Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃዊን ብሄራዊን ጸቢብነት ስለምንታይ እናደንፈዓ መጺኡ? ንመን ከ’ዩ ከርብሕ? ንሓዋሩ ኸ ናበይ’ዩ ከብጻሓና?

እዚ ኣርእስቲ 'ዚ፡ ኣብ መብዛሕቱ ሕብረተሰባት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ዓብን፡ ተነቃፍን ከምዚኾነ፡ ብደንቢ ዘይግንዘብ ኣንባቢ ክህሉ ኣይኽእልን። ከምኡ ክንሱ ግን፡ ምስ ርዝነቱን ዕብየቱን ዝሳነ፡ ነብሱ ዝኸኣለ፡ ብዙሕን ዓሚቅን ናይ ትግርኛ ወይ'ውን ናይ እንግሊዝ

እዚ ኣርእስቲ ‘ዚ፡ ኣብ መብዛሕቱ ሕብረተሰባት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ዓብን፡ ተነቃፍን ከምዚኾነ፡ ብደንቢ ዘይግንዘብ ኣንባቢ ክህሉ ኣይኽእልን። ከምኡ ክንሱ ግን፡ ምስ ርዝነቱን ዕብየቱን ዝሳነ፡ ነብሱ ዝኸኣለ፡ ብዙሕን ዓሚቅን ናይ ትግርኛ ወይ’ውን ናይ እንግሊዝ ጽሑፋት ቀሪቡሉ’ዩ ክብሃል ኣይካኣልን፡፡ (ብዓረብ ወይ’ውን ብኻልእ ቋንቋታትና ተጻሒፉሉ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡፡ እንተሎ ድማኒ እቲ ዓረብ፡ ወይ’ውን ካልእ ቋንቃታት ከንብብ ዘይክእል፡ መታን ከንብቦ፡ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ብምቱርጋም ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ የሕዋትን ኣሓትን፡ ክትርጉሙልና ንምሕጸን።)

ናብ ክፉት ክትዕ ንምቅራቡ ብዝብል ኣምር እምባኣር፡ በዛ ዘላትኒ ኣቅሚ፡ ንእሽቶ እንተሓንጠጥኩሞ፡ ገለ እንተተዛረብናሉሞ፡ እቶም ኣፍልጦን ዓቅምን ዘለዎም ብወገኖም ድማኒ፡ ብዛዕብኡ ብደንቢ እንተጸሓፉስ፡ ንርድኢት ኩሉና ምጠቀመ፡ ብዝብል ሕልና፡ እንሆ ብርዐይ የፍስስ ኣለኹ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን፡ ኣብ ክንዲ ከም ዘይትንከፍን፡ ነውሪን ኣርእስቲ ዝውሰድ’ሞ፡ ከም ሕማም መንሽሮ ውሽጢ ውሽጢና ዝብሕጉገናሲ፡ ኣብ ባይታ ኩልና ቀሪቡ፡ ምተኻታዕናሉ፤ ምተላዘብልናሉ፤ ምተማኸርናሉ፤ ኢሂን ምሂን ምተባሃሃልናሉን። ብኣግኡ ድማኒ ነቲ ሽግር ኣለሊና፡ ፈውሲ ከነናድየሉ ምተበገስና።

እዚ ኣርእስቲ ኣዝዩ ተኣፍፊ ብሙኻኑ፡ ብዘይፍላጥ፡ ንገለ የሕዋት ዘቆጥዕን ዘቀይምን ነገር ከይሕውስ እናፈራህኩ’የሞ፡ ቅድሚ ዝኣገረ፡ እቲ እንኮ እላማ ናይ ጽሑፈይ፡ ነቲ ቅዉም~ነገር ናብ ቅርዓት ብምውጻእ፡ ኩልና ዝምልከተና ወገናት ክንዛረበሉን፡ ኣብ መጨረሻ ድማኒ ነገራት ኣስፊሕናን፡ ከካብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ዓንኬላት ክንርእዮም ክንክእል መታን ጥራይ ምዃኑ ብምሕጽንታ ደጊመ ይገልጽ፡፡ ብድሕሪ’ዚ ዝኸይድስ፡ ዝኮነ ይኹን ማሕበራዊ፡ ፖልቲካዊ፡ ቁጠባዊ ይኹን ካልእ ምኽንያትን ጥቅምን ከምዘይብለይ ክሕብር ይፈቱ።

