ብድሆ ንጌዴዎን ኣባይ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት።
ብድሆ ንጌዴዎን ኣባይ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት። ጌደዎን ኣባይ ኣብቲ ብህግደፍ ዝተውደበ ኣኼባ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ወካሊ ሃይማኖታት ኤርትራ ኮይኑ እዩ ክምድር ውዒሉ። ካብቲ ብዙሕ ናይ ሃለውለው መደረታቱ፣ ኤርትራዊ መንነት ብሃይማኖት ኣመልኪቱ “ካብ ምስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ
ብድሆ ንጌዴዎን ኣባይ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት።
ጌደዎን ኣባይ ኣብቲ ብህግደፍ ዝተውደበ ኣኼባ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ወካሊ ሃይማኖታት ኤርትራ ኮይኑ እዩ ክምድር ውዒሉ።
ካብቲ ብዙሕ ናይ ሃለውለው መደረታቱ፣ ኤርትራዊ መንነት ብሃይማኖት ኣመልኪቱ “ካብ ምስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓውካ ምስ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ሽወደን ዘሎ ወዲ ሃይማኖትካ ሕውነት ምግባር፣ ኤርትራዊ መንነት ምህሳስ እዩ።
ንምንታይ ምስ ኢትዮጵያዊ ትግራዋይ ኣምሓራይ ኣምልኽ ትበሃል? ምስኦም ምምላኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ምህሳስ እዩ። ምስ ኬንያዊ ላይበርያዊ ዘይተምልኽ? ኤርትራዊ መንነት፣ ናብ ግብጺ ኣይሽየጥ፣ ናብ ኢትዮጵያ ኣይልወጥ፣ እዚ ቀሺ ይበሎ ሼኽ ይበሎ ኣይቅየርን እዩ።”
እስኪ ብዛዕባ ጌደዎን መን እዩ ብዙሕ ዘየገድስ ጉዳይ እኳ እንተ ኾነ፣ ኤርትራዊ መንነት ምስ ሃይማኖት ኣልዒሉ ክዝትን ክምድርን ግን ብሞራላዊ ይኹን ተግባራዊ ፈጺሙ ዘይምልከቶ ሰብ እዩ።
ምስ መዕበያኻ ጥፋእ፣ ዝበሃል ምስላ ምስ እዞም ክቡራት ወለዲ ከም ክቡር ኣቶ ኣስመሮም ኣባሓጎ ጌደዎን ብኦርቶዶክሳዊ እምነቶምን ስነ ስርዓቶምን ዝተፈልጡ ክቡርን ወረጃን ኣቦ ከይንትንክፍ ኣዚና ምጥንቃቕ ስለ ዘድልየና፣ ነቶም ብኽቡሮም ክብሪ ሰብን ክብረቶምን ዝሓለዉ፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ጌደዎን ዘሎና ኣኽብሮት ኣብ ቦትኡ እዩ ምስ ዘይመላዕልትካ ምልዓል ግቡእ ኣይኮነን።
