Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ ሕማቕ ታሪኽ መምሃሪ – 6ይ ክፋል

“Truth must be told, even when it hurts, as it often does.” Dr Bereket Habte Slasie. ሚዛናዊ ታሪኽ ብዝወዓሉ ኣይጽሓፍን ኢዩ ቅድሚ ናብዚ ንኡስ ኣርእስቲ ምእታውና ብዛዕባ እታ “ታሪኽ” እትብል ቃል ብንጹር ክንሰማማዓላ የድሊ። ታሪኽ ብቋንቋ ትግርኛ

“Truth must be told, even when it hurts, as it often does.” Dr Bereket Habte Slasie.

ሚዛናዊ ታሪኽ ብዝወዓሉ ኣይጽሓፍን ኢዩ

ቅድሚ ናብዚ ንኡስ ኣርእስቲ ምእታውና ብዛዕባ እታ “ታሪኽ” እትብል ቃል ብንጹር ክንሰማማዓላ የድሊ። ታሪኽ ብቋንቋ ትግርኛ ዝሓለፈ ዛንታ ማለት ኢዩ። ሓደ ሰብ ብዛዕባ ንሱ ዝገበሮ ዝሓለፈ ፍጻሜ እንተደኣ ይዛረብ ኣሎ “ይትርኽ ኣሎ ኢና” ንብል። ብዛዕባ ሃገር ብምልእታ ዝገበረቶ ሕሉፍ ፍጻሜ ክዛረብ ከሎ እውን “ይትርኽ ኣሎ” ኢና ንብል። ስለዚ ንዝኾነ ዝሓለፈ ፍጻሜታት ምዝራብ ወይ ምጽሓፍ ምትራኽ ማለት ኢዩ። ነዚ ኣበሃህላ እዚ ዝሃብናዮ ስም ድማ ታሪኽ ኢዩ። እዚ ቃል እዚ ብሰንኪ ዋሕዲ ቃላትና ኣሻማዊ ኢዩ። ታሪኽ ክንብል ከለና ነቲ ብእንግሊዝኛ History ዝበሃልን ነቲ ብእንግሊዝኛ Memoir, Personal Account, Personal Narrative, Autobiography…ወ.ዘ.ተ. ዝበሃልን ኢዩ ዘጠቓልል። ስለዚ ሓደ ሰብ ዝተሳተፎን፣ ዝረኣዮን፣ ዝሰመዖን፣ ዘንበቦን እንተላይ ናቱ ትዕዝብቲ ሓዊሱ ዝጻሓፎ ጽሑፍ ብቋንቋ ትግርኛ ታሪኽ ኢዩ ዝበሃል። ንኣብነት እታ ብኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ዝተጻሕፈት “ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ” እትብል መጽሓፍ፣ ኣብቲ ታሪኽ (history) ዝብል ምድብ ክትከውን ትኽእል ኢያ ዝብል ግምት የብለይን። መብዛሕትኡ ትሕዝቶኣ ካብቲ ኣልኣሚን ዝሰመዖን፣ ዝረኣዮን፣ ዘንበቦን እንተላይ ፕሮፖጋንዳ ህግ ዝሓወሰ ኢዩ። ይኹን እምበር ንመጻኢ ወለዶ ታሪኽ ንምስናድ ዓቢ ሓገዝ ክህልዋ ከም ዝኽእል ርጉጽ ኢዩ።

ታሪኽ ብተመራመርቲ ታሪኽ ኢዩ ዝጽሓፍ ኢልና ኔርና። ተመራመርቲ ታሪኽ ድማ ካብቲ ቅድሚኦም ዝገደፍዎ ውልቃዊ ይኹን መንግስታዊ ሓበሬታታት (ውልቃዊ ተዘክሮታት፣ ጸብጻባት፣ ኣፈ-ታሪኽ…ወ.ዘ.ተ.) ይውከሱ። ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪ ሓበሬታ ብምእካብ ከኣ ነቲ ሓቀኛ ዝብልዎ ብዓይኒ ሕልናን ልቦናን እንዳኣዛመዱ ታሪኽ (History) ይስንዱ። ስኑድ ዝጸንሐ “ጭብጥታት” ምስ ዝርከብ ነቲ ገምጋሞም ስለዘሀብትሞ ከም ዘለዎ እንዳወሰዱ ኣብ መጻሕፍቲ ይኹን ኣብ ቤተ-መዘክር ከም ዝነብር ይገብርዎ። ይኹን እምበር እዚ’ውን ካብ ነቕፌታዊ ገምጋም ሓራ ኢዩ ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ኢዩ ድማ ታሪኽ ኣብ ቀጻሊ መጽናዕትን ምርምርን ዝርከብ። ንኣብነት ንነዊሕ እዋን ስታሊን (ናይ ሶቬት “መራሒ” ዝነበረ) ዝበዘሐ ሰባት ከምዘጥፈአን ኣብ ታሪኽ ብጭካኔኡ ቀዳማይ ቦታ ከምዝሓዘን ይግለጽ ኔሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብቻይናውያን ብዝተረኽበ መጽናዕቲ ግን ማኦ ልዕሊ 70 ሚልዮን ሰብ ከም ዘጥፈአን፣ ማኦ ኣብ ቦታ ስታሊን ክኣቱ ከምዘለዎን መጻሕፍቲ ታሪኽ ይገልጹ።

