Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሕሪ ኣቦኻ ሞት ጊደኻ!

ነጊረካ ረሲዕካ‘ዩ ዲኻ ተዛረቦ ቃዛፊ ዓርክኻ መማኽርቲ ኔሩ ፈታዊኻ መሳቲይቲ ቡንካ መኻሪኻ ጭሕምኻ ኣጠልቂ በጺሑ ጊዴኻ ነዚ ንክትሪኢ ተጸቢኻ መንእሰይ ተሲኡ በጺሑ ጊዴኻ ይጓዓዙ ኣለዉ መሓዙዃ ሕጂ‘ውን ተበገስ ኣልዒልካ ሻንጣኻ። ኣነ ነጊረካ‘የ ካብ ቀደሙ ተዛረቦ ዓርክኻ ሓሚሙ ብተግባሩ ኣምላኽ ተቐይሙ ምስቲ ናትካ ሓደ‘ዩ ሕማሙ ከይትሰምዑ የእዛንኩም ጸሚሙ ዘይትመሃርዎ ካብቶም

ነጊረካ ረሲዕካ‘ዩ ዲኻ

ተዛረቦ ቃዛፊ ዓርክኻ

መማኽርቲ ኔሩ ፈታዊኻ

መሳቲይቲ ቡንካ መኻሪኻ

ጭሕምኻ ኣጠልቂ በጺሑ ጊዴኻ

ነዚ ንክትሪኢ ተጸቢኻ

መንእሰይ ተሲኡ በጺሑ ጊዴኻ

ይጓዓዙ ኣለዉ መሓዙዃ

ሕጂ‘ውን ተበገስ ኣልዒልካ ሻንጣኻ።

ኣነ ነጊረካ‘የ ካብ ቀደሙ

ተዛረቦ ዓርክኻ ሓሚሙ

ብተግባሩ ኣምላኽ ተቐይሙ

ምስቲ ናትካ ሓደ‘ዩ ሕማሙ

ከይትሰምዑ የእዛንኩም ጸሚሙ

ዘይትመሃርዎ ካብቶም ዝቐደሙ

እቲ ስርዓትኩም እንታይ‘ዲዩ ሽሙ

ኮሙኒስት ኣሎዎ ትርጉሙ

ነብሱኹም ጠፊእኩም ስድራ ትልክሙ።

እቶም ቀዳሞት ብከምዚ ጠፊኦም

ደቆም ተማሊኦም ቀቅድሚኦም

እቶም ዕሸላት ይሃብኩም መስጠኦም

ቡዙሕ በዲሉዎም መዕበዪኦም

ጽጋብ ሰንጢቑዎም ፈጣሪ ረሲዖም

ኣስኪርዎም እቲ ጸሊም ስዋኦም

ናትካ ተሪፉሎ ደድሕሪኦም

እነሄውልካ መንእሰይ ተሲኦም።

ናይ ወዲሰብ ክበዝሕ ብልሓቱ

እስከ ናይ ቃዛፊ ተመልከቱ

ዓለም ኒዕቕዎ ብትዕቢቱ

ንጉስ ዓለም ክከውን ዝፈቱ

ሪኢኹሞዶ እቲ ዕሽነቱ

ሙሉእ ሊብያ ጌርዎ ግራቱ

ምስ ህዝቢ ክዋጋእ ዑሱባት ሸሚቱ

ኣብ ዓለም ብሙሉኡ ኣብ ባንኪ ሕሳብ ከፊቱ

መሲሉዎ ዘድሕን ሂወቱ

ሓደ ኢዩ ሕማምኩም ምስቲ ናቱ።

እቲ መንእሰይ ትዕግስቱ ወዲኡ

መሪርዎ ቡዝሕ ተጎዲኡ

ተጸሚሙ መሊሱ ከፊኡ

እቲ ናጽነት ንመን ዲዩ መጺኡ

ሽግሩ በዚሑ ብድሕሪኡ

ክንዲ ሓጎስ ሓዘን ተተኪኡ

ሸዊት ዕድመ ብሓባር ጠፊኡ

ገዛ ዝኸፈተ ተረዲኡ

እቲ መንእሰይ ገዲፉ ገዝኡ።

ንሳቶም ቅኑዓት ለባም ዘናእሱ

ንጌጋኦም ባዕሎም ዝውድሱ

ዓለም ብሙሉኡ ዘናእሱ

ተጋጊና ኢሎም ዘይምለሱ

ከምዘይፍጡር ንሰብ ዘራኽሱ

ንስርዓቶም ባዕሎም ዝምጉሱ

ኣብ ዝኾነ ንዕቀት ዝሕውሱ

ክርዳድዘሪእካዶ ስርናይ ተሓፊሱ።

ህዝቢ መሪርዎ እንታይ ዘይገበረ

ድቋ ዕረ ሰትዩ ዝመረረ

ዘሟምቖ የለን ትርፎ ዝቖረረ

ደንበታት ተሪፉ ብዘይ ሓደ ፍረ

ካብ ሰብ ካብ እንሰሳ ከምዘይነበረ

