ብድሆ ንጌዴዎን ኣባይ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት።
ብድሆ ንጌዴዎን ኣባይ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት። ጌደዎን ኣባይ ኣብቲ ብህግደፍ ዝተውደበ ኣኼባ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ወካሊ ሃይማኖታት ኤርትራ ኮይኑ እዩ ክምድር ውዒሉ። ካብቲ ብዙሕ ናይ ሃለውለው መደረታቱ፣ ኤርትራዊ መንነት ብሃይማኖት ኣመልኪቱ “ካብ ምስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ
ብድሆ ንጌዴዎን ኣባይ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት።
ጌደዎን ኣባይ ኣብቲ ብህግደፍ ዝተውደበ ኣኼባ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ወካሊ ሃይማኖታት ኤርትራ ኮይኑ እዩ ክምድር ውዒሉ።
ካብቲ ብዙሕ ናይ ሃለውለው መደረታቱ፣ ኤርትራዊ መንነት ብሃይማኖት ኣመልኪቱ “ካብ ምስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓውካ ምስ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ሽወደን ዘሎ ወዲ ሃይማኖትካ ሕውነት ምግባር፣ ኤርትራዊ መንነት ምህሳስ እዩ።
ንምንታይ ምስ ኢትዮጵያዊ ትግራዋይ ኣምሓራይ ኣምልኽ ትበሃል? ምስኦም ምምላኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ምህሳስ እዩ። ምስ ኬንያዊ ላይበርያዊ ዘይተምልኽ? ኤርትራዊ መንነት፣ ናብ ግብጺ ኣይሽየጥ፣ ናብ ኢትዮጵያ ኣይልወጥ፣ እዚ ቀሺ ይበሎ ሼኽ ይበሎ ኣይቅየርን እዩ።”
እስኪ ብዛዕባ ጌደዎን መን እዩ ብዙሕ ዘየገድስ ጉዳይ እኳ እንተ ኾነ፣ ኤርትራዊ መንነት ምስ ሃይማኖት ኣልዒሉ ክዝትን ክምድርን ግን ብሞራላዊ ይኹን ተግባራዊ ፈጺሙ ዘይምልከቶ ሰብ እዩ።
ምስ መዕበያኻ ጥፋእ፣ ዝበሃል ምስላ ምስ እዞም ክቡራት ወለዲ ከም ክቡር ኣቶ ኣስመሮም ኣባሓጎ ጌደዎን ብኦርቶዶክሳዊ እምነቶምን ስነ ስርዓቶምን ዝተፈልጡ ክቡርን ወረጃን ኣቦ ከይንትንክፍ ኣዚና ምጥንቃቕ ስለ ዘድልየና፣ ነቶም ብኽቡሮም ክብሪ ሰብን ክብረቶምን ዝሓለዉ፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ጌደዎን ዘሎና ኣኽብሮት ኣብ ቦትኡ እዩ ምስ ዘይመላዕልትካ ምልዓል ግቡእ ኣይኮነን።
ጌደዎን፣ እሞ በል ኣብ እቲ ደንቆሮን ነውራምን ኣበሃህላኻ ክንምለስ፣ ምስ ዝመስለካ ሃይማኖት ምምላኽ ኤርትራዊ መንነትም ምድምሳስ እንተ ኮይኑ፣ ንምዃኑ ኤርትራዊ መንነት ምስ ሃይማኖት ዝተኣሳሰር እንተ ኮይኑ፣ እቲ ጎይቶትካ በዓል ኢሳያስን ክሻን ፣ ነቲ ንስኻ ተምልኸሉ ዝነበርካ ሓቀኛ ሃይማኖት ኢልካ ኣሚንካ ተወሊድካ ዝዓበኻሉ፣ ናይ ኣድቨንቲስት ሃይማኖት ብቀዳማይ ደረጃ ድሕሪ ናጽነት ምዕጻዎምን ንስኻን ደቂ ሃይማኖትካን ከይትጽልዩ፣ ከይትእከቡ፣ ዝዓሸግዎ፣ ኤርትራዊ መንነት ንምህሳስ ዝኹስኩስ እዩ ነይሩ ማለት ድዩ? እሞ ንስኻ ደኣ ካብዚ ዒላ እዚ ቀዲሕካ ዝሰተኻ ብከመይ ኢኻ ሕጂ ኤርትራዊ መንነቱ ዘይሃሰሰን ዘይተበከለን ክትውንን? ብርግጽ ኣድቨንቲስት ሃይማኖት ጸረ ሃገር ኣይኮነን ኮይኑውን ኣይፈልጥን፣ ክንደይ ለባማትን ወረጃታትን ዘለውዎ ሃይማኖት ክንደይ ሊቅውንቲ ንሃገሮም ዝተሰውኡሉ ሃይማኖት እዩ።
ሓቂ እዩ ኤርትራዊ መንነት ምስ ብዙሕ ባህልን ስርዓታትን ሃይማኖታት እንዳባ ምትሕሓዛ ኣለዎ። ሓቢርካ ስዋ ዝክር ምስታይ፣ ህድሞ ክትድብድብ ኣደይ ማርያም ሓግዛና ናይ ወፈራ፣ ወዘተ… እሞ ንስኻ ደኣ ኣብ ባይቶ ዓዲ ኣቦኻ ስዋ ዝክር ኣይጠዓምካ፣ ማርያም ሓግዝና ኢልካ ወፈራ ኣይወፈርካ፣ ከምይሲ ውጂ (ውጂ ማለት ውጹእ ውጉዝ ፍሉይ ማለት እዩ) ኢኻ ብሃይማኖትካ፣ ብኣየናይ ምዕቀኒ ደኣ እሞ ንስኻ ብዛዕባ ሃይማኖት ተዋህዶ ክትዝትን ክትምድርን መሰልን ግቡእን ዘሎካ?
ምስ ወዲ ሃይማኖትካ ብፍላይ ድማ ምስ ግብጻውን ኢትዮጵያውን ሓቢርካ ምምላኽ ክድዓት ሃገርን፣ ኤርትራዊ መንነትን ምህሳስ እዩ ኢልካዮ፣ ምስ ወዲ ኣድቨንቲስት ወዲ ሽወደን ምምላኽ ግን ንኣኻን ንመሰልትኻን ሓላልን ኤርትራዊ ክብረትን እዩ ማለት ድዩ? ወይስ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ረጽሚ ንምፍጣር እትምህዝዎ ዘሎኹም ህግደፍውያን እዩ?
