Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉጅለ ባህሊ ብድሆ ካብ ከተማ ስታቫንገር ትስጎግ

ጉጅለ ባህሊ ብድሆ ካብ ከተማ ስታቫንገር ትስጎግ 07.12.14 ብዓርቢ ሽዱሽተ ታሕሳስ ኣብ ክተማ ስታቫንገር ምርኢት ከተቕርድ ካብ ኤርትራ ዝመጸት `ብድሆ’ ዝተሰምየት ጉጅለ ባህሊ፡ ብሓያል ጻዕሪ ደለይቲ ለዉጢ ከተማ ስታቫንገርን ከባቢኣን ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት እቲ ከተካይዶ ዝተሓስበ

ጉጅለ ባህሊ ብድሆ ካብ ከተማ ስታቫንገር ትስጎግ

07.12.14

ብዓርቢ ሽዱሽተ ታሕሳስ ኣብ ክተማ ስታቫንገር ምርኢት ከተቕርድ ካብ ኤርትራ ዝመጸት `ብድሆ’ ዝተሰምየት ጉጅለ ባህሊ፡ ብሓያል ጻዕሪ ደለይቲ ለዉጢ ከተማ ስታቫንገርን ከባቢኣን ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት እቲ ከተካይዶ ዝተሓስበ ምርኢት ከምዝስረዝ ተገሩ ይርከብ።

እዛ ንሓሙሽተ ፍሉጣት ስነጥበበኛታት ብምሓዝ ናብ ከተማ ስታቫንገር ዝስገስገሰት ናይ ፕሮፓጋንዳዊ ጉጅለ ባህሊ፡ ካባ ሕፍረትን ዉርደትን ተጎልቢባ፡  ዕርቃና ጠቕሊላ ናብ ከተማ ኦስሎ ኣምሪሓ ትርከብ።

እዚ ብሓያል ጻዕሪ ደገፍቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ስታቫንገርን ከባቢኣን ዝተመዝገበ ዓቢ ዓወት ንደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ግን መዓንጣ ከብዶም ዝቐርጽ ተረኽቦ ኮይኑ ኣሎ።

ነዚ ዝምልከት ሰፊሕ ጸብጻብ ጸኒሕና ከነቕርበልኩም ኢና።

ክፍሊ ህዝባዊ ርክባት ደለይቲ ለውጢ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
53 COMMENTS
  • Amanuel December 7, 2014

    It’s good that Bidho is stopped. But whoever wrote this article need to remember his fight is with PFDJ not with Eritreans who supported PDFJ.

    Remember at some point, most of us were PFDJ supporters. PFDJ are great con artist. They are good in manipulating people, so those who follow PFDJ are just like us Eritreans. You guys did good job in breaking one PFDJ muscle.

    Again it is good the opposition stopped Bidho, but also note that majority of Eritreans who don’t support PFDJ go to events to hangout with fellow Eritreans. So opposition also need to coordinate Eritrean festivities for all Eritreans.

    Wedehankum.

    • statestic December 7, 2014

      PFDJ or supporters are all the same. There is no PFDJ with out its supportets. The supporters knows what exactly they are doing.

      you stated “but also note that majority of Eritreans who don’t support PFDJ go to events to hangout with fellow Eritreans”.

      who are the fellow Eritreans you meet at PFDJ events?
      why you contribute money to imprison the fellow Eritreans at home?

      Do not make a mistake. It is time to be with them or against them.

      • Medber December 7, 2014

        Stastic,
        Absolutely I agree with your opinion,PFDJ will not survive with out those opportunist and ignorant supporters,
        My brother Amuniel “Let’s face the truth”.
        And also
        God and history will rember our judgements.
        Jensen Agenaae Jeganu yehwat Nerway.
        Yenwah Yehtser hejwen HAKI kesir eu.

        • Medber December 7, 2014

          It is just to say Jeganu.

