Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ህዩስተን ዝርከቡ ምእመን ቅዱስ ገብርኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶስክ፡ ብቀዳም 27 ሓምለ 2019 ሓዲሽ ቤተ ክርስትያን ኣመሪቖም ንህዝባዊ ኣገልግሎት ከፊቶም።

  እቲ 1.2 ቃጽዖ ((Acre) ትርቢዒት ሜትሮ) ዝስፍሓቱ መሬትን ቤተክርስትያንን፡ 6 ሚእቲ ሽሕ ዶላር ከምዘውጽአ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣባላት ቅዱስ ገብርኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ሓድሽ ህንጻ ዝዓደግሉ ምኽንያት፡ ካብቲ ናይ ባዕሎም ዝነበረ ብደብረ እየሱስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶስ

 

እቲ 1.2 ቃጽዖ ((Acre) ትርቢዒት ሜትሮ) ዝስፍሓቱ መሬትን ቤተክርስትያንን፡ 6 ሚእቲ ሽሕ ዶላር ከምዘውጽአ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣባላት ቅዱስ ገብርኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ሓድሽ ህንጻ ዝዓደግሉ ምኽንያት፡ ካብቲ ናይ ባዕሎም ዝነበረ ብደብረ እየሱስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ህዩስተን ብዕሱባት ስርዓት ህግደፍ ኣብ መወዳእታ 2013 ዓ.ም.  ስደት ስለ ዘጓነፎም እዩ።

መብዛሕትኦም ኣባላት ቅዱስ ገብርኤል ካብ ደብረ እየሱስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያ ዝወጽሉ ምኽንያት፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ቀንዲ ልኡኽ ህግደፍ ዝነበረ ቀሺ ኣብርሃም ሃይለ፡ ንኣካየድ’ትን  ምእመንን  ደብረ እየሱስ ዝነበሩ ብውዲት ብኣውራጃን ሻራን ከሲሱ ካብ ሓላፍነቶም ኣውሪዱ ንዑዑ ዝድግፉዎ ሰባት ብምትክኡ እዩ።

ቀሺ ኣብርሃም ሃይለ ብጾቱን ብዙሕ ከይጸንሑ፡ ብኣባላት መኸተ ህግደፍ ተገፊዖም ካብ’ታ ደብረ እየሱስ ቤተክርስትያን ተሲጎጎም ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ናይ ባዕሎም ቤተክርስትያን መስሪቶም ኣለዉ።

ስርዓት ህግደፍ ብዝተኸተሎ ናይ ምክፍፍል ሽርሒ፡ ኣብ ህዩስተን ዝነብር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝነበሮ ሓድነትን ስኒትን ፈሪሱ ጸኒሑ እዩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ዘይተደልየ ብዙሕ ባእሲን ቅርሕትን ዘለዎ ናይ ሂወት ተመኵሮ ከሕልፍ ተገዲዱ እዩ። ኣብ’ቲ ካብ 2013 ክሳብ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳይ፡ ብኽልቲኡ ወገን ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ዶላርን፡ እዚ  ዘይበሃል ጊዜን ጉልበትን ኤርትራውን ባኺኑ እዩ። ከም መወዳእታ ከኣ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ህዩስተን 3 ሰለስተ ኣብያተ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ተፈጥረን ኣለዋ።

እዚ ሎሚ ተኸፊቱ ዘሎ ሓዲሽ ህንጻ፡ እቶም ብሓቂን ብመንፈስን ንኣምላኾም ከምልኹ ዝደልዩ ኣባላት ቅዱስ ገብርኤል ናይ ኤርትራ ቤተክርስትያን፡ ከምኡ’ውን እቶም ናይ ብሓቂ ሰላምን ፍቕሪን፡ ፍትሒን ሓድነትን ዝደልዩ ኤርትራውያን ናትና ዝብልዎ መጽለሊ ረኺቦም ኣለዉ። ኣብ ግዜ ሓዘንን ጓሂን ከኣ ብነጻነት ዝራኸብሉ ዳስ ክኾኖም እዩ። ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሮም ከኣ እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ንኽራይ ዝኸፍልዎ ዝነበሩ ወጻኢታት ብኸፊል ኣብ ናይ ባዕሎም መዓላ ክውዕልዎ ክጅሙሩ እዮም።

ኣብ’ቲ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ መመረቕታ፡ ታቦት ኣትዩ፡ ዋዜማ፡ ስባሕት፡ ጸሎት ቅዳሴን ስብከተ ወንጌል፡ መንፈሳዊ መዝሙርን ናይ ምሳሕ እንግዶት ዘማለአ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ነቲ ቤተክርስትያን ዝኸውን 17 ሽሕ ክዋጻእ ከሎ፡ ብርክት ዝበሉ፡ መሓዙት ኢትዮጵያውያንን ከኣ ተረኺቦም ነይሮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT