Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶ ወልዱ ተኽሉ፡ ከም መምህርን ተቓላሳይን? ወይ ዘላፍይ?

ኣቶ ወልዱ ተኽሉ፡ ከም መምህርን ተቓላሳይን? ወይ ዘላፍይ? ኣሰና ከም ኣዳራሽ ዘተ ክንወስዶሞ! ኣቶ ወልዱ “መሽረፈት ነት ኣብ ዝብል ኣርእስቱ መሰረት ብምግባር ዝገለጾ፡ ከም መምሃርን ከም ተቓላሳይ ወሲድ ክሪኦ ፈቲነ። ዝተዓዘብክዎ ምስ ህዝበይ ኮይነ ክንርእዮሞ! እቲ ናይ

ኣቶ ወልዱ ተኽሉ፡ ከም መምህርን ተቓላሳይን? ወይ ዘላፍይ?

ኣሰና ከም ኣዳራሽ ዘተ ክንወስዶሞ!

ኣቶ ወልዱ “መሽረፈት ነት ኣብ ዝብል ኣርእስቱ መሰረት ብምግባር ዝገለጾ፡ ከም መምሃርን ከም ተቓላሳይ ወሲድ ክሪኦ ፈቲነ። ዝተዓዘብክዎ ምስ ህዝበይ ኮይነ ክንርእዮሞ! እቲ ናይ መምህር ዘብሎ ክንወስድ፡ እቲ ተቓላሳይ ዘብሎ ክንድግፍ! ነቲ መስመር ዝጠሓሶ እንተ ሃልዩ ድማ፡ ኣይፋል፡ ኣይከማኡን ኢልና ክንተ ኣራርም ይሕግዘና ኢለ እየ ዝጽሕፍ ዘለኹ።

ብመጀመርያ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ነብስኻ ምፍላጥ እዩ። ኣነ መንእየ? ኣብ ህዝቢ ኤርትራኸ ሓለፋ ካብ ሰበይ ንላዕሊ ኣለንዶ? እንተ ሃለወኒ መንከ ሃበኒ? ነፍስ ወከፍ ዜጋ ሓደ ዝተመቕለ ንሓሙስተ ሚልዮን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እዩ (1/5,000,000)። እንተድኣ ናተይ ገደ፡ ሓደ ኣብ ሓሙሽተ ሚልዮን ኮይኑ! ዓቕመይ ምጡን ወይ ዉሱን ምዃኑ ክፈልጥ ኣለኒ።

እንተኾን ግዳ፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ዘበን ዉርዉራ ስለ ዘለና፡ ሳላ ሰዉራ ድማ ለባምናን፡ ኪኢላናን፡ ዉሓለና፡ ስለ ዘይንፋለጥ! ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ዝዛረብ ዜጋ እሩምን፡ ሃናጽን፡ ሕጋውን፡ መሃርን፡ ጠርናፍን፡ ኣቐራራብን፡ ሓዋዋሲን፡ መራሕን ክኸውን ዘኽእል ባይታ ስለዘሎ ኩሉ ዝሃቦ ዘርከበን ይዛረብ ይጽሕፍን እሞ! ተቐባልነት ኣብ ህዝቢ ኣብ ዝረኸበሉ ለባምን ወረጃ ዓድን ዝብል ክብሪ ይረክብ።እዚ መሰረት ገርና ድማ ንፅባሕ ክምህሩ ኮነ ክመርሑ ወይ ክሓንጹ ዝኽእሉ ዜጋታትና ነለሊ።

መሰል ዜጋ ሕሉው ኮይኑ፡ ክቃለስ ኮነ ንኸይቃለስ፡ከም ኡውን  ኣማዕድዩ ክርኢ መሰል ኣለዎ። ምቅላስ ብድልየትካ፡ ሕልናኻ ኣገዲዱካ ዝግበር ዉልቃዊ ዉሳነ ስለ ዝኾነ። ተቓለስ ኣይትቃለስ ምባል መሰል ዜጋ ምግሃስ እዩ። ሓደ ዜጋ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዜጋ ፍቓድ ክህብ ወይ ክኸልእ ግን ስልጣን የብሉን። ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ስለዝኮነ።