ወርቂ ተረኺቡ ሰሚዑ ብወረ

ንዑ ተመዝገቡ ከይሓልፈኩም ጥረ

ኣብ ክንዲ ንዓዲ ንስደት ወረረ

ኤርትራውያን እንዲዩ ዓሳ ዝተደረ

ምቾት ደሊዮም ኢሉ ይምድር ነበረ።

ከም ዘራዓይ ኮላል ግራውቲ

ሓደ ሄክታር ዝገብርዎ ሚእቲ

ኣየ ኽእለት ኣየ መታለልቲ

ንባርካ ጌሮማ ለምለም ሰቲ

ደምበታትና ሓሪምዎ ከብቲ

እተን ዝተረፋ ሲኢነን ሓለውቲ

ሃብቲ ናይ ኤርትራ መንደቕ ኣባይቲ።

ማዕበል ህዝቢ እንድሕሪ ነጊዱ

ኣይምለስን እንተዘይገዲዱ

ሓፋሽ ተጸሚሙ ብዙሕ ተገዲዱ

ብገዛእ ሃገሩ ተዋሪዱ

ዓገብ ዝብል ለባም ተሓሪዱ

ንዝቃወም ይብልዎ ኪሒዱ

ወላዲት ሰበይቲ ዘገርደዱ

ኣፉ ዝኸፈተ ተፈሪዱ

እቲ መርዞም እምብዛ ጎምዲዱ።

ቲሽግርና ኣይኮነን ብስእነት

ክንደይ ሰብ ሓሊቑ ኣብዚ ዕስራ ዓመት

ዝሞተን ዝጠፈኤን ቁጽሮም ዘይግመት

ምስ ምንታይ ይትርጎም እዚ ኩሉ ህልቀት

መንእሰይ ሲኢና ሃገር ኣብ ድኽነት

ነዚ ዝረኣየ ለባም ነይዕመት

ደቂ ሃገር ኢኹም ግበርሉ ኣመት

ሕልና ዘሎዎስ ዘይድቅስ ብኡነት

ናጽነት ብዘይ ሰብ ምስ ምንታይ ይግመት

ሓርነት ዶ ክብሎ ወይ ድማ ባርነት።

ሃንቆውታ ናጽነት ጻዊዕትና ሓደ

ምስቲ ዘሎ ኣብ ዓዲ ምስቲ ዝተሰደ

ምስቲ ዝተጮቆነ ምስቲ ዝረዓደ

ከም ፈረስ መጽዓኛ እግሩ ዝተቐየደ

ምስቲ ዝሰንከለ ንሞት ዝተፈርደ

ዓዱ ዘይርስዕ ዝኸደ እንተኸደ

ናጽነት ጨቢጡ ሓጎሱ ብሓደ

ሽግር ናይ ህዝብና ናይ ሎሚ ገደደ።

ከይመስለካ ህዝቢ ተሓጕሱ

ነዞም ዘጣቕዑ ዝድንሱ

ሓሳባቶም ጽቡቕ‘ዩ ገስጊሱ

ክጣየሹ ዓዶም ክምለሱ

ሸቃጣይ ክሽቅጥ ሓረስታይ ሓሪሱ

ተለቂሑ ዶላራት ሓፊሱ

ገዛ እውን መስሪቱ ተሓጒሱ

እቲ ዕዳ ወሲኹ መሊሱ

ከይኣኸለ እቲ ገዛ ፈሪሱ

ሕክምና ከይዱ ተመሊሱ።

እቶ ኩሎም ህዝቢ ዘጣቕዑ

እዞም ብመኩቦም ዝስዕሱዑ

ውሽጦም ተሓሚሱ ደም ነቢዑ

ገዛ ንክሰርሕ ሂወት ረሲዑ

ንዓዲ ክመልሶም እቶም ቆልዑ

ገዛ ከይኣኸለ ዕዳ ተሰሊዑ

ኢሳያስ ከሲቡ ምስኡ ተጣሊዑ

ተጻዊቱ ብገንዘብ ቆልዑ

ኣቦኦም ይነብር ከኒና በሊዑ።

ክነግረካ ክትጸልእ ክትፈቱ

እንካብ ገደፉኻ እቶም መሳቱ

ኣብ ነንሕድሕዶም ክማጎቱ

ሃሱሳት ሰዲድካ ከይዕወቱ

ንሃገሮም ቡዙሕ ዘበርከቱ

ተኪኦሞም እነዉ ናኣሽቱ

ሚሒሎም ብሕዋቶም ዝሞቱ።

 

ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ!

ክንድሺሕ ገብረዝጊ

ኣባል ኤህም

24.10.2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT