Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህቦብላ ሰላም

ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ጐረባብቲ ጥራይ ዘይኮናስ መምስ መዳውብትና ብደም ዝምድና ዘሎና ኣህዛብ ከም ምኳንና መጠን ብሰላምን ፍቕሪን ብጽቡቕ ጉርብትና እንነብረሉ ምኽንያት ብብዝሒ ስለ ዝዓዝዝ፡ ዝተጀመረ ናይ ሰላምን ዕርቂን ኣብ እዋኑ ብምዃኑ፡ ስክፍታ ብዝሓዘለ ሓጐስ

ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ጐረባብቲ ጥራይ ዘይኮናስ መምስ መዳውብትና ብደም ዝምድና ዘሎና ኣህዛብ ከም ምኳንና መጠን ብሰላምን ፍቕሪን ብጽቡቕ ጉርብትና እንነብረሉ ምኽንያት ብብዝሒ ስለ ዝዓዝዝ፡ ዝተጀመረ ናይ ሰላምን ዕርቂን ኣብ እዋኑ ብምዃኑ፡ ስክፍታ ብዝሓዘለ ሓጐስ ይስሞዓኒ።

ስክፍታይ ከኣ፡ ናይ ጥንቲ ኣህዛብ ብምኻንና ንነዊሕ እዋን ብዝሓለፈ ምፍሕፋሕ ዘኸተሎም ዘይምስምማዕን ዘይምትእማምን ብቐጻሊ ዝነበረ ጽልኢ ብፍቕሪ ንኽዛዘም፡ ብኣገባብ፡  ጠለብ ናይ ኩሉ ኣህዛብ ዝምልስ ዘተን ኣሳታፊ ባይታን ብኽልቲ ወገን በብህዝቦም ዝተወከሉ ልኡኻትን መራሕትን ብግሉጽነት ዘካይድዎ ናይ ካብ ውግእ ሰላምን ዕቱብ መርገጺ፡ ብኺነኡ ዝመጹ ዛዕባታትን ተዘትዮም ኣብ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ ዳኣ ናይ ሓቢርካ ስራሕን ው.ዘ.ተ. ብብተራኡ ይስጐም እምበር፣ ብፖለቲካ  ከም ዝጥዕመካ እናተገላበጥካ፡ መንቀሊ ዕላማኻ ደጒልካን ኣደናጒኻን፡ ዝዓኑ ምስ ዓነወ ዝበርስ ሰብን ንዋትን ምስ በረሰ፡ ኣብ ዝምችኣካ እዋን ኣዳናጊርካ ናይ ኣህዛብ ስምዒት መዝሚዝካ፡ ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዝግበር ናይ ምድማርን ምጒዳልን ስርሒት ናይ ሓዋሩ ሰላምን ፍቕርን ዘስፍን ስለ ዘኮነ ኢዩ።

ብኣገባብ ንዝፍጸም ስምምዕ፡ ብምሉእ ድምጺ ናይ ብደሞክራሲ እትምሓደርን፡ ልዑላውነታ ዝተሓለወን፡ ዶባታ ብንጹር ዝተሓንጸጸን ኤርትራ፡ ብደላይ ሰላም ህዝባ ብሓጐስን፡ ክፉት ልብን ቅቡል ዘይኮነሉን ዘይፍጸመሉን ምክንያት የልቦን።

ብ 1952 ዓ. ም. ብድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ብሓያላን መንግስታትን ሕቡራት ሃገራትን፡ ሃገርና ኣብ ክንዲ ሙሉእ ናጽነት ምስ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቋረን ምስ ተፈርዳ፡ ገለገለ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ሕገ መንግስቲ ዘሎዋ ሃገር፡ ምስ ንስሙ ብ1931 ዝተጻሕፈ ሃጸያዊ ስርዓት እሞ ተሳትፎ ናይ ህዝቢ ድምጺ ዘይብሉ ሕገ መንግስቲ ዘሎዋ ሃገር ብኸመይ ብፈደረሽን ትጻመድ ብምባል ስክፍታ ብምልዓሎም፡ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ክነድፍን ከተግብርን ስለ ዝነበሮ፡ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ብጉልባብ  ብዓል ኢዮበልዩ ኣቢሉ ኣብ 1955 ውሑድ ለውጢ ብምግባር ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ኣወጀ።

ኣብ ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብ ጊዜ ዕድመና ዘጓነፈ እምነትን ክሕደትን ንምጥቃስ ኣብቲ ቀንዲ ነጥቢ ናይዛ ጽሕፍቲ ከነተኵር፣

ኣብ ናይ 1931 ምዕራፍ 1 ኣንቀጽ 1 ግዛኣት ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ካሳብ ጫፍ ብምሉኡ  ግዝኣት  ናይ ሃጸያዊ መንግስቲ …..ወ.ዘ.ተ. ኢሉ ክጅምር እንከሎ፡

ኣብቲ ናይ 1955 ምዕራፍ 1 ኣንቀጽ 1 ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ኩሉ መሬታ፡ ኣንኮላይ ደሴታትን ናይ ባሕሪ ግዛኣታትን ኣብ ትሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ዘውዲ ይግዝኡ፡ መላእ ግዝኣትን ልዑላውነትን መሪየታ ዘይከፋፈል ኢዩ። ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ናይ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ግዙኣት ኢዮም …ወ.ዘ.ተ.  ክብል ይጅምሮ………

ነዚ ነጥቢ ኣብዚ እዋንዚ ዘልዕሎ ዘሎኹ፡ ኣብ 1952 ኤርትራ ብዓልቲ ሕገ መንግስቲ፡ ኢትዮጵያ ግን ብመላኺ ሃጸይ ትውነን፡ እሞ ብዕሙታትና ኣብ 1955 ብዘይ ገለ ምዝታይ፡ ብናይ ፈደረሽን ሕግታት ተኣማሚና ኣንከሎና፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ ከም ግዙኣቱ ጌሩ ጸንቢሩና ከብቅዕ፡ ሾውዓተ ዓመት ጸኒሑ ድማ ኩልና ብንፈልጦ ፈደረሽን ቀንጢጡ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ኣእተወና፡

ብዕለት 14 ወርሒ ሕዳር 1962  ሰዓት  11 ቅ.ቐትሪ ኣቢሉ፡ ባይቶ ኤርትራ ብግዳድ ዝገበሮ ዘይስሩዕ ኣኼባ ነቲ ፈደረሽን ክቕንጠጥ ክውስን እንከሎ፡ ኣብ ስግር ጐደና ናይቲ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ ኣመሪካን ባር፡ ገጾም ድነ ተኸዲኑ ጠጠው ኢሎም ካብ ዝጽበዩ ዝነበሩ ሓደ ኣነ ኔረ። እቲ ነገር ምስ ኮነ ንብዓተይ ነጸግኩ። ንጽብሒቱ ድማ ብወግዒ ነቲ ፈደረሽን ኣፍረስዎ። ብድሕሪኡ ዝቐጸለ ከቢድ ቃልስን ዕንወትን ስደትን መስዋእቲን ዘኸተለን ዘሎን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

ሓሙሳን ሹዱሽተን ዓመትን  ሾሞንተ ኣዋርሕን ከምዛ ሎሚ ማዓልቲ ንቕድሚት ምስ ንኸይድ፡ በዛ ሎሚ ምዓልቲ 14 ሓምለ 2018 ዝተገብረ ናይ ፡ ብባይቶ ትምራሕ፡ ሕገመንግስቲ ዘሎዋ ሃገር ኢትዮጵያ በቲ ሓደ ወገን ምስ ባይቶ ዘይብላ ሕገመንግስቲ ዝተሓረማ ኤርትራ፡ እሞ ሓደ ሰብ ንህዝቢ ዘይውክል፡ ብስም ህዝቢ ዝቐረበ በቲ ካልእይ ወገን ናይ ውህደት ዘተ ክካየድ ንርኢ፡ ብኸመይ ይኸውን? ነገሩ እምበር ተገልቢጡ።

ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣህዛብ ዝተኣከቡሉ ዘስምዖ መደረታት ይኹን፡ ዝተሰማምዖ ውዕላት፡ ይኹን ዝሃቦ መብጽዓታት፡  ኣብ ፍረ ንኽበጽሕ፡ ብኣህዛብ እታ ብብዙሕ መስዋእቲ ዝተረኽበት ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ምስ ዝሰማምዑሉ ኢዩ ተፈጻሚ ክኸውን ዝግብኦ።

ኤርትራውያን ምስ ህሉዋት ክንቁጸሩ ንመሰል ርእሰ ውሳኔና፡ ድሕሪ ነዊሕ ከቢድን መሪርን ቃልሲ ዝተዓዊትና ከም ምዃንና መጠን፡  ሃገርና ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ንክትውዕል፡ እሞ ከም ዘይህሉዋት ኰንና ንኽንዕዘብ ኣይተቃለስናን። ሰራዊትን ህዝብን ኤርትራ፡ ኣብ ታሪኽና ንሳልሳይ ጊዜ ብጅምላ  ንክንሽየጥ ዝዓለመ እከይ ፍጻሜታት ብዝቐልጠፈ ንምዕጋቱ ብምሉእ ዓቕምና ንበድሃዮ።

