Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣይትተሃመል፣ ንስኻ ደራኺ፣ ኩሉ ተወሳኺ!

ህዝቢ ኤርትራ ኣይትተሃመል፣ ንስኻ ደራኺ፣ ኩሉ ተወሳኺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣይሂ ጠያይቲ ዝዘነበሉ ክልተ ክፉእ ክራማት ኣሕሊፍካስ፣ ሕነ ሞት ህይወት ክትርእየሉ ዝግብኣካ  ወቕቲ ከየስተማቐርካዮ ሓሊፉ። ኣብ ሰማያትካ ሓጋይን ክረምትን ዘይፈሊ ጸሊም ደበና ተንጠልጢሉ፣ ምድርኻ ብቐትሩ ጸልሚቱ፣

ህዝቢ ኤርትራ

ኣይትተሃመል፣ ንስኻ ደራኺ፣ ኩሉ ተወሳኺ

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣይሂ ጠያይቲ ዝዘነበሉ ክልተ ክፉእ ክራማት ኣሕሊፍካስ፣ ሕነ ሞት ህይወት ክትርእየሉ ዝግብኣካ  ወቕቲ ከየስተማቐርካዮ ሓሊፉ። ኣብ ሰማያትካ ሓጋይን ክረምትን ዘይፈሊ ጸሊም ደበና ተንጠልጢሉ፣ ምድርኻ ብቐትሩ ጸልሚቱ፣ ዓንዳፋትካ ነቆ ወጋሕታ ረሲዖሞ፣ ንጉሆን ኣጋምሸትን ድንግርግር ኢሉካ፣ እዋን ወፍርን እቶእቶን ምፍላዩ ኣጊሙካ ምህላዉ ዘተሓሳስብ እዩ። እቲ ግዜ ዲዩ ንመሬት ሓይሉዎ፣ መሬት እዩ ነቲ ግዜ ቀይሩዎ? ወይ ከኣ ሰብ እዩ ንግዜ ረሲዑ መሬት ክሒዱ? ከመይ ኢሉ ‘ዩ ዓሰርተ ሕብሪ ቀይርካ ዘይልወጥ ድቕድቕ ጸላም ካብ ብርሃን ጋሪዱካ?

“ምድርን ሰማይን እንተተላገበ፣ ኣርህው ተብሎ ዋላ እንተጸበበ” ኣብ እትብሃለሉ ዝነበርካ እዋን፣ ኣካልካ፣ ኣካል ናይቲ ብጸበባ ዓቕሉ ዘየጽብብ ወገን ምዃኑ ጥራይ ዝተሓበነ ወለዶ ጀጋኑ፣ ነታ መፍትሕ ጸበባ ክረክብ፣ ምእንታኻ ኣብ ጉድጓድ ክኣቱ፣ ብጸድፊ ሸልውለው ክብል፣ ፌንጂ ክረግጽ፣ ነብሱ ከቃጽል፣ ንመስዋእቲ ይቀዳደም፣ ዕላማ ክጭምት ብጥይት ይጭመት ከምዝነበረ ዝዝክሩ መሰኻኽር ዓይኒ፣ ዓውዲ ቕያ ዝነበረት መሬትካ ናብ መንከሽከሽ ተቐይራ፣ ኣብ ውሽጣ ዝርክብ ሰብ፣ ነብሱ ከድሕን ከም ዕንበባ ዘዘሊሉ ኣንፈቱ ከይፈለጠ ከምልጥ ክብል ሓንሳብ ኣብ ምድርበዳ ክስተ፣ ሓንሳብ ኣብ ባሕሪ ክጥሕል ክርእዩዎ ኸለዉ ክኣምኑዎ ኣይኣሉን እዮም።

እቲ ጸሊም ደበና ራዕ ኢሉ ሰብካ ጸቒጡ ንመሬትካ ከይቐዶ፣ ካብ ታሕቲ ዝነትዐ ማዕበል ተወሲኹዎ ኣሰርካ ተሓጺቡ ናብ ባሕሪ ከይኣቱ፣ ንሓዋሩ፣ ሃገር ሰባ፣ ህዝቢ ውን መሬቱ ከይስእን፣ “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ዝብል ትልሚ ኢሳይያስ፣ ከምዘይሰምር እንከሎ ብዓይኑ ርእዩ ክቐብጾ፣ ኣብ ኤርትራ ዳግማይ መላኺ ዘብቍል ግራት ከምዘየልቦ፣ መሬት ኤርትራ ዘርኢ ክቕይር ምዃኑ፣ ንሱ ክርዳእ፣ ንስኻ ክትብሰር ግን እንታይ ክትገብር ኣለካ?

እወ፣ ሓንሳብ መላኺ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዝኸፍአ፣ ንኻልኣይ ግዜ ተመላኺ ምዃን እዩ። ኣብ ዓንኬል ሰንሰለት መለኽትን ተበለጽትን ተቐፊድካ ከይትነብር፣ ከይትህመል ኣመና ክትጥንቀቕ ኣለካ።

ቅድሚ ቁሩብ እዋን፣ “መንግስትን ተቓዋሞን ዘይብሃላ ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ ብኹሉ መኣዝን ሓላዪ ከምዘይብልካ ጠቒሰ፣ ነብስኻ ክትፈቅድ ሕሹኽ ኢለካ ነይረ። እንተኾነ ሎሚ ነቲ ሽዑ ተስፋ ከይትቖርጽ ምእንቲ እንተጸንሐ ደኾን ይሓይሽ ዝበልኩዎ መሪር ሓቂ ወስ ከብለልካ። ንምዃኑ ሰብ ከ ኣለካ ዲዩ?

ልቺ ወርሒ ጠፊኣ፣ ሓንቲ መዓልቲ እንተበሪሃ፣ ብቐደሙ ስለምንታይ ከምዝጠፍአት፣ ምኽንያት ምጽልማት እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ምሕታት ገዲፍካ፣ ነታ ብርሃን ዝረኣኻላ ዳሕረወይቲ መዓልቲ፣ ‘እዚኣ ኣይትሰኣን’ ኢልካ ብምምስጋን ትድቅስ እንተዄንካ፣ ሞት 350 ዒሕታ ማህጸንካ ተረዲእካ ንብዕ ስለዝሓገኻ፣ ንሞት ዓሰርተ ለሚድካዮ፣ ትሕቲ’ዚ ዝለዓለ ቑጽሪ ሞት ኮይኑ ዘይስምዓካ እንተደኣኾይኑ፣ ካብቲ ንሰብ ከም ወናን ረቂቕ ኣእምሮ ዝገልጽ ንቡር ኣምር ዝተፈልየ ካልእ መግለጺ ክርከብ  ኣለዎ ማለት እዩ። እዚ ኣጋንኖ ኣይኮነን።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝተበገሰት ኣስታት 200 ኤርትራውያን ስደተኛታት ተሳፊሮማ ዝነበሩ ጃልባ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ደሃያ ፈጺሙ ጠፊኡ ‘ሎ። በቃ፣ ክልተ ሚእቲ ትንፋስ ሒዛ ኣሰር የብላን! ኣብ ወርሓ ልዕሊ 180 ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሳፊራ ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ጥሒላ 25 ሰብ ጥራይ ብሓይሊ ኣምላኽ ድሒኖም። ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 200 ስደተኛታት ኣሳፊራ ምስ ተበገሰት ድሕሪ ሓደ ኪሎሜተር ካብ ዝጠሓለት ጃልባ 170 ሬሳታት ከምዝተረኽበ ‘ውን ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ካብ ሊብያ ሓቢረን። ካብቲ ባሕሪ ምስቲ ሬሳታት ተሓጺቦም ዝወጹ ገለ ሰነዳት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ከምዝነበሩ ይጠቅስ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ልዕሊ ሚእቲ ህይወት መርድእ ኣብ ባንክ ሓዘን ተቐሚጡልካ ኣሎ። ኣምላኽ ይሓግዝ እምበር፣ እቲ መርድእ ናብ ኣየነይቲ ተኣኪሊት ኣደ ኾን እዩ ክበጽሕ!