ጌደዎን፣ እሞ በል ኣብ እቲ ደንቆሮን ነውራምን ኣበሃህላኻ ክንምለስ፣ ምስ ዝመስለካ ሃይማኖት ምምላኽ ኤርትራዊ መንነትም ምድምሳስ እንተ ኮይኑ፣ ንምዃኑ ኤርትራዊ መንነት ምስ ሃይማኖት ዝተኣሳሰር እንተ ኮይኑ፣ እቲ ጎይቶትካ በዓል ኢሳያስን ክሻን ፣ ነቲ ንስኻ ተምልኸሉ ዝነበርካ ሓቀኛ ሃይማኖት ኢልካ ኣሚንካ ተወሊድካ ዝዓበኻሉ፣ ናይ ኣድቨንቲስት ሃይማኖት ብቀዳማይ ደረጃ ድሕሪ ናጽነት ምዕጻዎምን ንስኻን ደቂ ሃይማኖትካን ከይትጽልዩ፣ ከይትእከቡ፣ ዝዓሸግዎ፣ ኤርትራዊ መንነት ንምህሳስ ዝኹስኩስ እዩ ነይሩ ማለት ድዩ? እሞ ንስኻ ደኣ ካብዚ ዒላ እዚ ቀዲሕካ ዝሰተኻ ብከመይ ኢኻ ሕጂ ኤርትራዊ መንነቱ ዘይሃሰሰን ዘይተበከለን ክትውንን? ብርግጽ ኣድቨንቲስት ሃይማኖት ጸረ ሃገር ኣይኮነን ኮይኑውን ኣይፈልጥን፣ ክንደይ ለባማትን ወረጃታትን ዘለውዎ ሃይማኖት ክንደይ ሊቅውንቲ ንሃገሮም ዝተሰውኡሉ ሃይማኖት እዩ።
ሓቂ እዩ ኤርትራዊ መንነት ምስ ብዙሕ ባህልን ስርዓታትን ሃይማኖታት እንዳባ ምትሕሓዛ ኣለዎ። ሓቢርካ ስዋ ዝክር ምስታይ፣ ህድሞ ክትድብድብ ኣደይ ማርያም ሓግዛና ናይ ወፈራ፣ ወዘተ… እሞ ንስኻ ደኣ ኣብ ባይቶ ዓዲ ኣቦኻ ስዋ ዝክር ኣይጠዓምካ፣ ማርያም ሓግዝና ኢልካ ወፈራ ኣይወፈርካ፣ ከምይሲ ውጂ (ውጂ ማለት ውጹእ ውጉዝ ፍሉይ ማለት እዩ) ኢኻ ብሃይማኖትካ፣ ብኣየናይ ምዕቀኒ ደኣ እሞ ንስኻ ብዛዕባ ሃይማኖት ተዋህዶ ክትዝትን ክትምድርን መሰልን ግቡእን ዘሎካ?
ምስ ወዲ ሃይማኖትካ ብፍላይ ድማ ምስ ግብጻውን ኢትዮጵያውን ሓቢርካ ምምላኽ ክድዓት ሃገርን፣ ኤርትራዊ መንነትን ምህሳስ እዩ ኢልካዮ፣ ምስ ወዲ ኣድቨንቲስት ወዲ ሽወደን ምምላኽ ግን ንኣኻን ንመሰልትኻን ሓላልን ኤርትራዊ ክብረትን እዩ ማለት ድዩ? ወይስ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ረጽሚ ንምፍጣር እትምህዝዎ ዘሎኹም ህግደፍውያን እዩ?
ኤርትራውያን ኣመንቲ ካቶሊኽ’ውን ኣለዉ፣ ፖፕ ናቶም ኤርትራዊ ኣይኮኑን ኣብ ኤርትራ’ውን የለውን፣ ኣብ ሮማ ኮይኖም ግን ንኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣመንቲ ካቶሊኽ ሃይማኖት ይእዝዝዎም፣ እሞ እቶም ኤርትራውያን ካቶሊክ ዘይወዲዓዶም ፖፕ ስለ ዝኣዘዞም ኤርትራውያን ኣይኮኑን ማለትካ ድዩ? ካባኻ ንላዕሊ ኤርትራውያን እምበር ዝሰንከሉን ዝተሰውኡን ዘይተሓብኡን ጋሻ ጸልማትን ብርሃን ዘእንገዱ ሃገራውያን።
ዓላማን ተልእኾን መደረኻን፣ ንመን ንምጥቃዕን ንምህሳይን ዝዓለመ ምዃኑ፣ ዋላኳ ስም እንተዘይጠቐስካ፣ ብቐጥታ ንናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ኣመንቲ ኢኻ ትጸርፍን ትዝልፍን ዘሎኻ። ምኽንያቱ፣ ብዙሕ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊ ብምዃኑ ብቐጥታ ሃይማኖቱ ብሰንሰለት ብግብጺ ስለ ዝመጾ፣ ዝበዝሐ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብሃይማኖት ሕብረትን ሓድነትን ዘለዎ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብምህላዉ፣ ሓደ ቋንቋ ግእዝ ሓደ ስርዓት ኣምልኾ ስለ ዝኽተል፣ ኣብ ሓደ መቕደስ ይቕድስ፣ ሓደ ኣምላኽ የምልኽ ማለት ገበን ኣይኮነን። ኤርትራዊ ኣስላማይ ምስ ወዲ ስዑዲ ኣስላማይ፣ ኤትራዊ ካቶሊኽ ምስ ጣልያናዊ ካቶሊኽ ኤርትራዊ ፕሮትስታንት፣ ምስ ስዊድናዊ ፕሮትስታንት ሓቢሩ እንተ ኣምለኸ፣ ገበንን ኣበሳን ክሳብ ዘይኮነ፣ ከመይ ኢሉ ንኤርትራዊ ኦርቶዶክስ ምስ ግብጻዊ ወይ ኢትዮጵያዊ ኦርቶዶክስ እንተ ኣምለኸ፣ ሃገራዊ ክድዓትን ኤርትራዊ መንነት ምጥፋእን ይኾኖ? እቲ ነገር ንጹር እዩ። ፖለቲካዊ መኸወልን መጋረጃን ገርካ፣ ንሃይማኖት ተዋህዶ በይኑ ንምንጻሉን ንምውቅዑን እትገብሮ ዘሎኻ መልእኽቲ ጎይቶትካ ምዃኑ፣ ይትረፍ ወዲ እቲ ሃይማኖት፣ ከምዚ ከማኻ ናይ ወለዶታቶም እምነት ረጊጾም ዝኸዱ ውጅታት’ውን ዝጠፍኦም ኣይመስለናን።
ኤርትራዊ መንነት ብቓልስን መስዋእትን ዝመጸ ምዃኑ ክትገልጽ ፈቲንካ። እወ ሓቂ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ካብ 2-8 ስውኣት፣ ካብ 2-5 ስንኩላት፣ እንዳ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ገዛ፣ ተኸፊሉ እዚ ግን ብጀካ ገዛኹምን እንዳ ኣቶ ገብሪሂወት ኣቦ ሓጎስ ኪሻን ማለት እዩ። ጌደዎን ንስኻ ከም ሰብ ነዚ ቃላት እዚ ይትረፍ ክትዛረቦ ሰባት ክዛረብዎ እንከለዉ ናይ ብሓቂ ምስ ልብኻ እንተሊኻ ክትሓፍረሉን ክትሽቑረረሉን ዘለካ እዩ። ከመይሲ ሰብ ክቃለስ ኣይተቓለስካ፣ ሰብ ክስዋእ ክስንክል ይትረፍ ክትስዋእ ክትስንክልሲ ጨና ባሩድ ኣይሸተተካን ኣይትፍልጦን። ብሰንክኻ ደኣ ካልኦት ከይንልክም እምበር፣ ኩሉ ኤርትራዊ ጓለየ ወደየ ኢሉ ክበኪ ክሓዝን መስዋእቲ ደቁ ክሰምዕ፣ ስንኩላን ደቁ ክቕበል፣ ኣቦኻን ኣዴኻን ብመስዋእቲ ደቆም ጓለየ ወደየ ኢሎም ዶ ሓዚኖም? ብኣብ ኲናት ዝሰንከሉ ደቆም ብቓንዛ ስንክልንኦም ዶ ነቢዖምን ተሰቂቖምን? ገዛኹም ስእሊ ስውእ ሓውካ ወይ ሓፍትኻ ተሰቒልዎዶ? መልስኻ ኣይተሰቐሎን እዩ። መን ኢኻ ደኣ እሞ ሕጂ ቀውዒ ሰፍኢ ስለ ዘቐበልካ፣ ቀላሲ ኮንካ ብዛዕባ መንነት ኤርትራ ክትዛረብ? ዓሻስ ክንዲ ዝስተር ይግተር ከም ዝበሃል ዘይትሓፍር ዘይትሓንኽከ? ስቕ መን ከልኣካ፣ መን ከብድኻ ጠወቐካ፣ ብመስዋእቲን ስንክልናን ዝኽትምናን ካልኦት ክትወራዘን ኤርትራዊ መንነት ከተጥሪ ትፍትን?