ኣቶ ወልዱ ተቓላሳይ ደላይ ፍትሕን ምኻኑ ገሊጹ። ኣብዚ እዋን ንፍትሒ ዝደሊ ዝባኑ ቐሊዑ ዝዛረብ ወዲ ሃገር ይምስገን። ከማኻ የብዝሓዮ ጂግና ወዲ ጂግና፡ ቀጽል፡ ንፋዕ ክባሃል ኣለዎ።

ኣቶ ወልዱ ከም መምህር፡ ድማ ርኣዩለይ ስምዑለይ፡ ትማሊ ሹማምንቲ ህግደፍ ዝነበሩ ሽም ቀይሮም፡ “መድረኽ ኢሎም ይመጹ ኣለዉ፡ ተጠንቕቕሎም? ድልድል ኢናዶ፡ ጽገናዶ ይብሉ ኣለዎ ህዝቢ ተዓጠቕ፡ ብምባሉ መምህር ንበሎ።

መስከረም ነት መሽረፈት ነት ኢሉ ስም ከምዝሃባ ጽሑፉ ይነግር። ኣብዚ ስም ምቕንጣጥ መን ስልጣን ሃበካ? ዝብል ሕቶ ኣቶ ወልዱ ዝምልሶ እዩ።

ኣቶ ኣለም ጎይቶኦም፡ መንዩ ወልዱ ተኽሉ ኢሉ ኣብ መርበብ መስከርም ሰለዳ ተጻሒፉ ይርከብ ኣሎ።

ኣቶ ወልዱ መን ምኻኑ፡ ናይ ምግላጽ መሰሉ እዩ። ናይ ባዕሉ መንምዃኑ ምግላጽ ከቢድዩ? ኣነ እገለ ወዲ እገል፡ ዓደይ እንዳይ፡ ወረዳይ፡ ኣውራጃይ፡ ሃገርይ። ኢልካ ምግላጽ መንነት የነጽሮ፡ የኹርዕ፡ የሔብን፡ ግቡእን፡ ባህላውን  እዩ። ሰማይ ፈረ ግና ኣይኮነን።

ኣቶ ወልዱን ምስ ኣቶ ኣለም ኣብ መድረኽ ወይ ኣብ ቅርዓት ወጺኦም ክምጉቱን፡ ክተሓታተቱን፡

ክረዳዱኡን መሰሎምን፡ ግቡኦምን እዩ። ክዘናነፉ ግና ወራዙት ኣየግብሮምን።

ድፍረት ቁጽሪ ሓደ፡

ኣቶ ወልዱ ኣብዛ ሰዓት ብኣቶ ኣለም ንዝረኸቦ ጎነጽ ወይ ዘነፋ ወይ ወቐሳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣለም ክዉሰን ነበሮ፡ ኣይኮነን ግና፡ ኣብ ኣተዓባብያ ኣብ ኣእምሮን ዝምብልናን ወሰኸሉ፡ ካብ መስመር ወጺኡ ይርከብ። ንስድራቤት ኣቶ ኣለም ዝትንክፍ ኣይፋል!!!!!! ዓገብ ደፊርካ።

