ሎሚ 18 መስከረም፡ እቲ ብቐጻሊ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ግበታ ስልጣን ኢሳይያስ ኣብቂዑ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምስግጋር ዕማም ክፍጸም ግሁድ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዝገበሩ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራን፡ ድምጾም ንህዝቢ ኣብ ምዝርጋሕ ዝተሓባበሩ ነጻ ጋዜጠኛታትን፡ ብውልቀመላኺ ኢስይያስ ኣፈወርቂ ተመቚሖም ሃለዋቶም ናይ
ሎሚ 18 መስከረም፡ እቲ ብቐጻሊ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ግበታ ስልጣን ኢሳይያስ ኣብቂዑ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምስግጋር ዕማም ክፍጸም ግሁድ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዝገበሩ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራን፡ ድምጾም ንህዝቢ ኣብ ምዝርጋሕ ዝተሓባበሩ ነጻ ጋዜጠኛታትን፡ ብውልቀመላኺ ኢስይያስ ኣፈወርቂ ተመቚሖም ሃለዋቶም ናይ
Eritrean Movement for Democracy and Human Rights http://www.emdhr.net/ Registration number 034-999 NPO 85 Jeppe Street, Room 302B, Pretoria, Sunnyside, Republic of South Africa. P.O. Box 30583, Sunnyside 0132 Email: info@emdhr.net ጋዜጣዊ መግለጺ 18 መስከረም፡ ‘መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ` ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ከም ሃገርን ህዝብን ንኸረጋግጽ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ’ዩ። ብመስዋእቱ መሬታዊ ልዕላውነት
ስርዓት ህግደፍ፡ ንልዕሊ 17 ዓመታት መመላእታ፡ “ወራራት ጭፍራ ወያነ ብምምካት ልኡላውነትና ኣረጋጊጽና” ክይበለ ዝወዓለላ መዓልቲ የላን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ብሰበብ ባድመ ተባሂሉ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወልዐን ንሰለሰተ ዓመታት ዝቀጸለን ደማዊ ኩናት፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ህይወት ኣሽሓት ቀዚፉ፡ ንብረት ኣዕንዩ፡ ምምዝባል ኣኸቲሉ፡ ቢልዮናት ገንዘብን
እዚ ኣብዚ እዋን ካብ ብቕዓቱ ይኹን ካብ ሰዓብቱ ተስፋ ቖሪጹ: ሃገርን ህዝብን ረሚሱ: ካብ ዓለምን ህዝቡን ተሓቢኡ ዝነብር ዘሎ ውልቀመላኺ: እቲ ከም ምስጢር ሒዙ ኣብ 1999 ባድመ ንምምላስ ዝህቦ ዝነበረ ንመራሕቲ ግንባራት ከይተረፈ ዘስደምም ዝነበረ ትእዛዛት ክትኣምኖ ዘሸግር እዩ ኔሩ:: ሰራዊት ኢትዮጵያ ስትራተጂኣዊ ጎቦትት ተቖጻጺሩ
[gview file="http://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2017/09/Paulos-Stut.pdf"]
ስደተኛታት ኤሪትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየድዎ ናይ ሰላም ተበግሶ ተኾኒኑ: ዓገብ ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ ኣብ መስከረም. ኮም ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ ክመልሰለይ ነይኣምኖ! ወያነ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ምዕባሌን ኣገዲሱዎም ኣይፈልጥን’ዩ! ዘርእስቱ ክቡር ቀለታ ኪዳነ- ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤሪትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ ጽላል/ጸግዒ ረኺቦምሉ ዘለዉ ሃገረ ኢትዮጵያ ምስ ኢትዮጵያውያን ሰላም ምጽውዖም ኮኒንዎ። ንገሊኦም
