Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ተቓውሞ ኤርትራ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከካይዱዎ ዝጸንሑ ቃልሲ ሰሚሮም ብኣድማዕነት ንኽቕጽሉዎ ዝዓለመ ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ዝኸፈቶ ዋዕላ ሎሚ ንኻልኣይ መዓልቱ ይቕጽሎ ኣሎ።

  ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ተቓውሞ ኤርትራ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከካይዱዎ ዝጸንሑ ቃልሲ ሰሚሮም ብኣድማዕነት ንኽቕጽሉዎ ዝዓለመ ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን ዝጀመሮ ናይ 3 መዓልቲ ዋዕላ

 

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ተቓውሞ ኤርትራ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከካይዱዎ ዝጸንሑ ቃልሲ ሰሚሮም ብኣድማዕነት ንኽቕጽሉዎ ዝዓለመ ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን ዝጀመሮ ናይ 3 መዓልቲ ዋዕላ ሎሚ ንኻልኣይ መዓልቱ ይቕጽሎ ኣሎ።

ዋዕላ ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ሃገርን ህዝብን ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ብመራሕቲ ሃይማኖት መኽፈቲ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ኤውሮጳ ንዝመጽኡ ተሳተፍቲ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ቃል ሓርበኛታት ኣዴታት ድሕሪ ምስምዑ ድማ፡ ብዛዕባ ‘ቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ስደት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ’ቲ ጉዳይ ብተገዳስነት ብዝንቀሳቐስ ዘሎ ሓው ኣብርሃም ጸብጻብ ቀሪቡ። ወከልቲ ውድባትን ማሕበራትን ዝርከቡዎም ተሳተፍቲ ድማ ኣከታቲሎም ናይ ደገፍ መደረታት ኣስሚዖም።

ዋዕላ ንቕሎ ኣዴታት ሎሚ ካብ ንጉሆ ኣትሒዙ፡ ኣብ ዘካይዶ ወርክ ሾፕ፡ ንዕርቂ፡ ዓይነት መሪሕነት፡ ዲፕሎማሲ፡ ከምኡ ‘ውን ባወሃሃዲት ኣካል ንቕሎ ኣዴታት ዝተዳለወ መጽናዕቲ ሰሚዑ ክሳተየሉ እዩ። ንምሸቱ ድማ ውጽኢት ዎርክ ሾፕ ወይ ዓውደ መጽናዕቲ ከጽድቕ ትጽቢት ይግበረሉ።

ጽባሕ ሰንበት ኣብ ዝገብሮ መዛዘሚ ዋዕላ ድማ፡ ንቕሎ ኣዴታት ንድሕነት ሃገርን ህዝብን መራሕቱ መሪጹ ደምዳዊ መግለጺ ክህብ እዩ።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Zeregabir Teaghes August 24, 2019

    If one wants Peace then he/she must get prepared for war.
    Thus we ought to start armed struggle on the Woyanes of Eritrea.

    • Wedi Hagher August 24, 2019

      if you want peace forget about Weyane.
      Remove the doomsday clique you have at home from the stage.
      Implicating neighbors in your business complicates things.
      Woyanes should mind their business, and we need to deal with them as neighbors and keep them at the arm’s length from our issues.

POST A COMMENT