Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ገረዝግሄር ውጩ ዕላማ ምግዳሉ ከየተግበረ ተሰዊኡ

ትጽቢትን ርድኢትን ቃልሲ ኤርትራ መሬታ ነጻ ጌርካ ሉዕላውነት ሃገርን ደሞክራሲን ኣረጋጊጽካ “ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ተመሃር ተመሃራይ ወዘተ” ተባሂሉ ሕዝቢ ኤርትራ ብቅሳነት ንኽነብር እዩ ኔሩ። እንተኾነ ድሕሪ ናጽነት 1991 ኤርትራን ሕዝባን ካብቲ ጭኮና ሃይለስላሴን ደርግን

ትጽቢትን ርድኢትን ቃልሲ ኤርትራ መሬታ ነጻ ጌርካ ሉዕላውነት ሃገርን ደሞክራሲን ኣረጋጊጽካ “ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ተመሃር ተመሃራይ ወዘተ” ተባሂሉ ሕዝቢ ኤርትራ ብቅሳነት ንኽነብር እዩ ኔሩ። እንተኾነ ድሕሪ ናጽነት 1991 ኤርትራን ሕዝባን ካብቲ ጭኮና ሃይለስላሴን ደርግን ብዝገደድን ዝተዓጻጸፈን ግፍዕን መከራን ጥሜትን እዩ ኣጓኒፍዎ። ብሕልፊ ኣብዚ እዋን ሕዝቢ ኤርትራ ግዜ ሃይለስላሴን ደርግን እንዳዘከረ ዓው ኢሉ ሽዑ ይጥዕመናን ይሕሸናን ይብል ኣሎ።

ሕዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ክግፋዕን ክእሰርን ክርገጽን መቐረት ነጻነት ከየስተማቅር፡ ክሽቑረርን፡ ሃገር ኣብ ቤትማእሰርቲ ተቐይሩ። ተካኢ ወለዶ መንእሰይ ተማሂሩን ሰልጢኑን ሃገሩ ተረኪቡ ከየማዕብል ሃገር እሾኽ ኮይናቶ ዚረኸበ ይርከበኒ ኢሉ ሃጽ ኢሉ ንስደት እናገዓዘ ኣብ መንገዲ መግለጺ ዘይርከቦ ግፍዕን ሞትን ህልቂትን እናኣጋጠሞ በዓል ገረዝግሄር ውጩ ግና ንምንታይ እዚ ኩሉ ? ንህዝቢ ዶ ኣይኮናን ተቓሊስና ኣይበሉን። እኳ ደኣ ምስ ኣያኦም ዲክታተር ኢሳይያስ ወጊኖም ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ከናውሑን ከጋድዱን እዮም ተራእዮም። ብፍላይ ውጩ ኣብ ልዕሊ ኣደታትን መንእሰያት ደቂኣንስትዮን ዘውረዶ ብድዐን ግፍዕን ሓጥያትን ቀሊል ኣይኮነን። ብቐረባ ዚፈልጥዎ ውን ፈላላይን ዓሌተኛን ከምዝነበረ ይምስክሩ።

ብ ጉጅለ 15 ዝፍለጡ ዓበይትን ገዳይምን መራሕቲ ከም በዓል ብ/ጀ/ ብርሃነ ገረዝጊሄር ቅዋም ይተግበር ስልጣን ንህዝቢ ነረክብ ስለዝበሉ ጥራሕ እቲ ተመን ኢሳይያስ ኣየስርሑንን አዮም ኢሉ ዘይሽሞምን ሕዝቢ ዘይቅበሎን ጸለመ ቀቢኡ ኣጥፊኡዎም። ብዓል ዉጩ ግን ንምንታይ? ብኸመይ? መቓልስትና ብጾትና እንድዮም፡ ዓገብ ኣይበሉን።

ብኣንጻሩ ግን ኣብ ኩሉ ዓይነት ብልሽውና ኢኹም ተዋፊሮም። ጉዳይ ሃገር ቅጭጭ ከይበሎም!!!

ስለዚ ገረዝግሄር ውጩን መሰልቱን ንነብሶም እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ኣይተጋደሉን።

እቶም ሓቀኛታት ተጋደልትስ ከም በዓል ቢትወደድ ሓቂ ስለዝተዛረቡ ጠፊኦም እዮም። ካልኦት’ውን ተሰዊኦምን ተረሺኖምን እዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ግን ገና ኣብ ስቅያትን መግዛእትን ማእሰርትን ይርከብ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
46 COMMENTS
  • Yemane Ghebre March 12, 2014

    Wuchi is worth nothing as a liberation fighter because his contribution protecting dictatorship outweighs his positive contribution, but bear in mind not to blame him that much because he was simply ” bklite egru zikeyd ens’ sa “. RIP- May God remind the other mean generals that is what finally happens.