ብሩክ ዘይመጽእ በስመ-እግዚኣብሔር ዘመነ ማርቆስ-ወንጌላዊ 2010 ዓ/ም ዓመተ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ይግበረልና-!! ዓውደ-ዓመት ተባሂሎም ካብ ዝኸብሩ ብዙሓት በዓላትና ሓደ፥ እቲ “-ቅዱስ-ዮሓንስ-” ብምባል ዝፍለጥ ናይ ዓመት መጀመርታ-ዕለት ምዃኑ፥ ነዚ ክፈልጥ ዘይክእል ዘሎ ኣይመስለናን። ስለ-ዝኾነ ድማ ሕዝብና ኣብዚ በዓል‘ዚ “-እንቋዕ እግዚኣብሔር ብደሓነ ሰላም ናብዚ ሓዲሽ-ዓመት‘ዚ ኣብጽሓና!!-” ብምባል ሓጎሱን ሠናይ
ባሕቲ መስከረም ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራን ህዝባን ዝትጀመረላ ዕለት እያ ። እዛ ናይ መጀመርታ ታሪኻዊት ዕለት (01-09-1961) ኣብ ኣምስተርዳም ብማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ፣ ብኣኽብሮትን ኣድናቖትን ብዕለት 03-09-2017 ተዘኪራ ውዒላ። ከምኡ ውን ነቶም ኩሎም ካብ መጀመርታ ዕለት ቃልሲ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ፣ ብዘይ
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን፥ ንዕለት 16 መስከረም 2017 ኣብ ከተማ ሎንዶን ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካይድ ስለዝኾንና፡ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ዕላማ ናይዚ ኣኼባዚ ኮሚቴ ሓድነት ዘሰላሰሎም ዕዮታት ንምግምጋምን፥ ንዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ ክንፍጽሞም መዲብናዮም ዘለና መደባት ንሕዝቢ ንምቕራብን ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሕብረተሰብና ዘጋጥሙ ዘለዉ ሓደሓደ ማሕበራዊ ግድላት
ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝተዓደሙ ኤርትራውያን ተነጣጠፍቲ ካብ 2-3 መስከረም 2017 ኣብ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ተራኺቦም ብዛዕባ ምዕዛዝ ምትእምማንን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ከምኡ ‘ውን ምህናጽ ሓያል ሕብረተሰብን ክፉትን ሰፊሕን ክትዓት ዝተኻየደሉ ኮንፈረንስ ኣካይዶም። እቲ ብግዱስ ተነጣጣፊ ሓው በረኸት ካሕሳይ ተወዲቡ ኣብ ኣዳራሽ Initiatives for Change ዝተኻየደ
ኣቀዲመ በኣቋጻጽራ ቤተ-ክርስቲያ ወይ ግእዛዊ ካላንደር፥ ኣብ ቅንያት ሓዱሽ ዓመትን በዓል ቅዱስ ዮሓንስን ንርከብ ከምህላውና መጠን ርሑስ በዓልን ቡሩኽ ዓመትን ይግበረልና ይብል። ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ግእዛዊ ካላንደር ብምውናን ከምኡ'ውን ነቲ እንኮ ኣፍሪቃዊ ግእዛዊ ፊደል ንኸይጠፍእ ዝገበረቶ ኣበርክቶ ብደረጃ ኣፍሪቃ ክንሪኦ እንከለና ኩርዓትን ሓበንን ይስማዓና። ቤተ-ክርስቲያን ጸግዒ ናይ
ናይ ኤርትራውያን ዘየቃርጽ ኣውያት ሎሚ ብእዋን ምምሕዳር ህግደፍ ኣይኮነን ጀሚሩ። ገዲዱ እንተበልና ግን ዘየማትእ ሓቅነት ኣለዎ። እቲ ምንታይሲ ናይ ወጻእቲ ዓመጽትን ገዛእትን ንጥቅሞም ክሕልዉ ነቲ ዘይናቶም ዝኾነ ህዝቢ እንተገፍዑ ሐደ ካብቲ ናይ መግዛእቲ ባህርይ ኢዩ። እንተኾነ ብኣንጻሩ ነቲ መግዛእትን ጭቆና ህዝቢ መደምደምታ ክገብረሉ ዝነቐለ ቃልሲ