      • Amanuel December 7, 2014

        Statistic hawey,
        Let me make my self clear. I wrote the comment to the person who wrote the article, the person who is supposed to lead/guide the opposition.

        I’m not a leader and all of us can’t be leaders, but I’m a good soldier and I want to voice my idea to the leaders and that is why I wrote the comment.

        You ask me who fellow Eritreans I meet in PFDJ festivities?

        First I did not say I go to PFDJ festivities. I used to go many years back, but now I’m enlightened enough no to go there. But I ask fellow Eritreans who go to PFDJ parties. When I ask them, I ask them with respect. I want to understand them. I am surprised by how many of them go to just hangout. Let me tell you what one young wedi Asmara told me. He said, if Shilan is singer thousands go but if some other less popular singer come, few hundreds go. He told me a lot of people go to the party to just hangout. Which makes sense to me. I know you to understand I am in favor of going to PFDJ party as I don’t go, but at sometime people has the right to whatever they want to do. My point is, let the opposition leaders create a comparable festivities and lets get people come to our party. I know it’s been tried, but at same time, more can be done. Leaders of the opposition need to know this is struggle and you can not be part-time fighter.

        Last but not least, PFDJ won’t survive with out its supporters. I totally agree with you. But the question is how to get PFDJ supporters? I believe you get them by enlightening them, specially enlightening them with what we are fighting against. We can only get their trust if we respect them, hear them and convince them to the point they earn their trust.

        All the youth who left Eritrea are technically opposing PFDJ, but when they land in the west they just stay put. They are not opportunist, most of them have nothing in Eritrea. Let’s stop finger pointing and let’s know the enemy is PFDJ and let’s not forget we did not achieve anything till PFDJ is gone. As you said, PFDJ won’t survive with out it’s supports, lets get trust of the fellow Eritrean PFDJ supporters.

        Wedehankum

        • Amanuel December 7, 2014

          *Correction, I am not in favor of going to the party as I don’t go

          • Simon G. December 7, 2014

            ናብ ናይ ህግደፍ በዓላት ዝኸዱ ከምዚ ይመስሉ:
            1. ናይ ምሕሳብ ጸገም ዘለዎም: ማለት ዓያሹ፥ ዳርጋ ዝዛረቡ እንስ ሳታት
            2. ናይ ጠቕሚ ምትእስሳር ዘለዎም
            3. ትምክሕተኛታት: መንግስትና ዩ በሃልቲ። እንታይ ማለቶም ምኻኑ ምብራህ ዘድሊ ኣይመስለንን
            4. ምስዝበረቐ ጸሓይና:ናይ ሰቦም ጸገም እዝኒ ዘይብሎም: ደም ፍጡር ወድሰብ ዝወሓዶም ወይ ዘይተዓደሎም
            5. ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም
            ወዘተረፈ…..

    • Senait December 7, 2014

      ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ ኢዩ’ሞ: ኣጆኹም ደቀይን ደቂ-ደቀይን ጀጋኑ መንእሰያትና።
ኩላትና ብሓበራ ኢደይ-ኢድካ ኢልና ነዚ መንነትና ዘዋረደን ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎን ኣረሜን፣ ናብቲ ቀዳሞት ኣያታቱ በዓል ሳዳምን ቃዛፊን ዝኣተዉዋ ናይ ዘለኣለም መዓልብኡ ጋህሲ ንደርብዮ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ውልቀ-ምልካውያን መራሕቲ ብዘይካ ብክፉእ ብጽቡቕ ኣማውታ እግዚኣብሄር ክሞቱ ኣይተራእዩን። ሞት ገበነኛ ኢሰያስ እውን ከም ኣማውታ ኣያታቱ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይኮነን። እዚ ዓመት’ዚ ጸላኢና ዓንዩ ህዝብና ነናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ዓመት ከም ዝኸውን ሙሉእ ዘይጉዱል እምነት ኣሎኒ።
      ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
      ዕድመን ጥዕናን ንደቂ ኤርትራ.
      ዓወትንህዝቢኤርትራ።