ስለምንታይ ታሪኽ ብዝወዓሉ ዘይጸሓፍ? ኣብ ሓደ ውዕሎ ዝኸስብ ኣሎ ዝኸስር ኣሎ። ዝገፍዕ ኣሎ ዝግፋዕ ኣሎ። ዝህብትም ኣሎ ዝደኪ’ውን ኣሎ። ዝኣስር ኣሎ ዝእሰር’ውን ኣሎ። ዘርኡ ዝፈሪ ኣሎ። ዘርኡ ካብ ገጽ ምድሪ ዝጠፍእ’ውን ኣሎ። ስለዚ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ዝሃሲ ኣሎ ዝህሰ’ውን ኣሎ። እዞም ክልተ ዘይነጻጸሉ ሰባት ኢዮም ድማ ዝወዓሉ ዝበሃሉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብኸመይ ነቲ ውዕሎ ይርድእዎ፣ ይገልጽዎ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ታሪኽ ብኸመይ ይስንድዎ ክፈላለዩ ባህርያዊ ኢዩ።

ሰብ ብባህሪኡ ካብ ብዛዕባ ሕማቑ ብዛዕባ ጽቡቑ ኢዩ ክስንድ ዝደሊ። እዚ ባህሪ እዚ ባዕልኻ ሓሲብካ ወይ ፈቲኻ  ተምጸኦ ኣይኮነን። ሰብ ብባህሪኡ ብሓደ ውሱን ዲግሪ ናብቲ ንሱ ዝኣምነሉ ይዘዙ (biassed) ኢዩ። እቲ ንሱ ዝኣምነሉ ንዕኡ “ቅኑዕ” ወይ “ሓቂ” ኢዩ። እቲ ዘዛርብ ዘሎ ፍጻሜ ገበን እንተለዎ እሞ ከኣ “ገበነኛ ኢዩ” መታን ከይብሃል ነቲ ዝገበሮ ግብሪ ብዝተኻእለ መጠን ፍትሓዊ ንምግባሩ ኢዩ ዝህቅን። ካልኣይ ከምቲ ኣቐዲምና ደጋጊምና ዝበልናዮ፣ ሰብ ምማቱ ስለዘይተርፎ ሕማቕ ታሪኽ ገዲፉ ክሓልፍ ኣይደልን ኢዩ። ስለዚ ዝወዓለ፣ ብፍላይ ድማ ምስቶም ዝበደሉ ሸነኽ እንተደኣ ኮይኑ፣ ዋላ ታሪኽ ክስንድ እንተደለየ እውን ነቲ ሕማቕ ጎኒ ናይቲ ታሪኽ ከወግዶ ኢዩ ዝመርጽ። እዚ ኹሉ ክገብር እንተዘይክኢሉ ከኣ ሱቕ ምባል’ዩ ዝሓሪ። ዝተበደለ’ውን ናቱ ጸገማት ኣለዎ።  ነቲ ጽቡቕ ጎኒ ናይቲ ውዕሎ ናይ ምርኣይን ናይ ምድናቕን ዝንባሌ የብሉን። በቲ ዝወረዶ በሰላ ምሉእ ሂወቱ ስለ ዝሳቐ ነቲ ኣወንታዊ ጎኒ ናይቲ ፍጻሜ ክዝክር የሸግሮ ኢዩ። ስለዚ ታሪኽ ክስንድ እንተደኣኮይኑ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ኢዩ ዝያዳ ድምቀት ዝህብ። ፈትዩ ጥራይ እውን ኣይኮነን፣ እቲ ልክዕ ታሪኽ ንዕኡ ንሱ ኢዩ።

ብዙሓት ሰባት ወይ ናይ ታሪኽ መጽናዕቲ ዘካይዱ ምሁራት ብዛዕባ ካልኣይ ኩናት ዓለም ክዛረቡ ከለዉ ከምዚ ይብሉ። ዓዲ እንግሊዝ ኣብ 2ይ ኩናት ዓለም ሓያል ኮይና ኢያ ወጺኣ። ስለዚ መብዛሕቶም ን2ይ ኩናት ዓለም ኣመልኪቶም ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ብእንግሊዛውያን ኢዮም ተጻሒፎም። ከም ኩሉ ሰብ ድማ እንግሊዛውያን ንታሪኾም ከባላሽዉ ኣይመርጹን ኢዮም። ስለዚ ብመሰረት ናይ እንግሊዛውያን መጻሕፍቲ፣ ጀርመን ኣብ ግዜ ሂትለር ሲኦል’ያ ኔራ። ይኹን እምበር እቲ ድሕሪኡ ዝመጸ ወለዶ ነቲ ዝረኸቦ ጽሑፋትን ነቲ ኣብ ጀርመን ከይዱ ክረኽቦ ዝኸኣለ ዶኩመንትታትን ኣዛሚዱ ካብቲ ሓቂ ብዙሕ ዘይርሕቕ ታሪኽ ሰኒዱ ኢዩ። ጀርመን ኣብ ግዜ ሂትለር ሲኦል ምንባራ ግን ዋላ ጀርመናውያን እውን ዝኽሕድዎ ኣይኮኑን።

