Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“…ዝተቓለስናሉን ዘገልገልናዮን ውድብ!…”

“…ዝተቓለስናሉን ዘገልገልናዮን ውድብ!…”
 
‘እንቋዕ ጥራይ ብሂወት ሃለወ’ምበር ንሕናስ ከምዘይተበደልና ጌርና ኢና ንሪኦ! ነዚ ንዓመታት ዝተቓለስናሉን ዘገልገልናዮን ውድብ ከኣኒ ሕጂ ስለ ዝመረረና ጥራይ፡ ሕቘና ኣይንህቦን ኢና!’ እዚ ቃል’ዚ፡ ብሃጥር (ብጅግና) መራሒ ነፋሪት (pilot) ደጀን ዓንደ ሕሸል፡ ሰባር መቊሕ ካርሸሊ፡ ዝተነግረና ቃል ወላዲቱ’ዩ ኔሩ። ነዛ ሓጻር ቃል’ሞ ክቡራት ኣሕዋት፡ ብልቢ ነስተውዕለላ! ኩሉ ሽግራትናን መፍትሒኡን ኣብዛ ቃል እዚኣ ተጠቓሊሉ ኣሎ። ብኸመይ?
 
ክብርቲ ወላዲት ሃብሮም ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ብገርሃ፡ ናይ ልባን ናይ ልቢ ኩሉ ገና ምስዚ ኣጽናቲ ጉጅለ ዝዳናገጽ ዘሎ ዘይቀበጸ ተጋዳላይን’ያ ተዛሪባ። ‘ነዚ ንዓመታት ዝተቓለስናሉን ዘገልገልናዮን ውድብ ዝገበረ ይግበር ሕጂ ምስ መረረና ወይ ምስ ተተንከፍና እውን እንተኾነ ሕቘና ኣይንህቦን ኢና።’ ክትብል ከይተፈለጣ ኣርዲኣትና። ኣደ ደጀን፡ ንመሰላን ንናጽነታን ከምኡውን ንመሰልን ናጽነትን ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝተቓለሰት ኣይትፈልጥን’ያ ማለትድዩ!? ምኽንያቱ፡ ነቲ ንኣኣን ንውላዳን ከምኡውን ንህዝባን ብዘይሕግን ፍርድን ሓዪሩ እናኣሳቐየ፡ ነቲ መዋእላ ምስ ስድራኣ ዝተቓለሰትሉ ዕላማ ጨዊዩ፡ ህዝቢ ዘጽንት ዘሎ ውሑድ ጉጅለ፡ ሕጂውን ንእከይ ተግባራቱ ክትቃወሞ ኣይከኣለትን። ኣቲ ክብርቲ ኣደ ንዒ’ባ፡ ምስ መላኺ ምጽጋዕ፡ ከምቲ “ኣብ ዓጋም ዝተጸግዐት ቆልቋልሲ ክትነብዕ ትነብር!” ሙዃኑ ፍለጢ።
 
“ንዓመታት ዝተቓለስናሉን ዘገልገልናዮን ውድብ…!” እዋእ! ኣቱም ኣሕዋት፡ ወረ በጃካትኩም ከም ሰብ ሕሰቡ። ንሕና ንነብስኹምን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓርነት ንምጉንጻፍ ኢልኩም ከም ዝተቓለስኩም ኢና ንፈልጥ። በዚ መሰረት ድማ ኢና ሃዋርያት ናጽነት ኢልና ንጽውዓኩም። እቲ ተቓሊስናሉን ኣገልጊናሉን ትብሉዎ ዘለኹም መሪሕነት’ኮ ልዕሊ’ቲ ንስኻትኩም ዘበርከትኩሞ ኣበርክቶ ኣይገበረን። ከመይ ኣቢልኩም ኢኹም ደኣ ምግዳልኩም ንእኡ ምዃኑ ትዛረቡ!? “ሰበይቲ ጸማም ብኾፉ ይጽውዑሉ፡ ሰበይቲ ዕዉር ብኾፉ ይስዕሙሉ!” ዚበሃል’ኮ ከምዚ ናታትኩም’ዩ። ብሓቂ ዲኹም ከምኡ ትሓስቡ!? ሙዃን ሓቅነት ናይዚ ዘጠራጥር የብሉን። ንእኡ ኢልኩም እንተዘይትቃለሱ እዚ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዘውርዶ ዘሎ ስፍሪ ኣልቦ ግፍዕን ዕንወትን ኣሜን ኢልኩም ኣይምተቐበልኩሞን። ገለስ ምገበርኩም! እዚ ኹሉ ፈቐዶኡ ዝወደቐ ስውእሲ ምእንቲ ኢሳያስን ጉጅለኡን’ዩ ሓሊፉ!? ዘገርም’ዩ! “ከም ሰብ ዚሓስብ ኣድጊ ርእየ ኣይፈልጥን፤ ከም ኣድጊ ዚሓስቡ ሰባት ግን ኣጋጢሞሙኒ ኣለዉ” ዝበለ ሄንሪ ዝብሉዎ ጸሓፍስ ለካ ከምዚ ምስ ረኸበ’ዩ።
 
