ሃገረይ – ሃገር ኩንኒ! ታደሰ ኪዳነ – በርሚንግሃም
ሃገረይ፣ ኣብቲ ንኡስ ዕድመይ ‘ክጋደል’ ኢለ በረኻ ክወጽእ ከለኹ፣ ሕማቕ ተማሃራይ ኣይነበርኩን። መምሃሪ’ውን ኣይሰኣንኩን። እኳ’ድኣ ልዕሊ መሓዙተይ ንፉዕ፣ ፈታው ትምህርትን ፈታው መጻሕፍትን ኢየ ነይረ። 1ይ 2ይ 3ይ ዲግሪ ሰቒለ፣ ዶክተር ፕሮፈሰር ምኾንኩ። ምስ ብርቱዕ ድርኺትን
ሃገረይ፣ ኣብቲ ንኡስ ዕድመይ ‘ክጋደል’ ኢለ በረኻ ክወጽእ ከለኹ፣ ሕማቕ ተማሃራይ ኣይነበርኩን። መምሃሪ’ውን ኣይሰኣንኩን። እኳ’ድኣ ልዕሊ መሓዙተይ ንፉዕ፣ ፈታው ትምህርትን ፈታው መጻሕፍትን ኢየ ነይረ። 1ይ 2ይ 3ይ ዲግሪ ሰቒለ፣ ዶክተር ፕሮፈሰር ምኾንኩ። ምስ ብርቱዕ ድርኺትን በሊሕ ኣእምሮን ኢየ ኣቋሪጸ። ሃገረይ – ምእንታኺ ኢየ ከርቲተ።
ሕማቕ ሓረስታይ’ውን ኣይነበርኩን፣ ዝሕረስ መሬት’ውን ኣይሰኣንኩን። እኳ’ድኣ ዕርፈይ ዓቲረ፣ ነዊተይ ወልዊለ፣ ጽምዲ ብዕራይ ወኒነ፣ ዱዃን ዋላኻን ኢየ ዝሓርስ ዝነበርኩ። ሓጋይ ዛልየ፣ ጽድያ ዘሪአ፣ ክረምቲ ጻህየ፣ ቀውዒ ምህርተይ ዝሓፍስ፣ ህርኩት ሓረስታይ ኢየ ነይረ። ስድራይን ወለደይን ክናቢ፣ ደቀይን ኣሕዋተይን ከዕቢ፣ ዓቕሚ ነይሩኒ። ሃገረይ ምእንታኺ‘ዩ መስዋእተይ።
ሕማቕ ጓሳ’ውን ኣይነበርኩን። ጥሪተይ ዘብልዓሉ ልሙዕ መሬት ኣይሰኣንኩን። ጠለ-በጊዐይ ብዙሓት፣ ከብተይ ዓራዶን ብጋይትን ኢየን ነይረን። ብጸበአን ተዓንጊለ ብጠስመን ዓጊበ፣ ንፉዕ ጓሳ ከኣ ኢየ ነይረ። ማይ ዝነጥቦ፣ ለምዒ ዝቦቕሎ ቦታ ኣለልየ ኢየ ዝፈልጥ። ዘረናጡን መኻኽትን ሸይጠ፣ ዝራብዓትን ተስቶትን ለዊጠ፣ ስድራይን ወለደይን ክናቢ ኣይጸገመንን። ሃገረይ – ምእንታኺ‘ዩ ስንክልናይ።
ስራሕ ኣይሰኣንኩን፣ ክራይ ገዛ ኣይከበረንን። ኣዕሩኽተይን መተዓብይተይን ኣማኺረ ስራሕ ክረክብ፣ ብዓቕመይ ሰሪሐ ደቀይን ወለደይ ክናቢ ኣይተሸገርኩን። ባራቶሎ ሰሪሐ፣ ዓሊ-ግድር ጡጥ ኣርየ፣ ኣብ ወደብ ረፊዐ ምንባር ኣይሸገረንን። ክዳነይ ጽፉፍ፣ ደሞዘይ ጽቡቕ፣ ብስርሐይ ዕጉብ ኢየ ነይረ። ሃገረይ – ከይጠልመኪ‘ለ እንዳኣለይ።
ነጊደ ክነብር ኣይጸገመንን፣ ዝሽቀጥ ኣይሰኣንኩን። ክጥዕመኒ ብመኪና፣ ከምኡ እንተኾነ ብገመል፣ እንተጸገመኒ ብኣድጊ ካብን ናብን ንብረት ከመላልስ ኣይምተሸገርኩን። ሕሳብ ዘወራርድ፣ ዕዳጋ ዝፈልጥ – ኪኢላ ነጋዳይ ኢየ ነይረ። ሃገረይ – ንዓኺ ኢየ ወፊየዮ እቲ ኩሉ ዓቕመይ።
