Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 

ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝተኣኻኸቡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓዉዲታት ሞያ ዘሎዎም ኤርትራዉያን ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓደገኛነቱ እንዳዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ኩሉመዳያዊ ቅልዉላው ኤርትራን ህዝባን፡ ተመኻኺርካን ተማያይጥካን ፍታሕ ንምንዳይ ዝዓለመ ኣኼባ ሎሚ 6 መስከረም 2011 ጀሚሩ፡፡

 

United for Eritrea (ሕቡራት ምእንቲ ኤርትራ) ብዝብል ስም ዝፍለጥ ማሕበር መንእሰያት ኣብ ጀርመን ዝወደቦ ንዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ በርሊን ፊት ቤትጽሕፈት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ተኻይዱ።