Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብርሃን

ብርሃን ብ.ኣበባ ኣብርሃ ቶሮንቶ ካናዳ (22/01/2014) እቲ ብርሃን ዝህብ ካብ ላዕሊ ንኹሉዩ ዘብርህ ብዕሊ ኩሉብርሃን ዝህብ ላዕሊ ምስ ዓረገ መንገዲ ይሕብር ወዲሰብ ከይጋገ፡ ብርሃን ዝህብ ከም ጥዋፍ ከም ሽምዓ ነብሱ እንዳቃጸለ ይመክኽ ብሽዓ ነስተብህለልሉሞ ላዕለዋይ ምርምር ብርሃን ዝህብ ይጎድል ተጠቃሚ ይድምር፡ እቲ ብርሃን ዝህብ ንላዕሊ

ብርሃን

ብ.ኣበባ ኣብርሃ ቶሮንቶ ካናዳ (22/01/2014)

እቲ ብርሃን ዝህብ ካብ ላዕሊ

ንኹሉዩ ዘብርህ ብዕሊ

ኩሉብርሃን ዝህብ ላዕሊ ምስ ዓረገ

መንገዲ ይሕብር ወዲሰብ ከይጋገ፡

ብርሃን ዝህብ ከም ጥዋፍ ከም ሽምዓ

ነብሱ እንዳቃጸለ ይመክኽ ብሽዓ

ነስተብህለልሉሞ ላዕለዋይ ምርምር

ብርሃን ዝህብ ይጎድል ተጠቃሚ ይድምር፡

እቲ ብርሃን ዝህብ ንላዕሊ ክዓርግ

ብብርሃን ብትኪ መኺኹ ክዝዕግ

እቲ ዘይነቕሐ ግን መመሊሹ ይብዕግግ

ብርሃን ተኸቲሉ መንገዱ ከይጸርግ፡

ብርሃን ዘይደሊ ደልሃመት ይንቆት

ኩሉ ኣየዕግቦን ዋላ ብርቱዕ ድምቀት

ክሳብ ግብኣተ-ሞት ንታሕቲ የንቆልቁል

ንነብሱ ዝጠቕሞ ስለዘየቡቚል፡

እቲ ተማሂሩ ነብሱ ዝቐየረ

ኩሉ ጸጽቡቑ ካብ ብርሃን ዝሓረ

ከሰበ’በር ነይከሰረ

መኽሰብ ዓወት ድማ ኣበሰረ፡

ሓሳብን ተግባርን ኣብ እምነት ክጸንዑ

ዓዳሚትኩም ብርሃን ትብል ኣላ ንዑ

ድሓር ዘይትርከብ ብርሃን ኣይተንብዑ

ክኢልኩም ሓግዝዋ ነናትኩም ወልዑ፡ ክሩሁዩ ሽዑ።

ኣብቲ ብርሃን እምነት ኣሎ

የማነ ጸጋሙ ዓይንኻ ዝኾሎ

 

ፈቲኻን ረዲኻን ትቕበሎ

ዘብርሃልካ ኣናዲ ጸላም ከይብክሎ፡

እቲ ብርሃን ዝህብ ሓይሊ

ንነብሱ የሕሲሙ ንህዝቡ ዝሓሊ

ይብል ከይትጋገ ዝኾነካ ኣለሊ

ስነ ምግባሩ ነባሪዩ ፈጺሙ ዘይበሊ፡

ከምቲ ብርሃን ሂቡ ዝሓለፈ

ከምቲ ንመሰልሰብ ክብል ሕሱም ዝተገርፈ

ብሕሰም ቆርበቱ ዝተገፈ

ነብሱ የሕሲሙ ንዓይከ ከይበለ፣ ሓንቲ’ኳ ኣየትረፈ፡

ስለዚ ቃል-ብርሃን መሰል ሰብ ክሕሎ

ሰንድዎ ኩሉ’ቲ ዝበሎ

ብግቡእ ብስርዓት ሓንቲ ከይትጎድሎ

ጽናዕ’ዩ ዝበለ! ድሎ ከይትዕሎ!