እንተደኣ ዝወዓለ ታሪኽ ክጽሕፍ ዘይክእል ኮይኑ፣ መን ደኣ ታሪኽ ክስንዶ ኢዩ? ሚዛናዊ ታሪኽ ብካብቲ ውዕሎ ወጻኢ ዝኾነ ሰብ ኢዩ ዝስነድ። መብዛሕቱ ግዜ ድማ በቲ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ወለዶ ኢዩ ዝጸሓፍ ወይ ዝስነድ። እዚ ወለዶ እዚ ካብቲ ታሪኽ ናይ ሓባር ረብሓ እምበር ውልቃዊ ረብሓ የብሉን። ኣብቲ ክፉእን ጽቡቕን ናይቲ ፍጻሜ ስለ ዘይወዓለ ድማ ናብ ሓደ ሸነኽ ከዘዝዎ ዝኽእል ምኽንያት የብሉን። ስለዚ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ወለዶ ዝሓሸን ሚዛን ዘለዎን ታሪኽ ክስንድ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር እዚ ወለዶ’ዚ ልብ-ወለድ ኣይኮነን ክጽሕፍ። እንተተኻኢሉ ሓቐኛ ታሪኽ ኢዩ ክጽሕፍ ዝደሊ። ሓቀኛ ታሪኽ ድማ ካብ ተጻሒፉ ዝጸነሐ ሓቀኛ ሓበሬታ ኢዩ ዝርከብ። እሞ ሓቀኛ ሓበሬታ ደኣ ካበይ ይምጻእ?

ንታሪኽ ክምግብ ዝኽእል ሓቀኛ ሓበሬታ ዝርከብ ካብቶም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ሰባት ኢዩ። ካብ ኩሉ ህዝቢ ኢዩ። ሰባት ብዘይ ዝኾነ ዕቃበ ንትዕዝብትታቶም ምስ ዝምዝግቡ ኢዩ። ዋላ ካብቲ ዝሓመቐ ጽሑፍ ንእሽቶ ጽቡቕ ከምዝርከብ ተመራመርቲ ታሪኽ ጽቡቕ ጌሮም ይፈልጡ ኢዮም። ኣይኮነን’ዶ ሓቀኛ ሓበሬታ ዋላ ዝዘንበዐ ሓበሬታ (Misinformation) እውን ጥቕሚ ኣለዎ። ብፍላይ ኣፈ-ታሪኽ ማእለያ ዘይብሉ ምዝንባዕ ኣለዎ። ብሓፈሽኡ እቲ በቶም ዝወዓሉ ዝጽሓፍ ጽሑፋት ብዙሕ ጸገማት ከምዘለዎ ኣብ ግምት እንዳኣእተዉ ኢዮም ታሪኽ ዝስንዱ። ነዚ ንምጽራይ እምበኣር ኢዮም ብዝበደለን ዝተበደለን ዝተሰነደ ጽሑፋት ዝውከሱ። ይኹን እምበር እዚ በዞም ዝወዓሉ ዝጽሓፍን ዝዝረብን ኩሉ ሓቂ ኣይኮነን። ታሪኽ (history) እውን ኣይኮነን። እዚ በቶም ዝወዓሉ ዝጽሓፍን ዝበሃልን ዕላል፣ ናይቲ ጸሓፊኡን በሃሊኡን ተዘክሮታት (memoir) እምበር፣ ንወለዶታት ክሓልፍን ኣብ ስርዓተ-ትምህርቲ ኣትዩ ንህጻናት መምሃሪ ታሪኽ ክኸውን ዝኽእልን ኣይኮነን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ተስፋይ ተምነዎ ንዓመት መመላእታ ንገለ ክፋል ናይ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ፣ ኣብ ረድዮ ወጋሕታ ኣዘንትዩ። በቲ ዝሃቦ ነዊሕን ብዙሕ “ሓቅታት” ዝሓዘለን ዕላሉ ድማ ከም ብዙሕ ሰማዒ ምስጋናይ ላዕሊ ኢዩ። ምስጋናይ ግን ብትርጉም ናይቲ መልእኽቲ (Context) እምበር ብዝርዝር ናይቲ ትሕዝቶ (Content) ኣይኮነን። ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ንተመራመርቲ ታሪኽ ዝግደፍ ኢዩ። ነቲ ንነዊሕ እዋን ክንሰግሮ ዘይከኣልና ሕማቕ ሸነኽ ናይቲ ቃልሲ ናይ ምዝራብ መንፈስ ብምስባሩን ነቶም ጸዋዪ ስኢኖም ክልተ ግዜ ዝተቐትሉ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ሂወት ብምልባሱን ግን ክምስገን ይግበኦ። እዚ ዕላል እዚ ከኣ ነቶም ኣብ መጻኢ ታሪኽ ክስንዱ ዝደልዩ ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎ ከምዝኽእል ከኣ ፍሉጥ ኢዩ።

