Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣይትተሃመል፣ ንስኻ ደራኺ፣ ኩሉ ተወሳኺ!

ህዝቢ ኤርትራ ኣይትተሃመል፣ ንስኻ ደራኺ፣ ኩሉ ተወሳኺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣይሂ ጠያይቲ ዝዘነበሉ ክልተ ክፉእ ክራማት ኣሕሊፍካስ፣ ሕነ ሞት ህይወት ክትርእየሉ ዝግብኣካ  ወቕቲ ከየስተማቐርካዮ ሓሊፉ። ኣብ ሰማያትካ ሓጋይን ክረምትን ዘይፈሊ ጸሊም ደበና ተንጠልጢሉ፣ ምድርኻ ብቐትሩ ጸልሚቱ፣

ህዝቢ ኤርትራ

ኣይትተሃመል፣ ንስኻ ደራኺ፣ ኩሉ ተወሳኺ

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣይሂ ጠያይቲ ዝዘነበሉ ክልተ ክፉእ ክራማት ኣሕሊፍካስ፣ ሕነ ሞት ህይወት ክትርእየሉ ዝግብኣካ  ወቕቲ ከየስተማቐርካዮ ሓሊፉ። ኣብ ሰማያትካ ሓጋይን ክረምትን ዘይፈሊ ጸሊም ደበና ተንጠልጢሉ፣ ምድርኻ ብቐትሩ ጸልሚቱ፣ ዓንዳፋትካ ነቆ ወጋሕታ ረሲዖሞ፣ ንጉሆን ኣጋምሸትን ድንግርግር ኢሉካ፣ እዋን ወፍርን እቶእቶን ምፍላዩ ኣጊሙካ ምህላዉ ዘተሓሳስብ እዩ። እቲ ግዜ ዲዩ ንመሬት ሓይሉዎ፣ መሬት እዩ ነቲ ግዜ ቀይሩዎ? ወይ ከኣ ሰብ እዩ ንግዜ ረሲዑ መሬት ክሒዱ? ከመይ ኢሉ ‘ዩ ዓሰርተ ሕብሪ ቀይርካ ዘይልወጥ ድቕድቕ ጸላም ካብ ብርሃን ጋሪዱካ?

“ምድርን ሰማይን እንተተላገበ፣ ኣርህው ተብሎ ዋላ እንተጸበበ” ኣብ እትብሃለሉ ዝነበርካ እዋን፣ ኣካልካ፣ ኣካል ናይቲ ብጸበባ ዓቕሉ ዘየጽብብ ወገን ምዃኑ ጥራይ ዝተሓበነ ወለዶ ጀጋኑ፣ ነታ መፍትሕ ጸበባ ክረክብ፣ ምእንታኻ ኣብ ጉድጓድ ክኣቱ፣ ብጸድፊ ሸልውለው ክብል፣ ፌንጂ ክረግጽ፣ ነብሱ ከቃጽል፣ ንመስዋእቲ ይቀዳደም፣ ዕላማ ክጭምት ብጥይት ይጭመት ከምዝነበረ ዝዝክሩ መሰኻኽር ዓይኒ፣ ዓውዲ ቕያ ዝነበረት መሬትካ ናብ መንከሽከሽ ተቐይራ፣ ኣብ ውሽጣ ዝርክብ ሰብ፣ ነብሱ ከድሕን ከም ዕንበባ ዘዘሊሉ ኣንፈቱ ከይፈለጠ ከምልጥ ክብል ሓንሳብ ኣብ ምድርበዳ ክስተ፣ ሓንሳብ ኣብ ባሕሪ ክጥሕል ክርእዩዎ ኸለዉ ክኣምኑዎ ኣይኣሉን እዮም።

እቲ ጸሊም ደበና ራዕ ኢሉ ሰብካ ጸቒጡ ንመሬትካ ከይቐዶ፣ ካብ ታሕቲ ዝነትዐ ማዕበል ተወሲኹዎ ኣሰርካ ተሓጺቡ ናብ ባሕሪ ከይኣቱ፣ ንሓዋሩ፣ ሃገር ሰባ፣ ህዝቢ ውን መሬቱ ከይስእን፣ “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ዝብል ትልሚ ኢሳይያስ፣ ከምዘይሰምር እንከሎ ብዓይኑ ርእዩ ክቐብጾ፣ ኣብ ኤርትራ ዳግማይ መላኺ ዘብቍል ግራት ከምዘየልቦ፣ መሬት ኤርትራ ዘርኢ ክቕይር ምዃኑ፣ ንሱ ክርዳእ፣ ንስኻ ክትብሰር ግን እንታይ ክትገብር ኣለካ?

