Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸጒረይ ክምሸጥ! “ኣንታ ነዚ ዲኻ ተበጂኻ!? መልሰለይ’ባ!?” ብዓይነይ ዘጓነፈኒ ፍጻመ፡ 2ይ ክፋል፥

ጸጒረይ ክምሸጥ!   "ኣንታ ነዚ ዲኻ ተበጂኻ!? መልሰለይ'ባ!?"   ብዓይነይ ዘጓነፈኒ ፍጻመ፡ 2ይ ክፋል፥   "ሃለው መን ክብል? ኣቤት ሽኮሪና፡ ወዲእኪ? እዋእ! ኢሂ!? ኣብኡ ከኣ ወሲዶማ!? በቃ በሊ ነዞም ሒዘዮም ዘለኹ ዓማዊል ኣብዛ ማይ ተመናይ ኣብጽሕ ኣቢለዮም ቀልጢፈ ክመጸኪ'የ፡ ቻው። መጻእኩ፡

ጸጒረይ ክምሸጥ!
 
“ኣንታ ነዚ ዲኻ ተበጂኻ!? መልሰለይ’ባ!?”
 
ብዓይነይ ዘጓነፈኒ ፍጻመ፡ 2ይ ክፋል፥
 
“ሃለው መን ክብል? ኣቤት ሽኮሪና፡ ወዲእኪ? እዋእ! ኢሂ!? ኣብኡ ከኣ ወሲዶማ!? በቃ በሊ ነዞም ሒዘዮም ዘለኹ ዓማዊል ኣብዛ ማይ ተመናይ ኣብጽሕ ኣቢለዮም ቀልጢፈ ክመጸኪ’የ፡ ቻው። መጻእኩ፡ መጻእኩ” ብምባል ታክሲስታ፡ ሽክና ርእሱ እናነቕነቐ ክግረም ዝረኣዮ ሓደ ተሳፋራይ፡
“ደሓን ዲኻ ዝሓወይ?” ክብል ተወከሶ።
“ኣነስ ደሓን’የ፡ ንሓንቲ ካብ ጀርመን ዝመጸት ሓብትና ግን ኣብ ዘዝኣተወቶ ኤለትሪክ እናወሰዱ ነዛ ጸጒሪ ርእሳ ምምሻጥ ከሊኦማ እምበር ምስክነይቲ!” ምስ በለ እንደገና ርእሱ ብኣግርሞት እናነቕነቐ፡ ሓደ ካብቶም ተሳፈርቲ ትቕብል ኣቢሉ፥
“ጽቡቕ ገበሩዋ! ኣብ ፈቐዶ ፈስቲቫላቶምዶ ዙርያ ተኸዲና፡ ከበሮ እናደሰቐት ትዕልለሎም ኣየላን!” በለ ቁጥዕ ኢሉ።
 
“ሓንሳእ እስከ! እንታይ ኢኻ ኪትብል ደሊኻ? ኣብ ፈስቲቫል መንግስቲ ምስታፍ ምስ ኤለትሪክ ምስኣን እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ!?” ምስ በለ ሓደ ትም ኢሉ ክሰምዕ ዝጸንሐ ተሳፋራይ ከኣ ኩላቶም ክሳዶም ጠውዮም ጠመቱዎ።
“እንታይ ክብል ከም ዝደለኹ ደኣ ትሰምዓኒዶ ኣየለኻን!” መለሰ መጓዓዝቱውን ድምጹ ክብ ኣቢሉ።
“ይሰምዓካ’ወ ኣለኹ። ስለ ዝሰማዕኩኻ’ንድየ ዝሓተካ ዘለኹ! ወረ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ናይዚ ኩሉ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ሽግር ንመንግስትና ተሓታቲ ክትገብሩዎ ትፍትኑ ዘለኹም!?” በለ ኣዒንቱ ኣፍጢጡ።
“መን ደኣ ክሕተተሉ’ሞ!?” ሓተቶ ታክሲስታ ቅልጥፍ ኢሉ።
“ኣመሪካን ወያነን ብዘምጽኡዎ እገዳ እኮ’ዩ እዚ ኩሉ ጸገም ዝወርደና ዘሎ! ንኣኣቶም ዘይትሓቱ!?” በለ ደጋፊ ህግደፍ ተገንጪሩ።
 
