ህዝበይ ኣይንጥለም ሰማእታት፡ ኣይነግድዕ ሓርበኛ
ህዝበይ ኣይንጥለም ሰማእታት፡ ኣይነግድዕ ሓርበኛ ዝኸበርካ ኣብ ውሽጢ ሃገር እትነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ንግደት ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ ዝወዓልኩም ኣመንቲ ክርስትና፣ ኣባ ተኽለብርሃንን ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀን፡ ኣሰር ተበዓት ጉጅለ 15፡ ቢተወደድ ኣብርሃ፡ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ወዲ-ዓልን ሓጂ
ህዝበይ ኣይንጥለም ሰማእታት፡ ኣይነግድዕ ሓርበኛ
ዝኸበርካ ኣብ ውሽጢ ሃገር እትነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ንግደት ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ ዝወዓልኩም ኣመንቲ ክርስትና፣
ኣባ ተኽለብርሃንን ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀን፡ ኣሰር ተበዓት ጉጅለ 15፡ ቢተወደድ ኣብርሃ፡ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ወዲ-ዓልን ሓጂ ሙሳን ብምኽታል፡ ድሕነት ሂወቶም ከየገደሶም ድምጽኻ፡ ድምጺ’ቲ ውጽዕ ህዝቦም ኣብ መላእ ዓለም ኣቃሊሖም። እዞም በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ትብዓት ዝወነኑ፡ ጀጋኑ ደቂ ሃገር ሃብትን ተስፋን ናይ ሃገርናን ህዝብናን ከም ምዃኖም መጠን፡ ድሕነትካ ኣብ ድሕነቶም ዝተመርኮሰ ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ። ስለዝኾነ ከኣ፡ በዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ንከጓንፎም ዝኽእል ተጻብኦን ስጉምትን ብሓድነትን ትብዓትን ሓቢርካ ኣብ ጎኖም ደው ክትብል ብስም’ቲ ቅዱስ-ሚካኤል ንግደቱ ዘኽበርካሉ መልኣኽ ይምሕጸነካ። ብኢሳያስ ዝምራሕ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንከናውሕ ዝኸኣለን፡ ገባርን ሓዳጋን ክኸውን ዝገበለን፡ ኤርትራዊ ዜጋ ክቕተልን፡ ክእሰርን ክግፋዕን እንከሎ፡ ኣብ ህዝብና የሕሊፍካ ምሃብን ምግድዳዕን ንቡር ኮይኑ፡ ከምዘይምልከተና ክንዕዘብ ስለዝጸናሕና ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኹሉ ህዝቢ ብሓባር ክኣስር ይኹን ስጉምቲ ክወስድ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ባዕሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። እታ ሕጂ ካባኻ እትሕተት(እትጥለብ) ዘላ፡ እቲ ሓጂ ሙሳን፡ ብርሃነ ኣብርሀን፡ ኣባ ተኽለብርሃን ተወልደን ዝበልዎ ስለ ናይ ኩሉኻ ድሌትን ባህግን፡ ናይ ቃንዛኻ ድምጽን ስለዝኾነ፡ ሓቢርካ ብስምረት ናይ ኩላትና ቃል ኢዩ በል። ህግደፍ ከም ኣመሉ ኣዳህሊሉ ስጉምቲ ምውሳድ ስለዝለመደ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝለመዶ ክልኣዮ። ሓደ-ብሓደ ሰብ ወሓደ ከምዝበሃል፡ ድሕሪ መስዋእቲ ወዲ-ዓልን ሓጂ ሙሳን፡ ሃለዋት ኣቶ ብርሃን ኣብርሀ ኣብ ዘይተፈለጠሉ ህሞት፡ ሕጂ ንስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ይኣክል ኢልካ ንኣባ ተኽለብርሃን ናይ ሂወቶም ዋሕስ ክትኮኖም ታሪኻዊ ሕልናዊ ሓላፍነትን ግዴታን ኣሎካ።
