ሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃንስ
ሓደ ንዝኾነ ታሪኽ ጸሓፋይ፤ተንታናይ፤ሰናዲ ተመራማርን ንባዕሉ ኣንባቢውን እንተኾነ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ጉዳይ እንተሃልዩ፤ንሓቂ ካብ ሓሶት ንጭቡጥ ሓበሬታ ካብ ቤላቤለው፤ ንይኸውን ዶ ኾን ካብ ርጉጽ ክውንነት ፈሊኻን ጋሊህካን ምምርማርን ምቕራብን ኮይኑ፡ በዚ ገዚፍ ክባሃል ብዝኽእል ማህለኻ፡ብዙሓት ናይ ታሪኽ ጸሓፍትን ተመራመርትን ክጽገሙን ሓደ ሓደ እዋንውን ግዳያት ኽኾኑ ይርኣዩ እዮም።
ንህግደፍ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ስርዓቱን ኣካይዳኡን ነቐፌታ ዘለዎ ወገን ጸላኢኡ እዩ። ካብ ብሕታዊ ዝናን ውልቃዊ ጠቕምን ሃገራዊ ዕላማታትን ህዝባዊ ረብሓን ዘብልጽ ልቦና ዘለዎ መንግስቲ እንተዝኸውን፡ ንነቐፍቱ ከም መቛርንቱ ‘ምበር ከም መቓርንቱ ክርእዮም ኣይምተገብአን።