ኣብዚ ንክንበጽሕ፡ ንሕና ኤርትራውያን ብዘይውዓል ሕደር (ክተት) ክንፍጽሞ ጊዜኡ ኣኺሉ፡-

እዚ ዳግመ-ክተት እዚ ንኹሎም ኤርትራውያን ተጋደልትን (ዋርሳይ +ይከኣሎ)፡ ናይ ግዚያዊ ምምሕዳር ኤርትራ ኣባላትን፡ መስዋትን ሕድሪን  ብጾቶም ክሳብ ናብ መጠረሽታ ሽቶኡ ዝበጽሕ ማሕላ ዘኽብሩ ኩሎምን፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥን ይምልከት።

ብፍላይ ኣብ መሪሕነትን ሰራዊትን ዘሎኹም ኤርትራውያን ነዚ ዘይተወድአ ገድሊ፡ ብመሪሕ ሓላፍነትን ተበግሶን ተላዒልኩም፡ (1) ብምስምስ ፖለቲካ፡ ከምዚ ንከይወርደና ህይወቶም ንዳግመ መስዋእቲ ወፍዮም  ተኣሲሮም ዘሎዉ ኤርትራውያን ብህጹጽ ከም ዝፍትሑ፡ (2) ነዞም ብኮነ ኢልካ ንዕስራን ሾውዓተን ዓመታት ዘተዳኸምና፡ ካብ ሃገር ዝተባረርናን ህዝብኹም ከተበራትዑና፡ ባና ተስፋ ክትኮኑና፡ (3) ነዚ ዝካየድ ዘሎ እከይ ውዲት ብምውህሃድ ክዕገት ዘድሊ ህጹጽ ስጉምቲ ክትወስዱ፡ ናይ ሕጂ ዕማምኩምን ጠለብ  ህዝብኩምን ይኹን።

ምስኡ ኣስዒብኩም፡ ምእንቲ ደሞክራስያዊ መስርሕ ብህጹጽ ክጅመር፡ ኩሉ ዓቕሚ ዘሎዎ ኤርትራዊ ብማዕርነት ዝሳተፈሉ ባይታ ፈጢርኩም፡  ብሕገመንግስቲ ተመሪሑ ህዝባዊ ባይቶ ንኽትከል፡ ስርዓተ ሕጊ ዘኽብር ምሕደራ ንኽምዘዝ፡  ንድሕነት ብደም መስዋዕቲ ደቃ ዝተረኽበት ሃገር ኤርትራ ብሓላፍነት ቅኑዕ ኣንፈት ኣትሕዝዎ።  ኣብ ምትግባሩ ዝሕተት ተሳትፎ፡ ናይ ኩሉና ደለይቲ ምሉእ ነጻነትን፡ ፍትሒን ማዕርነትን ዝኾንና ደቂ ሃገር፡ ብዕቱብ ንኽንሰርሕ መብጽዓና  ክኸውን ይግባእ። ብባህልና ስርዓተ-ሕጊ ምሕደራ ንፈልጥ ህዝቢ፡ ብኸመይ ኣብዚ ወዲቕና?

ንዕስራን ሾውዓተን ዓመታት ኣብ መባህረር ተዋሒጥና ንርከብ ዘሎና፡ ሃየባ ንበራበር።

 እዚ መስርሕ ናይ ሕገመንግስቲ ምንዳፍ፡ ናይ ባይቶ ምርጫን ሕገመንግስቲ ምጽዳቕን፡ ናይ ብስርዓተ ሕጊ ዝምራሕ መንግስቲ ምቛምን፡ ነዊሕ ጊዜ ኣይወስድን፡ እኳድኣ  ካብ ሓደ ዓመት ብዝወሓደ ጊዜ ኢዩ  መንግስቲ ኤርትራ ናይ 1952 ዝተመስረተ። 

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ዓወት ንደላይ ሰላምን ፍትሒን ኣህዛብና

ይኣክል 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • k.tewolde July 24, 2018

    “….ነቲ ፈደረሽን ክቕንጠጥ ክውስን እንከሎ፡ ኣብ ስግር ጐደና ናይቲ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ ኣመሪካን ባር፡ ገጾም ድነ ተኸዲኑ ጠጠው ኢሎም ካብ ዝጽበዩ ዝነበሩ ሓደ ኣነ ኔረ።”……if I was there I would have shed a few tears too.All of us somehow witnessed some historical moments in the life of our nation,where were you when the first bullet ricochet in the mount of Adal? where were you when the ELA scored the first lightning strike on the occupation army? where were you when our nation gained its independence? and where were you a few days ago when the self appointed tyrant signed it of casually to the new leader young enough to be his grandson of a country south of the border? How did you feel? were you surprised? I wasn’t,but my eyes got misty and had a knot in my stomach,if you did’t feel that way,you are not Eritrean regardless which side of the isle you belong.Yes! like the author said,Enough! Why do we keep on revisiting the past?