ንምዃኑ መእሰይ ኤርትራ፣ ኣረገውቲ ወለዱ ብዘይጠዋሪ ሓዲጉ፣ ኣፍ ዘየጽረዩ ህዛናት ራሕሪሑ፣ ቁንጭልጭል ዝብላ ጎራዙ መርዑ ጠንጢኑ፣ ዝመሃር ትምህርቱ ኣቋሪጹ፣ ካብ ጥዑም ናብራን ትምህርትን ካብ ኣሜሪካን አውሮጳን ናብ ሜዳ ኤርትራ ክውሕዝ እንከሎ፣ ንስኻ ኣበይ ነርካ? መልስኻ ኣብ ኣመሪካ ተሓቢአ ይመሃር ነይረ ከም ዝኸውን ኣይጠራጠርን። እሞ ደኣ ብዋጋ መን ኢኻ ሕጂ ኤርትራዊ ክትከውን? ወለዶ ጸብጺብካ? ብዘይናትካ መስዋእትን ስንክልናን ብናይ ካልኦት ንስኻ ከተጋይጽ? ነውሪ!
ካልእ ካብቲ ዘገርም፣ ዘረባ ጎይቶትካ ኢኻ ትደግም ነርካ። መንእሰያት ኤርትራ ኣመሪካ ተህድሞም ኣላ እዩ። ኣበይ ኮይኑ እዩ ዝብሎ ዘሎ እዚ ቃል ዘገርም ኣብ ኣሜሪካ ኮይኑ እዩ? ኣመሪካ እንታይ ክትገብር መጺእካ? ርስቲ ኣቦኻ ድዩ ጉልቲ ኣቦኻ? ረጒድ እንጌራ ክትበልዕ፣ ደቅኻ ኣብ ዝሓሸን ዝበለጸን ትምህርቲ ክመሃሩ እሞ ኣብ ዝሓሸ ናብራ ክነብሩ ዶ ኣይኮንካን? ስለምንታይ እዚ ዕድል እዚ ንኹሉ ኤርትራዊ ክኾነሉ ዘይትምነ? ካብቲ ሓሳድ ጠበቓ ዝበልካዮ ደኣ እሞ ብምንታይ ኢኻ ክትፍለ?
ኤርትራ ገነት ከም ዝኾነት ኣምሲልካ ክትገልጻ ትፍትን፣ ኤርትራዊ ግን ኣብ መዋእላት ከምዚ ዓይነት ናይ ምድሪ ገሃነም ሃገር ገጢማቶ ኣይትፈልጥን፣ ቁጽሪ እምበር ታሪኽ ስለ ዘትፈልጥ ግን ንምርድኡ ንኣኻ ከቢድ እዩ። ሓንቲ መዓልቲ ብዛዕባ እዚ ዝጸንት ዘሎ ወለዶን፣ ኣብ ምድሪ በዳታት ሲናይ ዝመውት ዘሎ መንእሰይን ተቐንዚኻ ኣይትፈልጥን። ከመይሲ ኣብ ኩርኳሕ መደቀሲኦም ስለ ዘይደቀስካ። መንእሰይ ኤርትራ ሃገሩ ብሰንኪ ከማኻን ንስካን ጎይቶትካን ሲኦል ገሃነመ እሳት ተቐይራቶ፣ ሃጽ ኢሉ ጠፊኡ፣ ኣብ በረኻትታ ሲናይ፣ ብኤሌክትሪክ እናሓረረ፣ ንኣዲኡ ኣደይ ይቃጸል ኣሎኹ፣ ርድእኒ ኢሉ፣ ኣውያቱ ኣብ እዝና ከስምዓ፣ ኣውያት ወዳ ወይ ጓላ፣ ኣዴኻ ኣብ እዝና ኣሎዶ፣ ንስኻኸ፣ ንመውጽኢ ሓውካ ወይ ሓፍትካ ካብ ሲና፣ ዝገብርካዮ ነገር ኣሎዶ? መልስኻ፣ የለን ከመይሲ ኣይንታይካን ስለ ዝኾኑ፣ ሰብ ክቃልስ ንስኻ ትድቅስ ሰብ ክደኪ ንስኻ ብጉልበቶም ትህብትም ስለ ዘሎኻ። ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ስለ ዝኾነ ድማ፣ ጸጊቦም ከም እትብል እግምት። ጽጋቦም ንደቅኻ ይግበሮ ግን መርገም ናብቶም ንጹሃት ከይሓልፍ።
ሓንቲ ነግር ግን ኣይትከወልካ፣ ኩሉ ግዚ ቀትሪ ኮይኑ ዝስምዓካ ዘሎ ምሸትን ጸልማትን ይመጽእ ምህላዉ ኣይትስሓት፣ በዚ ሕጂ ትብድዓሉ ዘለኻ ሃይማኖትን፣ መንእሰይን ትሕተተሉ እዋን ከም ዘሎ። ካም ቃንዛ ኩርምቲ ከደቅሰካ ከም ዘይብሉ አዘክረካ።
ኣድራዕን ብደዐን ከብቅዕ እዩ፣ ዲክታቶርን ሰዓብትን ጸሓዮም ትዓርብ ኣላ። ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ።
ኤርትራዊ ብተግባር።
sembelawi December 17, 2013