    • Senait December 7, 2014

      Amanuel,,
      ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ ኢዩ’ሞ: ኣጆኹም ደቀይን ደቂ-ደቀይን ጀጋኑ መንእሰያትና።
ኩላትና ብሓበራ ኢደይ-ኢድካ ኢልና ነዚ መንነትና ዘዋረደን ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎን ኣረሜን፣ ናብቲ ቀዳሞት ኣያታቱ በዓል ሳዳምን ቃዛፊን ዝኣተዉዋ ናይ ዘለኣለም መዓልብኡ ጋህሲ ንደርብዮ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ውልቀ-ምልካውያን መራሕቲ ብዘይካ ብክፉእ ብጽቡቕ ኣማውታ እግዚኣብሄር ክሞቱ ኣይተራእዩን። ሞት ገበነኛ ኢሰያስ እውን ከም ኣማውታ ኣያታቱ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይኮነን። እዚ ዓመት’ዚ ጸላኢና ዓንዩ ህዝብና ነናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ዓመት ከም ዝኸውን ሙሉእ ዘይጉዱል እምነት ኣሎኒ።
      ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
      ዕድመን ጥዕናን ንደቂ ኤርትራ
      ዓወትንህዝቢኤርትራ።

      • Amanuel December 8, 2014

        Senait,

        Your comment is not constructive. It is good for us to boast morale once in a while but the fight can not be over by insulting others.

        Let’s bring more people and lets do that by understanding them, showing them love and telling them where we stand.

        Insulting others can’t make us look different than PFDJ.

        There is a lot more to be done, so let’s stop claiming victory, after all our youth are leaving our homeland in thousands every month.

        One Love.

        Wedehankum

  • nebrahtom December 7, 2014

    ኣገናእ ደለይቲ ፍትሂ

  • Mike December 7, 2014

    Great Lesson to the dictatorial Regime and his supporters !

    My thumps up to Eritrean justice seekers !!

    Well done ! Great Job !

  • Awate December 7, 2014

    Great job, this is what we want to hear. Guys well done.

  • Kebra December 7, 2014

    እዚ ንህግደፍ ገጢምዎ ዘሎ ስዕረት አብ ኩሉ ምድሪ አውሮፓ ንኽድገም ተመሳሳሊ ዝኸነ አገባባት ክንፍጽም ይግባእ። እዞም ጀጋኑ አብ ስታቫንጋር ዘመዝገብዎ ዓብይ ዓወት ክዕቀብን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ።

    ህግደፍ ዓማጺ ምኻኑ ሓያለ ማስረጂ ስለዘሎ ነቶም ናይቲ ከተማ ሓለፍቲ ነዚ ብዩኢን፤ አውሮፓዊ ሕብረት፤ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕቲ ማሕበራት ዝተዳለው ጽሑፋት ብምርኣይ ባዕሎም ሕልንኦም ንኽሓቱ ብምግባር ንህግደፍ አብ ወጻኢ ሃገራት ወስ ከምዘይብልን ገንዘብ ከምዘይኣሪ ምግባር የድሊ።

  • Mesinas December 7, 2014

    “ጉጅለ ባህሊ” ዚብል ስም ይገርመኒ። ጉጅለ ደረፍቲ: ወይ ጉጅለ ስነ-ጥበበኛታት ወይውን ካልእ ስም እንተ ንህቦም ምሓሸ ይመስለኒ። ስነ ጥበብ ንርእሱ ንብዙሕ ጥበባት ዘማልአ’ዩ ይመስለኒ፡ (ደርፊ፡ ሓደ ክፋል ናቱ ምዃኑ’ዩ)

    ባህሊ ኪበሃል ከሎ፡ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ኩለ-መዳያዊ ኣነባባር ዚገልጽ ማለት’ዩ እምበር ጓይላ ማለት ኣይኮነን።

    እዚ ብዓል ወዲ ትኹልን ካልኦትን ንሓቂ ሸፊንካ ንምልኪ ክተጣጥሕ ንሓሶት ሓቂ ምባልሲ ከመይ ጌሩ’ዩ ባህሊ ኪኸውን!?

    “ኣብ ባህልና፣ ንሰብ ምኽባር፣ ሓቂ ምዝራብ፣ ፍትሒ ምውጻእ፣ ትሕትና ምግባር፣ ኣብ ግዜ ሓዘንን ኣብ ግዜ ሓጐስን ምድግጋፍ፣ ንውጹዓት ምጥባቕ፣ ንዝበደለ ዓገብ! ምባል፣ ንዝተበኣሱ ምዕራቕ፣ ንደቀንስትዮ ምኽባር፣ ንዓበይቲ ምኽባር፣ ወዘተ. እዩ ትርጉሙ ይመስለኒ። ስለዚ፡ ጓይላን ሙዚቃን ሓደ ንእሽቶ ክፋል ናይቲ ባህሊ እዩ። ባህሊ ካብ ጓይላን ካብ ደርፍን ኣጸቢቑ ዝሰፍሐን ዝዓሞቐን ትርጉም’ዩ ዘሎዎ። እሞ ከመይ ኢልና ደኣልና ንጓይላስ ባህሊ ንብሎ፧

    ናይዞም ካብ ሃገር መመጺኦም፡ መግፍሒ ቤት ማእሰርቲ ዚኸውን ገንዘብ ዝእክቡ ደረፍቲ ድማ እትማላለሰኒ ሕቶ ኣላ። ንሳ ድማ፥ እዞም ደርፍቲስ ካን ጠፊኡዎም ድዩ ወይስ ኣባላት ናይታ ውሽጣዊት ሰልፊ እትበሃል ኮይኖም፡ መደብ ጽንቶ ኤርትራውያን እናስተማቐሩ ክቃነዩን ክለሃዩን ባህ ኢሉዎም’ዩ፧

    የርህዎ ፈጣሪ!” ክብረት ይሃብካ ሓው ሰላማዊ።

    እዛ ኣቐዲምኩም ዝነበብኩማ ጽሕፍቲ፡ ካብ ርእይቶ ሓው ሰላማዊ’የ ወሲደያ። ምኽንያቱ፡ ኣብዛ ጽሕፍቲ ንኹልና ዝምልከት ሓበሬታን ሕቶን ስለ ዘሎ። ብወገነይ እዞም ንረጋጽን መሕሰርን ህዝቢ ዝኾነ ጉጅለ ጥፍኣት ብምግልጋሎም፡ ክብሪ ሞያኦም ዝበለሉ ሰባት፡ ስነ ጥበበኛታት ክንብሎም ዚከኣል ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ ስነ ጥበበኛ ማለት፥ ወትሩ ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ኮይኑ፡ ንኣኡ ዝጣበቕን ዘኽብርን ጓሳ ሕብረተሰቡ ማለት ስለ ዚኾነ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግን መሳርሒ ናይቲ ህዝቢ ዘጽንት ዘሎ ጃንዳ ህግደፍ’ዮም ኮይኖም ዘለዉ!

    ናይ ደረፍቲ ግን ኣይኮነን ንኣይ ዝገርመኒ
    ናይቶም ሳዕሳዕቲ’ዩ ስኽሕክሕ ዝብለኒ
    ሬሳ ኣቕሚጦም ዘይተቐብረ በድኒ
    ከመይ ይመጸሎም ናይ ሳዕስዒት ወኒ!?

    እስከ በሉ ደሓን ኩሉ ግዜ ኣሎዎ
    እዚ ውጹዕ ህዝቢ *ሽንሆት ሓሪሙዎ *ዘሐጉስ ነገር
    መላኽን ሰዓብቱን ፍጹም ከሕስሩዎ
    ኣፈሙዝ ኣቕኒዖም እናመቊሑዎ
    ካብ ዓማጺ ስርዓት ክንዲ ተድሕኑዎ
    ጓይላ እናተኸልኩም ‘ሳዕስዕ’ ክትብሉዎ!?