እወ፣ ሓንሳብ መላኺ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዝኸፍአ፣ ንኻልኣይ ግዜ ተመላኺ ምዃን እዩ። ኣብ ዓንኬል ሰንሰለት መለኽትን ተበለጽትን ተቐፊድካ ከይትነብር፣ ከይትህመል ኣመና ክትጥንቀቕ ኣለካ።

ቅድሚ ቁሩብ እዋን፣ “መንግስትን ተቓዋሞን ዘይብሃላ ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ ብኹሉ መኣዝን ሓላዪ ከምዘይብልካ ጠቒሰ፣ ነብስኻ ክትፈቅድ ሕሹኽ ኢለካ ነይረ። እንተኾነ ሎሚ ነቲ ሽዑ ተስፋ ከይትቖርጽ ምእንቲ እንተጸንሐ ደኾን ይሓይሽ ዝበልኩዎ መሪር ሓቂ ወስ ከብለልካ። ንምዃኑ ሰብ ከ ኣለካ ዲዩ?

ልቺ ወርሒ ጠፊኣ፣ ሓንቲ መዓልቲ እንተበሪሃ፣ ብቐደሙ ስለምንታይ ከምዝጠፍአት፣ ምኽንያት ምጽልማት እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ምሕታት ገዲፍካ፣ ነታ ብርሃን ዝረኣኻላ ዳሕረወይቲ መዓልቲ፣ ‘እዚኣ ኣይትሰኣን’ ኢልካ ብምምስጋን ትድቅስ እንተዄንካ፣ ሞት 350 ዒሕታ ማህጸንካ ተረዲእካ ንብዕ ስለዝሓገኻ፣ ንሞት ዓሰርተ ለሚድካዮ፣ ትሕቲ’ዚ ዝለዓለ ቑጽሪ ሞት ኮይኑ ዘይስምዓካ እንተደኣኾይኑ፣ ካብቲ ንሰብ ከም ወናን ረቂቕ ኣእምሮ ዝገልጽ ንቡር ኣምር ዝተፈልየ ካልእ መግለጺ ክርከብ  ኣለዎ ማለት እዩ። እዚ ኣጋንኖ ኣይኮነን።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝተበገሰት ኣስታት 200 ኤርትራውያን ስደተኛታት ተሳፊሮማ ዝነበሩ ጃልባ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ደሃያ ፈጺሙ ጠፊኡ ‘ሎ። በቃ፣ ክልተ ሚእቲ ትንፋስ ሒዛ ኣሰር የብላን! ኣብ ወርሓ ልዕሊ 180 ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሳፊራ ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ጥሒላ 25 ሰብ ጥራይ ብሓይሊ ኣምላኽ ድሒኖም። ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 200 ስደተኛታት ኣሳፊራ ምስ ተበገሰት ድሕሪ ሓደ ኪሎሜተር ካብ ዝጠሓለት ጃልባ 170 ሬሳታት ከምዝተረኽበ ‘ውን ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ካብ ሊብያ ሓቢረን። ካብቲ ባሕሪ ምስቲ ሬሳታት ተሓጺቦም ዝወጹ ገለ ሰነዳት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ከምዝነበሩ ይጠቅስ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ልዕሊ ሚእቲ ህይወት መርድእ ኣብ ባንክ ሓዘን ተቐሚጡልካ ኣሎ። ኣምላኽ ይሓግዝ እምበር፣ እቲ መርድእ ናብ ኣየነይቲ ተኣኪሊት ኣደ ኾን እዩ ክበጽሕ!

እቶም በብዒስራ በብሳላ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዝሃልቁ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣዲኦም ትቝጸሮም። ትራጀዲ ላምፐዱዛ ዓመት ከየቝጸረ፣ 10 ላምፐዱዛ ተራእዩ ‘ሎ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ብዓውታ ‘ደቅና ኣበይ ኣለው?’ ክብል ኣይተሰምዐን። ሰባት፣ ኣቦታት ኣዴታት፣ ብዛዕባ ሞት ደቆም ዓው ኢሎም ኣብ ክንዲ ምሕታት ሞት ፈሪሖም ከጽቅጡ ክግደዱ ከለዉ፣ ኣእምሮኦም ስሒቶም ከምዘለዉ፣ ሰብኣዊ ስምዒቶም ተመሊኹ ከምዘሎ እዩ ዘርኢ።

ነዚ ናይ ቀረባ እዋን ህልቂት፣ ሞት እቲ ወድ ሰብ ክኸፍሎ ዝግደድ ዝለዓለ ዋጋ ብምዃኑ ኢና ከም መርኣያ ንጠቕሶ ዘለና፣ እምበር ነዚ ንርኽሰት ክብርታትን ኣሉታዊ ባህርያትን ኤርትራውያን ዝገልጽ ሽሕን ሓደን ኣብነታት ኣሎ። ሎሚ ግን ነቲ ዓሰርተ ዓመት ዝደጋገምናዮ፣ ብዓቢኡ ህዝቢ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ዝርዝራት ኣይኮናን ክንደግም ደሊና።