ዽፍረት ቁጽሪ ክልተ፡

ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ንነፍሲ ሄር ጀነራል ጎይቶኦም ገብረዝጊ፡ ሓመዶም የቕልለሎም፡ ክዝንጠሉ ኣብ ጽሑፍ ኣቶ ወልዱ ተርእየ። ጀነራል ስራሖም ወተሃደር ብምንባሮም ዝተዋህቦም ትእዛዝ ክፍጽሙ ግደታኦም እዩ። ከም ኩሉ ወተሃደራዊ ትእዛዛት። ተጋዳልይ ኮነ ሰራዊት ትእዛዝ ይፍጽም። ስራሖም እዩ። ጀነራል ጎይቶኦም ብ1974 ንተጋዳላይ ሳልሕ ጠጠው ካብ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ከሙ ኡውን ተጋዳላይ ስዒድ ሳልሕ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ፍሉይ ቦታ ናብ ኣስመራ ኣእትዮም ከም ዘዛራረብዎም ትፈልጥዶ? ስምረት ብተጋደልቲ ስለ ዝደንጎየ መጸዋዕታ ደርጊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጾም፡ ብ1975 ካብ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ምስ ኣርባዕተ ዓሳክሮም ናብ ተጋድሎ ሓረንት ኤርትራ ተጸንበሩ። ጀነራል ጎይቶኦም መንግስቲ ዘይፈልጦ እንተ ፈጺሞም ኣቶ ወልዱ ጭብጢ ከቕርብ ኽግደድ እዩ። ሓቅነት እንተ ዘይሃለዎ ግና፡ ኣቶ ወልዱ፡ ንተቓላሳይን፡ ንመምህርነት ዝውሃቦ ክብሩ ክግፈፍ እዩ።

ድፍረት ቁጽሪ ሰለስተ፡

ነፍሲ ሄር ክቡር መልኣከ ሰላም ዲመጥሮስ ተላዒሎም፡  ኣብ ግዜኦም ኣብ መንበሮም ዝወሰዶ ፖለቲካዊ ስጉምቲ በይኖምዶ ነይሮም? እቶም ኣባላት ባይቶ ኤርትራ እንትይከበሉ? ፕረሲደንት ኤርትራ ዝነበሩ ክቡር ደገዝማቲ ኣስፋሃ ወለደሚካኤል እንትይ ይገብሩ ነበሩ። ሸኽ ሓምድ ፈርጅ ሓምድ ምክትል ፕረሲዳንት ባይቶ ኣበይ ነበሩ? ኢትዮጵያ እንተበሉውን ዲሞክራስያዊ መሰሎምዶ ኣይኮነን?

ድፍረት ቁጽሪ ኣርባዕተ፡

ነፍሲ ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ተላዕሉ፡ ወዲ ሓወቦኻ፡ ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦ፡ ተጋዳላይ ወይ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ነይሩ፡ ዓሪፉ። ከም ኩሉ ፉጡር ወድሰብ ኣብ ሃገሩ ንኸይቕበር ተኸልከለ። ኣብ ምንቲምንታይ ስድራቤቱ ከርተት ዝብሉ። ወድ ሰብ ሞቱ መቕበሪ ክስእን እንከሎ መሰሉ ተገፊፉዶ ኣይኮነን? ወዲ ዓድኻ ስለዝኾነ ዘብል ድዩ? ናይዝጊ ብሂወቱ ከሎ እንትይገበረ ካልእ ሕቶ እዩ። መሰሉ ክግፈፍ ግን ካልእ እዩ።

ድፍረት ቁጽሪ ሓሙሽተ፡

ኣቦሓጎትታተይ፡ ክቡር ደገዝማት ባህታ ሓጎስ፡ ክቡር ራእሲ ተሰማ፡ ክቡራት ስዉኣት፡ ተጋደልቲ ኣብራሃም ተወለደ፡ ወዲ ሃይለ፡ ሙሴ ሃብተሚካኤ ኣልዕሊካ። እዞም ዝጠቐስካዮም ክቡራት ዜጋታት ዘልዓልዎ ኣርእስቲ ኣብ ግዜኦም፡ ሃገርዊ ስለዝኾነ ናይ ኩሉ ዜጋ ኤርትራዊ ወለድን ኣሕዋትን እዩም። ኣቶ ወልዱ ኣሰሮምዶ ተኸቶልካ ዝብል ሕቶ ክመጽካ እዩሞ! ተቐሪብካዶ?

