Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጻውዒት ንምስረታ ፈነወ ሳተላይት ቴለቪዥን ኣሰና ናብ ኤርትራ

እታ ንዓሰርተ ዓመት መመላእታ፡ ወለንታዊ ገንዘባዊ ወፈያ ብምግባር ዝደገፍኩማ ራድዮ ኣሰና፡ ብሕልፊ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተዓፊኑ ዝርከብ፡ ብቑዕ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘይብሉ፡ ብሓደ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዝጸመመ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ዓፈና

እታ ንዓሰርተ ዓመት መመላእታ፡ ወለንታዊ ገንዘባዊ ወፈያ ብምግባር ዝደገፍኩማ ራድዮ ኣሰና፡ ብሕልፊ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተዓፊኑ ዝርከብ፡ ብቑዕ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘይብሉ፡ ብሓደ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዝጸመመ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ዓፈና ምልኪ ተርቢዑ ዝበጽሖ ዘሎ ሳላ ደገፍኩም እነቃልሖ ድምጺ ሓቅን ፍትሕን ነቒሑ፡ ንምልኪ `ፎእ` ኢሉ ካብ ምጽያን ሓሊፉ ንምጽራጉ ፍኒሕኒሕ ኣብ ዝብለሉ ደረጃ ምብጽሑ፡ ወፈያኹምን ጻዕርናን ተደሚሩ ዘመጽገቦ ዓወት እዩ `ሞ፡ ብስም ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ምስጋና ይብጻሕኩም!

እዚ እዋን`ዚ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ መሰረታዊ መሰል ምግላጽ ሓሳባት ህዝቢ ኤርትራ ኣጊዱ፡ ኣእምሮኡ ብነጻ ከይሓስብ ኣደንቊሩ ንዓመታት ዝፈጸሞ ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ውልቀመላኽነት፡ ሕገ-ኣልቦነትን ዕንደራን ከይኣክል፡ ግልጽናን ተሓታትነትን ብዘይብሉ መንገዲ፡ ነቲ ኣብ ክልተ ዙርያ ደማዊ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ዘረጋገጾ  ናጽነትን ዝዓቀቦ ልኡላውነትን ብውዲት ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ከምዘሎ ዝተጋህደሉ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጣልቃታት ዝሓላለኾ በዳሂ እዋን ብምዃኑ፡ ንዓኹምን ንኣሰናን ተወሳኺ ድርብ ቃልስን ሓላፍነትን ዝሓትት እዋን እዩ።

እዚ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ የዐሚቱ፡ ብኢደወነኑ ብስም መስርሕ ሰላም ዘካይዶ ዘሎ ንናጽነት ኤርትራ ዝጻባእ ግልጽናን ተሓታትነትን ዘይብሉ ስጉምቲ፡ ነቲ ናይ መሰል፡ ናይ ሕጋዊ ስርዓትን ደሞክራስን ሕቶ ዝነበረ ብድሆ ህዝቢ ኤርትራ ብራኸ ወሲኹሉ ኣብ ዘለወሉ ህሞት፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብውዲት ውልቀመላኺ ኢሳይያስን መሻርኽቱን ከይተንበርከኸ ቃልሱ ብዝለዓለ ኒሕን ሓቦን ንምቕጻል፡ ኣሰና፡ ዓቕሚ ኤርትራውያን ኣተሓባቢራ ብዝለዓለ ሞያዊ ርቀትን ተዓጻጻፍነትን ንምምካቱ ድልውቲ ምህላዋ ደጊማ ተረጋግጸልኩም።

በዚ መሰረት፡ ኣብዚ ኣብ ሃገርና ዓሞቚቲ መራሕቲ ሓሳባት ናይ ምፍልፋል ጽምኢ ኣጋጢሙሉ ዘሎ ጽንኩር እዋን፡ ኣሰና፡ ኪኖ `ቲ ንነዊሕ እዋን ከተካይዶ ዝጸንሐት ምንጽብራቕን ምቅላዕን ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ፡ ብሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ሃገርና ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ለውጢ ብምምጻእ፡ ነቲ ዘቤታዊ ውድቀት፡ ዞባዊ ምዝመዛን ኣህጉራዊ ውዲትን ብዝፈጠሩዎ ሽርክነት ንሃገርና ኤርትራ ኣንጸላልዩዋ ዘሎ ሓደጋ ብምቕልባስ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ትንሳኤኡ ኣረጋጊጹ፡ ሕጋዊ ስርዓት ብምትካል ብፍትሒ ዝመሓደረሉ ሃዋህው ንምፍጣር ዘኽእል ንኹሎም ኤርትራውያን መስሕብ ኮይኑ ዘገልግል ፈነወ ሳትላይት ቴለቭዥን ናብ ኤርትራ ንምትእትታው ወጢና ኣላ።