ንነብሰይ ወሲኸ ብዛዕባ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። እቲ ብዙሓት ህይወቶም ዝመነኑሉ፣ ነብሶም ንመስዋእቲ ዝሓጸዩሉ፣ ብዙሓት ዝሰንከሉሉ ሕብረተሰብ፣ ምልላዩ ክሳብ ዝሰኣን ክንድ’ዚ ዝኣክል ውርደት ክጸውር ምኽኣሉ ዘይእመን ‘ኳ እንተኾነ፣ ካብ ባይታ ምንቕ ምባል ዝኣበየ ሓቂ ኮይኑ ‘ሎ።

ኣብዚ ኤርትራዊ ሓበን ባኺኑ፣ ኤርትራ ከም ሃገር፣ ኤርትራዊ ከም ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዝጸንተሉ ዘሎ እዋን እምብኣር፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ህላወ ሃገሩን ድሕነቱን መታን ከረጋግጽ መጀመርያ ንገዛእ ነብሱ ፊት ንፊት ገጢሙ ነብሱ ክገንሕ፣ ድኻሙ ብምእላይ ሓላፍነት ክስከም ቅሩብነት ከርኢ ኣለዎ። ከም ልማድ ህዝቢ ኤርትራ ክብሃል ከሎ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ንዝርከብ ኩሉ ቀጸላታት ዝሓቍፍ ‘ኳ እንተኾነ፣ እዚ ዓንቀጽ’ዚ ብፍላይ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ መንከሽከሽ ውልቀምልኪ ሓዊ ዝልብለብ ዘሎ፣ ብዘይካ ለውጢ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት እዩ። ብሕልፊ ኸኣ ነቲ ሃገር ንምክልኻል ብረት ተሰኪሙ ኣብ ወሰናስን ቀንፈዘው እናበለ፣ ህዝቡ ካብ ሕምብርቲ ሃገሩ ብውንጭፍ ውልቀምልኪ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ዝውርወር ዘሎ ሓይልታት ምክልኻል፣ ብዝያዳ ኸኣ ንመንእሰይ ኤርትራ።

ውዑይን ዝሑልን ኣብ ዝባንካ ዝከዓወካ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣስተውዕል። ሕልናና እናቐንጠወ ደኣምበር፣ ብዛዕባ ‘ቲ ዝወርደካ ዘሎ መዓት፣ ካብ ማዕዶ ከነዘንትወልካ መልክዕ ዘለዎ ኣይኮነን። ንዓና ነቶም ተስፋ ቆሪጽና ኣብ ዘዝሕሸና ዓድታት ስደት ተዘሪእና ዘለና፣ ናብ ኤርትራ ከም ደቂ ዓዲ ብታሴራ ኣቲና፣ ቶግ ክስማዕ ከሎ ፓስፖርት ወጻእተኛ መዚዝና ምስ ኣመሪካውያን ወይ እንግሊዛውያን ረጥሪጥናካ እንበርር ሰባት፣ ከምቲ ዘይንርስዓካ ከም ዓጽመስጋኻ ክትርስዓና ከጸግመካ ዝኽእል ‘ኳ እንተኾነ፣ ከም በጻሕቲ ደኣምበር ከም ነበርቲ ክትርእየና ኣይግባእን። ንመዘኻኸሪናን ጻውዒትናን ‘ውን ብኡ መንጽር ከም ሕልናዊ ወስታ ከም ተወሳኺ ርኣዮ። ተመራመረሉ።

ምጽማም  ምጽማም እዩ፣ ኣይትጸመም

ህዝቢ ኤርትራ፣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ኣብ መዝገበ ቃላት ኢሳይያስ ዓቕሊ ማለት ዕሽነት ተባሂሉ ከምዝትርጎም ዛጊት ዘይተረደኣካ እንተኾይኑ፣ ኣመና ዘንጊዕካ ኣለኻ። ምእንቲ ሃገር ዝጸርካዮ ተደጋጋሚ መስዋእቲ፣ ኣብ ህዋሳትካ ተለጢፉ ዘሎ በሰላታት መውጋእቲ፣ በዘን ሒደት ገጻት ናይዚ ወረቐት ክጽወር ስለዘይክእል ‘ሞ ንግዚኡ ይጽንሓልና፣ ኮንታተረ መንግስቲ በብወርሑ ዝኣዘዘቶ ገንዘብ እናኸፈለ፣ ልቺ ጠፊኣቶ ንሓደ መዓልቲ ዘይኮነ ንሰሙናት ጭልምልም ዝብል ስድራቤት ብባውዛ ዶ ኣይኮነን ክከሓስ ዝግባእ። ስርዓት ኢሳይያስ ግን፣ ምጽማም ክሳብ ክንደይ ኣጽሚሙካ ከምዘሎ ስለዘስተውዓለ፣ ነታ መዓልቲ ጭምልልም በብቑሩብ ናብ ወርሒ ጭልምልም ኣሰጋጊሩዋ። ኣሽንባይ ዶ ኣብ ኣስመራ፣ እሞ ኸኣ ድሕሪ ናጽነት፣ ኣብ ግዜ ገድሊ ‘ኳ፣ ኣብ ሳሕል፣  ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ደጀን ዝነበረ ክፍልታት ልቺ ሓንሳብ ምስ ኣተወት ምጥፍኣ ኣይተለምደን። መዓልታዊ እትኸደሉ ሰዓታት ለይቲ ፍሉጥ፣ ንሱ ‘ውን ምስናይ ውልዕ-ጥፍእ መጠንቀቕታ እዩ ዝነበረ። እቲ ኣብ ስንጭሮታት ኣግራብ ዘብርህ ዝነበረ፣ ብናይ ቅድሚ ናጽነት መንግስትነት ወዳጀ ዝተባህለ ኣካል ደኣ ሕጂ ድሕሪ 20 ዓመታት ናጽነትን ዘይቅቡእ ንግስነትን፣ ኣዕኑድ ጎደናታትን ቪላታትን ዘጸልመተ ጉዱ እንታይ ‘ዩ? ሽፍትነት ከተማ ምስ ልቺ ምስናይ ስለዘጸገሞ ደኾን ይኸውን?

ህዝቢ ኤርትራ፣ ልቺ ኤልፓ ዘይኮነ ልቢ ኢሳይያስ ጠፊኡ ከምዘሎ ከተስተውዕል ይግባእ። ከምቲ ሕሱማት መርመርቲ ንእሱራት፣ ሓንሳብ ክሳብ ክሳዶም ኣብ ማይ ብምጥላቕ ሓንሳብ ኣብ ጸላም ገዛ ብምዕጻው ዘለፋልፉዎምን ዝቐጽዑዎምን፣ ኢሳይያስ ‘ውን ኣብቲ ትሕቲ ምልካዊ መግዛእቱ ከንበርክኸካ፣ ስነኣእምሮኻ ክቆጻጸሮ ዝብህግ ጽዩፍ ሕልና ስለዘለዎ ብጸላም ይቐጽዓካ ምህላዉ ምግንዛብ ከድልየካ እዩ። ከምቲ ንጥምየትን ጽምእን መቆጻጸሪኻን መዋረዲኻን ዝተጠቕመሉ፣ በዚ ጸላም ‘ውን ክቆጻጸረካን ክመልከካን እዩ ዝፍትን ዘሎ። ክንደይ ዓመታት ቢሻ ቢሻ ኢሉካ፣ ወርቂ ግን ሸየጥቱ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጠፊኦም ክብሃል ደኣ ተሰምዐ ‘ምበር፣ ጋዝ ከብርህ ‘ኳ ኣይተራእየን። ሽያጥ ወርቂ ከይረኣኻን ከይሓተትካሉን ከኣ እንሆ ሕጂ ፖታሽ ፖታሽ ይብለካ ‘ሎ። ተስፋ ጨካናት ድራር ውጹዓት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ንጨካን ጨካን ጥራይ እዩ ዘሕምቖ። ሕድገትን ዓቕልን መሻደኒኡ እዩ። በዚ መሰረታዊ ዝኾነ ነገራት፣ ምጽምማካ ደረት ከምዝሰኣነ ጫፍ ጥራይ ኢና ነትሕዘካ ዘለና፣ እምበር፣ ብዓቢኡ ንሓደ ዓመት ዝተኣወጀ ሃገራዊ ገልግሎት 20 ዓመቱ ኮይኑ፣ 1997 ዝጸደቐ ብኡንብኡ ክትግበር ዝነበሮ ቅዋምካ ኣብ ሸውዓተ ማዕሙቕ ኣትዩ፣ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ዝተጸመምካዮ ሞት 30፣ ኣብ ላምፐዱዛ ናብ 300 ዓሪጉ፣ ብፖለቲካን ብህይወትን፣ ምልኪ ብምንታይ ‘ሞ ዘይፈተነካ! ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንምጽማም ክትጽመማ ኣይትንበር፣ ሓዲኡ ግበር። ልኡምነትካ ከብቅዕ ኣለዎ። ስምዒት ይሃልኻ፣ ብእኩይ ተግባር ሕረቕ፣ ንዓመጽትኻ በድህ፣ ብፍረጻማኻ ተሓጎስ። ኣመና ምጽማም ምጽማም እዩ። ዓመጽ ኣይትጸመም!

ተጸባይነት ግደፎ፣ ርእሰ ምትእምማንካ ምለሶ፣

“ኣንታ እዞም ተቓወምቲ እምበር ደንግዮም” ዝብል ዘረባ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዘለዉ ሰባት፣ እንተላይ ካብ ዕጡቓት ክስማዕ ከሎ፣ ህዝቢ ንለውጢ ክቱር ድሌት ከምዘለዎ ኣመልኪቱ ካብ ዝፈጥረልካ ሓጎስ፣ ሞራልን ኒሕን ሕብረተሰብና ተረዅምሹ ምህላዉ ኣሚቱ ዝፈጥረልካ ጓሂ ይዓቢ። እቲ መሬት፣ እቲ ህዝቢ፣ እቲ ዕጥቂ፣ እቲ ሰራዊት ምሳኻ፣ እቲ ዘጽንተካ ዘሎ ኣባይ ኣብ ቅድሜኻ ከሎ፣ ከመይ ኢልካ ኢኻ፣ ለውጥን ፍትሕን ከም ሃለኽቲ ዱባይ ካብ ደገ ብተቓወምቲ ተኾብኵበን ክመጻኻ እትጽበየን። እቲ ‘ካብ ከውሒ ማይ ዘንትዕ ኒሕን ሓቦን ከ ናበይ ኣቢሉ?’

ትማሊ ኣብ መቐለ፣ ሎሚ ኣብ ቦለኛ ዋዕላን ኣኼባን እንተተገብረ፣ ካብቲ ናይ ብቕድሚ ትማሊ ዋዕላ ደብረዘይትን ናይ ትማሊ ቦለኛን ዝፍለ ኣይኮነን። ዋዕላን ዘረባን ጋዜጣዊ መግለጽን ስደተኛታት ከድሕነካ ትጽበ እንተደኣ ኴንካ በዅርካ ኣለኻ። መፍትሕ ጸበባኻ፣ ኣብ ኢድካ ዓሚዅካ ኣብ ውሽጢ ተዓጺኻ እንከለኻ ፣ ‘ተቓወምቲ’ ካብቲ ህግደፍ ኣብ ቦለኛ ዝገደፎ ማኛ ሃሰስ ኢሎም ከቐብሉኻ ኣይትጸበ።

ኣብ ማእከል መሬትካን ህዝብኻን፣ ሰብካ እናዕጠቕካ ዕጥቂ ጸላኢኻ ከተፍትሕ፣ ብጠበንጃን መድፍዕን ለውጢ ምምጻእ 30 ዓመታት ከም ዝወሰደልካ እንተዘኪርካዮ፣ ነቶም 10 ሽሕ ማይልስ ርሒቖም ብኣፎም ‘ንቃለሰልካ ኣለና’ ዝብሉኻ፣ ነታ መባኣታዊት ስምረት ኳ ዘይከኣሉዋ፣ ዝዓበየ ዓወት ከምጽኡልካ ክትጽበዮም ምኽኑይ ኣይኮነን። ልክዕ ‘ዩ ከምቲ ጓሶት ኣብ ሻኻ ዝገብሩዎ ቅልስ፣ ናይ መቐለ ዳስ ይገፍሕ ናይ ቦለኛ ‘ባ፣ ውድበይ ይዓቢ ማሕበረይ ‘ባ እናተበሃሃሉ ነንሕድሕዶም ይቃለሱ ኣለዉ። እንተ‘ቲ ንድሕነትካ ዝግበር ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ግን ካባኻ ዝሓልፍ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን’ዚ ብሕጓ ተመዅሊኻ ዝግበር ምጽንታው ስልጣን ዘይኮነ፣ ግልጽናን ተሓታትነትን፣ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ፣ ባዕልኻ እትውንኖ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንለውጢ እዩ ዘድልየካ ዘሎ።  ናብ ሳልሳይ ዓንኬል ህውከት ዘይመርሕ፣ ውሕስነት ዘለዎ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ልዕልና ሕግን ስርዓትን መታን ክትጓናጸፍ፣ ከም ህዝቢ፣ ከም ሰራዊት፣ ምእንቲ መሰልካን ክብረትካን ባዕልኻ ደው በል። እዞም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ተቓወምቲ ኣሽንባይ ዶ ሓርነት ሒዞምልካ ክመጹ፣ ሓርነት እንተኣጽናሕካሎም ‘ውን ዝመጹኻ ኣይኮኑን። ንዓኣቶም ከም ባላ፣ ንነብስኻ ግን ከም ዓንዲ ርኣያ።

ልክዕ ‘ዩ፣ ንርእሰይ ኣብ ስደት ስለዘለኹ ምውርዛይ ክመስል ይኽእል እዩ። ይኹንምበር፣ ብኣፈይ ‘ዓገብ’ ይብል፣ ይቃወም፣ ደኣምበር ይቃለስ ከምዘየለኹ ኣጻዕድየ ይደግመልካ ኣለኹ። ሕነ ናይቶም ዘጥፍኡዎ ብኢድ ወስ እንተተረፈኒ ብኣፍ ሃተፍ ምባለይ ደገፍ እምበር ቃልሲ ኣይኮነን።እቲ ትማሊ ብዓይነይ ዝረኣኹዎ ቃልሲ፣ ሰብ ቀደም፣ ተወፋይነት ቀደም፣ ብጻይነት ቀደም፣ ሕልና ቀደም ሎሚ ብሓቂ ምንባሩን ዘምንባሩን ምስትውዓሉ ኣጊሙኒ ኣሎ። ሽዑ ስለዘይነበረ ዘይኮነስ፣ መተካእትኡ ስለዝመረረ። እቲ ትማሊ ህይወት ዝተኸፍሎ፣ ሕላገት ኤርትራውነት ዝነበረ ናይ ሓባር ዕላማ፣ ሓቂ፣ ቅንዕና፣ ምቕሉልነት፣ ምትሕልላይ፣ ብጻይነት፣ ተወፋይነት፣ ድሮ ዓስዩ፣ ብሓሶት፣ ተንኮል፣ ስስዐ፣ በለጽ፣ ሻርነት፣ ግብዝና ተተኪኡ ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ስቓይ የልቦን። ህዝቢ ነቲ ዝርእዮ ዘሎ ኣደራዕ ምእማን ስኢኑ ብኣእምሮኡ ኣዕሚቝ ክምርምሮ ሓንሳብ ሰለም እንተበለ፣ ንሓዋሩ ዝዓወረ መሲሉዎም፣ ኣብ ዓዲ ምዉታን ክንገሱ ኛምኛም ዝብሉ፣ ሚዛን ነብሶም ዝጠፍኦም ሰባት ክትርኢ ከለኻ ዘስደምም እዩ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተሰደ ዜጋ፣ እንተ ሓሙሽተ እንተ ዓሰርተ ካብ ሚእቲ ግዜኡ ኣወፍዩ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ህዝቢ ድምጺ ስቅያቱ ከስምዓሉ፣ ብገንዘብን ንዋትን ክድግፎ፣ ብዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ክሕግዞ ይኽእል እዩ። እዚ ግን ተውሳኽ ጽቡቕ ድሌት ደኣምበር፣ ደራኺ ለውጢ ዝኸውን፣ ጥዕቅኻ ዘፍትሕ ቁምነገር ኣይኮነን። ኣይትተሃመል፣ ክዳን ርእሰ ምትእምማንካ ምለሶ፣ ተጸባዪ ኣይትኹን። ኩሉ ተወሳኺ፣ ንስኻ ኢኻ ደራኺ።

ኣብዚ ሃገርና ብስርዓት ዘይብሉ መንግስቲ፣ መተካእታ ዘይብሉ ተቓውሞ፣ ኣንፈቱ ዘጥፍአ መንእሰይ፣ ዕጥቁ ዝፈትሐ ሰራዊት፣ ፍልጠቱ ዘባኸነ ምሁር፣ ልቦና ዝጎደሎ ዓቢ ዓዲ፣ ዒብ ዝሰኣኑ ኣቦታት፣ ንብዓተን ዝተወደአ ኣዴታት፣ ጥቅዉነት ዝጠፍኦ ዜጋ መሊኣ ኣብ ደንደስ ጥፍኣት እትርከበሉ ዘላ እዋን፣ ብሰንኪ ስንፍናና ብጅምላ እንሃልቀሉ ዘለና፣ ሕፍረትናን ውርደትናን ኣብ ቅድሚ ዓለም ብዓውታ ተጋሂዱሉ ዘሎ መዋእል፣ ብጥቅዉነት ክምካሕ ዝኽእል የልብናን። ሽም ናይቲ ጥፍኣት ብቐንዱ ኢሳይያስ ምስ ጭፍርኡ ‘ኳ እንተኾኑ፣ ከም ሕብረተሰብ እንተወሓደ ብስቕታን ዕሽሽታን ነዛ ሃገር ሓቢርና ኣፍሺልናያ ከምዘለና ዘይከሓድ እዩ። ብሰሪ ‘ዚ ሃገራዊ ድኻም ‘ዚ፣ ኢሳይያስ ኩሉ እከይ ውጥናቱ ዓሚሙዎ’ዩ ክብሃል ይከኣል። “እንተዘይተመሊኽኩም ከንበርክኸኩም እየ” ኢሉና፣ እንታይ ‘ሞ ገዲፉ፣ በጥ ኣቢሉና። ኣሲሩና፣ ቀቲሉና፣ ካብ መሬትና ኣባሪሩና፣ ሬሳና ዕትብቱ ኣብ ዝተቐብረሉ መሬት ከይምለስ ኣጊዱዎ። “ዕድመይ ልክዕ ክገዝኣኩም ‘የ” ኢሉና፣ እንታይ ‘ሞ ተሪፉዎ፣ እንተስ ኣብ መሬት ሕማቕ ከርእዮ፣ እንተስ ኣብ ሰማይ ምፍራዱ ክቐለሉ፣ ንርጉም ኣምላኽ ቀልጢፉ ስለዘየቃብጾ ደንጕዩዎ እምበር፣ 50 ዓመታት ኣብ መሪሕነት ዝነበር ናይ ብሓቂ ዝሰርሕ ቅኑዕ መራሒ የልቦን።

ክብረትና ተቐንጢጡ፣ መጻወቲ በደዊን ሲናይን ሰሃራን፣ ስም ሃገርና ኣርእስተ ዜና ስደት ኮይኑ። ካብታ መራሒኣ ዝጠለማ ካፕቴን ዘይብላ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትጥሕል ዘላ ‘ኤርትራ’ ዝተባህለት መርከብ ነብሶም ከውጽኡ፣ መድሕን ህይወት ኣብ ዝመሰላኦም ጃላቡ ማእከላይ ባሕሪ ዝተሰቕሉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ሳንዱቕ ሬሳ ኮይነናኦም፣ ነቲ ጃምምላዊ ሞት ምስ ለመድናዮ፣ ንሞት ዘይፈራሕናያ ካብ ሞት ምትንሳእ ምስ ኣፍርሓና፣ እቶም ፈለማ ዝደንገጹልና ‘ኳ ንዒቖምና። ኤርትራውነት ማለት እንታይ ምዃኑ በብውሽጥና ኣተሓሳሲቡና፣ ብሓባር ከይንዝትየሉ ግን ኣጊሙና ‘ሎ። እዚ ዘሕፍር ታሪኽ ‘ዚ ሸውዓተ ኮቦርታ ተኸዲና ክንሕባኣሉ እንተፈተና ‘ውን ካብ ሕቶ መጻኢ ወለዶታት ክኽውለና ኣይክእልን እዩ። ፍሽለት ወለዶና ኣብ ኢንሳይክሎፖድያ፣ ዊኪፒድያ ርእዮም፣ “ኣቦይ፣ ኣባሓጎይ፣ ስለምንታይ ኢና ሃገር ኣልቦ ክብረት ኣልቦ ኴንና?” ኢሎም ምስ ዝሓቱና፣ “ኢሳይያስ ርጉም ኣጥፊኡዋ” ዝብል ቅሙጥ መልሲ ኣለና ኢልና ንሓስብ እንተደኣሃሊና ብሃማት ኢና። “ኢሳይያስ ሃገር ምሉእ ከጥፍኣ ኸሎ ህዝቢ ኣበይ ነይሩ፣ ንስኻ ኸ ኣበይ ኔርካ? ንዓኻ ካብ ምድሓና ዝዓገተካ ኸ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕርቃን ዝተሓወሶ ሕቶ ክኽተል ምዃኑ ክስቆረና ኣለዎ። ኢሳይያስ ብዘይሓገዝና ሃገር ከጥፍእ ኣይክእልን እዩ። ስቕታ ንግዚኡ መኸወሊ በለጽ ክኸውን ይኽእል ይኸውን፣ ንሓዋሩ ካብ ታሪኻዊ ተሓታትነት ዘድሕን ጥበብ ግን ኣይኮነን። መዝገብ ስቕታን እንታይ ገደሰንን፣ ካብ ክልተ መኣዲ ብዘኻዕብቶ ገንዘብ ደቀይ ንምቕሻሽ ኣኺሉ ካብ ሕቶ ከድሕነኒ እዩ ዝብል ጉርሒ ዝሓዞ እንተልዩ፣ ንመጻእቲ ወለዶ ካብ’ቲ ንሕና እንውትፈሎም ገንዘብ ንላዕሊ እነውርሶም መንነትን ታሪኽን ከምዘገድሶም ክንዝክር ይግባእ። ንዓኣቶም ካብ ዕዳ ውርሻ ምኽፋል፣ ዕዳ ገንዘብ ምኽፋል ዝቐለለ እዩ። ስለዚ ነፍቅሮም፣ ንሓልየሎም እንተዄንና፣ ነቲ ንሶም ክገብሩዎ ዝኽእሉ ዝቐለለ ነገር ዘይኮነ፣ ነቲ ክገብሩዎ ዘይክእሉ ዝኸበደ ነገር ክንገብረሎም ኣለና።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብዚ ጽንኩርን ሕንፍሽፍሽ ዝበለን እዋን’ዚ ኮይኑ መጻኢ ኤርትራ ክንበ ዝኽእል ነብይ የለን ‘ሞ፣  ኩሉ ኣብ ራኢኻን ባህግኻ ናብ ግብሪ ንምልዋጥ እተርእዮ ተወፋይነትን እዩ ዝምርኮስ። ንስኻ ደራኺ ኩሉ ተወሳኺ ምዃኑ ኣሚንካ፣ ልዕሊ ኹሉ ያታ ተወፋይነትካ ዘኪርካ፣ ጽፉፍን ቅኑዕን ቃልሲ ብምክያድ፣ ውሕስነት ዘለዎ ለውጢ ከተረጋግጽ ተዓጠቕ። ከይተዓጠቕካ ዕጥቂ ጸላኢካ ምፍታሕ ኣይከኣልን እዩ። እዚ መዋእል’ዚ፣ ደገፍቲ ናብ ዝሓየለ ዝቀዳደሙሉ እምበር፣ ዝደኸመ ዘራይ ዝረኽበሉ መዋእል ኣይኮነን። ስለዚ፣ ምስኪንኪን፣ ምንብርካኽ፣ ተጸባይነት፣ ነብሰ ምትሓትን ምጽማምን ገዲፍካ፣ ኣብ ነብስኻ ተኣማሚንካ ንድሕነትካ ተላዓል። እዚ ዕማም’ዚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነት ‘ኳ እንተኾነ፣ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ሃገር እትርከብ፣ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ፣ መማቕልቲ ስደት ብምዃን ዝርካቡ መንእሰይ ኣኪብካ ዘለኻ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝያዳ እጃም ከምዘለካ ተገንዚብካ ሕልናኻን ህዝብናን ዘቕስን ናይ ለውጢ ስጉምቲ ውሰድ። ምክልኻል ሃገር ማለት፣ ንሃገር እንተላይ ካብ ናይ ውሽጢ ጸላኢ ምክልኻል፣ ንህዝብኻ ካብ ጥፍኣት ምድሓን እዩ። ሕጂ ‘ውን ንስኻ ደራኺ ኩሉ ተወሳኺ። መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ነቲ ክባኻ ዘይሓለፍ ዕማም ዳግማይ ሓርነት ተተሓሓዞ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ኣማኑኤል ኢያሱ