እቶም በብዒስራ በብሳላ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዝሃልቁ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣዲኦም ትቝጸሮም። ትራጀዲ ላምፐዱዛ ዓመት ከየቝጸረ፣ 10 ላምፐዱዛ ተራእዩ ‘ሎ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ብዓውታ ‘ደቅና ኣበይ ኣለው?’ ክብል ኣይተሰምዐን። ሰባት፣ ኣቦታት ኣዴታት፣ ብዛዕባ ሞት ደቆም ዓው ኢሎም ኣብ ክንዲ ምሕታት ሞት ፈሪሖም ከጽቅጡ ክግደዱ ከለዉ፣ ኣእምሮኦም ስሒቶም ከምዘለዉ፣ ሰብኣዊ ስምዒቶም ተመሊኹ ከምዘሎ እዩ ዘርኢ።

ነዚ ናይ ቀረባ እዋን ህልቂት፣ ሞት እቲ ወድ ሰብ ክኸፍሎ ዝግደድ ዝለዓለ ዋጋ ብምዃኑ ኢና ከም መርኣያ ንጠቕሶ ዘለና፣ እምበር ነዚ ንርኽሰት ክብርታትን ኣሉታዊ ባህርያትን ኤርትራውያን ዝገልጽ ሽሕን ሓደን ኣብነታት ኣሎ። ሎሚ ግን ነቲ ዓሰርተ ዓመት ዝደጋገምናዮ፣ ብዓቢኡ ህዝቢ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ዝርዝራት ኣይኮናን ክንደግም ደሊና።

ንነብሰይ ወሲኸ ብዛዕባ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። እቲ ብዙሓት ህይወቶም ዝመነኑሉ፣ ነብሶም ንመስዋእቲ ዝሓጸዩሉ፣ ብዙሓት ዝሰንከሉሉ ሕብረተሰብ፣ ምልላዩ ክሳብ ዝሰኣን ክንድ’ዚ ዝኣክል ውርደት ክጸውር ምኽኣሉ ዘይእመን ‘ኳ እንተኾነ፣ ካብ ባይታ ምንቕ ምባል ዝኣበየ ሓቂ ኮይኑ ‘ሎ።

ኣብዚ ኤርትራዊ ሓበን ባኺኑ፣ ኤርትራ ከም ሃገር፣ ኤርትራዊ ከም ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዝጸንተሉ ዘሎ እዋን እምብኣር፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ህላወ ሃገሩን ድሕነቱን መታን ከረጋግጽ መጀመርያ ንገዛእ ነብሱ ፊት ንፊት ገጢሙ ነብሱ ክገንሕ፣ ድኻሙ ብምእላይ ሓላፍነት ክስከም ቅሩብነት ከርኢ ኣለዎ። ከም ልማድ ህዝቢ ኤርትራ ክብሃል ከሎ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ንዝርከብ ኩሉ ቀጸላታት ዝሓቍፍ ‘ኳ እንተኾነ፣ እዚ ዓንቀጽ’ዚ ብፍላይ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ መንከሽከሽ ውልቀምልኪ ሓዊ ዝልብለብ ዘሎ፣ ብዘይካ ለውጢ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት እዩ። ብሕልፊ ኸኣ ነቲ ሃገር ንምክልኻል ብረት ተሰኪሙ ኣብ ወሰናስን ቀንፈዘው እናበለ፣ ህዝቡ ካብ ሕምብርቲ ሃገሩ ብውንጭፍ ውልቀምልኪ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ዝውርወር ዘሎ ሓይልታት ምክልኻል፣ ብዝያዳ ኸኣ ንመንእሰይ ኤርትራ።

ውዑይን ዝሑልን ኣብ ዝባንካ ዝከዓወካ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣስተውዕል። ሕልናና እናቐንጠወ ደኣምበር፣ ብዛዕባ ‘ቲ ዝወርደካ ዘሎ መዓት፣ ካብ ማዕዶ ከነዘንትወልካ መልክዕ ዘለዎ ኣይኮነን። ንዓና ነቶም ተስፋ ቆሪጽና ኣብ ዘዝሕሸና ዓድታት ስደት ተዘሪእና ዘለና፣ ናብ ኤርትራ ከም ደቂ ዓዲ ብታሴራ ኣቲና፣ ቶግ ክስማዕ ከሎ ፓስፖርት ወጻእተኛ መዚዝና ምስ ኣመሪካውያን ወይ እንግሊዛውያን ረጥሪጥናካ እንበርር ሰባት፣ ከምቲ ዘይንርስዓካ ከም ዓጽመስጋኻ ክትርስዓና ከጸግመካ ዝኽእል ‘ኳ እንተኾነ፣ ከም በጻሕቲ ደኣምበር ከም ነበርቲ ክትርእየና ኣይግባእን። ንመዘኻኸሪናን ጻውዒትናን ‘ውን ብኡ መንጽር ከም ሕልናዊ ወስታ ከም ተወሳኺ ርኣዮ። ተመራመረሉ።

ምጽማም  ምጽማም እዩ፣ ኣይትጸመም

ህዝቢ ኤርትራ፣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ኣብ መዝገበ ቃላት ኢሳይያስ ዓቕሊ ማለት ዕሽነት ተባሂሉ ከምዝትርጎም ዛጊት ዘይተረደኣካ እንተኾይኑ፣ ኣመና ዘንጊዕካ ኣለኻ። ምእንቲ ሃገር ዝጸርካዮ ተደጋጋሚ መስዋእቲ፣ ኣብ ህዋሳትካ ተለጢፉ ዘሎ በሰላታት መውጋእቲ፣ በዘን ሒደት ገጻት ናይዚ ወረቐት ክጽወር ስለዘይክእል ‘ሞ ንግዚኡ ይጽንሓልና፣ ኮንታተረ መንግስቲ በብወርሑ ዝኣዘዘቶ ገንዘብ እናኸፈለ፣ ልቺ ጠፊኣቶ ንሓደ መዓልቲ ዘይኮነ ንሰሙናት ጭልምልም ዝብል ስድራቤት ብባውዛ ዶ ኣይኮነን ክከሓስ ዝግባእ። ስርዓት ኢሳይያስ ግን፣ ምጽማም ክሳብ ክንደይ ኣጽሚሙካ ከምዘሎ ስለዘስተውዓለ፣ ነታ መዓልቲ ጭምልልም በብቑሩብ ናብ ወርሒ ጭልምልም ኣሰጋጊሩዋ። ኣሽንባይ ዶ ኣብ ኣስመራ፣ እሞ ኸኣ ድሕሪ ናጽነት፣ ኣብ ግዜ ገድሊ ‘ኳ፣ ኣብ ሳሕል፣  ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ደጀን ዝነበረ ክፍልታት ልቺ ሓንሳብ ምስ ኣተወት ምጥፍኣ ኣይተለምደን። መዓልታዊ እትኸደሉ ሰዓታት ለይቲ ፍሉጥ፣ ንሱ ‘ውን ምስናይ ውልዕ-ጥፍእ መጠንቀቕታ እዩ ዝነበረ። እቲ ኣብ ስንጭሮታት ኣግራብ ዘብርህ ዝነበረ፣ ብናይ ቅድሚ ናጽነት መንግስትነት ወዳጀ ዝተባህለ ኣካል ደኣ ሕጂ ድሕሪ 20 ዓመታት ናጽነትን ዘይቅቡእ ንግስነትን፣ ኣዕኑድ ጎደናታትን ቪላታትን ዘጸልመተ ጉዱ እንታይ ‘ዩ? ሽፍትነት ከተማ ምስ ልቺ ምስናይ ስለዘጸገሞ ደኾን ይኸውን?