ዶክቶር ግደዎን ነዞም ብሽም ሃይማኖት ዝሽቅጡ ዘለዉ እዮ ጠቒሱ። ሃይማኖት ኣብዚ ዘለናዮ ዘበን ከም ናይ ፖለቲካ መሽቀጢ ዪጥቀሙሉ ከም ዘለዉ እዩ ገኢልጹ
። ዘይ ኤርትራውያን ኣብዘይምልከቶም ኣትዮም ህዝቢ ክፈላልዩ ይፍትኑ ኣለዉ እዩ ዝበለ። ደጊምኩም ንበቡዎ
Genet December 17, 2013
ኣብዚ ጊዜ ብሃይማኖት ዝሽቁጡ ዘለዉ ህግደፍ ምኻኖም ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ እዩ። ስለዚ በቲ ኾነ በቲ ናይ ዶክቶር ጊደዎን ዘረባ መእሰሪ ዘይብሉ ሃተፍተፍ እዩ። ቅድሚ ምጽሓፍካ ኣስትውዕል ኣብል ሓደራ። ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ወጻኢ ዘለዉ “ንሓቂ ሓቂ ፣ ንሓሶት ክኣ ሓሶት በሉ” እዮም ዝብሉ ዘለዉ።
ሓፍትኻ ገነት
medhane December 17, 2013
መልሲ ንሰላማዊ።
ኣታ ሓውና ከመይ ድዩ ዘንብብ እቲ ዓይንኻ ወይ ከመይ ድዩ ዝሰምዕ እቲ እዝንኻ።
መን እዮም ብሽም ሃይማኖት ዝሽቅጡ? እንታይ ኢሎም እዮም ዝሽቅጡ። ኣብ ዓኒ ዘሎ ሓበላ ክትሓብእ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ዝበሎ ቃላት ሰሚዕካ እንተ ትጽሕፍ ምሓሸካ።
እንታይ መሰል ኣለዎ ወዲ ኣድበንቲስት ብዛዕባ ተዋህዶ ሃይማኖት ክዛረብ? ንህግደፍ ብካልእ ተደናገጸሎም። ዘይኤርትራውያን ትብል ቃል ኣይተጠቐመን። ስለምንታይ እዮም ኤርትራውያን ምስ ግብጻውያንን ኢትዮጵያውያንን ከምልኹ ዝግበር እዩ ኢሉ። ስለዚ ነቲ ጌጋ ብጌጋ ኣይትሸፍኖ።
ኤርትራዊ ተዋህዶ December 17, 2013
ሰንበላዊ መን ምስኮነ እዩ እዚ ተበላጺ ሓዲስ ምጻእ ኤርትረaዊ ብዛaባ ሃይማኖት ክዛረብ ሕሱር ዕሱብ ወረጃ ማዕዶ ሓርበኛታት ጀጋኑን ዘፍርየ ዉድብ ህዝባዊ ግንባር ብዚኦም በዓል ማንኪ፣ሶፍያ ክትካእ እከጃህ ዶ ኣይኮነን፡፡ ሕጂዉን እታ ጥንታዊት ተዋህዶ ሃይማኖት ብፍላይ ኣብ ሰመን ኣመሪካን ኣዉሮጳን ከማራስሓ ብዚ ኣረመን መራሒን ካህናቱን ሱቕ ኢልና ከምዘንርኢ ክትፈልጥ ይግባእ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ካባ ሕስረት ዝተኰደንኩም ሕጂዉን ክትድገሙ ኢኩም፡፡ ኣብ ዓዲ ፍትሒ ፍርሒ ከተእትዎ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ፡፡
መንኪ ጳጳስ ኮምኒስት ዝሃበኩም መምርሒ ግርም ገርና ፈልጥናዮ ኣሎና፡፡
Tedros December 17, 2013
ኣየ በዓል ሰምበላዊ።
ነብስኹም እናቀሸሽኩምን ንባዕልኹም እናተዓሸኩምን ክትነብሩ፣ ተሕዝኑ ሰባት ኢኹም።
ዓዉ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ተገቲሩ ምስ ኢትዮጵያውያንን ግብጻውያንን እንተ ኣምሊኽኩም ምህሳስ ሃገራውነት እዩ። ዶ ኣይኮነን ዝብል ዘሎ እቲ ንስኻ ዶክተር ኢልካ ትጽውዖ፣ ጓሳ ጓሳ እኳ ዋጋ ዘለዎ ሰብ እዩ። ዑስብ ከዳሚ ኢሳያስ። ብሃይማኖት ሸቐጥ ዝብል በዓል ጎይታኻ ኢሳያስ ዝሽቅጡሉ መታለሊ ቃል ንስኻን ከማኻን ዛህላያት ድማ ዓዲግኩም ኣብ ዕዳጋ ትዝርጉሖሎም።