ናይ በይንኻ እንተድኣ ክትገብሮም ደሊኻ ግና ድፍረት ኮይኑ ይርከብ።

ድፍረት ቁጽሪ ሽዱሽተ፡

ኣብዚ ሰዓት እዚ ነፍስወከፍ ሃገራዊ ብዛዕባ ሃገሩ ካብ ምብራስን ዕንወት ከድሕን ንዝገቦ ተብግሶ ቅዱስ እዩ። ኣሽንዃይዶ! ኣብ ሓልፍነት ዝነበር እሞኸኣ! ተጋዳላይ ብዝተፈላለየ መንገዲ ጉድለትን በደልን ኣይክሳኣኖን እዩ፡ ሕጂ ንጸባጸበሉ ሰዓት ኣይኮነን።  ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ዝባኖም ቀሊዕም ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ጎኒ ህዝበይ ኮይነ ክቃለስ መጺኤ ንዝብል፡ ብኽልተ ኢድና ክንቅበሎ ይግበኣና። ኣብ ልዕሊ መድረኽ ዝጸሓፍ ዘሎ፡ ካብ መስመር ደለይቲ ፍትሒ ወጻኢ እዩ።

ደላይ ፍትሒ፡ ፍትሒ ንመን? ፍትሒ ንኹሉ፡ እዩ ክብል ዘለዎ። ጸባ ጤል ይፍላሓ፡ ጸባ ላም ይጽናሓ ግና ፍትሒ ኣይኮነን። ሕሱምያ ቑሪ ምስ ዘይትፈትዎ የተሓቛቝፈካ ከም ዝብሃል ሽግር ኤርትራና ምስ ንፈትዎን ንጸልዕን ክንሓቝፍ የገድደና እዩሞ!

ካብ መን እዩ እዚ ? ኣበይ ነይሩ? መንዘጽንሓሉ? ሕጂ ስልጣን ደልዩ ድዩ መጺኡ? መን ዝለኣኾዩ እዚ? ዝብል ሕቶ ናይ ቤት ትምህርቲ ህግደፍ ስለ ዝኾነ ጠቓሚና ኣይኮነን። ብሓደ ኢድካ ከተጣቕ ስለ ዘይካኣል ዋል ቆንዳፍ እንተኾንትውን ኢድና እያ።

ኣቶ ወልዱ እንተ መምህር፡ እንተ ተቓላሳይ፡ እንተ ደፋራይ ባዕልኻ መልሶ።

ሓውካ

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ተቐማጢ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

ተወላዲ ዓድዃላ፡ ሰራየ፡ ኤርትራ።

16 ለካቲ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
56 COMMENTS
  • FitHawi February 16, 2014

    Ato Haile Ghebretnsae,
    “Himakk Felasit … Hawi melasit” ziblukka kemzi natka eyu…
    kurub do aytiHafirin ekka.. kutsri 1, kutsri 2, kutsri 3.. enabelka gegatat ab merakkebi bizuHan bimizirzar ab mongo kilite sebat nizitefetre zeymirididae nab zeytedelye zebitsiH ab Hawi lamba kitnisnis ziteAtek’ka.
    kemakka zimeselu Arakko wey shemgalo ab werazut Eritrea semEnan reEnan aynifelitin.. bilash
    meEdo enteleka koynu biWilki zeytitsiHfelom..

  • rezene kidane February 16, 2014

    Very good article but lacks objectivity. You must correct both of them if you think attacking people is not a just action. Otherwise you will be accused of being biased to wards one of the protagonists. So, if you are not taking sides you must first address the cause and admonish the one who started the antagonism. So, why be so timid of Meskerem? this a question that must be answered Mr.Haile.

  • nakfa February 16, 2014

    fithawe tegagika weldu tekle eritrea nay beynu mesilato ala. ayekeyey weldu tekle halay hezbi mesilka nhezbi tikefafl ziyada delay lewuti temesilka nab hezbi merzi tinsnis wegenawe eka

  • tom February 16, 2014

    I know why you are criticing woldu, it is the same reason alem attached woldu. love me and love my dog. you are typical “wedi mai telamit”, slave of your masters the hamasiens.