ህዝቢ ኤርትራ፣ ልቺ ኤልፓ ዘይኮነ ልቢ ኢሳይያስ ጠፊኡ ከምዘሎ ከተስተውዕል ይግባእ። ከምቲ ሕሱማት መርመርቲ ንእሱራት፣ ሓንሳብ ክሳብ ክሳዶም ኣብ ማይ ብምጥላቕ ሓንሳብ ኣብ ጸላም ገዛ ብምዕጻው ዘለፋልፉዎምን ዝቐጽዑዎምን፣ ኢሳይያስ ‘ውን ኣብቲ ትሕቲ ምልካዊ መግዛእቱ ከንበርክኸካ፣ ስነኣእምሮኻ ክቆጻጸሮ ዝብህግ ጽዩፍ ሕልና ስለዘለዎ ብጸላም ይቐጽዓካ ምህላዉ ምግንዛብ ከድልየካ እዩ። ከምቲ ንጥምየትን ጽምእን መቆጻጸሪኻን መዋረዲኻን ዝተጠቕመሉ፣ በዚ ጸላም ‘ውን ክቆጻጸረካን ክመልከካን እዩ ዝፍትን ዘሎ። ክንደይ ዓመታት ቢሻ ቢሻ ኢሉካ፣ ወርቂ ግን ሸየጥቱ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጠፊኦም ክብሃል ደኣ ተሰምዐ ‘ምበር፣ ጋዝ ከብርህ ‘ኳ ኣይተራእየን። ሽያጥ ወርቂ ከይረኣኻን ከይሓተትካሉን ከኣ እንሆ ሕጂ ፖታሽ ፖታሽ ይብለካ ‘ሎ። ተስፋ ጨካናት ድራር ውጹዓት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ንጨካን ጨካን ጥራይ እዩ ዘሕምቖ። ሕድገትን ዓቕልን መሻደኒኡ እዩ። በዚ መሰረታዊ ዝኾነ ነገራት፣ ምጽምማካ ደረት ከምዝሰኣነ ጫፍ ጥራይ ኢና ነትሕዘካ ዘለና፣ እምበር፣ ብዓቢኡ ንሓደ ዓመት ዝተኣወጀ ሃገራዊ ገልግሎት 20 ዓመቱ ኮይኑ፣ 1997 ዝጸደቐ ብኡንብኡ ክትግበር ዝነበሮ ቅዋምካ ኣብ ሸውዓተ ማዕሙቕ ኣትዩ፣ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ዝተጸመምካዮ ሞት 30፣ ኣብ ላምፐዱዛ ናብ 300 ዓሪጉ፣ ብፖለቲካን ብህይወትን፣ ምልኪ ብምንታይ ‘ሞ ዘይፈተነካ! ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንምጽማም ክትጽመማ ኣይትንበር፣ ሓዲኡ ግበር። ልኡምነትካ ከብቅዕ ኣለዎ። ስምዒት ይሃልኻ፣ ብእኩይ ተግባር ሕረቕ፣ ንዓመጽትኻ በድህ፣ ብፍረጻማኻ ተሓጎስ። ኣመና ምጽማም ምጽማም እዩ። ዓመጽ ኣይትጸመም!

ተጸባይነት ግደፎ፣ ርእሰ ምትእምማንካ ምለሶ፣

“ኣንታ እዞም ተቓወምቲ እምበር ደንግዮም” ዝብል ዘረባ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዘለዉ ሰባት፣ እንተላይ ካብ ዕጡቓት ክስማዕ ከሎ፣ ህዝቢ ንለውጢ ክቱር ድሌት ከምዘለዎ ኣመልኪቱ ካብ ዝፈጥረልካ ሓጎስ፣ ሞራልን ኒሕን ሕብረተሰብና ተረዅምሹ ምህላዉ ኣሚቱ ዝፈጥረልካ ጓሂ ይዓቢ። እቲ መሬት፣ እቲ ህዝቢ፣ እቲ ዕጥቂ፣ እቲ ሰራዊት ምሳኻ፣ እቲ ዘጽንተካ ዘሎ ኣባይ ኣብ ቅድሜኻ ከሎ፣ ከመይ ኢልካ ኢኻ፣ ለውጥን ፍትሕን ከም ሃለኽቲ ዱባይ ካብ ደገ ብተቓወምቲ ተኾብኵበን ክመጻኻ እትጽበየን። እቲ ‘ካብ ከውሒ ማይ ዘንትዕ ኒሕን ሓቦን ከ ናበይ ኣቢሉ?’

ትማሊ ኣብ መቐለ፣ ሎሚ ኣብ ቦለኛ ዋዕላን ኣኼባን እንተተገብረ፣ ካብቲ ናይ ብቕድሚ ትማሊ ዋዕላ ደብረዘይትን ናይ ትማሊ ቦለኛን ዝፍለ ኣይኮነን። ዋዕላን ዘረባን ጋዜጣዊ መግለጽን ስደተኛታት ከድሕነካ ትጽበ እንተደኣ ኴንካ በዅርካ ኣለኻ። መፍትሕ ጸበባኻ፣ ኣብ ኢድካ ዓሚዅካ ኣብ ውሽጢ ተዓጺኻ እንከለኻ ፣ ‘ተቓወምቲ’ ካብቲ ህግደፍ ኣብ ቦለኛ ዝገደፎ ማኛ ሃሰስ ኢሎም ከቐብሉኻ ኣይትጸበ።

ኣብ ማእከል መሬትካን ህዝብኻን፣ ሰብካ እናዕጠቕካ ዕጥቂ ጸላኢኻ ከተፍትሕ፣ ብጠበንጃን መድፍዕን ለውጢ ምምጻእ 30 ዓመታት ከም ዝወሰደልካ እንተዘኪርካዮ፣ ነቶም 10 ሽሕ ማይልስ ርሒቖም ብኣፎም ‘ንቃለሰልካ ኣለና’ ዝብሉኻ፣ ነታ መባኣታዊት ስምረት ኳ ዘይከኣሉዋ፣ ዝዓበየ ዓወት ከምጽኡልካ ክትጽበዮም ምኽኑይ ኣይኮነን። ልክዕ ‘ዩ ከምቲ ጓሶት ኣብ ሻኻ ዝገብሩዎ ቅልስ፣ ናይ መቐለ ዳስ ይገፍሕ ናይ ቦለኛ ‘ባ፣ ውድበይ ይዓቢ ማሕበረይ ‘ባ እናተበሃሃሉ ነንሕድሕዶም ይቃለሱ ኣለዉ። እንተ‘ቲ ንድሕነትካ ዝግበር ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ግን ካባኻ ዝሓልፍ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን’ዚ ብሕጓ ተመዅሊኻ ዝግበር ምጽንታው ስልጣን ዘይኮነ፣ ግልጽናን ተሓታትነትን፣ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ፣ ባዕልኻ እትውንኖ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንለውጢ እዩ ዘድልየካ ዘሎ።  ናብ ሳልሳይ ዓንኬል ህውከት ዘይመርሕ፣ ውሕስነት ዘለዎ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ልዕልና ሕግን ስርዓትን መታን ክትጓናጸፍ፣ ከም ህዝቢ፣ ከም ሰራዊት፣ ምእንቲ መሰልካን ክብረትካን ባዕልኻ ደው በል። እዞም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ተቓወምቲ ኣሽንባይ ዶ ሓርነት ሒዞምልካ ክመጹ፣ ሓርነት እንተኣጽናሕካሎም ‘ውን ዝመጹኻ ኣይኮኑን። ንዓኣቶም ከም ባላ፣ ንነብስኻ ግን ከም ዓንዲ ርኣያ።

