ኣለኻ’ዶ ኤርትራዊ፧ ብርግጽ ኣለኻ፧ ኣበይ፧ እንታይከ ትገብር፧ እንተትህሉ ደኣ እቲ ሓያል ድምጽኻ ዘይጓዝም፧…እንተወሓደ “እሕሕ’’ ክትብል ምሰማዕኩኻ። ቀጽሪ ደምበኻ እናፈረሰ፡ ንጥሪትካ ተኹላ እናመጠለን እውን ትም ኣይምበልካን። ግንሲ…እንድዒ…ፈሪሐ….ብህላወኻ ተጠራጢረ። እንተትህሉስ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን በባትር እናተሰለቑ’ዶ ትም ምበልካ፧ እንተገደደስ’ባ ኣስናንካ ምሓርቀምካ፡፡ ነእዳውካ እውን ሰፍ መበልካየን። ኣሕዋትካን ኣሓትካን ከምተመን ርእሲርእሶም እናተቐጥቀጡን መነጻጸሪ ዒላማ እናኾኑን እውን፡ እታ ናብኣቶም ኳሕ ዝበለት ጥይት ንትርግታልብኻ ፈግ መበለቶ’ሞ “ወዲ ኣይተ!’’ ምበልካ።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ድሮ ውድቀቱ ምህላዉ ናይ ዕዳጋ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ ካብቲ ኩሉ ዝሕዝን ግና ህዝቢ ለኪሙ ክጠፍእ ምኻኑ እዩ ግና ክሳብ መዓስ ኢና ክንጥበር ክነብር ኩሉ እቲ ጽባሕ ንግሆ ዝመጽእ ሓሳረ መከራ ከጣዕሰና ክነብር ምኻኑ ድማ ጽባሕ ንግሆ ዘይወጽእ ጣዕሳ ከም ዝህሉ ርጉጽ እዩ::ገለ ካብቲ ን ስርዓት ሕግደፍ ካብ ውድቀት ዘየድሕንዎ ረቓሒታት ክጠቅስ