  • Meretse Asmelash February 16, 2014

    ክቡር ሓው ሃይለ ገብረትንሳኤ
    ኣቶ ወልዱ ተክሉ ኣየናይ እዩ ካብዞም ሰለስተ፡- መምህር? ተቃላስይ’ዶ? ዋላስ ዘላፋይ? ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝስፈርካዮ ሪእቶ ኣንቢበ። መጀምርያ ዝግታ ምሕታትካ ዝነኣድ እዩ። እንተኮነ ኣትዅሮ ጽሑፍካ ጸሊምን ጻዕዳን ዝደባለቐ ወይ ብሕጽር ዝበለ- ምርዅስ ኣደይ ኢታይ ዝሓዘ ይመስል። ማለት ፍረ መልእክትካ ንምምልላይ ቅርብ ኢልካ ክረኤ እንከሎ ” ፍርቁን ባላ ፍርቁን ጢላ ” ትርኤሉ ። ነቲ ጢላ ዝምልከት ኣንባቢ “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” እትብል ምስላ ዋሕስ ጌሩ እንተሰገሮ ዝሓሸ ውጽኢት ኣሎዎ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ኣብታ ኣበር ዘይብላ ባላ ኢልካ ዘቀመጥካያ ሓሳብ ግን እዛ “ብርዅታ እምኒ ኣላታ” ። መጀመርያ ቀንዲ መልዓሊ ናይ’ዚ ኩሉ መድረክ (ድልድል) ብዝብል ስም ተጠቂሞም ክንመርሓኩም ንዝበሉ ኣካላት ዝተጻሕፈ ጽሑፍ እዩ ኔሩ። ንዕዉር ክልተ ዓይኑ ዘሎዎስ ይትረፍ በዓል ሓደ ዓይኒ ዘይመርሖ መን ይመርሖ? ናይ “መድረክ” ግን ብግምጣሉ እዩ- ከምቲ ዝገለጽካዮ ሓደ ኣብ ርእሲ ሓደ ሓለፋ ዘሎዎ ወዲ ሃገር የሎን። ጉዳይ ናይ እዞም ሰለስተ ሽማግለ መድረክ ግን ምብሳል ሓሊፍዎስ ዝፈንተረ’ዩ። ሓንሳብ መለዋወጢ ኣቑሑት (spare parts) ኣሎና ይብሉ፣ ሓንሳብ ስለ ዘይትፋለጡ ክንዳንየኩም ይብሉ፣ ሓንሳብ ሩባ ከነሳግረኩም ይብሉ። እዚ ሓሳብ’ዚ ከምሓሳብ ዝወጾ የብሉን። ከምዚ ዝበለ ግሩም ሓሳብ ንመን ይምልከት እንተተባሂሉ ግን ርሑቅ ከይከድና “ነቶም ነብሶም ፈሊጦም ንህዝቢ ብልክዕ ዘላልዩ” ዝምልከት ይመስለኒ።

