Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 4፡ ናጻ ቀረጽን ኮንትሮባንድን

ምዕራፍ 4፡ ናጻ ቀረጽን ኮንትሮባንድን                                                   ሰውራታት፡ ንሓደ ውልቀመላኺ ብኻልእ ውልቀመላኺ ክትክኡ’ምበር ኣርዑት ጭቈና ክኣልዩ ኣይተራእዩን። ጆርጅ በርናርድሾው ኣብ መጀመርያ ተስዓን ሰለሰተን፡ ክሳብ መወዳእታ ተስዓን ኣርባዕተን ከም መሰጋገሪ ዝሰርሐ ምቅይያር ናይ ምጣኔ ቐረጽ ተገይሩ ነይሩ። እቲ

ምዕራፍ 4፡ ናጻ ቀረጽን ኮንትሮባንድን                                            

      ሰውራታት፡ ንሓደ ውልቀመላኺ ብኻልእ ውልቀመላኺ ክትክኡ’ምበር ኣርዑት ጭቈና ክኣልዩ ኣይተራእዩን።

ጆርጅ በርናርድሾው

ኣብ መጀመርያ ተስዓን ሰለሰተን፡ ክሳብ መወዳእታ ተስዓን ኣርባዕተን ከም መሰጋገሪ ዝሰርሐ ምቅይያር ናይ ምጣኔ ቐረጽ ተገይሩ ነይሩ። እቲ ምጣኔ ቀረጽ ንነጋዶ ዘተባብዕ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ውሱን ግዜ’ቲ ንኤርትራ ዝኣቱ ዝነበረ ንግዳዊ ኣቕሑ ማእለያ ኣይነበሮን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ስደት ዝነበሩ ኤርትራውያን ናይ ናጻቀረጽ መሰል ስለ ዝተፈቕደሎም ማእለያ ዘይብሉ ንብረት፡ ብዝያዳ ኸኣ ተሽከርከርቲ ከእትዉ ጀሚሮም። ብዘይምግናን ንመዓልቲ ልዕሊ ሓምሳ ንኣሽቱ መካይን ንፍትሸሉ እዋናት ነይሩ። እቲ ዘጕሂ ግን ናይ ናጻ ቀረጽ መሰል ክብሃል ከሎ፡ ብሰንኪ ጋሕማጥ ኣሰራርሓ መንግስቲ፡ ነቲ መሰል ውሑዳት ተበለጽቲ ጥራይ ከም ሕሱም ረቢሖምሉ። መካይን ዝፍትሽ ክኢላ ስለ ዘይነበረና ባዕለይ እፍትሸን ስለ ዝነበርኩ’ዩ እቲ ምስጢር ክገሃደለይ ዝኸኣለ። ሓደ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ሰለስተ መካይን ናጻ ካብ ቀረጽ ዝፈተሽኩሉ ሰብ፡ ካልኦት መካይን ሒዙ ደበኽ ምስ በለ ብኵነታቱ ተገሪመ፡ “ድሮ ዓዲጥልያን በጺሕካ ተመሊስካ?” ክብል ተወከስኩዎ። ብዘይ ስክፍታ፡ “እወ። እተን ኣቐዲመ ዘምጻእኩወን መካይን ሽዑ’ንድየ ሸይጠየን። ሕጂ ድማ ነዚኣተን ሸይጠ ኡና ስካፓታ ክገብር’ዩ ሓሳበይ፡” ምስ በለኒ፡ “እሞ ሃገር ደኣ በዚኣቶም’ንድያ ትዓኑ ዘላ፡” በልኩ ብውሽጠይ። ከም ሓቂ እቲ ንስደተኛታት[1] ዝምልከት ናይ ናጻቀረጽ መሰል ናብ ሸቐጥ’ዩ ተቐዪሩ ነይሩ። ነቲ ኵነታት ክጻወሮ ስለ ዘይከኣልኩ ድማ ብኡንብኡ ናብ ኣስመራ ብምድዋል ንወዲመስፍን ሓበርኩዎ። ብኣካል ነስመራ ምስ ከድኩ’ውን እቲ ጕዳይ መግትኢ እንተ ዘይተገይሩሉ ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ከምርሕ ስለ ዝኽእል፡ ገለ ነገር ክግበር ከም ዘለዎ ብዕቱብ ተዘራረብና። ኣልኣዛር ብወገኑ ንዝምልከቶ ኣካል ክሕብር ከም ዝኾነ ስለ ዝገለጸለይ ድማ ዓጊበ ተመለስኩ።

እቲ ኣዋጅ፡ ኢሳያስ[2] ፊን ኣቢሉዎ ዝወሰኖ ስለ ዝነበረ ግን ቅልጡፍ ግብረመልሲ ከም ዘይወሃቦ ርዱእ ነይሩ። ነገራት እናኸረረ ምስ ከደ ናብ ወዲመስፍን ቴለፎን ብምድዋል፡ “እቲ ጕዳይ መዕገቲ ዘይግበሮ እንተ ኾይኑ ካልኣይ ሳልሳይ ንዝመላለሱ ሰባት ቀረጽ ክነኽፍሎም ክንግደድ ኢና፡” ክብል ድሒረ ክሓስቦ ከለኹ ድፍረት ኮይኑ ዝተሰምዓኒ ዘረባ ኣስማዕኩዎ። ዘዛርበኒ ዘሎ ሓልዮትን ሓላፍነትን ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ ግን ከም ካልኦት ሓለፍቲ ሕማቕ ኣይመለሰለይን። ቅድሚ ነጻነት ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንራኸብ ስለ ዝነበርና ጽቡቕ ምርድዳእ’ዩ ነይሩና። “እቲ መምርሒ ብኢሳያስ ዝተዋህበ ስለ ዝኾነ ብኢደ ዋኒንና ደው ክነብሎ ከጸግመና’ዩ። ግን ከኣ፡  ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ቅጥዒ ዘይሓለወ ወይ ዶብ ዝጠሓሰ ጕዳይ ከጋጥም ከሎ ዝመሰለካ ስጕምቲ ውሰድ፡” ዝብል ዘተባብዕ መልሲ ሃበኒ። እቶም ናብ ዲቕ ዝበሉ ሸቃጦ ተቐዪሮም ዝነበሩ ዜጋታት፡ ንግዜኡ’ኳ እንተ ዘይተቐልቀሉ፡ ንስክላ ኣምሊጡና ዝነበረ ፍሉይ ናይ ምድንጋር ፈተነ ግን በጋጣሚ ክንዕወተሉ ክኢልና። እቲ ጕዳይ ኣብ ላዕሊ ስለ ዝበጽሐ ድማ፡ እቲ ንብዙሓት ኣብ ደገ ዝነብሩ ንጹሃት ዜጋታት ዝጸለወ ዳግማይ መምርሒ ሰዓበ።

እቲ ጕዳይ ምስ ኢንስፐክተር መልኣከ ብወዝቢ ካብ ዝተበገሰ ዕላል’ዩ ዝነቅል። መልኣከ ንሓደ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ዝፈልጦ፡ ምስ ውድብ ጽቡቕ ምትሕብባር ዝነበሮ ነጋዳይ፡ “እንታይ ይበሃል ኣሎ?” ኢሉ ዕላል ምስ ጀመረሉ ንሱ ድማ ብገርሁ፡ “በዓል እከለ ኣብ ዱባይ ዊስኪ ይጽዕኑ ነይሮም፡ ምናልባሽ ምስ መርከብ ዳይመንድ መጺኡ ይህሉ’ዩ ንብረቶም፡” ዝብል ወረ ኣንፈሰሉ። ድሕሪ ሰሙን ኣቢሉ፡ መርከብ ዳይመንድ መጺኣ ክተብቅዕ እቶም ዊስኪ ጽዒኖም ዝተባህሉ ሰባት ግን ዊስኪ ሒዞም ኣይቀረቡን። ኣብ ከባቢ ግምሩክ ግን ኰለል ክብሉ ተራእዮም። በንጻሩ ብስም ናጻቀረጽ ዝመጽአ ናይ ሓደ ሰብ ዊስኪ፡ ጂንጐርደን፡ ውሕድ ዝበለ ንመተሓውስቲ ዝተሓስበ ፕላስቲክ ኵርስታትን ምጡን ኤለትሮኒካዊ ኣቕሑን ነይሩ። እዚ ንብረት’ዚ ናጻቀረጽ ስለ ዝኾነን፡ እቲ ዝተመደበ ፈታሻይ ዝህልል ኢሉ ዓይነት ብምንባሩን፡ ደቂቕ ተፍትሽ ከይተገብሮ መስርሑ ኣብ ምውዳእ ገጹ በጽሐ። ብዝቐረበ ቅብሊት ጥራይ ተዓጽዩ ክፍረም ናባይ ምስ ቀረበ፡ መልኣከ ናብ ቤትጽሕፈተይ መጺኡ፡ “ስማዕንዶ እስቲፍ፡” በለኒ። ኣነ ድማ ስርሐይ ደው ኣቢለ፡ “እሂ እንታይ ኣምጺኡካ?” ክብል ብሕቶ እቕበሎ። ገለ ኣገዳሲ ጕዳይ እንተ ዘይረኺቡ ኣብ መንጐ ስራሕ ይመጽኣኒ ስለ ዘይነበረ፡ ገለ ነገር ክዛረብ ከም ዝደለየ ከሎ ገና ተረዲኡኒ ነይሩ። ክሳብ ክንድኡ ከቢድ ነገር ግን ኣይተጸበኹን።

“ምስ በዓል እከለ ከምዚ ኢልና ኣዕሊልናስ…” ኢሉ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ኣስፊሑ ድሕሪ ምግላጽ፡ “እዞም ሰባት ነቲ ዊስኪ ብጉልባብ ናጻ ቀረጽ የእትዉዎ ከይህልዉ ተጠራጢረ ኣለኹ። ስለምንታይ እንተ በልካ፡ እቲ ንብረት ኣለዎ ዝተባህለ ሰብ ኣብዚ ከባቢ ይዝምቢ ኣሎ። ደሓር ከኣ ሓይሉ ኣብ ኤለትሮኒክስ እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ዊስኪ ኣይነጥፍን’ዩ። ንሱ ከይኣክል ግን ናባኻ ይኹን ናባይ ፈጺሙ ዘይምቕራቡ፡ ኣብዚ ብስም ናጻ ቀረጽ ክወጽእ ተሓሲቡ ዘሎ ዊስኪ ኢድ ከይህልዎ ተጠራጢረ ኣለኹ፡” ክብል ብሰፊሑ ዘርዘረለይ። ዘረባኡ መጐታዊ መበገሲ ዘለዎ ኮይኑ ስለ ዝረኸብኩዎ፡ “እሞ ሓደ ነገር ዘይንፍትን?” ብምባል ሓሳበይ ኣካፈልኩዎ። ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ክንሕዞ ከም ዝሓይሽ ድሕሪ ምምኽኻር ድማ፡ “መሰል ናጻ ቀረጽ ተፈቒዱሉ ዘሎ ሰብ ዝኾነ ነገር እንተ ሓቲቱካ፡ ‘ብወገነይ ዲክለረሽንካ ወዲአ ናብ ሓላፊ ኣሕሊፈልካ’የ። ሓላፊ እንታይ ከም ዝሓሰበ ግን ኣብ ተመዛዚ ዓጽዩዋ’ሎ፡’ ጥራይ በሎ፡” ኢለ ኣፋነኹዎ። ነታ ናባይ ቀሪባ ዝነበረት ሰንካም ዲክለረሽን ድማ ኣብ ተመዛዚ ዓጸኹዋ። ዋና ምስ ዝነበሮ ተርባጽ ዲክለረሽኑ ንቡር መስርሓ ከም ዝተዓግተ ብመንገዲ ትራንዚተር ኣብ ዝፈለጠሉ እዋን፡ መጀመርያ ናብ መልኣከ ድሕሪ ምኻድ ገፈፍ እናበለ ናባይ ቀረበ።

ብዛዕባ ንብረቱ ክዛረብ ጅምር ምስ ኣበለ፡ “ንስኻ እከለ ዲኻ? ኣበይ ደኣ ጽኒሕካ? ክደልየካ’ንድየ ጸኒሐ። ዲክለረሽንካ ዳርጋ ተወዲኣ’ያ፡ ግን ንእከለ ገለ ዝሓቶ ነገር ነይሩ። እንተ ትጽውዓለይ ቀልጢፈ ምኻረጅኩኻ ነይረ፡” እንተ በልኩዎ፡ ዕውን ኢሉ ዓይነት ግዲ ነይሩ ወይ ክረኽቡኒ ኣይክእሉን’ዮም ኢሉ ግዲ ሓሲቡ፡ “ንሱ ደኣ ንግርግሱም ከይዱ’ንድዩ፡ መን ይፈልጥ ግን ተመሊሱ እንተ ኾይኑ ክርእዮ፡” ኢሉ ዝባኑ ገልበጠ። ንንብረቱ ኣብ ዝምልከት ጕዳይ ብዛዕባ ካልእ ሰብ፡ እሞ ኸኣ ብሓደ ምስጢራዊ ጕዳይ ዝራኸቦ ሰብ ክሓቶ ከለኹ፡ “እንታዋይ’ዩ እዚ ትብሎ ዘለኻ? ስለ ዘይፈልጦ ክጽውዓልካ ኣይክእልን’የርት ፡” ዝብል መልሲ ክህበኒ ምተገብኦ ነይሩ። ኣይደንጐየን ነቲ ንጥርጥሮ ዘለና ሰብ ሒዙዎ ደበኽ በለ። ንዑኡ ኣብ ደገ ክጸንሕ ሓቢረ ድማ ምስዚ ሓድሽ ሰብ ሕቶን መልስን ጀመርኩ። ሽዑ ከም ነጋዳይ ጥራይ’የ ዝፈልጦ ነይረ’ምበር ጽቡቕ ፍልጠት ኣይነበረናን። ብቐጥታ ናብቲ ጕዳይ ብምእታው፡ “ስማዕንዶ እከለ፡ ኣብዚ ብስም እከለ ብነጻ ቀረጽ መጺኡ ዘሎ ንብረት እንታይ እጃም ኣለካ?” ክብል ምስ ተወከስኩዎ፡ “ኣነ ዝፈልጦ ነገር የብለይን። ዓርከይ ስለ ዝኾነ ግን መታን ክትሕግዘኒ ምሳይ ውረድ ስለ ዝበለኒ ምስኡ ወሪደ፡” ዝብል ደረቕ መልሲ ሃበኒ። “ንሕና መረጋገጺ ረኺብና ኢና። እዚ ንብረት’ዚ ናጻ ካብ ቀረጽ ይኣቱ ኣሎ፡ ናቱ ግን ኣይኮነን። ንስኻ ድማ ኢድ ኣለካ ኢና ንብል፡” እንተ በልኩዎ፡ “ኣነ እነግረካ’ለኹ፡ ዝፈልጦ የብለይን። ክትሕግዘኒ ኢኻ ስለ ዝበለኒ ጥራይ’የ ምስኡ ዕንክሊል ዝብል ዘለኹ፡” ዝብል መልሲ ሃበኒ።

