Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna:Intv with Yemane T/Gergish, Fmr Member of the EPLF’s Secret Party & Intelligence – Part 6 – Saturday, Aug 30, 2014

https://www.youtube.com/watch?v=Qh7IOEWSsH8&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
56 COMMENTS
  • Haile August 31, 2014

    የማን ብፍላጥ ታሪኽ ቃልሲ ኣመራሲሑ፡ ህቡብነት ናይ ውልቀመላኺ ሓፍ ብምባል፡ መግዛእቲ ዘይሰዓር መሲልዎ ባዕሉ ዝፈጠሮ ቁስሊ ናይ ሕልንኡ ክጽግን ይጽዕር ኣሎ።
    ኣማንኤል ግን ምስኪናይ’ዶ ክንብለካ ወይስ……..? ነዚ ሕሙሩግ ዝረባ ኣምጺእካ ሞራል ህዝቢ ትርምስ፡ ንቶም ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ፡ ዝብሉ መጣቃዕቲ ጽባ ተስትዮም ክምዘልኻ ይርድኣካ’ዶ ይኸውን?
    እንተ የማነ’ሞ ከምቲ ዝይወግሕ መሲሉካ ስረኻ ዝፈታሕካ፡ ሕጂ’ውን ውልቀመላኺ ተሳዒሩ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ምስ ንገሰ፡ ከምቲ ድሕሪ ስረኻ ምፍታሕካ ሕጣምካ ጠፊኡ ዝነበረ፡ መሊስካ ንሓዋሩ ሕጣምካ ክጠፍእ ኢዩ።
    ከምቲ ኩሉ መጀመርያን መወዳእታን ዝለዎ፡ እዚ ዝሎ ኩነታት ክውዳእ ኢዩ፡ መላኺን ኣጣቓእቱን ክሰዓሩ ኢዮም፡ ሓሰውትን መደናገርትን ድማ መሐስዊን መደንገሪን ባይታ ክስእኑ ኢዮም።

    ህዝቢ ኤርትራ ክዕውት ኢዩ!

    • Semhar August 31, 2014

      Haile,
      You seem to be confused. Yemane is telling us the plain truth.The tyrant Isayas and his blind followers are the one who destroyed our land and our people. They destroyed our culture, our religion, our provinces our laws, our heritage, our history, our flag, etc. Thanks to Yemane who witnessed all of this, for telling us the plain truth, how vicious this tyrant animal and his followers are. We should all learn from this and get rid the monster and his followers and preserved our land, our people, our culture,our religion, our provinces, our laws, higi indaba, our constitution and our original flag the flag of our forefathers,the flag of our martyrs. We will preserve our freedom, our justice, our liberty and equality.
      Thanks Yemane for telling us the plain truth and thanks to Assenna for an exceptional report.
      The tyrant Isayas’ days are numbered. He will be crushed with his blind followers.
      Eritrea will be the land of the free, and the home of the home of the brave.
      May God bless Eritrea!

    • Semhar August 31, 2014

      Hagos,
      You should check yourself; you seam to be suffering from HIGDEF syndrome.

      Yemane is exposing the tyrant Isayas and his collaborators, more than any other member of EPLF leadership.
      Hagos,
      ጌናለዉ ጀጋኑ ኣብ ሃገርና
 ንድያብሎስ ኢሰያስ ብኢድና ሒዝና ናብ ፍርዲ ነቕርበላ መዓልቲ ርሕቕቲ ኣይክትከውንን ኢያ።


      ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
።

      ውድቀት ንፋሽሽታዊ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ።
      Thank you Yemane T/Gergish and Assena Team for exposing the tyrant mad dog
ድያብሎስ ISAYAS wedi Berad.

    • Ma'E'Kobay September 1, 2014

      Anta Entay Eka TbleNa ZeleKa.
      1. There were genuine fighters during the Gedli times such as Amanuel and Yemane.
      2. There were destructive evil fighters like esayas,wuchu and Sbehat during the Gedli times.
      therefore Gedli was the combination of the evils and the goods.
      YOu need to see and sort out the goods and the evils
      Your point analogically is like trying to see particular object on the surface of Mars from earth with naked eye.

