Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ATV: ብስቅያት ህዝቢ ዝሕጎስ ስርዓት – ወዲ ህዝቢ ካብ ኣስመራ – Oct 05, 2019

https://www.youtube.com/watch?v=7d_qXaBTcQ0&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Hidat October 6, 2019

    ወዲ ሕዝቢ ብስቅያት ህዝቢ ዓለም ዝጻወቱ ዘለዉ እቶም ልዕሊኦም እዘግሄር(ረቢ) ምህላዉ ረሲዖም ንነብሶም ሓያላት ናይ ዓለም ዘጠመቁ ምኻኖም ዝጠፍኣካ ኣይመስለንን። ሕጂ ግን””Wake Up””ኣፍሪቃ ዝባሃሉ ጊዜ ኣርኪብና ተመስገን

  • ገብረዝጊ ሽምሓላል October 8, 2019

    ሎሚ ጥራይ ኣይኮነን ምጽናትና ተጀሚሩ፥

    ኣየ ኸየ፤ ርኢና ከምዘይርኤና፤ ለሚድናዮ ኢና
    1890፤ ኣብ ጊዜ ግዝኣት ጣልያንውን እንከለና
    ኣቦታት፣ ኣዴታት ኣብ ኣደባባይ ክሕነቑ እንዳረኤና
    ን50 ዓመታት ሰጥ-ለበጥ ኢልና ተገዚእና ኢና።

    1942፤ ዓሌታዊ ስርዓት ኣብቂዑ፤ብእንግሊዝ ክትካእ
    ን10 ዓመታት ኣብ ጊዜ “ከፊልካ፣ ከፋፊልካ ግዛእ”
    ክንለምዶ ኔሩና፤ ዋላቲ ንህላዌና ዝፈታተን፣ ዝጻባእ
    ምጽውዋር፣ ምክብባር፣ ሓድነት ብዕሊ ዘጥፍእ።

    1952፤ ባዕዳውያን ክህንድሱ ሃገረ ኤርትራ ዘፍርስ
    ኣላልዮም ራኢኦም ዘተግብር፤ ህዝብና ዘበሳብስ
    ክርስትያን ክነሱ፣ ክሃድን ጀመረ ከቲቡ ኮማንዲስ
    “ዓሳ ንምጽናት፤ ባሕሪ ምንጻፍ” ተባሪኹ፣ ክኽለስ።

    1961; ብረታዊ ቓልሲ ብውሑዳት ምስ ጀመረ
    ፈደረሽን; ዘፍረሰ ሃይለስላሰ ሓድሽ ምህዞ ምስ ገበረ
    ከተግብሮ ሃሰውሰው በለ፤ ምስ ጠበብቲ ዝመኸረ
    ልኡኽ ሓሊቦ፥ ተሓርዩ ንሜዳ ተላኢኹ፣ ሰሊኹ፣ ተጸምበረ።

    ጀብሃ፥ “ብጻይ” መሲሉዋ፤ “ኣባይ” ንቻይና ክትሰድድ
    6 ወርሒ ተማሂሩ፤ ናይ ጥፍኣት ምህዞ ክለማመድ
    “ብጻይ” ንሜዳ ምስ ተመልሰ ምስ ዝተፋሕሰ ገመድ
    ናይ ዝለኣኹዎ፤ ናይ ጥፍኣትና ፈንጂ እንከጽምድ።

    ጀብሃ ተሓቢሪዋ ክነሳ “ኣባይ” ኣቲዩ ሎ ኣብ ደንበ
    ዝብኢ ክሳብ ዝደልዎ ክሕንክስ፤ ሜዳ እንዳንበበ
    ማክያቨሊ ክኸውን ዝተጠንሰ፣ ዝተፈጥረ፣ ምስ ዓንበበ
    ከምኡ ድማ ጫጭሔ፤ ጀብሃ ተገሚዓ፣ ሰዓብታ ከሰበ።

    ዘሕዝንዩ፤ ተቖጽዩ ክተርፍ ናይ ጀጋኑና ሕመረት
    ጀብሃ ተተኪኣ ብሕብእቲ ሰልፊ፣ ብጉልባብ ናጽነት
    1973፤ ኣካይዳና ንኣርም፤ ኣይግድን ዝበሉ ብሉጻት
    ካልእ ተሃንዲሱ “ሓለዋ ሰውራ”፤ ናይ ምድሪ ገሃነብሳት
    ኣርካናት፣ ምሁራት ናብ ጎዳጉዲ፤ ጨጋር ዳንጋ ንመዝነት።

    መኣስ ኢና ክንመሃረሉ፣ እቲ እከይ ባህርያት ነፋሒቶ
    ወዲ ድሙ ነይገድፍ ከምቀደሙ፤ ክርዳድ ብቁልቶ
    1976: ዋዕላ ስምረት ዝደለየ ክመስል ከሎ ዘራጊቶ
    ኣብ ክንዲ ኩርንኩሪት ዝእሰር፤ እቲ እሾኽ ኻኺቶ
    ታሪኽ ተደጊሙ፤ ኣባይ እንዳገበለ ስቕ ኢላ ርእያቶ።

    ወዮ ኣባይ ተደሚሩ፣ ተራቢሑ፣ ተቐኒሱ፣ ጎዲሉ
    ተተሓሒዙዎ ለባማት ከለሊ፤ ከጥፍኦም ነነቒሉ
    ንጨጋር ዳንጋ፥ ከም ሓደግትን፣ ገበርትን፣ መልሚሉ
    ሽዑ ይበዝሑ ደቂ ህዝቢ ዝጠፍኡሉ፤ ዝኸሰርናሉ።

    ስቕታና ይቕጽል
    ምጽናትና ይቕጽል
    . ቃልሲ የድልየናሎ
    ንኺድ ንዓዲ ሃሎ
    ስራዕ ተሰራራዕ
    ኣርክብ፣ሓዞ ነቲኸዳዕ
    ትም ኢልና ክንጸንት፤መሪጽና
    እመኑ፤ እዚ ኣይኮነን ዕጫና።

POST A COMMENT