ኣባ ተኽለብርሃን ንዝፈትውዋ ሂወቶም ከይሓለዩ፡ ስለ’ቲ ውጹዕ ህዝቦም ሓቂ ዝተሓንገጡ ጅግና ሃወርያዊ ኣቦ ኢዮም። ከም’ቲ ዝበልዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስሚንቶን ጻዕዳ ሓርጭን ዘይኮነ ጸገሙ፡ ሕገ-ኣልቦነትን ስእነት መሰልን ፍትሕን ሰላምን ኢዩ። ህዝብና ዝርህዎ፡ ነዞም መሰላት እዚኦም ከይረጋገጹ ህዝቡ ዝጭፍልቕ ዘሎ ስርዓት ምስ ዝእለ ጥራሕ’ዩ። ሃብቲ ናይ ኤርትራ ህዝባ ሰባ (ህዝባ) ከምምዃኑ መጠን፡ ሂወት ኣባ ተኽለብርሃን ከምዝለዓለ ዘይትካእ ወርቃዊ ሃብቲ ናይ ሃገር ምዃኑ ተገንዚብካ ከይትጠልሞም ሓደራ እብለካ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ እንተዘይለቒቓ፡ ኣብ ዝርርብ ኣይቀርብን ክብል ከምዘይጸንሐ፡ ዶብ ከይተሓንጸጸ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ህዝቢ ኤርትራ ብደቂቑ ዘይፈልጦ ስምምዓት ይገብር ከምዘሎ ትስሕቶ ኣይብልን። እዚ መላኺ ስርዓት’ዚ ብስምካ ይኹን ብስም ሃገረ-ኤርትራ ውዑላት ክፈራረም ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነት የብሉን። ብመስዋእቲ ኣሸሓት ደቅኻ ዝተረጋገጸት ሃገር፡ ንዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ኢሳያስ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋን ኣብ ሓደጋ ተሳጢሓ ምህላዋ ምንጋር ኣየድልየካን ኢዩ። ዘበን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ ከምዝብሃል፡ እቲ ዝያዳ ንነጻነቱን ሓርነቱን ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ከይተደበሰ ብኢሳያሳዊ ምልኪ ክቑረን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከኣ መሰሉ ተሓልዩ ናይ ሓርነት ኣየር ከስተንፍስ ክትርኢ ከሎኻ ዘገርምን ንዓና ንኤርትራውያን ዘሕፍርን ተርእዮ ኢዩ።
ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስካ ምቑዛም ዘይኮነ፡ ነቲ ንህዝብና ጽሩይ ናይ ሰላም ኣየር ከየስተንፍስ ዓትዒቱ ሒዝዎ ጸላኢ ህዝቢ ዝኾነ ጉልሒንጣን መንሽሮን ሃገርና ዝኾነ ኢሳያሳዊ ስርዓት ምእላይ ኢዩ እቲ መድሃኒት። ስለዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ዝነብር ህዝብና ካብ ናይ ደገፍትን ተቓውምትን ዓንኬላት ወጺኡ ሃገር ካብ’ዚ ተሳጢሓቶ ዘላ ሓደጋ ብምድሓን፡ ንዝሓለፉ ሰማእታትና ክንድብስ፡ ንዝተኣሰሩ ክንፍትሕ፡ ስደትና ኣብቂዑ ሓቢርና ብሰላም ናይ ምንባር ዕድል ከየምልጠና፡ ብስሙር መኸተ ንህግደፍ ይኣክል ንበሎ። እቲ ናይ ትማሊ ጅግንነት ተዓጢቕና፡ ንኣባ ተኽለብርሃን ዋልታ ብምዃን ኣለናልካ ንበሎም። እሶም ሃዋርያዊ ተልእኸኦም ስለዝፈጸሙ፡ ከለዉ ጸዲቖም ኢዮም። ንነባሪ ታሪኽ ዝኸውን ከኣ ኣብ ናይ ነፍስ ወከፍና ልቢ ሓወልቲ ሰሪሖም ኢዮም። ስለ ሂወቶም ከኣ ካብ’ቲ እሶም ዝደልይዋ ንሕና እንደልያ ስለዝዓዝዝ፡ ንረብሓና ክንብል በጃ ክንሓልፈሎምን ከይነግድዖምን ደጊመ ሓደራ እብል።
ህዝበይ ተልዓል ኣይተግድዕ ኣቦኻ
ጀጋኑ ውሑዳት ኢዮም ዝገልጹ ቃንዛኻ
ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ዘቃልሑ ድምጽኻ
ኣሎና ንበሎም ሰብኣይ ሰበይትኻ።
ኣባ ተኽለብርሃን መንፈሳዊ ኣቦ
ኣየ እቲ ጅግንነትኩም እቲ ኣባታዊ ሓቦ
ስደት ንከብቅዕ ምኻድ ንጎደቦ
ኣብዪ ናይ ኤርትራ፡ መድሕን ናይ ዓደ’ቦ።
ዓለም ሰሚዕዎ ናይ ህዝብና ኣውያት
ቅዱስ ሚካኤል ተፈሲሁ በቲ መንፈሳዊ ትብዓት
ኣባ ተኽለብርሃን ተኸቲሎም ኣሰር ናይ ህዋርያት
ታሪኾም ነባሪ ቦትኦም መንግስተ-ሰማያት።
ኣባ ተኽለብርሃን ተወልደ ኤርትራዊ ሃዋርያ
ሓቂ ዝዕጣቕኩም መስቀልኩም መሳርያ
