Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቱም ኣሕዋት ክፋእና እባ ንጽላእ ካብኡ ዝኸፍእ ከይመጻና !!!

ነዊሕ ከይጸንሐ ድሕሪ ናጽነት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ነበር፡ ንቡር ዝሳኣነ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ገለ ኣካል ሕብረተ ሰብ ክፍጽም ጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ ህዝቢ በቲ ብስርዓት ደርግ ዝራኣዮ ግፍዕታትን ብወረ ዝሰምዖን ካብ መጠን ንላዕሊ ሰንቢሩ ብምንባሩ

ነዊሕ ከይጸንሐ ድሕሪ ናጽነት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ነበር፡ ንቡር ዝሳኣነ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ገለ ኣካል ሕብረተ ሰብ ክፍጽም ጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ ህዝቢ በቲ ብስርዓት ደርግ ዝራኣዮ ግፍዕታትን ብወረ ዝሰምዖን ካብ መጠን ንላዕሊ ሰንቢሩ ብምንባሩ መዕበሲ ኣፍ ዝኸፈተ፡ ክፋእና ኣይንጽናእ ካብኡ ዝኸፍእ ከይመጻና ሃገር ከምይ ኣላድያ መጺኣ ይባሃል እሞ፡ እቲ ዓገብ ክብል ዝፍትን ተገኒሑ ይተርፍ።

ገለ ዓመታት ጸኒሑ መንእሰያት ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘይወጽዎ መጻወድያ ሰብኣዉን ስነኣእምራዉን ግህሰት ምስኣተዉ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ንቡር ዝሳኣነ፡ ስዉርን ግሁድን ዓመጽ ተፈጺሙ። ገለ ዓመታት ተመንየን ዘንወሖኦ ኣጻጉረን ብሓለፍተን ምስ ተላጸያ፡ ክሳብ ክንደይ ድዮም ጸጊቦም ለሙስ ኢሉ ገለ ሕልናን፡ ንእሽቶ ትብዓት ዝነበረቶ ወላዲ ተተዛረበ፡ እቶም ዝበዝሑ ግን ኤእ እዞም ደቅና ድማ ኣብዚሖሞ እዮም ንመንግስቶም ክሰምዑ ኣለዎም፡ ክፋእና ኣይንጽናእ ምባል ቀጺሎሞ። ቀጺሉ ምእሳር ጉጅለ 15ን ጋዜጠኛታት ብሕትን ስዒቡ፡ ቀስ እናበለ ድማ ናብ ተማሃሮን ሲቭልን ቀጺሉ። ክፋእና ኣይንጽላእ ምባል ግና ኣየቃረጸትን። እቲ ኣብዚ ጽሑፈይ ከዝትየሉ ደልየ ዝለኹ ግን፡ ኣዚ ኣታሓሳስባ እዚ እንታይ ዉጽኢት ኣምጺኡ ዝብል እዩ።

እቲ ቀይዲ ዝሳኣነ ከም ባህልን መለይን ህግደፍ ዝኾነ ኣካይዳ ዘስካሕከሖ መንእሰይ በብዝጥዕሞ ክነፍጽ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ክንዲ ህዝብን መንግስትን ብኸመይ ኣካይዳና ኣመሓይሽና መንእሰያትና ንዓቅብ ዝብሉ፡ ስርዓት ህግደፍ ባሮቱ ዝሃደምዎ ጎይታ ብምኻን ንወለዲ ኣምሳያ ክሓቶም ተራእዩ፥ ሕጂ ዉን ክፋእና ኣይጸላእናን።  ቀጺሉ እቲ ፍጹም ንጥፍኣትና ዝተዓጥቀ ጉጅለ ነቶም ደቆም በብሓደን ብጅምላን ዘጥፍእዎም ደቁ ስኢኑ ከይኣኽሎ፥ ዝባኑ ብዕሩቁ ከብዱ ብጥምዩ ወዲ 70 ብረት ዕጥቅ ተባሂሉ። ብልሽዉና ሳዕሪሩ ዘይኮነስ ቀሪኑ። መርድእ ወረ መርድ ንቡሩ ዜና ኤርትራዉያን ተቀይሩ። ኣዉያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ፈቀዶ ምድረ ዓመጽ ተጋዊሑ። ሎምስ ካብዛ ዘላታ ትኸፍእ እካ ኣይትመጽእን እያ ተባሂሉ።