_______

‘ካብቲ ሕማቅ ዝገብሩኻስ፡ ሕማቅ ዝሙህርኻ፡’ ይብሉ ለባማት ኣቦታት። ስርኣት ህግደፍ፡ ኣብ ልእሊ ኤርትራውያን ዝፈጸሞ ይቅረ~ዘይብሃል በደል፡ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ፡ መዳርግቲ ኣልቦ’ዩ። ክንዲ ዘኾለሰ የእዳው ዝተነኽሰ፤ ክንዲ ዝሓብሓበ ዝተረግሐ፤ ማዕረ እቲ ዝተበጀዎ፡ ኣብ ክንዲ ሞሳን ምስጋናን፡ ኩርንዒት ዝቀሰመ ህዝቢ እንተሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ኣደራዕ፡ ዝኾመርካ ቃላት እንተኾመርካ፡ ገሊጽካ ክውዳእ ኣይካኣልን።

እዚ’ውን ወሪዱናስ ኣብኡ ተተብቅዕ፡ ኣይምተጸልኣን። እቲ ብኽንደይ መስዋእትን ጻዕርን፡ ድሕሪ ከርተት ክንደይ መዋእልን፡ ዳርጋ ተረኺቡ ዝነበረ ስኒትን ምክብባርን ህዝብታት ኤርትራ፡ ከም ቡርቱዕ ጋሻ ውሕጅ ዝኣተዎ ዱኻ መሬት፡ ተቶባሕጕጉ፡ ናብ ዘይውርዙይን ባህ ዘየብል ጎደና ኣንፈቱ ከቅንዕ ንርእዮ’ለና።  መዓናጡኻ’ዩ ድማ  ዝኹምትር። ድቃስ ከኣ ከሊኡ’ሎ፡ ንኽንደይ ለባማት ዝጉህዩ። እዚ ሕማም’ዚ፡  ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ምስ ምምጻእ ስርኣት ህግደፍ፡ ዓዅኩን ኣጉላዕሊዑን ኣሎ። እቲ ዘሕዝንን ዘስግእን ግን ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝተፈጸመ በደል፡ እቲ ንመጻኢን ንወለዶታትን ክሓቅየናን ክሕምሰናን ዝኽእል፡ እሾኽ ምቅርሓንን ጽልእን ሓድሕድ ዘሪኡልና ዝከዶ ዘሎ’ዩ፤ እዚ’ውን ኣብ ዝሓጸረ እዋን እንተኸይዱልና ማለት’ዩ።

ውልቀ~መለኽቲ፡ ብድሕሪኦም ነስኒሶሞ ካብ ዝኾዱ እሾኽ ክፋእ፡ ውሑድ ካብቲ ብዙሕ፡ ጽልኢ፡ ቅርሕንቲ፡ ቅንእን፡ ምትፍናን ኣብ ሞንጎ ዓሌታት፡ ብሄራት፡ ኣውራጃታት ወይ’ውን ሃይማኖታት ይርከብዎም። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለምና፡ በብግዜኡ ዝተቀልቀሉ ውልቀ~መለኽቲ፡ ብድሕሪኦም ሳዕሪ እንተዘይቦቀለ’ውን ሰለዘይግድሶም፡ እቲ ዝጨኮንዎን ዝገዝእዎን ሃገርን ህዝብን፡ ብድሕሪኦም ተሓማሚሱን፡ ዕግርግር ኣትይዎ ተበታቲኑን ዝተረፈ ውሑድ ኣይኮነን፡፡ ታሪኽ ዝደብተሮም ናይ ከምዚኦም ኣብነታት መሊኦም’ዩም።

ውልቀ~መለኽቲ በትረ~ስልጣኖም ጥራይ’ዩ ዘገድሶም፡፡ ስለዚ ድማ፡ ብሂወት ክሳብ ዘለው፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣኖም ኮፍ ንምባል ዘይኣለምዎ ዘይፍሕስዎን የለን። ህዝቢ ብዛዕባ መሰልን ሓርነትን ከይሓስብን ከይጥይቅን፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ከይተኣማመነ፡ ከይተፋቀረን፡ ከይተሳነየን ተተፋኒኑ ክከይድ’ዮም ዝደልይዎ፡፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ዕላማታቶም ንምዕዋት ድማኒ፡ ዝተፈላለየ ቶንኮላት ብምእላም፡ ነቲ ህዝቢ፡ ኣቃልብኡ ብምጥምዛዝ፡ ኣብ ጓል~መንገድን፡ ደቀቅቲ ነገራትን ኣቶኪሩ ዕንክሊል ከብልን፡ እቲ ግዜ ኣብ ነንሕድሕዱ እናተቶኻቶኸን እናተፋለሰን ከሕልፎ መታን ዘይፍሕትርዎ ባይታ የለን። ነዚ ንምትግባር ድማኒ ለይቲን ቀትርን ነዚ ንምዕዋት ዘኽእሎም ውዲታት ምእላም’ዩ። በዝን ወዲ ከምዚን ሜላታት ድማኒ ብዙሓት ውልቀ መልኽቲ፡ ንምሕሳቡ ብዘጸግም፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ተኾይጦም፡ ህዝቦም ዶቂሶምን ደሲቆምን። ትካላዊ ኣሰራርሓ ምብራስን፡ ከምዘይህሉ ምግባርን፡ ፈትሊ ሓድነት፡ ፈትሊ ስምረትን ፍቅርን ናይቲ ህዝቢ፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ከምዝመናናህ ብምግባር፡ ብዙሓት መለኽቲ ዘድልዮም ጌሮም’ዮም።

እዚ ብዘፈቀደ ዝግበር ነገር ኣይኮነን። እኳ ደኣ፡ መለኽቲ ደይ መደይ ኢሎም፡ ወይ’ውን ኮነ ኢሎም ሓሲቦም፡ መደባት ኣውጺኦም፡ ዘተግብርዎ ዓብይ ስትራተጂ ምዃኑስ ኩልና ኣይንስሕቶን። ክፋላት ሕብረተሰባት፡ ምስ ዝተፋነኑ፡ ሓሳባቶም ሓይሎምን ንዋቶምን ኣስሚሮም፡ ኣብ ክንዲ ኣንጻር እቲ ጮቃኒ ስርዓት ብሓባር ዝትንስኡን፡ ንመሰሎም ምቅላስ ከም ቀንዲ ዕማም ገይሮም ዝወስድዎን፡ ነንሕድሕዶም ክተዃተኹ፡ ኣደዳ መጻወቲ መለኽቲ ስርዓታት ይኾኑ።

ስምብራት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሜላ፡ እቶም መልኽቲ ተሓግሒጎም ክንዮ ሓጹር ምስ ተደርበዩ’ውን፡ ብድሕሪኦም’ውን ይተርፍን፡ ነቲ ሕብረተሰብ ድማኒ ሕማም ሕዱር ይኾኖን። ከምቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ  ዝተረእየ፡ እዚ ነገር’ዚ፡ ዕግርግርን ዘይርግኣትን ብምፍጣር፡ምፍሳስ ደምን፡ ዘይዝሕል ጽልእን’ዩ ዘዑኩኽ። ከምእኒ ሶማልያ፡ ናይጀርያ፡ ኣይቮሪኮስት፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ከንያ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኮንጎን ካልኦትን ከም ኣብነት በዚ ሽግር’ዚ ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት ክንወስደን ንኽእል። ብዓቢኡ’ውን ታሪኽ ሁቱን ቱቱሲን ካብ ኣእሙሮና ዘይሃሰሰ ጸሊም ታሪኽ ኣሎ። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሩሑቅ ከይከድና’ውን፡ ዋላ እኳ ኣዝዩ ጉኑን ተዘይኮነ፡ እቲ ምትፍናንስ ኣሎ ደኣ። ኣብ ሃገርና ድማኒ ብፍላይ፡ እቲ ኣንፈቱ’ውን እንዳ ከፍኣ ይኸይድ ከምዘሎንሲ ንኹላታን ከም ጸሓይ በጣዕጣዕ ኢሉ ዝረኣየና ዘሎ ብሩህ ነገር’ዩ።

ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝኣመስለ ታኼላ ከይቆማጣዕን ከይሽመምን፡ ተራ ምሁራት፡ መራሕቲ ሃይማኖታት፡ ኪነ~ጠበባውያን፡ ዓበይቲ ዓድን ካልኦት ተሰማዕቲ ባእታት ሓንቲ ሃገር ኣገዳሲ’ዩ። ስለ ከምዚ ዝተሰየፉን፡ ኣደዳ ማእሰርትን መግረፍትን ዝኾኑን ለባማት ብዙሓትዮም። ኣፍሪቃ፡ ማዕረ~ማዕረ ቁጽሪ እቶም ዓመጽትን ጎሓላሉን፡ ንስለ ፍትሒ፡ ሓቂ፡ ሰላምን ስምረትን ደው ዝበሉ ወራዙት በብእዋኑ ኣፍርያ’ያ። እዛ ንእሽቶን ዘይዕድልትን ሃገርና’ውን፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብዙሓት ለባማት ኣብ ምፍራይስ፡ ብወገና ተሓጕማ’ያ እንተበልናስ ምግናን ኣይከውንን። ኣብዚ እዋን ግን እንድዒ።

በንጻሩ ግን ብዙሓት፡ ኣብነት ኮይኖም፡ ነዚ ህዝቢ፡ ክከባበርን ፍልልያቱ ክጻዋወርን፡ ክምዕዱን፡ ክምህሩን ብዙሕ ትጽቢት እንገብረሎም፡ ገለገለ ወራዙትን፡ ፈላጣትን ምሁራት እንሓሳብ መንገዲ ጸጋም ክሕዙ ንርኢ’ና። ገለገሊኦም ኣብቲ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ መላኺ ስርዓት ዘጻዎዶ ታኼላ ምፍላስ ህዝብታት ተሽኺሎምን፡ ኣብቲ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ኣምር ጨኮንቲ ርዒሞምን፡  ካልእ ግዜ ድማኒ ስስዐ፡ ውልቃዊ ጠቅምታትን፡ ጸቢብ ረብሓታትን ደሪኽዎም፡  ነዚ ህዝቢ፡ ብዝተፈላለየ ድሑርን፡ ጸቢብን ፖለቲካን ሃይማኖትን ክጎዛዝይዎ ምርኣይ ሉሙድ እንዳኾነ መጺኡ’ሎ። ሓፋሽ፡ እዞም ቀየስቲ ኣተሓሳስባ ዝኾኑ ላህመት ሕብረተሰብ ዝበልዎ ኣሚኑ፡ ናብ ህጉም ዕግርግር ከምርሕ ንዕዘብ ኣለና።

ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ክምለስ። ሎሚ ሎሚ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ስርዓት ከበሳዊያን፡ ስርዓት ክርስታንያውያን፡ ስርዓት ሰብ ሓማሴን፡ ስርዓት ብሄረ ትግርኛ ተባሂሉ ክስመ ምስማዕ እንዳተለምደ መጺኡ’ሎ። ብዙሓት ሰዓብቲ ምስልምና የሕዋት፡ ነዚ ዘሎ ስርዓት ከም ስርዓት ክርስትያን፡ ብርክት ዝበሉ ደቂ ካልኦት ብሄራት፡ ከም ስርዓት ብሄር ትግርኛ፡ ብርክት ዝበሉ ደቂ ካልእ ኣውራጃ (ብፍላይ  ድማ ደቂ ኣከልጉዛይን  ሰራየን)፡ ከም ስርዓት ኣውራጃ ሓማሴን፡  ገይሮም ክጠቅስዎ ምርኣይ፡ ዘየገርም ነገር እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ።

እዚ ስርዓት ኢዚ ወካሊ ደቂ ከበሳ ክርስትያን ብሄረ ትግርኛ ብሓፈሻ፡ ደቂ ሓማሴን ድማ ብፍላይ ድዩ? ብምንታይ መዓቀኒ’ዩ ኸ ከምዚ ዝባሃል? ብኣልማማ ከምዚ ገርካ ምልማጽን፡ ጋግ ፍልልያት ምርሓቡን ከ ንመን ኮን’ዩ ከርብሕ?

ስርት ደቂ ከበሳ?

እዚ ስርዓት እዚ፡ ስርዓት ደቂ ከበሳ ተባሂሉ ዝጥቀስ ዘሎስ፡ ደቂ ከበሳ ካብዚ ስርዓት’ዚ እንታይን ከመይን ዝበለ ሓለፋ ስለዝተገበረሎም’ዩ? እዚ ስርዓት እዚ፡ ንደቂ ከበሳ፡ ዝያዳ ኻልእ፡ እንታይ’ዩ ጌርሎም? እዝን ኻልኦት ሕቶታትን፡ ወላ’ኳ ብቀንዲ ነቶም ከምዚ ዓይነት ክስታት ዘተንፍሱ ወገናት ዝምልከት እንተኾነ፡ ገለገለ ብብዝሒ ኣብ ኣደባባይ ዝወሃብ ምስምሳት ግን ኽጥቀስ ይካኣል’ዩ።

ሓደ ካብኡ ጉዳይ መሬት’ዩ። መሬት ቆላ ተተምንዚኡ ንደቂ ከበሳ ይወሃብ ኣሎ ዝብል ክሲ’ሎ። እንተ እቲ ምምንዛእ መሬት፡ ህግደፍ፡ መሬት፡ ካብ ደቀባት መታሕት መንዚኡ ምውሳዱ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦን፡ ኩሉ ዝሳማማዓሉን ይመስለኒ። እቲ ንደቂ ከበሳ ተዋሂቡ ዝብል ዘረባታት ግን ቁሩብ ምውካል የድልዮ። ካብ ኣየናይ ክፋል ኤርትራ መጺኡ ብዘየገድስ፡ ህግደፍ ንምጥያስን ንኻልእን ኢሉ ዝዓደሎ መሬት፡ ንደገፍቱን ንኣባላቱ ነበርን ጥራይ’ዩ። ገለ ቁሩብ ገንዘብ ካብ፡ ዓለምለኻውያን ትካላት ንምርካብ ኢሉ’ውን ገለገለ፡ ምስ ደቂ መታሕት፡ ኣብ መታሕት ከምዝጣየሱ ዝገበሮም ኣብ ሱዳን ተሰዲዶም ዝነበሩ ደቂ ከበሳ’ውን ክህልው ይኽእሉ። እዚ ገለ ካብቲ ብዙሕ ክጥቀስ ዝካኣልዩ። እዚ ግን ነቲ ስርዓትን፡ ነቶም ኣብቲ ስርዓት፡ በብእዋኑ ዝነበሩን ዘልዉን ወሰንቲ ኣካላት፡ ከበሳውያን ይኩኑ ደቂ መታሕት፡ ጥራሕ ዝምልከት ክሲ’ዩ። እዚ ስርዓት’ዚ ንደቂ ከበሳ ንከርብሕ ኮነ ኢሉ ዝወሰዶ ስጉምቲ የለን። ምስቲ ሕጽረት መሬትን ብዝሒ ህዝብን ተቀማጦ ከበሳ፡ ወላ እኳ ብዝሑን ስፍሓቱን ክንድቲ ናይ መታሕት ኣይኩን እምበር፡ ብዙሓት ዓድታት ከበሳ’ውን፡ ብምስምስ ዕደና፡ ምስራሕ ኣባይትን ሕርሻን፡ ኣደዳ እዚ ብሓይሊ ዝተገብረ፡ ዘይሓላፍነታዊ ዝምታ መሬት ኮይነን’የን። እዚ ዘርእየና ድማ፡ እቲ ስርኣት፡ ንኡኡ ዝመሰሎን፡ ዝጠቅሞን ዝገብር ደኣምበር፡ ረብሓ ገለ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ንምሕላው ዝገብሮ ከምዘይኮነ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ገለገለ የዋሃት፡ ዋላ ነቲ ኣብ ፈቀዶ ናኣሽቱ ከተማታት መታሕት፡ ኣብ ትህቲ ብክሻታት ዝተሰርሐ መጽለሊ ኮይነን፡ ሻህታትን መግብን እናሸቀጣ፡ ናብረኣን ንምምራሕ ዝጽዕራን፡ ዝጽዕሩን ከም ወራር ደቂ ከበሳ ዝርእይዎስ ኣይተሳእኑን። እዚ ግን ማንም ክኽልክሎ ዘይኽእል መሰል ዝኾነ ዜጋ ኮይኑ ይረኣየኒ። ከምቲ ወድ ቆላ ኣብ ከተማታት ከበሳ መጺኡ፡ ይዕበ ይንኣስ፡ ትካል መጥዓም፡ ቤት ሻሂን ንግዲን ክገበር ክፍቀድሉ ዝሕሰብ፡ እዚውን ከምኡ’ዩ። ነዚ ዘይምቅባል ግን፡ ንጉዳያት ብዝተፈላለየ መለክዒታት ከም ምርኣይ ጥራይ እዩ ዝውሰድ።

ካልእ ዝቀርብ ምኽንያት ድማኒ፡ መራሕቲ ህግደፍ መብዛሕቶም ደቂ ከበሳ’ዮም ዝብል’ዩ። እዚኣ ምስታ ሕቶ ሃይማኖት’ውን ትላኣል’ያ። ላዕሎዎት መራሕቲ ህግደፍ ብዘይጥርጥር እቶም ዝበዝሑ ደቂ ከበሳ’ዮም፡ ብፍላይ ድማ እዞም ሕጂ ዘለው። እዚ ኸኣ ኩላትና እንፈልጦ ናቱ ታሪኻዊ መግለጺ ኣለዎ። ቁጽሮም፡ ዋላ ክንዲቶም ደቂ ከበሳ ኣይኹኑ’ምበር፡ ክንሓብኦ ተዘይደሊናስ፡ ብዙሓት ደቂ መታሕት ሓለፍቲ እዚ ስርዓት እዚ ከምዘለው’ውን ምግንዛብ ከድልዩ፡ ዋላ ንድሕሪት እንተተመለስና’ውን። ህግድፍ ስሙ ጥራይ ዝቀየረ ህግሓኤ’ዩ። ብዙሓት ሓለፍቲ ህግሓኤ ደቂ ቆላ ነይሮምን ኣለውን። ግን ኣብቲ ግዜ ብረታዊ ቃልስን፡ መጀመርያ ዓመታት ናጽነትን ከምዚ ዝኣመሰል ክሲ ስለምንታይ’ዩ፡ ከምዚ ሕጂ ጎሊሑ ዝጥቀስ ዘሎ፡ ዘይተጠቅሰ? ከምዚ ዘብለኒ ዘሎስ፡ ነቲ ስርዓት፡ ‘ሕራይ ገበረ!’ ክብል ደልየ ስለዝኾንኩ ኣይኮነን፤ የግዳስ እዚ ስርዓት’ዚ ንደቂ ከበሳ ኣይንታዮምን ሙዃኑ ንምግላጽ ደኣ’ምበር። ብዙሓት ደገፍቲ ህግሓኤ ዝነበሩን፡ ነዚ ሕጂ ኣልዒለ ዝዛረበሉ ዘልኹ ኣርእስቲ፡ ክለዓል እንኮሎ፡ ዝገንሑን ዝግስጹን ዝነበሩ፡ ሕጂ ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኖም ነቲ ነገር ከምበድብድዎ ክትርኢ እንከለኻስ፡ ‘እዛ ብርኩታ ገለ’ላታ’ ስለ ዘብልዩ። ከምዚን ወዲከምዚን ምጉጅጃል ከኣ እንትርኦፎ ነዚ ስርኣት’ዚ ናማንም ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ከምዘየርብሕ ሕጂ ልእሊ ዝኾነይ ዩኹን እዋን ክበርሃልና ምተገብኣ። ነጸቢብ ረብሓታቶም ንምርዋይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጓይላ ተሓምበለ ክብሉ ዝደልዩ ወገናት ድማኒ፡ “ብማይ ኣይትማህለሉ” ጥራይ ኢኻ ትብሎም። ሕጅ’ውን፡ ህግደፍ፡ ብዘይካ ንስልጣኑ፡ ንኻልእ ኢሉ ዝወስዶ ስጉምቲ ከምዘየለ ኣንዳዕዲዕና ክንፈልጥ ይግበኣና። ዋላ መንነቱ’ውን ንጹር ዘይኮነ ሰብ፡ ነዚ ስዓኣት እዚ ብግናዕን ብጉምቦ ኢዱን ክሳብ ዘገልገሎ፡ ኣብ ስልጣን ኮፍ ከብሎ ከምሙኻኑ ኩላትና ኣደልዲሊና እንፈልጦ ሓቂ’ዩ፤ ወዲ ከበሳባ ወዲ ቆላ ዝብል ኣምር፡ ንስዓኣት ህግደፍ ኣይሕልሙን’ዩሞ፤ ካልእ ኢልና ደኣ ንክሰሶ። ኣብ የእምሮ መራሕቲ ህግደፍ፡ ሓደ ውልቀ~ሰብ፡ ረብሓታት እቲ ጉጅለ ይሕሉ ዶ ኣይሕሉን’ዩ፡ ዝብል ሕቶ’ዩ ፈለማ ዝለዓል፤ ካልእ ካልኣዊ’ዩ።