    • Eritreawit September 1, 2014

      Hile,
      EWA? Ato Yemane, eti haqi yimsker alo, Entay zeygeber ika izi kulu zeykone xelemetat tesekmo zeleka. EMBERDO TESMO ALEKA IKA? NI ISAYAS HAQI MENINNETU YEGALXO ALO? BEJAKA BIWILQI XILATE PERSONAL ZELEKA TIMESIL, SIRU “ZEFETHE” GEN AYKONEN, ENEHO TARIKAT GIEZZEY NAY HGDF YEGELXELNNA ALO, EMO KEMTOM AFOM HIZOM ZELU DU SEQ KIBEL DELIKAYO? BEJAKATKUM NIHNNA NIEZEB ALLENNA, SEB MINNIAS AMEL GERKUMO ENDHIR NATKUM GIRUP ZEYKOUNU. PLEASE HILE NAYWILQI XILAT TELUKA AB ATO YEMANE KALE U —ZEYNIFELTO TARIKH GIEZEY ISAYASEN GUJELUN YENGERENNA ALO, TELEMEKA TETEW ABEL BEJAKA.

      • Haile September 1, 2014

        Eritrawit

        በጅኺ ጽቡቕ ጌርኪ ስምዕዮ!
        ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ቃልሲ፡ ብእዋኑ ክልእ ኣጋባብ ክርኽበሉ ዝይከኣለ ቃልሲ፡ ብግዚኡ ኣስሪሑስ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ከም ዓለማ ናብ ማሕብረሰብ ዓለም ከምትጽንበር ዝገበረ ቃልሲ ህዝቢ፡ ጠቅሊሉ ነቲ በጋሚንዶ ውልቀስብ ኢዩ ዝረክቦ ዘሎ። ኢዚ ክኣ ድይመደይ ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ኣንጽር አቶም ጠበንጃ ዝሓዙ ፍሉጣት ጽላእቱ ጥራሕ ኣይኮነን ትቃሊሱ፡ ኣንጻር’ዞም ሕጂ ኣደዳ ስደትን ከልበትበትን ጌሮሞ ዘለዉ ጉጅለ፡ በብእዋኑን ብዝተፈላልየ መልክዕን፡ ተቓውምኡ ይልዕል ኔሩ፡ እንተኾነ ግን መግዝእቲ እንዳምከትካ ምቅላሶም ግን ኣጸጋሚ ስለዝነብረ፡ ከምቲ የማነ ባዕሉ ዝተኣመነሉ፡ የማነታት ስለዝይተሳእኑ፡ አንተ መግዛእቲ ብቕልጽም ህዝቢ ተብሪሩ፡ እንተ ሓርነት ግን ክትግበር ኣይትክእለን ጥራሕ ዝይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፍአ ክልበትብት ይውርዶ ኣሎ።
        ኣነ ዝብል ዝልኹ ኤርትራዊት፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነቱ ካልእ ኢዩ። ነቲ ኣብ ግዜ ገድሊ ዝገባበርዎ ዝነበሩ፡ ክንስምዕን ክነስተንትንን ድኺምና።

        • ERITRAWIT September 1, 2014

          Haile,
          shefno shefafno deka tblo zeleka? nay Isaias akayda kemey nerew dekey hager b kemey ytefew nerom ynegrena alo.
          Kulu gedefew n nasnet zteselefe kubur Tegadalay Yemane nay kedem entegebere nska etey tdelwo zeleka nay lomey gber.
          kulu mekaydey eu znebere segemat keyfeletka mkad melesew kolele tray eu zkewen.
          MS YKRETA.

