Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግልጹነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ማሕበር ብመብጽዓ ጥራሕ ክንሓቚፎ ኣይንኽእልን!!

ግልጹነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ማሕበር ብመብጽዓ ጥራሕ ክንሓቚፎ ኣይንኽእልን!! ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፈ 23 ዓመታት  ብግሉጽነት ዘይኣምን በረኻዊ ምሕደራ ተረጊጹ ግዳይ ጥፍኣትን ተቐባሊ ኩሉ ጽዩፍ ምሕደራዊ ኢሳያስን ስርዓቱን ኮይኑ መንነቱን ባህሉን አብ ሓደጋ ኣትዩ እቲ ፍጥር ክብል ዝውንኖ ሃገራዊ ሓድነቱ ብሰንኪ ውሑዳት ዓንደርቲ ጉጅለ ህግደፍ ላሕሊሑ መንእሰይ ወለዶ ዓዱ ገዲፉ ተመጽዋቲ ዓዲ ሃገር ክኸውን ተገዲዱ፡ ፤እዛ ኣብ ዓራርብ ብሽም ሓፋሽ ተጋዳላይ እንዳ ሸቀጠት ዝገበለት ቁንጫል ጉጅለ ዓዲ ኣትያ ነቲ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሉ ቅያ ዝፈጸመ ተጋዳላይን ህዝብን ጠሊማ በረኻዊ ምሕደርኣ ብሓይሊ ጎነጽ ኣደልዲላ እቲ ንዓመታት ዝተቓለሰ ናይ ትማሊ መንእሰይ ዳግማይ ግዳይ ስደትን ጥፍኣትን ክትገብሮ ጌጋ ናይ ታሪኽ ምርጫ ወሲዳ ጥራሕ ዘይኮነት ሃገርን ህዝብን ዳግማይ ኣብ ዘይተደልየ ኩናት ጠቢሳ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ መጻኢ ወለዶ ተቐበልቲ ሕድሪ ሕጻውንቲ ቆልዑት ኣብ ሓዊ ከም ዝቑለዉ ጌራ'ያ፡ ፤ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ ኣብ ግሉጽነት ዘይኣምን ንበይናይ ጥራሕ ዝብል ባህርይ ዘለዎ ስሱዕን ዓንዳርን ጉጅለ ስለ ዝኾነ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ንሓፋሽ

ግልጹነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ማሕበር ብመብጽዓ ጥራሕ ክንሓቚፎ ኣይንኽእልን!!

ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፈ 23 ዓመታት  ብግሉጽነት ዘይኣምን በረኻዊ ምሕደራ ተረጊጹ ግዳይ ጥፍኣትን ተቐባሊ ኩሉ ጽዩፍ ምሕደራዊ ኢሳያስን ስርዓቱን ኮይኑ መንነቱን ባህሉን አብ ሓደጋ ኣትዩ እቲ ፍጥር ክብል ዝውንኖ ሃገራዊ ሓድነቱ ብሰንኪ ውሑዳት ዓንደርቲ ጉጅለ ህግደፍ ላሕሊሑ መንእሰይ ወለዶ ዓዱ ገዲፉ ተመጽዋቲ ዓዲ ሃገር ክኸውን ተገዲዱ፡ ፤እዛ ኣብ ዓራርብ ብሽም ሓፋሽ ተጋዳላይ እንዳ ሸቀጠት ዝገበለት ቁንጫል ጉጅለ ዓዲ ኣትያ ነቲ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሉ ቅያ ዝፈጸመ ተጋዳላይን ህዝብን ጠሊማ በረኻዊ ምሕደርኣ ብሓይሊ ጎነጽ ኣደልዲላ እቲ ንዓመታት ዝተቓለሰ ናይ ትማሊ መንእሰይ ዳግማይ ግዳይ ስደትን ጥፍኣትን ክትገብሮ ጌጋ ናይ ታሪኽ ምርጫ ወሲዳ ጥራሕ ዘይኮነት ሃገርን ህዝብን ዳግማይ ኣብ ዘይተደልየ ኩናት ጠቢሳ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ መጻኢ ወለዶ ተቐበልቲ ሕድሪ ሕጻውንቲ ቆልዑት ኣብ ሓዊ ከም ዝቑለዉ ጌራ’ያ፡ ፤

መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ ኣብ ግሉጽነት ዘይኣምን ንበይናይ ጥራሕ ዝብል ባህርይ ዘለዎ ስሱዕን ዓንዳርን ጉጅለ ስለ ዝኾነ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ንሓፋሽ ተጋዳላይን ጀጋኑ ስንኩላንን ስድራ ቤት ስዉኣትን ክጠልም ጊዜ ኣይወሰደሉን፡ ፡ ብሽም ስዉኣትና እንዳ ሸቀጠ ሕድሮም ዘይሕሉ ኣረሜናዊ ጉጅለ ሕድሩ ጠሊሙ ንበይኑ ክነብር ዝወሰዶ ስጉምቲ ንሕና ከም ህዝቢ ድቦላ’ዩ ወዲቑና፡ ፤ኣብ ምስጢራውነት ዝኣምን ጉጅለ ዓራርብ ንሃገር ብኣልማማ ክረግጻ ዝወሰነሉ ዋና ምኽንያት እቲ ኣብ ሜዳ ከሎ ዝፈጸሞ ገበን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ድቃስ ስለ ዝኸልኦ እንኮ ኣማራጺ ሓይሊ ዝብል እምነት ኣብ ኣእምሮኡ ሰሪጹ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ብሕሱም ባርነት ቆሪኑ ዕድመ ስልጣኑ ከራጉድ ምርጫ ወሲዱ፡ ፤

መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ሓፋሽ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባርን ብባህርይ ፍልልይ ኔርዎ፡ ፤ ሓፋሽ ተጋዳላይ ወዲ ገርሂ ልባ’ዩ ኔሩ፡ ፤ እንኮ ሕልሙ ናጽነት ትብል ኣምር ሒዙ ሂወቱ ንሃገርን ህዝብን ከወፊ ኣንጊሁ ወጽዩ፡ ፤ሓፋሽ ተጋዳላይ ስልጣንን ዘውድን ኣብ ሕልሙ ኣይነበረን፡ ፤እንኮ ሕልሙ ኤርትራ ከም ሃገር ናጽነታ ረኺባ ህዝቢ ብልዕልና ሕጊ ዝግዛእ መንግስቲ ተኺሉ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንፋስ ሓርነት ኣተንፊሱ ተቛዳሲ ጸጋታት ሃገሩ ክኸውን ዝብል’ዩ ኔሩ፡ ፤ እታ ኣብ ዓራርብ ዝገበለት ቁንጫል መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ግን ሕልማ ንሳ ባዕላ’ምበር ሓፋሽ ተጋዳላይ ይኹን ሓፋሽ ህዝቢ ኣይፈለጦን፡ ፤ ንሕና ብግርህነትና ተጠሊምና፡ ፤ ምሳና ዘለዉ’ዩ መሲሉና ኔሩ፡ ፤ ኤርትራ ንኹልና ማዕረ ክትክወን’ዩ ሕልምና ዝነበረ፡ ፤ ሕልምናን ኣብ ባይታን ዝተርአ ሓቂ ግን በበይኑ ኮይኑ ረኺብናዮ፡ ፤ ኤርትራ ናይ ውሑዳት ዓመጽቲ ርስቲ ኮይና ናይ 30 ዓመታት ቃልስና ኣብ ማይ ከም ዝኣተወ ቁማር ተባሂልና፡ ፤ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዕድልና ቁማር ተጻዊቶም መሰልናን ክብርናን መንጢሎም ግዳይ ጥፍኣትን ሞትን ክንከውን ወሲኖሙልና፡ ፡

እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ሕጂ መንእሰይ ወለዶ ስመር ኢሉ ጀሚርዎ ዘሎ ማዕበል ንመሰረታዊ ለውጢ ዘየሐጎሶም ዕባይ ዓራርብ “ራዛ ናይ ኣብኡ ሓዛ” ኮይኑ ነገሩ እታ ናይ ሜዳ ዘይግሉጽነት ተቐኒቶም ሓዋርያ ለውጢ ኢና ክብሉ ውጥም ቅልቅል ምባሎም ዘገርም ተዋስኦ ኮይኑ’ሎ፡ ፤ ዝኾነ ይኹን ሰብ ወይ ማሕበር ንመሰልን ሓርነትን ህዝቢ ክቃለስ’የ ዝበለ መሰሉ’ኳ እንተ ኾነ ተቐባልነት ክረክብ ግን ግሉጽነት ዓንዲ ሕቖኡ ጌሩ ናብ ህዝቢ ክቐርብ ይግብኦ፡ ፤ ህዝቢ ኤርትራ በረኻዊ ምስጢራውነት ኣጽሊእዎ ሱር ነቀል ለውጢ ኣብ ዝጠልበሉ ዘሎ እዋን ዘይግሉጽነት ባህርይ ሒዝካ ኣነ መርሃዊ’የ ክትብል ምፍታን ፖለቲካዊ ነፍሰ ቅትለት ትፍጽም ከም ዘለኻ ክርድኣካ ይግብኦ፡ ፤ እዋኑ እዋን ብምስጢር እትጎዓዘሉ እዋን ዘይኮነ ናብ ህዝቢ ቀሪብካ ዝሓለፈ ሓጥያት እንተለካ ተናዚዝካን ምሕረት ሓቲትካን ካሕሳ እትኽሕሰሉ ክኸውን ኣለዎ፡ ፤ ህዝቢ ዘጽግቦ ቅጫ ይፈልጦ’ዩ ስለ ዝኾነ ከኣ ምስ ህዝቢ ብዘይግሉጽነት ኣገባብ እንኸደሉ መድረኽ ኣብቂዑ ስለ ዝኾነ ምሕባእ ምትሕብባእ ዝብሃል ሕማቕ ባህርይ ክውገድ ዘለዎ ኣጽናቲ በረኻዊ ልምዲ’ዩ፡ ፡

ኣብዚ ቅንያት’ዚ ዝርአ ዘሎ ምቅልቓል ዘይግሉጽ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከም ትምህርቲ ወሲድና ንሕና ከም ህዝቢ ምርጫና እንታይ ምዃኑ ክንውስን ታሪኽ ይሓተና’ሎ፡ ፤ ህዝቢ ሕቶታት ኣለዎ፡ ፤ክቃለስ’የ ዘዝበለ ሰብ ወይ ማሕበር ስለ ዝበለ ጥራሕ ከም ኣባጊዕ ደድሕሪኡ ክንስዕብ እንተኾይና ዳግማይ ግዳይ ክንከውን ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ፡ ፤እዞም ዝቀላቐሉ ዘለዉ ባእታታት ትማሊ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ህግደፍን ዘገልግሉ ዝነበሩ ምዃኖም ዘይፈልጥ ሰብ የለን፡ ፤ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣፍ ሞት ኣብ ዘለወሉ እዋን ድልድል ክንሰርሓልኩም ክብሉና ከለዉ ሕቶታት ክንሓቶምን ከም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ነበር ትሕተ ባይትኦም መርሚርና ብቑዕነቶም ክነረጋግጽ ግዴታ ኣለና፡ ፤ ኣብዚ ከም ኣብነት ክወስዶ ዝደሊ ጉዳይ ኣሎ፡ ፤ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ንኣብነት ኣቶ የማነ ገብርኣብ፡ ሓጎስ ኪሻ፡ ኣቶ ዘምህረት፡ ወዘተ…ንመንግስቲ ጠንጢኖም ማሕበር መስሪትና ኣለና’ሞ ሰዓቡና ምስ ዝብሉ መልስና እንታይ ይኸውን? ስለ ዝበሉ ጥራሕ ከም ኣባጊዕ ክንስዕቦም ኣለና ድዩ? ህዝበይ ኣስተውዕል!! ኣብ ኤርትራ ሂወት ሓሊፉ’ሎ፡ ፤ኣሽሓት ስድራ ቤታት ንቡር ስኢነን ዝወለድኦም ደቀን ኣብ ፈቖዶ መዳጎኒ ተደርብዮም ህላዌኦም ኣይፍለጥን፡ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝድብሶ’ምበር ኣብ ልዕሊ ቁስሉ ቁስሊ ዝውስኸሉ ኣይደልን፡ ፤

