Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣጀንዳታት ብምውጻእ ስሩዕ ኣኼባኡ የካይድ ኣሎ።

ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ራእናን ዓቅምታትናን ነስምር ኣብቲ ዝብል ጭርሖ ዝጀመረ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሕጋውነት ተሳተፍቲ ድሕሪ ምርግጋጽ ፡ ኣጀንዳታት ሰሪዑ ኣኼባኡ የካይድ ኣሎ። ብመሰረት’ቲ ተሰሪዑ ዘሎ ኣጀንዳታት፡ ጉባኤ ጸብጻብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ

ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ራእናን ዓቅምታትናን ነስምር ኣብቲ ዝብል ጭርሖ ዝጀመረ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሕጋውነት ተሳተፍቲ ድሕሪ ምርግጋጽ ፡ ኣጀንዳታት ሰሪዑ ኣኼባኡ የካይድ ኣሎ።

ብመሰረት’ቲ ተሰሪዑ ዘሎ ኣጀንዳታት፡ ጉባኤ ጸብጻብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቻርተር፡ መሪሕ ሓሳብ፡ ሕገ-ህንጻ፡ ከምኡ ‘ውን መሰጋገሪ ቅዋም ዝኣመሰሉ ሰነዳት ክመያየጥን ክዛተን እዩ።

ኣብዞም ዝተጠቕሱ ሰነዳት ድሕሪ ዝግበር ዘተን ምይይጥ፡ ውሽጣዊ ሕጊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ፖለቲካዊ ለበዋታትን ውሳኔታትን ከጽድቕ፡ ምርጫ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ክካየድ፡ ከምኡ’ውን ደምዳሚ ኣዋጅ ከወጽእ ትጽቢት ይግበር።

ኣቦ ወንበር ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣቶ ኣማሃ ደሞኒኮ፡ ንቅጥዕን ኣገባብን ኣተዓዳድማ ተሳተፍቲ ኣመልኪቱ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ተሳተፍቲ ብዲሞክራስያዊ ምርጫን ሕርያን ናብ ጉባኤ ከም ዝተዓደሙ ሓቢሩ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሚዛን ንምሕላው ኮምሽን ጉባኤ ኣብ ዝተፈላለያ ክፍሊ ዓለማት ቆይመን ምስ ዝነበራ ንኡስ ኮሚተታት ብምትሕብባር ኣድላዪ ጻዕሪ ከምዘካየደ ኣገንዚቡ ። ምእንቲ’ዚ እቲ 500 ክኸውን ተመዲቡ ዝነበረ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ክብ ከምዝበለ ኣረዲኡ።

ጉባኤ ኣብ ናይ መጀመርያ ደረጃኡ ብምህላዉ ዛጊት ኣብ ቀንዲ ትሕዝቶ ዛዕባታቱ ዓሚቕ ዘተ ኳ እንተዘየካየደ፡ ተሳተፍቲ ጉባኤ፡ ነቲ ኣብ ጥርዚ ቅልውላው ዝርከብ፡ ንኤርትራ ሃገርና ሓኒቑ ሒዙዋ ዘሎ ኩነታትን ምረት ህዝብናን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ ጉባኤ ‘ዚ ብዘይካ ተዓዊትካ ምውጻእ ካልእ ኣማራጺ ከምዘየልቦ ብስሙር ድምጺ ይገልጹ ኣለዉ። ነዚ ክዉን ንምግባር፡ ስኒትን ስምረትን ተጋባእቲ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ተሳተፍቲ ግንዛበ ሓዲሩ ከምዘሎ ዘንጸባርቕ መንፈስን ሃዋህውን ድማ ኣብቲ ጉባኤ ዓሲሉ ይርከብ።

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Rimabi2 November 23, 2011

    Hi Barentu I did you know what you talking about that is enough to talk just about one person, it is shame to read the same message every day and I am very concerning about your stand and there are conflict on your messages some times you looking supporter and some times you looking against HGDEF please make clear you stand.