    • Tes September 1, 2014

      Anta entay ishinet eyu! no more ato haile

  • Wedi_Hagher August 31, 2014

    እንተ የማነ’ሞ ከምቲ ዝይወግሕ መሲሉካ ስረኻ ዝፈታሕካ፡ ሕጂ’ውን ውልቀመላኺ ተሳዒሩ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ምስ ንገሰ፡ ከምቲ ድሕሪ ስረኻ ምፍታሕካ ሕጣምካ ጠፊኡ ዝነበረ፡ መሊስካ ንሓዋሩ ሕጣምካ ክጠፍእ ኢዩ።

    Haile

    Is there anything you would like Yemane not talk about it ?
    Are you trying to intimidate Yemane to hide a truth ?
    Be aware Yemane is not alone.
    If you have a bit of moral courage tell us your version of the story,
    else stop throwing at the forum hollow words.

    • Haile August 31, 2014

      Wedi_hagher

      የማነ ብይኑ ክምዝይኮነ ይርዳኒ ኢዩ። ምኽንያቱ ብጀካ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን ታሪኹን ዝነቐሉ፡ ብዙሓት ከምዘለዉ ኣይጠፍኣንን ኢዩ። ኣብነት እንተደሊኻ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ በታቲኖም፡ ታሪኹ ሓኺኾም፡ ኤርትራን ወደባታን ክሰምዑ ክለዉ ኣፎም ማይ ዝመልኦም ወገናት፡ ገለ ሳንኩፋት ደልዮም ታሪኽ ኣበልሽዮም፡ ኤርትራዊ ስምዒት ኣዳኺሞም፡ ወዮ ድኣ ሕልሚ ኢዩ እምበር፡ እንተኮይኑሎምሲ ናብ’ቲ ተጨፍጪፎም ዝተባረሩሉ ሓላል መሬት ክምለሱ ኣብርቲዖም ዝሰርሑ ከምዘለዎ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።
      አቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ብቲ ክልእ ድማ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ዝገበሮ ተጋድሎ ኩሉ ጠቕሊሉ ንሓደ ሰብ ክረክብ፡ ብጀካ ብቲ ንሱ ዝውንኖ መራኸቢብዙሃን፡ ናብተን ደልይቲ ፍትሒ ዝጥቅሙለን መራኽቢብዙሃን፡ ብኣዝዩ ዝትራቀቐ ሜላ፡ ታሪኽ ዝነግሩ ተመሲሎም፡ ታሪኽ ህዝቢ ናይ ሕደ ኣረሜን ሰብ ታሪኽ ከምዝኾነ ጌሮም ከቕርቡ ዝፍትኑ፡ ከምዘልዉ ትስሕቶ ኢኻ ኢለ ኣይሓስብን።
      በጃኹም ሃገርና ትጠፍእ ኣላ!! መንእስይ ይጠፍእ ኣሎ!! ቀዳምነትና ንፍለጥ፡ ንዚ ስርዓት ንምፍላጡ ብዙሕ ርሑቕ ምኻድ ኣይድልየናን ኢዩ። ኢዚ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ይኣኽለና ኢዩ።

      ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ኢዩ!!!
      ኤርትራ ንዘልኣለም ክትንብር ኢያ!!!

      • Semhar August 31, 2014

        Haile,
        ጌናለዉ ጀጋኑ ኣብ ሃገርና
 ንድያብሎስ ኢሰያስ ብኢድና ሒዝና ናብ ፍርዲ ነቕርበላ መዓልቲ ርሕቕቲ ኣይክትከውንን ኢያ።


        ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
።

        ውድቀት ንፋሽሽታዊ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ።

    • Haile September 1, 2014

      የማን ብፍላጥ ታሪኽ ቃልሲ ኣመራሲሑ፡ ህቡብነት ናይ ውልቀመላኺ ሓፍ ብምባል፡ መግዛእቲ ዘይሰዓር መሲልዎ ባዕሉ ዝፈጠሮ ቁስሊ ናይ ሕልንኡ ክጽግን ይጽዕር ኣሎ።
      ኣማንኤል ግን ምስኪናይ’ዶ ክንብለካ ወይስ……..? ነዚ ሕሙሩግ ዝረባ ኣምጺእካ ሞራል ህዝቢ ትርምስ፡ ንቶም ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ፡ ዝብሉ መጣቃዕቲ ጽባ ተስትዮም ክምዘልኻ ይርድኣካ’ዶ ይኸውን?
      እንተ የማነ’ሞ ከምቲ ዝይወግሕ መሲሉካ ስረኻ ዝፈታሕካ፡ ሕጂ’ውን ውልቀመላኺ ተሳዒሩ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ምስ ንገሰ፡ ከምቲ ድሕሪ ስረኻ ምፍታሕካ ሕጣምካ ጠፊኡ ዝነበረ፡ መሊስካ ንሓዋሩ ሕጣምካ ክጠፍእ ኢዩ።
      ከምቲ ኩሉ መጀመርያን መወዳእታን ዝለዎ፡ እዚ ዝሎ ኩነታት ክውዳእ ኢዩ፡ መላኺን ኣጣቓእቱን ክሰዓሩ ኢዮም፡ ሓሰውትን መደናገርትን ድማ መሐስዊን መደንገሪን ባይታ ክስእኑ ኢዮም።

      ህዝቢ ኤርትራ ክዕውት ኢዩ!

  • Kombishtato August 31, 2014

    ከምቲ ክቡር ኣማኑኤል እያሱ ዝበሎ፤

    “ተጸባይነት ግደፎ፣ ርእሰ ምትእምማንካ ምለሶ፣

    “ኣንታ እዞም ተቓወምቲ እምበር ደንግዮም” ዝብል ዘረባ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዘለዉ ሰባት፣ እንተላይ ካብ ዕጡቓት ክስማዕ ከሎ፣ ህዝቢ ንለውጢ ክቱር ድሌት ከምዘለዎ ኣመልኪቱ ካብ ዝፈጥረልካ ሓጎስ፣ ሞራልን ኒሕን ሕብረተሰብና ተረዅምሹ ምህላዉ ኣሚቱ ዝፈጥረልካ ጓሂ ይዓቢ። እቲ መሬት፣ እቲ ህዝቢ፣ እቲ ዕጥቂ፣ እቲ ሰራዊት ምሳኻ፣ እቲ ዘጽንተካ ዘሎ ኣባይ ኣብ ቅድሜኻ ከሎ፣ ከመይ ኢልካ ኢኻ፣ ለውጥን ፍትሕን ከም ሃለኽቲ ዱባይ ካብ ደገ ብተቓወምቲ ተኾብኵበን ክመጻኻ እትጽበየን። እቲ ‘ካብ ከውሒ ማይ ዘንትዕ ኒሕን ሓቦን ከ ናበይ ኣቢሉ?’

    ትማሊ ኣብ መቐለ፣ ሎሚ ኣብ ቦለኛ ዋዕላን ኣኼባን እንተተገብረ፣ ካብቲ ናይ ብቕድሚ ትማሊ ዋዕላ ደብረዘይትን ናይ ትማሊ ቦለኛን ዝፍለ ኣይኮነን። ዋዕላን ዘረባን ጋዜጣዊ መግለጽን ስደተኛታት ከድሕነካ ትጽበ እንተደኣ ኴንካ በዅርካ ኣለኻ። መፍትሕ ጸበባኻ፣ ኣብ ኢድካ ዓሚዅካ ኣብ ውሽጢ ተዓጺኻ እንከለኻ ፣ ‘ተቓወምቲ’ ካብቲ ህግደፍ ኣብ ቦለኛ ዝገደፎ ማኛ ሃሰስ ኢሎም ከቐብሉኻ ኣይትጸበ።