እዚ ነጥብ’ዚ፡ ዝኸፍቶ ሳንዱቅ ፓንዶራ’ውን ኣለዎ’ሞ፡ እንተዘይሓቆንናዮስ ዝሓሸ’ዩ። እቲ ምንታይሲ፡ ጀብሃ ዳርጋ መብዛሕቶም መራሕታ ደቂ መታሕት’ዮም ዝነበሩ’ሞ፡ በዚ መዐቀኒ’ዚ፡ ዘይሃገራዊትን፡ ናይ ደቂ መታሕት ውድብያ ኔራ፡ ንዝብል ከ ከም ቁኑዕ ዲና ክንቅበሎ? ወይ’ውን ዝበዝሑ ኣባላት ኮሚተ ኤሃኮደለ (ENCDC) ደቂ መታሕትን፡ ኣመንቲ ምስልምናን  እዮም እሞ፡ ንረብሓ ዞም ዝተጠቅሱ’ዮም ክሰርሑ፡ ወይ’ውን ‘ኮምሽን እስላም’፡ ‘ኮምሽን መታሕት’፡ ኢልና ብኣልማም ክንልምጽ ቁኑዕ ድዩ ክኸውን?

ርእሲ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ክትከውን ስለዘወስነን፡ ኩሉ መንግስታዊ ውሳኔታት ድማ ካብ ማእከል ኣስማራ ናብ ካልኦት ቦታታት ስለ ዝወርድ’ዩ ተባሂሉ ዝቀርብ ካልእ ምኽንያት’ውን ኣሎ። ኣስመራ ርእሲ ከተማ ንኽትከውን ዘገደደ ሮቃሒታት ነዚ ስርዓት እዚ ዘኽስስ ኣይመስለንን። ኣስመራ ንታሪኻዊ ምኽንያታት ርእስ ከተማ ኮይና ጸኒሓያ፡ ከም ኣብ ዳርጋ ኩሉ ሃገራት ድማ፡ እቲ ማእከላይ መንግስቲ ኣብቲ ርእሲ ከተማ ዓሪዱ። ኢዚ መንግስቲ እዚ ከምኡ ስለዝገበረ ግን፡ መንግስቲ ከበሳዊያን ኢልካ ክስመ ጌጋ ጥራይዩ። ዝኾነ ይኹን ብሕጂ ዝመጽእ መንግስቲ ውን ኣስመራ ከም መናሃርያኡን ማእከላይ ስፈርን ክገብር ከምዝኽእል ርዱእ’ዩ። እቲ ምኽንያት ካልእ ኣይኮነን። ሎጂስቲካዊ ምክንያት ውን እኹል’ዩ። ምናልባት ከም መራሕቲ ኮት ዲ ቭዋርን ሊብያን፡ ዝኣመሰሉ እንተመጽኡና ከኣ ንርእይ’ሞ፡ ርእሰ~ከተማና ይቅይርዎ ይኾኑ። ስለዚ እዚ ማእከላይ መንግስቲ ህግደፍ፡ ኣብ ማእከል ከበሳ ኮፍ ስለዝበለ፡ መንግስቲ ከበሳውያን ከሰይሞ ኣይክእልንዩ።