ኤርትራውያን ኣመንቲ ካቶሊኽ’ውን ኣለዉ፣ ፖፕ ናቶም ኤርትራዊ ኣይኮኑን ኣብ ኤርትራ’ውን የለውን፣ ኣብ ሮማ ኮይኖም ግን ንኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣመንቲ ካቶሊኽ ሃይማኖት ይእዝዝዎም፣ እሞ እቶም ኤርትራውያን ካቶሊክ ዘይወዲዓዶም ፖፕ ስለ ዝኣዘዞም ኤርትራውያን ኣይኮኑን ማለትካ ድዩ? ካባኻ ንላዕሊ ኤርትራውያን እምበር ዝሰንከሉን ዝተሰውኡን ዘይተሓብኡን ጋሻ ጸልማትን ብርሃን ዘእንገዱ ሃገራውያን።
ዓላማን ተልእኾን መደረኻን፣ ንመን ንምጥቃዕን ንምህሳይን ዝዓለመ ምዃኑ፣ ዋላኳ ስም እንተዘይጠቐስካ፣ ብቐጥታ ንናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ኣመንቲ ኢኻ ትጸርፍን ትዝልፍን ዘሎኻ። ምኽንያቱ፣ ብዙሕ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊ ብምዃኑ ብቐጥታ ሃይማኖቱ ብሰንሰለት ብግብጺ ስለ ዝመጾ፣ ዝበዝሐ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብሃይማኖት ሕብረትን ሓድነትን ዘለዎ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብምህላዉ፣ ሓደ ቋንቋ ግእዝ ሓደ ስርዓት ኣምልኾ ስለ ዝኽተል፣ ኣብ ሓደ መቕደስ ይቕድስ፣ ሓደ ኣምላኽ የምልኽ ማለት ገበን ኣይኮነን። ኤርትራዊ ኣስላማይ ምስ ወዲ ስዑዲ ኣስላማይ፣ ኤትራዊ ካቶሊኽ ምስ ጣልያናዊ ካቶሊኽ ኤርትራዊ ፕሮትስታንት፣ ምስ ስዊድናዊ ፕሮትስታንት ሓቢሩ እንተ ኣምለኸ፣ ገበንን ኣበሳን ክሳብ ዘይኮነ፣ ከመይ ኢሉ ንኤርትራዊ ኦርቶዶክስ ምስ ግብጻዊ ወይ ኢትዮጵያዊ ኦርቶዶክስ እንተ ኣምለኸ፣ ሃገራዊ ክድዓትን ኤርትራዊ መንነት ምጥፋእን ይኾኖ? እቲ ነገር ንጹር እዩ። ፖለቲካዊ መኸወልን መጋረጃን ገርካ፣ ንሃይማኖት ተዋህዶ በይኑ ንምንጻሉን ንምውቅዑን እትገብሮ ዘሎኻ መልእኽቲ ጎይቶትካ ምዃኑ፣ ይትረፍ ወዲ እቲ ሃይማኖት፣ ከምዚ ከማኻ ናይ ወለዶታቶም እምነት ረጊጾም ዝኸዱ ውጅታት’ውን ዝጠፍኦም ኣይመስለናን።
ኤርትራዊ መንነት ብቓልስን መስዋእትን ዝመጸ ምዃኑ ክትገልጽ ፈቲንካ። እወ ሓቂ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ካብ 2-8 ስውኣት፣ ካብ 2-5 ስንኩላት፣ እንዳ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ገዛ፣ ተኸፊሉ እዚ ግን ብጀካ ገዛኹምን እንዳ ኣቶ ገብሪሂወት ኣቦ ሓጎስ ኪሻን ማለት እዩ። ጌደዎን ንስኻ ከም ሰብ ነዚ ቃላት እዚ ይትረፍ ክትዛረቦ ሰባት ክዛረብዎ እንከለዉ ናይ ብሓቂ ምስ ልብኻ እንተሊኻ ክትሓፍረሉን ክትሽቑረረሉን ዘለካ እዩ። ከመይሲ ሰብ ክቃለስ ኣይተቓለስካ፣ ሰብ ክስዋእ ክስንክል ይትረፍ ክትስዋእ ክትስንክልሲ ጨና ባሩድ ኣይሸተተካን ኣይትፍልጦን። ብሰንክኻ ደኣ ካልኦት ከይንልክም እምበር፣ ኩሉ ኤርትራዊ ጓለየ ወደየ ኢሉ ክበኪ ክሓዝን መስዋእቲ ደቁ ክሰምዕ፣ ስንኩላን ደቁ ክቕበል፣ ኣቦኻን ኣዴኻን ብመስዋእቲ ደቆም ጓለየ ወደየ ኢሎም ዶ ሓዚኖም? ብኣብ ኲናት ዝሰንከሉ ደቆም ብቓንዛ ስንክልንኦም ዶ ነቢዖምን ተሰቂቖምን? ገዛኹም ስእሊ ስውእ ሓውካ ወይ ሓፍትኻ ተሰቒልዎዶ? መልስኻ ኣይተሰቐሎን እዩ። መን ኢኻ ደኣ እሞ ሕጂ ቀውዒ ሰፍኢ ስለ ዘቐበልካ፣ ቀላሲ ኮንካ ብዛዕባ መንነት ኤርትራ ክትዛረብ? ዓሻስ ክንዲ ዝስተር ይግተር ከም ዝበሃል ዘይትሓፍር ዘይትሓንኽከ? ስቕ መን ከልኣካ፣ መን ከብድኻ ጠወቐካ፣ ብመስዋእቲን ስንክልናን ዝኽትምናን ካልኦት ክትወራዘን ኤርትራዊ መንነት ከተጥሪ ትፍትን?
ንምዃኑ መእሰይ ኤርትራ፣ ኣረገውቲ ወለዱ ብዘይጠዋሪ ሓዲጉ፣ ኣፍ ዘየጽረዩ ህዛናት ራሕሪሑ፣ ቁንጭልጭል ዝብላ ጎራዙ መርዑ ጠንጢኑ፣ ዝመሃር ትምህርቱ ኣቋሪጹ፣ ካብ ጥዑም ናብራን ትምህርትን ካብ ኣሜሪካን አውሮጳን ናብ ሜዳ ኤርትራ ክውሕዝ እንከሎ፣ ንስኻ ኣበይ ነርካ? መልስኻ ኣብ ኣመሪካ ተሓቢአ ይመሃር ነይረ ከም ዝኸውን ኣይጠራጠርን። እሞ ደኣ ብዋጋ መን ኢኻ ሕጂ ኤርትራዊ ክትከውን? ወለዶ ጸብጺብካ? ብዘይናትካ መስዋእትን ስንክልናን ብናይ ካልኦት ንስኻ ከተጋይጽ? ነውሪ!
ካልእ ካብቲ ዘገርም፣ ዘረባ ጎይቶትካ ኢኻ ትደግም ነርካ። መንእሰያት ኤርትራ ኣመሪካ ተህድሞም ኣላ እዩ። ኣበይ ኮይኑ እዩ ዝብሎ ዘሎ እዚ ቃል ዘገርም ኣብ ኣሜሪካ ኮይኑ እዩ? ኣመሪካ እንታይ ክትገብር መጺእካ? ርስቲ ኣቦኻ ድዩ ጉልቲ ኣቦኻ? ረጒድ እንጌራ ክትበልዕ፣ ደቅኻ ኣብ ዝሓሸን ዝበለጸን ትምህርቲ ክመሃሩ እሞ ኣብ ዝሓሸ ናብራ ክነብሩ ዶ ኣይኮንካን? ስለምንታይ እዚ ዕድል እዚ ንኹሉ ኤርትራዊ ክኾነሉ ዘይትምነ? ካብቲ ሓሳድ ጠበቓ ዝበልካዮ ደኣ እሞ ብምንታይ ኢኻ ክትፍለ?