    ኣብ ማእከል መሬትካን ህዝብኻን፣ ሰብካ እናዕጠቕካ ዕጥቂ ጸላኢኻ ከተፍትሕ፣ ብጠበንጃን መድፍዕን ለውጢ ምምጻእ 30 ዓመታት ከም ዝወሰደልካ እንተዘኪርካዮ፣ ነቶም 10 ሽሕ ማይልስ ርሒቖም ብኣፎም ‘ንቃለሰልካ ኣለና’ ዝብሉኻ፣ ነታ መባኣታዊት ስምረት ኳ ዘይከኣሉዋ፣ ዝዓበየ ዓወት ከምጽኡልካ ክትጽበዮም ምኽኑይ ኣይኮነን። ልክዕ ‘ዩ ከምቲ ጓሶት ኣብ ሻኻ ዝገብሩዎ ቅልስ፣ ናይ መቐለ ዳስ ይገፍሕ ናይ ቦለኛ ‘ባ፣ ውድበይ ይዓቢ ማሕበረይ ‘ባ እናተበሃሃሉ ነንሕድሕዶም ይቃለሱ ኣለዉ። እንተ‘ቲ ንድሕነትካ ዝግበር ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ግን ካባኻ ዝሓልፍ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን’ዚ ብሕጓ ተመዅሊኻ ዝግበር ምጽንታው ስልጣን ዘይኮነ፣ ግልጽናን ተሓታትነትን፣ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ፣ ባዕልኻ እትውንኖ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንለውጢ እዩ ዘድልየካ ዘሎ። ናብ ሳልሳይ ዓንኬል ህውከት ዘይመርሕ፣ ውሕስነት ዘለዎ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ልዕልና ሕግን ስርዓትን መታን ክትጓናጸፍ፣ ከም ህዝቢ፣ ከም ሰራዊት፣ ምእንቲ መሰልካን ክብረትካን ባዕልኻ ደው በል። እዞም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ተቓወምቲ ኣሽንባይ ዶ ሓርነት ሒዞምልካ ክመጹ፣ ሓርነት እንተኣጽናሕካሎም ‘ውን ዝመጹኻ ኣይኮኑን። ንዓኣቶም ከም ባላ፣ ንነብስኻ ግን ከም ዓንዲ ርኣያ።

    ልክዕ ‘ዩ፣ ንርእሰይ ኣብ ስደት ስለዘለኹ ምውርዛይ ክመስል ይኽእል እዩ። ይኹንምበር፣ ብኣፈይ ‘ዓገብ’ ይብል፣ ይቃወም፣ ደኣምበር ይቃለስ ከምዘየለኹ ኣጻዕድየ ይደግመልካ ኣለኹ። ሕነ ናይቶም ዘጥፍኡዎ ብኢድ ወስ እንተተረፈኒ ብኣፍ ሃተፍ ምባለይ ደገፍ እምበር ቃልሲ ኣይኮነን። እቲ ትማሊ ብዓይነይ ዝረኣኹዎ ቃልሲ፣ ሰብ ቀደም፣ ተወፋይነት ቀደም፣ ብጻይነት ቀደም፣ ሕልና ቀደም ሎሚ ብሓቂ ምንባሩን ዘምንባሩን ምስትውዓሉ ኣጊሙኒ ኣሎ። ሽዑ ስለዘይነበረ ዘይኮነስ፣ መተካእትኡ ስለዝመረረ። እቲ ትማሊ ህይወት ዝተኸፍሎ፣ ሕላገት ኤርትራውነት ዝነበረ ናይ ሓባር ዕላማ፣ ሓቂ፣ ቅንዕና፣ ምቕሉልነት፣ ምትሕልላይ፣ ብጻይነት፣ ተወፋይነት፣ ድሮ ዓስዩ፣ ብሓሶት፣ ተንኮል፣ ስስዐ፣ በለጽ፣ ሻርነት፣ ግብዝና ተተኪኡ ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ስቓይ የልቦን። ህዝቢ ነቲ ዝርእዮ ዘሎ ኣደራዕ ምእማን ስኢኑ ብኣእምሮኡ ኣዕሚቝ ክምርምሮ ሓንሳብ ሰለም እንተበለ፣ ንሓዋሩ ዝዓወረ መሲሉዎም፣ ኣብ ዓዲ ምዉታን ክንገሱ ኛምኛም ዝብሉ፣ ሚዛን ነብሶም ዝጠፍኦም ሰባት ክትርኢ ከለኻ ዘስደምም እዩ።

  • ERITRAWIT August 31, 2014

    Yemane,
    Kab bezhat wehdat zterefew hade eka mo tfelton tzkron tarekna ngerena.
    Thank you Aman.