ተስፋይ ብዙሕ ሰማዒ ከም ዝረኸበ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ንብዙሕ ሰብ ኣዛሪቡ። ኒልሰን ማንዴለ ሓደ እዋን ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ኔሩ። “If you talk to a man in a language he understands, that goes to his head. If you talk to him in his language, that goes to his heart.” ንሓደ ሰብ በቲ ዝፈልጦ ቋንቋ እንተደኣ ተዛሪብካዮ ናብ ሓንጎሉ ኢዩ ዝኸይድ። በቲ ቋንቁኡ እንተተዛሪብካዮ ግን ናብ ልቡ ኢዩ ዝኣቱ። ስለዚ ተስፋይ ብዙሕ ሰማዒ ምርካቡ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሰባት ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም እንታይ ይዛረቡ፣ እንታይ ተበዲሎም፣ እቲ በዳሊ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ። እቲ ኣብ ገድሊ ዋና በደል ዝነበረ ሰብ፣ ሕጂ’ውን ይብድል ከም ዘሎ ጽቡቕ ጌሩ ይፈልጥ ኢዩ። ኣብኡ ምርኩስ ጌሩ ኢዩ ድማ ተዛሪቡ። ካልኣይ እዚ ዛንታ’ዚ ብድምጺ ኢዩ ተፈንዩ። ድምጺ ከኣ ካብ መጽሓፍ ንላዕሊ ሰማዒ ክረክብ ከም ዝኽእል ዘተሓትት ኣይኮነን። ብድምጺ ምፍናዉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሳላ ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ ሰብ ኣብ ገገዝኡ ኮይኑ ደጋጊሙ ኢዩ ኣስተማቒርዎ። እዚ’ውን ናቱ ጽልዋ ኣለዎ። ተስፋይ ብዙሕ ሰማዒ ዝረኸበሉ ቀንዲ ምኽንያት ግን እዚ ጥራይ ኣይመስለንን። እንታይ ደኣ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ዓበይቲ ሃጓፋት ጸኒሖምና ኢዮም። ሓቂ ናይ ዘይምዝራብ ሃጓፍ፣ ካብ ብዛዕባ ዘድልዩና ብዛዕባ ዘየድልዩና ናይ ምድማቕ ልምዲ፣ ካብ ደሳዊ ኣተሓሳስባ ዝነቐለ ኣብ ኩሉ ነገር ጥዑይ ኮይንካ ናይ ምርኣይ (Political Correctness) ዝምባለ፣ ሓቂ እንዳፈለጥካ ሕብረተ-ሰብ ብቤላ በለው ክርመስ ከሎ ዓገብ ናይ ዘይምባል ባህሊ። ብዓቢኡ ከኣ ናይ እንታይ ገደሰኒ ሱር ዘለዎ ሕማም። ተስፋይ እምበኣር ኣብቲ ነዊሕ ዛንትኡ ካብዚ ባህሊ’ዚ ወጺኡ ኢዩ ተዛሪቡ። ስለዚ ከምቲ ኒልሰን ማንደላ ዝበሎ ብትግርኛ ምዝራቡ ኣይኮነን ሰማዒ ረኺቡ፣ እንታይ ደኣ ብዛዕባ እቲ መዓልታዊ ኣብ ውሽጢ ገዛና ዘሎ ዕላል ብምዝራቡ ኢዩ።

