Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገር ድዩ ህዝቢ ልዕሊ ኹሉ ?

ሃገር ድዩ ህዝቢ ልዕሊ ኹሉ ? ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ሃገር ከም ነፍሱ ዝኸኣለ ህያው፤ ተወሊድና ክሳብ ንሞውት ክንግዘኦ ዘሎና፤ መዓስ ከም ዝጸግብ ዘይንፈልጦ፤እንኩም ዘይፈልጥ ኩሉ ግዜ ሃቡ ዝብል ጌርካ ምቅራቡ። ንባዕሉ ነቶም ኣቅረብቱ ብተግባር ዘይስመዖም ጓንጓ ነገር`ዩ። ዘይስመዖም

ሃገር ድዩ ህዝቢ ልዕሊ ኹሉ ?

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ሃገር ከም ነፍሱ ዝኸኣለ ህያው፤ ተወሊድና ክሳብ ንሞውት ክንግዘኦ ዘሎና፤ መዓስ ከም ዝጸግብ ዘይንፈልጦ፤እንኩም ዘይፈልጥ ኩሉ ግዜ ሃቡ ዝብል ጌርካ ምቅራቡ። ንባዕሉ ነቶም ኣቅረብቱ ብተግባር ዘይስመዖም ጓንጓ ነገር`ዩ። ዘይስመዖም ጓንጓ ክነሱ ንኻልእ ከም ዝስመዖን ከም ዝኣምኖን ገይሮም ብምጽቃጥ ኣብ ዘይሰምዕ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዘየለ ደብሪ ከም ዝምህለል ይገብርዎ እዮም።ንገለ ምሁር`የ ዝብል ከይተረፈ !

” ሃገር ልዕሊ ኹሉ`ዩ ” ንመለኽትን ተበለጽትን ጨውጨው ዝጥዕሞም ጭርሖ`ዩ።ንምዝመዛን ሓለፋን ኣሕሊፉ ዝህብ ጭርሖ። ” ሃገር ልዕሊ ኹሉ`ዩ ” ዝብል ኣበሃህላ ብመንጸር ዜጋ`ታ ሃገር ብዜግነቱ ዝረኽቦ ነገራዊ ይኹን መንፈሳዊ ረብሓታት ቀጻሊ ረብሓ ንምግባሩ ዘለዎ ሓላፍነትን ባህግን መሰረት ” ሃገር ልዕሊ ኹሉ`ዩ ” ክብል እንተኾይኑ`ውን ዝምድናዊ ኣበሃህላ እምበር ፍጹም ኣባሃህላ ኣይኮነን።

እቲ ፍጹምን ንቅጥፈት ዘሕልፍ ቀዳድ ዘይብሉ ኣባሃህላ እምበኣር ‘ ህዝቢ ልዕሊ ኹሉ`ዩ ” ዝብል ኣበሃህላ`ዩ። እወ! ሃገር ልዕሊ ኹሉ ኣይኮነን ህዝቢ`ዩ ልዕሊ ኹሉ። መሬት ሰብ ምስ ሰፈሮን ምስ ኣዕመሮን`ዩ ሃገር ኮይኑ!

ንሃገርካ እንታይ ጌርካላ? ክበሃል እንከሎ፤ ሃገርካ እንታይ ጌራትልካ? ኸኣ ዓሰርተ ግዜ ክበሃል ዘለዎ እዩ። ሃገር ማለት ህዝቢ ማለት እንተዘይኮይኑ፤ ሃገር ማለት ገለ ተጠቀምቲ ሰብ ሓለፋ መለኽቲ ማለት ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን`ዩ።

ተበለጽቲ ገጠምቲ ደርፍታት ወጊሑ ክሳብ ዝዓርብ፤ ሓጊና ክሳብ ንኸርም፤ ብምኽንያትን ብዘይምኽንያትን  …….. ‘ንሃገርካ ጥመየላ ጽምኣላ ጹራ ሓንግራ ….. ሎሚ ከም ትማሊ ክብሉ ኣጽሚሞሙና`ዮም ግና ሓንቲ መዓልቲ ” …. እዚ ዝግበኦ ህዝቢ ፤ እዚ ዝጎደሎ፤ እዚ ዝተሰርቀ፤ በዝን በትን ዝተበደለ ህዝቢ …… ኢሎም ኣይፈልጡን !

ክብርቲ ሃገር ክብሃል እንኮሎ ነዚ ክብሪ ዘረጋገጸላ ክቡር ህዝቢ ኣሎ ማለት`ዩ። ዘይትድፈር ሃገር ማለት ከኣ ህዝባ ንዝጨበጦ ረብሓ ንኸይጠፍኦ ዝከላኸለላ ዝሞተላ ሃገር ማለት`ዩ።

ኮታ ልዕሊ ኹሉ ሰብ`ዩ። ሰብ ብሰብ ክግዛእ፤ ተመሳሲሉ ክነብር የብሉን። ሰብ ክሳብ ንኻልእ ሰብ ዘይበደለ ዘይዓመጸ፤ ዘድልዮ ክዛረብ ዝደለዮ እምነት ክኣምን ዘድልዮ ክገልጽ ክጽሕፍ ኣብ ደስ ዝብሎ ክነብር ክኽእል ኣለዎ፡፡

ህዝቢ`ዩ ልዕሊ ኹሉ!

AAHafiz (183) 25/03/15

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • part of it March 25, 2015

    Dear AAHfiz,
    you hit the nail on the head. For now I can only imagine the free Erirea. I realy liked your short note, thanks!

