Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብጋዜጣ ዝተላእከ ናይ ተስፋ ደብዳቤ

እዚ ኣብዚ እዋን ካብ ብቕዓቱ ይኹን ካብ ሰዓብቱ ተስፋ ቖሪጹ: ሃገርን ህዝብን ረሚሱ: ካብ ዓለምን ህዝቡን ተሓቢኡ ዝነብር ዘሎ ውልቀመላኺ: እቲ ከም ምስጢር ሒዙ ኣብ 1999 ባድመ ንምምላስ ዝህቦ ዝነበረ ንመራሕቲ ግንባራት ከይተረፈ ዘስደምም ዝነበረ

እዚ ኣብዚ እዋን ካብ ብቕዓቱ ይኹን ካብ ሰዓብቱ ተስፋ ቖሪጹ: ሃገርን ህዝብን ረሚሱ: ካብ ዓለምን ህዝቡን ተሓቢኡ ዝነብር ዘሎ ውልቀመላኺ: እቲ ከም ምስጢር ሒዙ ኣብ 1999 ባድመ ንምምላስ ዝህቦ ዝነበረ ንመራሕቲ ግንባራት ከይተረፈ ዘስደምም ዝነበረ ትእዛዛት ክትኣምኖ ዘሸግር እዩ ኔሩ:: ሰራዊት ኢትዮጵያ ስትራተጂኣዊ ጎቦትት ተቖጻጺሩ ኣብ ትሕቲኡን ቅድሚኡን ዝነበረ ጎላጉል ብ ፈንጂታት ሓጺሩ ክነሱ: ያኣይ ታንክታት ካብ ሰብ ከቢረን ሰራዊትና ብፍላይ ኣባላት ናይቲ ኣብቲ ግዜ ካብ ቃሩራ ዝወረደ ኮር 271 ብእግሮም ክኣትዉ ድሕሪ ዝተዋህበ ትእዛዛት ዝሰዓበ ህልቂት መንእሰያትና ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ ኔሩ:: ድሕሪ ምህዳእ አቲ ኩናት: ኣብ ምዕራባዊ ኤርትራ ዝነበራ ኣሃዱታትና ኣዝየን ተዳኺመን: ብዙሕ መንእሰይ ተሰዊኡ: ከባቢ ቡሹካ: ቢንቢናን: ባረንቱን ብዉጉኣትን ስንኩላትን ኣዕለቕሊቑ: ናይ ሰራዊትና ሞራል ባይታ ዘቢጡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትና ንህዝብን ሰራዊትን ተስፋን ሞራልን ኣስኒቐን ዳግም ከምዝምክት ኣብ ምግባር ዝጻወትኦ ዝነበራ ተራ ክርሳዕ ኣይክእልን እዩ:: እዘን ጋዜጣታት ኪኖ ውግእን ወረ ውግእን ሰላምን ዕረፍትን: ራህዋን መስተርሆትን ከምዘሎ: በቲ ንመንእሰይ ዝማርኽ ኣቀራርባ ተስፋን ሓበሬታን ይምግባ ኔረን:: እቲ ካብ ወለዱ: መታዓብይቱን: መጻምድቱን ተፈላልዩ: ሃገር ተወሪራ ተባሂሉ ኣብ ፈቐዶ ድፋዓት ዋልታ ኮይኑ ዝነበረ መንእሰይ መዓልታዊ ነዘን ጋዜጣታት ክረክብ ክጓየ: በቲ ዝተፈላለየ ዓምድታተን እንዳተዛናግዐ ክሕጎስ: ክካታዕ: ከስተንትንን: ክስሕቕን ክትሪኦ ኮለኻ: ኣብቶም ኣዳለውትን ጸሓፍትን ዝነበሮ ኣድናቖትን: ክብርን: ምስጋናን ሰማይ ዓሪጉ ከምዝነበረ ምግማቱ ዘሸግር ኣይነበረን::

ኣብ ዓለምና ብዙሓት ደረስትን ጋዜጠኛታትን: ኣብ ዝተፈላለያ ብተዛማዲ ህድኣት ዘለወን ሃገራትን ቤት ትምህርቲ ስነጽሑፋትን ተማሂሮም ህቡባት ዓለምለኻውያን ጸሓፍቲ ክኾኑ በቒዖም እዮም:: ብመንጽር ኩነታትና ክርአኮሎ: እዞም ኤርትራውያን የሕዋት ሃገር ብዝሓተተቶ መሰረት ኩሉ ግዜ ንእስነቶም ንትምህርትን ኣገልግሎት ህዝብን ዘወፈዩ እዮም:: ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም: ገና ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ከለዉ መማህራን ኮይኖም በላሕቲ ተማሃሮ ዘፍረዩ: ብረት ዓጢቖም ክብሪ ሃገር ዝተኻላኸሉ: ብርዖም ስሒሎም ንስለህዝቦም ዝጻሓፉን ክሳብ ለይቲ ሎሚ መተካእታ ዘይተረኸበለን ጋዜጣታት ከዳልዉን ክውንኑን ዝበቑዑ: ብዘይምግናን መዳርግቲ ዘይርከቦም መንእሰያት እዮም ኔሮም::ድሕሪ ናጽነት ይኹን ኣብ እዋን ኣዋጅ ናጻ ‘ፕረስ’: ኣብ ኤርትራ ብሞያ ጋዜጠኝነት ዝሰልጠነ እኹል ዓቕሚ ሰብ ብዘይምንባሩ: እሞ ድማ “ሓበሬታ ሓይሊ” ብሙኻኑ ህላወ ናይዘን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣብ ምዕባለ ሃገር ይኹን ኣብ ምምልማል ንቑሕ መንእሰይ ዝነበሮ ተራ ዘማትእ ኣይነበረን:: ኤርትራ ብኹሉ መዳይ ምዕባለ ምስተን ዝሓሻ ዝበሃላ ሃገራት ንኽትስራዕ እዞም ሕጂ ኣብ ትሕቲ ጉድጋድ ዘለዉ ሃገራውያን መንእሰያት ብድፍረትን ብታኣምራታዊ ብቕዓትን ነቲ ሃጋፍ ክመልኡ ግዜ ኣይወሰደሎምን:: ገለ ካብ ናይ ስነ ሕሳብ: ገለ ካብ ፊዚክስ: ገለ ካብ ስነሕግን ካልእን ሞያታት ወጺኦም: ኤርትራዊ ኒሕን ፍቕርን ተዓጢቖም: እዚኣ ኣበር ኔራቶም ዘይበሃሉ ጋዜጠኛታት ኮይኖም:: ኣብቲ ዝጸንከረ እዋን ድማ ልሳን ህዝቦም ኮይኖም ልብን ሕልናን መንእሰያትና ከጥልሉ በቒዖም እዮም::

እዞም ኣብ ኣስመራ ዩንቨርስቲ ይኹን ኣብ ዝዓበይሉ ገዛውቲ: ጸኒሑ ድማ ኣብ ሰራዊት ኣዝዮም ፍቱዋት ዝነበሩ መንእሰያት: ሎሚ: ን 16 ዓመት መመላእታ: ግዳያት ናይቲ ብህዝቢ ተቐባልነትን ፍቕርን ዝረኸበ ሰብ ክርእይ ዓይኑ ዘይገብረሉ ውልቀመላኺ ኮይኖም ይርከቡ:: እቲ ኣብ ልዕሊ ወገኖምን ሞዮኦምን ዝነበሮም ፍቕሪ ኣብቲ ንህዝቦም ቅኑዕን እኹልን ሓበሬታ ንመሃብ: ኣብ ኣስመራ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ኩርናዓትን ድፋዓትን : ነብሶም ከይኣለዩ ላዕልን ታሕትን ዝብልሉ ዝነበሩ ህሞት ክትሪኦ ዘጸግም ኣይነበረን:: ከምዚ ሎሚ ኢንተርነት ይኹን ሞባይል ቴለፎናት ኣብ ዘይነበረሉ እዋን: ኣብ ፈቖዶ ቤትጽሕፈታት ምስቶም ብትዕቢት ተወጢሮም : ብጀካ ምስጢራውነት ጥቕሚ ግሉጹነት ዘይርዶኦም ኣማሓደርትን ሓለፍትን ክገጥሙ: እሞ ድማ ብታሃዲድን መጻወድያታትን ናይዝጊ ክፍሉን ካልኦት ኣረመናውያን ሰበስልጣናት ከይተዳሃሉ ክሳብ እታ ዝተኣሰሩላ ጸላም መዓልቲ: መስከረም 18: 2001 ንህዝቦም ኣገልጊሎም እዮም::

