ኢለ እንተ ፈተንኩስ “It´s your own language ,idiot ” ኢሉኒ እቲ .-…google translate !!! ከም በለስ ናይ ጫንጩ ድማ ደቒቑ ,ወይሲ ዳቪስታ የድልየኒ ኣሎ ?????? ሃ……ሃ…ሃ…ሃ..ወይ ሰብ ደቀይ..

  • Fekrawi February 27, 2012

    In some countries, you could get arrested for such editing errors in the article!!

  • ecco70@hotmail.com February 27, 2012

    Gana Warag Ezgihear bouzouh kareyana eyou, hade kabtom kenday nestuhat Eretrawain zebesabese daykonen.

  • kulu February 27, 2012

    Very very very difficult to read.

  • Hagos February 27, 2012

    ካብ ጽሑፍ አዚ ዓምዲ ከምትወስደእንታይ ኮይና አና ዘስደምድመና፧ ንሃገር ብሂወቱ ከሎ ዚከሓደ ምስ ሞተ ከመይ ጌሩ ፈታው ሃገር ኪኸውን ይኽእል፧ መልሲ ካብቲ ከዳዕ ኣማኑኤል።

    • Semhar February 27, 2012

      ኤርትራ ሃገርና ንእሽቶ ኽነሳ ኣብ ዓለም ግን ብዘነውሩን ስንብራት ዝገድፉን ሕማቓት ነገራት ጥራሕ ተፈሊጣ ኣላ፡ ሳላ ስርዓት ኢሰያስ ዝተሳእነ ነገር የለን ።ኣብ ውሽጢ እዘን ዕስራ ዓመታት ብዙሓት ናይ ኽፋእ መዳልያታት ረክብና፡እገዳ ፡ስደት፡እስርቤት፡መቅተልቲ፡ደቒ ሳላሳ ዓመት ሃዲሞም ኢልካ ንደቒ ሰብዓ ዓመት ጋር ኽፈሉና ፡ህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ መከራ ተጸብጺቡ እውን ኣይውዱእን።ንፉዓት መራሕቲ ንዘላኣለም ተዘኪሩ ዝነብር ሽልማት የምጽኡ መራሒ ህግደፍ ከኣ ካብ ዓለም ዘነጽልን ተሰሚዑ ዘይፈልጥን ብልሽውናታትን ይጛማዳሕ።

      • Hagos February 27, 2012

        No matter what the world says and doing toward Eritrea. It is their benefit not in favour of our people. The most annoying is your behaviour. we are all together. But history is repeating a history of 60 years ago which cost a lot of life for 30 years of independent. No mercy for you(dirty dog Amanuel or Wyane’s dog) while you are in life and after death.
        thanks

  • Yemane Johar February 27, 2012

    Hizbi ertra zeykones etom Nsu nhna nhna nsu zblu esom eyom xlulat!!

  • Semere February 27, 2012

    I perfectly understand and share your frustration. But the people of Eritrean could do nothing against an enemy who has the trigger in his hands, like the Germans under Hitler and the Ugandans under Amin. If a man mad has the trigger the only thing you do is that he does not shoot. Those to be blamed are those who dance his tune. They are not mad but “betrayers” of their people. Sooner or later they will face justice, even in front of God!

Post a Reply to Semhar Cancel Reply