    • Haregot July 24, 2018

      You seem to possess rhinos skin toward the plight of the Eritrean/Ethiopian people.
      The human fallacy is boundless. I don’e understand what the hell you are trying to insinuate on
      your dummy/hoax statement so I will leave it there but you sound too fraudster and too weak
      person. You are simply knocking at a wrong door here, take your fraudster business elsewhere, dude.

      • Are' Wedebo July 24, 2018

        Boredgoat,

        You ar.the mother fucker ass hole dummy!!!! This time you, your boss, and his few cohorts are going to face this massive wave. of oppressed people. The end is near!!! This is the begging of the end.

      • k.tewolde July 24, 2018

        Of course you are not Eritrean,that is why the post sounds fraudulent to you.it is not your house that is been repossessed.The deed has to be given back to their rightful owners to do whatever they want to do with their property and predatory elements like you should stay out,dude!

        • Deglel July 24, 2018

          Hakhli dimu meshete k.tewolde – komal tekorede,
          If we want to hear from as ass like yourself ESUB asshole, we’d fart. Otherwise, how much dirty and blooded Arabic money you getting paid to do all the cheap garbage TEGOMBAHI tiny jobs. Indeed, you are a scam bag fraudster and trafficker with your barbarian moslem Arabs on our poor Eritrean youths.

          • Deglel July 24, 2018

            correction:please read as: if we want to hear from ‘an’ ass ………..

  • k.tewolde July 24, 2018

    “how much dirty and blooded Arabic money you getting paid to do all the cheap garbage…..” Dergef, you are on the wrong website,let me give you the link http://www.meskerem.net.

  • Henok July 24, 2018

    Some people are saying, quoting reliable sources, DIA is trying to get money from Saudia to pay Army officers at all levels before declaring a “transitional military regime” in the country.
    Does anyone know whether this is true ?

  • Tesfai July 24, 2018

    ሰላምን ፍቕርን ንኤርትራ ኢትዮጵያ፤
    ኣሽንኳይ ተባታቲናን ተናቝትናን ፤ ተደሚርና እውን ነዚ ተካል እዋን እንተኽኢልናዮ ኢና።
    ኣብ ሶማል የመን ስዑድያ ሱዳን ዘሎ ሃይማኖታውን ቀቢላውን ህውከት እሞ ረኣዩ።
    “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ጐረባብቲ ጥራይ ዘይኮናስ መምስ መዳውብትና ብደም ዝምድና ዘሎና ኣህዛብ ከም ምኳንና መጠን ብሰላምን ፍቕሪን ብጽቡቕ ጉርብትና እንነብረሉ ምኽንያት ብብዝሒ ስለ ዝዓዝዝ፡ ዝተጀመረ ናይ ሰላምን ዕርቂን ኣብ እዋኑ ብምዃኑ፡ ስክፍታ ብዝሓዘለ ሓጐስ ይስሞዓኒ።”

