Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሲሃም ዓሊ ዓብዱ፡ ጓሉ ንሚኒስተር ዜና ስርዓት ህግደፍ ነበር፡ ብህይወት ምህላዋ ዘጠራጥር ምዃኑ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ዜና ዝነበረ፡ ኣቦኣ ዓሊ ዓብዱ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሕዎ ምስ ከደ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ንልዕሊ ክልተ ዓመትን 5 ኣዋርሕን ተዳጒና ዝነበረት ጓሉ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ብዘጋጠማ ምቕጥቓጥን መግረፍትን ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣት በጺሕዋ ከምዝነበረ ምንጭታትና ካብ

ሚኒስተር ዜና ዝነበረ፡ ኣቦኣ ዓሊ ዓብዱ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሕዎ ምስ ከደ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ንልዕሊ ክልተ ዓመትን 5 ኣዋርሕን ተዳጒና ዝነበረት ጓሉ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ብዘጋጠማ ምቕጥቓጥን መግረፍትን ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣት በጺሕዋ ከምዝነበረ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ሲሃም ሰባን መቕርባን ክበጽሕዋን ክርእይዋን ይትረፍ ሃለዋታ ምሕታት ጥራሕ ንባዕሉ ብኸቢድ ጥርጠራ ዘሕትት ገበን ሙዃኑ ብዛዕባ ሲሃም ዝሓተቱ’ሞ ብክፍሊ ጸጥታ ከቢድ መጠንቐቕታ ዝተዋህቡ ሰባት ይገልጹ። ብህይወት ብዛዕባ ምህላዋን ዘይምህላዋን ዝጠራጠሩ `ውን ብዙሓት እዮም።

ብኣዚዩ ሕልፍ ዝበለ ሕንቓቐን ምቾትን ከምዝዓበየት ዝንገረላ ሲሃም ዓሊ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ ኩነታት ክትቕበሎ ስለዘይከኣለት ንነዊሕ እዋን ስነኣእሙረኣዊ ጭንቀትን ነውጽን ከተማዕብል ከምዝጸንሐት እቶም ምንጭታት ይገልጹ።

ዓሊ ዓብዱ ዝፈልጦ ምስጢራት መታን ከይዛረብ ጓሉ ሲሃም ዓሊ ንልዕሊ ክልተ ዓመትን 5 ኣዋርሕን ኣብ ጎዳጉዲ ከምዝተመቚሐት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ብቐጥታ ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ብዝተዋህበ ትእዛዝ ኣብ ማእሰርቲ ክትሳቐ ከምዝተወሰነ ይፍለጥ። ሽሕኳ ብዙሓት ሚኒስተራትን ሓለፍትን ‘እንታይ የርእዩና ኣለዉ’ ኢሎም እንተተደናገጹ፡ እቶም ምስ ዓሊ ዓብዱ ፍሉይ ቅርሕንቲ ዝነበሮም ጀነራል ፍሊጶስን: ተስፋልደት ሃብተስላሰን ሓለፍቲ ህግደፍን ማእሰርቲ ሲሃም ውልቃዊ ጽልኦም ንምውጻእ ብዝለዓለ ክጥቀሙሉ ከምዝተራእዩ`ውን ቅርበት ዘለዎም ሰባት ገሊጾም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብረሃ ካሳ ኣብ ገዛ ናይታ ኣብ እንዳ ኮርያ እትርከብ መዓሾ ዝተባህለት ኣማኒቱ ብምኽንያት ምውሳኽ ማዕርግ ናይ ሓደ ሰብ ኣብ ዝገበሮ ግብጃ ‘ንዝኾነ ምሳይ ዝነበረ ሰብ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም ንዓሊ ንዓብዱ ሓንቲ መዓልቲ`ውን ከምሓላፊ ተቐቢለዮ ኣይፈልጥን። ጓሉን ኣቡኡን ንዓሊ ዓብዱ ዝኣሰርኩላ መዓልቲ እታ ዝበለጸት ዕለት ኣብ ህይወተ`ያ።’ ኢሉ ክዛረብ ብእዝኖም ዝሰምዕዎ ሰባት ሓድሕዳዊ ጽልኢ ሓለፍቲ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑን ናብ ደቆም ከምዝመሓላለፍን ይገልጹ።