ህዝብኹም ከተናግፉ ካብ ናይ ምልኪ ሃስያ
ታሪኽ ንከይድገም፡ ታሪኽ ናይ ዳስ-ሓውያ።
ንኣባ ተኽለብርሃን ዝተጻበአ ወይለኻ በልዎ
ንጥፍኣቶም ዝምነ ካብኦም ኣርሕቕዎ
ኣሕሊፍካ ዘይምሃብ ጅግና ኣተባብዕዎ።
ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ኣቦ ቅድስና
ሐጂ ሙሳ እወ እቲ ጅግና ሸኽና
ኣብ እምነቶም ጽኑዓት ዘይብሎም መዘና
ኣብነት ሓድነት እስልምና ክርስትና።
ጅግና ወዲ-ዓሊ ሓበን ናይ ዓድኻ
ምእንቲ ህዝብኻ ጉድጓድ ዝኣተኻ
ትብዓት ኣለቀሓዮም ነቶም መዛኑኻ
ክበጣጥስዎ እወ ህግደፋዊ ማሕለኻ።
ብርሃነ ኣብርሀ ኣቦ ናይ ትብዓት
ድምብርጽ ዘይብለካ፡ መትከላዊ ጽንዓት
ኣብ ውሽጢ ናኹራ ኮንካ ዝሰዓርካ ፍርሃት
ዓለም ኣፍለጥካያ ናይ ኢሳያስ ክፍኣት
ህዝብኻ ከተድሕን ካብ ደልሃመት ጸልማት።
ህዝበይ ተልዓል ምጉጅጃል ግደፍ
ጸበባ ከብቅዕ መግዛእቲ ናይ ህግደፍ
ተቓውሞኻ ኣይኹን፡ ሓላፍ-ዘላፍ
ምጥልላም ነውሪ፡ ምግድዳዕ ጽያፍ።
ህዝበይ ኣይበዝሐንዶ እንብዛ ትዕግስቲ
ንህዝቢ ፈላልይዎ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ
ኣብ ገዛእ ጉዳይና፡ ኮይና ተዓዘብቲ
ነዚ ኣይኮነን ነይሩ ናይ ኣሸሓት መስዋእቲ።
ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ ዘሎኻ ኣሊኻ
ኣለናልኩም በልዎም ነቶም ጀጋኑኻ
ኣሰሮም ሰዓብ ኣጣጥሕ መንገድኻ
ግዚኡ ኣኺሉ’ዩ ከብቅዕ ትዕግስትኻ
ከተተግብር ናይ ሰማእታት ሕድርኻ
ሃገር ከይንኸስር፡ ከይጥለም ህዝብኻ
ናበይ ከምዝቐንዓ ፍለጦ መሳርያኻ
ይኣክል በሎ ምንባር ኣብ ጉድጓድ በረኻ።
ብሂወት እንከሎ ኣምላኽ ዝፈንፈኖ
ደብተራ ዓዲ-ሃሎ ዝውዕል ኣብ ጠንቋሎ
ቀሪቡ ኢዩ ኤሱ ንዚምባብወ ክፋኖ
መንግስቱ ሃይለማርያም ስፖንሰር ክኾኖ።
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ
ካብ ጎይትኦም ኢማም
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
k.tewolde November 1, 2018
I call them voices in the wilderness and they are getting louder and louder, they have been echoing for years just to be drowned by the loud and obnoxious cacophony of lies,slogans and exorcist rituals of those who put us in this compromising position today.Keep it coming,genuine Eritrean heroism might have been tampered with however it appears in unexpected places like Segeneiti and Akria…..and leaves our coward enemies weak in the knees.Thanks brother Goitom,well delivered.
Danilo November 1, 2018
ኣዞም ካህን ኣሰር ኣቡነ ኣንጦኒዮስን ሓጂ ሙሳን ሚኒስተር ኣብርሄን ተኸቲሎም ንመስዋእቲ ድሉው ኢዮም።ከም ወዲ ዓሊ ጀጋኑ ዘፍረየት ሃገረ-ኤርትራ ትዛነ እምበር፡ ገና-ጊየና ኣባጥረጋት ብርግጽ ኣለይዋ።ኣባ-ጥረግ፡ ኣባ-ጥመር ዝብሉ ሓረጋት ሰገነይቲ እዩ ዓዶም።ድሓር ኪኣ ቁዱስ-ሚኬኢል ፡ምህለላን ጥርዓንን ውጹዓት ሰሚዑ፡እንተስ ብበርቂ ወይ ሹቶል ኒኣመንቱ ዘዕጥቅ መንፈስ ሓይሊ ስለዘለዎ ዓዲ ባህታ ሓጎስ ብሕልኮ ዓሳውረታይ’ውን ብሕንጂለለ ንህግደፍ ክሙኩቱዎም ይግባእ።ኣንተ ዘይኮይኑ “ምዓል ጉዕቦ! ካን’ዶ ሲኢንክን ደርዳይ ኩቦ!ምዓል ኣሻሕ ላመይ ወሰዱኺ ከይሰገርኪያ ደመይ ከይከውን።
Danilo November 1, 2018
እቅሬታ፡ደርባይ ኩቦ ብምባል ኣምቡቡዎ ኣብ ክንዲ ደርዳይ።