  • meretse July 25, 2018

    ከላ ወደይ ዝብላዕ ብላዕ
    ጥሜት ነይቀትል ዘይሸብዳዕ
    ዝበላስ ኮን ኣደይ መን ኢየን?
    ኣደይ ሓረጉ ዶ ይኩና ኣደይ ሂበን
    ብሓቂ ብሓቂ ግን ልክዕ ተዛሪበን
    ምዕዶ—ነቶም//ነተን’ በዝኣ ኣይበለት’የ በዚኣ ኣይበለት’የ ወጊሓ መሬት’የ ኢሎም ዝደርፉ፡–
    የሎን ተረጋግኡ። እታ ንሰማይ ዝተልእከት ናይ ሰማይ ሊሎ፡ ገና ከብዲ ኣድጊ’ዩ ዘሎ እንዳበለት ታሕቲ ዘሎ እንታይ ኣዝለሎ? እታ ኩሉ ዝምነያ ሰላም ውርግርግ እትብል ሰላም ዘይኮነስ ንኩሉ እተብርህ ሰላም ዶ ኣይኮነትን ኢያ? ብቶሎ ቶሎ ዝግበር ናይ ሰላም ቃልኪዳን (ውዕል) ፈራሲ ኢዩ።ብሱሉን ጥረን ኣብ ሓንቲ መንጠቢት ሓሙስ ጽግቦ ጠጢካ ብልዑ እንታይ ከይ ሓስመኩም ምባል ከኣ ነውሪ። ኣይጸንሐናን። ኣይባህሪናን። ኣይልማድናን። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ ከተማ ኣዋሳ ዝረኣነዮ ናይ ቃል-ኪዳን ውዕል፡ ብቀንዱ ነውሪ ኢዩ ነውሪ። ከምዚ ዓነት ጋማ (ጋብቻ) ንወረ ኢዩ። ግደፍ ብጉዳይ ሃገር ጓልካ ሃቡኒ ክብል ምስ ዝመጸ ወላዲ’ኳ፡ መዓልቲ ሃበኒ ፡ ንሓውቦታታን፣ ሓትኖታታን፡ ኣሞታታን፣ …ከማክር ከይበለካ– “ርከብ ኣይትስኣን” ኣይትብሎን። እቱይ ምንታይ ክብሪ ዓጽመ ስጋ ክቡር ስለ ዝትንክፍ። ነቶም እዚ ናይ ኦሪት’ዩ፡ ቀደም ዝኣረገ ባህሊ፡ ንዝብሉ’ውን ምላሽ ኣሎና። ዘመናዊ ኣገባብ’ውን እንተኮነ ድሕሪ ምፍላጦም ምስ ወለዲ ተላልዮም ተዛትዮም ኢዮም ዝመራዓዉ። ናይ መጨረሻ ሕፍረቱ ዝጠቅለለ ኣገባብ መሮዓ ከኣ ኣሎ። እዚ ሳልሳይ ዓይነት መርዓ ናይ “ህውካት መሮዓ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዋና ኣድራሽኡ ከኣ ከተማ ላስ ቨጋስ ኢዩ። ህውኳት መርዓውቲ ብመስኮት ይምርዓዉ ፡ ሓሳቦም ኣብ ውሑድ ሰዓታት እንተ ቀይሮም ከኣ ናብ’ታ ቃል-ኪዳን ዘቀበለቶም መስኮት ከይዶም ናይ ፍትሕ ወረቀቶም ይሕዙ ፣ To marriage//To go divorce. ኣብ ሃገራና ብወራዙት ዓዲ “ብመርዓ ኣህባይ” ተባሂሉ ኢዩ ዝስመ። ኣብ ኣዋሳ ዝተካይደ መርዓ ኣህባይ ኮይኑ ካብ ኣዋሳ ክወጽእ ከይወጽእ እጉድ ኢዩ። ከምቲ ኣሜርካውያን ዝብልዎ– What happens Las Vegas stays in Vegas// This too, what happens in Awasa should stay in Aawasa. ዳሶም ከኣ ብለምለም ሰቲ ዘይኮነስ ብቆጽሊ ቅንጭቢ ተሰሊሙ ከም ዝወዓለ ሓበሬታ ኣሎና፡-

  • meretse July 25, 2018

    ዳስ ኣዋሳ መንጸፉ ቅንጭቢ
    ገብኢ’ዶ ሒዝኩም ተጎምጉምኩም ጋቢ
    ብደግኡ ቆጻል “ጋማ” መመረቂ
    ብውሽጡ ፈሳሲ ውዕል መጣባቂ
    ጋውና ሪኢናዮ ክሃርም ኣፍልቡ
    ግራት ምዝ ዘርእታ ትውረር ረኪቡ
    ዋሕስ ኣይተሰምዐን ሽቦ ክኣስረሉ
    ዕለላ ኣብዚሐን ሽሉ ጓል ሽሉ
    መርዓ ኣህባይ ኢሎም ኣብኡ ዝወዓሉ
    ኣናብስ ዘብሉ ተረኪቡ ሩባ
    ክዘላ ዊዒለን ብእንካ ሃባ
    ብእዝኑ ዝሰምዔ ዘይንቡር ክዕለል
    ኵኵናይ ነቅዩ ተሰቂሉ ኣብ ደጎል
    ንተንስእ ! ተንስኡ ! ተንሰኣ

  • meretse July 25, 2018

    ይቅረታ- መአረምታ ንባብ
    ሓሙሸይቲ መስመር ናይ ልዕለዋይ ቃጸላ ግጥሚ ብ ………ዝኮና ይኩና ግን ሓቂ ተዛሪበን
    10ይቲ መስመር ናይ ታሕተወይቲ ግጥሚ ከኣ ብ……………ኣናብስ ዘይብሉ ተረኪቡ ሩባ ይነበባ
    .

Post a Reply to Haregot Cancel Reply