[gview file="http://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2017/08/Petros-Fesehatsion.pdf"] Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:
ብልምዲ ሕብረተሰብና፡ ኣብ እዋን ጾም፡ ሕማማትን ሓዘንን፡ ጓይላ፡ ዳንኬራን መርዓን ኣይግበርን’ዩ። እዚ ባህሊ’ዚ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝሕበነሉ ሞራላዊ ስነ-ምግባርን ክብርን እምበር፡ ብዝኾነ መንግስቲ ዝተዋህቦ ትእዛዝን ሕግን ኣይኮነን ዝትግብሮ። እዞም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ገለ ብግዴታ፡ ገለ ድማ ብረብሓን ብፍታውን፡ ኣርማን ባንዴራን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ እናውለብለቡ፡
ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣቦታተይ፡ ኣዴታተይ፡ ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ ደቀይ ደቂ ደቅይ ሰላም ንኹላትኩም ንኹላትክን ይኹን፡ ዘስግእ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ብበቢዓይነቱ መገድታት ካብ ነዊሕ ጊዜ ጀሚሩ ብሰፊሑ ይዝረበሉን ይጽሐፈሉን ኣሎ። ተጓይኻ ምስራሕ እንተዝይኮይኑ ሕጂ ሓዲሽ ነገር የልቦን። እንተኾነ ዝጸበቦ ውላድሲ መቃብር ወለዱ ኮዓተ ከም ዝብሃል፡ ኣነ ደማ ከም
ሰፊሕ ሕዝባዊ በዓል ንዝኽሪ መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም.ፈ ንዝኽሪ መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም.ፈ መጀመርታ ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ንምብዓል ብሓልዮት ሕዝባዊ ምጥርናፍ ኤርትራውያን ስቱትጋርትን ከባቢኣን/ደለይቲ ፍትሒ ዝተዳለወ ሓጺር መግለጽን ብወናማት ስነ-ጥበባውያን ኤርትራ ብባህላዊ ደርፍን ሙዚቃን ዝተሰነየ፡ ሰፊሕ ሕዝባዊ በዓል ኣብ ከተማ
ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ኣብ ኤርትራ ዘየለ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ክፉእ ነገራትን ምዝርዛር፡ እቲ ዘሎ ቁንጣሮ ኣገልግሎትን ጽቡቅን ምጥቃስ ይቀልል። ንምንታይ’ሲ ኣብ ኤርትራ ሕሰም ህዝብና ዘጋድድ፡ ጋሕማጥን ምልካውን ኣሰራርሓ ቆጺርካ ስለዘይውዳእን እተን ንስርዓት ህግደፍ ሞሳን ክብርን ዝወሃቦኦ ውሱናት ስለዝኾናን። ብ8 ነሓሰ 2017, ኣብቲ ብ “ብሃገራዊ
ዕድመ ንህዝቢ ። ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ። ከምዝፍለጥ ፣ ባሕቲ መስከረም ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ዝትጀመረላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት እዚኣ፡ ብዘይ ናጽነትን ሓርነትን ክብረት የለን ብምባል ንኹሎም እቶም ብሉጽ ህይወቶም ከይበቀቑ ንኤርትራን ህዝባን ዝወፈዩ እንዝክረላ ክብርቲ ዕለት እያ። ስለዝኾነ ድማ እነሆ
ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣ ከምቲ ድሮ ዝሰማዕኩሞ እቲ ን 16 ዓመታት ምእንቲ ናጽነት ሃገሩ ዝተጋደለ ጅግና ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም ን 14 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጨፍላቒ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ድሕሪ ምስቓዩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካርሼሊ ተሰዊኡ። ንተጋዳላይ ሰለሙን ግን፣ ዝፈትዎም ስድራቤቱ ራሕሪሑ ብ 1975 ንሜዳ
ግደፋ እዛ ዓዲ ረስዓያ ካብ ልብኻ ምሒቕካ ኣውጻኣያ ስጐጓ፡ ኔው በላ፡ በላ ብያ ብምንታይ ኢያ‘ሞ ሰሪሓ ክትብሃል ዓያ ሃሊኻ፡ ደይባ፡ ጐያ ሓሪሻ፡ ጐልጕላ፡ ጸጊኣ፡ ጻህዪያ ቀውዓ ኣቖንጺባ ዓውዳ ኣጨቅያ ደቃ በእላፋት ኣጥምያ እንሃ ከም ገልዒ ትጕሓፍ ተደርብያ ኣብ መዓሙቕ ልበይ ተሰዅዓ ከም ብሮት ትነብር ምስ ስጋይ ጠቢቓ ሕቖይ እንተሃብክዋ ትጥወ ብፊተይ መጺኣ ጽላሎታ ትኸይድ ምሳይ ተጸጊዓ ትምኒተይሲ ነይሩ
ወረደ ኡኡኡኡይ ዶ ክብል ኣታ ወረደ ሓወይ ኣታ ወረደ ሓወይ ወረደ ሓውኻ በሊዩ ኣብ ማእሰርቲ ከይተፈርደ ደሃዩ እኳ ኣይነበረን ሽዑ ምስተወስደ ሕጂ እንደሞ ወሪዱና ካብኡ ዝገደደ ኣብኡ ተኻሪጁ ኢሎሞ ንፋስ ከይ ወሰደ ትሰምዓኒ ዶ ትህሉ ወረደ ሃብቶም በዓል ፋረ በዓል ታንኪ ዝነበርካ ናቶም ሓውኻስ ከይዱ እዩ ሎሚ ካብኣቶም ኣዴኻስ ኬይዳ ኢያ ትማሊ ካብኣቶም መጼሙኻ ዶ
ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብ 10 ሓምለ 2003 ካብ ዝእሰር ብዘይ ክስን ፍርድን ን 14 ዓመታት መመላእታ ኣብቲ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ካርሼሊ፣ ክሳቐ ዝጸንሐ ዳይረክተር ጀነራል ተለኮሙኒኬሽን ነበር ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም፣ ሎሚ ንጉሆ 18 ነሓሰ ኣብ ቤትማእሰርቲ ከምዝተሰውአ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ዕድሚኡ መወዳእታ ሱሳታት ዝበጽሕ፣
ዝኾነ ፍጡር ብሰላም ክድቅስ ዘይደልን ዘይምነን የልቦን። ዘየደቅስ ኩነታት እናሃለወ ከሎ ግና፥ ክድቅስ ዝኽእል የልቦን። ናይታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ኩነታት’ውን፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ከደቅሰና ዝኽእል ኮይኑ ኣይርከብን ዘሎ። ንሳ እዛ ቅድስቲ ዝኾነት ቤት፥ ሰላምን ቅሳነትን ከይረኸበት ከኣ፥ ንሕና እቶም ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማህጸና ዝወጻእና ደቃ፥ ሰላም ረኺብና ድቃስ
,,ተመክሮይ ኣብ ህዝባዊ ግንባር“፡ ብሓው የማነ ተኽለገርግሽ፡ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ፖለቲካዊ ዘተ ምስ ህዝቢ ኣብ ከተማ ኮለን (Köln)። ዝኸበርኩምን/ክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ደለይቲ ለውጢ ንደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ …! እምባኣር‘ከስ፡ ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ NRW ንቀዳም ዕለት 16. 09. 2017. ዓ.ም.ፈ.፡ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ሰሚናር ኣዳልዩ ኣሎ። ሽማግለ ህዝባዊ
ኣብዚ እዋን’ዚ መብዛሕቶኦም እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓዶም ገዲፎም ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ሚልዮናት ኣህዛብ፡ ኣብ ሃገራቶም ሓድሕድ ኩናትን ናይ ካልኦት ሃገራት ግዳማዊ ጣልቃ ምእታውን ስለዘሎ’ዩ። ንኣብነት ሃገራት ሶርያ፡ ዒራቅ፡ የመን፡ ሶማል፡ ሊብያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ደቡብ ሱዳን እንተተመልኪትና፡ ቀንዲ ጠንቂ ሞት፡ መቁሰልቲ፡ ውሽጣዊ ምምዝባል፡ ስደት፡ ጥሜት፡
