ህዝብና ብሰንሰለታውያን ገዛእቲ ንኣማእት ዓመታት ክሳቐ ከም ዝጸንሐ ንኹላትና ርዱእ ይመስለኒ። ዝያዳ ከፊኡዎ ዘሎ ናይዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ተዀዲጩ ዘሎ ውልቀመላኺ ስርዓት ስለ ዝኾነ ግን: ብዛዕባኡ ብዙሕ ኣይክዛረብን’ የ። በሉ ብቐጥታ ናብቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ምስ ሓደ ኣቦ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርና ዘገበርናዮ ዕላል ከካፍለኩም ጽን በሉ። እቶም ኣቦ፡ ወዶም ካብ ወጻኢ ዝሰደደሎም መድሃኒት ከምጽኡ ’ዮም ነስመራ መጺኦም። እቲ ዘምጻሎም ሰብ ብጉዳይ ዶላር ስለ ዝተኣስረ ግን ካብ ዓዲኣቤቶ ብዋሕስ ክሳብ ዝወጽእ ከም ጋሻይ ኣብ ገዛይ ቀንዮም። ንቐጽል ናብቲ ዕላል።