  • Hidat March 26, 2015

    MERIET(HAGER)HAGER INDIHIR ZEYELE SEB YELEN .HAGER NISHMU ZEIKONE SELAMN LULAWNETAN ZEITEHALEWELA HAGER AHZAB KIKIMETULA AYKELUN EYOM.NEZA NIFAS KETWULA ZEDELYU ZELEWU HAGERNA NIMHILAW INA KEA LEITEN MEALTN LIELI KULU HAGER TIHALU NIBIL ZELENA BZEIBEAAA HILAWNET SELE ZEYELE.

    • Zemuy March 26, 2015

      Dear Hidat,
      You are singing the same song which the dictator and his followers always sing. Who secures the existence of Hager (Nation)? The people of the nation are always above everything as AAHfiz has said it. Only people can defend a country from enemy. A Nation without people is an empty space. Dictators always want to place Hager above the People because what they need is to rule the nation as well as the people endlessly. People make history, people defend their country, a country cannot be free without people. So the main players of history are people and therefore those people should above everything.

  • THE NOBLE TEACHER March 28, 2015

    KIBUR AAHAFIZ,

    እዚ ዝበልካዮ ሓቂ እዩ።መጀመርያ ዝበልዎ ኣቦ ትግራይ ትግርኚ ዝኾኑ ካብ ኣኽሱማውያን ወለዲ, ኣብ ዓዲ ዛርና ሰራያ ዝተወልዱ ኣይተ ወለኣብ ወለማርያም፣ ድሓር ድማ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እዮም።ብዝኾነ ብዙሓት ህዝቢ ሲንጋፖር ቅድሚ ኩሉ ሃገር (ቅድሚ ኩሉ ኣሜሪካ ምስዳድ)ንኣምን ኢና።ጽቡቕ ምኽሪ እዩ፣ጊዜ ግን ኣሎዶ ንሃገርነት ኤርትራ ንምድሓን ? ሓቢሩ ዝጸልኤ ህዝቢኸ ሓቢሩ ተፋትዩ ይነብርዶ የስምዕ ? ክሳዕ ሕጂ ህዝቢ ሲንጋፖር ዘውሃሃደ ጽልኢ ኢትዮጵያውያን እዩ ኔሩ፣ብሰላም ንናይ ምንባር ኣጀንዳ ብጊዜ “ኮሎኒ” ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ ኔሩ፣ ብጊዜ ¨ባዕዳዊ ገዛኢ¨ ጃንሆይ ጥራይ እዩ ኔሩ።ናብ ሳልስቲ ብማሕነቕቲ ክመውት ዝተፈርደ ሰብ ብዛዕባ ሓደጋ Fatty fodds & Cholesterol ምምሃር ድኣ ከይመስል ? I hope there is time to save the people from disintegration.I rerally do .

  • Mesinas March 30, 2015

    ክቡር ሓው ኣወልኬር፡ ቅድም ቀዳድም ህይወትን ግኡዝን ፈላሊኻ ምርኣይካን ከምኡውን ክልቲኡ ክወዳደር ከምዘይክእል ምግላጽካን ደረጃ ንቕሓትካ ልዑል ሙዃኑ’ዩ ዝእምት። ብርግጽ ከምቲ ዝበልካዮ ነዛ መተካእታ ኣልቦ ዝኾነት ክብርቲ ህይወት መወዳድርቲ የብላን! ስለዚ፡ እዚ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ዛዕባውን ኣይኮነን።

    ኣብ ርእሲ ልቦናኻ እንተ ዝውስኹኻ ከም ዝብሉዎ፡ ኣነውን ኣብ ርእሲ’ቲ ዝበልካዮ ዝውስኾ ነገር እንተልዩ፡ እዚ ‘ሃገር ትሃሉዶ ኣይትሃሉ?’ ዝብሃል ዘረባ መስሰረትን መንትን (ቅዉም ነገርን) ዘይብሉ ዘረባ ሙዃኑ ደጊመ ከስምረሉ ይደሊ። ምኽንያቱ፡ ንሃገር ካብ ምህላዋ ዝሓካ ኣካል ስለ ዘየለ! በዚ መሰረት ከኣ ኤርትራ ሃገርና፡ ቀደም ኔራ’ያ፡ ሕጂውን ኣላ፡ ብሕጂውን ክትህሉ’ያ። እቲ ሕቶ ንበይንና ኤርትራውያን ጥራይ ንወንናዶ ወይስ ሓይያላት ይማቐሉና’ዩ ክኸውን ዘለዎ። እምበር ሃገር ዘይብሉ ፍጡር ሰብ የለን! ስለዚ ንሃገር ከም ሓንቲ ህይወት እትውንን ላም ትሃሉዶ ትሙት ኢልካ ኣብ ምልክት ሕቶ ተቐምጣ ነገር ኣይኮነትን!

    ነዚ ኣበሃሃላ’ዚ ከኣ ብዘይካ’ቶም በቲ እኩይ ፍጥረት ኣዒንቶም ዘይኮነስ ልቦም ዝዓወረ ዜጋታት እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝቕበሎ ሰብ የለን። ብዝኾነ ይኹን ተኣምርውን ህዝብን ሃገርን መወዳድርቲ ክኾኑ ኣይክእሉን’ዮም! ዕድመ ስልጣን ሓደ ደማሒ ንምንዋሕ ኢልካ ግን ብስም ሃገራዊ ድሕነት ህዝባዊ ጥፍኣት ኪካየድ ንዕዘብ ኣለና። እቲ ዝገርም ከኣ ነዚ ዘጣቕዑሉ ሰብ መሰል እንስሳታት ምህላዎም’ዩ!

Post a Reply to Zemuy Cancel Reply