ተስፋይ ኣብ ዛንትኡ ብዙሕ ጌጋ ሓበሬታታት ክህልዎ ከምዝኽእል ርዱእ ኢዩ። “ዝተሰነዐ ሓበሬታ ኢዩ” ክብል እኳ እንተዘይደፈርኩ ዝዘምበዐ ሓበሬታ (misinformation) ክህልዎ ከምዝኽእል ግን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ተስፋይ ነዚ ዛንታ ከዘንትዎ ከሎ ዝረኣዮ ጥራሕ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ዝሰመዖን ዘንበቦን ናቱ ሪኢቶ እውን ዝተሓወሶ ኢዩ። ዋላ’ኳ  ምርኣይ ንባዕሉ’ውን ናቱ ጸገማት እንተለዎ፣ ከምቲ ኣብ ብዙሕ ሸነኽ ናይዚ ጽሑፍ ዝረኣናዮ ምስማዕን ምንባብን ከሕልፍዎ ዝኽእሉ ምዝንባዕ ናይ ሓበሬታ ማእለያ የብሉን። ስለዚ ተስፋይ ኣብ ዛንትኡ ብዙሕ ጥንቃቐ ዝጎደሎ ኣቀራርባታት ኔርዎ ኢዩ ዝብል ትዕዝብቲ ኢዩ ዘለኒ። ዋላ’ኳ ግብራውነቱ ኣጠራጣሪ እንተኾነ፣ ንሰባት ተወኪሱ ጉድለታቱ ከውሕደሉ ዝኽእል መንገዲ ኔርዎ ኢዩ። ይኹን እምበር ብዙሕ ግምት ሂብናዮ ዘይንፈልጥ ሕጂ ክርዳኣና ዝጅምር ዘሎ ነገራት ኣሎ። ንሱ ከኣ ህግ ኣብ ግዜ ቃልሲ ብዙሕ ዝተሰነዐ ሓበሬታታት ይዘሩ ኔሩ ኢዩ። ንወተሃደራውን ፖለቲካዊን መኽሰብ ናይቲ ውድብ ጥራይ እንተዝጥቀመሉ ሃሳዪ ኣይምኾነን። እንተላይ ንውልቃዊ መኽሰብ ናይቶም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ስለ ዝነበረ ግን፣ ነቲ ሓቂ ካብ ሓሶት ክትፈልዮ ኣጸጋሚ ኢዩ። ብወግዓዊ መንገዲ ስለ ዘሕልፎ ዝነበረ ድማ እቲ ሰማዒ ከም ሓቂ ወሲዱ ንነዊሕ እዋን ሒዝዎ ኢዩ። እዚ ብካልኦት ዝተሰነዐ ሓበሬታ፣ ካብ ካልእ ሰብ ክወጽእ ከሎ ስኑዕ ምዃኑ ኣፍልጦ የብሉን። ተሓታቲ እቲ መጀመርያ ዝሰነዖ እምበር ካልእ ሰብ ክኸውን ኣጸጋሚ ኢዩ። ስለዚ ነቲ ሓቂ ሓበሬታ ካብቲ ስኑዕ ሓበሬታ ክንፈሊ ግዜ ከድልየና ኢዩ።

እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይዚ ዝዝንቶ ዘሎ ታሪኽ ልክዕ ቕድሚ 40 ዓመታት ኢዩ ተፈጺሙ። ኣብዚ ንውሓት ናይ ግዜ ክመጽእ ዝኽእል ምርሳዕን ነቲ ኩነታት ናይ ምግላጽ ለውጥን መወዳእታ የብሉን። ዝኾነ ይኹን ኩነት (event) ብቕድሚት ክትርእዮን ብድሕሪት ክትርእዮን ዝተፈላለየ ስእሊ ኢዩ ዝህበካ። ምኽንያቱ ኣተሓሳስባና ብተመክሮና ኣዝዩ ኢዩ ዝጽሎ። እቲ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ኩነት “ፍትሓዊ ኢዩ” ኢልካ ዝተቐበልካዮ ነገር ክደጋገም ከሎ ኣብ ገለ እዋን ዘይፍትሓዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወይ’ውን ብኣንጻሩ እቲ “ኣይፍትሓውን ኢዩ” ትብሎ ዝነበርካ ኣብ ገለ እዋን ፍትሓዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት ሓደ ሓደ ሰባት እቲ ኣብ 73 ዝተፈጸመ ጸሊም ታሪኽ እንተዘይፍጸም እቲ ሰውራ ክቕጽል ኣይምኸኣለን። ኣብ መወዳእታ ድማ ናጽነት ኣይምመጸን ዝብሉ ኣለዉ። ብኣንጻሩ እዚ ኹሉ ሕጂ ኣቲናዮ ዘለና ጸገም ሱሩ ንሱ ኢዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ። ኣነ ምስዞም ዳሕረዎት ኣለኹ። ናይ 73 ጥራይ ዘይኮነ ዋላ እቲ ድሕሪኡን ቅድሚኡን ዝነበረ ናይ ውሑዳት ዕብለላ ኢዩ ናብዚ ኹሉ ኣብጺሑና። ናጽነትና ኣብ ሑጻ ትስረት ከምዝነበረት ዘስተብሃሉ ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም ኔሮም።

ነቶም ንተስፋይ ዝነቐፉ እውን ማዕሪኡ የመስግኖም። ምኽንያቱ ታሪኽ ብኸምዚ ኢዩ ዝህብትም። እቲ ዝጽላእ ዘይምጽሓፍ ወይ ዘይምብርካት ጥራይ ኢዩ። ንሓደ ጽሑፍ ወይ መደረ ምንቃፍ፣ ምንኣድ ወይ’ውን ጃላ ሪኢቶ ምሃብ (Review) ንቡር ኢዩ። ኣዝዩ ድማ ጠቓሚ ኢዩ። ብሃናጺ መንገዲ እንተደኣ ዘይቀሪቡ ግን ኣክንዲ ተመላላኢ ኮይኑ ንመጻኢ ወለዶ ዝጠቅም፣ ነንሕድሕዱ ተናጻዩ ኮይኑ ረብሓ ዘይብሉ ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ። እዚ መንእሰይ ወለዶ ብሰንኪ ዘይምጽሓፍና እምበር ብሰንኪ ምጽሓፍና ኣብ ድንግርግር ክኣቱ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ለባም ዘረባ ኣይመስለንን።

ኩሎም እቶም ንተስፋይ ዝነቐፉ ሓንቲ ናይ ሓባር ሕጋዊት ነጥቢ ኣላቶም። ንሳ ከኣ “መርትዕኡ እንታይ ኢዩ?” ትብል ኢያ። ስለዚ መርትዖ ዘይብሉ “ሓበሬታ” ሓሶት ኢዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ኢዩ ኣብጺሕዎም። ቅድሚ ብዛዕባ መርትዖ ምዝራበይ ብዛዕባ ሓቂ (Truth) እስኪ ገለ ክብል። ሓቂ ኩሉ ግዜ ሓቂ ኢያ። መርትዖ ትርከብ ኣይትርከብ ዝቕይራ ነገር የለን። ንሓቂ መርትዖ ንደልየላ እምበኣር መታን ሰባት ክኣምኑና ኢልና ኢና። ስለዚ ብዓይኒ ሕጊ፣ ሓቀኛ ሰብ፣ ሓቀኛ ምዃኑ ዘረጋግጽ መርትዖ እንተዘይብሉ ይእሰር። ምኽንያቱ ሓቐኛ ምዃኑ ንፈራዶ ስለ ዘየእመነ። ፈራዶ ገበነኛ ምዃኑ መርትዖ እንተዘይረኺቦም ከኣ ነጻ ይወጽእ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከኣ ብኸምዚ ኢዩ ዝሰርሕ። ኣብ ስኮትላንድ ግን (ምናልባት’ውን ኣብ ገለ ሃገራት) ካብ ካልኦት ዓለም ዝፈልዮም ሓደ ሕጊ ኣለዎም። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ክሱስ፣ ወይ “ገበነኛ ኢዩ” ወይ ድማ “ገበነኛ ኣይኮነን” ተባሂሉ ኢዩ ውሳኔ ዝወሃብ። ብመሰረት ዝተረኽበ መርትዖ ከኣ ሓዲኡ ይኸውን። ኣብ ስኮትላንድ ሳልሳይ ኣለዎም። ክሱስ፣ ወይ “ገበነኛ ኢዩ”። ወይ “ገበነኛ ኣይኮነን” ወይ ድማ “እኹል መርትዖ ኣይተረኽቦን (Not Proven verdict)” ተባሂሉ ይውሰን። ስለዚ በዚ ሳልሳይ ዝተፈርደ ሰብ ኣብ ትሕቲ መጽናዕቲ ኣትዩ ነጻ ይልቀቕ። እዚ ግን ብዓይኒ ሕጊ ኢዩ። ብዓይኒ ታሪኽከ?

መርትዖ (evidence) – ስርዓተ-ሓበሬታ ብዛዕባ መርትዖ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝኾነ ትንታነታት ኢዩ ዘለዎ። እቲ ዝወሃብ ሓበሬታ ቅኑዕ ድዩ ኣይቅንዑን ንምፍላጥ መርትዖ ይደልይሉ። ነዚ መርትዖ እዚ ከኣ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፋላት ከፊሎም የነጻጽርዎ። እቲ ሓደ እቲ ብኣሃዝ፣ ብስእሊ፣ ብድምጺ፣ ዓሸራ፣ ምርምርን ፈተነን… ተደጊፉ ዝቐርብ መርትዖ (Hard Evidence) ኢዩ። እቲ ካልኣይ መርትዖ (Soft Evidence) ብሰባት ዝመሓላለፍ ሓበሬታ (ጽሑፍ፣ ዘረባ)፣ ካብ ባህልን ልምድን ዝመጸ፣ ብተመክሮ ዝተጠርየ ናይ ሓባር ርድኢትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ሓደ ኣብ ገዛውቱ ብስርቂ ዝፍለጥ ሰብ፣ ከይሰረቐ ከሎ እንተተኣሲሩ፣ ደቂ ገዛውቱ ብዘይ ዋላ ሓደ ምጥርጣር ንሱ ከምዝሰረቐ ኢዮም ዝኣምኑ። ምኽንያቱ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝተዓዘብዎ፣ ምድግጋም ናይ ስርቂ (pattern) ኣብቲ ሰብ ርእዮም ኣለዉ። ቤት-ፍርዲ ግን ኣብቲ ዝኣከቦ መርትዖ ተሞርኪሱ ነጻ ይለቆ። ስለዚ ቤት-ፍርዲ ኣብ ሰረት ዘለዎ መርትዖ (Hard Evidence) ኢዩ ዝምርኮስ። ይኹን እምበር እቲ ሓበሬታ ብሰረት ዘለዎ መርትዖ ይሰነ ዋላ ብቤላ-ቤለው ይሰነ ሓቂ ኢዩ ማለት ኣይኮነን። ሰረት ዘለዎ መርትዖ ካብ ቤላ-ቤለው ዝያዳ ሰብ ከእምን ከምዝኽእል ስለ ዝፍለጥን ኣብ “ሓቂ” ዝተመርኮሰ ውሳኔ ክትህብ ስለዝሕግዝን ግን ተደላይነቱ ካብቲ ሓደ ዝሓሸ ኢዩ።