ልክዕ ‘ዩ፣ ንርእሰይ ኣብ ስደት ስለዘለኹ ምውርዛይ ክመስል ይኽእል እዩ። ይኹንምበር፣ ብኣፈይ ‘ዓገብ’ ይብል፣ ይቃወም፣ ደኣምበር ይቃለስ ከምዘየለኹ ኣጻዕድየ ይደግመልካ ኣለኹ። ሕነ ናይቶም ዘጥፍኡዎ ብኢድ ወስ እንተተረፈኒ ብኣፍ ሃተፍ ምባለይ ደገፍ እምበር ቃልሲ ኣይኮነን።እቲ ትማሊ ብዓይነይ ዝረኣኹዎ ቃልሲ፣ ሰብ ቀደም፣ ተወፋይነት ቀደም፣ ብጻይነት ቀደም፣ ሕልና ቀደም ሎሚ ብሓቂ ምንባሩን ዘምንባሩን ምስትውዓሉ ኣጊሙኒ ኣሎ። ሽዑ ስለዘይነበረ ዘይኮነስ፣ መተካእትኡ ስለዝመረረ። እቲ ትማሊ ህይወት ዝተኸፍሎ፣ ሕላገት ኤርትራውነት ዝነበረ ናይ ሓባር ዕላማ፣ ሓቂ፣ ቅንዕና፣ ምቕሉልነት፣ ምትሕልላይ፣ ብጻይነት፣ ተወፋይነት፣ ድሮ ዓስዩ፣ ብሓሶት፣ ተንኮል፣ ስስዐ፣ በለጽ፣ ሻርነት፣ ግብዝና ተተኪኡ ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ስቓይ የልቦን። ህዝቢ ነቲ ዝርእዮ ዘሎ ኣደራዕ ምእማን ስኢኑ ብኣእምሮኡ ኣዕሚቝ ክምርምሮ ሓንሳብ ሰለም እንተበለ፣ ንሓዋሩ ዝዓወረ መሲሉዎም፣ ኣብ ዓዲ ምዉታን ክንገሱ ኛምኛም ዝብሉ፣ ሚዛን ነብሶም ዝጠፍኦም ሰባት ክትርኢ ከለኻ ዘስደምም እዩ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተሰደ ዜጋ፣ እንተ ሓሙሽተ እንተ ዓሰርተ ካብ ሚእቲ ግዜኡ ኣወፍዩ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ህዝቢ ድምጺ ስቅያቱ ከስምዓሉ፣ ብገንዘብን ንዋትን ክድግፎ፣ ብዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ክሕግዞ ይኽእል እዩ። እዚ ግን ተውሳኽ ጽቡቕ ድሌት ደኣምበር፣ ደራኺ ለውጢ ዝኸውን፣ ጥዕቅኻ ዘፍትሕ ቁምነገር ኣይኮነን። ኣይትተሃመል፣ ክዳን ርእሰ ምትእምማንካ ምለሶ፣ ተጸባዪ ኣይትኹን። ኩሉ ተወሳኺ፣ ንስኻ ኢኻ ደራኺ።

ኣብዚ ሃገርና ብስርዓት ዘይብሉ መንግስቲ፣ መተካእታ ዘይብሉ ተቓውሞ፣ ኣንፈቱ ዘጥፍአ መንእሰይ፣ ዕጥቁ ዝፈትሐ ሰራዊት፣ ፍልጠቱ ዘባኸነ ምሁር፣ ልቦና ዝጎደሎ ዓቢ ዓዲ፣ ዒብ ዝሰኣኑ ኣቦታት፣ ንብዓተን ዝተወደአ ኣዴታት፣ ጥቅዉነት ዝጠፍኦ ዜጋ መሊኣ ኣብ ደንደስ ጥፍኣት እትርከበሉ ዘላ እዋን፣ ብሰንኪ ስንፍናና ብጅምላ እንሃልቀሉ ዘለና፣ ሕፍረትናን ውርደትናን ኣብ ቅድሚ ዓለም ብዓውታ ተጋሂዱሉ ዘሎ መዋእል፣ ብጥቅዉነት ክምካሕ ዝኽእል የልብናን። ሽም ናይቲ ጥፍኣት ብቐንዱ ኢሳይያስ ምስ ጭፍርኡ ‘ኳ እንተኾኑ፣ ከም ሕብረተሰብ እንተወሓደ ብስቕታን ዕሽሽታን ነዛ ሃገር ሓቢርና ኣፍሺልናያ ከምዘለና ዘይከሓድ እዩ። ብሰሪ ‘ዚ ሃገራዊ ድኻም ‘ዚ፣ ኢሳይያስ ኩሉ እከይ ውጥናቱ ዓሚሙዎ’ዩ ክብሃል ይከኣል። “እንተዘይተመሊኽኩም ከንበርክኸኩም እየ” ኢሉና፣ እንታይ ‘ሞ ገዲፉ፣ በጥ ኣቢሉና። ኣሲሩና፣ ቀቲሉና፣ ካብ መሬትና ኣባሪሩና፣ ሬሳና ዕትብቱ ኣብ ዝተቐብረሉ መሬት ከይምለስ ኣጊዱዎ። “ዕድመይ ልክዕ ክገዝኣኩም ‘የ” ኢሉና፣ እንታይ ‘ሞ ተሪፉዎ፣ እንተስ ኣብ መሬት ሕማቕ ከርእዮ፣ እንተስ ኣብ ሰማይ ምፍራዱ ክቐለሉ፣ ንርጉም ኣምላኽ ቀልጢፉ ስለዘየቃብጾ ደንጕዩዎ እምበር፣ 50 ዓመታት ኣብ መሪሕነት ዝነበር ናይ ብሓቂ ዝሰርሕ ቅኑዕ መራሒ የልቦን።

