ኣብ ጋሽ-ባርካ 24 ሰራሕተኛታት ማዕድንን ሓደ ወተሃደርን ተቐቲሎም April 11, 2010 7:46 amእዋናዊ ዜናassenna00 SHARE ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሓሙስን ዓርብን ዕለት 8ን 9ን ሚያዝያ 2010 ኣብ ሃደምደም ፋንኮን ዝተባህለ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ቦታታት፡ ኣብ ናይ ወርቂ ምፍሓር ስርሓት ተዋፊሮም ዘለዉ ኤርትራውያን በስገዳድ ንምዕስካሮም ብወተሃደራት ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዝተፈጸመ ማሀረምትን ምድፋእን ኣምባጓሮ ተፈጢሩ ካብ ወተሃደራት ስርዓት ኤርትራ ሓደ ወተሃደር ሞይቱ። Continue reading POST TAGS: ሓደማዕድንንሰራሕተኛታትባርካተቐቲሎምኣብወተሃደርንጋሽ
ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ካሕሳይ ገብሪሂወት፡ ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ኣብ ዛግር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጽምብል መደረ እናህበ ከሎ ክወድቕ፡ ኣብ ቴለቪዝን ኤርትራ ላይቭ ተራእዩ። April 4, 2010 1:08 pmእዋናዊ ዜናassenna00 SHARE ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ካሕሳይ ገብሪሂወት፡ ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ኣብ ዛግር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጽምብል መደረ እናህበ ከሎ ክወድቕ፡ ኣብ ቴለቪዝን ኤርትራ ላይቭ ተራእዩ። Continue reading POST TAGS: ሃንደበትላይቭመደረባርካቴለቪዝንኣማሓዳሪኣብኣቶኤርትራእናህበ፡እናተመሓላለፈካሕሳይኸሎወዲቑ።ዞባገብሪሂወትጋሽ
ስርዓት ህግደፍ 1300 ስድራቤታት ዞባ ደቡብ ብምፍንቓል ኣብ ጋሽ ባርካ ናብ ዘዋደዶ ሰፈራ ኣግዒዙ። June 27, 2009 8:22 pmእዋናዊ ዜናassenna00 SHARE ስርዓት ህግደፍ ነዚ ዓድታት ዘብርስ ብታሕቲ ታሕቲ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ውጥን ህዝቢ ብጠለቡ ይትግብሮ ከምዘሎ ንምምሳል ይፍትን ኳ እንተሎ፡ ሰስብሑ መሬት ህዝቢ እናመንዘዐ፡ ህዝቢ ንዘፍረዮ ኣእካል ካብ ቆፎታቱን ብሎኮታት ከተማትትን እናመንዘዐ ብዓቢኡ ድማ ነቶም ከልምዑን ከፍርዩን ጉልበት ዘለዎም መንእሰያት ደቁ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸሚዱ ስድራቤታት ብምልማስ እዩ ነቲ ህዝቢ ብጥምየትን ድኽነትን ናይ ምንብርካኽን ጽግዕተኛ መንግስቲ ናይ ምግባርን መደብ ተተሓሒዙዎ ጸኒሑ። ስለዚ ጠንቂ ናይዚ ምፍንቓል ‘ዚ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘይኮነ፡ ኣዕናዊ ፖሊሲ ናይቲ ስርዓት እዩ። Continue reading POST TAGS: 1300ህግደፍሰፈራስርዓትስድራቤታትባርካብምፍንቓልናብኣብኣግዒዙ።ዘዋደዶዞባደቡብጋሽ
ህዝቢ ከተማ ሰገነይቲ ናብ ባርካ ክግዕዝ ምዃኑ ብዕሊ ተነጊሩ። February 23, 2009 4:29 amእዋናዊ ዜናassenna00 SHARE ህዝቢ ከተማ ሰገነይቲ ናብ ባርካ ክግዕዝ ምዃኑ ብመንግስቲ ብዕሊ ከምዝተነግረ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም። ብመሰረት ‘ቲ ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ዋላ ‘ኳ እቲ ህዝቢ ጥሜት እንተለዎ፡ ካብ ዓዱ ተዘናቢሉ ናብ ባርካ ኪኸይድ ድሉው ከምዘይኮነ ነቶም ሰበስልጣን የፍልጦም ኣሎ። Continue reading POST TAGS: ህዝቢምዃኑሰገነይቲባርካብዕሊተነጊሩ።ናብከተማክግዕዝ
ዞባ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ሰራዊት ኤርትራ ንመንግስታዊ ምብስባስ ህዝቢ ብስምረት ይቃወም። December 8, 2008 10:53 pmእዋናዊ ዜናassenna00 SHARE ኣብቲ ብብሪጋደር ጀነራል ተኸለ ክፍላይ /ማንጁስ/ ዝምራሕ ብ ‘ምክትታል ዶባት’ ዝፍለጥ ዕማምን ስርሒታትን ዝካየደሉ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ዓስኪረን ዝርከባ ክልተ ቦጦሎኒታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ምምሕዳራዊ ዞባአን ዝግበር መንግስታዊ ምብስባስ ህዝብን እገዳ ምንቅስቓስ ንብረትን እኽልን ብምቅዋም፡ “ኣገልግሎትና ሓልዮት ህዝብና እምበር ኣንጻር ህዝብና ኣይኮነን” ብዝብል መንፈስ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበን ግጉይ መምርሒ ነጺገንኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ከምዝበላ ምንጭታት ሓቢሮም። Continue reading POST TAGS: ህዝቢምብስባስሰራዊትባርካብስምረትንመንግስታዊኤርትራዝርከብዞባይቃወም።ጋሽ