እምበኣር ታሪኽ በዞም ክልተ ዓይነት መርትዖታት ብዝተሰነየ ሓበሬታታት ኢዩ ዝቐውም። እንተዘይኮነ ታሪኽ ምስናድ ዝከኣል ኣይኮነን። ገለ ፍጻሜታት ብኣፈ-ታሪኽ ጥራይ ኢዮም ዝሓልፉ። ገለ ፍጻሜታት ከኣ ድልዱል መሰረት ዘለዎም ኢዮም። ስለዚ ነዚ ንምጽራይ ግዜ የድሊ። ኣብ ብዝሕን ዓይነትን ዝተመርኮሰ ምርምር የድሊ። እምበኣር ናይ ታሪኽ መርትዖ ከምቲ ናይ ሕጊ መርትዖ ብዓመት ክልተ ዓመት ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣሻሓት ወይ ሚልዮናት ዓመታት ዝወስድ’ውን ኣሎ። ታሪኽ ከምዚ ዓይነት ጸገማት ስለ ዘለዎ ኢዩ ከኣ ታሪኽ ብዝወዓሉ ዘይስነድ። ብፍላይ ኣብዛ ሕጂ ዘላ ኤርትራ፣ ብሰረት ዘለዎ መርትዖ ዝተሰነየ ሓበሬታ ክትረክብ ዝሕለም እውን ኣይኮነን። ኣይኮነን’ዶ ቅድሚ ኣርባዓ ሓምሳ ዓመታት ዝተኻየደ ፍጻሜታት፣ ቁጽሪ ህዝቢ ኤርትራ እኳ ክንደይ ምዃኑ ብርግጽ ዝፈልጥ ሰብ የብልናን። እዚ ከኣ ኮነ ተባሂሉ ዝተሃንደሰ እምበር ካልእ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት የብሉን። ስለዚ እቲ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ሃገርና ዘለና ሃገር-ጠቀስ ሓበሬታታት፣ ካብታ ዝነኣሰት ክሳብ እታ ዝዓበየት ኣብ ሰረት ዘለዎ መርትዖ ዝተመርኮሰ ኣይኮነን።

መደምደምታ – ኣብዚ ዝሓለፈ 22 ዓመታትን ቅድሚኡን እዚ ሕጂ ዝንገር ዘሎ “ታሪኽ” ዳርጋ ብምልኡ ሰሚዕናዮ ኢና። ብቃልዕ ክንዛረበሉ ብዘይ ምኽኣልና ግን ሕጂ ከም ሓድሽ ዕላል ኮይኑ ሰብ ከሰንብድ ባህርያዊ ኢዩ። እዚ ቅድሚ 40 ዓመታት ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት፣ ካብኡ ብዘይ ንእስ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ። ነቲ ተረሲዑ ዝመስለና ዝነበረ ሕማቕ ታሪኽ ቦንቂሩ ዘውጸኦ ድማ ንሱ ኢዩ። ከምቲ ክቡር ዶክተር በረኸት ሃብተስላሴ ዝበሎ፣ “Truth must be told, even when it hurts, as it often does.” (Wounded Nation, p3). ሓቂ ሽሕ’ኳ መራር እንተኾነት ክትወጽእ ኣለዋ። ሓቂ ውዒላ ሓዲረ ምውጻኣ ኣይተርፋን ኢዩ። ቀልጢፋ እንተወጺኣ ጥራይ ኢያ ድማ ቅልጡፍ ፈውሲ ትረክብ። ታሪኽ ኣይበክን ኢዩ። ምኽንያቱ ንብዓት የብሉን። ታሪኽ ኣይስሕቕን ኢዩ። ምኽንያቱ ስኒ የብሉን። ስለዚ ሕማቕ ታሪኽና ንገለ ክጎድእ ይኽእል ኢዩ። ንገለ እውን ከስሕቕ ይኽእል ኢዩ። ምእንቲ ናይ ሓባር ረብሓ፣ ነቶም ብታሪኽና ዝጉድኡ ይቕረ ንበለሎም። ነቶም ብታሪኽና ዝስሕቁ ስኒ ነለቃሓዮም። ካብ ብታሪኽካ ምስሓቕ ዝርከብ መኽሰብ ወላሓንቲ የልቦን። እዚ ነዚ ዝሓለፈ ዛንታ ዝተኸታተለ ልዕሊ 75% ነቲ ፈጻሚ ሳልሳይ ወለድኡ ኢዩ። ክልተ ወለዶ ምሉእ ሓቢእናዮ ክሕባእ ኣይተኻእለን። ስለዚ ክልተ ምርጫ ኣብ ቅድሜና ኣሎ። ወይ ሓቂ ተዛሪብካ ብሓባር መፍትሒ ምድላይ ወይ ድማ እንታይ ገደሰኒ ኢልካ ንኻልእ ወለዶ ዕዳ ደርቢኻ ምሕላፍ ኢዩ። እታ ቀዳመይቲ ዝሓሸት ምርጫ ይመስለኒ።