ምትራር ይሓይሽ ኢለ፡ “ጽባሕ ንግሆ ከይትጠዓስ! ኢድ የብለይን ኢልካ እንተ ደሪቕካ እዚ ንብረት’ዚ ክውረስ ከም ዝኽእል ፍለጥ። ክንረዳዳእ እንተ ኽኢልና ምናልባሽ ቀረጽኩም ከፊልኩም ክትወስዱዎ ተኽእሎ ኣሎ። ካብኡ ተረፈ ግን ነገር ክኸረኩም’ዩ፡” ብምባል ከግባእብኦ ፈተንኩ። ወዲ ግን ተሪር ስለ ዝነበረ፡ “ዝደለኻዮ ስጕምቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፡” ኢሉ ምስ ኣቕበጸኒ፡ “በል ንዑኡ ጸውዓለይ፡” ኢለ ኣፋነኹዎ። ካብ ዋና ዝያዳ ሓበሬታ ክረክብ ከም ዝኽእል ምሉእ ምትእምማን ስለ ዝነበረኒ ኣብ ቀድመይ ምስ ቀረበ፡ “ንስኻ ኣበይ ትነብር ኔርካ?” ክብል ናይ መጀመርያ ሕቶይ ኣቕረብኩሉ። “ኣነ ኣብ ኣዲስኣበባ እነብር ነይረ። ካብ ዱባይ ናብ ጅቡቲ ኸኣ እነጋግድ ነይረ፡” ክብል መለሰለይ። ርእሰምትእምማን ከም ዘይነበሮ ድሮ ኣብ ገጹ ከንብቦ ኣይጸገመንን። ነገር ደሓን ትመስል ኣላ ብምባል፡ “ንስኻ ኣብ ዱባይ ዘይትነብር ክነስኻ እዚ ናይ ናጻቀረጽ ደብዳቤ ብኸመይ ክጸሓፈልካ ክኢሉ? መንከ ጽሒፉልካ?” ዝብል ተወሳኺ ሕቶ ምስ ኣስዓብኩሉ፡ “ኣብ ዱባይ እመላለስ ስለ ዝነበርኩ ከም ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛ ተመዝጊበስ ኢሽትራክ’ውን እኸፍል ነይረ። እከለ ዝብሃል ሰብ’ዩ ኸኣ ጽሒፉለይ” በለኒ።

እቲ ደብዳቤ ናይ ሚልዮንን ርብዕን ዶላር ዝግመት ንብረት ናጻ ካብ ቀረጽ ከእትው ዘፍቅድ ኮይኑ፡ እቲ ዕላማ ዝቐደመ ንብረት እናተሸጠ፡ ብሽያጡ ድማ ካልእ ንብረት እናተገዝአ ኣብ ነዊሕ ብምሉኡ ንኽኣቱ’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ይትረፍ ንሱ፡ እቶም ሃብታማት መሻርኽቱ ክንድኡ ዝኣክል ርእሰማል ከም ዘይነበሮም ከም ርዱእ ስለ ዝወሰድኩዎ፡ እቲ ፈተነ ናብ ዓወት ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ክተኣማመን ክኢለ። “በል እዚ ንብረት’ዚ ዘይሕጋዊ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ ንግዜኡ ንብረት መንግስቲ ኮይኑ’ሎ። ኣብ ውሽጢ ወርሒ ክትከስስ መሰልካ ሕሉው’ዩ፡” ኢለ ኣፋነኹዎ። ነቲ ጕዳይ ክንዕወተሉ ብምኽኣልና ሓጐሰይ ወሰን ኣይነበሮን። ብድሕርዚ ምስ ወዲረድኢ ነቲ ክተሓላለኽ ዝኽእል መስርሕ ብኸመይ ክንሕዞ ከም ዘለና ብምርድዳእ ኣብ ሓደ መደምደምታ በጻሕና። ምስ ወዲረድኢ ኵሉ ግዜ  እናተመያየጥና ኢና ንሰርሕ ኔርና።

ዋና ንብረት ተሃንዲዱ ካብ ባጽዕ ናብ ኣስመራ ብምድያብ ኣብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ጠርዐ። ኣብ ሰዓታት ድሕሪቐትሪ ወዲፋሲል፡ “ሓደ ናይ ናጻቀረጽ መሰል ዘለዎ ሰብ፡ ‘ኣብ ባጽዕ ዘሎ ሓላፊ ግምሩክ ንብረተይ ምሃብ ከሊኡኒ። ፓስፖርትኻ ከይተረፈ ከሕድገካ’የ ኢሉኒ’ ኢሉ ይጠርዕ ስለ ዘሎ ከመይ’ዩ እቲ ጕዳይ?” ክብል ብስልኪ ረኸበኒ። እቲ ነገር ከምኡ ከም ዘይኮነ፡ እቲ ሰብ ድማ ናጻቀረጽ ዘይምልከቶ ክነሱ፡ ብናይ ምትላል ተግባር ካብ ሕጊ ወጻኢ ክሰርሕ ከም ዝፈተነን ንብረቱ ተታሒዙ ከም ዘሎን፡ ፓስፖርትኻ ከሕድገግካ’የ ዝብል ዘረባ ግን ከም ዘይወጽኣኒ ኣሕጽር ኣቢለ ገለጽኩሉ። ጸሃየ ፋሲል ኣብ ስክፍታ ስለ ዝኣተወ፡ “እሞ ንሕና ኤምባሲ ኤርትራ ደብዳቤ እንተ ጽሒፉሉ፡ እዞም እንዳ ሴራ[3] (ኮሚሽን ተሓድሶን ስደተኛታትን ኤርትራ) ኸኣ ንሕቶኡ እንተ’ጽዲቘምሉ ብኸመይ ደው ክነብሎ ንኽእል?” ክብል ብሕቶ መለሰለይ። ቍሩብ ክረስን ብምጅማር፡ “ኣግሂደ እነግረካ ኣለኹ ጸሃየ፡ እዚ ሰብ’ዚ ናይ ምድንጋር ስራሕ ብምፍጻም ናይ ናጻቀረጽ መሰል፡ እሞ ኸኣ ናይ ሚልዮንን ርብዕን ዶላር ዊስክን ጂን ጐርዶንን እናተመላለሰ ከእትዎ ከም ዝፍቀደሉ ገይሩ’ሎ። ብወገንና ድማ ኣብ ዱባይ ነባሪ ከም ዘይኮነ ጭቡጥ ሓበሬታ ረኺብና ኣለና። ስለዚ፡ ሓቅነት ስለ ዘይብሉ ኣብ ዝበጽሐ ክበጽሕ ሕደጐ፡” ብምባል ምስ ተረርኩዎ ደስ ከይበሎ ንርእይቶይ ክቕበልን ስልኪ ክዓጹን ተገደደ።

