እቶም ነታ ተጋዳላይ እትብል ሽም እናዘንጠልና፡ ኣበራት መሪሕነት ህግደፍን ሕመቕናን ከነጸግዓሉ እንህቅን ሰባት ኣብ መንጎ እቲ ናጽነትን ሓርነትን ንምርግጋጽ ህይወቱ ዘወፈየ ተጋዳላይን፡ መብጽዓ ሓርነትን ፍትሕን መሰልን ዲሞክራስን ተጋዳላይ ዝጠለሙ መራሕትን ዘሎ ዓቢ ፍልልይ ከነስተብህለሉ ይግባእ። ነቲ 90 ካብ ሚእቲ ግዳይ ዝኾነ ተጋዳላይ ከም በዳሊ ከሲስካ ፍትሓዊ ክትከውን ምህቃን ግን ምስሉይነት ጥራይ እዩ።