Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃለው ባሕሪ (3ይን መወዳእታን)

ሃለው ባሕሪ (3ይን መወዳእታን) ኣብ ሓቀኛ ዝኽርታት ሃብቶም ዝተመርኮሰት ዛንታ ማሕሙድ ሳልሕን ሃብቶም ጸጋይን ሃለው ባሕሪ(2ይ ክፋል) በዚ ዝስዕብ ሕጥበ ጽሑፍ ወዲኡ ነይሩ። “ድሕሪ’ቲ ናይ ሓለፍቲ መብርሂታት ናይ ብምልኡ ብርጌድ ኣኼባ ተኻየደ። ሓጻር መግለጺ እዩ ሂቡ። “ ብጾት ሕጂ’ውን

ሃለው ባሕሪ (3ይን መወዳእታን)

ኣብ ሓቀኛ ዝኽርታት ሃብቶም ዝተመርኮሰት ዛንታ

ማሕሙድ ሳልሕን ሃብቶም ጸጋይን

ሃለው ባሕሪ(2ይ ክፋል) በዚ ዝስዕብ ሕጥበ ጽሑፍ ወዲኡ ነይሩ።

“ድሕሪ’ቲ ናይ ሓለፍቲ መብርሂታት ናይ ብምልኡ ብርጌድ ኣኼባ ተኻየደ። ሓጻር መግለጺ እዩ ሂቡ። “ ብጾት ሕጂ’ውን ታሪኽ ክንሰርሕ ኢና። ነዚ ኣብ ቅድምና ዘሎ ጸላኢ ጸራሪግና ከረን ከንእትዎ ኢና” ኢሉ እቲ ሓፈሻዊ ንምውህሃድን ቅልጣፈን ተወፋይነትን ዝምልከት ለበዋታት ሃበ።ንኣእዛን ዘናውጽ ጣቕዒት ሰዓበ። ኣኼባ ምስ ተዛዘመ ተጋዳላይ ኣብ ምስዕዓም ኣተወ። ብኣፎም ደኣ ኣይበሉዎ’ምበር ናይ ምፍናው ከምዝነበረ ዝጠራጠር ሰብ ነይሩ ኣይብልን። ኣብታ ድሕሪ’ዚ ውግእ’ዚ እትግበር ኣኼባ ዘይርከቡ ብጾት መን ምዃኖም ብልክዕ ዝፍለጥ ‘ኳ እንተዘይኮነ፡ ካብቶም ዝሰዓዓሙ ዝነበሩ ተጋደልቲ ገሊኦም ከምዘይርከቡስ ብሩህ እዩ ነይሩ። ንሓዋሩ ክፍለዩ እዮም። ስለ’ዚ ከኣ እዮም እቶም ተጋደልቲ ድሕሪ’ቲ ኣኼባ ከምቲ ንዓመታት ዝተናፈቑ ኣዕሩኽ ዝገብርዎ ወካዕካዕ ንነዊሕ ዘዕለሉን ዝተጫረቑን። ይቕረ ዝተበሃሃሉ’ውን ኣይሰኣኑን። ብሓንጎሎም ናይ መወዳእታ ምስልታት ብጾቶም ዝቐርጹ ዝነበሩ  ይመስሉ። ዝኽርታቶም የትርፉ ነይሮም። ካብ እንስሳታት እቲ ሞት ከምዘሎ እናፈለጠ ዝመውት ወዲሰብ ጥራይ እዩ። ኩነታቶም ዘይተረድአ’ሞ ፍሕሽው ገጾምን ፍሽኽተኦምን ጥራይ ዘንበበ ሰብ እዞም መንእሰያት’ዚኦም ናብ ኲናት ክብገሱ ተነጊርዎም ከምዝነበረ ክኣምን መጸገሞ ነይሩ። ውግእን ወረ ውግእን ኣብ ዝዓሰሎ ዓለም ኣብ መንጎ ሂወትን ሞትን ሓጎስን ጓህን ዘላ ደረት ኣዝያ ቀጣን እያ። ምፍልሳፍ ግዜ ኣለዎ። ሕጂ ግን ግዜ ውግእ እዩ። ነብሰ-ወከፍ ታባን ሕሉምን ዋጋ ከምትጠልብ ፍሉጥ ነይሩ። ነብሰ-ወከፍ ኪሎመተር ደም ክሓትት ‘ዩ። ኲናት ክፉእ እዩ። ግንባር ሓልሓል ጸሊም ደበና ይንጥልጠሎ’ሎ። ጽባሕ ነገር’ሎ።  ሃለው ባሕሪ………. “

****************************************************************************************************************

ኣብቲ ግንባር ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክረባረባ ዝጸንሓና በራጊድ ነይረን እየን። እዚ ወራር እዚ ‘ሰላሕታ’ ደኣ ይሰመ እምበር ኣዝዩ መሪር እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝነበርናዮ ግንባር ናቕፋ ይኹን ኣብቲ ሽዑ ዝኣተናዮ ግንባር ሓልሓል ብዛዕባ’ዚ ወራር’ዚ ብተጋደልቲ ዝወሃብ ዝነበረ ገምጋም ተመሳሳሊ ነይሩ። “ሓደገኛ” ኢልና ንገልጾ ነይርና። ብግዝፊ ሻድሻይ ወራር ‘ኳ እንተዓበየ፡ 6ይ ወራር ዓመት መመላእታ ስለዝተዳለናሉን ሓያልን ብዙሕ መስዋእቲ ዝሓተተን ይኹን እምበር ክውዳእ ከሎ”ብሓቂ ኣብቂዑ ድዩ?” ኣብ ምባል በጺሕና። ምኽንያቱ ሰብ ብጋዝ ክረግፍ እዩ ተቀሪቡ ነይሩ። ብዝኾነ፡ ዘይውዳእ የለን እዚ ሓደገኛን ሰላሕታን ወራር’ዚ እውን ኣብ ምውድኡ ነይሩ።  ከምቲ ልሙድ ድማ ብጸረ-መጥቃዕትና እዩ ክዛዘም። እቲ ሜላ ዳርጋ ኣይተቀየረን። ካብ ምዝላቕ (1978) ክሳብ ሕጂ ጸላኢ ምድላዋት ጌሩ ወራር የበግስ፡ ሕሱም ናይ ምርብራብ ኣዋርሕ ይሓልፉ፡ ድሕርኡ ብናትና ጸረ-መጥቃዕትታት ይዛዘም። እዚ ሜላ’ዚ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ቅሙጥ ኮይኑ ክንሰርሓሉ ጸኒሕና። ንሕና ንኹን ጸላኢ እንፈልጦ እዩ። ካብተን ካልኦት በራጊድ ዝፍለ ብደሆ ነይሩና እንተተባህለ፡ ንሕና ካብ ናቕፋ መጺእና ብቀጥታ ኣብቲ መጥቃዕቲ ነኣቱ ምንባርና እዩ። እቲ ቦታ ብእሮታ ‘ኳ ዝፍለጥ እንተኾነ ንግንባር ሓልሓል ወይ ዓስርተ ምስቲ ብሂምቦል/ይካርዕን ተቀኒቱ ናብ ከርከበት ዝበጽሕ ግንባር ዘተኣሳስር ሰፊሕ ዝባውንቲ የጠቃልል። ብራኼ እሮታ ምስ ዓስርተን መለብሶን ዝወዳደር ኮይኑ ከም ቅርጺ ኣውቶቡስ ንሰሜን ይዝርጋሕ። ንዕኡ ደፊእና ማዕረ ዓስርተ እንተብጺሕና፡ እቲ ብወገን ከርከበት/ባርካ ዝመጸ ኣብ ተረትር ባናን ሕሩምን ዝነበረ ጸላኢ ተቆሪጹ እዩ ክተርፍ። ኣብ ሻድሻይ ወራር ሓይሊ ህ.ሰ. ክጎዛዚ በዚ ከባቢ ዝመጸ ብመብርቕ እዝ ዝፍለጥ ዝነበረ እዚ ጸላኢ ዕድሉ ሕማቕ ነይሩ። ከይጀመረ ናብ ሑጻ ጎላጉል በርካ ተጓሒፉ። ኣብኡ ድማ ተሰትዩ። ሕጂ’ውን ነዚ ናይ እሮታ ወገን ናይቲ ግንባር ናብ ሓልሓል ከምዝሽምቆቅ እንተተገይሩ እቲ ብወገን ባርካ  ዝነበረ ጸላኢ ዕድሉ ካብቲ ወገኑ ኣብ ሻድሻይ ወራር ዘጋጠሞ ውድቀት ኣይክሓይሽን ‘ዩ።

