ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ታሪኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቀዳማይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሕጽይቲ ፕረዚደንት ኮይና።
ሂላሪ ክሊንተን፣ ብዓልቲ ቤቱ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን፣ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ኣብዚ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ክትወዳደር ትማሊ ሰሉስ ብወግዒ ድሕሪ ምሕጻያ፣ ኣብ ታሪኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቀዳማይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሕጽይቲ ፕረዚደንት ኮይና። እዚ ታሪኻዊ ፍጻሜ
ሂላሪ ክሊንተን፣ ብዓልቲ ቤቱ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን፣ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ኣብዚ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ክትወዳደር ትማሊ ሰሉስ ብወግዒ ድሕሪ ምሕጻያ፣ ኣብ ታሪኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቀዳማይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሕጽይቲ ፕረዚደንት ኮይና።
እዚ ታሪኻዊ ፍጻሜ ደቀንስትዮ ኣብ ፖለቲካ ዝያዳ ብንጥፈት ክሳተፋ ዘተባብዕ ኣብነታዊ ፍጻሜ ምዃኑ ይእመነሉ።
ፕረዚደንት ኦባማ ንሕጸ ሂላሪ ክሊንተን ደጊፉ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘስመዖ ትስፉው ራኢ ዘንጸባርቕ መደረ፣ ሂላሪ ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ኣውንታዊ ውርሻ ኣብ ምዕራፉ ከተብጽሕ እትኽእል እንኮ ብቕዕቲ ሕጽይቲ ፕረዚደንት ምዃና ገሊጹ።
k.tewolde July 28, 2016
I am proud of her! I will be the first one in line to vote for her when the polls open.God bless this country that embraces people from all walks of life including the ones who fought gallantly for their homeland like me and are not welcome to go back.