ትማሊ 08/11/2017 ነበርቲ ደለይቲ ፍትሂ ሲያትል ተቃውሞኦም ጀሚሮም። ኣብቲ ብርክት ዝበሉ ተሳተፈቲ ዝተረከብዎ ሰልፊ እዞም ዝስዕቡ ጭርሓታት ብምስማዕ ደለይቲ ፍትሂ ጠለባቶም ናብ መላዕ ዓለም ኣተሓላሊፎም፣ ጸብጻብ መርመሪት ኮሚሽን ንድግፍ WE SUPPORT THE REPORT OF UN COMMISSION OF INQUIRE ON HUMAN RIGHTS IN ERITREA Isayas must be tried for
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ከተማ ለንደን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብ 5 ነሓሰ፣ ኣብ ለንደን ኣዳራሽ Initiatives for Change ብክብ ዝበለ ወግዒ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ኣኽቢሮም። ኣብቲ ንቓልሲ ናጽነት ኤርትራ ብኣካል ዘርከቡሉን ዝወዓሉዎ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ሓደሽቲ ወለዶን ከምኡ ‘ውን ወጻእተኛታት ፈተውትን ኣዕሩኽን ኤርትራ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፣ ንታሪኽ ሓርበኝነት
ወናም ኤርትራዊ ስነጥበበኛ መምህር ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ኣብ መበል 75 ዓመቱ ትማሊ ቀዳም ዓሪፉ። ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ስነጥበበኛ መምህር ኣልኣሚን ብ 1942 ኣብ ኣስመራ ኣባሻውል እዩ ተወሊዱ። ኣብ ጃልያ መምህር ኮይኑ እናሰርሐ ኸሎ ድማ፣ ፈለማ ምስ ማትኣ (ማሕበር ትያትር ኣስመራ) ቀጺሉ ድማ፣ ምስ ማምሃል (ማሕበር ምምዕባል ሃገራዊ
ግዕዙይ ስርዓትን ተበላጺ ዜጋን ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገጻት'ዮም ምኽንያቱ እቲ ሓደ ብዘይትሓደ ትንፋስ የብሉን። ግዕዙይ ስርዓት ዝልለየሎም ባህርያት ነዞም ዝስዕቡ የጣቃልሉ: ብቀንዱ፡ንስልጣን ንህዝቢ ከገልግለሉ ዘይኮነ፡ ውልቀ ረብሕኡን ስልጣኑን ንክዕቅብ ንህዝቢ ብአልማማ ከም ባርይኡ ጊላ ጌሩ ክረግጾሉ ሂርድግ ይብል። ርእይቶ ምኽርን ለበዋን ህዝቢ ምስማዕ አይናቱን፡
ኣቦይ ኣድሓኖም ገብረኪዳን(ላንጋኖ) ! 15 መስከረም፡ 1925 30 ሓምለ፡ 2017 ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ መንግስተ ሰማያት ይግበረልኩም!!! ነሓሰ 3፡ 2017 ጸሓይ ኣብ ምዕራባ፡ ክትጸንሓልካ እናደለኻያ ከም ትኽወለካ መጠን፡ ወለዲ`ውን ጣዕሞም እናመቀረካ ስለ ዝኸይድ፡ ክጸንሑልካ፡ ወረ ኪነብሩልካ ትደልዮም፤ ግን ዘይከኣል ኮይኑ እነሆ ንሕያዋይ ኣቦና ተገዲድና ነፋንዎም። እዛ ዘይተናሕሲ ቈጸራ ዘይትህብ ናይ መውዳእታ ጸዋዒትና
ሓደ ካብቲ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣዋዲ ዘይብሉ ጥንቅላዕላዕ ክብል ዘኽእሎ ዘሎ ቀንዲ ረቋሒ፡ ህዝቢ ነቲ ኣብ ዝባኑ ተጻዒኑ ዘሎ ኣርዑት መግዛእቲ ንምድርባይ ንርሑቅ ዝጥምትን ፍልልያት ከጽብብ ብቅዓት ዘለዎ መሪሕ ክረክብ ስለዘይክኣለን ስርዓት ህግደፍ ንዝኾነ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ምዕይ ከይበለ ንምጭፍላቅ ሓያል ትካላዊ ኣሰራርሓን
ንሕና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እንርከብ ኤርትራውያን፡ ቀዳመይቲ ቀዳም ናይ ወርሒ ነሓሰ፡ ንኹሉ ተጋዳላይን ህዝቢን ኤርትራ ዘስመረት፡ ዓቢ ታሪኻዊ ፍጻሜ ዝተራእየላ ሰሙን ብምንባራ፡ ብግዝያውነት ከም “መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ” ጌርና ኣብ ስደት ክንዝክራ ኣሎና ዝብል ተበግሶ ምውሳድና ዝዝከር ኢዩ። በዚ መሰረት፡ ዓሚ (2016) እታ ፈላሚት “መዓልቲ ሓርበኛታት
ንኣቦይ ኣድሓኖም መንገስተ ሰማያት የዋርሶም - ንስድራቤት ጽንዓት ይሃብ!
እምነ፡ ጸጽብቁ እምነ ሰላም ክረከብ ብፍትሒ ክዳነ ብምሽቁራር ከይስጉም ደኒነ ኣብ ገዛእ መሬተይ ክድቅስ ቀሲነ። ብልቢ እምነ፡ ኣብ መሬተይ ብኽብረት ክነብር ክወልድ ክዝምድ ከምቲ ንቡር ምስ ሞዛኖይ ብንእስነተይ ክዕንድር ንሰላም ክዝምር ወግዒ ሃገረይ ከስተማቅር። እምነ፡ ዓዲ ዝወዓሉ ወለደይ ክጥውሮም ዓስቦም ክኸፍሎም ፍረ ጻዕሮም ኣለኹልኩም ክብሎም ኣብ ሕማም እርጋኖም ብንጥፈት ክዋሳእ ኣብ ሓዘን ሓጎሶም። እምነ፡ ብዙሕ’የ ዝምነ ግዱዕ ክሕግዝ
መወከሲ ዝኸውን መዝግበ-ቃላት ደኣ፥ ኣብዚ ኣብ ቀረባ የብለይን እምበር፥ እቲ “-ዕርቂ-” ዝብል ቃል፥ ምስምማዕ, ምልዛብ, ምትዕራቕ, ምርድዳእ, ምቅርራብ ካብ ምባል ዝሓልፍ፥ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን። ብዝኾነ ብዘይ ሕድገት ዝብጻሕ ዕርቂ ግና የልቦን። ስለዚ’ዮም ዓደቦና’ውን “-ዝወለደ እንተለሓሰ፥ ዝበደለ እንተኸሓሰ፥ ኣባጅጎስ ክንደይኮን ምተሓጎሰ-” ዝብሉ። ብዘይ ንስሓን
እታ ብቡዛሓት ሃጸያት ተፈቲና ዘይተሳዓረት ቤተ-ክርስቲያን፥ ሕጂ'ውን ብሃጸይ ኣሥመራ ኣብ ከቢድ ፈተና ትርከብ። "ንማሕበረይ ኣብዚ ኸውሒ እዚ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን እዮም" (ማቴ 16፤ 18)። እቲ ድንጋጸ ዘይብሉ ስርዓት ኣሥመራ፥ ብጉዳይ ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ዓቅሉ ጸቢብዎ ከምዘሎ ካብቲ ዝገብሮ ዘሎ፥ ነቲ ልቢ ዘልዎ ከስተውዕሎ ዘጸግም
ብመሰረቱ ደቂሰባት ውይ ውድባት ወይውን መንግስታት ኣብ ዓለም ካብ ሕሉፍ ታሪኾም ክመሃሩ ግቡእ ኢዩ። ነቲ ጽቡቚ ክዕቅብዎ ነቲ ሕማቕ ድማ ክመሃርሉ ናይ ግድን ይኸውን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ወግሐ-ጸብሐ፡ “እዚ ዝፈጸምኩ፡ እዚ ዝፈጠርኩ ኢየ” እናበልካ ዘላ-ኣለም ምፍካር ግን ንቕድሚት ከይትስጉም ልሙስ ኢዩ ዝገብረካ። ስርዓት ህግደፍ እውን ከም ግቡእ