Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ፡ ቤቱ ዝሃንጸሉ’ምበር ቤቱ ዘፍርሰሉ ኣይደልን’ዩ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ቤቱ ዝሃንጸሉ’ምበር ቤቱ ዘፍርሰሉ ኣይደልን’ዩ ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም፡ ዘመናዊ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ናጻ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰል ስለዘሎ፡ ሰባት ብስሉጥ መዓልታዊ ህይወቶም ክመርሑ፡ ሓድሕድ ርክባት ክምስርቱ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ንጥፈታቶም ከሰላስሉን ክኢሎም

ህዝቢ ኤርትራ፡ ቤቱ ዝሃንጸሉምበር ቤቱ ዘፍርሰሉ ኣይደልን

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም፡ ዘመናዊ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ናጻ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰል ስለዘሎ፡ ሰባት ብስሉጥ መዓልታዊ ህይወቶም ክመርሑ፡ ሓድሕድ ርክባት ክምስርቱ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ንጥፈታቶም ከሰላስሉን ክኢሎም ኣለዉ። ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን’ውን ነዚ ዕድላት’ዚ ተጠቂሞም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት (Social media) ዝያዳ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ኣድሂቦም ንስርዓት ህግደፍ ዘለዎም ተቃውሞ ወይ ደገፍ ክገልጹን ደለይቲ ፍትሒ ዝብሃሉ ንባዕሎም ፍልልያቶምን ዘሰማምዖዖምን ብቀጻሊ ክገልጹ ንዕዘብ። ገለ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቀርብ መደባትን ክትዓትን፡ ንእንታይነት ስርዓት ህግደፍ ዘቃልዕ ክኸውን እንከሎ ገሊኡ ድማ መስመሩ ስሒቱን ንሃንቀውታ ህዝቢ አርትራ ዘየንጸባርቅን ኣብ ቆሎ ጥጥቆን ቆይቁን ግዜ ዘባኽን’ዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ጎስጓሳት ግን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሓድሕዱ ዘናቁትን ቃና ሰራም ግዳማዊ መልእኽቲ ዘለዎ ምዃኑን’ዩ። ፖለቲካዊ መርገጺ ይኹን ራእይ ናይቲ ብስም ኣግኣዝያን ዝፍለጥ ዘመተ፡ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዘለዉ ክርስትያን ትውክል ሃገረ ኣግኣዝያን ትብሃል መንግስቲ ክምስረት ዝሓልም ስለዝኾነ፡ ብጃምላ ንኣመንቲ ምስልምና፡ ንስርዓት ህግደፍ፡ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ንስርዓት ወያነ፡ ንታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ምንቅስቃሳትን፡ ይውንጅል፡ የነኣእስን ይዝልፍን። ብፖለቲካዊ መምዘኒ ተስፋጼን፡ መን’ዩ ሓቀኛን ሰብን ንምርድኡ ትጽገም። ጽቡቅ ንዝሰርሐ ክውደስን ዓስቡ ክኽፈልን፡ ንፈጻሚ ሕማቅ ድማ ክንቀፍን ክኽሰስን ልሙድ’ዩ። ሓደ ሓደ እዋን፡ ደድሕሪ’ቲ ሚዛኑ ስሒቱ ዝህውትት ክትስዕብን ግብረ መልሲ ክትህብን ግዜኻ ከተጥፍእን እንከለኻ፡ ንባዕልኻ ክብርኻ ምጉዳል ይኸውን ንፈጻሚኡ ድማ ተፈላጥነት ትህቦ ኣለኻ ማለት’ዩ። እንተኾነ፡ ንገባሪ ኩፉእን ሰንካም ዕላማታቱን ህዝቢ ክፈልጦ ኣለዎ ኢልካ ስለእትኣምን፡ ካብ ሸለል ምባል ሓቅታት ከተጉልሕ ትመርጽ።

ኣብቲ ብኣቶ ተስፋጼን፡ ብስም ኣግኣዝያን ዝፍለጥ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ ዝፍኖ፡ ንኽትሰምዖ ኣዝዩ ዝሕርክኸካን ዘሰክፈካን መደባት፡ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝነብሩ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛን ኣመንቲ ክርስትናን፡ ካብ ጥንቲ ስልጣነን ሃገርን ከምዝነበሮምን ብስም ኣግኣዝያን ሃገር ናይ ምምስራት መሰል ከምዘለዎምን ቀንዲ ደቀባት ከምዝኾኑን ይምጉት። ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኣመንቲ ክርስትና ድማ ፍንጫል መሰንገል ናይ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ክርስትያን ስለዝኾኑ፡ ወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ናይ ምውናንን ተጠቃምነትን መሰል ከምዘለዎም ይገልጽ፡፡ ዘይሓንኽ ድሙስ ሃብትማርያም ስሙ ከምዝብሃል፡ተስፋጼን፡ ነቲ መሪር መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ልኡላውነት ኤርትራ ግዳማዊ ወናኒ ከምጽኣሉን ህዝቢ ኤርትራ ብህይወቱ እንከሎ ብዛዕባ ኤርትራ ወሳኒ ክኸውንን ይፍትን። ወዮ ድኣ ተስፋጼን ካብ ድቃሱ ኣይተበራበረን ወይ ኣብ ጸልማት ይጓዓዝ ኣሎ እምበር፡ እቶም ቀይ ባህራችን በቀይ ደማችን፡ ባጽዕ ኣብ ኢድ ወንበዲ ወዲቃ ማለት ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ብጎሮሩኡ ተሓኒቁ ማለትእናበሉ ዝሓለሙን ክሳብ ግብኣተ መሬቶም ዝፈከሩን ወገናት፡ ኩሉ ከይረኸቡ ከምዝበርዓኑን ጉሓፍ ታሪኾም ይደግም ከምዘሎ ክስቆሮ ነይሩዎ። ተስፋጼን፡ ነቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ክትነብር ኣይትኽእልን ዝብል ናይ ገለ ምሁራትን ተመራመርቲ ኢና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዳግማይ ከድምይዎ ዝደልዩ ዝኣረገ ፍልስፍና ዘገማድሑ ናይ ብርዒ ጨለታት ብህሎ’ዩ ብሓይሊ ጉሰምዎ ዝብለና ዘሎ። ብዘይ ክዳንካ ወለል ብዘይ ጠስሚ ጸረር ከምዝብሃል፡ ገለ ካድራትን ሓለፍትን ወያነ’ውን፡ ከምቲ ካብ ካልኦት ክልልላት መሬት ጨሪሞም ትግራይ ንምዕባይ ዘካይድዎ ዘለዉ ስርቂ፡ መሬት ትግራይ ምስ ቀይሕ ባሕርና ከምዝዳወብ ዘርኢ ናይ ፈጠራን ሕልምን ካርታ ካብ ዘዳልዉ ዓመታት ሓሊፉ’ሎ። ብመሰረት ፍልስፍና ተስፋጼን፡ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዘለዉ ኣመንቲ ምስልምና ኩሎም፡ ከም ካልኣይ ዜጋ ከምዝቁጸሩን ኣስላም ዕንቅፋት ሰላምን ምዕባለን ከምዝኾኑ ይውንጅል። ንሕና ኤርትራውያን ግን፡ እምነትና፡ ጾታናን ሕብሪ ቆርበትናን ብዘየገድስ፡ ብኤርትራውነትናን ተኸባቢርካ ብሓደ ምንባርን ጸገም የብልናን። ክፋል ኣካላትናን መንነትናን ክንክሕድን ክንድርብን ሞራላዊ ሓላፍነት የብልናን። ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ንምውጻእ ኣብ ዝተገብረ መሪር ኩናት ድማ፡ ቀዳምነት ኤርትራውያን፡ ሃገር እምበር ሃይማኖትን ዓሌትን ኣይነበረን፡ ኣይክኸውንን’ዩ ድማ። ኣብዚ እዋን’ዚ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ሰርዓት ህግደፍ እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ክልተ ሃይማኖት ስለዘሎ ኣይኮነን ዝስደድን ንሓሳረ መከራ ተቃሊዑን ዘሎ። ተስፋጼን፡ ብሰንኪ ኣስላም ኣብ ኤርትራ ምንባር እንተሲኑ፡ ክስደድ እንተተገዲዱን፡ ትግራዋይ ክኸውን እንተመሪጹን ግን፡ ኣብ ጋብር ደርዓንቶ ክልተ ሸውዓተ ክሕጸብ ኣለዎ።

ተስፋጼን ከይሓፈረ፡ ነቶም ካብ ትግራይን ካልእ ክፍልታት ኢትዮጵያን ህዝቢ ዘበሳበሱ፡ ስልጣን ዝቆራቆሱ፡ ንብረት ዝዘምቱን ግብሪ ዘኽፍሉን ዝነበሩ ከም በዓል ሃጸይ ዮዉሃንስን ኣሉላን ዝኣመሰሉ መሳፍንቲ፡ ነጋውስን ነፍጠኛታትን፡ ከም ሓርበኛታትን ተጣበቅቲ ኣመንቲ ክርስትናን ገይሩ ይውድሶምን ሓወልቲ ክስርሓሎም ይሰብኽን። ምናልባት ካብ ዝምታን ስልጣንን ራእስታትን ሃጸያትን፡ ትግራዎት ወይ ኣምሓሩ እንተረቢሖም፡ ንሶም ከም ሓርበኛታት ኣብ መዛግብቲ ታሪኾም ይጽሓፍዎ ኣብ መሬቶም ድማ ምስሎም ይስርሑ። እንተ ንሕና ኤርትራውያን ግን፡ ነቶም ንብረትና ዘዕነዉ፡ ህዝብና ዘበሳበሱ፡ መሬትና ዝወረሩ፡ ከም ጀጋኑን ሰብ ውዕለትናን ኣይንቆጽርሮምን ኢና። ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግን እዚ ሎሚ ብሰሪ’ቶም ኣብ ስልጣን ተኾዲጮም ዘለዉ መትሎ-መታሉ ዝኾኑ ጉጅለታት ህግደፍን ወያነን ዝፈጠርዎ ምስዋር ኣኸቲሙ፡ ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝተሞርኮሰ ዝምድና ብሓባር ናይ ምንባር ጸገም የብልናን። ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ሓደ መዓልቲ ጥዕና ዘለዎ ንቡር ጉርብትናን ፍቅርን ክመጽእ’ዩ። ተስፋጼን ዘይዛረቦን ጤል ዘይትበልዖን ስለዘየለ፡ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እሙናትን ወረጃታትን ስለዝኾና፡ ደቂ ተባዕዮ ኤርትራ ምስኣታተን ክዋሰቡ ኣለዎም ክብል’ውን ተሰሚዑ’ሎ። ዘረባ ተስፋጼን፡ ብላዕ ዘይበልዎስ ጽብሑለይ በለ” ኢልካ ምሕላፍ ምተኻእለ። እንተኾነ ፍልስፍናኡ ምናልባት ምስቲ ትግራይን ኤርትራን ብኣርኣያ-ስላሰ ሓደ ስለስኾነ ክደባለቅን ክዳቀልን ኣለዎ” ዝብል ትርጉም ከይህልዎ ትጥርጥር። ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ስለዝነብሩን፡ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ክበታተንን ክስደድን ለይትን መዓልትን ይሰርሕ ስለዘሎን፡ ስደት እንተዘይኣብቂዑን ዝተሰደ ህዝብና ናብ ሃገሩ እንተዘይተመሊሱን፡ መን ይፈልጥ ሕልምታት ተስፋጼን ከይዕወት ትፈርሕ። ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ’ውን፡ ስርዓታት ኢትዮጵያ ብደይ-መደይ፡ መንነት ህዝቢ ኤርትራ መታን ክኽለስን ክጅላሕን፡ ካብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብሓይሊ ተጋሲስካ ምውላድን ኤርትራውያን ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ምግዓዝን ዝኣመሰለ ኣዕናዊ ተግባራት ይፍጽሙ ከምዝነበሩን ብመኸተ ህዝብና ከምዝበርዓነን ኣይርሳዕን።

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርምን ዘሕፍርን ብህሉ ተስፋጼን፡ ነቶም ካብ ሕሰም ስርዓት ህግደፍ ኣምሊጦም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ንመንግስቲ እስራኤል ናትኩም ኢና ኢልኩም እንተቀሪብኩሞም፡ ካብ መንግስቲ እስራኤል ብዙሕ ረብሓታትን ስልጠናታትን እንተላይ ወተሃደራዊ ሞያ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም ኢሉ፡ ብዕድል ኤርትራውያን ዘይወግዓዊ ኣፈኛን ተሓላቅን መንግስቲ እስራኤል ክኽውን ምፍታኑ’ዩ። እቲ መሪር ሓቅታትን ታሪኽን ከምዘረጋግጾ፡ ሕሉፍን ህልዉን ፖሊሲታት መንግስቲ እስራኤል፡ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝግህስን ዘድምን’ዩ። ርሑቅ ከይከድና፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ነቶም ካብ ዓምጠርቲ ኣእዳው ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሞም ድሕሪ ብዙሕ ጸበባ ኣብ እስራኤል ዝኣተዉ ኤርትራውያን፡ ብመንግስቲ እስራኤል ዝወርዶም ዘሎ ጸገማት ማእለያ የብሉን። መንግስቲ እስራኤል፡ ንኣሽሓት ኤርትራውያን፡ መሰል ፖለቲካዊ ዑቁባ ብምንጻግ፡ ግዝያዊ መንበርን ዕድላት ስራሕን ብምሕራም፡ ከምኡ’ውን መባእታዊ መሰላት ማሕበራዊ ድሕነት ብምኽልካልን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብምድጓንን ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ይጥሕስ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ 20 ሚእታዊት ኤርትራውያን ደም ርሂጾም ካብ ዘጠራቀምዎ 20 ሚእታዊት ካብ እቶቶም ብግዴታ መንጢሉ ኣብ ባንክታት ክግብቶን እቲ ገንዘብ ድማ ካብታ ሃገር ጠቅሊሎም ክወጹ እንከልው ጥራይ ከምዝጥቀምሉን ኣዊጁ’ሎ። በደላት መንግስቲ እስራኤል ኣብዚ ዘብቅዕ ኣይኮነን። መንግስቲ እስራኤል፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብዘይ ፍቃዶምን ዝጣበቀሎም ዘይብሎምን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ይጥርዝን ኣሎ። ኩሉ ሜላታት መንግስቲ እስራኤል ኪድ ኣይትበሉ ከምዝኸይድ ግበሮ ‘ዩ። ኤርትራውያን፡ ኣህጉራዊ ሕግታት ብዘፍቅዶ ሰብኣዊ መሰላቶም ክረኽቡ’ዮም ዝማጎቱ እምበር፡ ክርስትያን ወይ ኣግኣዝያን ኢና ኢሎም፡ ኤርትራዊ መንነቶም ሸይጦም ኣይኮኑን መሰላቶም ዝረኽቡ። ድሓር ድማ መንግስቲ እስራኤል ምስ መንግስቱ ሃይለማርያም መባድልቲ ኣጽዋር ዝገበሮም ብፈላሻ ዝፍለጡ ካብ ኢትዮጵያ ብምስጢር ናብ እስራኤል ዝኣተዉን ኣብ እስራኤል ከም ካልኣይ ዜጋ ከምዝቁጽሩን ንመን ይጠፍኦ። ዕላማ ተስፋጼን ድማ ሕሰም ኤርትራውያን ከብቅዕ ዘይኮነ ዝጉስጉስ ዘሎ፡ ኤርትራውያን ክብሮምን ሃገራዊ መንነቶምን ብስም ኣግኣዝያን ሸይጦም ኣብ እስራኤል ባራዩ ንምግባሮም’ዩ።

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ብወጻእቲ ጉዳያት ሚኒስተራት ዓባይ ብሪጣንያን ኢጣልያን፡ ኤርትራ ኣብ ክልተ ንምምቃል ማለት ምዕራባዊ ኤርትራ ምስ ሱዳን ከበሳ ኤርትራ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽምባር፡ ብ “በቪን ስፎርዛ” ዝፍለጥ ሰንካም ውጥን፡ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ’ውን ብስም ቆላማ ዴጋማ፡ ናይ ሎሚ ኣግኣዝያን፡ ናይ ተዛረብቲ ትግርኛን ኣመንቲ ክርስትናን መንግስቲ ንምትካል፡ ዝንዛሕ ዘሎ ማይ ዘይጠዓመ ፈልሰፋ፡ ካልእ ብየማን ብጸጋም ብሞሽጎራጉር ብጉህድ ብሃይማኖት ብኣውራጃ ብወጻኢ ይመወሉን ይተሓብሓቡን፡ ስርዓት ህግደፍ የንቅሎ፡ ብዘየገድስ፡ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥና መስሎኺ ኣዕነውቲ ዝኸውን ነዃል ከይንፈጥር፡ ክንሰምርን ከነስተውዕልን ኣለና። ልዕሊ ኹሉ ድማ ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ፡ ንመንነትናን ክብርናን ዝደናደን፡ ንልኡላውነትናን ሓድነትናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ሜላ ይኽተል ስለዘሎን፡ ግዳያት ጥፍኣት ከይንኸውን ጥንቃቀ ይሓተና። ንምንታይ’ሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቤቱ ዝሃንጸሉምበር ቤቱ ዘፍርሰሉ ኣይደልንዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (25 መስከረም 2017)

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Degoli September 26, 2017

    ብዛዕባ “ተስፋጽዮን” ድዩ “ኣግኣዝያን” ብዙሕ ተዛሪብኩም። ተስፋጽዮን ሕጂ ዝመጸ ሰብ እዩ። እቲ ኣግኣዝያን ዝበልኩሞ ግና እንሕበነሉ ታሪኽና ውርሻና እዩ። ሰብ ይመጽእ ይኸይድ ፤ ታሪኽ መንነት ቋንቋታት ኣግኣዝያን ትግረ-ትግርኛ ፣ ባህሊ ውርሻ ሕጊ እንዳባ ስርዓት ግና ስጋብ ሎሚ እንኮርዓሎም ታሪኽና ነባሪ እዩ።
    ብዛዕባ ተስፋጽዮን ብዙሕ ተዛሪብኩም ፤ ዋእ ዓቕሚ ድፍረትን ትብዓትን እንተኔርኩም ደኣ ብዛዕባ እቶም :
    “ቋንቋታትና ትግረ ትግርኛ ኣይኮነን። ንሕና ዓረብ ኢና። ጸላእትና ትግርኛን ክርስትያንን እዮም።” እናበሉ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ዝፍክሩ ዘለዉ ዘይትዛረቡ? በዓል መን ድዮም “ዓሰርተ ካፊር ቀቲልና ፣ ዓሰርተ ማሪኽና” ዝብሉ? ንመሳኪን ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ በዓል ገዳርፍ ንገንዘቦምን ኣዋልድን ኩሊትን ደልዮም?
    እወ ልዕሊ ሓደ ደርዘን ዝኾና ናይ “ኤርትራ ጂሃድ እስላማውያን ማሕበራት” ኣለዋ፤ ብዙሕ ድማ ይግዕራ። ብዛዕበን ተዛረቡ ዲኹም? ወረ እዚ ኹሉ ክፍክሩ ኣበይ ተሓቢእኩም ትነብሩ ?መቸም ኣብ በዓቲ ኣይትነብሩን ኢኹም።

    • Abrehet K. September 26, 2017

      Great comment and bravo Degoli anbessa.
      You have said it all correctly and beautifully haw Degoli,
      Nothing to add to your powerful and timely message/reminder to the useless “tebeleTsiti”
      so-called oppositions but really opportunists. This ‘tsilal’ must be a jihadi/taliban organization.
      Indeed, we will have an Agazi nation led by President or Prime Minister Tesfazion in near future.
      Why are you people so scared and so confused? You lot are just useless, gutless, and spineless.

      • k.tewolde September 26, 2017

        Wow! in this day and age of globalism where goods and services are transacted in milliseconds through cyber superhighways,where collaborative complex surgery is being done live to exice a brain glioblastoma between two neuro- surgical teams continents apart,these comments above by Degoli and Abrehet would make think,is this coming from medieval times. Tsilal ,what can I say,join the ‘jihadi/taliban’ group like me.

        • Abrehet K. September 26, 2017

          K.Tewolde, utter desperation has nudged you and your useless, toothless, hopeless, gutless likes to indulge in pathetic comedy circus shows, your being the worst with your lame excuses and out dated preaching.
          Indeed, “fools rush in where angels fear to tread”. you sound a desperate and a typical fool. You and the spineless opportunist ‘Tslal’ must indeed be operating from Afghanistan or Libyan deserts and not from America.

          • k.tewolde September 26, 2017

            I am not going to curse or insult that is not my nature,but if this whole thing was between the jihadi and the crusader between Islam and Christianity between agaazi and kureshi ,between Ahmed Saleh and devout christian like me as you put it Abrehetey and your likes,it would have been the easiest fight,all you have to do is look at the symbols take side and duke it out.What kind of audience is listening to ‘Prime minister Tesfazion’? the habesha version of Rush Limbaugh, did I just inflate his ego? child please!

        • Abrehet K. September 27, 2017

          KiHishay, a dog is as good as its ability to scare of an unwanted presence or its ability to bite, that is if it is a working dog. However, if it is a pet dog, then it is as good as its like ability and ability to appeal to emotional kindness. Both are perfectly fine in their respective roles. But if a pet dog is trying to act as a guard dog, and vice versa, no one will care about the guard turned pet dog, and people would get irritated by the noisy pet, nobody likes a noisy ‘toothless, gutless and useless’ pet or confused loser person like yourself for that matter. You are simply a lunatic cult follower old shit beggar. barking from the wrong jihadi/taliban evil trees.

          • Simon G September 27, 2017

            Abrehet K.
            How is the “insulting” business working for you? I can see you are not a fool person and why don’t you debate on the subject? You are repeating same sentences with no substances. The data center servers and storage’s are screaming not to fill them with ….well, with this kind of comment.
            Please refrain from insults because you are degrading yourself. Are you that low? I believe not…so, use your brain to think and create. You will feel energize. You know, negative energy drain the heck out of you. So, think positive.

  • Danilo September 26, 2017

    Abrehet, due to respect I put you a simple question. does your president or prime minister tesfatsion will sostituite haile mariam desalengn or iseyas in near future? If yes what will be your post? does “the state of agazi include amharas, oromos, guragie ect. Since you have no place in Eritrea.

    • Abrehet K. September 27, 2017

      Danilo shito, did you actually mean to write as ‘with all due respect’ and not ‘due to respect’?? Did you also mean to say substitute and not ‘sostitute’????????????????????????????????????????
      Ach, bezom deki’rbA tekekh belna, especially the so ignorant damaged beyond repairs morons.
      As I blame your slave masters the barbarian muslim Arabs and fascist Italians, I will refrain from attacking you any further that is just out of pity for your long sufferings under your brutal masters. But just out of curiosity, please update us as to where your own special place is in Eritrea????? That is the small Eritrea on earth and not a jihadi/taliban Eritrea in your evil islam’s planet!!!!

      • Danilo September 27, 2017

        Abrehet, here is my free /gratis hip hop ritmo perhaps you can tray but don’t let me mistaken the true hole. okay here we go uno due tre,

        Danilo shito
        Pig /pigo
        Arabo
        Italiano !Well, capita on maAkoro instead. ..Be careful bintel gahba! .

Post a Reply to Abrehet K. Cancel Reply