    ንብዓት ናይ ኣደታት እናረኣኹሙዎ
    ኣንታ እቲ ልብኹም ከመይ ኣኽኢሉዎ?
    ፍርሂድዩ ኣታ ረብሓ ፍጹም ደፊኑዎ
    ሕደጉ ስሱዓት ክብሩ ኣይተሕሱሩዎ!

    ደሓን ግን፥
    ህዝብና ክቐስን ጸበባ *ክንሁዎ *ክርሁዎ
    ጸላሙ ቀንጢጦም *ጸዳል ዘርእዩዎ *ብርሃን
    ሎሚውን ከም ወትሩ ጀጋኑ ኣለዉዎ!

    • Selamawi December 10, 2014

      ሰላምን ጥዕናን ንዓኻ ሓውና መሲናስ። ነቲ ኣነ ኣብ ላዕሊ ዝጸሓፍኩዎ ፈቲኻዮስ እነሆ መእተዊ ጽሑፍካ ጌርካዮ። የቐንየለይ።

      ሓንቲ ነገር ግዳ ተዓዚበ። ኣነ “ሥነ-ጥበባውያን” ቢለ እየ ጽሒፈ። ንስኻ ግና “ሥነ-ጥበበኛታት” ኢልካለይ። ሕጊ ሥነ ጽሑፍ ኣይትጥሓስ ክብለካ እግደድ። ንሓደ ጽሑፍ ክትጠቅስ እንተደሊኻ፥ ከምዘለዎ ኢዩ ዝጥቀስ። ጌጋ እንተ ረኺብካሉ (እሩም፥ …) ኢልካ ንነበብቲ ትሕብሮም።

      ካብ “ሥነ-ጥበባውያን” ምባል “ሥነ-ጥበበኛታት” ምባል ይሓይሽ ትብለና ኣለኻ። ንዓይ ከምዝመስለኒ፥ እቲ ቀዳማይ ኢዩ ዝሕረ።

      እቲ ኣብ እግሪ ጽሑፍ ኣቶ ፍሥሓዬ መብራህቱ (ሰዋስው …) ዝሃብኩኻ ምላሽ፥ ምልስ ኢልካ እንተ ትርእዮ ጽቡቕ ኔሩ ምበልኩ።

      ሰላምታይ ተቐበል

  • Habte December 7, 2014

    ክቡራት ኣሕዋት ኤርትራውያን፣
    ካብዚ ናይ ኣሕዋትና ኣብ ስታቫንገር ዝገበርዎ ዕዉት ፍጻመ እንታይ ክንመሃር ንኽእል??

    ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደንደስ ጸድፊ ዘለናሉ ኩነታት፡ ግብሪ’በር ዘረባን ወይ ኣብ ኢንተርኔት ማእለያ ዘይብሉ ብስነጽሑፍ ምልልስን ትንተናን ዘይኮነ ንጉዳይና ተግባራዊ ምብልሓት እዩ መፍትሒ ናይ ሽግርና። ስለዚ ካብ ደለይቲ ለውጢ ስታቫንገር ክንቀስሞ ዝግበኣና ድማ መደብ ስርሓቶም ብግብሪ ንኽፍጽምዎ ስለዝተባላቱን ቆሪጾም ስለዝሰርሑን እዮም ንዕብዳን ዳንኬራ ህግደፋውያን ኣልሚሰሞ!! ኣብ ክንዲ ዘረባ ኣብ ትግባረ ነድህብ።

    ሎሚ ነፍሲወከፍ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ፡ ካብዚ ሓደገኛ ኩነታት መዋጽኦ ንምርካብ ለይትን መዓልትን ምብልሓት ከድሊ እዩ። ካብ 4 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሓደ ብልሓተኛ ከም ዝርከብ ዘጥራጥር ኣይኮነን።

    ኩርዓተይ ወሰን የብሉን ኣሓት/ዋት ጀጋኑ ስታቫንገር! ከማኻትኩም ይብዙሑ!

  • Kiros Mengstu December 7, 2014

    ዝከበርኩም ደቂ ኢረይ
    ንሕና ኤርትራውያን ሓደ መለለይ ዘለና ህዝቢ ኢና. ንሱ ድማ ሓቢርካ ምቅላስ ሓደ ካብቲ ሕላገት(መለለይ) ህዝብና ኢዩ.ሕሉፍ ታሪኽ ቃልስና ከም ዝሕብሮ እንበኣር ትሽዓተ ቢሄራት ሃገርና ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖታውን ብሄራውን ጾታውን ዝገበርናዮ መሪር ቃልሲ ብዓወት ከም ዝዛዘምናዮ ዓለም ብዓለማ ትፈልጦን ትምስክሮን ሓቂ ኢዩ . ግን ኣብዚ ሕማቅን ጽንኹርን ግዝየ ነቲ ውጽዕ ንህዝብና ሕቆና ሂብናዮ ንጎዓዝ ኣለና. ኣብ ጋይላን ዳንከራን ናይቲ ክዳዕ ስርዓት ካብ ምጥቃዕን ምጭፋርን ንረክቦ ትርፊ እንተ ኣሎ ኮይኑ ሕማቅ ታርኽን በሰላን ኢዩ እሞ ይእከለና ዝዓሸናዮ . ደጊም ፎእ እንተ በልናዮ ኢዩ ዝሕሸና ደቂ ሃገረይ. ከምዚ ነበርቲ ስታፍሃንገር ዝወሰድዎ ዓቢ ጽፍዒት ኢና ክንህቦ ዝግበኣና ነዚ ከዳዕን ጠላምን ስርዓት ህግደፍ ደጊም ናቱ መጋበርያ ክንከውን የብልናን ደቂ ሃገረይ . ናይ ግዝያዊ ጠቅሚ ትርጉም የብሉን ሓላፊ ኢዩ ናይ ነውሕን መጻእን ንሕሰብ ዘይ ተተንከፈን ዘይ ተበተንን ስድራቤት የብልናን እሞ ኣጸቢቅና ንሕሰብ . ኣሰርና ኣሰር ስታፍሃንገር ይኩን ደቂ ኢረይ ኣማዕድና ንሕሰብ. ፍትሒ ይኩን ድምጽና ብብርሃን ይኩን ጉዕዘና.
    ካብ ነርወይ ተለማርክ

  • Amanuel December 7, 2014

    Well done guys!!! But you know what is more surprising is, young people like Yonas Mehretab use to be my school mate, I will be surprised if he returns back to his miserable life again. Amine his family where in Cairo Egypt probably now is Canada, Senait was an Orphan in Godif they are all victims of the dictatorial regime themselves in one way or another. I have no idea who are they Bidehhing (thwarting). If there is any one who deserves thwarting (Bedohho) is PFDJ.

  • Gurja December 7, 2014

    Hateftef & halewlow bezihu deki Erey. These Eritrean festivals have never been about money, but about reconnecting children of Eritrean Diaspora with their African and Eritrean roots. As Africans and Eritreans their parents want their children and themselves to gain and enjoy from the fountain of African/Eritrean history, culture, language and beautiful musics. Nothing secret, nothing hidden about this festivals. However, the people who don’t want Eritreans to come together, to preserve their identities and culture, and remain connected to their roots are now in an evil scheme of stopping these in a fraudulent way.

    • Haf ash December 7, 2014

      Mr. Gurja, these so called artists are fully sponsored by the dictatorial regime for the sole purpose of brainwashing and deceiving young gullible Eritreans in the diaspora as if everything is ok back home. The prime objective for the regime to sponsor mouthpiece artists and organize festivities is for its propaganda purposes, and raise funds, and it has nothing to do with the genuine effort to connect our children with their roots.

Post a Reply to wedi_afr Cancel Reply