Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍሹል ስርዓት ኢሳይያስ ኣሲሮዎም ዝቐነየ 5 ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ከምዝፈትሖም ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ብስርሒት ፎርቶ ባህሪሩ “ሎሚ ዶ ጽባሕ” እናበለ ቀልባዕባዕ ዝብል ዘሎ ፍሹል ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ስርሒት ፎርቶ 2013፡ ነተን ኣብ ጥርዚ ፎርቶ (ሚኒስትሪ ዜና) ተሰቒለን ዝዓረዳ ታንክታት ምንቅስቓስ ሰራዊት ወዲ ዓልን ብጾቱን፡ ብሞባይል ስኢልኩም ናብ

እቲ ብስርሒት ፎርቶ ባህሪሩ “ሎሚ ዶ ጽባሕ” እናበለ ቀልባዕባዕ ዝብል ዘሎ ፍሹል ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ስርሒት ፎርቶ 2013፡ ነተን ኣብ ጥርዚ ፎርቶ (ሚኒስትሪ ዜና) ተሰቒለን ዝዓረዳ ታንክታት ምንቅስቓስ ሰራዊት ወዲ ዓልን ብጾቱን፡ ብሞባይል ስኢልኩም ናብ ህዝቢ ዘርጊሕኩሞ ብዝብል ክሲ ን10 መዓልቲ ኣሲሩዎም ዝቐነየ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ከምዝፈትሖም ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቶም ግዳያት ማእሰርቲ ስርዓት ኢሳይያስ ኮይኖም ኣብ ማሕዩር ዝቐነዩ ጋዜጠኛታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡-

1.ሳሙኤል ዮሃንስ (camera man)

2. ሲራክ ስዩም ( ወዱ ንሓደ ካብ ፍሉጣት ሰኣልቲ ሚኒስትሪ ዜና፡ ስዩም ባርካ)

3. ኪሮስ ገብሪሂወት (camera man)

4. ተስፊት ኣብርሃ (camera man)

5. ፍሊጶስ ሃብታይ (editior)

በቲ ኣብ ጥሪ 21 ዝተኻየደ ስርሒት ፎርቶ 2013 ተዳሂሉ፡ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፊኡዎ፡ ውሑዳት መዳኸርቲ ገዲፍካ መላእ ህዝቢ ጸሊኡዎ ከምዘሎ ተገንዚቡ ዘሎ ሙሽሙሽ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብቐጻሊ ንጹሃት ዜጋታት ኪኣስርን ኪፈትሕን ይወዕል ከምዘሎ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Semhar May 1, 2013

    God bless ጅግና፡ ኤርትራዊ ስዉእ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ and his courageous comrades who marched with their tanks from Sorona, Akeleguzay to FORTO, Asmera to liberate our land and our people.

    The mad dog, the evil spirit ሕስረት ዝለመደ ዕባይ እንዳ ስዋ Isayas and his blind followers the PFDJ and their burned flag will be smashed!
    Freedom will ring in Eritrea!
    The Eritrean Liberation Flag will rise up again!
    Eritrea will be the land of the free and the home of the brave!

Post a Reply to Morroso Cancel Reply