Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UPDATE 3: ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ግፍዓዊ ቅንጸላ ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ እትርከቦም ብድምር 6 ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተቐዝፉ ክረግገጽ ከሎ፡ ኣብ ጋሽ ባርካ 5 ንጹሃት ዜጋታት ከምዝተረሸኑ ተፈሊጡ።

በቲ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብ 3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ዘካየዶ ናይ ተመልከተለይ ግፍዓዊ ርሸና ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ እትርከቦም ብድምር 6 ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተተቐዝፉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። እተን ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ድሕሪ ዝተኻየደሎም

በቲ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብ 3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ዘካየዶ ናይ ተመልከተለይ ግፍዓዊ ርሸና ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ እትርከቦም ብድምር 6 ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተተቐዝፉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እተን ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ድሕሪ ዝተኻየደሎም ታዕሊም 4200 ተዓለምቲ ጽዒነን ብኣስመራ ናብ ዓሰብ ዝሓልፋ ዝነበራ 18 ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ኣስመራ ድሕሪ ምእታወን ዝተኸፍተ ቶኽሲ ናይ ፍርቂ ሰዓት ካ እንተነበረ ብድሕሪኡ ህዝቢ ተነዓዒቡ ግፋን ተፍትሽን ክሳብ ሰዓት ሓደ ወጋሕታ ከምዝቐጸለ ኣብቲ ትማሊ ብኢንተርነት ዝዘርጋሕናዮ ዜና ተጠቒሱ እዩ።

ህዝቢ ኣብ መንጎ ናብቶም ብቶኽሲ ዝህደኑ ዝነበሩ መሳኪን ተዓለምቲ ተሓዊሱ ተቓውሞኡ ብምግላጽ ነቲ ቅንጸላ ናይቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደው እንተዘየብሎ እቲ ስርዓት ገበናዊ ተግባሩ ደው ናይ ምባል ኣንፈት ከምዘይነበሮ ‘ውን ይግለጽ።

ቁጽሪ ናይ ቁሱላት ክንደይ ምኻኑ ዛኢግት ኣይተፈልጠን፡ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ህዝቢ ምእታው ከልኪሉ ከምዘሎ ውን ‘ቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ድሕሪ ‘ቲ ግፍዓዊ ፍጻሜ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት መንፈስን ሃዋህውን ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ እቲ ደቂ ማህጸኑ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክዝሕዝሑ ዝረኣየ ህዝቢ ኣስመራ በዚ ጉዳይ’ዚ ተባሒቱ ቁጥዐን ሕርቃንን ዝተሓወሶ ዕላሉ እዚ ጉዳይ ‘ዚ ኮይኑ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ‘ውን ናብ ሱዳን ክትሰግሩ ሓሲብኩም ተባሂሎም ሓደ ኤርሚያስ ዝብሃል ዘዋሪ ታክሲ ወዲ ኣስመራ (ገዛ ባንዳ) ዝርከቦም 5 መንእሰያት ‘ውን ኣብ ጋሽ ከምዝተረሸኑ ምንጭታት ብኻልእ ወገን ሓቢሮም።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጥፍኣትካ ዝወጠነ ኣረሜናዊ ምልካዊ ስርዓት ኣሊኻ ብሕጊ ዝሕተት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክሳብ ዘይተኸልካ እዚ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኣመና ስለ ዝተጻወርካዮ ዝደጋገመካ ዘሎ ቅዝፈት መንእሰያትካ ገና ክቕጽል እዩ። ስለዚ ስለ ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ረኺብካ ክትቀስን፡ ብሩህ መጻእን ቀጻልነትን ወለዶኻ ‘ውን ከተውሕስ ብህጹጽ ተለዓል።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
64 COMMENTS
  • Aman April 5, 2016

    What to say!!! ቃንዛን ጋሂን ኤርትራውያን ኣመና በዚሑ። ተሪሺኑ፡ ተቐንጺሉ፡ ተኣሲሩ፡ ኮብሊሉ፡ ደስኪሉ፡ ተኻሪጁ፡ —–ወዘተ። ኩሎም ሕማቕ ናይ ደቂሰባት ዝገልጹ ቃላት መዓልታዊ ቀለብና ኮይኖም። ክሳብ መኣስ ግን? ኩሉ ደረት ኣለዎ። መጠኑ ዝሓለፎ ፍርሒ’ኮ ናብ ድፍረት ይቕየር እዩ። ኣብ ኤርትራውን በጺሑ እንተዘይተቐይሩ።
    ኤርትራውይን ክሳብ ክንድዚ ሕልናን ኣስተሓኮን ዝጎድለና ህዝቢ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ኣበይ ደኣሉ እቲ ጸገም? ኣነ ይጠራጠር ኣለኹ። ኣብ ሃገራዊ መንነትና ሓደ ዝጎደለ ቀመም ከይህሉ? ውላዱ/ውላዳ ንኣባይ ኣሕሊፉ/ኣሕሉፋ ዝህብ ወላዲ/ሃገር ኣላድያ ኣብዛ ንነብረላ ዓለም?
    ኣሕዋት ኣነ ተጸጊመ ኣለኹ፡ ካብ ናይ Sociology ክኢላታት ገለ ክሰምዕ ምደለኹ። ናይ ፖለቲካ መሃይም ኣይኮንኩን፡ ዝዓቕመይ ምህሮ ኣለኒ፡ ብዛዕባ ሃገረይ እኹል ኣፍልጦ ኣለኒ እየ ዝብል።
    ሕጂ’ውን ኣበይ እዩ እቲ ጸገም?? ? ?
    RIP ግዳያት የሕዋተይ።

  • ተስፉ ወድ ሰገን ጻዕዳ April 5, 2016

    ደም ብደም ጥራይ ይነቅጽ፡፡ ተግባር ብጸረ ተግባር ፡ ስጉምቲ ብጸረ ስጉምቲ ፡ ሞት ብህይወት ሚዛና ትሕዝ፡፡ ካብዚ ወጻኢ ፍታሕ ዝጽበ፡ ኣንጻር ተፈጥሮ ይንቀሳቐስ ኣሎ ማለት እዩ ። ACTION EQUALS REACTION

  • Merhawi April 5, 2016

    ኣቱም ሰባት፡ ኣነ በዚ ኩነታት ሰንቢደ ናብ ኣስመራ ትማሊ ደዊለ ነቶም ዘዛረብኩዎም ሰባት እዚ ዝባሃል ዘሎ እንታ ኢዩ ምስ በልኩዎም፡ እዚ ትብሎ ዘለኻ ነገር ኣብዚ የለን፡ ብወገንና ዝሰማዕናዮ የለን ኢሎሙኒ። ወረ ሓደ ወዲ ሓወቦይስ “ትሓልም ደኣ ከይትህሉ፡ ደቂስካ ዲኻ ጸኒሕካ” ኢሉ ጨሪቑለይ። ስለዚ ሕጂውን ዘይተረጋገጸ ወረ ምዝርጋሕ ካብ ጥቕሙ ክሳርኡ ክበዝሕ’ዩ።
    መርሃዊ ሓጎስ

    • ምልኪ ይፍረስ April 5, 2016

      ኣብ ኣስመራ የለን ከይከውን ሓውቦኻ። ናብ ከባቢ ባር ትብለጽ ኪድ ተዛወር በሎ። ካብ ኣሰና ዘይኮነስ ስድራና ደዊልና ኢና ኣረጋጊጽናዮ።

    • yohannes April 5, 2016

      Merhawi you are just small animal, I am sure will never understand. I am sure you are GUASA ATTAL EKA. and in Eritrea we have a lot of GUASOT that they don’t understand any thing . Please understand me , in Eritreans we have most ignorant people. we are immigrated people to the civilized world but still we are ignorant in all aspects. .
      And I am sure you will never improve your way of understanding.
      in Eritrea a lot of people has been killed and they are in prison even this information your brother or your parents have never heard it. may be you are from those family who put Eritreans in jail.

    • helenS April 5, 2016

      I did call asmara too. My family have confirmed what had happen. Merhawi..why all the lie?

  • Ti April 5, 2016

    uuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyy
    atum sebat nU eba bejakhum hade id kona nezi seyTan kab Adna newtsAyo.

    eway hazen, eway aHwatey eway weledey. sqay ab rsi sqay.

  • asmara April 5, 2016

    ATUM HZBI HJI KE ENTAY TBLU TIM HTIM EWAY ANE ANTA KABZOM OROMO GALA EKA AYTMAHARUN YEDUG NIMESELKUM DEW MBAL KTSUENU

  • massawa April 5, 2016

    Asmara
    Haqka eka amhara gala daa abey dyom bexihom zelewu .
    Lieli mot si entay eyu kimexana delikum teberaber hafash ni meselka

  • keshi mars April 5, 2016

    ኣነ ዝገርመኒ ናይቶም ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ተኽሲ ዝኽፍቱ ደናቁር ባራዩ (ተረፍ መረፍ ተጋደልቲን ኣገልግሎትን)እዩ።

  • negassi asmerom April 5, 2016

    what a sad situation!

  • eritrean diplomat April 5, 2016

    Eritrean East african diplomat
    To All eritreans!
    The situation in eritrea is worsening from day to day.The dictatorial Isayas regime is on the verge of collapse.I seek to advise all eritrean political parties,the army ,police ,civil workers and citizens to find way from this crisis.There is now a sign of split among the military,among police and security agents in eritrea.Even there is a secretive assasination operation plan against the dictator and his 7 military and other officals.This will lead the country to a greater instability.

  • Amanuel April 5, 2016

    dear Merhawi, it might be a bit exaggerated but such news do not come out of blue. Your relatives might not live in those areas or scared that they might be caught passing information or another possibility they are part of the spies. The problem is we are killing each other ‘GEREB BEHAKLA’. If people are afraid to testify what they have witnessed in Europe how do you expect people in side Eritrea to tell you the truth.

1 2 3 5

Post a Reply to AHMED SALEH !!! Cancel Reply