Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እንታይ ኢሎምኻ ?

ኣንታ ወዲ ዓሊ፣ ሰባር ፎርቶ ዓመትካ ‘ምበር ኮይኑ ካብ ትሰናበቶ ነቲ ቅርዓት ሕሱራት ውርደት ዘጸልመቶ ነቲ ደንበ እሱራት ፍትሒ ዝሓርበቶ ሃገር ህዝቢ ኸሎ ሓደ ዝብሓቶ፣   ሕንቅልሕንቅሊተይ ዘቕረብካዮ ሕቶ መልሲ ከምዘይረኸበ ዘስልጡ መጓቶ የርድኣካ ‘ለኹ ናይ ዝባን ክትፈልጦ፣ ንስኻ ኸ ‘ታይ ኣለካ ወረ ናይቲ ትሕቲ

ኣንታ ወዲ ዓሊ፣ ሰባር ፎርቶ

ዓመትካ ‘ምበር ኮይኑ ካብ ትሰናበቶ

ነቲ ቅርዓት ሕሱራት ውርደት ዘጸልመቶ

ነቲ ደንበ እሱራት ፍትሒ ዝሓርበቶ

ሃገር ህዝቢ ኸሎ ሓደ ዝብሓቶ፣

 

ሕንቅልሕንቅሊተይ ዘቕረብካዮ ሕቶ

መልሲ ከምዘይረኸበ ዘስልጡ መጓቶ

የርድኣካ ‘ለኹ ናይ ዝባን ክትፈልጦ፣

ንስኻ ኸ ‘ታይ ኣለካ ወረ

ናይቲ ትሕቲ መሬት ንኣካልካ ዝወሓጦ?

 

ረኺብካዮም ዶ፣ ነቶም ዝቐደሙ

መሬት ከይሃምም ጉድጓድ ዝሰጠሙ

ዓንዲ ማእከል ኮይኖም ሃገር ‘ተሰከሙ፣

ንስኻ እትብሎምስ ፈሊጥናዮ ኣለና

ንሳቶም ‘ታይ በሉ ደኣ ንገረና

ወዲ ዓሊ ጅግና!!

 

እንታይ ኢሎምኻ ወዲ ዓሊ

ቃልዓለም ገዲፍካ ካብ ክሳድ ንላዕሊ

ሓቂ ተዛረብ ብዘይ መኸወሊ፣

 

 

 

ንገረና፣ እንታይ ኢሎምኻ

‘ቶም ውርዙያት ሰብ ዕሊ

‘ቶም ሰብ መትከል ሰብ ሓይሊ

‘ቶም ሰብ ጽንዓት ሰብ ዓቕሊ

ትንፋስ ሃገር ባትሪ ገድሊ

‘ቶም ውፉያት ሰብ ሕድሪ!?

እወ፣ እንታይ ኢሎምኻ

እቶም ኣብ እምነት ቅድሚት ተመዝገቡ

እቶም ሓላላት ቀትሪ ዝዓረቡ?

 

ዕንባባ ዶ ተጸበዩ ወውቅቡ

ጎላዕላዕ ዝበለ ደሞም ተመጊቡ

ወይስ ኣጊሙዎም ቃላትካ ምቝላቡ

ምእማን ሰኣኑዎ ታሪኽና ንባቡ?

 

ኣንታ ወዲ ዓሊ፣ ንገረና ‘ባ?

ሓቂ ትሕቲ መሬት እታ ዝርካባ፣

መዓስ ጠፊኡና ሓሶት ልዕሊ መሬት

ከምዘጻግመካ ኣብ ስፍራ ቅኑዓት፣

ግን በጃኻ!

ጽምም ኢልካ ምቐለና ወረ

ዋላ ኣይለኸፍ መሪሩ ካብ ዕረ

ኣስትየና ንጽፉ ሕሉቡ

ዘይካባና ‘ዩ ነጢቡ

ዋላ ደም የንብዓና፣ ዓቕልና ኣጻቢቡ

ናባና ምለሶ ከፊኡ ወቂቡ

ጨንፈርና ‘ንድዩ ጭብጫቡ፣ ንሕና ‘ንዲና ገረቡ ።

ኣብታ ቀዳመይቲ ምዕራፍ

ናይ’ታ ቀዳመይቲ መጽሓፍ፣

እኪተ – ኢሳይያስ ዘርእስቱ

ምስ ኣዘንተኻለኦም ሕስዳኑ ጥልመቱ

ሕድሮም ተኸዲዑ ሓጥያት ምስ ሰምዑ

እንታይ ደኣ በሉ ‘ቶም ጻድቃናት ሽዑ?

 

ተቐዳደሙ ዶ ‘ንታ ናብ ኣፍደገ መቓብር

‘ተረኸቡ መሳልል ናብ ዓለም ዘቐልቅል

ወይ ሕነ ክፈድዩ ወይ ክገንሑ ሲኦል፣

እቲ ናሕሲ መሬት ከ ኣጽምቶም ዝጾሮ

ተሾሽ ተሾሽ ዶ በለ ኮኾብ ከምዝተወርወሮ?

 

ወዲ ዓሊ ጅግና ተዛረብ በጃኻ

ኣብቲ ደምበ ሓሶት ‘ኳ ሓቂ ‘ተዛረብካ

ኣብ ስፍራ ቅኑዓት ከመይ ኣጊሙካ?

ኣይትእመኖ ከይሲ ሜትካ ‘ንተበለካ

ኣፍካ እንተተዓብሰ ኣይጠፈአን ቃልካ

የዛረበና ‘ሎ ይነብር ሓድግኻ

ኣብ ልቢ ሚልዮናት ብህይወት ኣለኻ።

ተዛረብ ‘ንዶ በጃኻ ኣንጎድጕዶ

ቃላትካ እንተሓሸ ረዲኤት ናይ ማዕዶ

መዓንጣና ኣትቢዑ ንልብና እንተመዓዶ

ነቲ ሓዊ ኢሳይያስ ዝኣጎዶ

ትኪ እንተገበሮ ሰማይ ተወሰዶ

ደበና ቐይሩ ከም ማይ እንተውረዶ

እኽሊ ክነብቍል ምስ ነብሲ ዝቃዶ።

ወዲ ዓሊ ኣንታ ጸዋር ቀንዴል

ተኳስ ሓቂ ጀነራል ናይ መሰል

ኣብቲ ቀላይ በለጽ ኣብቲ ባሕሪ ጥልመት

መርገጽ እግሪ ኴንካ ጥሉል ደሴት፣

ሓቢርካና ኔርካ ናይ ህይወት ኣፋፌት

ሓንጊድና ደኣምበር ተሓሲምና ድሕነት፣

እንሀናልካ ሕጂ በባትር ንዝመት

ምስ ሰብ ተወልዲና ምስ ዓሳ ንምወት

ባሕርን ምድረበዳን ምቅሊቱ የቋምት።

 

ኣየ ‘ወ፣

ዘይርአ ርኢና ጸሊኡልና ኣምላኽ

ዕዳ ፍርሒ መቕጻዕቲ ምንብርካኽ፣

ዕሸላትና ተወሊዶም ከይኣኸለ ዕምሪ

ኣንስትና ሓሪሰን ትሕቲ ባሕሪ

ዕትብተን ኣለሊናዮ ኮይኑ መአሰሪ፣

ኣሕዋትና ምስ ገበራኦ ሰማይ መጽዓሪ

ፓይሎት ገሪሙዎ ኣብ ህዋ በራሪ፣

 

ወስ ‘የ ዘበልኩልካ ወወሰኑ

ናይ ላምፐዱዛ ይጽንሓለይ ብኽዱኑ፣

ኣካልካስ ‘ኳ ተዓቝቡ ኣብ መሬቱ

ኣማኢት ‘ለና ዓዲ ጓና ከርቲቱ

እቶም ቀተልትኻ ብደዎም ዝሞቱ

ርኢናዮም ኢና ምስ ሬሳታት ክማጎቱ፣

 

 

ወዲ ዓሊ፣

ንዮ በሎ ወረይ መርድእ ሕልፈት

ሽክናኻ ከይፍንካሕ ብጭንቀት

እንታይ ‘ሞ ክደግመሉ እልቢ ኣልቦ ጥፍኣት፣

 

ወዲ ዓሊ ጅግና ወዲ ዓሊ ሓጥር

ይሓይሽ ዝበልካዮ ምስ ጀጋኑ ቴሽክል

ምዓስ ጠፊኡና ኣይኮነናን ምስጢር

ንሕመቕ ጸይንካ ሰናይ ከተተግብር

ዓለም ምቕያርካ ዓለምና ክትቅይር

ግቡእ ምፍጻምካ ዘዕበየካ ኣመል

ለካስ ግንባር ኢኻ እተመንጩ ዕድል፣

 

