ህግደፍ ተሰጒጉ መለመኒኡ ተዓሺጉ
Tesfamariam wel.15/04/2017 oslo Norway እልል በል ህዝበይ ህግደፍ ተሳዒራ ዝኣመንዋ ዕርዶም ትማል ተሰቢራ ተሓጎስ ደላይ ፍትሒ ጻማኻ ሲዒራ ወልፊ ጓይላ ዝነበራ ተሪፋ ኣንቃዕሪራ ቅያ ተሰሪሑ ኣብ ሆላንድ ኤንድ ሄቨን ንህግደፍ ሓዘን ንደላይ ፍትሒ ሓበን ታኣምር ክንሪኢና ሓዲኡሎ ሎምዘበን ክንሪኢና ህግደፍ ክበላልዓ ሕድሕደን ኤውሮ ክግሕጡ ከም
Tesfamariam wel.15/04/2017
oslo Norway
እልል በል ህዝበይ ህግደፍ ተሳዒራ
ዝኣመንዋ ዕርዶም ትማል ተሰቢራ
ተሓጎስ ደላይ ፍትሒ ጻማኻ ሲዒራ
ወልፊ ጓይላ ዝነበራ ተሪፋ ኣንቃዕሪራ
ቅያ ተሰሪሑ ኣብ ሆላንድ ኤንድ ሄቨን
ንህግደፍ ሓዘን ንደላይ ፍትሒ ሓበን
ታኣምር ክንሪኢና ሓዲኡሎ ሎምዘበን
ክንሪኢና ህግደፍ ክበላልዓ ሕድሕደን
ኤውሮ ክግሕጡ ከም ቀደም መሲሉዎም
ተራኣኻስ ባዶ ተሰኪሞም ጽርግ ንዓዶም
ህግደፍ ህግደፋውያን ተጋሊጹ ጉድኩም
ፈኸራኹም ተሳዒሩ ማይ ዓሚኽ ኩም
ይኣኽለኩም ጠራዕራዕ ዙሑል ማይ ስተዩ
ምስ ህዝብኹም ተሰርዑ ድሓር ከይትጉህዩ
ንህግደፍ ኣይትእመኑ ጽባሕ የለን ከያዳዩ
ጓይላ ተደመቐ ሓሸውየ ንመዐሸዊኹምዩ
ተኸፊሎም ዝሰርሑ ከም ብዓል ዶ.ጊዲኦን
ሶፍያ ፎካስ ዘይምዕርግቲ ንኽትሪኣ ተሕዝን
ከም ካሰት ተመሊኣ ትግዕር ዘየሎ ትትንትን
ደገ ሕዳር ደረቐኛ ትፍትን ልዕለና ክትከውን
ኣቶ ማንኪ ዘፍ ኢሉ ልቡን ቀልቡን ጠፊኡዎ
ኣብ ሓሳብ ተሸኺሉ ኢሱ ክሶጎ ድዩ ከእትዎ
ህግደፋውያን ደቂ ሓራም ጽባሕ ትሰምዕዎ
ህግደፍ ፋይዳ የብሉን ምድንጋጽ ግደፍዎ
ዝተታለልኩሞ ይኣክል ሎሚ ሓንጎል ኣስርሕዎ
ሎም ዘመን ህግደፍ ሓንቲ ዓይኑ ነቍራ ነቲዓ
ምናልባት ተጸኒሓ ድማ ዝተረፈት ዓይኒ ነባርዓ
ደቂ ሕድርትና ናይ ህግደፍ ሓዚነን ዘይሳዕሳዓ
ወልፈን ከይሰዳ ሓይሊ ደለይቲ ፍትሒ በርቲዓ
ጀጋኑ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሆላንድ ዝወዓልኩም
ፍረኹም ሪኢናዮ ኮሪዕና እንቋዕ ደስ በለኩም
ስኽፍታ ግን ኣለና ሓቢርና ዘይውዓልና ምሳኹም
ኣማኢት ክንስኹም ነሻሓት ህግደፋወያን ሲዒርኩም
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ
sisi May 14, 2017
kemzilka zikewn neger yelen meknyatu kulu kikewn entekoinu bekemzi aynet deykone bkalie mengedi kikewn alowo .
meknyatu ezi bgujle gujle endatemqaqelka zigbre zeymieruy akaydan nhigdef azyu yetenkirom deaember kisebrom aykilin eyu slezi kalie mengedi kifiter alowo behaay eye.
Berhe Tensea July 30, 2017
long live Deleyti Fithi.