Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቦይ ኣድሓኖም ገብረኪዳን(ላንጋኖ) ! – ብዑቕባይ ገብረመድህን

ኣቦይ ኣድሓኖም ገብረኪዳን(ላንጋኖ) ! 15 መስከረም፡ 1925  30 ሓምለ፡ 2017 ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ መንግስተ ሰማያት ይግበረልኩም!!! ነሓሰ 3፡ 2017 ጸሓይ ኣብ ምዕራባ፡  ክትጸንሓልካ እናደለኻያ ከም ትኽወለካ መጠን፡ ወለዲ`ውን ጣዕሞም እናመቀረካ ስለ ዝኸይድ፡ ክጸንሑልካ፡ ወረ ኪነብሩልካ ትደልዮም፤ ግን ዘይከኣል ኮይኑ እነሆ

ኣቦይ ኣድሓኖም ገብረኪዳን(ላንጋኖ) !

15 መስከረም፡ 1925  30 ሓምለ፡ 2017

ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ መንግስተ ሰማያት ይግበረልኩም!!!

ነሓሰ 3፡ 2017

ጸሓይ ኣብ ምዕራባ፡  ክትጸንሓልካ እናደለኻያ ከም ትኽወለካ መጠን፡ ወለዲ`ውን ጣዕሞም እናመቀረካ ስለ ዝኸይድ፡ ክጸንሑልካ፡ ወረ ኪነብሩልካ ትደልዮም፤ ግን ዘይከኣል ኮይኑ እነሆ ንሕያዋይ ኣቦና ተገዲድና ነፋንዎም።

እዛ ዘይተናሕሲ ቈጸራ ዘይትህብ ናይ መውዳእታ ጸዋዒትና –  ነቦይ ኣድሓኖም ግን ሕያውነቶም ከቢዱዋ፡ ነታ ንብዙሕ ዓመታት ዝተፈለዩዋ ትውልዶም ኣየራ ኣስተማቒሮም ክሰናበቱዋ፣ እታ ዘይትተርፍ እዋን ምስ ቀረበት ከኣ ኣብ መንጎ ደቆምን ደቂ ደቆምን ፈተውቶምን ማሚቖም ብፈገግታ ናብ ዘለዓለማዊ ህይወት ኪሰግሩ ኣኽኢላቶም። እዚ ቅዱስ ሰብ ዝረኽቦ ስንብታ ኢዩ።

ከምቲ ዝበሃል፡ “ህይወት ኣብ መንጎ ቅድሚ ምውላድ ዘሎ ዘለዓለማውነትን ድሕሪ ሞት ዝህሉ ዘለዓለማውነትን እትርከብ ሓጻር ነቓዕ ጩራ ብርሃን ኢያ“። ኣብ ርእሲ`ቲ ምሕጻራ፡ ደቅሰብ ብሰሪ ናይ ኣተሓሳስባና ጣቓ እንፈጥሮ ሽግር፡ ምሉእ ብርሃና ኣይነስተማቕራን ኢና። ኣቦይ ኣድሓኖም ግን፡ ብሳላቲ ካብ ንእስነቶም ኣብ ወላዲኦም ብግብሪ ብዘርኣዩዎ ፍቕርን ኣኽብሮትን ዝቐሰሙዎ ልዑል ምርቓ፡ ትርጉም ህይወት ፍቕርን ሰናይ ተግባርን ምዃኑ ካብ ንእስነቶም ብምልላዮም፡ ነታ ጩራ ብርሃን ብድምቕታ  ተጸጊዮማን ኣስተማሪቖማን ኢዮም። ምስ ክብርቲ ብዓልቲ ቤቶም ኣደይ ጻድቃን ኣይበል ዝነበሮም ኣብ ምርድዳእ ዝተመስረተ ፍቕርን ምክብባርን ኣብ ዕላሎም ዝረአ፡ ብብዙሓትን ምእዙዛትን ደቅን ደቂ ደቅን ዝማመቘ፡ ቅዱስ ኣብነታዊ ህይወት ኢዮም የሕሊፎም። ኣቦይ ኣድሓኖም ዕለታዊ ህይወቶም ንኹሉ ብጽቡቕ ምግባር ዝተሰነየ፣ ብልግሶምን ሓላዪ መንፈሶምን፡፣ ብትሕትናኦምን ምቕሉልነቶምን፣ ብናይ ዕርቅን ሰላምን ልቦናኦም ዝልለዩ፣ ባህላውን ዘመናውን ኣተሓሳስባ ዝወነኑ፣ ምሉእ ህዝቢ ኣስመራ ዘፍቀሮምን ዘኽበሮምን ኣቦ ብምንባሮም፡  ክብሪ ውላዶም ቀሲሞም ነዛ ሓያል ህይወት ብምሉእ ሓጐስ ሓሊፎማ ክብል እኽእል።

ብናኣሽቱና ንዓበይቲ ወለዲ ማይ ከነሕጽቦም ከሎና፡ – “ቀበርትና ይግበርኩም“ – ኢሎም ይምርቑና  ነይሮም። ኣብቲ ናይ ቆልዓ ዕድመ ዋላ ምርቓ ይንበር፡ ምስ ሞት ዝተኣሳሰረ ዘረባ ክትሰምዕ ኣይወሓጠልካን ኢዩ። እቲ ምስጢሩ ግን፡ ብዝለዓለ ንወለዲ፡  ኣዚዩ ዓቢ ምርቓ ምንባሩ፡ ሎሚ ኣጸቢቑ ብግህዶ ይረአ ኣሎ። ኣቦይ ኣድሓኖም በወላዲኦም ኣዚዮም ምሩቕ ስለ ዝነበሩ፡ እነሆ ብደቆም ተኻሒሶም፣ ሕሰም ደቆምን ደቂ ደቆምን ከይረኣዩ፡ ከቢሮምን ተሓጒሶምን ካብዛ ናይ ቃልሲ ዓለም ናብ ዘለዓለማዊ ናይ ዕረፍቲ ህይወት ምሕላፎም ነቲ ዝጠቐስኩዎ ምርቓ ብምሉኡ ከም ዝተጸገዉዎ የረጋግጽ።

ኣቦይ ኣድሓኖም ካብ ዕድመ ንእሰነተይ ክፈልጦም ዝተዓደልኩ ፍሉይ ወላዲ ኢዮም ነይሮም፣ ኣብ ዝረኽቦም ግዜ ምስኦም ኮፍ ኢለ ከዕልል ከለኹ እቲ ህድኣቶምን ጣዕሞምን ከፋንዎ ዕድል ንዘይረኸብኩ ወላዲየይ ዝረኸብኩ ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ ዝነበረ።

ኣቦይ ኣድሓኖም መዝገብ ታሪኽ ኢዮም ነይሮም። ኣብ ርእሲ`ቲ ኣብ ዕድሜኦም ዘዋህለሉዎ ዓሚቝ ናይ ታሪኽ ኣፍልጦ፤ ሎሚ ኣብ መንእሰያት ተዳኺሙ ዝረአ ዘሎ፡ ክሳብ ትማሊ ክቱር ናይ ምንባብ ፍቕሪ ዝነበሮም ኣቦ ኢዮም። ብዕድመ ዘይነበርናሉ፡ ብጽሑፍ ዘይንረኽቦ ናይ ታሪኽ ዕላሎም  ከኣ ክርሳዕ ዘይግብኦ ክቡር ህያብ ወላዲ ኢዩ።

 ብሰናይ  ተግባር ዝልለ ታሪኽ  ኣቦይ  ኣድሓኖም ኣብ  ሓጺር ጊዜ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን`ሞ፡ ጕዕዞኹም ናይ መንግስተ ሰማይ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ይግበረልኩም! ንስድራ ኸኣ ጽንዓት ይሃብ፣ ራሕስኹም ኣይፈለዮም። ብኣካል እንተ ተፈለኹምና፡ ብመንፈስ ግን ወትሩ ምሳና ኢኹም`ሞ፣ ክሳብ ንስዕበኩም ብፍቕሪ ክንዝክረኩም ክንነብር ኢና።

ዑቕባይ ገብረመድህን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Araya and Bella August 7, 2017

    Baba Adhanom was a wonderful father, grandfather and was a good friend to all. He was an extraordinary man there are many in the community who will mourn deeply his passing as his was a life of service, love, compassion and excellence we were very lucky to know Aboy Adhanom. May he rest in peace.

POST A COMMENT