ወይልና ደኣ ንሕና ዝጠፍኣና ንቡር

ምስ ሓረድትና ንውዕል ንሓድር

ንትእዛዝ ምዉታን እሺ ሕራይ ንብል

ስዉኣት ንጽውዕ ረዲኤት መቓብር፣

 

ኣንቱም ህዝቢ’ዛ ናይ ደም ሃገር

እንታይ’ዩ ወሪዱና ኣብ ሰይጣን ዘደበር

እንተተዓሚትካ ‘ኮ ቀትሪ ‘ውን ጸልማትዩ

ካብ ጸሓይ ዝኽወል

ድቃስ ይኣኽለና ሃየ ንበራበር

ሓንጎልና ቋሕ ይበል

ፍጮና ነጕርፎ መልክዕና ይነጸር፣

ምቑሕ ምልኪ ንስበር፣

 

ሓዲኡ ‘ባ ንገበራ ነዛ መሬት

ናይ ሰብ ትኹን ይሕደጋ ኣራዊት

ምዓታ ይወዳእ ትጥዓሞ ቅሳነት፣

በጃ ‘ንዶ ንኾኖ ‘ታ ነዚ ምቕሉል ህዝቢ

ብ 5 ሚልዮን ‘ኮ‘ዩ ካብ ሓደ ዝዓቢ!

 

ደቂ ዓሊ ንኹን ብእልፊ በሽሓት

ጅግና ኣይምለስን’ዩ ናብ ዳግማዊ ህይወት

ታሪኹ’ዩ ሓድጊ ዝኸውን ኣብነት

ጅግና ምዃን’ዩ ዝቐለለ ብልሓት፣

ዘይወርሱ ዘየውርሱ ድንግዛዛ ፍጥረት

በሃማት እንተዄንናስ ኣየናሕስን’ዩ ጥፍኣት

በጃኹም ንለዓል ነነብስና ንሕተት

ኢደይ ኢድካ ንበል ንድሕነትና ንኽተት።

 

ምርልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንወዲ ዓልን ሰማእታት ኤርትራን

ኣማኑኤል ኢያሱ

19 ጥሪ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • ER ITRAWIT January 21, 2014

    Aman,
    Very nice poem I don’t have Enough word to thank you our dear Brother you are voice for voiceless and for everyone of us keep it up!!!!!!!

  • Selomon January 21, 2014

    Top poem Mr Amaniel well done.

  • FitHawi January 22, 2014

    Incredibly Superb!
    Blessed are those who become voice to the voiceless!

  • L.T January 22, 2014

    Selamawit;
    You are absolutely right when it comes to that I’m not good looking and it starts with the preschool,but it worked with the girls becouse I believ in myself..my first girl fríend was Aster and now lives in London then came Fre-Weyni our neigbors and then Maeza,maeza is so cute but “Nigram”(stupid)and is some where in the USA with het son,all three,I had them i was only between 8 and 10 years old

    • Genet February 1, 2014

      Lt
      Typical PFDJ, a moron!

  • selamawit January 22, 2014

    eh? what are talking about??? just ill!

  • Mesinas January 22, 2014

    ሊላይ ዚኾነ ሕልና ዝትንክፍ ናዕታ’ዩ ኣማን። ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ዝተሓቊፈ ስታንዛታት ካብ መጠን ንላዕሊ ብምብዙሑ ግን ሕጊ ግጥሚ ጥሒሱ ኣሎ። ብኡ መጠን ከኣ ዚግብኦ ክብርን ኣድንቖትን ኣጒዲሉ ኣሎ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ሓያል ቀናያይ (ገጣማይ) ስለ ዚኾንካ ግን ደጋጊምካ ግጥምታት ኪትውርቕ እላበወካ።

    ሓውካ መሲናስ

  • salma a. January 28, 2014

    yebel gtmi! kab kanau, emkotu, kab emkotu sfhatu. sfhat bsfhatu dma men mikuanka resika kemtiezem zgebreka ybel zkone kab lbi zwexe gtmi! kexlo, haben hizbi!

POST A COMMENT