ይቅጽል

ካብ ዘይቀሰነ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Semhar March 22, 2012

    ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ
    should implement the advise of the founders of our revolution.
    1) Woldeab W/ Mariam: “God blessed this crown (Eritrea) for us, Woe to him who dares touch it.”
    2) Ibrahim Sultan. “ Stand united my dear folks. Unite and work together for Eritrea.”

    The mad dog, the tyrant Isayas and his followers had destroyed our land and our people. We must destroy the mad dog Isayas and HIGDEF.

    ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ
    must take action against the tyrant mad dog Isayas and his followers HIGDEF, just like IDRIS AWATE took against the #1 enemy of Eritrea.

    Death to the mad dog, the tyrant dictator and his followers!

    • Cambo March 22, 2012

      ኣንቲ ሰምሃር ሓብተይ፤
      ነዚ ጽውጽዋይ ናይ “ሰውራ” ገና ኣይምነወክን ድዩ? ገለ ሓድሽ ንለውጢ: ዋላ መማቐሪ ዝኸውን ሓድሽ ቦለቲካ የብልክን?
      እስከ ገለ ነያ ሲንጋፖ ሕሹኽ በልዮ።
      እምበር እዚኣስ ብዘይ መማቕርቲ ኣይትቕረብን እያ። ቁሩብ ከምዛ ዝቐነየት ስዋ መጺጻትኒ። ቁሩብ ዋላ ካብ ናይ ሳዋ ጌሶ ሕውስ ኣቢልኪ: ሓድሽ መዅባዕቲ ጌርኪ ናይዞም ኩናማ ድሙድሙ ግበርያ።

    • haki ytakeb March 22, 2012

      kkkkkkkkheeheheheeee!!!!!!!aqmi zeyblom koynom ember dengitsom diyo.bejaki NCOMBO wet NSINGAPO ERITREAN teweki tsahafi bejaki,kkkkkk!!!!!a!way wurdet!!!tim setarit endiya.

  • Grum March 22, 2012

    Semhar, you do not need to mention the name of our heroic fathers, you just serve the Weyenanes, who would like to unearth the corpse of the heroes.

  • Haqi March 22, 2012

    Just ask yourself
    who is more likely to pay 2 per cent …highlanders
    Who is more likely to dance on PFDJ festivals…highlanders
    Who is more likely to represent the regime abroad …highlanders
    Who is more likely to sign wereqet TaEsa and serve the regime…highlanders
    Who is more likely to engage in espionage and serve the regime ..highlanders.mainly hamasenians
    these facts can not be denied
    However, it would also be misleading to say there are no opportunist lowlanders/muslims who serve the regime.

    There is no doubt the regime is a tigrinya regime, but it does not represent the Tigirninya people

    • Aya-Anbesa@yahoo.com March 23, 2012

      Haqi says “There is no doubt the regime is a tigrinya regime, but it does not represent the Tigirninya people”
      If the regime does not represent the Tigrinya people, why do you call it a Tigrinya regime? Why don’t you call it something else?

  • samrawit March 22, 2012

    haki yitakeb sakit ika miskinay.

Post a Reply to Grum Cancel Reply