ብዘይካ ጓሉ ሲሃምን ወዲ 87 ዓመት ኣቡኡ ኣቶ ዓብዱን ምስ ዓሊ ዓብዱ ብዘለዎም ቅርበት ተጠርጢሮም  ኣሕዋቱ: ዘማታቱ: ሰራሕተኝኡ: መራሕቲ መካይኑ: ጽሓፍቱ ዝርከብዎም ልዕሊ 10 ሰባት ከምዝተኣስሩ ዝፍለጥ’ዩ። ኣቡኡ ኣቶ ዓብዱ ኣብ ቤትማእሰርቲ ብሕማም ተሳቕዮም ብዊልቼር ይኸዱ ከምዘለዉ ኣብ ማእሰርቲ ዝረኣይዎም ሰባት ገሊጾም። ናስር ዝተባህለ ንዓሊ ዓብዱ ኣውቲስትኡ ዝነበረ`ውን ንኽልተ ዓመት ኣብ ልዕሊኡ ከቢድ ምቕጥቓጥን ግፍዕታትን ክፍጸም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ከምዝወጸ ካብ ኣስመራ ዝመጻና ሓበረታ ይጠቅስ።

ብዘይካ `ዚ ሚኒስተር ተስፋይ ገብረስላሴ ብዛዕባ`ታ ብዘይወዓለቶ ገበን ኣብ ማእሰርቲ ትሳቐ ዘላ ሲሃም ዓሊ ከይገደሶ ንገዘኣ ዘሚቱ ኣብ መደቀሲ ናይታ ኣብ ጎዳጉዲ ንእስነታ ዝበሊ ዘሎ ሲሃም ዓሊ መዘነኣ ጓሉ ከምትሰፍር ምግባሩ ብብዙሓት ነበርቲ ከባቢ ቲራቮሎ ተኻዒቡ መዛረቢ ኮይኑ ከምዘሎ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት። እቶም ሓለፍቲ ህግደፍ ካብ ሓድሕድ ዘይሕሹ ንግዝያዊ ረብሓ ዝግዝኡ ዕሱባት ምዃኖም ዝጠቐሱ ምንጭታት፡ ‘ደቆምን ስድራቤቶምን ግዳያት ምዃኖም `ዩ ዘሕዝን እምበር ዓሊ ዓብዱ ‘ውን ኣብ ስልጣን ከሎ መዓስ ነቶም ቅድሚኡ ከምዚ ናቱ ዘጋጠሞም ግዳያት ተጣቢቑሎም፡ ብቐደሙስ ደይ ነንሕድሕዶም ባዕሎም ዝተማቐልዎ ቪላታት`ዩ’ ዝብል ርእይቶ ዘለዎም ብዙሓት ተዓዘብቲ ከምዘለዉ `ውን የገንዝቡ።

ምኒስተር ዜና ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ ንስርዓት ህግደፍ ካብ ዝርሕርሖ ልዕሊ 2 ዓመትን 6 ኣዋርሕን `ኳ እንተኣቚጸረ ብዛዕባ`ቲ ውሽጡን ውሻጢኡን ዝፈልጦ ስርዓት ህግደፍ ይኹን፡ እቲ ከምውላዱ ዘዕበዮ መራሒኡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ብጩቕ ዘይምባሉ ንብዙሓት ሰባት ከምዘቖጠዖም ዝፍለጥ’ዩ። መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ነቲ ‘ዓሊ ዓብዱ ኣብ ልዕሊ ስድራቤቱ ሓደጋ ከይመጽእ ኢሉ`ዩ ዘይተዛረበ’ ዝበሃል ምጉት ዘይቅቡል`ዩ ኢሉ እዩ ዝኣምን። ንስድራቤቱ ካብዚ ድሮ ኣጋጢምዎም ዘሎ ሽግር ንላዕሊ ከጋጥሞም ስለዘይክእል፡ እቲ ዝወሃብ ምኽንያት ንኻልእ ዕላማ ዝቐርብ መመሳመሲ ደኣምበር ሓቅነት ኣለዎ ዝብል እምነት የብሉን።

በዚ ኣጋጣሚ ማዕከን ዜና ኣሰና፡ ነታ ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ ግዳይ ናይ ዘይፈለጠቶ ፖለቲካዊ ቊርቊስ ኮይና ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ኣደራዕ ወዲቑዋ ዘሎ ሲሃምን ሽማግለ ኣባሓጎኣን ራህዋ እናተመነየት፡ ዓሊ ዓብዱ ካብቲ ተሓቢእዎ ዘሎ ውሻጠታት መልበርን ናብ ቅርዓት ወጺኡ ዝፈልጦም ሓቅታት ኪገልጽን ንህዝቢ ኤርትራ ኪኽሕስን ትጽውዕ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
118 COMMENTS
  • Tesfaldet March 13, 2015

    “What goes around, comes around”
    Now Ali is the victim of his own policies.
    As I type this comment, my eyes are full of tears. She is just innocent. No one deserves this kind of punishment. May God/ Allah save her life! She is just a child like any Eritrean children.

  • Michael Haile March 13, 2015

    አቶ ዓሊ ዓብዱ ሚንስተር ዜና ህግደፍ ነበር፡ንስርዓቱ ካብ ዝርሕርሕ 2 ዓመትን 6ወርሒን ክገብር ፣ክሳብ ሕጂ ብህላዉነቱ ከም ዘሎን ዘየሎን ዘረጋግጹ ሓቢኦሞ ዘለዉ አዝማዱ ዉን እንተኾኑ ከም መልዕሎ እዮም ዘለዉ፣አብ ከቢድ ስነ አእምራዊ ጭንቀትን ነዉጺ ዝርከብ ዓሊ እትረፍ ሚስጢራት ከዉጽእ ንነብሱ ከም ህላዌ ሰብነቱ ከርግእ አብ ዘይክእለሉ መአዝን ከምዘሎ ።ሓንቲ መዓልቲ ከም አጋጣሚ ብአዝማዱ ተዓጂቡ ናብ ሓደ ቤት መግቢ ክኸይድ ከሎ አብ ዝረአኽሉ እዋን እዚ ዝህቦ ዘለኹ አብ ሰብነቱ ሕማቅ ስእሊ ከምዝበጽሔ ተዓዚበ ፣ስለዚ እቶም ሓባእቱ ዉን እንተኾነ ብቃልሲ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ዘይግደሱን ንዕኡ ዉን ካብቲ ዘለዎ ጭንቀት ንኸገላግሉ ዘይሓስቡን እዮም ፣እዚ ዘበልኒ እንተ ዝወጽእ ናብ ህዝቢ ብዙሕ ምተሓገዘን ምነፈሰሉን ነይሩ በሃላይ እየ፣ይትረፍ እቲ ሚስሒር ዝበሃል ፣ካብኡ ዘይኮነ ካብ በዓል መስፍን ሓጎስን ካላዕትን ዉን አይተረኽበን ።

  • Abisho March 13, 2015

    First of all God was working against the innocent blood of Eritrean peoples,because as you know many people of Eritreans were suffered due to Ali Abdu. Ali Abdu when the BBC Asked about Isease, He said, “Isease was very innocent and very healthy person he don’t have any problem he said” okay what about now, some times I say thank you Isease, because he fucking them by him self kkkkkkkkk that funny.
    Finally I don’t care about his Father and his daughter, who care about me my Father was martyr, and all the people Eritrean like me were lost his family.You know what when I heard like this,that mean criminals family were suffering I was say God was the one who Innocent justice thank you again and again. That is not enough we will see about the others who suffering to our people inside and outside,because God was all the time keep his working never ever forget us. He will be paid them one by one,do you Remember the guy who died in London Naizgi Kiflu the best friend of Isease, and the first one killed our people from Sahl before get our liberation.You know that Isease what he doing, that is the working of God.Again you know wedi Memhir the one who killed 13 veterans(sunkulan my habar) where is he now, he was in Jail you see the God how is working, my brothers and my sisters don’t worried we have the best of best advocated his name is Jesus Christ the Son of Virgin Marry. That is enough we don’t needed any weapons against the losers of Eritrean leaders.
    Thanks God all the time

    • Fedai Hne March 14, 2015

      yes that right Eritrean people fell Powerless at the Moment but look God is great the Criminal ALI Abdu his criminal act for the innocent Eritrean is over now is the time for him to have a lesson. ALi, this is what you were doing to Eritrean fell it now HA or say sam thing about Essyass inorder you to get sympathy form eritrean people