ፈነወ ሳተላይት ቴለቪዥን፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ራድዮ ዘለዎ ርኡይ ብልጫ፡ እቲ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ኮነ ሃገራዊ መንነቱ ንምብራዝ ሓያል ፈተነ ገጢሙዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ምትእስሳሩ ኣሐይሉ ተጻባእቱ ንምስዓር፡ ዛዕባ ምእላይ ውልቀመላኽነት ቀዳማይ ኣጀንዳ ንምግባር፡ ከምኡ `ውን ኣብ ዑና ውልቀመልኪ ክትከል ብዛዕባ ዝብህጎ ሓድሽ ስርዓት ኤርትራ ሓሳባት ንኽለዋወጥን ሓባራዊ ራእይ ከማዕምብልን ዘኽእሎ ሃገራዊ መራኸቢ መድረኽ እዩ።

ብዙሓት ኤርትራውያን እዚ መደብ`ዚ ብቐዳምነት ክስራዕ ዘለዎ እዋናዊ ጉዳይ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ተበግሶ ክንወስድ ዘቕረብኩምልና መዘኻኸሪ ዘተባብዕ እዩ። በዚ መሰረት፡ ኣሰና ፋውንዴሽን፡ ኣብ ርእሲ ናብ ኤርትራ እትፍንዎ ዘላ መዓልታዊ ሳተላይት ራድዮ፡ ፈነወ ሳተላይት ቴለቪዥን ንምምስራት ኩሉኹም ኤርትራውያን ኢደይ ኢድካ ብምባል ክትተሓባበሩ ጻውዒቱ የቕርብ።

ነዚ ሃገራዊ ፕሮጀክት ሳተላይት ቴለቪዥን `ዚ ንምዕዋት ግን 1 ዶላር ንመዓልቲ፡ 30 ዶላር ንወርሒ ወይ ድማ 365 ዶላር ንዓመት ዘበርክቱ ሓደ ሽሕ (1000) ውፉያት የድልዩ። እዚ ኣበርክቶ`ዚ ካብ ዕለታዊ መነባብሮ ስድራቤት ክቃወስ ከሎ ቀሊል `ኳ እንተዘይኮነ፡ ምስቲ ኣብዚ እዋን ንሃገርና ገጢሙዋ ዘሎ ብድሆ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዘሎ ዓመጽን ጥልመትን፡ ከምኡ `ውን እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ኣሓትናን ኣሕዋትን ከርእዩዎ እንጽበዮም ተወፋይነት ክወዳደር ከሎ ወጻዒ ኣይኮነን። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ነዚ እዋናዊ ዕማም`ዚ ከም ሃገራዊ ወፈራ ርእዩ ብተወፋይነት ክተሓባበር ኣሰና ትጽውዕ።

እቲ ናይ ምዝገባ ወፍሪ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ማለት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ክጠቓለል ከሎ፡ ኣብቲ ካልኣይን ሳልሳይን ወርሒ፡ ካብ ሕዳር ክሳብ ታሕሳስ 2018፡ ፈነወ ቴለቪዥን ናብ ኤርትራ ክጅምር እዩ።

ግዱሳት ኣበርከቲ ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና archive.assenna.com ኣብ ዝርከብ ናይ PayPal ከምኡ `ውን HSBC Bank ወርሓዊ ወፈያ ወይ ዓመታዊ ወፈያ ብምግባር፡ ከምኡ `ውን ሎሚ ቕነ ኣብ ዘውጻእናዮ ናይ ኣሰና ሓድሽ ገጽ Patrons (https://www.patreon.com/ASSENNA) በጺሖም ብምምዝጋብ ወርሓዊ ኣበርክቶ ክትገብሩ ትኽእሉ።

በብኸተማኡ ጉጅለታት ኣዕሩኽ ኣሰና ብምምስራት ወይ ብማሕበራት ከወፍዩ ዝደልዩ `ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ወርሓዊ ወይ ዓመታዊ ኣበርክቶ ክገብሩ ትኽእሉ።

ብ ባንክ፡ PayPal ይኹን Patrons ወርሓዊ ወይ ድማ ዓመታዊ ወፈያ ድሕሪ ምብርካትኩም፡ ኣብዚ ዝስዕብ ን ፕሮጀክት ሳተላይት ቴለቪዥን ኣሰና ዝትሓዝአ ኢመይል መልእኽቲ ክትሰዱልና ድማ ነዘኻኽረኩም – assennatv@gmail.com

ሕጂ `ውን መርፍእ ኣለና ፈትሊ ኩኑና!

ፕሮጀክት ሳተላይት ቴለቪዥን ኣሰና

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

25 መስከረም 2018

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Kiki Tzeggai September 25, 2018

    Congratulations! and welcome to the world’s premier Eritrean television experience!
    With every successful mission, ASSENNA has set new standards in bringing media and technology closer to people for meaningful end usages. You make us proud!

POST A COMMENT