ብርሃንና ኮታ ጸሓይ በርቂ

ጸራሪጋቶ’ወ ጸላም ጸይቂ

ንበዓል እከይ ኣብጸልማት ዝሰልጦም

ኣቃሊዓቶምያ ዘይፈለጠ ይፍለጦም፡

ስለዚ! መንዩ ብርሃን፧

ብርሃንሲ መሰል፣ ማዕርነት፣ ፍትሒ

ጸላምኪ ዝጸርግ መታን ከይትፈርሒ፡

ብርሃንሲ ሕልና እምነት ዝጸገበ

ንኹሉ ዝምክት ጽንዓት ምስ ከሰበ፡

ብርሃን ርኡይ ዘይምኽሓድ’ዩ ዘለዎ ሕልና

ነብሰምተምማን’ዩ ምኳን ናይ ነብስኻ ዋና።

ፍትሒ ይንገስ፡ ዓመጽ ይፍረስ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Ogbai GhebreMedhin January 27, 2014

    ኣገናዕ ኣበባ፤ እዋናዊ መልእኽቲ ዚሓዘለ ብሱል ግጥሚ፡፡ ንእሽቶ ሓሳብ ወስ እንተ ኣበልኩ ዝኸፍእ ኣይመስለንን።ስ ናትና ናይ ህዝቢ ትም ምባልዩ ንብርሃን ሓርነትና ካባና ኣርሒቑዋ። ጌጋ ብትም፣ ገበን ብትም ምስ እትሓልፎ፡ ሳዕቤኑ እዚ ወሪሱ ዘሎ ጸልማት ሃገር ኢዩ ዚኸውን። መፍትሒኡ በደል ኣብ ርእሲ ሓደ/ሓንቲ በደል ኣብ ርእሲ ኩላትና፣ ናይ ውልቀሰብ ምግፋፍ መሰል ናይ ምሉእ ህዝቢ ምግፋፍ መሰል ምዃኑ ብዕትበት ምስ እነስተውዕሎ ኢዩ እቲ ንኹላትና ዘርብሕ ለውጢ ኪመጽእ ዚኽእል፣ እታ ንህይወትና ምሉእ ትርጉም እትህብ ሓርነት ኣብ ቤትና፡ ኣብታ ሓላል መሬትና ህያው እትኸውን። ስለዚ፡ ካብዚ ጠንቂ ትም ምባልና ዝወረደ ዕንወትን፡ ጥፍኣትን ድሕረትን ከኸትም ምእንቲ ካብ ጸቢብ ኣረኣእያ ዚፍጠር ብጫሌዳ ዘረባታት ዝባኽን ካብ ወርቂ ዚኸብር ጊዜና ናብ ቁም ነገር ኣተኲርና ብሓደ ቅልጽም ንሓርነትና ክንቃለስ ይግብኣና። ውልቀመላኪ ስርዓት ኢሳያስ ሳዕቤን ናይ ትምናን ሸለልታናን ኢዩ፤ ናይ ሓባር ህዝባዊ ስልጣንና ምስ ኣረከብናዮ ኢዩ ኪረግጸናን ከጥፍኣናን ክኢሉ። ስልጣንና ምስ መንዛዕናዮ ከዓ ናይ ሓንቲ ለይቲ ዕምሪ እኳ ኪህልዎ ኣይክኽእልን ኢዩ። እታ ምስጢር ስቓይና ኣብ ድኽመትና ምዃና ዘይምልላይና ኢዩ እቲ ዚዓበየ ሽግርና። ንምልላዩ ንቕሓትና ክብ ከነብል፡ ሕልናና ክንድህስስ ይግባኣና።

  • Habte Kifle January 27, 2014

    BRAVO ABEBA!!!

    Great way to express how the Ignorance could be changed if they open their eyes!!!

    Please keep it up!!!

  • ERITRAWIT January 27, 2014

    My dear sister excellent poem you said it all and everything the sun will shine very soon like you post to our beloved Country and we will take all our Brother and Sister from Container, underground etc…Thank you.

  • sammy mike January 28, 2014

    abeba shucor just like your name you are flawor one day you with me hand to hand with all Eritrean we back home abeba shucor I just I have baby girl I named bana see you in asmara okaye butfull gal erena shucor keep up good job pc.

  • Fitsum January 28, 2014

    my sister excellent pome you can yes you can

  • gerimuna January 28, 2014

    Thank you! Great poem. God bless you for your tenacity to liberate us all. I wish, we have thousands like you, we would have been in our beloved Country yesterday.
    Keep the good job.

  • Semhar January 30, 2014

    Thank you ኣበባ ኣብርሃ for exposing the tyrant dictator, the mad dog, the ድያብሎስ Isayas wedi Berad and his blind followers HIGDEF. 


POST A COMMENT