“ክላ ስቕ በል! “ብዘበን ውበ ዝጸመመስ… በጃኻ ኢለካ ዝሓወይ ኣብዛ ቅድሜኻ ግዳ ኣውርደኒ? ንስኻ ከኣ ሓውና፡ ካብቲ ጽዒኖሙኻ ዘለዉ ቈለ ኣማሪካን ወያነን ንኽትናገፍ፡ ክልተ ሸውዓተ ማጨሎት ተሓጸብ!” ኢሉዎ ቀልጢፉ ወረደ።
“ንኣኻ’ዩ ክልተ ሸውዓተ ዘድልየካ ዘሎ። ከዳዕ ሓሳዊ!” ብምባል፡ እቲ ወዲ ብድሕሪኡ ክጻረፍ ስለ ዝጀመረ፡ ንሱ ብዝፈጠሮ ራዕዲ፡ ኣብታ ታክሲ ደጊሙ ዝተዛረበ ሰብ ኣይነበረን። ድሕሪ ናይ ሓደ ኪሎ ሜተር ጉዕዞ፡ ኩላቶም ስለ ዝወረዱ ከኣ ብርሂን ታክሲስታ፡ ኣብ መገዲ ኣእዳዎም ዊጥ ንዘበሉሉ ተጓዓዝቲ እናጠሓሰ፡ ብቐጥታ ናብ ጣባ ኣምርሐ።
 
“እዋይ! ኣቲ እዚ ኹሉ መገዲ ተጓዒዝክን መጺእክንሲ ኣብዚ ከኣ ከይወዳእክን ልቺ ከይዳ!!” ብምባል፡ ዋና ገዛ ዓው ኢላ ጨደረት።
“ኣቲ እንታይ ኢና ንገብሮ?  እዋእ! ገዛገዛዶ ክንጓየ ክንውዕል ኢና! ንኺድ ንገዛና ሕጅስ ባዕሉ ይፈልጥ!” ብምባል፡ ሓንቲ ካብተን መማጻእተይ ኣንጸርጸረት። ኣነውን ብርሃነ ስለ ዝደንጎየኒ ደጊመ ተሌፎን ክድውል ጀመርኩ።
“ግዲ የብልክንን ደሓን እዘን ኣሕዋተይ፡ ኢድና ኣይንህብን ኢና! ሕጂ ኤለትሪክ ኣብ ገጀረት ስለ ዘላ፡ ናብኡ ክትከዳ ኢኽን ኣጆኽን! ንፍዕቲ መሳርሕቲ ኣላትኒ ኣብኡ።” በለትና ዋና ገዛ ሞባይላ እናኣልዓለት።
 
“ኢሂ ኣቲ ጽብቕቲ፡ ሕጂ ከኣ ወሲዶማ!?’ በለ ብርሂን ናብታ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ቁንጅና ሳሎን ሞቶራ ከየጥፍአ፡ ገዲፉዋ ዝኣተወ ኦፔል ኣስትራ ዝዓይነታ፡ ብጫ ዝሕብራ ታክሱ እናኣማዕደወ። ‘እዋይ! ከምዚ’ኳ ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን!’ ዓሰርተ ደቂቕ እኮ’ያ ተሪፋትኒ ኔራ ጸጒረይ ነቒጹ ንኽውድእ። ኣንታ እዚድዩ ኣኺሉዎ ናብረአን እዘን ኣሕዋትና!?’ ተገሪመ ሓተትኩዎ።
“እዚ ቀቀሊሉ’ዩ! ንዕናይ ደኣ” ኢሉኒ ንደገ ወጸ ብርሂን። እተን ካብ ማይጭሆት ምሳና ናብ ጣባ ዝመጻ ኣዋልድ ግን እተን ክልተ ‘በጃኺ ኢለኪ ኤለትሪኮም ይትረፈና! ጸሓይና ክንጽሎ ኢና!’ ኢለን ኣብኡ ክተርፋ ከለዋ፡ እታ ሓንቲ፡ ቢጎዲኒ ኣብ ጸጒራ ተጠቕሊላ ዝነበረት ግን ምሳና ናብ ገጀረት ተበገሰት።
 