እምበር ከምቲ ጸሓፊ ገሊጽዎ ዘሎ ብድሆ ንጌደዎን ዓሰባ? ብደም ስዉኣትና ዝሰወደ፣ ተበላጺ ደንቆሮን ንበዓል ንስኻ ናኣሽቱ ኮራኩር።
ናይህግደፍ
Genet December 17, 2013
Is Dr Guidon the only Eritrean intellectual serving the evil dictator? Can we start naming name all the Eritrean intellectuals working with the dictator, to kill off the Eritrean people? I may add, while they are living their lives comfortablly in diaspora. Let us expose all of them. No question, they will be held accountable for their evil actions. I found info. about an Eritrean Dr, held a propaganda retreat for YPFDJ in Chicago Illinois, USA. I will post the info next time. Let us start nameing name the evil dictator’s collaboraters.
Genet
Tes December 17, 2013
I agree with you Genet. This is really good idea. Those (Dr) Gedowon and Sophia are the most notorious ones they came as far as Europe to spread web of lies and deceits. They are low life and embarrassment to the institution which gave them credentials. I am sure this Dr is not a member of any professional body. He is not behaving professionally or shows due care. What amused me is that to read some comments defending those idiots.
Abera December 18, 2013
Dear Genet,
I agree with your idea but i strongly disagree with the word u use ….INTELLECTUAL.
Criteria for intellectual is inter alia to serve your people, if u allow urself to serve a dictator, u r no more in the list of intellectuals. with all respect Geneta.
Genet December 20, 2013
Dear Abera
I stand corrected.