ትማሊ ቀዳም 24 ግንቦት 2014 ነገሰ ነገስት መለኽቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከይሓፈረ፡ ነቲ ንዓመታት ላዕለዎት ካድራቱ፡ ‘ቅዋም’ኮ ሓንቲ እታ ምርጫ ናይ ፕረዚደንት ጥራይ እያ ተሪፋትና ዘላ’ምበር እቲ ካልእስ ኩሉ ነተግብሮ ኢና ዘለና!’ ብምባል፡ ከም ኣመሎም ህዝቢ የደናግሩ ከምዘይነበሩ፡ ኣብዚ መላኺ ትማሊ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ዝመስል ምስሉይ መደረ ግን ቅዋም ከተግብር ዘይኮነስ ክነድፍ ምዃኑ ሓቢሩና ኣሎ። ካድራቱ ደኣ’ሞ ነየናይ ቅዋም’ዮም ንዝበዝሐ ክፋላቱ የተግብሩዎ ኔሮም!? ካልእ እቲ ን16 ዓመታት ዝተመኽነየሉ ጉዳይ ዶብ ከደኣ እንታይ ፍሉይ ነገር ስለ ዝተረኽቦ ወይ ዝተገብሮ’ዩ ሕጂ ቅዋም ኪትግበር ፈቒዱ!? ‘ኣይ ኣብ ኲናት፡ ኣይ ኣብ ሰላም ስለ ዘሎና ቅዋም ኣይነተግብርን ኢና!’ ዶ ይብሃለና ኣይነበረን። “ኪሰርቀኒ ዝረኤኹዎስ ኪመልሰለይ ነይኣምኖ!” ይብሉ ወለድና። ያኢ እቲ ፍንጥራዕ ዚለመደ ፋኖ ህግደፍሲ ብሕጊ ተገዚኡ ሃገር ብስድቢ (ብቅዋም) ኪመርሕ! ዘይሕሰብ!
 
ጃንዳ ህግደፍ፡ ንሓንቲ ዕላማን ንሓንቲ መዓልትን ክብል፡ ንዓመት ምሉእ ከገልግል ዚኽእል ንብረትን ሃብትን ህዝቢ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ብጉልባብ’ቲ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝወደቑሉ ክቡር ናጽነት፡ ንጓይላን ጨፈራን ኣሻሓት ዶላራት ኣጥፊኦም! ‘ጸላእቲ መታን ከይሕጐሱ ጽቡቕ ከም ዘለና ንምርኣይ ጓይላ ንግበር!’ ብምባል፡ ሃገርን ዓለምን ብጓይላ ኣናዊጾሞ! እቶም ብስደተኛታት መንእሰያት ኤርትራውያን ብሃንደበት ተጎቢኦም፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽግብሩሎም፡ ብስራሕ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ መንግስታት ሃገራት ዓለም፡ እቶም ገንዘብ ምውጻእ ጥራይ ዝስራሖም ኣምበሳደራት ህግደፍ ግን ብገንዘብ ህዝቢ ኣዳራሻት ተኻርዮም፡ ጓይላን ዳንኬራን ክገብሩ ዝተዓዘቡዎም መንግስታትን ህዝብታትን ዓለም ፍጹም ገሪሙዎም’ዩ ዘሎ! ኣቱም ሰባት፡ ገና’ኮ 367 ዜጋታትና፡ ከምቲ ንቡር ቀብሪ ከይረከቡ፡ ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ተዓሺጎም፡ ሓመድ ዓዶም ንኸይለብሱ ብውልቀ መላኺ ተኸልኪሎም፡ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ መጽንሒ ቦታ’ዮም ዘለዉ። ናብታ ኣሕዋቶም ዝወደቑላ ናጻ ሃገሮም ተመሊሶምውን ኣብቲ መዳሓንቶም ዝተቐብሮ መሬት፡ ሓመድ ዓዶም ክለብሱ ኣይከኣሉን።
 