ትምርዓወኒ ኣይሰኣንኩን፣ ንመርዓ’ውን ዓቕሚ ኣይሓጸረንን። ቆንጆ ጓል ሃገረይ፣ እዝውቲ ጓል ዓደይ – ሃረር እናበልኩወን ኢየ ገዲፈየን ወጺአ። ዕሰል’የ ክብሉለይ፣ መርዓ ክወርዱለይ፣ ወለድይ መሪቖም ክቡኒ ዘይበሃግኩ መኣስ ኮይነ። ክወልድ ክዝምድ ኣይጸላእኩን፣ ዝወለድኩዎም ከዕቢ ኣይምተሸገርኩን። ሃገረይ – ናባኺ ኢዩ ነይሩ እቲ ኩሉ ቀልበይ።
ሃገረይ፣ መወዳእታ ኣይነበሮን ዕድለይ። ተስፋይ ብዙሕ፣ መጻኢየይ ብሩህ ኢዩ እኳ ነይሩ። ነዚ ኩሉ ክገብር ግን ሽግር ነይሩኒ። ተጸጊመ። ምስ ተጸገምኩ‘የ ድማ ናባኺ ጠሚተ፣ ንዓኺ ክረክብ ሽግረይ ክፍታሕ። በቃ ለምለም ክትኮንለይ። ሃገረይ – ‘ኩለንተናይ ንዓኺ’ ኢለ እየ ናባኺ ኣቋሚተ።
እወ፣ ጦር-ሰራዊት ዝበሃሉ፣ ቀጠልያ ክዳን ዝተኸድኑ፣ ብሳንጃ ዝዝልዝሉ፣ ብኤርትራውነትካ ዝጥርጥሩ፣ ጠርጢሮም ዝኣስሩ – ዝቐትሉ፣ ጠለ-በጊዕ ዝዘርፉ፣ ከብተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ሓሪዶም ዝበልዑ፣ ንሓፍተይ ኣብ ቃልዕ ዝዕምጹ፣ ድሕሪኣ ናብ ኣደይ ዝሰግሩ ወሪሶሙኒ። ሃገረይ – ንሶም ኢዮም ነይሮም ሽግረይ፣ ዝቐየሩ ቀልበይ። ከይሓርስ ግራውተይ ብፈንጂ ተዘሪኡ፣ ከይነግድ ብሎኮታት ተዓጽዩ፣ ሸቂለ ከይበልዕ ጎደናታትኪ ዘየቕስን ኮይኑ። ሃገረይ – ናተይ ኩኒ፣ ከምቲ ዝደለኹኺ ድለይኒ።
ንዓኺ ምስ ወረሩ ናቶም ክገብሩኺ፣ ዜጋታተይ ብስልኪ ምስ ተሓንቁ፣ ሓንሳብ ምስ ተወስዱ ደሃይ ምስ ኣጥፍኡ፣ ኣብ በረኻ ተቐቲሎም ንኣዛብእ ምስ ተዋሃህቡ፣ ጨኪነ ሃገረይ ከርተት መሪጸ ንዓኺ ክደሊ።
ንስለኺ ክጋደል ክኽርትት፣ መርዓ ገዲፈዮ መሪጸ ክጸንት። ወለድይ ገዲፈ ነቶም ዘዕበዩኒ፣ ንበረኻ ከይደ- ስለኺ ተሰዲደ። ኣብቲ ዝኸድኩዎ ገድሊ፣ ነብሰይ ከይሓባእኩ ተጋዲለ፣ ፈንጅታት ሰጊረ፣ ንዓታቶም ዓጺደ መዓስከሮም ደምሲሰ፣ ዕጥቆም ሰሊበ፣ ናጽነትኪ ኣዕቲረ። ሃገረይ- ኣነ’እኳ ኢየ ሃገር ገይረኪ። ሎሚ ኣይትጥለምኒ፣ ሕቖኺ ኣይትሃብኒ።
ነዚ ኩሉ ክገብር ግን ብዘይ ዋጋ ኣይነበረን። ሰንኪለ ሓንቲ እግረይ ከይዳ፣ ዓዊረ ዓይነይ ተወሲዳ፣ ኣእዛነይ ጸሚሙ ምንጋጋይ ተሰይሩ፣ መዓንጣይ ሓመድ ልሒሱ፣ ሓንጎለይ ብስኩጆ ፈሲሱ። ስጋይ ብሓዊ ተቓጺሉ-ተጠቢሱ፣ ሬሳይ ንቡር ስኢኑ ንኣሞራ ኮይኑ። ሃገረይ- ዋጋ እዚ ኩሉ መስዋእተይ ስደት ኮይኑ ዕድለይ።
ሃገረይ – ድሕሪ ኩሉ ድኻም፣ እዚ ኩሉ መስዋእቲ/ ስንክልና፣ ረኺበኪ ኢለ ተሓጒሰ፣ ነጢረ ዘሊለ። በቃ ናኣሽቱ ኣሕዋተይ ሓሊፉሎም፣ ሽግሮም ኣነ ወዲአሎም – ኢለ ተተስፍየ። መሬትና ክለምዕ ጥሪትና ክበዝሓ፣ ህዝበይ ክቐስን፣ ዓመጽ ግፍዒ ተወዲኡ ኢለ ኣሚነ። ሃገረይ ሃየ’ባ ዘክርኒ- ኣለኹ በልኒ።
እቶም ትማሊ እምነት ዝሃብኩዎም፣ ኣነ ክሓልፍ ንስኻትኩም ጽናሑ ዝበልኩዎም፣ ዕላማና ከይጠልሙ ዝተላበኹዎም፣ ኣሳዲዶሙኒ ቁማር ኢሎሙኒ። ሃገረይ – ኣምጺአኪ ኢለ እናተነየትኩ፣ ብዝኣመንኩዎም ተጠሊመ፣ ካልእ ሃገር ክደሊ ተሰዲደ። መቃልስተይ ብቓጻ ተቐቲሎም፣ ገሊኦም ኣብ ጎዳጉዲ ሰፊሮም። ዝወለድኩዎም ቆልዑ እሶኽ ኮንኪዮም – ገንዘብ ከፊለ ካባኺ ኣህዲመዮም፣ ኩሉ ዝተወልደ- ዕድሚኡ ዘእከለ፣ ሕቖኡ ሂቡኲ- ኩቦ ደርብዩልኪ፣ ካልእ ሃገር ክደሊ ወጺኡ ገዲፉኲ። ሃገረይ – እንታይ ድዩ ወሪዱኲ፣ ብሰብ ዲኺ ብኣምላኽ ተጠሊምኪ።
ጳጳስ ተኣሲሩ- ጀነራል ለሚሱ፣ ሚኒስተር ደኒኑ- ሽማግለ ረጊሙ፣ ወላዲት ‘ኤህ’ ኢላ – ንሰማይ ጠሚታ ንኣምላኽ ነጊራ። መንእሰያት ‘ኡይ’ ኢሎም – ምእመናን ጸሊዮም፣ ሃገረይ – ንዓኺ ኢዮም ደልዮም ኣለኹ በሊዮም።
ትማሊ ኩልንተናይ ንዓኺ ዝሃብኩ፣ ሎሚ ‘ክልተ ካብ ሚእቲ መልእ’ ተባሂለ። ደመይ ናብ ሰሜንቶ ቀይረ፣ ኣዕጽምተይ ናብ ተንዲኖ ለዊጠ – ኣደልዲለ ሃኒጸኪ እናበልኩ፣ ‘ኩረት መልእ’ ኢሎሙኒ። ምልእቲ ሃገር ገይረኪ- ምስ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ጸንቢረኪ እናበልኩ፣ ‘ከዳዕ – ወያነ’ ኮይኑ ስመይ።
እቶም ትማሊ ኣብ ጎድነይ ንስለኺ ዝተጋደሉ – ሎሚ ‘ንሕና ኢና ንሳ’ ክብሉኒ ሰሚዐዮም። ሃገረይ ምእንታኺ ተጋዲለ – ሰንኪለ፣ ሎሚ ብሰንክኺ ተሰዲደ፣ ባሕሪ ተሳጊረ – ኣማዕድየ ክጥምት ናባኺ፣ ከምዛ ጓና – ከምዛ ዘይፈልጠኪ፣ ፍጹም ፈሪሐኪ – ከመይ ኢለ ክቐርብ ናባእኺ።
ኤረይ – ከምቲ ምእንታኺ ዝኸርተትኩ – ንእስነተይ ዝሃብኩዂ፣ ከምቲ ካብ ከርስኺ ተወሊደ – ሓመድኪ ቁሒመ ዝዓበኹ፣ ቀይሕ ደመይ ኣባኽን ምእንታኽን’ዩ ውሒዙ፣ ገለ ክፋል ኣካላተይ’ውን ኣባኺ – ኣብ ከርስኺ ተቐቢሩ ኢየ ገዲፈዮ። ሕጂ ድማ ኣማዕድየ እጥምተኪ ኣለኹ – ናተይ ክትኮንኒ – ናትካ ኢየ ክትብልኒ። ክቐርበኪ ቅረብኒ – ናትኪ ኢየ’ሞ ናተይ ኩኒ… ናትኪ ኢየ’ሞ ናተይ ኩኒ።
ታደሰ ኪዳነ
በርሚንግሃም
MightyEmbasoyra June 15, 2013
ታደሰ,
ይበል ጽሑፍ! እንታይ’ሞ ክንገብር?
Berhe June 16, 2013
Best Article ever….Hlna zelewo ksbzi nlaeli zereba yelen….
abebahagos17 June 16, 2013
ኣጆኻ ታደሰ ኣንታ ጅግና ደንደን፡ ሪጎለ ፊደል ፐ። ጸገምካ ጸገም መላአ መንእሰይ ኤርትራ ኢዩሞ፡ ታሪኽና ረጊጾም ሕድሪ ስውኣት ጠሊሞም ሃገር ናይ ዘይሃገራዊን ለዊጦማ ዘለዉ፡ክንደየናይ ከይቀስኑ መቓብሮም ኢዮም ዚፍሕሩ ዘለው።ደም ናይ ንጹህ ሕዝቢ ከቶ ኣይሰዶምን ኢዩ።
ahmed saleh June 16, 2013
Taddese
The article speaks to represent many patriot Eritreans as their mouth piece to share the feelings . THANK-YOU .
It is the true facts of Eritreans particularly those who were genuine nationalists with strong principle on our
cause .
hyabu June 16, 2013
This is the best article written on the occasion of the martyres day. It’s a lamentation of justice and freedom. Dear bro. Tadesse as you said the people of Eritrea, the heroes and heroiness the martyred and disabled are betrayed. But, surely the truth will come out of the fog and will be seen as brightest as the day light at the end of the day. Let’s Keep hoping again for the freedon, justice and democracy to our ancesteral land.
ida June 16, 2013
You speak for every martyr, as you speak for yourself. It couldn’t be more eloquent. Thank you for showing us your legacy. We will never take your sacrifice for granted.
Hans June 16, 2013
Very touching article.The truth is out now. it is time to take action. I hope our people will be free soon.
Kibrab June 16, 2013
So fantastic. A poem of the year. Good job Tadesse. Don’t worry, one day it will shout “Where are you!” I hope you will be ready to say “here I am! with a full pride”
Well done Tadesse!
ida June 16, 2013
I would like to add about our mothers in the diaspora–they stood in the rain and the winter snow on Christmas eve to collect money for our people back home. I have seen our moms and our sisters braiding hair, and cooking and baking injera for festivals until their legs and hands were swollen. Didn’t they support our soldiers? Didn’t educated doctors, journalists, and other professionals leave their comfortable lives and went to meda to help? I want to acknowledge the people who contributed from diaspora.
ida June 16, 2013
Hagerey silimatey was the slogan when all the moms gave their jewellery of gold and silver. Our people emptied their savings account to give money to build Eritrea. Even children washed cars to give money. Who hasn’t fought for Eri with blood, money, treasure, or knowledge? Let’s fight to give Eritrea to the people who fought for her.
Facts-ain't-Pretenders! June 16, 2013
Beautifully etched in forms, contents & style! And without any exaggeration, it fits to the so many youth that perished – one of them the beautiful, with the mind that Saba Gidey of Adi Qeyeh who graduated from Lecy’ Gebre mariam French school with a BA degree and martryed in July 13, 1978. Multiply this by so many thousands that Eritrea paid for and wasted! what a heart wrenching history! will it dawn! ?