Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጠቓዒት

ጠቓዒት ፍሥሐየ መብራህቱ ጠቓዒት መኣስ ተጀመረ? ከበሮ ምስ ነደረ ጓይላ ምስ ዓመረ ከመይከ ተዘውተረ? ሓሜን ምስ ከረረ። ጠቓዒት ኣምበኣር ግሩም፤ ጓይል እንኪጅመር ጸውታ ኪዕምር ትምኒትካ ኪሠምር ሠናይ ክተበሥር። ምጥቓዕ ግን ኣይግድን፡ ርኢኻ ዘጣቕዕ ብብሂል በሰሚዕ ብዛር ንዘጕርዕ ንኽትመልስ ባርዕ። ጠቓዒት እወ ከንቱ፡ እንኮ ንበይንኻ  ብዘይ ልፍንትኻ  ነይስማዕ ድምጽኻ ጥፉእ መልእኽትኻ። ምጥቓዕ ግቡእ፡ ኣብ መርዓ ኣብ

ጠቓዒት
ፍሥሐየ መብራህቱ
ጠቓዒት መኣስ ተጀመረ?

ከበሮ ምስ ነደረ
ጓይላ ምስ ዓመረ

ከመይከ ተዘውተረ?

ሓሜን ምስ ከረረ።
ጠቓዒት ኣምበኣር ግሩም፤

ጓይል እንኪጅመር
ጸውታ ኪዕምር

ትምኒትካ ኪሠምር

ሠናይ ክተበሥር።
ምጥቓዕ ግን ኣይግድን፡

ርኢኻ ዘጣቕዕ
ብብሂል በሰሚዕ

ብዛር ንዘጕርዕ

ንኽትመልስ ባርዕ።
ጠቓዒት እወ ከንቱ፡

እንኮ ንበይንኻ 

ብዘይ ልፍንትኻ 

ነይስማዕ ድምጽኻ

ጥፉእ መልእኽትኻ።
ምጥቓዕ ግቡእ፡

ኣብ መርዓ ኣብ ሓጎስ

ንኽብሪ ንሞጎስ

ክትቅድስ ክትውድስ

ንፍቕሪ ንደስደስ።
ጠቓዒት እኮ ነውሪ፡

ኣብ ሓዘን ኣብ ቀብሪ

ንባእሲ ንነድሪ

ንስርቂ ንፍግሪ

ንጸይቂ ንቕሊ።
ምጥቓዕ’ባ ይትረፍ፡

ንሻራ ንሰበብ

ንጥልመት ንዓገብ

ሓቂ ንኽትጕልብብ

ሕዝቢ ክተናዕብ።
ጠቓዒት ብርግጽ፡

መልእኽትኺ ብዙሕ

ዕላማኺ ንጹሕ

ኣይተፍቅዲ ኪረስሕ

ኣይትስድዒ ምስ ቍሩሕ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Simon G. December 31, 2014

    ጠቓዒት ዶ በልካ
    ተግባር ኣልገፊፋት ካብ ኣምጻእካ
    ኣየወ! ትሕዝቶ ከይሰማዕካ

    ሓሸካ! ክልተ ኢድካ ከተጋጩ
    ብመሰሎም ዝተጋህሱ ዜጋታት ከተባጩ
    ከምዘይ ዜጋታት
    መሰሎም ክግፈፍ ብበሃማት
    ደቂ ኣርብዓ ከምደቂባት
    ደቂባት ከም ከደዓት
    ኣየ መዓት!

    ከልተ የእዳውካ ከጣቕዓ
    መልሓስካን መልሓስ መሰልትኻን ከዋቕዓ
    ግዜኹም ኮይኑ: ጸሓይኩም በሪቓ ደቂ ኣርብዓ
    ናትና ሓዘን: ናትኩም መርዓ
    የእዳውኩም ኣጋጭዉ: ኣጣቕዑ ደኣ
    ‘ተን ዝተረፋ መዓልታት ክሳብ ዝውድኣ

    ፍስሃየ መብራህቱ ገጢምልኩም
    ኣበይ’ ኳ ከይስቆረኩም
    ዘይተዓደለኩም!
    ዶ ዋላስ ተሓዲግኩም?
    ኣጣቕዑ ደኣ: ስጋብ ጸላዕላዕ ዝብለኩም
    ካልእ ‘ታይ ክብለኩም
    ርሙሳት: ዝሕቱላት: ባጎኒታት: እዚ ወደሓንኩም

POST A COMMENT