  • Desta March 14, 2015

    ኣደያይባ ኣስካላ ብብደራጅኡ ምስዝኸውን ንክትወርዶ ይቐለልካ`ዩ። ዓሊ ግን ኣደያይባ ኣስካላ ኣይከኣሎን ዓቢ ዝላ እዩ ኔሩ። ኣዋድቕኡ ከኣ ዕንወት ከምዝኸውን ዘይበልና ኣይኮንናን። ዓሊ ግን ብስልጣን ሰኺሩ ዓይኑ ዓዊሩ ኣዩ። ትዕቢት፡ ብድዐ፡ ትምክሕቲ፡ ኣሕዲሩሉ። ሕሉፍ ሓሊፉ መንነቱ ኣጥፊኡ ናይ መራሒኡ ስታይል ኣዘራርባ ክጥቀም ጀሚሩ። ክገርመኩም ኣብ 2001 መርዓ ናይ ሓደ ዓርከይ ኔሩስ ምስ ዓሊ ዕላል ንጅምር`ሞ ኩሉ ነገሩ ቅጭ ኣምጺኡለይ “ዓሊ ኣዘራርባኻ ይሕሸካ” በልኩዎ “እንታይ ማለትካ እዩ” ይብለኒ “ዋእ እቲ ኣነ ዝፈልጦ ዓሊ ኣይኮንካን” ይምልሰሉ። ዓሊ ወዲሰፈረይን መማህርተይን እዩ ኔሩ። ብሓንሳብ ስለዝዓበና ክኣ ኣጸቢቐ ዝፈልጦ ሰብ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ክሳብ 1994 ዓሊ ጸጥታ ወይ ሓለዋ ኢሰያስ እዩ ኔሩ። ኣብ`ቲ እዋንቲ ብሓንቲ ነፋሪት ናብ ኬንያ ኣብ ዝኸድናሉ ግዜ፡ ዓሊ Advance Team ናይ ሓለዋ ኢሰያስ ኮይኑ እዩ ዝኸይድ ኔሩ። ኣብ`ቲ ናይ University ዕግርግራት ዝነበረሉ እዋን ኣነ ኣብ ኦፊስና ኮይነ ብመስኮት ኣየ ዝዕዘብ ኔረ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ኢሰያስ ዘላ ባንዴራ ኣብ ትሕቲኣ ኮይኖም ኢሰያስ፡ ዓሊን ዶክቶር ወልድኣብ ኢሳቕን ንሰለስተ ስዓት መመላእታ ጉጅም ክብሉ ይሪኦም። ኣቲ ጉዳይ መግለጺ`ውን ዘድልዮ ኣይመስለንን፡ ከመይ ነቲ ጉዳይ ናይ ተማሃሮ ትምክቶ እዩ ሽርሒ ምእላም እዩ ኔሩ። ከይገረመኒ ኣይተረፈን ኣቲ ዝፈልጦ ዓሊስ ማዕረ መራሕቲ ሃገር ኮይኑስ ውዲታት ኣብ ምእላም በጺሑ፡ በልስከ ኣዋድቕኡ የጸብቖ በልኩ ብልበይ። ኣብ 1999-2000 ኣምባሳደ ኣብ ጀርመን ምስ ተመዘዘ ብዙሕ ሰብ ከምዝተገረመ ዝዝከር ኣዩ። ዳይረክተር ቲቪ-ኤረ፡ ሚኒስተር ዜና ገባርን ሓዳግን ተማሻጣሪ ናይ ፕረዚደንት ኮይኑ። ኣብ ሓጺር እዋን፡ እንታይ ጸብለልታ ሃልይዎ`ዩ ዓሊ ካብ`ቶም ብጾቱ፧ ብቀረባ ክኣ ካብቶም ኣብ ክላስ ዘቅድሕዎ መማህርቱ፧ ብፍላይ ክኣ ነቶም ብቖልዕኡ ዘዕበይዎ ሓለፍቱ ክዋሓጠሎም ዘይከኣል እዩ ኔሩ። ኢሰያስ ግን ከምኡ ክገብር ከሎ ብመደብ እዩ ኔሩ። እሙን ናይ ነዊሕ ኣገልጋሊ ናቱ ከምዝኸውን ፈሊጡ እዩ፡ ክሳብ ምጻሩ ዝኸብዶ ስልጣን ዝድርዖ ዝነበረ። ዓሊ ዛህላይ ግን በዚ ሰኺሩ ክንዲ እምባ ዝኾነ መሲሉዎ፡ ኣብ ዘየድሊ ገበንን ጎነጽ ምስ ዓበይቲ ሓለፍቱ ነበርን ክኣቱ ኪኢሉ። ማንቲለ ዘሊላ ዘሊላ ናብ መሬታ ከምዝኾነ ኣይተራእዮን። ነቶም ብንእሽትኡ ዘዕበይዎን ዝተከባኽብዎን ሓለፍቱ እንታይ ከምዘጋጠሞም ኣይተገንዘበን ተመሊሱ ነኺሱዎም። ንወላዲኡ ከይተረፈ ዝኸሓደ ናይ ጠላም ጠላም እዩ። ብሰንኪ ሓጥያቱ ክኣ ብዙሓት ንጹሃን ሰባት ክከላበቱ ይርከቡ። ሕጂ ክኣ ጓሉ ተኣሲራ ክስምዖ`ዩ ክንብል ኣይንክኣልን። ስለምንታይ ዓሊ ናይ ብሓቒ ካብ ሰብኣውነት ዝወጸ ፈታው ነብሱ እዩ። እዚ ሕጂ ብሰንኩ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከምዝመጽእ ዘይፈልጥ ኣይኮነን። ብድሕረይ ኣይግድሰንን እዩ ኢሉ ናይ ውልቁ ብምሕሳብ ዝገበሮ እዩ። ወላዲ ንውላዱ ይስየፍ ንፈልጥ! ናይዚ ግን በይኑ እዩ። ዓሊ ሕጂ ሕነ ክፈዲ ኣብ ቕርዓት ክወጽእ`ሞ ነቲ ስርዓት ከቓልዖ ዝባሃል ነገር፡ ኣነ ብዙሕ ግምት ዝህቦ ኣይኮነን። ብዛዕባ እዚ ስርዓት ካብ ዝኾን ግዜ ንላዕሊ ዕርቃኑ ወጺኡ እዩ። መግለጺ ዘድልየና ኣይመስለንን። ‘ሓሲኻ ከምዚ በል፡ ከምዚ ግበር’ ይባሃል ኔረ ክብለና እንተዘይኮይኑ ዓሊ ዘምጽኦ ሓድሽ ነገር ኣይክህሉን እዩ። እቲ ሕጂ ዘድልየና ዘሎ ከመይ ንኣልዮ ነዚ ስርዓት እዩ። ንሲሃም ጋልና ክኣ ኣምላኽ ግርህናኺ ይርኣየልኪ ንበላ። ናይ ኣቡኣ ሓጥያት ባዕሉ ይሰከሞ!