ይቕጽል…

ጸጋይ ገብረሂወት
tgbokru@yahoo.co.uk

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • zeykesene July 12, 2013

    Dear Tsegai,
    Let me begin by noting that you are doing an excellent job. The series of articles you have been writing has been educational.
    History by its very nature carries along with it bias. There is no such a thing unbiased history. This is simply because no two individuals are the same. If you ask two persons who participated in one same battle or witnessed one same event, there will always be a difference in how they interpret the situation. This is natural. The reason is simple- it is because we have different background (social, educational, psychological, etc) and our backgrounds dictate us interpret things in our own way. But we can relatively say that two peoples recounting of events, interpretation of facts, perspectives and understanding of facts are more or less similar or totally opposite. It is sort of a continuem.
    History can indeed be written by people who were there firsthand. One of the greatest works of history of the Russian Revolution, for example, is written by one of the very movers and shakers of that revolution Trotsky. This is just but one good example. Our world is chock-full of books, memiors, autobiographys and biographys of events by people who first hand lived them. Turth is very illusive indeed. But the public reads, analyses, compares and judges wether what is written and presented to it is closer to the truth. But at the same time, people who never participated in the event also can write a good history book; they can also write ‘biased’ one. Simply because the writer never took part in the event, does not mean that they would put to us ‘unbiased’ history. One very important point you have pointed however is that we would all benefit if our history is recorded in book or audio-video format for that matter. And whenever better or complete data\info comes up or is available, it can replace the poor, incomplete one. That is how you polish, rekindle, scrab your history. We have, for example, two accomplished historians- Alemseghed Tesfai and Tekeste negash. They both write about the history of Eritrea during and before Italian colonization. They however have to opposing views. They have their respective perspectives. It is for the publice to read and analize. We need more of those writers. But above all Ghedli Era writers. Because if not put to record, our history under Jebha and HGDEFs locked archive doors and barricades of lies and half truths will end up in oblivion. That we can not afford. We have paid too heavy a price to idly see our history vanish into the thin air.

  • Yosief July 12, 2013

    Well done Tsegay. Your articles are unique and empowering. We have been fed up with articles written badly lungusitically as well as content.. Your articles excel everyone’s. Good job.

  • Lemlem July 12, 2013

    Ata Tsegay bejaka entay koynka kemzom ayashu tkewn. Kemzom jebha wedijebha tekeyrka. Bejaka nab lbka temeles. Nska eko kabtom tekaeti swuat eka. Gual biri

    • Teklu July 12, 2013

      @Gual Biri

      Hansab reski bshaebia mis teharmet mmlas abya ksab hji jebha tbli aleki. jebha kabttefe eko 32 amet eya giera. kale mknyat eka aytdelyn.

    • Mulu July 13, 2013

      Gual Biri natki gberi. kulu seb kem natki khasb aytdleyi. jebha Ayashu entekoynom nski’ke lebam. electric zeybla adi hizka asha wedi asha tbli aleki.

    • zemen beraki July 14, 2013

      lEMLEM BEJAKI NAB LBKI TEMELESI; MKNYATU TSEGAY BZUH GENZEB KEFILKA EYRKEB TMHRTI IYU ZHBEKI ZELO. SLEZI, HAGERAWI GBU’U YFXM KEM ZELO HASIBKI AJOKA! AGENA’E AB KNDI MBAL ZEYEDLI QALAT KOTI KAB ASHA EWN KIWETSI’E ZEYGBI’O ZEREBA TENFSI ALOKI. DAGM HASIBKI YQRETA HTETIYO. KEMB BEAL TSEGAY ZIAMESELU BZIH ENTE ZBLU KNDEY XBUQ NEYRU. WEDEHANKI.

  • tesfay tekle July 12, 2013

    Xeba asttiKana , xeba ste

  • Zeray July 12, 2013

    It has been said that although God cannot alter the past, historians can. It is perhaps because they can be useful to him in this respect that he tolerates their existence. (Samuel Butler)

  • Zeray July 12, 2013

    When I was attending school in the 70’s and learning Ethiopian history, I knew it was a false history commonly agreed upon. Well look at this false hood- Emperor Haile Selassie, King of Kings,Lion of Judah,and Decedent of Solomon. Every word in this name is a lie. His name was Teferi Mekonen and he was simply king of Ethiopia.

  • Bereket B. July 13, 2013

    Superb job. Thanks again!

  • fithawi July 13, 2013

    Dear Tsegai,
    Well done. Keep it up!

  • Truly truly i say to you July 14, 2013

    Brother, Tsegay G/ Hiwot thanks for very matured precious lecturing. I say six times hut off brother!

  • Truly Truly i say to you July 15, 2013

    Zeray, you right! After i now matured i can´t wonder more for the reason why Hailesilasie perished. This guy by calling self King of Kings, lion of Judah he was making blasphemy against God. King of kings, the Lion from Judah´s who broken the seven seals and opened the scroll, who deserves this name, who is worthy to receive praise and honor, glory and might, forever and ever!, to who sacrificed and raised for our sin, to my Lord and God Jesus Christ is only!. (Revelation 5; 5 and 5;13)

Post a Reply to ahmed saleh Cancel Reply