ክገርመኩም ትማሊ መዓልቲሲ ሓንቲ ሰብ መሰል ወኻርያ፡ ኣማሓዳሪት ናይ ሓንቲ ካብተን 13 ምምሕዳራት፡ እታ ብሰሪ’ዚ ኣዕናዊ ምስሉይ ጉጅለ’ዚ ብዕንወት ዲማ (ጥንታዊ) ህንጻታታ ‘ኣስመራ ጻዕዳ’ ዘስመያ ምስላ ተደዊኑ፡ ማድያ ዘላ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ ዝኾነት ተጋዳሊት፡ እንታይ ኢላ እመስለኩም፥ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ህግደፍ ቀሪባ ከይሓፈረት፡ ናብቶም ንዓመታት ከም ዑፍ መስቀል ቅልቅል ኢላ እናተሸርበት ዘሐለለቶም ልቺ ህግደፍ ንሓደ ምሸት ከም ልቦም ንኽርእዩን ኣብ ናይ ናጻ ጓይላ ንኽስዕስዑን ኢሎም ካብ ምሉእ ከተማ ኣስመራ ናብ ጎደና ተለላ (ኮምብሽታቶ) ዝተኣኻኸቡ፡ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ኣማእት መንእሰያት እናኣመልከተትሲ፥ ‘ረኣዩዎም እስከ እዞም መንእሰያትና፡ ኣብዚ እንድዮም ዘለዉ። ጠፊኦም፣ ፋሕፋሕ ኢሎም ወዘተ. ብምባል መንግስትና ዘጸልሙ ዘለዉ ሓሰውቲ! ዝጠፍአ መንእሰይ የብልናን!’ ክትብል ምስ ሰማዕኩዋ ኣብ ክንዳኣ ሓፊረ።
 
ዝገርም’ዩ! መርዚ ናይ መላኺ፡ ሰባት ብናይ እንስሳታት ሓንጎል ከም ዝሓስቡን ንኣእዛኖም እምበር ንኣዒንቶም ከም ዘይኣምኑን ጌሩ ክሃንጾም ካብ ከኣለ፡ ነዚ መርዚ ንምንፍዋስ ከኣ እቶም እቲ መርዚ’ቲ ተውጊእኩም ዝነበርኩም እሞ እንተ ብተኣምር እንተ ብሓያል ቃልስኹም ዝተፈወስኩም ተጋደልቲ፡ ነዞም ገና በቲ መርዚ ዝሳቐዩ ዘለዉ ብዘይካ ሓደ ጓሳ ካልእ ኣብዛ ሃገር ከም ዘየለ፡ ንሱ እንተዘይሃልዩ ድማ ምጥፋእ ኣባጊዕን ደምበን ከኸትል’ዩ! ኢሎም ዝኣምኑ ግዳያት መላኺ ንምፍዋስ፡ ኣበርቲዕኩም ንኽትቃለሱን ንኣኻትኩም መሲሎም ብኣዒንቶምን ብሓንጎሎምን ንኽርእዩን ንኽሓስቡን ክትታሓባበሩዎም ብትሕትና እሓትት። “ካብ ባዕልኻ ንላዕሊ መስካሪ፡ ካብ እዝጊ ንላዕሊ ፈጣሪ’ኮ የለን!” ባዕልካትኩም’ባ ኩነታትና ምዘኑ? ምንም’ኳ ነፍሲ ወከፍና ነቲ መርዚ ንምፍዋስ ዝከኣላና ንገብር እንተለና እቲ ዝያዳ ኣድማዒ ዚኸውን ግን ናይቲ ምኩርን ግዳይን ስለ ዚኾነ፡ ሃየ በርቲዕኩም ተቓለሱ እብል። ከምቲ ወለድና ክምስሉ ዝብሉዎ፥ “ኪነጽፍ ዚበለ ማይ ይጨኑ፡ ኪበርስ ዚበለ ዓዲ ይዓኑ!” ህግደፍ ናይዚ ምስላ’ዚ ህያው ኣብነት’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣጆኹም ኣጆና ቀሪባ’ያ ሓርነትና!
 