ኣንተኾነ፡ እቶም ንክፋእ መዳርግቲ ኣልቦ ጉጅለ ሕጂ ዉን መደነቅ ኣይሳኣኑን፡ ከም መቀጸልታ ናይቲ ንምድማይ ህዝቢ ዝተዓጥቅሉ ዕማም ንምስላጥ ኣባይቲ ናይቲ ርሂጸ በላዕ ሓልል ህዝቢ፡ ከብዱ ቀጺዑ ደም ርሂጹ ዘጥረዮ ኣባይቲ ምፍራስ ተዋፊሮም  ይርከቡ። ሕጂ ድማ ከምዚ ጌሮም ኢልና ኣብ ሓድሽ ጓህን ሕርቃንን ተሸሚምና ንርከብ። ጓሂ ዓሻ ረፍደ ረፍዲ ከምዝባሃል ንኹሉ በብ ግዚኡ ዘዉረድዎ ኣደራዕ ብምርሳዕ ወግሐ ጸብሐ ብዝሰማዕናዩ ክፋእ ነስካሕክሕ ኣለና። ክፋእና ከይጸላእናን መግትኢ ከይገበርናሉን ግን ሕጂ ዉን ካብዚ ዝኸፍእ ኣሎ። ምንጪ ክፋእ ከይነቀጸ ብኸመይ ክፈእ ይጠፍእ።

ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስደምም ዜና ምፍራስ ኣባይቲ ክትሰምዕ ከለኻ መን ንመን እዩ ዘፍርሰሉ ዘሎ ትብል። እቲ ዘሕዝን ገረብ ብሓኽላ ምዃኑ እዩ። ሓቂ እዩ፡ እታ ገረብ ዓቅማ ድሩት ክኸዉን ይኽእል እዩ፡ እታ ሓኽሊ ግና ብተዛማዲ ዝሓሸ ዕድል ኣለዋ። ዋላ ቁጽሮም ተዋሓደ ገለ ሰብ ሕልና ኣብ መሳርዕ እዚ ህዝቡ ዘባድም ዘሎ ጉጅለ በዚ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዝፍጸም ዘሎ በደል ማዕሬናን ካባና ንላዕልን ዝሓዝኑ ወገናት ከምዘለዉ ዝሳሓት ኣይኮነን።  ነዚ በዞም ቁንጣሮ ማዕበል ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ተወጢሖም ዝመጹ ሰብ መሰል ተኻሉ ዝፍጸም ዘሎ ሰፍ ዘይብል በደል ብዝግባእ ሓንሳብን ንሓዋሩን መዕረፊ ክገብርሉ ዘለዎም ድማ እዞም ወገናት ኣዚኦም እዮም። ካብ ንመን ክጥዕሞ ዝብል ናይ ዓያሹ ስነመጎት ንላቀቅ፡ መኽንያቱ ዋላ ተተሰደድና ዓዲ ተርሓቅና ተመሊስካ ትረድኦ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ ከምዝባሃል፡ ንድሕሪት ቁሊሕ ምባል ከምዘይተርፍ ንሕና እቶም ኣብ ስደት ንርከብ ንምስክሮ ሓቂ እዩ። ኣብ ዉሽጢ ሃገር ትርከቡ፡ ጸረ ገድልኹም ትጋደሉ ዘለኹም ሰብ ግዜ፡ ግዜ ከለኩም ግዜ ኣይትጸበዩ። ንነብስኹም መርገም ንደቅኹም ዉርደትን ሕስረት ኣይትግደፉ።

እቶም ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኣሕዋት ብወገና፡ ካብ ጸቢብ ናይ ምፍልላይ ኣታሓሳስባ ወጺና፡ ነዚ ናብ መላእ ስድራቤታት ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ መርሆ ዝሳኣነ ጸበባ ብኸመይ ሓቢርና ንቃለሶ ክንሓስብ ይግባእ። ብፍላይ እቶም ብናይ ህግደፍ ሕሱር ፕሮፖጋንዳ ተታሊልኩም ንግዝያዊ ረብሓ ልብኹም ካልእ ኣፍኩም ካልእ ክትዛረቡ ትዉዕሉ ዘለኹ ደቂ ሃገር፡ እዚ ኣንፈቱ ዝሳሓተ መደረጋሕ ጥፍኣት ዝኾነ ጉጅለ ዝናሓፎ ኣዉራጃ ይኹን ዞባ፡ እምነት ወይ ዕድመ የለን። ንሓዉኻ ሸያጢ ሃገሩ ኢልካ ምጥቃን ዕሽነት እዩ። እቲ ዝሸይጥን ዝልዉጥን ሲ፡ እቲ ወናኒ ንብረት እዩ። ሰብ ዘይዉንኖ ክሸይጥ ኣይክእልን እዩ፡ ክሕተት ዘለዎ እምባኣር ንሱ እቲ ሃገር ኩልና ናይ ብሕቱ ጌርዋ ዘሎ ጉጅለ ንሱ ንበይኑ እዩ። ምስመን ኴና ንቃለስ፡ ብኸመይ ንቃለስ፡ ኣበይ ንቃለስ ብዘየገድስ፡ ክንቃለሶ ዘለና ዘየላቡ ሕማም ሃገር ግን ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ልብናን ኣዒንትናን፡ ኣእዛናን፡ ሕልናናን ክንሰሞዖን ከነስተብህለሉን ዘለና፡ ኣብታ መደበር ኩሉ ሕሰም ኮይና ዘላ ሃገርን ዝርከብ ዉጽዕ ህዝብና፡ ዝስማዕ ዘሎ እህህታ ሽማግለታትን፡ ንብዓት ኣዴታትን፡ ጥምየትን ዕርቃን ዘኽታማት ህጻናትናን እዩ ክኸዉን ዝግባእ። ጥንቅሊዒት ኮንካ ተሸኖ ተመሊሱ ናባኻ ከምዝባሃል፡ ሓቂ ኪሒድካ ፍታሕ የለን። በቅሊ ዝሓመመ ብዕራይ ምትካስ፡ መድሃኒት ኣይኮነናን እዩ። ኣብክንዲ እዚኦም እቲኦም ክንብል ግዜ ነሕልፍ ኣነኸ እንታይ ይገብር ኣለኹ ንበል። እቲ ፍታሕ ክፋእና ብሓባር ምጽላእዩ ፡ እንተዘይኮነ፡ ካብኡ ዝኸፍእ ከምዝመጸና ዘጣራጥር የብሉን።

ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ!!!

ኣማን ጎይትኦም (ኤርትራዊ ብሕልና)

04/04/2015 (amang_777@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • mahta April 9, 2015

    Nay behaki bhlna hakegna eritrawi ayewe kulu seb teuy riesi ente zhlwo eritrawi kemzi elu aymtewareden loms xadu xeliomuna berau kbluna hakom eyom meselka bhgi ab adi abkndi mhtatka sdet kemzgbaka gerka mwsad ms mntay ykuxer nay eritrawi wrdet bezihu mskinay wzi woledo
    Bflay wxue bkulu bracizmn bxerfin ms tewarede tray eu zfelto sdet wrdet xelaena yseded.

POST A COMMENT