እሮታ፡ መዓልቲ ኣይዝክራን፡ ሓምለ/1983፡ ኣስታት ሳዓት 0400

ግንባር ሓልሓል ሓዊ ተኻዕዎ።  ብፍላይ ብወገና ከቢድ ምትሕንናቕ ይካየድ ነይሩ። “ተረዲአኪ ኣለኹ። ንኸሲ ጥራይ” ወዲ ፍላንሳ ምስ ሓንቲ መራሕ ጋንታ  ይራኸብ ነይሩ። መብዝሕትአን ‘ተን ክስበራ ዝተሓጽያ ዕርድታት ጸላኢ ኣብ ደቓይቕ ኣብ ኢድና ኣትየን ኣሃዱታትና የማነ-ጸጋም እናተኣሳሰራ ይደፍኣ ነይረን። ሓደ ክልተ ቦታታት ግና ገና ሓንጊደን ነይረን። ብፍላይ ኣብ ሓንቲ ታባ ቦምባ ኢድ ዝበዝሖ ጽዑቕ ምትህልላኽ ክካየድ ንዕዘብ ነይርና። እቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ፍርቂ ሳዓት ኣቢሉ በተን ከፈትቲ ኣሃዱታት እዩ ጀሚሩ። እዘን ኣሃዱታት እዚአን ፍሉያት ኣይኮናን። ንኣብነት ሓንቲ በጠሎኒ ክትኣትወሉ ዝመረጸቶ ቦታ እትኽፍት ዝኾነት ጋንታ ናይታ በጦሎኒ ክትከውን ትኽእል እያ። እዚ ቀዳማይ ዕማም’ዚ ቦምባታት ኢድ ዝበዝሖን ናይ ኢድ ብኢድ ጥምጥም ዝተሓወሶን እዩ ዝኸውን። እብዚ ከፋቲ ፍልምያ፡ ቦምባ ናይ ምድርባይ ቀላጽም ዘማዕበሉ ተጋደልቲ ምናልባት ብፍሉይነት ጸብለል ዝብሉሉ ወይ ዝምረጹሉ መድርኽ ክኸውን ይኽእል። ተፈንጀርትን ማሕትኦምን ንስንጭሮታት እሮታ ረበጽዎ። መሬት ብሓንሳብ ናብ ቃልቃል ዝብል ጓህሪ ተቐየረት። መጥቃዕቲ ጅምር ክብልን ዝነበርናዮ ቦታ ብነኣሽቱ ሞርታራት ክድሶቕን ሓደ ኮነ። ብደቡብ ካብ መለብሶን ዓስርተን ብምዕራብ ድማ ካብ ቆላታት ባርካ ከቢድ መዳፍዕ ብዘይምቁራጽ ይግዕርን ዳርጋ ብምልኡ ብደሕርና ኣብቲ ቀደም ኣሲሩሉ ዝነበረ ድፋዓትን ደጀንን ይወድቕን ነበረ።

ድሕሪ ቅሩብ፡ እቲ ቅድምና ዝነበረ ቀዳማይ ድፋዕ ስለዝፈረሰ ብሓንቲ ኣቀዲመን ኣሃዱታትና ዝኣተዋላ ቀጣን መስመር ናብቲ ተታሒዙ ዝነበረ ድፋዕ ጸላኢ ደየብና። ኣሃዱ ሃንደሳና ነተን ንመእተዊ ተባሂለን ዝተሓርያ ቦታታት ኣቀዲሞም ብጸላም ካብ ፈንጅታት ኣጽርዮመን ሓዲሮም። ቀዳማይ ድፋዕ ጸላኢ ክንሰግር ከለና፡ ምብራቓዊ ደረት ሰማይ በርሃው እናኮነ ይኸይድ ነይሩ። ነቲ ጸላም ክትርብዕ ዘርፈደ መስታታት ናይ በብዓይነቱ ብረትን ነተጕትን ድማ ብርሃን ወጋሕታ እናህሰሶ መጺኡ። ኣብ ገሊኡ ብሰንኪ ትክን ደሮናን ምርእኣይ የጸግመና ነይሩ። ኲናት ንዝለመደ ሰብ መቸም ሽታ ባሩድ ግናይ እዩ- ናብ ጽሉል ኣርሓ ‘ዩ ዝቕይሮ። ትቀትል እምበር ትቅተል ኣይመስለካን።  ካብ ክልቲኡ ወገን ጸጸኒሑ ይስማዕ ዝነበረ እህህታ ቃንዛ ግን ሞትን መቕሰልትን ሌላ-ጉሌላ ከምዘይብሉ የዘካኽረካ። ድሮ እውን ኣብ ክልተ ቦታታት ስዉኣት ክቀብሩ ተዓዚበ። ውጉኣት እውን ብቃረዛን ብእግርን ንድሕሪት ከብሉ ጀሚሮም እዮም።  ኣብዚ ውግእ’ዚ ብብዝሒ ገባር ከምዘለዉ ድሮ ምልታት ርእየ ነይረ ። ቀቅድሚ’ቲ ውግእ እቶም ተቀማጦ ናይቲ ከባቢ ብመሳርዕ ተወዲቦም ደድሕሪ ተጋዳላይ ክጓዓዙ ምዃኖም ከብ ሓደ ጀማሂር ሰሚዐ ነይረ፤ ብዓይነይ እውን ብርክት ዝበሉ ገባር ርእየ ነይረ።

ኣብ መንጎ ‘ቲ ብቀጻሊ ዝሃምም ዝነበረ መዳፍዕን ዕሙር ቶኽስን ክተለልዮ እትኽእል ድምጺ መራሕቲ ነቲ ዋጭዋጭታ ማዕበል ሬድዮታት ዓብሊሉ ጸብለል ይብል ‘ሞ ከብ ድምጾም ጥራይ ኩነታቶም ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ። ድምጽን መጸወዒ ኮዳት ናይ ኩሎም ሓለፍቲ’ቲ ብርጌድ ስለዝፈልጦ ኣብ ስራሕ ዘለዉን ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾኑን በዓል መን ምዃኖም ብቀሊሉ ክግምት እኽእል እየ። ኪነዉ ሓለፍቲ ግን ብዙሓት ዝፈልጦምን ዝፈትዎምን ብጾት ነይሮም። ስለ’ዚ ‘ዩ ግዲ ኣብ ዘይሳዓታ እታ ኩሉ ግዜ ትመላለስ ሕቶ ውትፍ ዝበለትኒ- “ ቀዳማይ ድፋዕ ሲ ተሰይሩ በዓል መን ለኪሙ ኮን ይኸውን?”ትብል ነይራ ። ገጽ ናይቶም ኣጸቢቐ ዝፈልጦምን ዝቀርቦምን ብጾት ተመላለሰኒ። ከብቶም ትማሊ “ ዓወት ንሓፋሽ” ዝበሉ ብጾት በዓል መን ሓሊፎም ይኾኑ? ኣብ ተመክሮይ ከም ዝረኣኽዎ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግጥም እንሓንሳብ ውሑዳት ወተሃደራት እዮም ተኸኽ ዘብሉኻ። ጸላም ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዝጥቃዕ ዝነበረ ድፋዓትን መንሸገራግሮታትን ዝያዳ ንሶም ይፈልጥዎ። መዓንጣኻ ዘሕርር ክሳራ ድማ ይስዕብ። ሓደ ኣብቲ ዝሰገርናዮ ቀዳማይ ድፋዕ ዝተሰወአ ብጻይ ኣብነት ናይዚ እዩ።ኣብቲ ካናለታት ምስ ሓደ ወተሃደር ከም ድሙን እንጭዋን ክተሃላለኽ ጸኒሑ ድሕሪ ነዊሕ ጭርጭር-ዓበደ፡ ሓደ ካልእ ብጻይ ነቲ ወተሃደር ይቐትሎ እሞ ኣንፈቶም ናብቲ ዝሃድም ዝነበረ ጸላኢ ይኸውን። ብግስ ክብሉ ከለዉ ግን ሓደ ኣብ ጁባ ናይቲ ድፋዕ ተሓቢኡ ዝነበረ ወተሃደር ቶኽሲ ብምኽፋት ሓደ ስዉእን ክልተ ውጉኣትን የትርፍ።  እዚታት ንወዲፍላንሳ ከይተበገስና ከተሓሳስቦ ከምዝጀመረ ካብቲ  ምስቶም ኣብኡ ዝጸንሑና ሓለፍቲ ዝለዋወጦ ዝነበረ ቃላት ኣስተብሂለሉ። ክጥንቀቁን ዓቅሚ ሰቦም ክቆጻጸሩ ይእዝዝ ነይሩ። ምስ ሳልሳይ በጦሎኒ ኣቲና ስለዝነበርና ክሉ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እዩ ዝካየድ ነይሩ።