27 ነሓሰ 2014

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you August 29, 2014

    ካብ ረሳህ ኣእምሮን ልቦናን ዘለዎ ሰብ ዝወጸ ቃላት ብምዃኑ ክንቅበሎ ንሕሊናና ኣጊሙና እንበር፣ ግደ ሃቂ ንምዝራብ ዲያና ዲ ቦሎኛ ብዛእባ ተቃወምቲ ኢና ዝብሉ ገለ ውልቀሰባትን ውድባትን ባሕርያት ካብዝተዛረበቶ ገሊኡ ጨሪሱ ሃቅነት የብሉን ኢልካ ክትክህዶ ዝከኣል ኣይኮነን።
    ግናስ ንስኺ ዲያና ኮነ ካልኦት እሉላት ናይ ሽፍታ መንግሥቲ ደገፍቲ ኢና በሃልቲ ኣብልእሊ ተቃወምቲ ንዘለኩም ኣረኣእያ ኣጸቢቐ ስለዝፈልጥ፣ ነቶም ተቃወምቲ ገዲፈ፣ ነቶም መንግሥትና ብሥራህ ተጸሚዱ ሃገር ይሃንጽ ኣሎ፤ ሕዝቢ ሰላም ብዝኣሰላ ሀገር ብፍትሒ ይማሓደር ኣሎ፣፣ ብዙህ ልማታዊ ስረሓት ይሃንጽ ኣሎ፣ ዲጋታት መንገድታት ናይ ኤሌክትሪክ መስመራት ይሃንጽ ኣሎ፣ ኮታ ነዚኣ ሃገር ብኹሉ ኣይነት ማሕበራዊ ቁጠባዊ ፖሎቲካዊ ምእባሌ ከምትውንጨፍ ዘላ ኣምሲልኩም ነቲ ኣይንና ካብዝርእዮን እዝንና ካብዝሰምኦን ወጻኢ ከይሃነኩም ከተእምኑና ንትፍትኑ ዘለኹም ደገፍቲ ኢና በሃልቲ፣ ገለ ሕቶታት ሓቲተ ንክትምሉሱለይ ተላቢወኩም ነረ፣ ምድጋሙ´ዃ ኣገዳስነት ስለዘየለዉ ነቶም ሃሙሽተ- ሽዱሽተ ሕቶታተይ ኣብላእሊ ካብዝጸሓፍኩዎ ሪኢቶ ነቢብኪ፣ ነቲ ንሕዝቢ ኤርትራ ከማሃድር ብቅኣትን ተኣማኒነትን ኣሎዎ ንትብልዎ ሥርዓት ጠይቅኩም ንምንታይ ነቲ ዝተዛረቦ ከተግብሮ ከምዘይከኣለ´ዶ ምመልስክለይ? ብዛእባ ተቃወምቲ ኢና በሃልቲ ነቲ ዝገልጽክዮ ከምቅቡል ክንወስደልኪ´ሞ።