ግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ ሸፊልድ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሃለቑ ልዕሊ 330 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ብዝወሰድዎ ተበግሶ ንክብሮም ናይ ሽምዓ ምብራህን ካልእን ንቀዳም 30/04/2011 መደብ ኣዳልዮም ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ናይ ሃይማኖትን ካልእ ካልኣዊ ውልቃዊ ፍልልያትኩም ኣወጊድኩም ኣብዚ መደብ ክትሳተፉ ብክብሪ ትዕደሙ ኣለኹም።
ብመሰረት ዝኣተናልኩም ቃል ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና እቲ ንብዙሓት እንኮላይ ንብሪጣንያውያን ኣገሪምዎም ዘሎ ክሳብ ሕጂ “ምኽንያት ምምልላስ ወዲ ገራህቱ ንከተማ ሸፊልድ እንታይ ምዃኑ? ከም ነቕርበልኩም ኢዩ።
ኣብ ሸፊልድ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ብምቅዋም ብ5 ሚያዝያ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።