ኤርትራ ገነት ከም ዝኾነት ኣምሲልካ ክትገልጻ ትፍትን፣ ኤርትራዊ ግን ኣብ መዋእላት ከምዚ ዓይነት ናይ ምድሪ ገሃነም ሃገር ገጢማቶ ኣይትፈልጥን፣ ቁጽሪ እምበር ታሪኽ ስለ ዘትፈልጥ ግን ንምርድኡ ንኣኻ ከቢድ እዩ። ሓንቲ መዓልቲ ብዛዕባ እዚ ዝጸንት ዘሎ ወለዶን፣ ኣብ ምድሪ በዳታት ሲናይ ዝመውት ዘሎ መንእሰይን ተቐንዚኻ ኣይትፈልጥን። ከመይሲ ኣብ ኩርኳሕ መደቀሲኦም ስለ ዘይደቀስካ። መንእሰይ ኤርትራ ሃገሩ ብሰንኪ ከማኻን ንስካን ጎይቶትካን ሲኦል ገሃነመ እሳት ተቐይራቶ፣ ሃጽ ኢሉ ጠፊኡ፣ ኣብ በረኻትታ ሲናይ፣ ብኤሌክትሪክ እናሓረረ፣ ንኣዲኡ ኣደይ ይቃጸል ኣሎኹ፣ ርድእኒ ኢሉ፣ ኣውያቱ ኣብ እዝና ከስምዓ፣ ኣውያት ወዳ ወይ ጓላ፣ ኣዴኻ ኣብ እዝና ኣሎዶ፣ ንስኻኸ፣ ንመውጽኢ ሓውካ ወይ ሓፍትካ ካብ ሲና፣ ዝገብርካዮ ነገር ኣሎዶ? መልስኻ፣ የለን ከመይሲ ኣይንታይካን ስለ ዝኾኑ፣ ሰብ ክቃልስ ንስኻ ትድቅስ ሰብ ክደኪ ንስኻ ብጉልበቶም ትህብትም ስለ ዘሎኻ። ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ስለ ዝኾነ ድማ፣ ጸጊቦም ከም እትብል እግምት። ጽጋቦም ንደቅኻ ይግበሮ ግን መርገም ናብቶም ንጹሃት ከይሓልፍ።
ሓንቲ ነግር ግን ኣይትከወልካ፣ ኩሉ ግዚ ቀትሪ ኮይኑ ዝስምዓካ ዘሎ ምሸትን ጸልማትን ይመጽእ ምህላዉ ኣይትስሓት፣ በዚ ሕጂ ትብድዓሉ ዘለኻ ሃይማኖትን፣ መንእሰይን ትሕተተሉ እዋን ከም ዘሎ። ካም ቃንዛ ኩርምቲ ከደቅሰካ ከም ዘይብሉ አዘክረካ።
ኣድራዕን ብደዐን ከብቅዕ እዩ፣ ዲክታቶርን ሰዓብትን ጸሓዮም ትዓርብ ኣላ። ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ።
ኤርትራዊ ብተግባር።
filmon kahsay December 16, 2013
This Idiot is playing by our brothers and sisters blood while living in his comfortable western life. Eritrea will have peace after this dictator and he and Sofia Tesfamariam will pay their dues.Ajokum deki Eri, he sold his soul for the wrong cause. He is donkoro who does not know what is really going on back home. DIA days are numbered….Gidion Abay will cry.
Suleiman Salim December 18, 2013
Filmon,
nay adgi zereba aytzareb:: ‘zi zbleka zeleKu Ertrawi ‘nte koynka ‘yu::
MTYohannes December 16, 2013
This person named Godeon is pseudo-intellectual. Instead of talking shallow,narrow, unrealistic, false and static things, it is better for him to concentrate in his academic endeavours. I don’t know why he has continued embarassing himself by engaging in such low and cheap activties.
I assume he is a college professor focusing on Mathematics. I advise him just to focus on his field and do research to continue building his solid academic development instead of tellng us bogus, ignorant and emotional speeches we don’t expect from a person of his caliber. He should continue doing research, publish to improve his academic performance instead of using his tenure position as a shield to abuse academic responsiblity and nobility. Shame.
Suleiman Salim December 18, 2013
quSri gieru nzeTrTeqa beliH seb’ay aySrefn ‘yu anta Asha::
haile December 16, 2013
The Doctors trial
The Doctors’ Trial (officially United States of America v. Karl Brandt, et al.) was the first of 12 trials for war crimes of German doctors that the United States authorities held in their occupation zone in Nuremberg, Germany after the end of World War II. These trials were held before US military courts, not before the International Military Tribunal, but took place in the same rooms at the Palace of Justice. The trials are collectively known as the “Subsequent Nuremberg Trials”, formally the “Trials of War Criminals before the Nuremberg Military Tribunals” (NMT).
Twenty of the 23 defendants were medical doctors (Viktor Brack, Rudolf Brandt, and Wolfram Sievers were Nazi officials) and were accused of having been involved in Nazi human experimentation and mass murder under the guise of euthanasia. Josef Mengele, one of the leading Nazi doctors, had evaded capture.
The judges in this case, heard before Military Tribunal I, were Walter B. Beals (presiding judge) from Washington, Harold L. Sebring from Florida, and Johnson T. Crawford from Oklahoma, with Victor C. Swearingen, a former special assistant to the Attorney General of the United States, as an alternate judge. The Chief of Counsel for the Prosecution was Telford Taylor and the chief prosecutor was James M. McHaney. The indictment was filed on October 25, 1946; the trial lasted from December 9 that year until August 20, 1947. Of the 23 defendants, seven were acquitted and seven received death sentences; the remainder received prison sentences ranging from 10 years to life imprisonment.
The above piece is taken from http://en.wikipedia.org/wiki/Doctors%27_Trial
Those currently working for the Eritrean killing machine will face the same fate one or the other way.
Senai December 16, 2013
Gidewon Abay (Gureza) is opportunist. Just like the other frontline PFDJ propagandists in the Diaspora, he is trying to be more catholic than the pope by vilifying genuine Eritreans who paid tremendous sacrifice for the cause of Eritrea. Well, the author of the article has said it all. Gidewon Gureza went first to Kenya while most of his classmates and friends saw the suffering of their fellow Eritreans, and the brutality of the Derg regime and opted to join either ELF or EPLF. After Kenya he came to USA to study Math. He doesn’t have a moral ground to undermine the role and the struggle of others. If you ask yourself who are those who are the prime propagandist of the PFDJ in the Diaspora, you’ll likely find out that most of them have never contributed anything during the armed struggle, have identity or religious crisis, and some even have been head’s of youth movement during Derg’s Kebele and stuff.
Suleiman Salim December 18, 2013
nay lieba zereba aytzareb::
weygud December 17, 2013
Gidewon is a staunch bottom dog in PFDJ factory who errands a pack of lies. while his bosses are kissing up the Sudanese and Kenyan authorities to mediate them with Ethiopia, Gidewon is spoiling their futile effort.
Abera December 17, 2013
እዚ ዶክቶር ጊደወን ዚበሃል ዘሎ ናይ ብሓቒ ዶክቶር ዲዩ ዋላስ ሳጉኡ ኢዩ፣ ሓደራኹም ኣረጋግጹለይ።
ናይ ብሓቂ ተማሂሩ ኣምጺእዎ እንተኮይኑ ግን እቲ ዝሃቦ ዩኒቨርስቲ ኪሕተት ኣለዎ እምበር ከምዚ ዓይነት ድንቑርና ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን።
Selam Kidane December 17, 2013
Abera
I think your comment is very funny and legitimate question. But let me assure you he is a doctor. A doctor in mathematics. Your question is legitimate because you have never heard an intellectual advocating for misery but Dr Gidewon does. You have never heard an intellectual speaks something childish. Your general understanding is that intellectuals follow ethics or have moral judgement. Dr Gidewon does not follow all the credits given to intellectuals. Hence he is supporting to someone who is killing his own people. But don’t worry Abera…in society there are always opportunists that sneak through the backdoor when the society is weakened. Once we come to our senses and solve our problem, Dr Gidewon will disappear from the public eye. Think! where was he when gallant Eritrean youth fighting Haileslasie and the Derg? Have you ever heard this man did exist? I don’t think so. Dr Gidewon came to our attention after the crackdown of G15. That was a good opportunity for “Dr” Gidewon to join Isaias’ evil machine. When Isaias is gone Dr Gidewon will be gone for ever.
MightyEmbasoyra December 17, 2013
Amen to that, Selam!
Abera December 17, 2013
Dear Selam Kidane,
Thank u 4 ur comments. I thought it is his nick name. U told me that his PHD is in Mathematics. My expectation from Mathematicians was Logic. Can I guess he graduated without attending Logic courses. So that is his problem, he is frustrated because he is neither in Math nor in religion. He is trying to hide himself in politics. Unwise decision. My sincere advise to him is to be a good MATHEMATICIAN, otherwise he will remain neither, nor.
Kereny December 17, 2013
He is in Eritrea due to JOb Opportunity and awarajawi affair, he is from Karnish. I donot expect him to stand for human right. I know many people from this places are fighting for human right but many are not.
Asefawerhe December 17, 2013
ዝብእስ ኣብዘይፈልጥዎ ቆርበት ኣንፅፉለይ በለ
መቸስ ዝገርም እዩ ብዙሕ ጊዜ ዶ/ር ጊዴዎን ከምዚ ኢሉ ከምዚ ደጊሙ ዝበሃል ነገር ይስማዕ እዩ፡፡ ብሓቂ ንምዝራብ እዚ ዶክትር ዘይሓፍርን ሕልና ዘይብሉን ዶ/ር እዩ፡፡ ስለ ሓቂ ንምዝራብ ክልተ መሰረታዊ ነገራት እዩ ዝኽሕድ ዘሎ፡፡ ቅድም ቀዳድም ንርእሱን ነቲ ዝዓበየሉን ኣብዚ ዘብጽሖን እምነት፤ ሻብዓይቲ መዓልቲ ኣድቬንቲስት፡፡ ከምእውን ነታ ንሱን ወለዱን ቤተ-ሰቡን ዝተዓቆብላ ሃገር ኢትዮጵያ፡፡ ብሓጺሩ ናይ ዶ/ር ጊዴዎን ነገር፤ ” ዝሓለፈሉስ ትንፋስ ሰብ ኣሕለፈ” ዝብሃል እዩ፡፡ ረሲዕዎ ይመስለኒ ተ.ሓ.ኤ. ንደቂ -ወራስን መንደፈራን ሓዊስካ ካብ ምዕራብ ምስ ኣዝለቀት፤ መንእሰያት እርትራ ናብ ሳሕልን ባርካን ከዝልቁ ከለዉ፤ ቤተ-ሰብ እንዳባይ አስመሮም ብትግራይ ኣቢሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዘዝለቁ፡፡ ስለ ሓቂ ንምዝራብ እዚ ቤተ-ሰብ እንዳባይ ኣስመሮም ሳላ () ማሕበረ-ሰብ ሻብዓቲ መዓልቲ ኣድቬንቲስት ኢትዮጵያ እዩ ኣብዚ በጺሖዎ ዘሎ ደረጃ በጺሑ፡፡ “ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር”፤ ዝብልኹም ልክዕ ከምዚ እዩ፡፡ ኣቡኡ ንዶ/ር ጊዴዎን ምስ ሓለፍቲ ናይዚ ማሕበር ኣብ ኤርትራ ስለ ዘይተሰማምዔ፤ ሓኪሉ ናይ ጡሮታ ደመወዙ እናተቀበለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ እዩ ተሓቢኡ ዝነበረ፡፡ ብሓጺሩ ብምሉኡ ቤተ-ሰብ ሳላ እቲ ኣብ መንጎ ማሕበራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ሓድነታዊ እምነት እዮም ኣብዚ በጺሖም፡፡ ንእሽቶ ሓዉ አነንያ ኣባይ ብጂኦሎጂ ተመሪቑ፤ ሳምሶን ኣባይ ከኣ ያውም ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብናይ ክክምና ቀዳማይ ዲግሪ () ተመሪቑ፡፡ ክሳብ ዝወግሓሎም ተመሳሲሎም ምስ ኣመንቲ-ሻብዓይቲ መዓልቲ ኣድቬንቲስት ኢትዮጵያውያን ነቢሮምን ተማሂሮምን፡፡ ሕጂ ነቲ ኣብ እዋን ጸገሙ መዕቆቢ ዝኾኖ ሃገርን ህዝብን ክሒዱ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስቲ ንጊዴዎንን ቤተ-ሰቡን ኣብዚ ንዘብጸሔ ማሕበር ኣጊዱ ዘሎ መንግስቲ ምውድኽዳኹ ዋላ ነቲ እምነቱ እውን ክሒድዎ እዩ ዝኸውን ዘብል እዩ፡፡
Asefawerhe December 17, 2013
ዝብእስ ኣብዘይፈልጥዎ ቆርበት ኣንፅፉለይ በለ
መቸስ ዝገርም እዩ ብዙሕ ጊዜ ዶ/ር ጊዴዎን ከምዚ ኢሉ ከምዚ ደጊሙ ዝበሃል ነገር ይስማዕ እዩ፡፡ ብሓቂ ንምዝራብ እዚ ዶክትር ዘይሓፍርን ሕልና ዘይብሉን ዶ/ር እዩ፡፡ ስለ ሓቂ ንምዝራብ ክልተ መሰረታዊ ነገራት እዩ ዝኽሕድ ዘሎ፡፡ ቅድም ቀዳድም ንርእሱን ነቲ ዝዓበየሉን ኣብዚ ዘብጽሖን እምነት፤ ሻብዓይቲ መዓልቲ ኣድቬንቲስት፡፡ ከምእውን ነታ ንሱን ወለዱን ቤተ-ሰቡን ዝተዓቆብላ ሃገር ኢትዮጵያ፡፡ ብሓጺሩ ናይ ዶ/ር ጊዴዎን ነገር፤ ” ዝሓለፈሉስ ትንፋስ ሰብ ኣሕለፈ” ዝብሃል እዩ፡፡ ረሲዕዎ ይመስለኒ ተ.ሓ.ኤ. ንደቂ -ወራስን መንደፈራን ሓዊስካ ካብ ምዕራብ ምስ ኣዝለቀት፤ መንእሰያት እርትራ ናብ ሳሕልን ባርካን ከዝልቁ ከለዉ፤ ቤተ-ሰብ እንዳባይ አስመሮም ብትግራይ ኣቢሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዘዝለቁ፡፡ ስለ ሓቂ ንምዝራብ እዚ ቤተ-ሰብ እንዳባይ ኣስመሮም ሳላ (Ethiopian Union of Seventh Day Adventist) ማሕበረ-ሰብ ሻብዓቲ መዓልቲ ኣድቬንቲስት ኢትዮጵያ እዩ ኣብዚ በጺሖዎ ዘሎ ደረጃ በጺሑ፡፡ “ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር”፤ ዝብልኹም ልክዕ ከምዚ እዩ፡፡ ኣቡኡ ንዶ/ር ጊዴዎን ምስ ሓለፍቲ ናይዚ ማሕበር ኣብ ኤርትራ ስለ ዘይተሰማምዔ፤ ሓኪሉ ናይ ጡሮታ ደመወዙ እናተቀበለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ እዩ ተሓቢኡ ዝነበረ፡፡ ብሓጺሩ ብምሉኡ ቤተ-ሰብ ሳላ እቲ ኣብ መንጎ ማሕበራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ሓድነታዊ እምነት እዮም ኣብዚ በጺሖም፡፡ ንእሽቶ ሓዉ አነንያ ኣባይ ብጂኦሎጂ ተመሪቑ፤ ሳምሶን ኣባይ ከኣ ያውም ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብናይ ክክምና ቀዳማይ ዲግሪ (B.Sc in Medicine) ተመሪቑ፡፡ ክሳብ ዝወግሓሎም ተመሳሲሎም ምስ ኣመንቲ-ሻብዓይቲ መዓልቲ ኣድቬንቲስት ኢትዮጵያውያን ነቢሮምን ተማሂሮምን፡፡ ሕጂ ነቲ ኣብ እዋን ጸገሙ መዕቆቢ ዝኾኖ ሃገርን ህዝብን ክሒዱ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስቲ ንጊዴዎንን ቤተ-ሰቡን ኣብዚ ንዘብጸሔ ማሕበር ኣጊዱ ዘሎ መንግስቲ ምውድኽዳኹ ዋላ ነቲ እምነቱ እውን ክሒድዎ እዩ ዝኸውን ዘብል እዩ፡፡
ኣሰፋው በርሄ
Abera December 17, 2013
Thank you Asefaw Berhe 4 ur clarifications because it is to know who is the background this nonsense man.
sembelawi December 17, 2013
ትግርኛ ኣንቢቡን ጽሒፉን፣ ስዋስው ናይ ትግርኛ ዝመልኽን ፣ ኤርትራዊ ዶክተር ግደዎን ዝጸሓፎ ብግቡእ ን ኽርዳኦ ዘሸግር ኣይኮነን ። እንተ እቶም ኮነ ኢልካ
ሽም ኤርትራውያን ከተጸልሙ ዝተሳእኩም ግን ቅድም ትሕዝቶ ተረዲእኩም ፣ ርእይቶኹም ተተቕርቡ ተመራጺ ምኾነ ። እቲ ብ መንፋዓቱን ጻዕሩን ደኺሙ ዝበጽሖ
ብመሃይማት ዝድፈር ኣይኮነን ። ዶክተር ግደዎን ሓደ ካብቶም መሪሕ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኤርትራውያን እዩ። ከምዚ ሓደ ክልተ ትጽሕፍዎ ዘለኹም ፡ ናይ ገጠር
ፈላስፋታት ኣይፋል ። ናብ መበል 21 ክፋለ ዘበን ንኽትበጽሑ ነዊሕ መንገዲ ተሪፉኩም ኣሎ ። ጸቢብ ኩርናዕ ኣጠማምታ ሓደገኛ እዩ። ቅድም ዓቕምኹም ፈትሹ
። ኤርትራ ኣፍርያ እያ ። ሳላ ጀጋኑ ከኣ ኣይተደፍረትን። እንተ ቅጫ ባዕዳውያን እንዳጎመድካ ምጥቃው ግን ኣይፋል። ኣብክንዲ ንኻላኦት ኢድ ዊጥ ምባል ክእለት ተሎካ ጽሓፍ። ናይ ፈጠራ ሽም ተጠሚቕካ ግን፠።ምስ ዘርም ዘርሞ እዩ ዘቑጽር። ኤርትራ ዘልኣለም ትንበር።
hanti Ertra December 17, 2013
ሰምበላዊ
ኣብዚ ተጻሒፉ ዘሎ ዓንቀጽ ርእይቶ ኣንበብቲ’ዩ ዝቐርብ ዘሎ እመስለኒ። ርእይቶኻ ግን ብቐንዱ ካብ ከምዚ ዝሓበርክዎ መስመርን መንፈስን ምሕድግ ዝበለ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ብመጀመርያ ርእይቶ ቅድሚ ምሃብካን ኣብ ርእይቶ ናይ ኣንበብቲ ርእይቶ ቅድሚ ምሃብካን ነቲ ምንጪ ክትዕ ኮይኑ ዘሎ ዓንቀጽ ምንባብ ኣገባብ ምኻኑ ተረዳእ። ካልኣይ ነጥቢ ”ናይ ገጠር ፍላስፋታት” ዝብል ኣነኣኣሲ ሓረግ ተጠቒምካ ኣለካ። እሂ ኣብ ገጠር ፍላስፋ የለን እንድዩ? ፍላስፋ ኮ ሓሳቢ ማለት ዩ። ስለዚ ኣብ ገጠር ሓሳቢ የለን ድዩ? ኣብ ርእሲኡ ድማ ”ገጠር” ዝብል ቃል ንማሕበረ-ቁጠባዊ ደረጃ ዳኣምበር ንደረጃን ስፍሓትን ኣተሓሳስስባ ኣይውክልን እዩ። ”ገጠር” ክትብል ከለኻ፥ እሞ ድማ ክሓስብ ዘይክእል ወገን ናይ ሓደ ሃገር ጌርካ ከተቕርቦ ከለኻ ነዚ ኩሉ ለባምን ዓቢ ዓድን ናይ ገጠራትና” ብላሽ” ኢኻ ትብሎ ዘለኻ። 80 ካብ ሚእቲ ናይ ህዝብና ድማ ገጠራዊ ምኻኑ ኣይቲዘንግዕ። እዛ በዓል ግደዎን ዝጻወቱላ ዘለዉ ኤርትራ ንኽትውለድ ውላዱን ሓሳቡን ጸግኡን ዘይከም ናይ በዓል ስድራ ግደዎን ድሕሪት ከይጠመተ ዘበርከተን ድማ’ዩ፥፡ ንተቐማጢ ገጠር ግን እታ ዝሓለማን ዝደኸመላ ኤርትራ ፊት ንፊት ኣይረኸባን፤፥ ከም ናይ በዓል ግደዎንን ሶፍያን ዝኣመሰሉ ናይ ፖለቲካ ኣመንዝራታት ብሑጋ መጺኦም መንጢሎሞ፤፥ ሎሚ ኣብ ገጠራት ኤርትራ እንተትኸይድ፥ ኣሓትና መበላሉ ተቐይረን፥ ግራት ዓድና ቃዲሩ (ሰኣን ሓራሲ ጉልበት)፥ መንፈሱ ሃዲሙ ምረእኣኻዮ፤ ፥ ግን ገጠር ዘቆናጽብ ከምዚ ናትካ ወይ ኤርትራዊ ኣይኮነን ወይ ድማ ከምዚ ናይ ግደዎን ብማዕዶ ኤርትራዊ ዝብል ተበላጺ ጥራይ ዩ፤ ፥ ብርግጽ ድማ ንስኻ ካብቶም ጀጋኑ ናይ መልሓስ እሞ ድማ ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት ጨለታት ኢኻ፤፥ እዚ በዓል ንስኻ ትዝምርዎ፥ ነቶም ኣብ ሰለስተ ወራራት ዝደመና አሕዋትናን መተዓብይትናን ሕልምታቶምን ዝቕረበርና እሞ ተሓሊልና ዓድና ዝገደፍና ሰባት ቃንዛ ልቢ ዩ፥፡ ሕማም ሕልና ዩ፤፥ ክሓፍር ዝግበኦ ዝኾርዓላ፥ ክሕበን ዝግበኦ ዝደነላ ኤርትራ ኣረኪብናኩም ኣለና ዝሓወይ፤፥ ዚተረፈ ሓበን እንተሎ ምስ ደምሂት፥ ምስ ኤርትራውያን ክመስሉና ዝጸንሑ ናይ ቀደም ደምሂት ኮይንኩም ሃየ ተለጋጹላ፤፥ ግደዎን ዝበሃል ናይ ቁጽሪ መምህር፥ እሞ ድማ ንማሕበራዊ ጥንግናግ ናይ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ብማዕዶ ጥራይ ዝፈልጦ፥ ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎ፥ ጨሓም ምሁር ዝመስልሲ ያኢ ምስ በዓል ንስኻ ኮይኑ ክብረት ከምጻኣልና? ካብ ደርሆስ ጸባ፤፥ ብዝኾነ ሃይማኖት ዶብ የብሉን፤ ፥ መንነት ድማ’ዩ፤፥ ኣነ መንነተይ ኤርትራዊ ተዋህዶ የ ዓቢ ሰብ፤፥ ንኤትራዊ ሓወይ፥ ነቲ ኣብ ፈቐዶ በረኻ ምሳይ ከርተት እናበለ ዝወደቐ ድማ ልዑል ኣኽብሮት ኣለኒ፤፥ ነቲ ከምዚ ናይ በዓል ንስኻ ናይ ከንፈር ኣገልጋሊ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ባዕሉ ክዛረቦ እገድፎ፤፥ እዞም ግደዎን ሶፍያ ዚበሃሉ ደናቁር ናይ ፖለቲካ ሸራሙት ግን ከየደናጉሩኻ ሓሰውቲ ዮም፤፥ እመነኒ፤፥ ሓደ ዊን ኣሎ ተስፋይ ኣርዓዶም ዝበሃል ኣረጊት ብዕድመ ኣረጊት ብሓሳባት፤፥ ኣብ ኤርትራ ከለኹ ሓደ ግዜ ኣብ ስራሕና መጺኡስ ኣስተምህሮ ሂቡ፤፥ ተገዲድካ ስለ ትኸይድ ድማ ትፋእ ድንቁሩናኡ ክስመዕ ተፈሪደ፤፥ ንሱ ይምድር ኩላ’ታ መንእሰይ ድማ ብልቢ ቅጭ መጺኡዋ ክዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕዕብ ኣቢላቶ፤፥ በጃኻትኩም፤፥ ሓበን ህዝብና ዝምለሰሉ ኣፍደገ ነናዲ፤፥ እዞም ነዚ መንገዲ ዓጽዮሙና ዘለዉ ወይ ተምሳሌት በዓል ግደዎን ድርባይ እዮም ወይ ድማ ደቂ ስግር መረብ ዮም፤፥ መልስኻ ይጽበ ኣለኹ ርእሲ ዑንቂ ሓወይ
MightyEmbasoyra December 17, 2013
If I compare the comments of Hanti Eritrea and Sembelawi (actually it is not fair compare these), it would have been rated A+ vs F. Yes, F is yours Sembelawi.
sembelawi December 17, 2013
ሓንቲ ኤርትራ !!!
ኣነ ባዕለይ ኤርትራዊ ኢየ ! ሎሚ ሕቡን ኤርትራዊ ጽባሕ ሕቡን ኤርትራዊ !ናይ ገጠር ፈላስፋታት ዝበልኩዎም ነዞም ን ኤርትራዊ ብ ወገን ሃይማኖትን ኣውራጃን ክፈላሊዩ ዝፍትኑ፣ እሞ ኸኣ ሃይማኖታውያን ተመሲሎም እዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ኣኽብሮት ኣለኒ። ዓሻ ኤርትራዊ የለን። ሃገርና ኣሕሊፍና ኣይንህብን። ሃናጺ ርእይቶታት ኣብ ክንዲ ምቕራብ ፊደላት ቆጺርካ ምውርዛይ ኣይፋል ሕጂውን። ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ነጻነት ኣብ ቦታኡ ከሎ
ጎዳይ ኤርትራ ግን ን ኤርትራውያን ጥራይ እዩ ዝምልከት። ሕጂውን ንሃገረይ ክሓልፈላ ቅሩብ እየ። ኣብ ሕብረት ኤርትራውያን እዩ እምነተይ። ነዞም ኣዋሳ ወይ ኣብ ፈቖዱኡ ጽልእን ቅርሕንትን ኣንጻርና ዝነዝሑ *ወይጦታት” ነቒፍካዮም ኢልካ እንተኾሪኻ ግን ኣይሰማማዓሉን እየ። ነንሕድሕድና ክንናቖት ጸላእትና መዓልታዊ ሕልሞም እዩ። ልክዕ ኣዩ ትሕዝቶ ናይዚ ጽሑፍ ኣንቢበ እየ መሊሰ ። ሓሳቡ ን ዝገለጸ ሰብ ኣብ ከም ምፍርራሕ ዘንቢሉ ረኺበዮ ብ ናተይ ኣረኣእያ ሰብ ምፍርራሕ ኣይቅበሎን እየ። እንተተኻኢሉ ሃናጺ ናይ ገዛእ ነብስና ሓሳባት ነቐርብ ። ዓወት ን ሓፋሽ
MightyEmbasoyra December 17, 2013
Sembelawi,
Your comment is rubbish to say the least. You are even more ignorant than the looser dr. I don’t think you even know what ገጠር means. If you are not from ገጠር, your family is most probably from ገጠር. So, take a look at yourself, if you really believe ገጠር is bad.
By the way, the Eritrean heroes are either they are martyrs, imprisoned, killed or left the country and immigrated. I don’t think I could say the same to you. Agelgali.
sembelawi December 17, 2013
ማይቲ ሶይራ ! ኣነ ወገናዊ ኣይኮንኩን። ትግርኛ ዘይርዳኣካ ተኾይኑ ሸለል ኢለካ ኣለኹ። ናይ ገጠር ፈላስፋ ዝበልኩዎም ህዝቢ ኤርትራ ክፈላልዩ ንዝፍትኑ ደኣ እምበር ነቲ ክቡር ህዝብናስ ልዑል ኣኽብሮት ኣለኒ። ቃል ብቓል ቁንጥር ኣቢልካ ምጽሓፍካ ከይገረመኒ ኣይተፈን። ኣስፍሕ ኣቢልካ ምሕሳብ ናይ ኩሉ ተውህቦ ኣይኮነን – እሞ ማዕለሽ ንብለካ !!!
hanti Ertra December 17, 2013
ሰምበላዊ
”መልሲ ካባኻ እጽበ” ኢለ እየ መልሲ ክትህበኒ ዓዲመ ተፈልየካ። ከም ኤርትራዊ ሓውኻ፥ ዘለና ኣረኣእያታት ብዘየገድስ ፥ ተገዲስካ መልሲ ምሃብካ አመስግነካ። ኣብ መልስኻ ግን ንዓይ ቅሩብ ንማይቲ እምባሶይራ ድማ ክብድ ዝበለ ዘለፋ ሰንዲኻ። ሕጂ ‘ውን ድሓን። ፈቲና ጸሊእና ብሓቂ ኤርትራዊ እንተደኣኮይንካ ተገዲሰ ንድሕነት ኤርትራ ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ ክምልሰልካ እየ። ኤርትራ ማለት ኣነ + ንስኻ + ማይቲ እምባሶይራ + ማመት+መሓመድ+ ኣብራር+ ተርቀ+ በረኸት+ ዓሊ ሹም+ በኺት+ ድሩፍ+ ባህጉ+ ናዲያ+ ሓሊማ+ ሳብሪና+ እብትሳም+ ዓንደጼን፠፠፠፠፠፠፠፠፠ተደሚርና እንህቦ ውጽኢት እያ። እንታይ ዩ ኸ እቲ ዝድመር? ውልቃውን ኮማውን ሕልምታትና ባህጊታትና ተስፋታትና ክእለታትና ጥዕናታትና ገንዘብና ክእለትና ፍልጠትና ንቕሓትና ምትሕልላይና። ኣነ ጥዑይ ንቑሕ ርኹብ ክኢላ ትስፉው ሓላሚ ጽቡቕ ፈላጥ ንዓኻን ንኻልኦት ደቂ ሃገረይን ብዘያፈላላይ ዝሓሊ እንተደኣ ኮይነ ኤርትራ ክትህሉ እያ። ዝነፈሰ ንፋስ ይንፈስ፥ ዝመጽአ ተጻብኦ ይምጻእ፥ ነዚ እቀዲመ ዝገለጽክዎ ባእታታት ብቕዓት ምስ ሓልዮት ሓዊሶም ዝኸዱ ዜጋታት እንተዳኣ ሃልዮም ኤርትራ ኣብ መዓሙቕ መንፈሶም ኣላ። ከምዚ ዝዘርዘርኩዎ ብቕዓት ኣብ ዘለዎም መትኒታት ዝተተኽለት ኤርትራ ህያው እያ። ብልክዕ ንኤርትራ ትሓልየላ እንተደኣ ኮይንካ መጀመርያ ንዓይን ንማይቲ እምባሶይራን ሕለየልና። ጽቡቕ ተመነየልና። ንሕና ድማ እንተ ሓሊኻልና ግድነት ክንሓልየልካ ኢና። ህይወትና ውን ክንውፍየልካ ኢና። ውድቀትና ውድቀትካ ከም ዝኾነ ጌርካ እንተወሲድካዮ፥ ንኸይትወድቕ ጸግዒ ክንኮነካ ኢና። ስለዚ ሃገርነት ማለት ካልእ ኣይኮነን፡ በቃ ምትሕልላይ ዩ። ዘይተሓላለዩ ሰባት ኣብ ግንባሮም ባንዴራ ኣብ መቐነቶም ባንዴራ ኣብ ኣፍደገ ገዝኦም ባንዴራ እንተገበሩ ትእዛዝ ናይቶም ብልዕሊኦም ዘለዉ ሰባት ዳኣዮም ዘኽብሩ ዘለዉ እምበር ሃገርነት የብሎምን። የማነ ማንኪ ቤተ ሰቦም ስለ ዝኾነ ከምዚ ናትካ መርገጺ ዝሓዙ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣለዉ። ሚኒስተር ሃይለን ሚኒስተር ጴጥሮስን ምስ ተኣሰሩ ብዙሓት ቤተ ሰቦም ንሻዕብያ ምድጋፍ ዝገደፉ ብዙሓት ኣለዉ። ኣበይ ኔሮም ቅድም? ባዕልኻ መልሶ። ምስ ጎረቤትካ ፍቕሪ እንተዘይብልካ ጎረቤትካ ንሻዕብያ ዝጸልእ እንተዳኣኮይኑ ከተሕርቖ ኢልካ ንሻዕብያን በድኒ ዝጨነወ ምምሕዳሩን ምድጋፍ መዓስ ኣብ ኤርትራውያን ዘይረአ ኮይኑ። እንሆ ኣብ ቅድሚ ዓይኒና ንርእዮ። ስለዚ መበገሲ ሃገራውነት ምትሕልላይ እዩ። መጀምርያ ንተሓላለ። እዞም በዓል ግደዎን ሶፍያ ትርእዮም ዘለኻ ልቦም ተጠቢሓ እንተትርአ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ውን ትኹን ሓልዮት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ የብሎምን። ልክዕ ተዋሳእቲ ‘ዮም። ኣብ’ታ በዓል ሓጎስ ክሻ በዓል እሰያስ በዓል ማንኪ ዝደረሱዋ ዓባይ ፊልም ምጥፋእ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ከም ቀንዲ ጠባያት ኣብ ስደት ኮይኖም ዮም ዝዋስኡ ዘለዉ። እንታይ እሞ ልበይን ልብኻን ልብታቶምን እንዶ ብመሳርሒ ዘይፍለጣ ኮይነን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት፥ ምፍታው ባህልን ኣነባብራን ያታዊ ሕበረተ-ሰብና ፥ ምድንጋጽ ንዝተወጸዐ ወገን ናይ ህዝብና ፥ ኣብ ልቢ በዓል ግደዎን ድርባይ ኣብ በዓል ሶፍያ ኣመንዝራ በየናይ ጌሩ ክኣቱ? ፍቕሪ ሓልዮት ኣድናቖት ንባህልን ታሪኽን ህዝብና ክኣትወሉ ዝኽእል ፈቓቕ ኣብ’ቲ ተሪር መናድቕ ልቦም ብኹር እዩ። ዓለሞም ዓለም በለጽ፥ ዓለም ድኻታት ምርጋጽ፥ ዓለም ኣብ ዝበረኸ ቦታ ኮይንካ እናሓሰኻ ገዛእ ርእስኻ ምፍራይ ጥራይ ዩ። ሶፍያስ መሳቶኣ ኣብ ኤርትራ ዘሕልፈኦ ዘለዋ ህይወት ትፈልጥ ዶ? መጀመርያ መጀመርያ ኣይትፈልጥን እያ። ደንቆሮ ናይ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዱ ዝነብሮ ዘሎ መድረኽ እያ። ዘሕዝን እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘሎ እናፈለጠ ዝለኣኻ ስነ-ኣእምሮ በዓል ኢሰያስ እዩ። ንሳቶም ዕላምኦም እዩ። ሓደ ግዜስ ሓደ መንእሰይ ”እሰያስሲ እዚ ኩላ ጸገማት ኣብዛ ሃገር እናኣጋጠመስ ኣይጭነቕን እንድዩ?” ኢሉ ሓቲቱኒ። ዕላምኡ ምኻኑ እቲ ግሩህ መንእሰይ ኣይፈለጦን። ዕላማኻ ትገብር እንተደኣ ሃሊኻ፥ እቲ ዝመደብካዮ ክዉን ክኸውን እንተርኢኻዮ ትሕጎስ። ኢሳያስ ድማ ልዕሊ 50 ዓመታት ሓበን ህዝብና ንክሰብር ሰሪሑ። ብሓቂ ድማ ግራቱ ፈርያትሉ። ኤርትራውያን መጻወቲ፥ ኤርትራ ድማ ጉልቲ ደቀ-ኣርበዓ ኮይና። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ”ናጻ ኤርትራ ፥ ክህበን ዝግበኦ ርእሱ ዘድኒነላ፥ ከምዚ ናይ በዓል ግደዎን ድርባይ ድማ ዝሕበነላ ኮይና” ዓገብ ሰምበላዊ ሓወይ፥ በጃኻትኩም የማን ጸጋም ጠምቱ። ንህሰ ኣለና። ሓበን ካብ ሃገርናን ልቢታት ህዝብናን ይምርቀፍ ኣሎ። ዕላም በዓል ኢሳያስ ይትግበር ኣሎ። ልቢ ንግበር። ንተሓላለ። እቲ ኢትዮጵያ ኬድካ ክትቃለስ ምፍታን ገለ ትብሎ ዘለኻ ኣገባብ ቃልሲ ኣም ምምራጽ ገሊኦም ዝሓረዩዎ እዩ። ብልክዕ በዚ ኣገባብ’ዚ ክንቃለስ ዩ ዝግበኣና ፥ ኢልካ ናትካ ተበግሶ እንተሓቢርካና ግን ብዘይቀላዓለም ንኽተለካ። ጥራይ ንጽቡቕ ናይ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ይኹን። ቅድምን ቅድሚ ኩሉን ግን ጸላኢና፥ ጨዋዪ ገድሊናን ዕላማታቱን ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ከም ዘሎ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ንብጻሕ። በዓል ግደዎን ዋላሓንቲ ዝፈልጥዎ ዘይብሎም ዓንጃላትን ተበለጽትን ልዕሊ ሰብ ኮይንካ ክትርአ ጥራይ ዝደልዩን በሃማት እዮም። ቁጽሪ ተማሂርካ ፍልስፍናን ኣተናን ፖሊቲካ ምፍላጥ ክብድ ይብል ኢዩ። ጽቡቕ ገድሊ ምክያድ ንገዛእ ርእሱ ዕላማ ኣይኮነን፥ ናብ ርሁው መድረኽ ዘብጽሕን ካብ ሓድግታቱ ዝምህርን ምዕራፍ ጥራይ ዩ። ናጽነት ግን ከም ስሙ ናጽነት ዩ። ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝበሃለሉ መድረኽ ምርግጋጽ እዩ። መንግስቲ ወኪል ህዝቢ ዩ። ኣብ ናጻ ኤርትራ ልኡኽ ህዝቢ ኤርትራ ንኸኸውን ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶን ዝሰቕሎን እዩ። መንግስቲ ማለት መለኮት ማለት ኣይኮነን። ኣንጻር ተልእኾኡ፥ ባይቶ ዓደቦ ዘጥፍእ፥ መንእሰያትን ክእለታቶም ሕልሚታቶምን ዘንፍጽ፥ ህጻናት ዘዘኽትም፥ ወራዙት ለምንቲ ዝልውጥ፥ ዝጽሕፍ ዝደርፍ ዝህንድስ ዝነግድ ዝዕንቅፍ፥ ብዜካይ ሰብ የለን ዝብል በዓል ታንክን መድፍዕን ትግራዋይ ዓድናን መጻኢኣን ጋህሲ ኮይኑ ውሒጡዋ። ባዕሉ ኪናት ይእውጅ፥ ባዕሉ ባይቶ የፍርስ፥ ባዕሉ ኪናት ይግምግም፥ ባዕሉ ካሪችሉም ይነድፍ፥ ባዕሉ ዓዲታት የፈናቅል፥ ኩሉ ባዕሉ።
እዞም በዓል በዓል ግደዎንሲ ዋላ ሓደ ናይ ስጋ ቤተ-ሰብ ናይ ኢሰያስ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ይኹን ኣብ ኪናት ምስ ኤህወድግ ከም ዘይነበረ ይፈልጡ ዶ ይኾኑ? ኢሰያስ ኪናት ክእውጅ እንከሎስ ወዲ መን ከይሞቶ ኢሉ ኣዋጅ ኪናት ከወንዝፍ ኢሎምሲ ሓቲቶም ዶ ይፈልጡ ይኾኑ? ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጡመሉ፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠ብዝኾነ ብዙሕ ምበልና ግን ዘረባ ዘረባ ጥራይ ዩ። ሕጂ መልስኻ
MightyEmbasoyra December 18, 2013
Hanti Eritrea,
I am glad we still have some respectful and knowledgeable people in Eritrea. After all, we still have some hope.
MightyEmbasoyra December 17, 2013
Sembelawi,
You stated “ኣነ ወገናዊ ኣይኮንኩን”. Did I say that? I don’t think you know what ገጠር means. Nevermind. Just walk few miles to Adi Sogdo or so and ask.
hanti Ertra December 18, 2013
dearest mighty embasoira
i am a bit flattered. any way thank you for the respect you offered me. united we stand. the more we are aware of what the bandits back at home are conspiring against us the more we will be tapped towards defending our selves and then freedom and dignity. thank u again