ኣብ መወዳእታ፡ እዚ ብገንዘብን ሃብትን ሃገር፡ ብልዑል ዋጋ ኣብ ወጻኢ ተማሂሩ ንህዝቡን ሃገሩን ከገልግል ኣሃዱ ኢሉ ምስ ጀመረ፡ ብዕሸሉ ዘቖምሰሉዎ ሸዊት መንእሰይ ፓይለት ደጀን ዓንደ ሕሸል ዘዘንቱዎ ዘሎ ሓቀኛ ፍጻመ ዋላ ኣብ መሬት እሞ ኸኣ ኣብታ ኣእላፍ ሰማእታት፡ ነዚ እከይ ተግባር ንምጥፋእ ኢሎም ዝወደቑላ ሃገረ ኤርትራ ክፍጸም’ዩ ኢልካ ዘይሕሰብ፡ ፊልም ዝመስል ዘሰቅቕ ፍጻመ ብጽሞና ተኸታቲልኩም፡ ኣብ መንጎ ጸላምን ብርሃንን ዘሎ ፍልልይ ኣጸቢቕኩም ስለ ትፈልጡ፡ መገዲ ብርሃን መሪጽኩም ንጉጅለ ሕሰም ካብ ሱሩ ካብታ ብደም ሰማእታት ኤርትራ ዝተረኽበት መሬት ንምምንቋስ ዝከኣለኩም ክትገብሩ ደጊመ እናተላበኹ፡ ነቶም ነዚ ውጹዕ ግዳይ ምልኪ ዝኾነ ዜጋ ንምሕጋዝ፡ እጃምኩም ትገብሩ ዘለኹም ውፉያት ኤርትራውያን ሓበን ሃገርን ህዝብን ብምዃንኩም ብልቢ አመስግነኩም። የቐንየለይ።  
 
ኣቱም ደበስ ልቢ ኣንበሳ ምስ ዋዕሮ
ነዚ ቅያታትኩም መን ኣሎ ዚገብሮ?
ነቲ ዘርኣኹሞ ሰብኣዊ *ሰሃሮ              *ሓልዮት
ሃገርና ምስ መራሓ ቆጽሊ ዝተነብሮ
ዘልኣለም ኪነብር’ዩ ታሪኽ ኪዝክሮ!
 
ሕልናኡ ኣቕሲኑ ንህዝቡ ዘቕስን
ደኺመ ዘይወጾ ከም ጻጸን ከም ንህብን
ንድሕሪት ዘይብል ንደገፍን ሓገዝን
እዚ ዜጋ እዚ’ዩ ዘኩርዕ ዘሐብን!
 
ሕልናኣ ኣቕሲና ንህዝባ ተቕስን
ደኺመ ዘይወጻ ከም ጻጸን ከም ንህብን
ንድሕሪት ዘይትብል ክትኣልን ክትናብን
እዛ ዜጋ እዚኣ’ያ ተኹርዕ ተሐብን!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 25-05-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Yonas Ghebregziabiher June 4, 2014

    The facts on the ground speak for themselves even if good people choose to be quiet. In Eritrea, people who keep quiet are left alone but those who speak, question, or even think or share their thoughts with others are slashed by the “PFDJ’s” whip.
    To Absolute power Issaias Afewerqi ERITREA is not an end, it is a mere tool, a means of singular purpose to aggrandize and canonize himself. Can it quench his megalomania? No, it can not because what he desires is an illusion beyond legal and international norms. He wants to be elevated to a state of grandeur based on ‘conspicuous fallacy and sham’ he has created. He has trampled and stepped over many people for many years to emulate Mao Tse Tung, but unlike the Honorable Chinese philosophy his mission is to ascend himself to, Hatsey Issaias Afewerqi or Emperor Yohannes the V, to the status of “Pharaoh or Czar of all Abyssinia”. Guess what? He will continue on this route for many more years. He has already hired a full time “Tigrayan Army” (TPDM) to work on the rudimentary of ‘franchising’ ERITREA. [That’s why old fighters and Eritreans are “let go” – or liquidated]. The question is, however, where are the funds for these endeavors coming from? Are they from ERITREA’s coffer? This does not matter to ‘him’, remember, the “end justifies the means”.
    The kitsch to build, to construct, to educate the people, to develop the country, .etc., etc., etc., and at that with lies and half truths is the work of a Machiavellian charlatan.
    I am my brother’s keeper.
    My children are my witness

POST A COMMENT