ሁዉኽ ጋሻ!
ትማሊ መሪቐ ሎሚ ከይራገም ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌጋ ኣይደገም ብዘተ ይፈታሕ ሃገራዊ ጸገም ሓቂ ነውጽኣያ ኣፍና ኣይሎጎም ዓለም ዘዋሪት ‘ያ መን ይኣምና ዓለም ኣንቱም ኔርካ ኣንታ፡ ኣንታ ኔርካ ኣንቱም ትማል ዘሳፍሑ፡ ሎሚ ተጨቢጦም ናትና እንተበልናዮም ዓሚቑና ውሽጦም ተልመደን ወቃጦ ሸራፋት ወቒጦም ጎታናት ከለዉ፡ በራሓት
ትማሊ መሪቐ ሎሚ ከይራገም
ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌጋ ኣይደገም
ብዘተ ይፈታሕ ሃገራዊ ጸገም
ሓቂ ነውጽኣያ ኣፍና ኣይሎጎም
ዓለም ዘዋሪት ‘ያ መን ይኣምና ዓለም
ኣንቱም ኔርካ ኣንታ፡ ኣንታ ኔርካ ኣንቱም
ትማል ዘሳፍሑ፡ ሎሚ ተጨቢጦም
ናትና እንተበልናዮም ዓሚቑና ውሽጦም
ተልመደን ወቃጦ ሸራፋት ወቒጦም
ጎታናት ከለዉ፡ በራሓት መሺጦም
ኣይምተጸለአን ቁሩብ ተዝሰልጦም
ዘፍረይዎ ዘይብሎም ብኹራ ሓቢጦም
ኣነ ዝገርመኒ ናይ ዓዲ ገሊኦም
ደርሆ ከማልሱ በጊዕ ሸይጦም
ህዉኽ ጋሻ ሒዞም ቡን ወቂጦም
ኣሕዋት ክነሶም ተፋጢጦም
ኣሉ እንካብ ዝብሉ ቃላት ገላቢጦም
እንተዝቀዳደሙ ግዜ ከየምለጦም
ጉዳይ ዉጹዕ ህዝቢ እንተዝዓጦም
ንዝግን -ሰብን መስምዑዎ ድምጾም
እንታይ እዮም ከፍርዩ ኣራጢጦም
ጠስሚ ዝጽበዩ ማይ ሓቊኖም
እንተ ብገርሆም፡ እንተ ብፍላጦም
መልሲ ዘየዕግቡ ሕቶታት ውሒጦም
ዘየሕምም በትሪ ወጣዊጦም
ዓገብ ተተባህሉ ፈሊጦም ኣስቂጦም
ሓቂ ከይሪኡዋ ክሳዶም ኣቕኒኖም
ንዝኽሓድዎ ፡ ከመይ ኢሉ ክኣምኖም
BY SAEED A. WEDI HALAL
OTTAWA, CANADA
OCTOBER 24, 2011