‘እውይ! ኣታ እዛ ሓወልቲ ሽዳ ደኣ መን ወሲዱዋ!?’ ስምብድ ኢለ ሓተትኩ ኣብ ከባቢ ኒያላ ሆቴል ምስ በጻሕና።
“ወዲ ቅጫ ቦግ ኣቢሉዋ!” በለ ታክሲስታ ፍሽኽታ ኣሰንዩ።
‘እንታይ ጌራቶ? ኣርማ ገድልና እንድያ ኔራ!’ በልኩዎ ተገሪመ።
“እዋእ! ከምቲ ንሰምዖ እንተኾይኑስ ሓደ ካብዞም ኣብ 2001 ኣሰሮም ዘጥፍኦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበር፡ ምናልባትውን ኣቶ መሓሙድ ሸሪፎ’ዩ ይመስለኒ ተኺሉዋ ኔሩ። ብድሕሪ ምእሳሩ ግን ስሙን ኣሰሩን ንምጥፋእ ኢሉ’ዩ ንገለ ዓመታት ዚንጎ ሸፊኑዋ ጸኒሑ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ጉሒፉዋ! እዚ ምስ መንግስቲ ራሻ ተሓባቢሩ፡ ኣብ መኖፖል ሓወልቲ ፑሽኪን ተኺሉ ዘሎ ብዓል ስልጣንውን ጽባሕ ንግሆ ንወዲ ቕጫ እንተ ደኣ ኣቐይሙዎ፡ ምስታ ንሱ ዘትከላ ሓወልቲ ለኪሙ ኪጉሕፎ ሙዃኑ ኪፈልጥ ኣለዎ! እዚ ስራሕን ባህርን ቲፋኖስ’ዩ!” ምስ በለኒ፡ ነታ ኣብ ድሕሬና ዝነበረት መጓዓዝትና ክሳደይ ጠውየ ጠመትኩዋ።
 
“ገሪሙኪዶ ዝሓፍተይ? እወ ከምኣ’ያ ስርሑ ዓምና! ቲቪ ኤረ ኣይትከታተልን ዲኺ? ነዞም ሕጂ ኣሲሩዎም ዘሎ ገዳይም ተጋደልቲ’ኮ ነቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝፈጸሙዎ ተእምራታዊ ስራሕ ንበይኑ ወይ ድማ ምስዞም ሕጂ ንስልጣኖም ክብሉ ተመሊኾሙሉ ዝኸዱ ዘለዉ ውሑዳት ጃጀውቲ ዝሰርሖ ክመስል፡ ናታቶም ስእሊ ጥራይ እዩ ዘርኢ። እቲ ኣሳእል ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዕራዒሮ ዘለዉ ጀጋኑ ግን ቆቆሪጹ’ዩ ዚድርብዮ ዘሎ!” በለትኒ ንሳውን ፍሽኽታ ኣሰንያ። ገና ከይመለስኩላ ከለኹ ከኣ ኣብታ ን24 ዓመታት ቴንዳን ዚንጎን ተሸፊና፡ ብከንቱ ትኣርግ ዘላ ነፋሪት እትመስል ኣደናቒት ህንጻ ፊያት ስለ ዝበጻሕና፡ ክሳደይ ንየማን ጠውየ፡ ብኣንክሮት ጠመትኩዋ። ‘እዋይ ኣስመራና ጻዕዳ ጉድ መጺኡዋ!’ ድማ በልኩ ብልበይ።
 
“ብቐዳማይ ሓንቲ ካብ ኣመሪካ ዝመጻ ዓባይ ሰበይቲ እንታይድየን ገሬናኒ መሲሉክን” በለ ሽዑ ታክሲስታ ብሃንደበት፡ ኩላትና ዝን ኢልና ትም ስለ ዝበልና።
‘እንታይ ጌረናኻ?’ ሓተትኩዎ ኣነ ከም ካብ ድቃሱ ዝተበራበረ ሰብ፡ ገጸይ ብጸጋማይ ኢደይ እናደረዝኩ።
 
“ኣብ ኤየርፖርት ንዚኾነ ዝረኸብኩዎ ወይ ዘብጻሕኩዎ ጋሻ ቁጽሪ ተሌፎነይ ስለ ዝህብ፡ እዘን ጋሻ ሰበይቲ ድማ ምሸት ናብቲ ዘዕረፋሉ፡ ሆቴል ኣላስካላ ኣብጺሐየን ምስ ከድኩ፡ ንጽባሒይቱ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ፡ በታ ዝሃብኩወን ቊጽሪ ስልኪ ደዊለን፡ ‘በጃኻ’ባ ሕጂ ምጽኣኒ ናብ ሹቕ ከተብጽሓኒ?’ ስለ ዝበላኒ፡ ብጉያ ከይደ፡ ናብ ከተማ ሒዘየን ወጺአ። ሽዑ ኣብ ከባቢ ካቴድራለ ምስ በጻሕና፡ ብሃንደበት ‘ኣንታ እንታይ እየ ዝርኢ ዘለኹ!? ኣብ ኮምብሽታቶ ዲና ዘለና!?’ ኢለን ተገሪመን ይሓታኒ’ሞ ‘እወ ኣብኡ ኢና ዘለና’ ምስ በልኩወን፡ ‘በል ቀልጥፍ ኣውርደኒ!’ ስለ ዝበላኒ፡ ካብዛ ታክሲ ኣውረድኩወን። ሽዑ ኣብቲ ኣፍደገ ካቴድራለ ዘሎ ማርሻበዲ ርእሰን ሒዘን እናተመላለሳ ‘አይአይ!’ ምስ በላ፡ ኣነውን ሰንቢደ ማኪናይ ዓሺገ ብጉያ ከይደ ‘ደሓን ዲኽን ኣደ?’ ኢለ ሓቊፈየን።
 
‘ኣታ እንታይ ክድሕን ኣታ! ኣታ ነዛ ኣስመራ ጻዕዳ ብኦሞ እናተሓጽበት ከላ እኮ’የ ዝፈልጣ! ኣስመራ ጽብቕቲ ከምዚ ኮይና! እዋይ! እዋይ!’ ብምባል፡ ዓው ኢለን ስለ ዘልቀሳ፡ ብቕጽበት ሰባት ተኣኪቦም ከበቡወን።
 
‘ኣታ! ኣታ ክንደይ ትሓስሙ! ከምዚላ ተደዊና እናረኣኹማስ ዓገብ ምባል እንተ ተረፈኩምስ ኣታ ኣይተልቁሱላን’ኳ!? ሓወልቲ ሃገር እናዓነወት ትም ኢልኩም ትርእዩዋ! እዋይ ኣስመራ ጻዕዳ ጉድ ረኺብኪ! ዓሰርተሳዕ ተራኢኺ!’ ብምባል፡ ልቅሶአን ምስ ቀጸላን ብዙሕ ሰብ ምስ ተኣከበን ከኣ ክልተ ኣባላት ሃገራዊ ጥፍኣት’ዮም ይመስለኒ፡ በቲ እኩብ ሰብ ፈንጢሶም ብምሕላፍ፡ ብኽልተ ኣእዳወን ሒዞም፡ ‘ያላ ንዓናይ ኣደ’ ብምባል፡ ዳርጋ እናጎተቱ ሒዞመን ከይዶም።” ምስ በለ፡ “እውይ! እሞ ኣሲሮመን!?” ሓተተት መጓዓዝትና ስንብድ ኢላ። ‘መን’ዮም ሃገራዊ ጥፍኣትከ?’ ሓተትኩ ኣነውን ቀጺለ።
“እዞም እዚ መንግስትና ‘ሃገራዊ ድሕነት’ ዝብሎም ዘሎ፡ ብግብሪ ግን ሃገርን ህዝብን ዘጥፍኡ ዘለዉ ሰብ ኩትሻ’ዮም!” በለ ብርሂን ከም ኣመሉ ፍሽኽታ ኣሰንዩ።
 
“ሽዑ ናብ እንዳ ፖሊስ ወሲዶም፡ እዚ ኹሉ ኣብዛ ሃገር ወሪዱና ዘሎ ዕንወትን ሕሰምን ብሰንኪ ኣመሪካን ወያነን ሙዃኑ ኣረዲኦምን መኺሮምን ናጻ ሰዲዶመን። እንደገና ተመሊሰን ደዊለናለይ፡ ኣብ ሹቕ ኣብጺሐ ናብ ሆቴለን መሊሰየን። ኣብ ዝሓለፍናዮ ጎደና ከኣ ንኣማሪካን ንወያነን ‘ኤህ! መስጣ ኣስመራ የውርደልኩም! ርጉማት!’ ምባል ኣየዕረፋን ምስክነይቲ!” በለና ብርሂን ብጎቦ ዓይኑ ናባይ እናጠመተ።
 
ንሲነማ ኣፍሪቃ ሓሊፍና፡ ኣብታ ዝተሓበረትና ገዛ ምስ በጻሕና ከኣ “በሊ እዚኣ’ያ እታ ገዛ፡ እዚኣ ግን ናይ መወዳእታ ትግበረልኪ’ምበር ከም ብሑቚ ኣስመራ፡ ከተማ ምሉእ ኮለል ከነብለኪ ውዒልና ኣለና!” በለኒ ብርሂን ካዕካዕ ኢሉ እናሰሓቐ። ‘እዋእ! ካብዝስ ናብ ዘብሎ የብለይን ወደይ። ኪድ ደኣ ድሕሪ ሰዓት ኣቢለ ክድውለልካ’የ። እዋይ! ናይ ምንታይ ጨና ደኣሉ’ዚ ወደይ ዚዕብልኸና!’ በልኩዎ ንብርሂን በቲ ብሃንደበት ዝመጸና ሕማቕ ጨና ተሰርኒቐ፡ ኣፍንጫይ ብኢደይ እናሸፈንኩ።
 
“እዚ ብጸጋምና ትርእይዮ ዘለኺ ቢንቶ’ኮ ለይታዊ ዓይኒ ምድሪ’ዩ!” በለኒ ናብቲ ካብታ ካብ መገዲ ጎዳይፍ ናብ ሓይሊ ኣየር እተላግሰላ ቀራና መገዲ፡ ንሸነኽ ጸጋም ዘሎ ዳንዴየር ወዲ ዳንዴየር ዝበቖሎ ጎልጎል እናኣመልከተ። ‘እዋእ! ኣብዚ ማእከል ከተማስ ደገ ክወጹ!?’ ሓተትኩዎ ስንብድ ኢለ።
“እንታይ ደኣ ክገብሩ! ካልእ ኣማራጺ የብሎምን!”
‘እዚ መንግስቲኸ ሽቓቕ ዘይሰርሓሎም!? ኣብ በረኻታት ሃገርና ንዝነብሩ ዓሰርተ ዘይኣኽሉ ገባር ሽቓቕ ሰሪሑ፡ ተጠቀምቲ ዓይኒ ምድሪ ከም ዝገበሮምዶ ኣብ ቲቪ ኤረ የርእየና ኣየሎን! ኣብዚ ብኣሻሓት ዝቑጸር ህዝቢ ዝቕመጠሉ ርእሰ ከተማ ዓይኒ ምድሪ ከይሰረሐድዩ ደኣ ሽቓቕ በረኻ ዘርኣየና!?’ በልኩዎ እንደገና ኣፍንጫይ እናሸፈንኩ።
 
“ኣየ! ኣቲ ሽኮሪና፡ ንሱ ደኣ ዘይምስሉዩነት’ዩ! ንከማኻትኩም ዝኣመሰሉ ኣብ ደገ ዝቕመጡ የዋሃት ኤርትራውያን ንምትላል ዝጥቀመሉ ሜላ’ዩ! ከተማን ገጠርን የማዓራሪ ኣለኹ እናበለ ንከተማታት ሃገርና፡ ብፍላይ ድማ ንኣስመራ ዘዕንወሉ ምስሉይ ኣጋባብ እኮ’ዩ! ከምኡውን ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ የጽብብ ኣለኹ እናበለ፡ ህግደፍ ዘድከዮም ሃብታማት ናይዛ ሃገርናውን ቊጽሪ የብሎምን! ብግብሪ ግን ከም ሎሚ ጌሩ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጋግ ሃብታምን ድኻን ርሒቡ ኣይፈልጥን’ዩ!” በለኒ ናብቶም ብየማነ ጸጋምና ዝሓልፉ ዝነበሩ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት እናጠመተ። ‘እዋይ ኤርትራ ዓዲ ሰማእታት፡ እዚ ኴንኪ ተሪፍኪ! ኪድ በል ናብ ስራሕካ ወደይ፡ ምስ ወዳእኩ ክጽውዓካ’የ።’ ኢለዮ ምስታ መካይደይ ተመራሪሕና ናብ ሓደ ጽብብ ዚበለ ብብሊኮቲ ዝተሃንጸ ንእሽቶ ገዛ ኣተና።
 
ኣብ ሳልሳይ ክፋል ይቕጽል…
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 18/02/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • change February 18, 2015

    What intelligent person you are?, I admire you very much, please keep up. I can’t wait to read the next

POST A COMMENT