ክብረትና ተቐንጢጡ፣ መጻወቲ በደዊን ሲናይን ሰሃራን፣ ስም ሃገርና ኣርእስተ ዜና ስደት ኮይኑ። ካብታ መራሒኣ ዝጠለማ ካፕቴን ዘይብላ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትጥሕል ዘላ ‘ኤርትራ’ ዝተባህለት መርከብ ነብሶም ከውጽኡ፣ መድሕን ህይወት ኣብ ዝመሰላኦም ጃላቡ ማእከላይ ባሕሪ ዝተሰቕሉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ሳንዱቕ ሬሳ ኮይነናኦም፣ ነቲ ጃምምላዊ ሞት ምስ ለመድናዮ፣ ንሞት ዘይፈራሕናያ ካብ ሞት ምትንሳእ ምስ ኣፍርሓና፣ እቶም ፈለማ ዝደንገጹልና ‘ኳ ንዒቖምና። ኤርትራውነት ማለት እንታይ ምዃኑ በብውሽጥና ኣተሓሳሲቡና፣ ብሓባር ከይንዝትየሉ ግን ኣጊሙና ‘ሎ። እዚ ዘሕፍር ታሪኽ ‘ዚ ሸውዓተ ኮቦርታ ተኸዲና ክንሕባኣሉ እንተፈተና ‘ውን ካብ ሕቶ መጻኢ ወለዶታት ክኽውለና ኣይክእልን እዩ። ፍሽለት ወለዶና ኣብ ኢንሳይክሎፖድያ፣ ዊኪፒድያ ርእዮም፣ “ኣቦይ፣ ኣባሓጎይ፣ ስለምንታይ ኢና ሃገር ኣልቦ ክብረት ኣልቦ ኴንና?” ኢሎም ምስ ዝሓቱና፣ “ኢሳይያስ ርጉም ኣጥፊኡዋ” ዝብል ቅሙጥ መልሲ ኣለና ኢልና ንሓስብ እንተደኣሃሊና ብሃማት ኢና። “ኢሳይያስ ሃገር ምሉእ ከጥፍኣ ኸሎ ህዝቢ ኣበይ ነይሩ፣ ንስኻ ኸ ኣበይ ኔርካ? ንዓኻ ካብ ምድሓና ዝዓገተካ ኸ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕርቃን ዝተሓወሶ ሕቶ ክኽተል ምዃኑ ክስቆረና ኣለዎ። ኢሳይያስ ብዘይሓገዝና ሃገር ከጥፍእ ኣይክእልን እዩ። ስቕታ ንግዚኡ መኸወሊ በለጽ ክኸውን ይኽእል ይኸውን፣ ንሓዋሩ ካብ ታሪኻዊ ተሓታትነት ዘድሕን ጥበብ ግን ኣይኮነን። መዝገብ ስቕታን እንታይ ገደሰንን፣ ካብ ክልተ መኣዲ ብዘኻዕብቶ ገንዘብ ደቀይ ንምቕሻሽ ኣኺሉ ካብ ሕቶ ከድሕነኒ እዩ ዝብል ጉርሒ ዝሓዞ እንተልዩ፣ ንመጻእቲ ወለዶ ካብ’ቲ ንሕና እንውትፈሎም ገንዘብ ንላዕሊ እነውርሶም መንነትን ታሪኽን ከምዘገድሶም ክንዝክር ይግባእ። ንዓኣቶም ካብ ዕዳ ውርሻ ምኽፋል፣ ዕዳ ገንዘብ ምኽፋል ዝቐለለ እዩ። ስለዚ ነፍቅሮም፣ ንሓልየሎም እንተዄንና፣ ነቲ ንሶም ክገብሩዎ ዝኽእሉ ዝቐለለ ነገር ዘይኮነ፣ ነቲ ክገብሩዎ ዘይክእሉ ዝኸበደ ነገር ክንገብረሎም ኣለና።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብዚ ጽንኩርን ሕንፍሽፍሽ ዝበለን እዋን’ዚ ኮይኑ መጻኢ ኤርትራ ክንበ ዝኽእል ነብይ የለን ‘ሞ፣  ኩሉ ኣብ ራኢኻን ባህግኻ ናብ ግብሪ ንምልዋጥ እተርእዮ ተወፋይነትን እዩ ዝምርኮስ። ንስኻ ደራኺ ኩሉ ተወሳኺ ምዃኑ ኣሚንካ፣ ልዕሊ ኹሉ ያታ ተወፋይነትካ ዘኪርካ፣ ጽፉፍን ቅኑዕን ቃልሲ ብምክያድ፣ ውሕስነት ዘለዎ ለውጢ ከተረጋግጽ ተዓጠቕ። ከይተዓጠቕካ ዕጥቂ ጸላኢካ ምፍታሕ ኣይከኣልን እዩ። እዚ መዋእል’ዚ፣ ደገፍቲ ናብ ዝሓየለ ዝቀዳደሙሉ እምበር፣ ዝደኸመ ዘራይ ዝረኽበሉ መዋእል ኣይኮነን። ስለዚ፣ ምስኪንኪን፣ ምንብርካኽ፣ ተጸባይነት፣ ነብሰ ምትሓትን ምጽማምን ገዲፍካ፣ ኣብ ነብስኻ ተኣማሚንካ ንድሕነትካ ተላዓል። እዚ ዕማም’ዚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነት ‘ኳ እንተኾነ፣ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ሃገር እትርከብ፣ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ፣ መማቕልቲ ስደት ብምዃን ዝርካቡ መንእሰይ ኣኪብካ ዘለኻ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝያዳ እጃም ከምዘለካ ተገንዚብካ ሕልናኻን ህዝብናን ዘቕስን ናይ ለውጢ ስጉምቲ ውሰድ። ምክልኻል ሃገር ማለት፣ ንሃገር እንተላይ ካብ ናይ ውሽጢ ጸላኢ ምክልኻል፣ ንህዝብኻ ካብ ጥፍኣት ምድሓን እዩ። ሕጂ ‘ውን ንስኻ ደራኺ ኩሉ ተወሳኺ። መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ነቲ ክባኻ ዘይሓለፍ ዕማም ዳግማይ ሓርነት ተተሓሓዞ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ኣማኑኤል ኢያሱ

27 ነሓሰ 2014

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • Bereket August 28, 2014

    Amanuel, I have no words to admire you. We are proud of you; you said exactly what’s in my mind. I thank you from the bottom of my heart and on behalf of all Eritreans who do not have the chance to use the web like I do. I wish success in your struggle.

  • woldu tekle August 28, 2014

    ሽደን ዘራይ ህዝቢ!! (ንኽብሪ ተቓላሳይ ኣማንኤል ኢያሱ) TRIBUTE TO AMANUEL EYASU
    ሽደን ክብሎ ዘራይ ህዝቢ
    ሰሪሑ ዘይደክም ትጉህ ከም ንህቢ
    ዕላምኡ ሓንቲ ንሓርነት ጋላቢ፡
    ሽደን’ዩ ናይ ህዝቢ ጠበቓ
    መብጽዓ ኣትዩ ንኤርትራ ከይርሕቃ
    እታ በላሕ ብርዑ ልቢ ህዝቢ ሰሪቓ
    ተስፋ ኤርትራና ጅግና ናይ በረኻ፡
    ኣርሓ’ዩ ዘራይ ናይ ውጹዓት
    ወዲ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ውጻእ መዓት
    ትብዓት ዝእምነቱ ዝጣበቕ ኣብ ቅርዓት
    ንህግደፋውያን ኮይንዎም ዘይሓዊ መንድዓት፡
    ኤማ…ክሰምየካ ናይ ፍትሒ ሓዋርያ
    ኣታ’ዛ ኤርትራ መሪሕ’ምበር ኣዕብያ
    ደኺመ ዘይብል ኣእምሮኡ ራህያ
    ቆሪጹ ዝተላዕለ ንቁርዲድ ህግደፍ ክኣልያ፡
    ስመር ንበል ንዕሰል ኣብ ቆፍኡ
    ንሓግዞ ነሰስኖ ተሰሪዕና ምስኡ
    ክንዲ ሽሕ’ዩ መን ሰሪሑ ከምኡ
    ብሓባር ንደግፎ ንምልኣያ ዕትሮኡ፡
    ሽደን ኮንካ ንበረልና
    ምእንቲ ሃገር ምእንቲ ህዝብና
    ምእንቲ ፍትሒ ምእንቲ መሰልና
    ኣፍና ኢኻ ናይ ሓርነት ልሳንና
    ኣብየት ተዓዲልና ምዃንካ ናትና፡ ፡
    ፍትሒ ይንገስ
    ወልዱ ተኽለ

  • Michael Haile August 29, 2014

    የቀንየልና አማኒኤል ንኹላትና ትእርም እያ፣መዓዲትን ወሃቢት ሕልናን ስለዝኾነት ኩላትና ክንመሃርን ንቅድሚት ክንስጉምን ክአ አምላኽ ይሓግዝ፣ብዝያዳ ክአ ነቲ ዉሽጢ ዘሎ ህዝብና ፍናን ዝዉስኽን ኒሕን ሓቦን ዘስንቅን እያ፣ ደጊመ ነምስግነካ ሓልዮት ህዝብኻ ከም ወትሩ አይፈለ አጆኻ ።

  • m August 29, 2014

    thankk you we are proud of you,, but we must do somthing not only talk help nothing, hgdef is crimnals they will never go with out fight we must use some Feedeeyn now if we kill one of them i m sure very sure they will escape like ratss,stand up my pepole hgdef is our enemy they kill us slowely, were is the Jeganu tegadelti”

  • Truly Truly i say to you August 29, 2014

    ብዛእባ ሃገራዊነቱን ተወፋይነቱን ኣይኮነን ደገፍትን ተቃወምትን ኣክራናት ኤርትራ ክይተረፈ ክምስክርሉ ዝኽእሉ፡ ክቡርን ሃቀኛን በዓል ሃቦ ተቃላሳይ ሃውና ኣማንኤል እያሱ ከምዚ ከምዝበሎ፦

    “ፍሽለት ወለዶና ኣብ ኢንሳይክሎፖድያ፣ ዊኪፒድያ ርእዮም፣ ኣቦይ፣ ኣባሓጎይ፣ ስለምንታይ ኢና ሃገር ኣልቦ ክብረት ኣልቦ ኴንና፧” ኢሎም ምስ ዝሓቱና፣ “ኢሳይያስ ርጉም ኣጥፊኡዋ” ዝብል ቅሙጥ መልሲ ኣለና ኢልና ንሓስብ እንተደኣሃሊና ብሃማት ኢና። “ኢሳይያስ ሃገር ምሉእ ከጥፍኣ ኸሎ ህዝቢ ኣበይ ነይሩ፣ ንስኻ ኸ ኣበይ ኔርካ፧ ንዓኻ ካብ ምድሓና ዝዓገተካ ኸ እንታይ እዩ፧” ዝብል ሕርቃን ዝተሓወሶ ሕቶ ክኽተል ምዃኑ ክስቆረና ኣለዎ። ኢሳይያስ ብዘይሓገዝና ሃገር ከጥፍእ ኣይክእልን።“
    ብሃቂም ኢሳያስ ብዘይሓገዝና ሃገር ፈጺሙ ከጥፍእ ኣምበይምከኣለን። በዚ ምኽንያት ብፍላይ ነቶም ናይ ኢሳያስ ስውር ሚስጥር ከይተረድኦም ብገርህነት ነቶም ዝድግፍዎን ዘሰስንዎን ዘለዉ ሃገራውያን ኢና በሃልቲ ብትሕትና ነዘን ህቶታትይ ክምሉሱለይ እላበዎም።
    ሕራይ ነቶም ተቃወምቲ ኢና ዝብሉስ ሃገራውያን ከምደይኮኑ ከምቲ ኣረኣእያኹም ብግብሮም ስለዝፈለጥኩሞም እዩ ደይት ስእብዎም ዘለኹም ንበል። ግናስ ሕግደፍ እዩ ናይ ሃገር ዋልታ እሙን ክሳብ በልኩም ስለምንታይ እዩ ድህሪ 23 ዓመት ናጽነት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሥርኣት ብግዚያዊ መንግስቲ ምጽውኡ ጥራይ ደይኮነ፣ ሕዝቢ ኤርትራ ብሙሉእ ናይ ግዚያዊ መንግስቲ መንነት ወረቀት ሂዙ ክነብር ከሎ ቁሩብ ደይሰክፈኩም፧ መንግስቲስ ሕራይ ግዚያዊ ተበለ ንመደናገሪ ስለዝጥቀመሉ የዋጽኦ ይኸውን። ሕዝቢ ግና ድህሪ 23 ዓመት ብደሙ ዘምጽዖ ነጻነት ሀገር ከምደየብልና ብግዚያዊ ዝብል መንነት ወረቀት ክጽዋእ ከሎ ስለምንታይ እዩ እቲ ሚስጢር ቁሩብ ክርድኣኩም ደይከኣለ? ከመይ ገሩስ እዩ ሕልናኹም ድቅበሎ ዘሎ?
    ነቲ መንግስቲ እንድህር ትኣምንዎ ተኾይንኩም ስለምንታይ እዩ እቲ ሚስጢር ቁሩብ ክርድኣኩም ደይትፍትኑ? ዋላ ነቲ ኢሳያስ ብሃጸር ግዜ ሃዲሽ ቅዋም ከነውጽእ ኢና፣ ኣባይቲ ክስራህ ከነፍቅድ ኢና፣ ናይ ሃድሽ ወረቀት መንነት ክንእድል ኢና ወዘተ ኢሉ ንዝጠበረኩም ከተግብሮስ ስለምንታይ ደይትሃትዎ? ኣነ ብወገነይ እዚኤን ሰለስተ ነጥብታት ዋላ ነቲ ስርዓት ብዝጥእሞ መንገዲ ከተግብሮ ይክእል ኢዩ ኢለ ተስፋ ኣይገብርን። ዊእሉ ሃዲሩ ቁሩብ ዕድል ተረኺቦም ንስልጣነይ ክጻቡኡኒ እዮም ኢሉ ስለዝፈርህ። ከም እምነተይ ኢሳያስ ኤርትራ ከም ሀገር ክትቅጽልን ህዝብና ብቅሳነትን ብሰላምን ዋላ ኣብ ትህቲኡ ክነብር ስለዘይደልይን ስለ ዘይኣምኖን ነዚ ዕድል ክህበኮም ከምደይክእል እዬ ዝኣምን።

    ተወሳኺ ክሃተኩም ዝደሊ፣ ስለምንታይ እዩ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ግርጭት ኢስያስ ክፈትሆ ክሳብ ዘይከኣለ ዋላ ንይምሰል ንሱ ወሪዱ በቶም ትኣምንዎም ካልኦት ሰባት ነቲ ጉዳይ ብሰላማዊን ብእርቂን ክፍታህ ደይህሰብ? ኣብክንዲ መውዳእታ ብዘየብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ መንእስያስት ሕይወትን ናይ ሃገር ሃብትን ብከንቱ ዝጠፍእ? ንሙዃኑ ነቲ ናይዶብ ጉዳይስ በዚ ናይ ሶቭየትን ኡክሬይንን ግጭት ከምትእዘብዎ ኣሜሪካ ናይ ዩክሬን ሉኡላዊ ግዝኣት ዶብ ክክበር ከምቲ ብህጊ ትሙጉቶ ዘላ፣ በዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኣብ ኤርትራ ክእለትን ተገዳስነትን ዘለዎም ዲፕሎማት ሰበስልጣናት ኣለዉ ኢልኩም ትኣምኑ ተኾይንኩም ስለምንታይ ናይ ኤርትራ ዶብ ኣሜሪካ ንክተኸብር ድምጾም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡም ተመሳሳሊ ፍትሒ ንክንረክብ ድምጾም ደጋጊሞም ከስምኡ ደይፍትኑ? ማለት ብልክእ ግዜን ሰዓትን ትሓቶ ሕቶ ብዓለም ተሰማእነት ንክረክብ ኣድማእነት ስልዝህልዎ? ነዚ ዝተረኸበ ኣጋጣሚ ግን ሕግደፍ ክጥቀሙሉ ፈጺሞም ኣይሃስቡን እዩም። ዘገድሶም ስልጣኖምን ስውር ዕላማኦምን ንዝኾነ ናይ ኤርታራ መንነትን ሕዝባን ምጥፋእ ስለዝኾነ።
    ኣብ መወዳእታ ንስኻትኩም ሃገራውያን ንሕና ከዳኣት ክስብ ዝኾና እንተዋሃደ ስለምንታይ እዩ ንመንግሥትኹም ነቲ ካብ ወርቅን ፖታሽን ሃብቲ ሃገርና ዝህፈስ ዘሎ እቶት፣ እዚ ኩሉ ሕዝቢ ብኤሌክትሪክን ባኒ ስእነት ክሳቐይ ከሎ ነቲ እቲ ገንዘብ ናበይ ይኸይድ ኣሎ ኢሉ ስለምንታይ ደይሃትት?

  • Semhar August 29, 2014

    Amanuel and Assena team you forgot to post
    Interview with Yemane T/Gergish, former Member of the EPLF’s Secret Party & Intelligence – Part 6 – Please post it.

  • wedijani August 29, 2014

    ohh my dear amanuel i really appreciate your comments specially regarding those oppressed peoples inside at home and your orient ion how to fight to the DIA and his followers is fantastic, but eritean peoples inside or at home they know everything concerning fighting and withdrawal of the dictator the only thing they need co coordinator how to blow and kick DIA.
    At last the co ordination must be from inside and outside through different mechanisms and devoted persons

  • Dawit Meconen August 29, 2014

    For so long,the people of Eritrea have been the subject of ceaseless blame for not acting in the manner of the so called “arab spring”against the con artist and impostor, isaias afewerqi. To date however, in what appears to be a silent counter blame and tactical decision to outwait the censurers and the usurper, the people are quietly enduring and bearing the subjugation and repression by the tigrai cabals.

    I think that it should be clear to those censurers that the collective wisdom of our people is historical, deeper than meets the eye. When, for example, are confronted by people whom , one way or other,they do not trust, they would throw a terse diction, such as, Melhas Eko Atsmi Yebulun, tacitly letting him know that he/she is not trustworthy.

    In the eyes of our people, one form of losing one’s trustworthiness is when he/she keeps company of their eternal adversary, such as the evil woyane, with whom the so called “Eritrean opposition, EDA “, who are clamoring for the rise of our people against the usurper, have been in bed for twenty three years, not only justifying the ignominy of their action by reciting the past EPLF and woyane alliance but also supporting woyane in its inhumane deportation of hundreds of thousands of our people from Ethiopia;

    its premeditated border instigation;

    its Declaration of War on our country and its actual invasion;

    its illegal occupation of Eritrean integral territory, Badme

    its unabashedly declared Manifesto of laying claim to Eritrea

    etc. etc.

    The flagrant national betrayal of the “opposition, EDA” dates back to its root, Jebha, whose leadership, intimidated by the fire power of the now defunct soviet union on the side of Ethiopian colonialism, had cowered and surrendered the quest for complete independence to autonomy status under Ethiopian rule.

    Adding insult to injury, as if that act of National Treason was not enough, Abdella Idris took it upon himself to entirely decimate Eritrea by secretly making deal with dergi to permanently partition Eritrea into two parts, the Highland and the Lowland. It was the Mighty EPLFs whose timely intervention saved our homeland.

    Needles to say, now,the core of the hodgepodge EDA, the brain child of woyane , is the Abdela Idrs party. Woyane constructed EDA in such away that in the event, God Forbid, Eritrea falls apart, it too, EDA will self-destruct by its internal irreconcilable contradictions, and woyane would at last eat the cake it baked—> a pure Chicken Dream of the vain.

    We have seen the substantial reason for our people’s adamant refusal to act spurred by the call of the sellouts. However, their staunch patience is about to bear fruits. Lo and Behold! as I have been ceaselessly calling for, Eritrean Patriotism is born, of which the usurper is keenly aware, the reason he is flooding the social media with futile propaganda, such as, drafting of a Constitution, breakthrough of diplomatic relationship with Russia, impending Ethiopian fragmentation and many others are outright lies to predicated upon deceiving and misleading his followers as a prelude to stay in power.

    Eritreans,

    Those of you who have been misled by both woyane and the con artist impostor isaias afewerqi fraudulent love for Eritrea and the Sovereignty of Eritrea, wake up and liberate yourself from the false chain with which they have shackled you. Break up your shackles and Join the ever swelling patriots. You are welcome!!!