በዚ ግን ኣይደቀስኩን። ግምሩክ ማዕረ ፖሊስ ሓይሊ የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንክሱስ ክኣስርን ክምርምርን’ውን ሓላፍነት ኣይተዋህቦን። ወረቐት ሓንጢጡ፡ ንዋና ‘ኣብ ውሽጢ ወርሒ ክሰስ’ ክብል ጥራይ እዩ ስልጣኑ። እቲ ጕዳይ ኣብ ቤትፍርዲ እንተ ቐሪቡ ድማ መርመራ ስለ ዘይካየድ፡ “ኤምባሲ ወረቐት ሂቡዎ ድዩ? እወ። ሴራ ኣፍቂዱ ድዩ? እወ። እሞ ግምሩክ ደኣ በየናይ ሕጊ ካብ መሰሉ ይነፍጐ ኣሎ? ናይ ናጻ ቀረጽ መሰሉ ሕሉው ስለ ዝኾነ ንብረቱ ይወሃቦ፡” ኢሉ ከም ዝወስን ይርድኣኒ ነይሩ። ብሓጺሩ እቲ ሕጊ ሃጓፍ ነይሩዎ። ስለዚ፡ ናይ ባዕለይ ሓበሬታ ክእክብ ግድነት ኮይኑኒ። ኣብ መንጐ’ዚ ግን ምስ’ዚ ዝጥቀስ ዘሎ ንብረት ዝኣተወ ኣርባዕተ ሚእቲ ኵንታል ሽኮር ዲክለረሽን መሊኡ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ረኸብና። ናይቲ ምሉእ ንብረት ዋጋ እንተ ደመርናዮ ድማ ናብ ሚልዮንን ፈረቓን ብር ከም ዝጽጋዕ ኣረጋገጽና። እዚ ድማ መቕረጺ ዋጋ’ምበር፡ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ዝያዳ ዋጋ ከም ዝህልዎ ክዝንጋዕ የብሉን። ብዝኾነ፡ ዝያዳ ሓበሬታ ስለ ዝደለኹ፡ ቍሩብ ሕስብ ኣቢለ ኣብ ዱባይ ናይ 09 ሓላፊ ዕድጊ እን’ተሎ ሓበሬታ ክሓቶ ወሰንኩ። ናብ ደሱ ደዊለ ምስ ተወከስኩዎ፡ “ዓይነይ እንታይ ኢኻ ደሊኻ? ግልጽ ኣቢልካ ዘይትነግረኒ፡” ምስ በለኒ ነቲ ዘጋጠመ ጕዳይ ብዝርዝር ገለጽኩሉ።

መቸም ሽዑ ብሕርቃን ጸጕሩ ጠጠው ኢሉ ይኸውን። “በል ነተን ፋቱራ ሕጂ ሕጂ ብፋክስ ልኣኸለይ። ሓንቲ ኣብ ኸልጅ እትነብር ሰብ ጽባሕ ምስ ኢሳያስ ብሓባር ክንምሳሕ ዓዲማትና ስለ ዘላ፡ ነቲ ነገር ኣብ መዕለቢኡ ከብጽሖ’የ፡” ኢሉ ተስፋ ዘስንቕ ዘረባ ኣስመዓኒ። ጕዳይ ኣብ ወዲኣፎም ብሪ እንተ በጺሑ ህጹጽ ስጕምቲ ከም ዝውሰድ ይርድኣኒ ነይሩ። ንኻልኦት ንጹሃት ዜጋታት ዝሃሲ ሃንደበታዊ መምርሒ ከይወሃብ ግን ስክፍታ ነይሩኒ። ብኡንብኡ ነተን ክልተ ቅብሊታት ናብ እንዳ ሳልሕ በርዓድ ከይደ ብፋክስ ድሕሪ ምልኣኽ ዝስዕብ ምዕባሌታት ተጸበኹ። እቲ ነገር ካብ ዝገመትኩዎ ኣይሓለፈን ንጽባሒቱ ካብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ግምሩክ፡ “ወግዓዊ ደብዳቤ ክሳብ ዝበጽሓኩም ናጻ ቀረጽ ንዘይተወሰነ ግዜ ጠጠው ኣብሉዎ፡” ዝብል ናይ ስልኪ መልእኽቲ ተቐበልና። ጽዒርና ብምዕዋትና ብመጠኑ ክነተንፍስ ከለና፡ ቤትጽሕፈት ነቲ ነገር ብዕቱብ ብምሓዙ ንርእሰ ምትእምማንና ክብ ኣበሎ። በዓል ንብረት ንጹህ ኮይኑ ክጸንሕ ግምት’ኳ እንተ ዘይነበረና፡ ምናልባሽ ነገር በንጻሩ ምስ ዝኸይድ ንብረት ኣብ መኽዘን ስለ ዘሎ ዘስግእ ነገር ኣይነበረን። ኣብ ከምዚ ኵነታት ግን ንጹሃት ከይብደሉ ዓቢ ስክፍታ ነይሩና።