ድሮ መስዋእቲ መ/መሳርዕን ጋንታታትን ዘጠቃለለ ጸብጻብ ተቀቢልና ነይርና። ኣብ ህ.ሰ. ውግእ ብቀንዱ ብተራ ተጋዳላይ ‘ኳ ዝውሰን እንተኾነ መራሕቲ መሳርዕን ጋንታታን እቶም ቀንዲ ኣተግበርቲ እዮም። ካብ ሓለፍቲ ብብዝሒ ዝስውኡ እውን ንሶም እዮም። ንፉዕ ኣዛዚ ብርጌድ ንፉዓት ታሕተዎት መራሕቲ የፍርን ንውሳነታቶም ኣብ ግምት የእቱን። እዚ እምነት’ዚ ኣብ ዕላላቱን ኣኼባታቱን የዘውትሮ ነበረ። ሓደ ግዜ ንኣበርክቶ ተራ ተጋዳላይን ታሕተዎት ሓለፍትን ከብርህ ከሎ “ ተጋዳላይ ፈንጅታት ረጊጹ እንተዘይጠንን፡ ጽምእን ጥሜትን እንተዘይጻወር፡ምስ ሓጺነመጺን እናተላገዐ እንተዘይተባተብ፡ ምስ ምልውዋጥ ኩነታት ዝተዓጻጸፍ እንተዘይከውን፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ስድርኡን ዕድሉን ኣወንዚፉ እንተዘይጋደል ጉዳይና ቀደም ምተረሰዐ ነይሩ” ዝጥዕም መግለጺ ክህብ እዝክር። ኣብ ካልእ እዋን ኣብ ናይ ብርጌድ ምዝንጋዕ “ ሕንጻጽ’ኮ ሕንጻጽ እዩ። ኣቀዲሙ ዝወጸ መደብ ኲናት ነታ ፋልመይቲ ምስ ጸላኢ ትገብራ ርክብ ኣይሰርርን እዩ። ድሕርኡ ዝፍጠር ገልታዕታዕ ተጋዳላይ ‘ዩ ዘጸብቖ” ክብል ሰሚዐዮ ነይረ። እቲ ዳሕረዋይ ነጥቢ ሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ሓቂ ምንባሩ ደሓር እናተመከርኩ ክበርሃለይ ክኢሉ።

ብጻይ ወዲ ፍላንሳ ንገሊኡ ኣሃዱታት ናብቲ ዝቅጽል ሸቶታት ክቅጽል፡ ንገሊኡ ክተኣሳሰር፡ ምስ ገሊኡ ድማ ነተን ኣትኪለን ዝነበራ ዕርድታት ንምሓዝ “ ከመይ/ እንታይ ይሓይሽ ይመስለካ/ኪ?” እና በለ ናብ መራሕቲ ጋንታታት ዝወርድ ርክባት ቀጺሉ። ጸሓይ ወጺኣ ጸላኢ እውን እግረይ ኣውጽእኒ ፋሕፋሕ ክብልን ይረአ ነይሩ። በገሊኡ ሸነኻት ኣሃዱታትና ሰሊጥዎምስ ንቅድሚት ተወርዊሮም ነይሮም። ድሕሪ ገለ ደቃይቕ፡ ወዲ ፍላንሳ ጸላኢ ትንፋስ ከይረክብን ከይወዳደብን ነቶም ሓለፍቲ’ቲ ብርጌድ ቀጻሊ ጸቕጥን ምትብባዕን እናገበረ ንቅድሚት ቀጸልና። ንመጀመርታይ እዩ ንወዲ ፍላንሳ ኣብ መጥቃዕቲ ዘሰንዮ ዝነበርኩ። ኣብ ግንባር ናቕፋ ከለና ናይ ምክልኻል ኣቃውማን ኣተሓሕዛን ነይሩና። ስለ’ዚ ‘ዩ መስለኒ ድምጹ ህዱእ ዝነበረ። “ ኣጆኹም ክሓልፍ እዩ፤ ቅሩብ ተጸመሙ ፤ሓገዝ ይመጽእ ኣሎ፤ እዚኣ እንተሓሊፋ..” ዘስምዕ ቃና ነይሩዎ። ኣብዚ መጥቃዕቲ’ዚ ግን ድምጹ ይኹን ጠባዩ ኣንጻር ነይሩ። “ ቀጽል፡ ተቀላጠፍ..ወዘተ” ዝበዝሖ ዓውታን ሓይልን ዝነበሮ ድምጽን ትእዛዛትን ይጥቀም ነይሩ። ሞራሉ ሰማይ በጺሑ ነይሩ። ብታሕተዎት መራሕቲ እውን “ ተረዲአካ…ናብኡ እየ….” ዝብል መልስታት ንሰምዕ ነይርና። ጽቡቕ ምውህሃድን ግስጋሰን ነይሩ። ትሕትኡ ዝነበሩ ይኹኑ መሳትኡ መራሕቲ ብጣዕሚ የኽብርዎ ምንባሮም ኣብቲ ምስኡ ዝገበርክዎ ሓጺር እዋን ክዕዘቦ ክኢለ። ብቀደሙ እውን ኣብ ስራሕ መጺእካ ዝድፈር መዳይ ኣይነበሮን። ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ እንሓንሳብ ንለግብ እንሓንሳብ ቅሩብ ንድሕር ነይርና እምበር ጉዕዞና ምስ ቦጦሎኒ 3 ቀጺሉ። ኣነን ሃይለ መጎስን ሃብተልኡል ልጃምን ነሰንዮ ነይርና። ምክትል መራሕ ብርጌድና፡ ኣማንኤል ሃንጀማ፡ ምስ ኣዛዚ እቲ ግንባር ዝነበረ ሃይለ ቻይና እዩ ነይሩ።

ሳዓት 0900 ኣቢሉ ኣብ ሓንቲ መዓስከር ጸላኢ ዝነበረት ዕሙቕ ዝበለት ቦታ በጻሕና። ጉስማጥን እስቃጥላን እንተረኸብና ኢልና ኣነን ሃይለ መጎስን ነጊርናዮም ናብኣ ተኣለና። ናይ ጸላኢ ሞርታራት ባተሪ ዝተጻወደላ ቦታ እያ ነይራ። ሓደ ካብቶም ሞርታራት ብቀጥታዊ ዳርባ ተወቂዑ ከምዝነበረ ብሩህ ነይሩ። 81 ሚሜ እዩ ዝመስል፣ ሰለስቲኦም ተኮስቱ ተበጃጂሎም የማ-ጸጋም ወዲቖም ነይሮም። “ ከ ጓድ መንግስቱ ሃይለማርያም ጋር ወደ ፊት!” ዝብል ፍሩይ ጭርሖ ዝተጻሕፎ ጋዜጣ ኣብ እግሪ እቲ ሞርታር ነይሩ። ካልእ ዝተበታተነ ወረቓቕቲ እውን ነይሩ። “ ከ ጓድ መንግስቱ ሃይለማርያምስ ናብ ሞት ደኣ ” በልኩ ብልበይ። ሓደ ከብኦም፡ ቁልዕጽ ኢሉ የማናይ ጎኑ ናብቲ ስሜናዊ ወገን ናይቲ መንደቕ ተጸጊዑ ክሳዱ ቅሩብ ንድሕሪት ቅንን ኢሉ ገጹ ናብ ድቡብ ይጥምት ነይሩ። ምናልባት ሽጋራ ዝደለዩ ብጾት ጅብኡ ፈቲሾም ክኸኑ ይኽእሉ ሓንቲ ዓባይን ክልተ ነኣሽቱ ስእልታትን ኣብ ጸጋማይ ሰለፉ ወዲቐን ነይረን። ኣብታ ዓባይ ስእሊ ሓንቲ ጽቡቕ ተዳልያ ዝተሳእለት እትመስል መንእሰይ ኣብ ወንበር ኮፍ ኢላ ክልተ ህጻናት ብየማነ-ጸጋም ኣሰንዮማ ነይሮም። ሽዑ እታ ስእሊ ኣይተገደኩላን። ደሓር ግን ታሪኽ ናይቲ ኣብቲ ዝሓለፍናዮ ከናለ ዝተሰወአ ብጻይ ምስ ሰማዕኩ ኣሰር ገዲፋትለይ። እቲ ብጻይ ቅድሚ ሰሙናት ሰበይቱ ምስ ደቁ መጺኣቶ ከምዝነበረት ፈሊጠ። እታ ኣብታ ስእሊ ዝረኣኽዋ ስድራ እውን ናይቲ ወተሃደር እያ ትኸውን። ክልተ ኣቦታት ኣብዚ ተዋዲቖም፤ ደቆም ግና ስእልታት ኣቦታቶም እናረኣዩ መንገዲ የቋምቱ ነይሮም ይኾኑ። ብፍላይ ሎሚ ወላዲ ምስ ኮንኩ፡ ኲናት ከብቶም ኣደዳ ቀጥታዊ ሳዕቤኑ ዝኾኑ ተዋጋእቲ ዝያዳ ነቶም ይካየድ ከምዘሎ’ውን እንዶ ዘይብሎም ዕሸላት ከምዝውጽዕ በሪሁለይ። ክልቲኦም ኣቦታት ቅኑዓት ኢና እንዳበሉ እዮም ኣብቲ ዝኣምኑሉ መትከል ዝሓለፉ።ብርግጽ፡ ሓዲኦም እዩ ቅኑዕ ክኸውን ዝነበሮ- ፖለቲካዊ ካርታ ዓለም ኤርትራ ትበሃል ሃገር ተወሲኽዎ።

መሳርፍ ኣኻኺብና ብጾትና ኣርከብና። ኣብታ ልዕል ኢላ ብሸነኽ የማንና ዝነበረት ጎፍጓፍ ገረብ ዕስራ ኣቢሎም ዝኾኑ ምሩኻትን ክልተ ዝሕልውዎም ተጋደልትን ይረኣዩ ነይሮም። እቶም ምሩኻት ምልእቲ መዓልቲ በብሓሙሽተን ዓስርተን ዘርጠብጠብ ክብሉ ውዒሎም እዮም። እቲ ውግእ ብተዛማዲ ደሓን ክቅጽል ውዒሉ መሬት መስዩስ ኣብ ሓንቲ ኩጀት ንምሕዳር ሬድዮና ተኸልና። ኣሃዲታትና ክተእሳሰራ ኣምስየን መከላኸሊ መስመር መስሪተን። ኣብ ገሊኡ ውዱብ ኣብ ገሊኡ ዝተቆራረጸ ልውውጥ ቶኽስታት ነይሩ። ዝበዝሕ ግዜ ድቃስ ንምኽላእን ኣተሓሕዛና ንምፍላጥ ‘ዮም ዝገብርዎ፣ ስለዝኾነ ብኣና ወገን ዝወሃብ መልሲ ውሱን እዩ ነይሩ። ሳዓት ሓደ ወጋሕታ ኣቢሉ ወዲፍላንሳ ቀም ከብል ትሕቲ እታ ሬድዮ ተኺልናላ ዝነበርና ከውሒ ግምብው ኢሉ። ኣነ ምክትታል ቀጺለ። ኣብተን ቅሩብ ቅድም ኢለን ብየማነ-ጸጋምና ዝነበራ ታባታት ዝነበሩ መድፈዓጅታትና ነቶም ምሉእ ምሸት ክህውኹና ዘምሰዩ ነዋሕቲ ብረታት ጸላኢ ከዕግሱ ህልኾም ቀጸሉ። ጻዕቒ ኣይነበሮን እምበር ደብዳብ ነኣሽቱ ሞርታራትን ‘ውን ነይሩ። ፍጥነት ንፋስ ማእከላይ፡ ኣዝዩ ቆራሪ፡ ሰማይ ጽሩይን ሰላም ዝዓሰሎን ይመስል ነይሩ። “ “ንሕና ኣብዚ ኣብ ማእከል ሓዊ ከለና ቁሪ-ቁሪ የብለና ኣሎ፡ ኣብ ገሊኡ ከኣ ብጽባቐ ናይዛ ናይ ሎሚ ለይቲ ሰማይ ዝዘናግዑ ፍቁራት ኣይሰኣኑን። ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ሰማይ ገሊኡ ይቃተል፡ ገሊኡ ይፋቀር። ኣየ ዓለም!” በልኩ ብልበይ።

ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ ኲናት ሓቂ  ይሓይሽ ቅሩብ ሃለው-ለው ምባል ዕርፍቲ ይህብ እዩ። ዝበዝሕ ግዜ ደቀምሓረን ስድራይን ‘ኳ ዝረኣዩኒ እንተኾኑ፡ሽዑ ለይትስ እታ ኣብ ቤት ት/ ሰውራ ዝተዓራረኽክዋ ብጸይተይ እያ ውትፍ ኢላትኒ። ኣብ መንጎ ድቃስን ጽብቕቲ ሙቭን ከለኹ ሓደ ክንዲ ጣዕዋ ዝኸውን እንጭዋ ኢለ ዝገመትክዎ እንስሳ በፍልበይ ሓለፈ። ኣብቲ ኣካውሕ ኣናጹ በረኻ ከምዝነበሩ ብእዋኑ ኣስተብሂልናሎም ነይርና። “ ሎሚ ለይትስ ድራርና ትሑዝ እዩ” ክብል ጨሪቑ ነይሩ ወዲ ፍላንሳ። እቲ ቦታ ገባብል ኣይነበርዎን ማለት’ዩ። ብስንባደ በርገግ ክብልን ወዲ መጎስ ሕውስ ክብለንን ሓደ ኮነ። ተረኛ ኮይኑ ከብርየኒ እዩ ተበራቢሩ።  ሬድዮ ክፍትቲ ስለዝነበረት ኮደይ እናጠቐሰት “ባሕሪ…. ሃለው ባሕሪ፡ ህጹጽ መልእኽቲ ኣለካ”  እትብል ሓንቲ ዝፈልጣ ኦፐረተር ኣብ መስመር ነይራ። “ከምዝደቀስኩ ምፍላጣ ኣይተርፍን። ተዳሎ ጥራይ ወዲ ጸጋይ” በልክዋ ንነብሰይ። ወዲ መጎስ ተቐቢልዋ፤ ሕጉስቲ ከምዘይነበረት ፈሊጥና። ኣጋኒና እያ እምበር እታ መልእኽቲ ብዙሕ ህጽጽቲ ኣይነበረትን። ንወዲ ፍላንሳ እውን ኣየተሳእናዮን። ኣብ ናትና ደረጃ ዝነበረ ኦፐረተር ምስ ኩሉ እዩ ዝራኸብ። ተሰኪምናዮም ንኸይድ ሰለስተ ዓይነት ኮዳት ማለት ናይ ጽፍሒ ሓይልታት፡ በጦሎኒታትን ብርጌዳትን ደረጃታት እዮም ነይሮም። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ኩሎም ካብን ናብን ላዕለዎት ኣካላት ዝመጽእን ዝኸይድን መልእኽትታት በቶም ናይ ብርጌዳት ኮዳት ኢና ንጥቀም ነይርና። ኮዳትና ብጸላኢ ከይተሓዙ ሂወት ንከፍለሎም። ብፍላይ ኣብ ኲናት ’ሞ ኣዚኻ ክትጥንቀቕ ኣሎካ። ባየሎጂ ግን ናታ ሕጊ ኣለዋ። ደኻምን ጸቕጢ ውግእን እዮም በታ ጥዕምቲ ሙቪ ኣቢሎም ናብ ቀምታ ዘምርሑኒ። እታ ብጸይቲ ሽግረይ ኣይጠፍኣን ኢለ እውን ተተስፈኹ።

ካልኣይ መዓልቲ፡ ወጋሕታ መጥቃዕትና ቀጺሉ። ኣብዛ ካልኣይቲ መዓልቲ ሰለስተ ኣባላት ስለያ ተሓወሱና። ምስ ወዲ ፍላንሳ ክተሓባበሩ ድዮም መጺኦም ወይስ ንሓለዋ ዝፈልጦ የብለይን። ምሳና ግን ይጓዓዙ ነይሮም። ኣስማቶም እውን ኣይሓዝኩን። ኣባላት ስለያ እቲ ግንባር ወይ ናይ ውድብ እዮም ክኾኑ ነይርዎም እምበር ኣባላት ብርጌድና እንተዝኾኑ ምፈለጥክዎም ነይረ። ወዲ ፍላንሳ ከምታ ዝሓለፈት መዓልቲ ከብ መጠን ንላዕሊ ሓይልን ረስንን ነይርዎ። ድምጹ ዓው ዝበለን “ ኣጆኻ….በለን…” ይውጭጭ። ዝበዝሕ ርክባቱ ክቀላጠፉ ሓይሊ ዝህብን ክሳራታት ከውሕዱ ዘዘኻክርን ነይሩ። ኣስታ ሳዓት 1000 ኣቢሉ ምስ በዓል ወዲ ሓንስ፡ ኣዛዚ ሳልሰይቲ በጦሎኒ ተራኸብና። ወዲ ፍላንሳ ወዲ ሓንስን ፍሊ ኢሎም ንደቃይቕ ተዘራሪቦም። ጽንሕ ኢልና ሓደ ከብቶም ምኩራትን ምኩሓትን መድፈዓጅታትና ከም ዝኸሰርና ፈለጥና።

ወዲ ጎማ ኢልና ንጽውዖ ነይርና። ወዲ ጎማ ቅድሚ’ዚ ውግእ’ዚ ሞት ቦታታት እና ቀያየረት ብዙሕ ግዜ ተፋታቲናቶ ነይራ። ብዓይነይ ዝረኣኽዎ ጥራይ፡ ኣብ ኣእዳዉን ኣፉን መንጋግኡን በብግዚኡ ናይ ዝተወግኦ በሰላታት ጸይሩ ይጋደል ነይሩ። “ኣብ ሓጺር ዕድምኡ ብዙሕ ግዜ ወዲቑን ተንሲኡን። ክሳብ ሎሚ” በልኩ ብልበይ። ብሬኑ ካልኣዩ የነቅዋ ነይሩ ማለት’ዩ። መስዋእቲ መስዋእቲ እንድዩ፤ ናይ ገሊኡ ግን ቅሩብ ኣመና ኣለዎ። መድፈዓጅታት ሂወት ናይ ሓንቲ ኣሃዱ እዮም። ከም በዓል ወዲ ጎማ ዘመሰሉ ምኩራት መድፈዓጅታት ጉልባብ ኣብ ምግባር፡ ናይ ጸላኢ መድፈዓጅታት ኣብ ምዕጋስን ወሳኒ ተራ እዮም ዝጻወቱ። ኣዝዮም ምኩሓት ከኣ እዮም። PKM (ፈኲስ ማሽንጋን/ብሬን) ሒዞም ምስ ከበድቲ ረሻሻት/ማሽንጋናት ጸላኢ ክተሃላለኹ ክትርኢ ግርም እዩ ዝብለካ። ሓብቱ ንወዲ ጎማ እቅድም ኣቢላ ካብ ጋራጅ ውድብ ከቲታታ ኣብቲ ግንባር ከምዝነበርትን ንሳ እውን ደሓር ከምዝተሰወኣትን ሰሚዐ። መኖም መጀመርያ ከምዝተሰወአ ግን ኣየረጋገጽኩን።

ኣጋ ሳዓት 4 ድ.ቀ. ከብቶም ንስዕቦም ዝነበርና ሓይልታትና ቃረዛ ክትወርድ ተቀቢላትና። እቲ ተወጊኡ ዝነበረ ብጻይ ኣብ ሃለፍታ ነይሩ። እቶም ጸዋሮ ሓሳብ ወዲ ፍላንሳ ግዲ ፈሊጦም ቀስ በሉ። ወዲ ፍላንሳ በቲ ላዕለዋይ ወገን ናይቶም ጸዋሮ ተጠውዩ፡ ኢድ ናይቲ ውጉእ ብጻይ ጨቢጡ “ ኣጆኻ” ክብሎ ተዓዚበ። እቲ ብጻይ እውን “ ኣይ፡ ደሓን እየ፤ ዘይ ሽርጣጥ እያ” እናበለ ቅሩብ ሰሓቕ የብዝሕ ነይሩ። ድሕሪ ሳዓትን ፈረቓን ኣቢሉ እቶም ሰብ ቓረዛ ናብ ኣሃዱኦም ክምለሱ ብኣና ኣቢሎም ሓለፉ። እቲ ብጻይ ከም እተሰወአ ፈለጥና። “ደሓን፡ ጥንቅቕ ኢልክም ስገሩ” በሎም ወዲፍላንሳ፤ ረድዮ ርክቡ ኣብ ጸጋማይ እዝኑ ሽሽ ትብል ነይራ። ኣብዚ ወራር’ዚ ተኣታትዩ ዝነበረ ፍሉይ ነገር ናይ ሀሊኮፕተራት ጉዳይ እዩ። ንመጀመርያ ግዜ ከም ተዋጋእቲ ኮይነን ክሰርሓ ጀሚረን። ነቲ ዝነበርናዮ ጎቦን ኩርባን ዝበዝሖ ቅርጺ መሬት ዝሰማምዓ ‘የን። ጎሰስ እናበላ በብሓደ እየን ዕላመአን ዝለቕማ። ገለ-ገለ ተጋደልቲ ዓቕሎም ምስ ኣጽበባሎም ክሳብ ብእርፒጂ ፈቲኖምለን ሰሚዐ ነይረ። ሽዑ’ውን ነታ ብደቡባዊ ምብራቕና ኣስታት 5 ኪ.ሜ. ርሒቓ ዝነበረት ብርኽ ዝበለት ታባ  ተተመላሊሰን ክሳሃለኣ ንዕዘብ ነይርና።እታ ታባ ናትና ዶሽካ ነይርዋ። መሬት ይመሲ ስለዝነበረ ሓይልታትና ንመሕደሪ ዝኸውን ቦታታት ኣብ ምሓዝን ምትእስሳርን ተቀላጠፋ። ኣዝዩ ጽዑቕ ደብዳብ ከምዝነበረ ይዝከረኒ። እታ ለይቲ’ቲኣ እውን ብጣዕሚ ቆራሪት እያ ነይራ። ሓይልታትና ምልእቲ ለይቲ ምስቲ ንዳህሳስ ዝስደድ ዝነበረ  ሓይሊ ጸላኢ ይጋጨዋ ነይረን። ግን ውዱብ ኣይነበረን። ሳዓት ዓስርተ ኣቢሉ ይኸውን ናይ ሓይሊ ክልተ ብጾት ዝተሓዋወሰ ኮሮንሾ ሒዞም መጹና። ጠፊኦም ኣብ መንጎናን መንጎ ጸላኢ ኣትዮምስ ሃንደበት ልውውጥ ቶኽሲ ምስ ተገብረ ንድሕሪት ከምዝተመልሱን ክምለሱ ከለዉ ድማ ብጾቶም ጸላኢ መሲሎሞም ሎቕሚጾሞም ከምዝነበሩን ሓክዮምና። ሻሂ ሰትዮም “ በሉ ሕጂ ውን ተጠንቀቁ” ኢልና ኣፋነናዮም። ክሳብ ሽዑ ኣብ ግዜ ሰላም ብክልተ ሰለስተ ሳዓታት ዝዕመም ርሕቐት ኢና ደፊእና ነይርና። ነብሰ ወከፍ ታባ ግን ግዜን ድኻምን ደምን እያ ሓቲታ። ዋጋ ገሊኡ ታባታት እሞ ኣዝዩ ክቡር እዩ ነይሩ።

ንጽባሒቱ ወጋሕታ ጸረመጥቃዕትና ቀጺሉ። ደድሕሪ ኣጋር ሰራዊት ንስዕብ ስለዝነበርናን ወዲ ፍላንሳ ኣብ ገለ እዋናት ከይተፈለጦ ነብሱ የቃልዕ ስለዝነበረን ክሳብ ብክዳኑ ስሒብና እነድንነነሉ ግዝያት ነይሩ። ሓደ ግዜ ንሓንቲ ጋንታ ለጊብናያ ናይ ቀረባ ቶኽሲ ይካየድ ነይሩ። ወዲ ልጃም “ ወዲ ፍላንሳ ቅሩብ ድሕር በል” በሎ። ወዲፍላንሳ “ ተረዲአካ ኣለኹ” ኢልዎ ኣብ ርክቡ ነቒጹ። ሓንቲ ብጸይቲ “ ንዓ ክፉእ ከይተርእየና በጀኻ” ኢላ ወጢጣ ኣልያቶ ናብቶም ብየማንና ዝጃነኑ ዝነበሩ ክልተ ውጉኣት ቀጸለት።  ተጸጊዐ ቅሩብ ትንፋስ ስለዝረኸብኩ፡ ምስሊ ናይታ ኳዕናን ብጸይቲ ብዘይመደብ ናብ ደቀምሓረ-1978- መለሰኒ።

ኣብ 1978 ኣብ ቀያሕቲ ዕንባባ ከለኹ ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ምርኣይ ንቡር ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ተጋደላይ ዕላል ጀመረልና ‘ሞ ኣዋልድናን ኣወዳትናን ዕጉግ ኢልናዮ። ንሱ ኢሉ “ ኣብ 1976 ጦርሰራዊት ነቲ ናቕፋ ንምሓዝ እናተሸምቆቀ ዝኸይድ ዝነበረ ከርዶን ከፋኹሱ ብጃንጥላታት ኣብ ናሮ ይወርዱ። ጋንታና ኣብቲ ከባቢ ስለዝነበረት ሓይልታትና ክሳብ ዝመጹ ክንከላኸል ጸኒሕና እዋኑ ምስ ኣኸለ ናብ መጥቃዕቲ ተሰጋገርና። መሬት ዋግዋግ ምስ በለት ነቲ ዝተመደበልና ቦታ ተቆጻጸርና”  በለ ። ዕላል ተጋደልቲ ንብህግ ስለዝነበርና ብጽሞና ንከታተሎ ነይርና። “ ክልተ ደቀንስትዮ ብጾት ነይረናና። ኣየነይተን ከም ዝጀመረቶ ‘ኳ ደሓር ተከሓሒደን። ግን ነታ ታባ በቲ ቀጢን ድምጸን ‘ዕልልልልልል’ ኢለን ኣይንቕንቕኣ። ወዮም ኩማንዲስን ጦርሰርዊትን ዓስርተ ደቂቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ‘ ኣይዛችሁ ጓዶች፡ ሴቶች ናቸው። ኣይፈራም ጎበዝ’ ክብሉ ተሳህሉና። ከምታ ኣቀዲምና ካብቲ ታባ ዝጎሓፍናዮም ድማ ንድሕሪት ናብቲ ዝመጻናሉ ጸድፊ ሃፍ ኣበሉና። ዋእ፡ ነታ ቦታ ክንመልሳ ግዜ ወሲዱልና። ዝተወግኡና እውን ነይሮም። ሕጂ ግን ርኢኹም፡ ንሶም እውን ፈሊጦመንስ እቶም ስሕት-ስሕት ኢሎም ድምጸን ሰሚዖም ዝወናወኑ ወይ ሓደሽቲ እዮም ዝኾኑ ወይ ድማ ቅሩብ ዝኸደቶም ” ክብል ኣዕለለና። እተን ምሳና ዕጉግ ኢለን ነቲ ተጋዳላይ ዘዳምጻ ዝነበራ ቀያሕቲ ዕንባባ ኣዋልድ ገጸን ከም ሽዑ በሪሁ ኣይፈልጥን። ከይተፈለጠኒ ክምስ ከኣ በልኩ። ምስልታት ገዛውትና፡ ወለደይን ኣሕዋተይን እውን ክቀላቐሉኒ ጀመሩ። ኣጸቢቐ ከይነኸስኩ ግን ወዲ ልጃም ኣበራበረኒ።

ከብታ ቦታ ሰጒምና ምስ በጦሎኒ ክልተ ካልኣይቲ ሓይሊ ተራኸብና። እናኸድና፡ ኦፐረተር ናይታ ሓይሊ ዝነበረ ኣብ ቤት/ት/ሰውራ ዝፈልጦ ፍስሃየ ቆሪጭ፡ “ሕማቕ ዜና ዓርከይ” በለኒ። ኣስዒቡ ድማ፡ “ ሃብተገብርኤል ተሰዊኡ” በለኒ።  ከምዛ በርቂ ዝመተረኒ ኮይኑ ተሰመዓኒ። ምስ ሃብተገብርኤል ኣርኣያ ኣብታ ቀቅድሚ’ቲ ውግእ ዝተገብረት ኣኼባ ተራኺብናን ኣዕሊልናን ነይርና። መተዓብይቲ ኢና ድማ። ወዲ ፍላንሳ “ነዚ ቅድመና ዘሎ ጸላኢ ናብ ከረን ክንግሕፎ ኢና” ምስ በለ፡ ሃብተገብኤል “ዓሽ ያሆ! ኣብ ከረን የራኽበና ዓርከይ” ክብለኒ ይዝከረኒ። ምስ ሓብቱ እዩ ኣብዛ ውግእ ኣትዮም ነይሮም። ኣብ ሓንቲ ሓይሊ ስለዝነበሩ፡ ሓብቱ ጸሃይነሽ፡ቀቅድሚ’ቲ ውግእ “ኣብ ቅድመይ ክስዋእ ክርእዮ ኣይደልን” ኢላ ፋሕ ፋሕ ከብልዎም ንሓለፍታ ሓቲታስ ብኡ መሰረት ንሳ ናብ ሳልሰይቲ ሓይሊ ከይዳ። ከመይ ኢሎም ኣብቲ ኣሃዱ ብሓንሳብ ተመዲቦም ይገርመኒ እዩ። ክራኸቡ ከለዉ “ቅድመኻ/ቅድመኺ” እዮም ዝበሃሃሉ ነይሮም። ነገር ስጋ ኮይንዋ  ዕርፍቲ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ደድሕርኡ ኮለል ክትብልን ክዳኑን ጸጕሩን ክተጽሪ ከምዛ ሎሚ ኮይኑ ይረኣየኒ። ሃብተገብሪኤል ንሓብቱ ቀዲሙዋ ማለት እዩ። ግን ኣይፈለጠትን ነይራ ሽዑ። ካልኦት፡ ሓዳርን ዝምድናን ዝነበሮም ብጾት እውን ብሓንሳብ ኣብቲ ውግእ ከም ዝነበሩ እፈልጥ ነይረ። ናይዞም ኣሕዋት ዕድል ግን ክሳብ ሕጂ ሓንጎለይ ‘ዩ ዝርብሽ። እቲ ዝኸፍኤ ከኣ ሓብቱ ጸሃይነሽ ‘ውን ኣብቲ ውግእ’ቲ ከም ዝሰዓበቶ ድሓር ሰሚዐ።

መጥቃዕትና ብጽቡቕ ክግስግስ ጸኒሑ ከባቢ ፋዱስ ናብ ዝባን ዓስርተ ቀሪብና ምንባርና እዝክር። ስለ’ዚ እቲ ግንባር ጸቢቡን ዳርጋ ጋድማዊ መስመር ሒዙን ‘ዩ።  ኣብዚ ቦታ’ዚ ጸላኢ ከቢድ ምክልኻል ይገብር ነይሩ። ጸረ-መጥቃዕትታት እውን ይፈታትን ነይሩ። ሽዑ- መዓልቲ ኣይዝክራን ግን ወርሒ 7፡ 1983 ‘ዩ ነይሩ- ሳዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ ኣብ ሓንቲ ጨጓር ታባ በጻሕና። ሬድዮታትና ዘርጊሕና ድማ ርክባትና መስሪትና። ጸብጻባት ናይ ውጉኣትን ስዉኣትን ኤምዳድን ካልእን ከምዝተቀበልናን ወዲ ፍላንሳ ከም ዝረኣዮን እዝክር። ሳዓት ሰለስተን ፈረቓን ድሕሪ ቀትሪ ይኸውን ባሕሪ ናይ መወዳእታ ርክባቱ የሳልጥ ነይሩ። ዝጓዓዞ ርሕቐት እውን ክንድ’ቲ ኣይክኸውንን እዩ። ኣብ ገጹ ዝንበብ ፍሉይ ነገር ግን ኣይነበረን። ከም ቀደሙ ምስ ደሙን ሓይሉን ነይሩ።

  • 3፡30 ድ.ቀ (1530) ኣብታ ጨጓር ኩጀት ከለና ቀጻሊ ደብዳባት ከቢድ ብረት ነይሩ። ዝበዝሕ ግን ደሕረና ይዓልብ ነይሩ። ናይ ነዋሕቲ ብረት ጠያይቲ እውን ይወቕዓ ነይሩ ግን ብፍሉይ ከም ዝተኣሰረላ ዝሕብር ኣገባብ ኣታኩሳ (pattern) ኣይረኣኹን።
  • ስዉእ ወዲ ፍላንሳ ጸብጻብ ምስ ረኣየን ንገለ ደቓይቕ ርክባት ምስ ገበረን ” ኣቕሑትክም ጠራኒፍክም ኣርክቡኒ” ኢሉ ቀቅድመና ይሓልፍ። እቶም 3 ኣባላት ስለያ እውን ይስዕብዎ።
  • ደቓይቕ ኣብ ዘይመልእ ህሞት ክንፈልያ ዝኸኣልና ቶኽስን ወዲፍላንሳ “ ኣይ..” ክብል ንሰምዕ
  • ናብኡ ንጎዪ። መጀመርያ ወዲ ልጃም ደድሕርኡ ኣነን ወዲ መጎስን ንስዕብ።
  • ኣብ ጸጋማይ ኣፍልቡ ከምዝተወቕዐን ብዙሕ ደም ይኸዶ ከምዝነበረን ተዓዘብና። ከብቲ ቦታ ክንእልዮን ደሙ ጠጠው ክነብልን ንጽዕር። ንሱ ግን ተማዊቱ ሓንቲ ምሉእ ሓሳብ ጥራይ ተዛሪቡ። “ ርሓቑ ከይትልከሙ። የዕርፍ ግደፉኒ። ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ” ዝብል ነይሩ። ናይ ጸላኢ ስናይፐር ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ንዕኡ ክነድሕን ንቃለሰሉ ኣብ ዝነበርና ግዜ ንዓና ፈልዩ ዘሸግር ቶኽሲ ኣይነበረን። ከቢድ ብረት ወይ ካልእ ተፈንጃሪ ነታጒ እውን ኣይነበረን። ምኽንያቱ ድምጹ ኣይሰምዓናን ደሮና እውን ኣይነበረን። ማህረምቱ ድማ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ጸጋማይ ኣፍልቡ’ዩ ነይሩ።
  • ስንባደን ሓዘንን ተሓዋወሰና። ግን ክነድሕኖ፡ ደሙ ክንዓግትን “ ኣጆኻ ወዲ ፍላንሳ….” እናበልና ምስ ድኽመት ኣተናፍስኡ ክንቃለስን እዝክር። እቶም 3 ኣባላት ስለያ እውን ይሕግዙና ነይሮም።ወዲ ፍላንሳ ግዜ ኣይሃበናን። ብመስዋእቱ ብጣዕሚ ተዳሃልናን ነብዓናን ንገብሮ ጠፍኣናን። እተን በላሕቲ ኣዕንቱ ንመወዳእታ ግዜ ርኣኽወን። በቲ ልሉይ ሸፋሽፍቲ ኣዕንቱ ድማ ከደንናየን። ሚላኖ ስረን ካምቻን እታ ዘይፈልያ ቀጠልያ ጃከቱን ለቢሱ ነይሩ። እቶም ኣባላት ስለያ ርሓቑ ኢሎም ነጸላ ይኸድንዎ። “ቀልጢፍክም ንቻይና ንገርዎ” ድማ ይብሉና።
  • ሃይለ ሳምኤልን ( ቻይና) ኣማንኤል ሃንጀማን ደሕሪ ሳዓት ወይ ሳዓትን ፈረቓን ኣቢሉ ይመጽኡ። እቲ ዝነበርዎ ቦታ ካባና ራሕቒ ነይርዎ። ጎቦን ጸድፍታትን ዝመልኦ እዩ ነይሩ። እና ላህለሁ ድማ  ‘ዮም መጺኦም።
  • ሓይለ ቻይና ብዛዕባ እቲ ኩነታት ይሓተና። ነቶም ሰለስተ ኣባላት ስለያ እውን ፈልዩ ይሓቶም። ቀጺሉ ስነስርዓት-ቀብሪ ይካየድ።
  • ሃይለ ቻይና ነቶም ኦፐረተራት ኣኼባ ይገብረልና። “ናይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ።  ህ.ግ. ንፉዕ መራሒ ከይድዎ። ንሕና እውን ጽባሕ ንግሆ ሰዓብቲ ኢና። ንታሪኽ ምማት ግን ታሪኽ እዩ” በለ። እዚ ገለ ካብቲ ዝዝክሮ እየ እምበር ብዙሕ ተዛሪቡ ‘ዩ። ንሕና ግን በቲ መስዋእቲ ናይቲ ንፈትዎ ብጻይናን መራሒና ኣብ ሓዘን ስለዝነበርና ነቲ ቻይና ዝብሎ ዝነበረ ቃላት ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይገበርናሉን። ዘረብኡ ብምቅጻል ድማ “ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ መስዋእቲ ናይ ወዲ ፍላንሳ ከም ኦፐረተራት ብምስጢር ክትሕዝዎ ኣለኩም። እንተወጺኡ ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ። ጸላኢ’ ውን ሞራል ከይገብር ኣዚኽም ክትጥንቀቁ ኣሎኩም” ብምባል ሕቶ እንተለና ዕድል ሃበና። ብዘይካ ርእስና  ምንቕናቕ ዝሕተት ኣይነበረናን።
  • ዘትክኻ ዝነበረ ሽጋራ ብእግሩ ረጊጹ፡ ንወዲ ልጃም ምስ ሃንጀማ ክኸውን፡ ንዓይ ናብ ማእከላይ ቦታ ማለት ናብ ዛራ ክኸይድ፡ ወዲ መጎስ ድማ ክሳብ ቦትኡ ዝፈልጥ ምስኡ ክጸንሕ ይሕብረና። ወዲ ፍላንሳ ዘይነበረላ ብሓደ ዝሓደርናላ ናይ መወዳእታ ለይቲ እያ ነይራ። ሕማቕ ለይቲ ኢና ሓዲርና። ኣይበላዕናን ኣይሰተናን፤ ብዙሕ እውን ኣየዕለልናን።ንጽባሒቱ ናብ ዘዝተበሃልናዮ ከድና።
  • ድሕሪ ገለ መዓልታት ሃይለ መጎስ ናይ በጦሎኒ 3 ኦፐረተር ኮይኑ ከምዝተወዘዐ ሰሚዐ። ኣዋርሕ ከይጸንሐ ከምዝተሰወአ እውን ክፈልጥ ክኢለ። ሃይለ መጎስ ምቕሉልን ተባዕን ተጫራቓይን ብጻይ ነይሩ።
  • ኣብ 1984 ክ/ሰራዊታት ክቐውም ከሎ ብ/58 ኣካል ክ/ሰራዊት 96 ኮይና። ኣዛዚ’ቲ ክ/ሰራዊት ሃይለ ቻይና፡ ኣዛዚ እቲ ብርጌድ ድማ ሃንጀማ ነይሮም። ኣነ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሞርስ ኮድ ተማሂረ ኦፐረተር ቻይና ኮይነ ኣለኹ።
  • ሃብተልኡል ልጃም ክምለኽ ዘይደሊ፡ ወለቕዘለቕን ቀልባዕባዕን ዘይፈቱ  ኣዝዩ ተባዕን ቅኑዕን ተጋዳላይ ምንባሩን፤ ምስ ሓለፍቲ ብዙሕ ይሰማማዕ ከምዘይነበረን እፈልጥ። ካብ መወዳእታ ናይ 1984 ወይ መጀመርያ 1985 ንደሓር ምስ ሃብተልኡል ልጃም ኣይተራኸብናን።
  • ክ/ሰራዊት 96 ክሳብ 1988 ኣብቲ ግንባር ጸኒሓ፡ እታ ወዲ ፍላንሳ ዝተሰወኣላ ቦታ ኣካል ዕርዲ  ህ.ሰ ኮይና ብባሕሪ  ትፍለጥ ነይራ። ድሕሪ ወዲ ፍላንሳ ግንባር ሓልሓል ብዙሕ ሂወት ተኸፊልዎ፤ ብዙሕ ደርፍታትን ተዘክሮታትን ተደሪሱሉ እዩ። በብእዋኑ ነታ ወዲ ፍላንሳ ዝተሰወኣላ ቦታ (ባሕሪ) በጺሐያን ቃለይ ኣሓዲሰላን እየ።

 

ተፈጸመ

ተራኺ፡ ሃብቶም ጽጋይ

ጸሓፊ፡ ማሕሙድ ሳልሕ

 

*** ሃብቶም ጸጋይ ድሕሪ ወዲ ፍላንሳ ንብዙሕ ዓመታት ከም ኦፐረተር ሃይለ ቻይና፡ ዓሊ እብርሂም፡ ፍስሃየ ወልደገብርኤልን ኣድሓኖም ገብረማርያምን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍትን ኮይኑ ክሳብ ግዜ ናጽነት ሰሪሑ። በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ደቅን’ዩ። ሎሚ ኣብ ስደት ይነብር ኣሎ።

ድሕረ-ጽሑፍ

ክሳብ ሕጂ ዝተከታተልኩምናን ርኢቶታትኩም ዝለጠፍኩምን ነመስግን። እዚ ፈተነ እዩ። ታሪኽ ሂወት ይኹን ውዕሎ ናይዚ ጅግና ስዉእና ክንትርኽ ኣይደፈርናን፤ ማተርያል ይኹን ዓቕሙ ‘ውን ስለዘይብልና። ተራኺና ሃብቶም፡ ኣብተን ምስ ስዉእ ወዲ ፍላንሳ ዝጸንሓለን ሕደት ኣዋርሕ ክሳብ ሕጂ ክሕዞ ዝኸእለ ዝኽርታቱ ከካፍል ደልዩ።  ኣንባቢ ነቶም ዝኽርታት ምስ ግዚኦምን ኩነታቶምን(context) መታን ክርደኦም ጽዒርና። ብሙልአን ኣብ ጥቕስታት ኣትየን ዘለዋ ውልቀ ዝኽርታትትን ዕላላትን ሓቂ ምዃነንን ተራኺ ብዝዝክሮ ዝተቀመጣ ምኻነንን ነዘኻክር።  ኣገላልጻና ይኹን ኣብ ጽሑፍ ዝንበብ ባህርያት ከብ ባህርያት ስዉእ ወዲ ፍላንሳ ከምዘይርሕቕ ክንገብር ጽዒርና። ግና ሕጽረትና ስለንኣምነሉ ዝያዳ ሓበሬታ ዘለኩም ኣሕዋት ግዴኹም ክትገብሩ መዘኻከሪ ዘድልየኩም ኣይመስለናን። ታሪኽ ኤርትራ ድምር ታሪኽ ናይቶም ዘይተጻሕፈሎም ወይ ዘይተዘንተወሎም(unsung heroes and heroines) ስዉኣትና ስለዝኾነ፡ ንስዉእ ወዲ ፍላንሳ ኣብ ግዚኡን ምስ ብጾቱን ክንርእዮ ፈቲንና። ንሱ እውን ምስ ብጾቱ ክንዝክሮ ምደለየ ነይሩ።

 

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንስዉኣትና

ርኢቶ ወይ ሕቶ እንተሎኩም በዚ ዝስዕብ ኢሜል ስደዱልና። እቲ ኢሜል ደንጒና ምሕባር ጉድለትና እዩ።

satrebai@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Haileyesus January 9, 2014

    After he poisoned Abrham Twelde on May 17 1970 and Habteselase was captured by Ethiopia solders (KOMANDESE) in seled near Akrore .Isais took a leadership roll .Habteselase was dealing with the C.I.A at that time Isaise came from nowhere he just interfered and took the deal .The reason I always say (BAZIT) Alla .When E.L.F General secretary (KYADEL AMa) sent a latter saying that Isaise and Co participated in the 1st National Congress in the ARR -Isaise sent back letter to KYADEL AMA the content of which said “WE Kept all bad deeds for so long but from now we will not keep anything inside anymore” Our slogeam now will be “We and our aim in TIGRINA (CHECHE GORO NWESHTE LLEMXEO NEDEGE NWEHE BHABRE KEYDENA KABE HEGI NEGWE NHENANE ELAMANANE .At This time The SELFE NASENET FORMED IN BAZIT (ALLA).The hero (RELLY JINGNA) Isaise Tweldbrhane was assassinated by Isaise (AKASE) inorder to destroy evidence of his ties with the C.I.A .All who were with him in BAZIT (ALLA) were killed by him .He is the only one left from the (BAZIT ALLA)era .ISAISE TWELDBRHANE father used to work customs agent (ENDA FINANCA) in Decmhre -When TESfmichel Gorgo was a Mayor of DECMHRE.I know Isaise Tweldbrhane and Tesfnmichel Gorgo are close relatives since 1992.The main point Isaise (TENBENYE) is that assassinated JINGNA ISAISE Tweldbrhane because he was with him in Bazit when Isaise was dealing with the C.I.A .Brother Alona Redi Mhare wrote an Article about the one who killed JIGNA Isaise Tweldbrhane now he lives in Asmara he is a COlonel he works for government security like (HIZBE DEHENENET).I belive 99.9%.Isaise Tweldbrhane was assassinated by Isaise Tenbenye.I was a candidate to be Assasinated on April 7 2001 by Isaise Tenbenye.because I spread Pamplets that Isaise had ties with the C.I.A in Toronto (BLOOR Street).The Problem is this you wouldn’t belive how Isaise had dictatorial power over e.P.L.F organization .He was with America until 1998 no one knows from E.P.L.F organization that Isaise with America .This too bad for E.P.L.F and now Eritrea

  • WARSAY MERHAWI January 9, 2014

    HAILEYESUS
    YOU ARE A TIGRAYAN
    YOU DO NOT KNOW ANYTHING ABOUT THIS ERITREAN AFFAIRS
    WHY DON’T YOU GO AND WORRY ABOUT YOUR WOYANE IN TIGRAY.
    DO NOT JUST BLUBBER WHAT YOU DO NOT HAVE ANY IDEA TO BEGIN
    WITH JUST BECAUSE YOU READ IT IN WIKIMEDIAS OR ERITREAN
    CYBER MEDIAS.
    OR MAY BE YOU ARE DESPERATELY TRYING TO CREATE DISSENSION
    BETWEEN ERITREANS COMING HERE IN ASSENNA MEDIA.

  • Tirhas January 10, 2014

    Majority of the Alla group are dead except few, Solomon Woldemariam, Tewolde Eyob, weldenkiel haile, breaking negusse, wedi flansa etc are dead.

    I would like to know the endgame of Fesehaye Woldegebriel and Tewolde Eyob also.

  • Haileyesus January 10, 2014

    Why you worry about my identity.I do not have any innocent Eritrean blood on my hands.I know your master than anyone else .He is full Tigrye .Neither his mother side and nor his father side are root from Eritrea .He is only Eritrean by birth.By the way I am full Eritrean on my mother side and my father side .Remember your leader are core Tegaro .Even Isaise (TENBENYE ) admit it in 1980.When Journalists asked him why you fight your own brothers and sisters with the help T.P.L.F (WEYANE) he told them we all have root from Tigraye .Our friendiship with T.P.L.F are based on co-opration and on international friendship .You have to admit our country is not governed by constitution or rule of law .We can not accept this rude and bastard government who thinks only for power.Why would you run away from endless national service .Read the Artice Who is Isaise Afwerki.then you know isaise roots very well .We are not narrow minded like you that you have identity crisis like your master.That’s why from Gedli time he defame and eliminate Eritrean native hero inorder to impose totalitarianism.

  • yonas January 10, 2014

    megemerya neti nsleza kbri meret zehalefu yealaf keyahti halalat eritreawyan beja hzbomn hageremun hiwetom zewefeyu amlak abta semayawit alemu ab hkufu yenbrom neaka dma sleti tegedasnetka btaemi yehbneni walo jeganu eritreawyan kem Esseis (wediflansa)ykunu kota kulom semaetat eritrea beakmukum ktgeltsuwo neti kab bahri bchlfa tarikna tsbuk eyu hanti gna khateka zdeleku etom nay sleya 3te sebat kemey eyu bkemey mknyat tehawisomom nbeal wediflansa etom beal haftom Tsgay ke nnatom mmtsa nabti bota zmlket ztekebelwo melakti neru dokon ykewn? abti mbgaske entay koynom tedanaguyom etom kendi mlkt ms wediflansa zserhu nay sleya abalat kltf elom ms wediflansa tebegisom eti gzie ke kndey bgemgam ykewn tesewiu kabztsenhom ms arkebwom
    kala dma michial( wedimeles) ab 1990 ab massawa ztesewea mlktu neru ybehal nwediflansa ksab kndey eyu haknetu. derfiewn awtsielu neru eyu mesleni bahri ala mekabr tblu slezi ezitat melsi tethubuni teraki ykun negari tarik wedihankum.

  • yohannes January 11, 2014

    i love your truly history of our eritrean martayer isayas tewoldebrhan he is allways in the heart and mind of gean i ALLWAYS WILL ADMAIR YOU BECOUSE YOU TELL STORY A HERO COMANER HIS LIFE WILL BE SALABRATE FOR GEANARATION TO COME LIKE NEXN MANDELA DONT WARRY THE TRUTHE WELL COME AND REAVILE IT WHO WAS CRIMINAL THE INOCENT ERITREAN FOUGHT FOR THEIR COUNTRE WE KNOW TIME VERY NEARE TO SEALBRAIT THEM TO REAMEBAR FOR THE GEANARATION TO COME

    • habtom tsegay January 11, 2014

      thank u for all your comments

  • Mahta January 19, 2014

    Well done Habtom and Mahmud. This is a heart breaking story of an Eritrean hero! I think it would be great if you could provide some insight (if you know or have heard) why he was killed and where the “abalat sileya” are (if alive). Do you think they might be able to talk as to why and how ordered Wedi Flanssa’s killing?
    No matter what, Wedi Flanssa is a hero who died for his beloved country & only the orchestrator of his death are to be blamed for all the unnecessary youth killings in Sewra and for all the misery Eritrea is going through at the moment.
    Congratulations Habtom and Mahmud for telling an inspiring story of an Eritrean hero!!

  • Haileyesus January 22, 2014

    After October 1917 revolution of U.S.S R.Most third World countries were fighting against colonialism and Imperialism inorder to gain independence as well as Economic freedom in which imperialism can not monopolize their mineral resources .Almost all 3 rd World revolutionary leader against America imperialism .The Eritrean revolutionary leader the current dictator of Eritrea Isaise had ties with America until 1998 .He severed ties with America when the border war started because the America did not stands with him .what I am going try to try to say .Isaise went Kagnew station with Tesfmichel Gorgo in Tesfmichel Gorgo’s car the licence no 78 was a government car which Tesfmichel gorgo used because he was a mayor of Decmhare .Who would have thought 3rd world revolutionary leader that had ties with the C.I.A .The Majority E.P.L.F fighters did not know Isaise had ties with America if they knew they will be killed .Those who were with him in BAZIT (ALLA) were all killed except like Berake Neguse (FENKELE)who was martyred in the civil war in WEKE ZAGER.Those who were with him all were systematically killed by him starting wit Abrham Twelde,Solomon Weldmariam,Twelde Eyob, Habteselase Gebrmedhen,Weldmichel Haile ,Isaise Tweldbrhane (close relative of Tesfmichel Gorgo .The last one Tesfmichel Gorgo was assassinated on April 13 1992 in Addis Abeba .What I am going try to say nobody control Isaise duity in E.P.L.F because he had complete control over E.P.l.F organization .Isaise will do anything for power .I gurantee you if E.P.L.F organization was A democratic movement I am quite sure today our country will be govern by constitution ,and rule of law .Isaise was a dictator in Medda now he upgraded his postion to totalitarianism.

Post a Reply to Mahta Cancel Reply