ልክዕ’ዩ ለውጢ ንደሊ’ለና፡ ፤ መሰረታዊ ለውጢ ዲና ንደሊ ወይስ እንኮስ ኢሳያስ ይተኣለ’ምበር ንካልኦት ምሕረት ጌርና ንኹሉ ረሲዕና ተሓድሶ መንግስቲ ክንገብር ምርጫ ምውሳድ? ኢሳያስ እንተ ኾይኑ ዒላማና ምስ እዞም ሎሚ ቅነ ድልድል ክንሰርሓልኩም ዝብሉ ዘለዉ ንሰለፍ፡ ፤ሱር ነቀል ለውጢ ንደሊ እንተኾይና ግን ዓቢ ስራሕ ኣለና፡ ፤ ዓቐበት ይጽበየና’ሎ፡ ፤ ኢሳያስ ባዕሉ ንሱ ጥራሕ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይኮነ ይፈልጥ’ዩ፡ ፤ ንሕና’ውን ሕመቕና ሸፋፊንና ጽገናዊ ለውጢ ክንጠልብ እንተ ዘይመሪጽና ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ ጥራሕ ከም ዘይኮነ ኣብ ልብና ኣላ፡ ፤ ክልተ ምርጫ ኣለና፡ ፤ እቲ ሓደ ክንቃለስ ኣይንኽእልን ኢልና ኣሚና ሕራይ ኢሳያስ ጥራሕ እለዩልና ክንብሎም ወይ ከኣ ጅግንነት ኣቦታትና ወሪስና ብሓይልና መሰረታዊ ለውጢ ክነምጽእ ንሕና ንሓድነትና ሸጥ መዓንጣና ክንብል ምርጫ ኣለና፡ ፤

ኣብ መወዳእታ ጉዕዞ ቃልስና ግሉጽነት ክህልዎ ኣለዎ፡ ፤ ስምረትናን ሓድነትናን ተቐኒትና ኩሉ ዘሳትፍ መሰረታዊ ለውጢ ክነምጽእ ህዝቢ ይሓተና’ሎ፡ ፤ መንእሰይ ወለዶ ሒዝካዮ ዘለኻ ኣገባብ ቃልሲ ንኹሉ ዘሳትፍ ኮይኑ ስምረትን ሓድነትን ህዝቢ ተሓልዩ ፊት ንፊት ተመያይጥና ብሓንሳብ እንጎዓዘሉ መድረኽ ክንፈጥር ይግብኣና፡ ፤ እዋን ሓሶትን ጸለመን ኣብቂዑ ክሉና ኤርትራውያን ተኸባቢርና ፍልልያትና ብልዝብን ተጻዋርነትን ክንፈትሕ ኤርትራዊ ባህሊ ኣለና፡ ፤ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ሓርጎጽጎጽን ባእስን ከጋጥም ይኽእል’ዩ፡ ፤ ከይንሰማማዕ’ውን ንኽእል ኢና፡ ፤ ኣብ ውልቃዊ ጸለመን ሓሶትን ተሸሚምና ብሓይሊ ገንዘብን ንዋትን ሰኺርና ንደለይቲ ፍትሒ ክንዕንቅጽ ዘይሓላፍነታዊ ስራሕ’ዩ፡ ፤ ኣብ ገለ ገለ ዝርአ ዘሎ ጽዩፍ ተግባራት ፎእ ክንብሎ ይግብኣና፡ ፤ ናይ ግሊ ሚድያ ወኒና ንውልቀሰባት ክነጸልመሉ ሓዲርካ ምውዓል ቅቡል ኣይኮነን፡ ፤ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነፍሲ ወከፍና መፍትሒ ይደሊ’ሎ፡ ፤ ነፍሲ ወከፍና ግደና ክነበርክት መብጽዓ ክንኣቱ ይግብኣና፡ ፤ሕጂ’ውን ንሕና ንሓድነትና ሸጥ መዓንጣና ክንብል ትብዓት መሊኡና’ሎ፡ ፤

ፍትሒ ይንገስ

ወልዱ ተኽለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
35 COMMENTS
  • Suleiman Salim February 10, 2014

    ወልዱ ተኽለ ( ብወዲ ጀነራል ጀሚሩ ንሙሉእ ሰራየን ሓማን ዝጸልእ ኣውራጃዊ)

    ንሓማሴን ክድምስስ እየ፡ ንሰራይ ክድምስስ እየ …..ኮታስ ንኤርትራ ክድምስስ እየ ትብል ኣሎኻ ….ነታ ኣከለጉዛይ ከ ኣይትሓስበላን ዲኻ?

    ንኣከለጉዛይ ምስ ኩሉ ኣባኢስካ ንስኻን ስድራ-ቤትካን በእማን ተኻቢብካ ዲኻ ክትነብር ትደሊ ዘሎኻ? ንስኻ ይትረፍ ዶ ንህዝባዊ ግንባር ክትሕግሕግ ንኣብ ሑቐኻ ተደርዲሩ ዘሎ ጠቐር እውን ክትኣሊ ኣይትኽእልን ኢኻ!!

    ካብ ሎሚ ንንየው ሱርኩም ክቡንቁሰኩም እየ ኢልካ ከይትዛረብ መታን ሰባት ሰንቢዶም ኦቶቡላንሳ ናይ ጽሉላት ከይጽዉዑልካ። ነክየሉ ነክየሉ ነዚ መርዛም ጽልእኻ ነክየሉ!!!

    • Tes February 10, 2014

      Suleiman Salim,

      You idiot gohaf. You should be band from this forum. Riffraff wedi Riffraff. You are trying to put wedge between regions but you are sick and HGDEF DOG. This is not your place go to Meskerem. Ede resah. P***off feger!

      • Blocked February 10, 2014

        You should be banned too, for your dirty mouth.

    • GOOD JOob! February 10, 2014

      Suleiman Salim aka Wedi Seraye,

      We know you you are the editor of tesfanews.com and he you angry that your andebrhan and the wedo Geba meskerem is attacked from left right. Wedi Amharay ZeriE. Immigrant to Eritrea.

      • Blocked February 10, 2014

        And is there anything wrong with being from Seraye? Asha.
        Seraye, Hamasien, Akele, SenHit, Semhar, SaHil, Barka, Setit and Denkalia are proud and hard-working Eritreans. Don’t attempt to divide.

    • MightyEmbasoyra February 10, 2014

      ኣታ ወዲ ሕርካም ሳሊም, ኤርትራ እንታይካ ስለዘይኮነት ፡ ኪድ ካብ ኣሰና ጥፋእ. ሰብ ክትከፋፍል ኣይትፈትን. እንታይ ኪንገብር ምስ በዓል ስኻ ክንዛረብ’ኳ ናብቲ ናታትኩም ደረጃ ኣውሪድኩምና.

      • Metkel February 10, 2014

        Mighty,
        That’s funny. Actually, you have been generous enough to give him that respect. Hi is not worth a quarter, may be a nickel? This guy has no feeling to Eritrea and he wouldn’t care who is insulting whom. My advice to you is don’t reply to that punk.

  • rezene kidane February 10, 2014

    SULEMAN KEMZI AYNET ZEREBA XBUQ AYMESLENIN. ABZA XHFTI HJI HAMASIEN SERAYE ZBIL AYREANAN. KABEY IKA AMXIEKAYO EZI QALAT EZI. ZKONE SEB DMA KEM’U ENTE BELE TEGAGIKA KEM’U AYBEHALIN IYU ZBIHAL EKO. EMBER KEMZI AYNET ZEREBA KAB XELAIKA TRAY IYU ZWETSI’E. SLEZI HAQEGNA HAGERAWI ENTE KONKA KEMZI AYNET QALAT AYTXHAF NEWRU IYU. ABZI EWAN EZI KEMZI AYNET ZEREBA ZEYKONE NZATE, NHBER IYU ZEDLI. NETI ZGAGE DMA TGAGE ALEKA DEA NBEL.

    • Suleiman Salim February 10, 2014

      ረዘነ ኪዳነ

      ነዓኻ እሞ እንታይ ኣበር ክውጽኣልካ? ናይ ብሓቂ ለባም ሰብ ኢኻ። ኩሉ ሰብ ከማኻ ኔሩ እንተ ዝኸውን ክንደይ ኮነ ምጸበቐ ይብል። ግን ዓለም ምሉእነት ስለ ዘይብላ ከም በዓል ወልዱ ዝኣመስሉ ሰባት ፈጢራ። ፈቲኻ ጸሊእካ ንወልዱን ከም ወልዱ ዝኣመሰሉን ሰባት መበገሲኦም ኣውራጃ እዩ። ክድቅሱ ኣውራጃ፡ ክትስኡ ኣውራጃ፡ ክምስሑ ኣውራጃ፡ ክድረሩ ድማኒ ኣውራጃ ……

      ግደ ሓቂ ወልዱ ኣብ ‘ዛ ናይ ሎሚ ጽሑፉ ኣውራጃ ኣይጠቐሰን። ኣነ ንኣውራጃታት ዝጠቐስኩ ወልዱ ካበይ ተበጊሱ ናበይ ክኸይድ ይደሊ ከም ዘሎን ኣንፈቱ ድማኒ ሓደገኛ ምዃኑ ስለ ዝፈለጥኩ እየ። ኣውራጃውነት ንኤርትራ ሃሳዩ ንኣከለ-ጉዛይ ድማኒ ኣዝዩ ሃሳዩ እዩ። እዚኣ ክትበርህ ኣለዋ።

      ካብ እዞም ምስ ዎያነ ሓኪሎም ዘለዉ ብስም ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ናይ ኣውራጃ ምጥርናፍ ጌሮም ከም ዘለዉ በጽሑና ኣሎ። ብሰንኪ ኣውራጃዊ ምስሕሓብ ኣብ ካምፖ ክድዓት ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብዙሕ ጸገም ተፈጢሩ ከም ዝነበረ እውን ካብ ገለ ሸነኻት ሰሚዕና። እዝን ወዲ ከምዝን ኣብ ግምት ብምእታው ንኣውራጃውያን ምክትታል ከም ሕማቕ ጌርና ክንወስዶ የብልናን።

  • gerimuna February 10, 2014

    Wahatuyo tebelkuwas tigosmelu. What is wrong with Assena to encourage individuals who are already on the verge of regional disease. Yes, I could say with certainty that Woldu Tecle went way over the board. I could not be more vexed than him in terms of Meskerem’s double agent game to cripple the opposition. That is as clear as a sunny day. He could write and tarnish the wicked, Alem, under cover of the blood drenched Isiase and his cohorts. But, Woldu crossed the red line. He should never raised his pedigree. definitely, It will be interpreted as the angry comments that followed. That is politically and morally incorrect. But, I still admire him of his effort to challenge the devil, Isiase. A forum as Assena, which has an outstanding and feel to heart of Eritreans, with its favorite child Amanuel Iyassu should have a reason as to why they would allow to entertain sick, marginally and stupidity inclined regionalists to vent their already twisted,bogus, pompous and garbage attitudes. No body, no region, no province is better or worst than the other. please! Stop this nonsense from being mockery of civilized people of all stripes. Only a rascal could tempted to think so.

  • Truly Truly i say to you February 10, 2014

    Ato Woldu Tekle, “እዞም ዝቀላቐሉ ዘለዉ ባእታታት ትማሊ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ህግደፍን ዘገልግሉ ዝነበሩ ምዃኖም ዘይፈልጥ ሰብ የለን…”
    So what!? who is not served his country after independence until everyone knows the evil nature and hidden mission of Isayas and co? Didn´t Amanuel Iyasu, Wodi Vacaro, Wodi Tikabo Michael Adony etc etc citizens from all kind of profession serve their nation? Well, to criticize they should to be transparent and they should to ask apology it may be acceptable and right. But calculated when the abstained intellectuals like Ato Andebirhan when start to do what is right, as we have seen when exposing the Devil leader evil nature, using his diplomatic experience, recognition and popularity, using his intellectual capability to relevant foreign public attention, instead appreciating and happy; why are you angry and troubling? What is the use if illiterates or not highly qualified socalled Tegadelties ??? if all time arguing about politic among selves in Tigrigna, since they do not have competence or recognition to explain about the political crime about that is going in our country to the world community in a language they understand? Is one of the great oppositions wickedness luck of diplomatic competence and approach it is? In my view Ato Andeberhan in this regard is very qualified, experienced recognized diplomat with charisma, who can help the movement for change. Will continue

    • Blocked February 10, 2014

      Excellent point!

  • Truly Truly i say to you February 10, 2014

    part 2
    Even you Ato Woldu Tekle as evil you described for he serving the country, if you other side able to understand it is blessing if a person very well know the regime when start working against the regime, because such person knows the inside part of the regime and many important persons who can support the movment for change . I think the reason they want to do it secretly because of this or their closed relatives scare not to put in danger could be, i somehow in this regard i imagine, i would say have understanding if they keep it secretly about what they do or they planning to do.
    In my view Ato Woldu your comparison these people with monkey, Hagos Kisha, Zemehret or others still serving officials total is nonsense, because these people since they left the regime is already passed many years, if they love the regime they wouldn´t be live in exile and openly start to expose against the regime. Must these people should abstain like Ali Abdu or because like Naizgi Kiflu not die meaninglessly it is your outrage? please after you listen Yesterday´s Isayas continual mokery of speech , if you chose attack anybody who stands against the regime working including Meskerem net , indirectly or purposively you motive is only strengthening the Mafia regime, not more not less! You may have listened how he was despising and mockering at all Eritrean people. “If you dream democracy or multi party in Eritrea you have to be from other world or from moon! 20 MW energy from Sudan may be! ridicule at those perished in Lampadusa and elsewhere without asking excuse. These all is happening because of your wickedness and Isayas knew and despising the oppositions it is. So before talking about secondary first try alone to persecute the main evil dictator? After this Dia-blos,then the others to pack would be so easy.

  • Truly Truly i say to you February 10, 2014

    part 3
    By the way the great Holy Apostle Paul who wrote around the 70% of the New Testament driving through holy spirit, before he come to Christian and acknowledged Lord Jesus Christ who exactly is, for love his religion without true knowledge, unknowingly like PFDJ cult worshipers doing, he was cheesed and persecuted the people who was following just and right teaching, but after in his repentant heart explained to his people this:
    “Even though I used to blaspheme the name of the Christ. In my insolence, I persecuted his people. But God has mercy to me because i did it in ignorance and unbelief. (1st Timothy 1; 13) So we have to sea Ato Andeberahan and others case also similarly, and even they in case done mistake we should to forgive them.

  • MightyEmbasoyra February 10, 2014

    ትሩሊ: ሽመይ ብዘይከዊን ከይለዓል ዶ ‘በልን ‘ዩ. በጃኻ ግደፈና. ሰንበት’ኳ ኔሩ ተዝኸውን……

  • mesfinwedimendefera February 11, 2014

    Dear Woldu

    You have expressed your views freely against those you thing are less contributed to the Eritrean people and you also expressed your views regarding regions in Eritrea.

    I strongly believe that those people who are openly advocating against the Eritrean government should have the right ton express their views freely, as you did express freely.

    personal assassination is the tactics of the Eritrean regime and you also use the same tactic.

    if you are mature and you have gained adulate education and knowledge support the issue raised or the aims and principles, otherwise this person is this and that person is this is not productive and you are expressing your personal hatred.

    If you have sufficient knowledge to judge others, put your CV so that we can take your views into consideration otherwise you are destructive.

    The Eritrean people are suffering luck of democracy and we need to work how to establish justice, implementation of constitution and democracy. I would advice you to focus on those issue to be productive.

    • GOOD JOob! February 11, 2014

      yOU MOTHER FUCKER WEDI SERAYE WEDI MEGABERIA WAKE UP. tHIS MAN IS KILLING TEH ANTION WEDI MEDHIN BERAD AND NOW YOU SAID i AM WEDI MENDEFERA – FUCK OFF AND U ARE THE SON OF dIMETROS GENREMARIAM. iF YOU ARE WEDI SERAYE ORGINAL NOT THE IMMIGRANT ONE SIDE WITH WEID VACARO.

    • GOOD JOob! February 11, 2014

      yOU MOTHER FUCKER WEDI SERAYE WEDI MEGABERIA WAKE UP. tHIS MAN IS KILLING TEH ANTION WEDI MEDHIN BERAD AND NOW YOU SAID i AM WEDI MENDEFERA – FUCK OFF AND U ARE THE SON OF dIMETROS GENREMARIAM. iF YOU ARE WEDI SERAYE ORGINAL NOT THE IMMIGRANT ONE SIDE WITH WEID VACARO.

  • amanuel February 11, 2014

    DEAR GOOD JOB

    I AM WEDI MENDEFERA, AND I CAN CONFIRM THAT I AM FROM MENDEFERA. WHAY DO YOU CHOSE TO USE DERTY WORDS. USE THIS KINDS OF WORDS WHEN YOU ARE WITH YOUR FRINDS. ADDRESS THE ISSUE AND SUBJECT, IF I AM WRONG CORRECT ME OR TEACH ME, BUT DO NOT INSULT ME

  • amanuel February 11, 2014

    I 2WISH TO ADD TO THE ABOVE COMMENTS, WHEN I SIAD WEDIMENDEFERA, DON I HAVE TO BE WEDI SERYA. JUST TO CORRECT YOU ALL PEOPLE RESIDED IN MENDEFERA ARE NOT FROM SERAYE. JUST FOR YOUR INFORMATION

Post a Reply to Abel Cancel Reply