ብዝኾነ፡ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ካብ ላዕለዋይ ኣካል ትእዛዝ ምስ ተቐበለ፡ እቲ ህጹጽ መምርሒ ምስቲ ሒዝናዮ ዘለና ጕዳይ ከም ዝተኣሳሰር ምፍላጥ ኣይጸገሞን ጥራይ ዘይኮነ ክጓየ ግድነት ነይሩ። ስለዚ ብዛዕባቲ ተሓታቲ ሰብ መጽናዕቲ ዘካይዱ ሰባት መዘዘ። ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድማ እቲ ስደተኛ ተባሂሉ ናይ ናጻቀረጽ መሰል ዝተዋህቦ ሰብ ኣብ ኣዲስኣበባ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቅድሚ እዚ ዝጥቀስ ዘሎ ናይ ናጻቀረጽ መምርሒ ምእዋጁ ጠቕሊሉ ነስመራ ከም ዝኣተወ፡ ካብ ዱባይ ወርቂ ይነግድ ከም ዝነበረን ነባሪ ገዛ ባንዳ ምዃኑን ተረጋገጸ። ብሓጺሩ እቲ ናይ ናጻቀረጽ መሰል ብመሰረቱ ከም ዘይምልከቶ፡ ክሳብ ዓሰርተ ዝኣኽሉ ነጋዶ ግን ንዑኡ ኣዋፊሮም ክጥቀሙ ከም ዝሓሰቡ ካብቶም ከጻርዩ ዝተዋፈሩ ኣባላት ሓበሬታ ረኸብኩ። እቲ ካልእ ዝርዝራት ዝተጨበጠ ሓቂ ኾይኑ፡ ዓሰርተ ነጋዶ ተሻሪኾም ዝብል ዘረባ ግን ክኣምኖ ጸገም ኮይኑኒ። ምኽንያቱ ነጋዶ ኤርትራ፡ ይትረፍ ዓሰርተ ዝኣኽሉ ሓቢሮም ክሰርሑ፡ ካብ ክልተ ንላዕሊ’ኳ ክሰማምዑ ከም ዘይክእሉ ርዱእ ነይሩ። ድሒረ ካብ ገለ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ዝፈልጡ ሰባት ቍጽሪ ናይቶም ነጋዶ ካብ ሰለስተ ከም ዘይዛይድ ከረጋግጽ ክኢለ።

ድሕሪ ኣስታት ክልተ ዓመት ሓደ ሰብ ብዛዕባ’ቲ ሽዑ ምሸት ዝተፈተነ ሽርሒ ከምዚ ክብል ኣዕለለኒ። “ተጫረትቲ ምስ ተዓወቱ ዋና ንብረት፡ ‘ሚእትን ዕስራን ካርቶን ዊስኪ ዝያዳ ስለ ዘሎ፡ ንፍላንሳ እንተ ሒዝኩም ከይከፈልኩም ክትወስዱዎ ትኽእሉ ኢኹም፡’ ክብል ስለ ዝሓበሮም ሽዑ ተረኛ ንዝነበረ ፍላንሳ ብቐሊሉ ኣእሚኖም ከም ዝተሓባበሮም ገይሮሞ።” ኣቲ ሰብ ዕብይ ኢሉ ሲቪል’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ከምኡ ዓይነት ተግባር ክቋማጣዕ እጽበዮ ስለ ዘይነበርኩ ኣመና ገሪሙኒ። “ንሱ፡ ‘እስጢፋኖስ ይኹን ወዲረድኢ ኣብ ቤትጽሕፈት ተተኺሎም ስለ ዘለዉ ናብ መኽዘን ገጾም ስለ ዘይቅልቀሉ ንተሓዝ መኽዘን ጥራይ ኢኹም ክተእምኑዎ ዘለኩም፡’ ዝብል ብቐሊል ዘይርከብ ምኽሪ እዩ ለጊሱሎም። እቶም ሰባት ናብቲ ተሪር ሰብ ዝነበረ ዓብደላ ቀሪቦም፡ ‘እሞ ሕጂ መሬት ይመሲ ስለ ዘሎ ንብረት ኣብ ምጽዓን ክንቈጽር ካብ ንውዕል፡ ንብረት መንግስቲ ከኣ ማእሙን ስለ ዝኾነ ከይቈጸርና ክንጽዕን ይሓይሽ፡’ ኢሎም ክሽጥፉዎ ፈተኑ። እቲ ወዲ በሊሕን ቅኑዕን ስለ ዝነበረ ግን፡ ‘ላእ! ዲክለረሽን ንመገናዘቢ ጥራይ ስለ ንጥቀመሉ ንብረት ግድነት ተቘጺሩ’ዩ ዝወጽእ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንብረት ክበዝሕ ወይ ክውሕድ ይኽእል’ዩ፡’ ምስ በሎም፡ ‘መሬት ይመስየና ስለ ዘሎ ከምኡ ኣይትበል። ንሕና’ኳ ይቈጸረልና ዘይበልናስ ንስኻ ከምኡ ክትብል!’ ኢሎም ተሪሮም።

“ዓብደላ፡ ‘ኣበደን!’ ኢሉ ምስ ኣበዮም በብተራ እናመጽኡ ክሳብ ኣርባዓ ሽሕ ዝበጽሕ ገንዘብ ጠቒሶም ከስድዑዎ ፈቲኖም። ቅኑዕ ስነምግባር ዝውንን ሰብ ስለ ዝነበረ ግን ‘ክሳደይ ንኻራ፡’ ኢሉ ኣቕቢጹዎም። ነዘን ከይፈለጡወን ዝጸንሑ ካርቶናት ኣብ ምምቕቓል ስለ ዘይተረዳድኡ እዮም ከኣ ኣብ ኣፍደገ ወደብ ጭራሕ ምራሕ ክብሉ ዝጸንሑኹም።” እዚ ዘረባ’ዚ ብፍላይ ኣብቲ እዋን’ቲ ክትሰምዖ ዘደንጹ ፍጻሜ’ዩ ነይሩ። ዓብደላ ምሳይ ኣዝዩ ዝነኣድ ምቅርራብ’ኳ እንተ ነበሮ፡ ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ፈጺሙ ኣተንቢሁለይ ኣይፈልጥን። ድሒርና ምስ ተራኸብና’ውን ስለምንታይ ዘይነገርካኒ ኢለ ከጨንቐሉ ስለ ዘይደለኹ ክሓቶ ኣይመረጽኩን። ብድሕሪኡ ነዊሕ ኣይጸንሐን ከቲቱ ተማሪኹ’ውን። እቲ ዘሕዝን ግን ድሕር’ቲ ዅሉ ስቓይ ተፈቲሑ ምስ ተመልሰ ብዘይ ፍርዲ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምእሳሩ ተፈቲሑስ ብኣካል ክረኽቦ’ውን ክኢለ።

ናብቲ ብዙሕ ሕልኽላካት ዘስዓበ መምርሒ ናጻቀረጽ ምስ እንምለስ፡ እቲ ሃንደበታዊ ሓድሽ መልእኽቲ ምስ ተላእከልና፡ ዝምልከቶን ዘይምልከቶን ሰብ ዋጭ ክብልን ክጠርዕን ጀመረ። ብፍላይ ንብረቶም ኣብ መንገዲ ዝነበረን ኣብ ቃልሲ ተራ ነይሩና ዝብሉ ሰባትን ላዕልን ታሕትን ብምባል ብዙሕ ኣዕገርገሩ። ድሕሪ ወርሒ ኣቢሉ ድማ ጥርዓኖም ተሰሚዑ፡ “ቅድሚ መምርሒ ዝተበገሰ ንብረት መጽዓኒ ሰነድ እናተራእየ ናጻ ካብ ቀረጽ ክኣቱ ተፈቒዱ ኣሎ፡” ዝብል ሓበሬታ ስለ ዝተላእከልና እቲ መስርሕ ንውሱን እዋን ክቕጽል ክኢሉ።

 

*          *          *

 


[1] ስደተኛታት፡ ዳርጋ ኩላቶም እቶም ናጻቀረጽ ተፈቒዱዎም ንብረት ዘእትዉ ዝነበሩ ከም ስደተኛታት ዝፍለጡ ሰባት፡ ዜግነት ናይ’ቲ ዝነብሩሉ ሃገር ስለ ዝነበሮም፡ ካልእ ይትረፍ ኣብ ዝነብሩሉ ሃገር ክመርጹን ክምረጹን መሰል ዝነበሮምን፡ ልዕል’ቲ ኣብ ሃገሩ ዝነብር ህዝቢ ዘጋይጹ ዝነበሩን’ዮም። ስለዚ፡ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝኽእሉ ክነሶም፡ ካብ ኣብ ሃገሮም ኣብኡ ክነብሩ ስለ ዝመረጹ፡ ከም ስደተኛታት ክቝጸሩ ኣይክእሉን ዝብል ርእይቶ’ዩ ነይሩኒ። እቶም ኣብ ከም ሱዳን፡ ሃገራት ዓረብ፡ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝነብሩ ግን ይትረፍ ዜግነት ክህልዎም፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ስለ ዝንፈጐም ከም ስደተኛታት ክውስዱ ግድነት’ዩ።

[2] ናጻቀረጽ ዝብል መምርሒ፡ ኢሳያስ ባዕሉ ሃለፍለፍ ክብል ኣብ ሓደ ኣኼባ ከም ዘረባ ወስ ምስ ኣበሎ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ናብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ግምሩክ ሓንቲ ሓጻር ደብዳቤ ተላኢኻ። ከምኡ ዓይነት ውሳኔ ክወሃብ ከሎ፡ ንኣተገባብራኡ ብዝምልከት ዝርዝራዊ መብርሂ ክህሉ ምተገብኦ ነይሩ። ፕረሲደንታዊ መምርሒ ተባሂሉ ስለ ዝመጽአ ግን ክትንክፎ ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን። ከም ሳዕቤን ድማ ሃገር ንውሱን ግዜ መጻወቲ ውልቀሰባት ኮይና ነይራ።

[3] ሴራ (CERA)፡ ንማሕበር ረዲአት ኤርትራ ተኪኡ ንጕዳይ ስደተኛታት ብምውሳኽ፡ ሓድሽ ስም ሒዙ ዝቘመ ኣካል ኮይኑ፡ ናጻቀረጽ ዝተፈቕዶ ሰብ ቅድሚ ናብ ግምሩክ ምቕራቡ፡ ክነብረሉ ካብ ናይ ዝጸንሐ ሃገር ኤምባሲ ሒዙዎ ዝመጽአ ሰነድ ኣብ ጨንፈር ተሃድሶን ስደተኛታትን ከመዝግቦን ከጽድቘን ኣለዎ። እዚ ድማ ጠቕሊሉ ንዓዱ ይኣቱ ከም ዘሎ ንኽፍለጥ’ዩ። ብድሕር’ዚ ናብ ክፍሊ ግምሩክ ይመጽእ’ሞ፡ ዝርዝር ንብረቱ ተጠቒሱ ናጻ ካብ ቀረጽ ይእተወሉ ዝብል ደብዳቤ ይወሃቦ። ከምዚ ሕጂ መሬት ዕንቍ ከይኮነ ኸሎ፡ 2% መሕወዪ ግብሪ ዘይከፈሉ ሰባት ይመጽኡና ስለ ዝነበሩ፡ ከምኡ ከጋጥም ከሎ ናብ ቈንስላዊ ጕዳያት ክንመልሶም መምርሒ ነይሩና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Abel February 10, 2014

    ኣቱም ኣይተ እስቲፋኖስ፣
    ከምዚ ዝገልጽክምዎ እንተ ደኣ ነይሩ ኣሰራርሓኩም ኣብ ግምሩኽ ምጽዋዕ፣ ብዛዕባኩም ገለ ኣሰር ምስጸንሓ ነይሩ። እንተኮነ ግን ንሕና ዘርከብናሉ ኮነ ቅድመና ዝነበሩ ዘዉረይሉናስ ከምዚ ትብልዎ ዘይኮነስ ጋሕማጥን ሕንፍሽፍሽን ወገነይ ወገንካ ዝመልኦ ግምሩክ ኢዩ። እስከ ብዛዕባ እቲ ሕማቅ ጎኑኩም ከኣ ገለስ ወስ ደኣ ኣብሉ፣ ካብኡ ዝተረፈስ ናይ ዘመና መልኣኽ ኮንኩም፣ ከምዚ ዓይነት ብጽእና ከ ኣሎ ዲዩ ኣብዚ ሕሱም ዘመን።
    ሓፍትኩም ኣብርሀት ጋል ባጽዕ ነበር

    • Abraha Ksara February 11, 2014

      ኣንታ ለኽባጥ ኣቤል! ንስቲፋኖስ ኣበይ ትፈልጦ። ኢንተርነት መሐሰዊ ተረኺባስ ሕጂ ወገነይ ወገንካ እንዳበልካ ሰብ ከተደናግር። ንልቢ ክኾነካ ልቢ ደኣ የብልካን እምበር፣ ተጋዳላይ ኣብዚ እስቲፋኖስ ዘዘንትዎ ዘሎ እዋን ኣይኮነን’ዶ ወገን ወዲ ወገን ጉቦ ከማን ኣይፈልጥን ኢዩ ኔሩ። እቶም ኢሳያስ ብጉቦ ኣሲረዮም ዝበለካ ሰባት ብፖለቲካ ኢዮም ተኣሲሮም ደንቆሮ። እስቲፋኖስ እብዚ ንሳኻ ትብሎ ዘለኻ ዝቆማጣዕ ኔሩ እንተዝኸውን ቀደም ንስኻ እንዳሓራእካ ከለኻ ኣመሪክኡ ምሰፈረ። ከም በዓል ንስኻ በተንቲ ሃገር ከለኹም እሞ ሃገር ከመይ ኢላ ክትቅርዒ።

      • Abel February 12, 2014

        abrha
        ንእስቲፍ ደኣ ኣብ ባጽዕ ይፈልጦ። ብድሕሪኡ ኣብ ኣስመራ ይፈልጦ። እንተ እቲ ጸርፊ እሞ ኣይክወጸንን ኢዩ ምክንያቱ ብከምኡ ኣይዓበኩን፣ ስድራካ በዲሎምካ ኣይተ ኣብርሃ።

  • Teclay February 11, 2014

    Dear Writer(muhurat)
    ” ሰውራታት፡ ንሓደ ውልቀመላኺ ብኻልእ ውልቀመላኺ ክትክኡ’ምበር ኣርዑት ጭቈና ክኣልዩ ኣይተራእዩን።

    ጆርጅ በርናርድሾው” Is your quotation fits with your deeds Muhurat? HAYE ISKE MELSU?when did you knew this? when? after all the carnage and distraction and humiliation? AYE MUHURAT!
    You are writing now about small non sense economy and taxi in Massawa.imagine would not have been good if Tanzania ,Burundi ,Uganda,Kania, Ethiopia,Eritrea etc had been under one country.let alone a Tgrian or an Ethiopian,a Tanzanian or Ugandans are not our brothers? isn`t it a paradise if you want you swim in lake Victoria or in Dahlak ?
    Look the big countries and big Economies,,,,,,Aye Muhurat Ahwatey
    Narrow and narrow The tiny Eritrea -Awraja-Wereda-Addi-May Bet-family…… Aye Muhurat!

  • Abel February 13, 2014

    ኣብርሃ ክሳra (ኣቶ እስቲፋኖስ ገብረሚካኤል ተመልሶ)
    ኣብ መበል ሓምሸይቲ ምዕራፍ ጽሑፍካ ብዛዕባ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ግምሩክ ይጽበ። መቸም ተስፋ ይገብር ገለ ሓቅታት በጭቕ ከተብል-

POST A COMMENT