    ንእግረ መንገደይ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንመድረክ ዝምልከት ኣንበጣን ጽንብላሊዕን ኣልዒለ ዝሃብክዎ ሪእቶ ገለ ኣሕዋት ኣይተረደኣናን ስለ ዝበሉ መብርሂ ክህብ። ስለ ጽንብላሊዕ እዃ ካባይ ንላዕሊ ወዲ ትዃቦ ብደርፊ ፣ ኣሰና ከም መለለዪ ስእሊ (logo) ስለ እትጥቀሙ ንሶም እንተዝሕተቱ ምላሹ ምሓሸ። ብዝተረፈ ግን ኣነ’ውን ስለ ዝተጠቀምዅላ ክሕተተላ ቅኑዕ’ዩ ኢለ ስለ ዝኣምን ናብ ሓፈሻዊ ሓበሬታ-
    ጽንብላሊዕ ብመልክዓን ብለውሃትን ኣዝያ ግርምትን ተባሃጊትን ዓይነት ፍጥረት እያ። ካብዚ ሓሊፋ ከኣ ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት ኤረትራ ጽንብላሊዕ ኣብ ቅድሚ ጉዳይ ኤረትራ ወዛሕዛሕ ምባል ካብ ትጅምር ዓመታት ኣቝጺራ ኣላ። እታ ናይ ዓድና ጽንብላሊዕ ምስ ናይ ንጉስ ጽንብላሊዕ (monarch butterfly) ተኣሳሲራ ዝረከበቶ እንግዶት ከኣ ይመስል። እዘን ብንጉስ ጽንብላሊዕ ዝፍለጣ ሓደ ሓለፋ ባህርይ ኣለዎን። ንሳተንን ካብ ደቡብ ካናዳ ተበጊሰን ሕብራት ኣሜሪካ ቆሪጸን ንመክሲኮ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ኣብ ዝገሻሉ ግዜ ኣብቲ ድካመን ንምውጽእ ዘዕረፋሉ ቦታ ሓድጊ ገዲፈን ይመታ። ካብኡ እተን ሓደስቲ ዝተወለዳ ጽንብላሊዕ ነቲ ጉዕዞ ኣብ መፈጸምትኡ የብጽሐኦ። ስለዚ ስለ ሓፈሻዊ ኣፍልጦይ ነዚ ዝመስል። ደርፍትን ተጥቀምቲ ምስላን ግን ዝህብዎ ማእከላይ ሓሳብ ንዖኦም ይምልከት
    ንመድርክ ከም ኣንበጣ ዘመዛዘንኩሉ ምክንያት ግን ኣብ መጎኦምን ኣብ መንጎ እቲ ሕጂ ሃገር ዝደቑስ ዘሎ መላክን፣ ዘሎ ፍልልይ ካብ ኣብ መንጎ “ጸዶን ገይሶን” ዘሎ ፍልልይ ርሒቑ ስለ ዘይተረኣየኒ እዩ። ብተመን ዝተነክሰ ካብ ተመንን ተምሳል ተመንን እንተ ተጠንቀቀ ሓጥያቱ ኣበይ?

  • Amanuel February 17, 2014

    To Assenna

    We have our country current issue that we need to address. I understand that individuals are factors, but this had gone a bit further. I would advise you tom use your controlling mechanism. We have a common enemy let use all our resource to fight the regime in Eritrea and his followers

  • wedimeriet February 17, 2014

    I will repeat our common enemy is the regime of Isayas Afew____,and his supportes.Haile i support to criticize oWeldu article. But you went to far in naming all the people of history,for they dead history. Now,Alem should refrain calling names,but if he keeps instigating individuals,because some will loose their temper and talk nonsense. Our enemy is him

  • gedeb February 17, 2014

    ZIKEBERK hAW AMANUEL BITHIBO MALTAWI HABERETA ENDAMESGENKU BEJAKHA EZOMH ABESKEDES ANSHIWASEDEFET DIMU TEANKEFET ENDABELU HATEW-KETEW ZISTIHFU ZELEWU KABTI AMDI KITHAKOM HADERA YIBLEKA
    AMELAKH MISAKHAN MIS HIZBI ERITRAN YIKHUN

  • Genet-orginal February 17, 2014

    Mr. Haile
    Thank you for the respectful and constructive criticism of Mr. Woldu’s message. I hope he takes your message as brotherly advise. Some of the comments by few people regarding Mr. Woldu’s message are self centered, bias and immature. They are missing the point. No body is saying he shouldn’t defend himself. I support him to defend himself. But he shouldn’t go overboard offending many people. I haven’t read Mr. Alem’s article about Mr. Woldu. Mr. Woldu could have used a different approach and effectively expose what Mr. Alem said about him. But he didn’t. “he ask me who I am” is not enough information to support his argument. The whole message became about where this two men are from, than their actions. The statement by many smart and not so smart people has been repeated, “he has the right to defend himself” Well, it begs the question, what is he defending himself from? No Eritrean is afraid to tell any body where he/she is from. I think most of us, we need some more growing up to do. We need to be respectful each other.
    Thank you Mr. Haile for your smart article.
    Genet-O

  • Teclay February 18, 2014

    Very good article keep on
    I see meskerem net has also learned,after this article ,,,,They already stop to call Andinet com to Asmarino com.By now i hope they understand ,one can talk only about him self ,As Heile`s ratio 1/5000000,so if some one says Andinet it is ab-to him. This is what i can call it give and take ,,,any way it deserves applause Meskerem net

POST A COMMENT