ፍቕሪ: ሓልዮትን ለውሃትን ፍሉይ መለለዪ ጋዜጠኛታትና እዩ ኔሩ:: ይዝከረኒ ካብ ሰራዊት ንዕረፍቲ ናብ ኣስመራ ኣብ ንኸደሉ ዝነበርና እዋናት: እቶም ኣብ ከተማ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዝነበሩ ኣሰናዳእቲ: ከም በዓል ዳዊት ሃብተሚካኤል: ማቲዎስ ሃብተኣብን: ካልኦትን ልዕሊ እቶም ኣብ ግንባራት መራሕትና ዝነበሩ አዘዝቲ ሰራዊት: ሞራል ጥራሕ ዘይኮነ እተን ካብ መሸጣ ጋዜጣ ዝረኽብወን ዝነበሩ ዉሑዳት ገንዘብ ውን ጅቡኦም ነጊፎም ኣጆኹም እንዳበሉ ከሐጉሱና ክፍትኑ::ሕጂ ግን ኮር ተገምጠል ኮይኑ እዞም ንሃገሮም ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት ዝኸፈሉ ኣናብስ ኣብ ትሕቲ ጉድጓድ: እቲ መሬትና ኣድፊሩን ኣረኪቡን ህዝብን ሃገርን ዘዋረደ ሰነፍ ውልቀመላኺ ድማ ኣብ ስልጣን ኮይኑ ገና ዓደቦና ይርምሳ ኣሎ::

ሎሚ: እዞም ተስፋን ሓበንን ህዝቦም ዝነበሩ ጋዜጠኛታት: ከምኡውን እቶም ነቲ ንሶም ዘርሓዉዎ ባብ ተጠቂሞም ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ማዕበል ናይ ለውጥን ፍትሕን ዘንቀሉ:ንእስነቶም ንናጽነት ሃገር ዘብለዩ “ጉጅለ 15” በቲ ዝኾነ ነጻ ድምጺ ዘርዕዶ ውልቀመላኺ ተቐይዶም ን 16 ዓመታት መመላእታ ብዘይ ፍርዲ ኣብ እስርቤት ህግደፍ ይርከቡ:: መስከረም 18: ከምቲ እዚ ውልቀመላኺ ዝደልዮ: ንኽንርስዖም ዘይኮነ: በንጻሩ ኣብኦም ዘለና ክብርን ምስጋናን የሐዲስና ንሓድነትን ለውጥን ክንሰርሕ ቃል ንኣትወላ ዕለት ክትከውን ይግባእ:: እዞም መራሕቲ ሃይማኖት: ፓትርያርክን ዕሸላት ቆልዑን ከይተረፈ ክኣስሩ ከም ጅግንነት ዝቖጽሩ: ሃገርና ወናኒት ዩንቨርስትታት ዘይኮነት: ወናኒት ልዕሊ 360 ቤት ማእሰርትታት ዝገበሩ መራሕቲ ህግደፍን: መንፈስ ሰይጣን ዝተዓጠቑ ሰዓብቶምን ሎሚ ንኤርትራና ካብ ዓለም ተነጺላ ውላድ መኻን ኮይና ብሕሰም ከምትሰሓግ ጌሮማ ይርከቡ:: እሞ ፈጣሪ ንሃገርና ካብ ኣትያቶ ዘላ መዓት: ንጋዜጠኛታትና ካብ ዘለዉዎ ጎዳጉዲ መዋጽኦ: ንቤተሰቦም ሓይልን ዓቕልን ይሃቦም:: ንዓና ድማ ኣብ ካሕሶኦም የውዕለና::

ዳዊት ተኽለ
ደንቨር, ሕ.መ.ኣሜሪካ::

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT