መሰጋገሪ ድልድል ክንከውን ኢና ደሊና !!!(ኣዋጅ መድረኽ ንሓባራዊ ዘተ)
መድረኽ ንሓባራዊ ዘተ ትንሳኤ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘስምዕ ቋንቋ ከም መርሃዊ ጸበባ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ናብ ህዝቢ ቀሪባ'ላ፡ ፤ ጽገናውያን ድሕሪ ናይ6 ኣዋርሕ ናይ ሓሶትን ጸለመን ወፍሮም ብሳላ ብድሆ ደለይቲ ፍትሒ ናብ ኣደባባይ ወጽዮም ክቃልዑ ተገዲዶም ኣለዉ፡ ፤ መድረኽ ንሓባራዊ ዘተ ኣብ መግለጺኦም "መሰጋገሪ ድልድል"ጥራሕ ክኾኑ'ኳ እንተ ገለጹ መን ምስ መን ዘራኽብ ድልድል ምዃኑ ግን ንጹር ኣይገበርዎን፡
፤ እስከ ካብ ኣፎም ንስምዓዮ፡ ፡ “We are responding to Eritrean cries for change,” said Andebrhan. “We are a bridge between the diaspora, who are important, and our colleagues inside Eritrea. But the Forum is led from inside Eritrea.” ይብል ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ፕረሲደንት ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ነበር፡ ፡ ተዋስኦ ድዩ ወይስ ቁምነገር ዘይነጸረ መግለጺ መድረኽ ህዝቢ መታን ከየደናግር ክንሓተሉ ህዝባዊ ሓላፍነት ኣለና፡ ፡ እዚ ተባሂሉ ዘሎ ድልድል ኣብ ሞንጎ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሕብረተሰባት ኤርትራን ኣብ ውሽጢ ዝነጥፉ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ይብሉና ኣለዉ፡ ፡ መን'ዮም እቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ተቛወምቲ?ኣቶ ዓንደብርሃን "ብጾትና" ክብል ከሎ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ናይ ገድሊ ብጾቱ ማለት ድዩ ወይስ ብመንእሰይ ወለዶ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ማለቱ'ዩ? እዚ ንሱ ባዕሉ ዝምልሶ'ኳ እንተኾነ መንእሰይ ወለዶ ነዚ ኣብ ልዕለኻ ዘሎ ናይ ሓደጋ ደበና ክተስተብህለሉ ምስትውዓል የድልየካ'ሎ፡ ፡
መድረኽ ንሓባራዊ ዘተ ኣብ መግለጺኦም ኣብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥራሕ ዘተኮረ'ዩ ኔሩ ክብሃል ይክኣል፡ ፤ እቲ ን23 ዓመታት ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ዝሰተየ ጉጅለ ህግደፍ ከም ገበነኛ ዝገልጽ ወላ ሓንቲ ኣብ መግለጺኦም የለን፡ ፤ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ'ውን ደፊሮም ገበነኛ'ዩ ክብልዎ ኣይተሰምዑን፡ ፤ብገበን ዝሕተት ኣካል ኣብ መግለጺኦም የለን፡ ፤ ኣቶ ዓንደብርሃን ብዛዕባ ጎይትኡ ኢሳያስ ከምዚ ይብል፡ ፤"So what role might President Isaias Afeworki have in