  • Diana Da Bologna August 29, 2014

    ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ዘውር እንዳበልኩ ከለኹ፡ ሰለስት ኣመንቲ “ጰንጠ” ዝኾና ኤርትራውያን ደው ኣቢለን “ቃል ኣምላኽ ከነስምዓካ” ኢለናኒ። ኣነ ኣብ መገዲ ቃል ኣምላኽ ድሰምዓሉ ምኽንያት ከም ደይብለይን፡ ከም ኣማኒ ኦርቶክዶስ መጠን ድማ ስሕት ኢለ ኣብ ቤተክርስትያን ከይደ ቃል ኣምላኽ ከም ድሰምዕ ነጊረ ክፋነወን ክብል ኡ፡ እታ ሓንቲ “ካብ’ቲ ክተሰምዖ ድጸናሕካ ድተፈልየን ሓቀኛን ቃል ኢና ክነስምዓካ” ኢላትኒ። ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይምኖት፡ ብደይ ኣፍልጦን ብዕውር እምነትን ክምራሕ ድጸንሐ ይማኖት ከም ድኾነን፡ ህዝብና ድማ ንነዊሕ ዘበናት ግዳይ ናይ’ዚ ሃይማኖት’ዚ ኮይኑ ከም ድጸሐን፣ ሕጂ ግን ናብ’ቲ ሓቀኛ ቃል ኣምላኽ ናይ ምጽንባሩ እዋን ከም ድኣኸለ ብስምዒት ገሊጸናለይ። ተኣምራት’ዩ! እዞም ትማሊ ዝቦቐሉ ሓደሽቲ ሃዋርትያትሲ ያኢ፡ ነቲ ንዘመናት ኣቦሓጎታትና ክስዕብዎ ድጸንሑ ሃይማኖት ከንቱ ምዃኑ ይነግሩና’ለዉ። እዚ ድማ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ኣማኒ ኦርቶዶክስ’ዩ።
    ሎሚ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ልክዕ ከም’ዞም ኣመንቲ ጰንተ፡ ክንድምንታይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዕቀት ከም ደሕደርካ ብጋህዲ ነጊርካን’ለኻ። ነዚ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ጎኒ ገድሊ ኤርትራ ተሰሊፉ ሕሉቡን ንጹፉን እንዳወፈየ ድሓብሓበ ህዝቢ፡ ሓሞቱ ከም ድፈሰሰ ኣምሲልካ ክትገልጾ ምፍታን ድርቅና’ዩ። ኣብ ጎኒ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ኣሕሊፎም ድሃቡ ተቛመርቲ ስለ ደይተሰልፈስ ያኢ ከም ፈራህ ተቖጺሩ። ንሓድሕዱ ንኽፋለስ ንዝቐረበሉ ጻውዒት ስለ ድነጸገ ሓሞቱ ከም ድፈሰሰ ህዝቢ ተሓሲቡ።
    ሎሚ ኣእዛንኩም ኣውዲቕኩም ተስፋኹም ምስ ተጸንቀቐ፡ ህዝቢ ኤርትራ መርወይ ድልየታትኩምን ሕቡእ ኣጀንዳታትኩም ንኽተገብርዎ ከንቱን ናይ ዓቕሊ ጽበት ፈተነን ኣብ ምክያድ ኣቲኹም። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ጉዕዞ ቃልሱ ኣዝዩ መሪር ተመክሮ ድቐሰመ ህዝቢ’ዩ። ብዘይካ’ቲ ካብ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ድወርዶ ድነበረ ኣደራዕ፡ ሓራ ከውጽእዎ ድለኣኾም ደቁ ኣብ ሓድሕድ ኲናት ተጸሚዶም ንሓድሕዶም ክፋለሱ ከለዉ ደሕለፎ ቃንዛ ድርስዕ ኣይኮነንን። ኣብ ስደት ኮፍ ኢልካ ብናይ ግዳም ሓይልታት እንዳ ተመወልካን ጁባኻ እንድህጠርካን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዳግም ናብ ሓድሕድ ኲናት ከምርሕ ክትጽውዕ፡ እትርፎ ንኤርትራ ኣሕሊፍካ ንኢትዮጵያ ምርካባ ካልእ ዕላማ ደለዎ ኣይኮነን።
    ኣማኑኤል ኣብ ጽሑፉ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን “ተቓወምቲ ሕይልታት ደንጉዮሙና” ኢሉ ኣፉ ከፊቱ ይጽበ ምህላዉ ነጊሩና’ሎ። ንሙዃኑ ኣቶ ኣማኑኤል “ተቓወምቲ ሓይልታት” ኢልካ ገሊጽካዮም ደለኻ በዓል መን’ዮም? እቶም ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ደድሕሪ ወያነ ዘብዘብ ክብሉ ድጸንሑ ብተወልደ ገብረስላሴ ድምርሑ ሕርክምካም ናይ ጀብሃ ድዮም? እቶም ብቂምን ቅርሕንትን ተጎቢኦም፡ ብቡርቱዕ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒት ተተብቲቦም ደለዉ ጂሃዳውያን ሓይልታት ድዮም? እቶም ክሳብ ሎሚ ብስጭት ናይ ኮረኮነ-ታህዳይ ደይወጻሎም ኣብ ፈቐዶ ኣሜሪካታትን ኤውሮጳን ፋሕ ኢሎም ደለዉ ተረፍ-መረፍ ናይ ጀብሃ ድዮም? እቶም ጸሓይ ዓሪቡ ምብራቕ ኣብይዎም ደሎ ቀቢላውያን ሓይልታት ድዮም? ወይስ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኢዮም? እቶም ብድሑር ኣውራጃዊ ስምዒታት ተበኪሎም ደለዉ ድኹማት ድዮም? ዶስ ብዛዕባ’ቶም “ዓንቀጽ39” ናይ ወያነ ከትግብሩን ንኤርትራ ክጎዛዝዩን ድጽዕሩ ደለዉ ግንባር ሓርነት ዓፈር? እቶም ጉልባቦም ቀሊዖም “ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ” ድጠልቡ ደለዉ ስመርዋታ ድዮም? መንዮም እቶም “ተቓወምቲ”? ንባዕልኻ ካብ’ዞም ካብ ኣዲስ ኣበባ ተንከስ ኢሎም ደይወጹ ልዕሊ ኣርበዓ ድኾኑ “ተቓወምቲ” ንመን ደጊፍካ፡ ንመን ከም ትቃወም ፍሉጥ ኣይኮነን። ነቲ ጅምር ካብ ደብል ኣትሒዙ ደፈሸለን ህጣሙ ደጥፍአን፡ ብዙሕ ሆይ-ሆይ ድተባህለሉ ጉባኤ ኣዋሳ ካብ ኮነንካ፣ ነቶም ክብርን ታሪኽን ቦሎኛ ንምርኻስ ኣብ ቦሎኛ ድጋብኡ ደለዉ ወይጦታት “መድረኽ” ካብ ዘለፍካ፣ መን’ዮም ዳኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣፉ ከፊቱ ድጽበዮም ደሎ “ተቓውምቲ” ኢልካ ሰሚኻዮም ደለኻ?
    ህዝቢ ኤርትራ ለባምን ሓዳግን ህዝቢ’ዩ። ደዋጽኦን ደየዋጽኦን ድፈልጥ ወረጃ ህዝቢ`ዩ። ይትረፍ ንሓድሕዱ ክተሃናኾት፡ ምስ ተጻባእቱ ደካይዶ ናይ መኸተ ቃልሲ’ውን ዕረ ድጥዕሞ ህዝቢ’ዩ። ምስ’ቲ ኹሉ ተጻብኦታት ናይ ወያነ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ሰላማዊ ጉርብትና ድኣምን ህዝቢ’ዩ። ንዝበደልዎን ይቕረ ንደይሓተትዎን ሃሰይቱ ከይተረፈ “ይቕረ ይኹንኩም” ድበለ ህዝቢ’ዩ። ነዚ ጎጠይቱ ከይተረፈ ድመሓረ ህዝቢ’ዚ፣ ንሓድሕዱ ክፋለስ ክትዕድሞ ከለኻ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ፈጺምካ ደይትፈልጦ ሙዃንካ’ዩ ደነጽር። ህዝቢ ኤርትራ፡ በዚ ብመዓር ድተለበጠ መርዚ ተሃሚሉ ኣብ ደይተደልየ ሓድሕዳዊ ግጭት ድኣቱ ሰነፍ ህዝቢ ኣይኮነን። ቅድሚ ድኣገረ፡ ቀዳምነት ድሰርዖ ጉዳይ ሉኣላውነት ኣሎ። ፈኸራታት ናይ ወያነ ብማይ ዝሑል ክድብሶ ድጽበዮ ዕማም ኣለዎ። ኣብ ናትኩም ኣጉል ጻውዒት ዘድህበሉ እዋን ኣይኮነን ደሎ። ተሞክሮታት ኲናት ሓድሕድ ድማ ካብ ደሙ ኣይወጸን ደሎ። መፍትሒ ትደልዩ እንተ ኰንኩም፡ ባዕልኹም መፍሒ ድለዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ኣይትተናኽይዎ!!

  • kwam August 29, 2014

    diana da,,,,
    hasawi tebari kem’u elka dea tebro
    nhizbna metan keyberaber nay men dea kitwesid
    papagallo gebel

POST A COMMENT