  • abreham November 24, 2011

    ኣብ ኤርትራ ዝመጽእ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ብዝነብር ህዝቢ ኮይኑ ወነንቱ ከኣ ንሳቶም ኢዮም ዝኾኑ። ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ከኣ ተሓባባሪ ኮይኑ እቲ ዝድለ ለውጢ ምስ መጸ ከም ሓደ ውልቀሰብ ፍልጠቶም ንኸበርክቱ ናይ ምእታው ዕድል ክህልዎም ይግባእ። ከም ዉድብ ኮይኖም ግን ቅዋም እምጺእናልካ ኢሎም ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ግቡእ ኣይኮነን። እዞም ሕጂ ኣብ ወጻኢ ኣለና ዝብሉ ዉድባት ካኣ ለውጢ ምስተረኽበ ህልውነኦም ከብቅዑ ኣለዎም።
    ህግደፍ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኣባላት (መብዛሕትኦ ብስሚዒት ዝተወደቡ) ኣለዉዎ። ስለዚ ብድፉኑ ህግደፍ ክጠፍእ (ተሓኤ`ዉን ብድሌት ኣባላት ኢዩ ከምዝፈርስ ተገይሩ) ኣለዎ ክበሃል ኣይግባእን። እቶም ብሓላፍነት ዝሕተቱ ግቦም ፍርዲ ተዋሂቡዎም ፡ እቶም ዝተረፉ ግን በቲ ዝወጽእ ፕሮግራም መሰረት ዉድቦም ሒዞም ወይከኣ ምስ ካልእ ዉድባት ንኽሕወሱ ናይ ምምራጽ ዕድል ክወሃቦም እለዎ።

  • Freeprisoners November 24, 2011

    በሉስኪ ደቂ-ህዝቢ
    ብ ኣስፍሃ ተስፋሚካ ኤል ዝተጻሕፈት ምስ ነበብኩ ጉዳይ አቶ ዳኒኤል ተወልደን ኣቶ ኣምሃ ደሞኒኮን ክርዳእ ክኢለ። ሕጂ ነዊሕ ከይከድና ዘድሊ ዘሎ፤ ንተሳተፍቲ ጉባኤ እዚ ጉዳይ እዞም ክልተ ሰባት ኣብ ትሓታትነት ክወርድ ምጥላብ።
    ከም’ቲ ኣብ ጽሑፍ ኣስፍሃ ዝበሎ ሓቒ ተኾይኑ’ሞ ዲክታተር ኣልጊስና ዲክታተር ክንተክል ማለት ኢዩ። ብሓጺሩ፤ ኣቶ ኣማሃ ስልጣኑ ተጠቒሙ ነቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ በሊሕ መንእሰይ፤ ህዝቢ ከይሓተተ ክልግሶ ኪኢሉ። እሞ ህግደፍ ድኣ ካብዚ ሓሊፉ እንታይ ግይሩ! ስለዚ ምኽሪ ንጉባ ኤኛታት፤ ንሰብ ብሰነድ ን ኣድጊ ብገመድ ኢኻ ትሕዞም። ስለዚ ስነድ ሕጊ ኣዳልው፤ መመቕጻቶም ክኣ ይውሰዱ።

  • Semhar November 24, 2011

    Thank you for opposing the tyrant dictator in Eritrea!

    Eritrea is made, what remains is making Eritreans.

    SHAME ON US!
    To let one mercenary destroy our land, our people and our culture.
    SHAME ON US!
    To let one mercenary dissolve our heroic national liberation fronts
    ELF 1980, EPLF 1993.
    SHAME ON US!
    To let one mercenary turn us against one another and against all our neighbors, Ethiopia, Sudan, Djibouti, Somalia and Yemen. SHAME ON US!
    To let the dictator kill our heroes, our disable veterans, jail our parents and our religion leaders and members.

    The dictator must go!

    We must apply
    TUNISIA style
    or
    LIBYA style!
    This is the moment we must come together to save our land and our people.

    Let freedom ring in Eritrea!
    Let freedom ring in Ethiopia!
    Let freedom ring in Sudan!
    Let freedom ring in Somalia!
    Let freedom ring in Kenya!
    Let freedom all over the world.
    All we need is to have a CONSTITUTION and abide by it.

  • Semhar November 24, 2011

    Thank you for opposing the tyrant dictator and his clique the PFDJ in Eritrea!
    Eritrea is made, what remains is making law abide Eritreans.

Post a Reply to Freeprisoners Cancel Reply