Genet
Truly Truly i say to you December 17, 2013
As we wishes after Isayas regime removal when we establish a democratic civil society, i advice Dr. Gedion Abbay Asmerom to serve at Eritrean univeristy as Mathematics lecturer only. And to Sofia Tesfamariam when our Airlines start functioning, i advice her to serve as travel agent in ticket sales office. Not more in politics to involve.
Tes December 17, 2013
Nononono Mr Truly…It is not that simple to forgive and forget. Justice has to served first. I want them to be thrown into prison or not to come to Eritrea for life. We don’t want them and they are not belong to Eritrea.
Concerned Eritrawi December 18, 2013
Truly,
You are very kind, I like your thinking and you are away ahead of everybody. To be fair and different from the Dictator/regime the new Eritrea should be for every Eritrean unlike the Hegefawian thinking and mind set. However; people should be exposed and charged for their crime first.
Amanuel December 17, 2013
Tes
I hate Issayas, why would I like him? I really get surprised to see people liking/supporting him… but again I ask my self why they like/support him? May be they don’t… Maybe it’s not Issayasw what they like, but it’s the opposition they hate. I hope you are getting my point.
Let’s focus on getting change, and let’s use all our energy for change, not for revenge. Specially at this times in history, let’s ask ourselves what can we learn from Mandela… Forgiveness brother…
sembelawi December 17, 2013
http://www.raimoq.com/dr-ghidewon-powerful-speech-eritrean-identity/
ነዝ መደረ ኣስተውዒልኩም ስምዕዎ። ኣነ ካብዚ ነቒለ እየ መስቲ ጽሑፍ ኣነጻጺረ መሊሰ !!
Asghedom Woldeghiorghis December 17, 2013
I don’t know these man, but he should be most ignorante person on the esrth.
why eritrean Dr. Are always short sited.Some times they fotget that the name eritrea is given by foreigners, it is not eritrean peoples choose.
I am from high land of eritrea, my language is Tigrigna, my religion is Tewahdo haymsnot .
I pray in Giez language because it is my culture, and I am proud of it.
Regarding my religion I am very close to those who pray like me, in this case those eho pray in Gez language this means ethiopians spescially the Tigrians.
Until now, you have citted the high Landers, and the low landers of eritrea saying that italian in 60 years have created eritrean cultur. You are lairs and you still you are laing.
Tigrians are the most Brothers we have,
We are not unite by religion as some one things, with ethiopians spescially the tigrians we are realated by language, by religion and so on.
This Dr, is from the kebesa who lost his culture and anti
Saint Mary “” ZEREMARIAM” normal peopke in eritrea is calling them like this.
He don’ even now the composition of the eritrean people.
Eritrea is un luky country with suvh fske intellectualls.
There is no a country called ethiopia, ethiopia is a name of people not of a country.
if you want to know your country is called for thousand of years the land of Habesha , and you are Habesha than eritrea, and don’t shay to be Habesha and habesha culture.
Asghedom Woldeghiorghis December 17, 2013
I don’t know these man, but he should be most ignorante person on the earth
why eritrean Dr. Are always short sited.Some times they forget that the name eritrea is given by foreigners, it is not eritrean peoples choose.
I am from high land of eritrea, my language is Tigrigna, my religion is Tewahdo haymanot .
I pray in Giez language because it is my culture, and I am proud of it.
Regarding my religion I am very close to those who pray like me, in this case those who pray in Gez language this means ethiopians spescially the Tigrians.
Until now, you have citted the high Landers, and the low landers of eritrea saying that italian in 60 years have created eritrean cultur. You are lairs and you still you are laing.
Tigrians are the most Brothers we have,
We are not unite by religion as some one things, with ethiopians spescially the tigrians we are realated by language, by religion and so on.
This Dr, is from the kebesa who lost his culture and anti
Saint Mary “” ZEREMARIAM” normal peopke in eritrea is calling them like this.
He don’ even now the composition of the eritrean people.
Eritrea is un luck country with such fake intellectualls.
There is no a country called ethiopia, ethiopia is a name of people not of a country.
if you want to know your country is called for thousand of years the land of Habesha , and you are Habesha than eritrea, and don’t shay to be Habesha and habesha culture.