  • tamrat tamrat March 14, 2015

    You see the unlimited barbarism in this devil when he is challenged!

    Hgdf ali was acting as the right hand of the mad man hopping one beautiful day he would lead eritrea. Those of you who think eritrea couldn’t suffer worse than now God forbid try hgdef ali.

    Mad leaders like isaias has most of the time only the devil ambitions. The actual work is performed by people like abdu.

    So what you witnessed on this little innocent girl is the result of the rotten mafia like system of hgdf. Thier secret is kept by such kind of brutality. In short hgdf ali has a lot to tell the world but he knows his daughter would pay for it.

  • helen March 14, 2015

    Kabtom hasare mekereom zbelu zelewu eritreawyan b mntay tbeleth?melusuley

  • Debre March 14, 2015

    እዚ ዝበሃል ዘሎ ሓቂ እንተኾይኑ ዝነበረኒ ጥርጣረታት ተኣልዩ። ንኢሳይያስ ብዝኾነ መዐቀኒ ክትኣምኖ ስለዘይትኽእል ምርሕራሕ ዓሊ ንይምሰል ተዋስኦ ጌረ ወሲደዮ ነይረ። ናይ ቢሻ ወርቂ ገንዘብ ከመሓድረሉ ዝሰደዶ ጌረ ገሚተ። ብውስኪ ዝሕጸብ ዓሊ ንኢሳይያስ ገዲፉ ክጠልሞ ‘ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣይነበረንን። ምስ ሚኪኤል ኣዶናይ ዝነበሮም ቅርርብ ነዚ ቅርሲ ሃገር ዝኾነ ሰብ ‘ውን ግዳይ ገይርዎ ‘ዩ። ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ጓሉ ኣቡኡ የሕዋቱ መቅርባቱ ኣብ ሓደጋ ምስ ሸመመ ተሓቢኡ ምጽቃጡ ስለምንታይ? ጓሉ ከይትመቶ? ኣብኡ ከይመቱ? ከይመተ ብሂይወቱ ከሎ ቀቲሊዎም ዶ የሎን? ባህርያትን መንገዲ ኢሳይያስን ይፈልጥ እንተነይሩ፡ ቦታ ቦታ ከየትሓዞም ድዩ ሃዲሙ? ድሓር ከ መዓስ እዞም ሰባት ጥራይ ኮይኖም ተኣሲሮም ዘለዉ? መላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብዞም ሰባት እዚኦም ይበዝሑ። ዓሊ ነዚ ክርኢ ነይርዎ። ዓሊ ግን ድሁል ‘ዩ። ከምዝበሃል ኣብ ቅድሚ ኢሳይያስ ክቀርብ ከሎ ከም ኣብ ማይ ዝኣተወ ኣንጭዋ ፣ዩ ዝኸውን። ካብኡ ክርሕቅ ከሎ ከኣ ሊዕሊኡ ይጭድር። እቲ ምድሃል ዝበሃል ጌና ካብ ርእሱ ኣይወጻሉን ዘሎ። ካብ ሳዕስዑስ ተቆጻጸ ድዩ ዝበሃል!! ብዓቢኡ ኣብ ንእስነት ዝረኸቦ ስልጣንን ሓላፍነትን ‘ኳ ራሕሪሕዎ ከይዱ ዶ የሎን? እቲ ስልጣን ዝተወሃቦ ‘ኮ ብዙሕ ሚስጢር ስለዝፈልጥ ዶ ኣይኮነን? ሓደ ምሸት ኣብታ ዘምስየላ ናይ ሚስጢር ቤት መስተ ቦጨቅ ዝበሎ ከዘኻክሮ፡ “ሊዕሊ ኮሎም እምነት ኣባይ እዩ ዘለዎ” ኢሉ መካፍልቱ ሚስጢራቱ ከምዝኾነ ካብ ሓበረ ብዙሕ ዝፈልጦ ኣለዎ ‘ምበር። ሲሃን ጓሉን ስድርኡን ብሰላም ብሂይወት ክጸንሑ ጸሎት ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ምንዋሕ ዕድመ ኢሳይያስ ብዘይካ ስቃዮምን ሓሳሮምን ዘብዝሖ ዘምጸኦ ለውጢ የለን።
    ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ
    ደብረ

  • Hail4 soura March 14, 2015

    where is her father, he hid himself somewhere he needs to understand that he is accountable for what happened. she is innocent and has no crime but her father abundant his family and the eritrean people in general. He needs to come forward and tell the eritrean people what happened and what he knows. why he has kept it for himself. He was the worst Issais servant and treated like his old child.kkkkkkkkk dictators at the end eat their servants. This happened many times in Eritrean history by this dictatorial regime. Ali is one of them, he was well shaped instrument of the dictatorial, i remember when he had interview about Adi Abyto and denied the atrocity so what he will say to day about his own daughter. will he denied and continue silent. I am sure he might come forward to ask apology.

  • Ghenet March 14, 2015

    Assenna,
    It is very wrong of you to write this report for two reasons.
    1. Siham is just a young girl who happened to be the daughter of a cruel, irresponsible and disgusting father. She has nothing to do with the politics of Eritrea. She is a a young victim like many thousand young Eritreans. She should not be in the NEWS! What is your goal by writing this?
    2. No matter what she has a mother. What do you thing she would feel? What do you expect here to do. I don’t care if Ali hangs himself but for a mother…?
    What do you expect to come out of this news?

    • Debre March 14, 2015

      Dear Ghenet!
      sorry let me answer your questions, if you do not mind.
      I agree that Siham is innocent and she has done nothing crime. But she is a victim of the sin of her father. Her own father betrayed her brutally. After her capture, he did not ask for her for justice. This is the first time, after 2 years and 5 months, that Amanuiel posted her problem to public.

      yo said that “No matter what she has a mother.” She may feel what mothers feel. But She is also like her husband has been kept silence. If were Siham’s mother what will you do? Do you keep silent?

  • delay selam March 14, 2015

    I’m really sorry to hear!! Siham is like normal eritrean child.she knows nothing about what his father did against other innocent and those who asked for peace and justice.he did every evil against all eritrean. He was the right hand of the dictator. He knew every thing on his time but he was unable to stand for his brothers and coligues. At least he was to keep not to say against them.Ali said every evil against them when he was asked by VOA ONE time. God is fare and has the right time for every one of us.God can punish to 3-4 generations to those who goes against his will. May God keep safe the innocent child”SIHAM”.

Post a Reply to Victim Cancel Reply