  • Semhar August 31, 2014

    Thanks Yemane and Assena foundation for exposing the mad dog Isayas and his collaborators, his blind followers.
    ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ ኢዩ’ሞ: ኣጆኹም ደቀይን ደቂ-ደቀይን ጀጋኑ መንእሰያትና።
ኩላትና ብሓበራ ኢደይ-ኢድካ ኢልና ነዚ መንነትና ዘዋረደን ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎን ኣረሜን፣ ናብቲ ቀዳሞት ኣያታቱ በዓል ሳዳምን ቃዛፊን ዝኣተዉዋ ናይ ዘለኣለም መዓልብኡ ጋህሲ ንደርብዮ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ውልቀ-ምልካውያን መራሕቲ ብዘይካ ብክፉእ ብጽቡቕ ኣማውታ እግዚኣብሄር ክሞቱ ኣይተራእዩን። ሞት ገበነኛ ኢሰያስ እውን ከም ኣማውታ ኣያታቱ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይኮነን። እዚ ዓመት’ዚ ጸላኢና ዓንዩ ህዝብና ነናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ዓመት ከም ዝኸውን ሙሉእ ዘይጉዱል እምነት ኣሎኒ።
    ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
    ዕድመን ጥዕናን ንደቂ ኤርትራ
    ዓወትንህዝቢኤርትራ።

  • Semhar August 31, 2014

    Our martyrs fought two enemies

    1) Ethiopia military in the front

    2) The mad dog Isayas and his blind followers in the back.
    The mad dog Isayas and his blind followers killed our people.
    
The tyrant Isayas took down our liberation flag and replaced it by his own flag.
    He terrorized and ruled us.
    We should all focus on the mad dog Isayas wedi medhin Berad. We should stop the ድያብሎስ Isayas and his blind followers HIGDEF by any mines from destroying our land and our people.
    Down to the mad dog, the tyrant dictator and his followers!
    Victory to our people!

  • ahmed saleh August 31, 2014

    Well , there are many Eritreans of that generation still bewildered to understand what went wrong at that time . Now
    to talk and hear about it gives you a clue to find a little bit of answer to satisfy the puzzle in mind . Either it
    be at Ghedli time , after independence and until present , majority of our people regardless in military or civilians
    this kind of information had been suppressed and it can help to identify our root problem .
    No wonder we witnessed how confusion produced thousands of thousands souls scattered by fleeing from their homeland .
    People who know Issayas used to warn our people but received deaf ears in fact unfortunately they find themselves
    portrayed like sold outs , betrayers and others unnecessary names to isolate them .
    Yemane said ” when the fighters (teghadelti) bombarded the high rank person ( member of secret party ) with criticism ,
    we must defend him by any means without questioning his integrity ” . Now if we are honest to speak , at EPLF meetings
    in diaspora we witnessed how most of the participants react unfavorably if somebody brought up critical question or argument .
    I remember because he challenged one visiting Hgdf official at the time of Badme war , after that meeting that person for
    couple of years disappeared from our community . You know why ? Because our arrogance chased him for a while . At the
    end to say ” UwaE kemeU zeymeselena aghaghiyomna indiyom neyrom ” . I hate to hear that excuse , they ignored what they
    heard and what they saw until it reached against everyone interest . Indirectly our people played a big role to assist
    HGDF to disrupt , freeze ,demoralize patriots which I call NAY HANGOL MIDISKAL KALSI .
    Time of silence is over , now it is time to speak up .

  • Hagerey September 1, 2014

    Hi Mr. Yemane do not worry at all you will read so many stuoid messeges from HGDEF supporters,you know every thing in you last army struggle so do not surprise about the supporters of HGDEF.

    keep it up
    and Thank you Amanuel Iyasu

    do not worry you guys

  • Robi September 1, 2014

    Hi Amanuel and Yemane yehwatina, kulu nsemio alena Yemane zizarebo zelo btaemi tegerimna alena mesakin jeganu yehwatina ab kilite megarya tekerkirom tewagiom eyom natsinet amtsiomulina gn bealege Issayas afwerki zhnekelu be ksadu seatu akilu eyu niuu kulu gize alewo. 40years mesakin tegadelti yehwatina nay Jebiha, shaebian zneberu tesakyom eyom bezi Hatela Tarik Issayas, hji gn hzbi tesiu eyu agati yeblun hzbi Eritrea tenediru kea!!! Gn Amanual be zaeba eti zula ab pal talk ztezarebu ab bahri merkebegna koinu be aynu zreayo 300 zkonu tegadelti nab halewa Sewura zkedu zneberu be bahri be kumal tebeliom, murukat amharu wetehaderat ember tegadelti aymeselunin zbelo gn ms tezarebekwom esurat tegadelti mukanom kemzmeleslu arediena neru, abta merkeb kelewu kea zeegergeru esurat kabtom tegadelti kemzreshenlum habiru neru Zula.hjis bejaka hiteto mnalibat Yemane kurub aflito telewo be zaeba etom esurat tegadelti be bahri gerom nab halewa Sewura zwesduwom zneberu? Ketilomom dyom walas teasirom tefetihom eyom beliomulina taemi eya ab hangoley trbsheni kab paltalk kab zsemia jemire.mesakin tegadelti yehwatina ab buzuh tsebeba eyom nerom.Thanks.

  • Amerna September 1, 2014

    Haile,

    If you are brave to challenge Yemane or others, reveal your true name. I think you are trying to hide something. My advice to you is “put up or shut up”, because no one will listen to you.

    Thank you Yemane & Amanuel

    • Haile September 2, 2014

      መንፍዓት ኣብ ሕግን ፍትሒን ዘልዎ ባይታ ጠጠው ኢልካ ኢዩ እምበር ኣብ ድሕሪ ስክሪን ወይ ድማ ኣብ ድሕሪ ማይክሮፎን ተሓቢእካ ኣይኮነን፡ ኣጆኻ ኣነ ካብቶም አቲ ሕቀኛ ታሪኽ ክወጽእ ዝደልዩ አምበር፡ ተቐቢሩ ክትርፍ ዝደልዩ ኣይኮንኩን፡ ግን ካብ ገድሊ ውዲአ ዝብል፡ ወይ ዘቍረጸ፡ ውይ’ውን ዝይተጋደለ ( አቲ ገድሊ ዝበሃል ብረትዊ ቃልሲ ጥራሕ አንተኮይኑ)፡ በብንጽል ዝመጽእ ዛንታ፡ ናይ ውልቆም ስምዒት ዝሓዝለ ኮይኖ፡ ሓቅኛ ስእሊ ኣይህብን ኢዩ፡ ብሃላይ ኢየ። ካብ ክውንነት ኣውጺኡ፡ ከምዚ ኣነን ንስኻን ንብሎ ዘለና “put up or shut up” ከበሃህልና ኢዩ። ኣነን ንስኻን ክልቴና ተሓቢዕና ኢና ዘለና’ ከምዝይንራኸብ’ውን ኣጽቢቕና ንፈልጥ ኢና።
      ናይ ሕቂ ፍትሒ ትድሊ ስብ እንተኾይንካ፡ ንቲ ጽጊምዎ ዘሎ ህዝቢ ክተድሕን ዝንቀድካ እንተኮይንካ፡ ሕጂ ቀዳምነት ክግበርን ክበሃልን ዝግብኦ ብዙሕ ኣሎ፡ አምብር Amerna፡ ቆራጽነትን ጅግንነትን ትርእየሉን ትሰርሓሉን ብታን ባይታን’ሲ ትፈልጦ ኢኻ።

      ሕዝቢ ኤርትራ ክዕውት ኢዩ!!!
      ህግድፍን መድናግርትን ክጠፍኡ ኢዮም!!!
      ኤርትራ ንዘልኣለም ክትነብር ኢያ!!!

Post a Reply to Semhar Cancel Reply