  • Tesfom March 12, 2014

    እቲ ዘሕዝን ናይቶም ንፍትሒ ንቃለስ ዝብሉ ልሙሳት ካብ ኣውራጃታት ሓሊፎም ብወረዳታት ምጥርናፍ ጀሚሮም ኣብቲ ኢሰያስ ዝደልዮ ጓይላ ክስዕስዑ ከለዉ ዓጀብ ዘብል እዩ ዘይከምዚ እዩ ዝደሊ፡፡ነቶም ብዉህደት ንሓድነት ኤርትራ ዝቃለሱ ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ዕንቅፋት ኮይኖም ይርከቡ ብጸርፈን ጸለመን ዝመጽእ ለውጢ የለን ክንዲ ንኢስያስ ብማዕዶ ምኩናን ነቲ ኣብ ጥቃኦም ዝርከብ ማእከላት ህግደፍ ዘይምክቱ፡፡

    • Nuredin March 12, 2014

      ዓገብ አቱም ብአውራጃን ሃይማኖትን ትጠራንፉን ትውደቡን ዘለኹም!! ናይ ሃገር ካንሰር ትኾኑ ከምዘለኹም ፍለጡ

  • Hag pag March 12, 2014

    the ambition of wuchu was clear for most.he was indead,anty ghedly as h,does anty harinet.anles he beheaved like shifta,so,why people talk of him.gate hell.

  • Nuredin March 12, 2014

    አቱም ሰባት
    እዚ ሰብአይ አብ መዳ ከሎ ዝፈልጦ ውግእ ጥራይ እዩ በቲ ግዜ ድማ ጅግና ነይሩ። አብቲ ግዜ’ቲ ንምንታይ ትዋጋእ አሎኻ እንተትብልዎ ንናጽነት ምበለኩም ትርጉም ናጽንት እንታይ እዩ እንታለክምዎ “መሬት ኤርትራ ካብ አምሓሩ” ጥራይ እዩ ዝብለኩም። ትረጉም ዲሞክራሲ ንዕኡ ሰለ ዘይፈልጦ ትረጉም የብሉን።
    ድሕሪ ናጽነት ክሽከሞ ዘይኽእል ስልጣንን ማዕረግን ሰለዝተዋህቦ መሬት ኤርትራ ካብ አምሓሩ ናጻ ብምውጽኡ ካልእ ጽጋብ ሰለዝመስሎ በቲ ዝተዋህቦ ስልጣን ተጠቂሙ ብዙሕ ግፍዒ አብ ልዕሊ ህዝቢ ብፍላይ አብ ልዕሊ ተማሃሮ ፈጺሙ።
    ስለ’ዚ ክውቀስ ዘለዎን ሓላፍነት ክወስድ ዘለዎን አቲ ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ስልጣን ዝሃቦ እዩ።

  • H.K. March 12, 2014

    Wichu may have been great fighter but he was changed into Teddy Bear after 1991!!!

    Melkes!!!
    ANTA IZI AGHELGHILOT ABZIHU DO MEGHEMU.
    ANTA IZI YIKAALO ABZIHU DO MEGHEMU
    ANTA IZI WUZUU HIZBI ABZIHU DO MEGHEMU
    NISKAS KEDKA AYAKA YIDEGHEMU111

  • H.K. March 12, 2014

    Wichu may have been great fighter but he was changed into Teddy Bear after 1991!!!

    Melkes!!!
    ANTA IZI AGHELGHILOT ABZIHU DO MERGHEMU.
    ANTA IZI YIKAALO ABZIHU DO MERGHEMU
    ANTA IZI WUZUU HIZBI ABZIHU DO MERGHEMU
    NISKAS KEDKA AYAKA YIDEGHEMU111

  • MightyEmbasoyra March 12, 2014

    እሞ እንስሳ’ዩ ኔሩ ዲኻ ትብለና ዘለኻ?

  • Meretse Asmelash March 12, 2014

    ኣ”ነዃ ቃል ሸክስፒር ወይ ዊንስተን ቸርቸል መሲሉኒ ኔሩ ኣብ ገለ ጽሑፍ ግን የሎን “ሓቂ ዝብሃል የሎን ብዘይካ ኣማልክታ” ዝብል ሓረግ ቃል ሓደ ውርይ ፍራንሳዊ ጸሓፊ ጉስታቭ ፋልቨርት እዩ ዝብል ሓቤረታ ዝዓብለለ ኮይኑ ረኪበዮ። ግን ደሓን ዝኮነ ይኩን። ኣነ ሎሚ ንክጥቀመሉ ክሓሩ እንከሎኩ ቃል ልቃሕ ስለዝኮነኒ ንዋንኡ ክህቦ ስለ ዝሓረኩ ጥራሕ እየ።
    ናይ ጽሑፍ ናጽነት ኣመና ኣብ ዝጎደሎ ሕብረተ-ሰብ ናይልቡ ክዛረብ ኣብ ዝደልየሉ ግዜ ጸግዓ-ጸግዒ ፣ ጎድና ጎድኒ (peripheral) ተረት እንስሳ ….ኣምሲሉ ክጽሕፍ ወይ ክደርፍ ኢካ እትርእዮ። እዚ ነዊሕ ዓመታት ዘቝጸረ ሓቂ ኮይኑ ይስመዓኒ። እንተኮነ ሎሚ ግን ገደቡ ዝተሰግረ ይመስል። እተን ንቡዙሕ ዓመታት ተሎጒመን ዝጸንሓ ኣፋት ፣ ኣፈን ከፊተን ዓው ኢለን ሓቂ ኮይኑ ዝስምዔን ብዘይ ንሕስያ ዝገልጻሉ ዘመን ስለ ዝኣተወ ሓንጎፋይ ኢለና ንቀበሎ። ኣውራጃ ፡ ሃይማኖት፡ ወገን ፡ ዓዲ ወዲ ዓዲ ደቂ-ኣንስትዮ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣዴታት-ኣቦታት… ከይትንክፍ እናተባህለ ሰብ ንመዋእል ግደፍ ሓቂ ንስምዖስ ሓቂ ኢሉ ንዝኣምነሉዃ ከይገልጽ ኣፉ ምስ እትሓትመ እዩ ኔሩ። ሎሚ ግን ..ሎሚ ግን እቲ ዝሓበጠ ነቲዑ።
    ክንብሎ እንደሊ ነገር ” ሰብከ እንታይ ክብለኒ” እንዳበልና ሽግርና ካብ ሓደ ዎሎዶ ናብ ሓደ ዎሎዶ ከም ኣቅሓ ሕድሪ ከነሰጋግሮ ጸኒሕና ኢና። እወ ሎሚ ግን ንረብሓና ዘመን ተቀይሩ እዩ።
    ሞት ውጩ ምክንያት ብምግባር ዘይታኣደነ ሪእቶ ክሳብ ሕጂ ይፈስስ ምህላዉ ካብ ተከታተልቲ ኢንተርነት ዝተሰወረ ኣይኮነን። ሰብ ፈፍርዱ የንብር ኣሎ። እቲ ዝድለ’ውን ንሱ እዩ። ሰብ ምስ ሞተ እዩ ዝከብር ዝብል ኣረኣእያ ግን ኣብ ባህላና ጥራሕ ተወሲኑ ዝተርፍ ኣይኮነን። በዚ ኣመላክታ’ዚ ብሉጽ ባህሊ (ሓለፋ) ካብ ኩሉ ባህልታት ከምዘሎና ጌሮም ዝቖጽርዎ ሪእቶ ብዙሓት ኣንቢብና ኣሎና። ጸገም የሎን ፡ ግን ናቱ ሸፊንካ ዘይናቱ ምሃብ ከኣኣ ድክመት’ዩ ዘመልክት።

    “ኹሉ ነናቱ ኣሎዎ”
    ውጩ ናቱ ልክዕ መግለጺ እንተተወሃቦ ዘሐጉስ እምበር ዘጕሂ ኣይኮነን። ውጩ ንዓመታት በርካ ሓዲሩ ካብቶም ዝተመልሱ እዩ፡ ነዚ ግን መን ከሓደ። በኢ ምክንያት ግን ጅግና እዩ። ሕራይ ንቅበሎ ግን ከምሃገሩ። እዚ ቀዳማይ ገጹ እንተኮይኑ እቲ ካልኣይ ገጹ’ከ ከም ጽላለት ኣሰር ዘይብሉ ኮይኑ ክተርፍ? ንመንክ’ዩ እቲ ረብሓ።
    ኣይፋል።
    እንተዘይ ኪኢልናዮስ ንላመድ ደኣ።
    ውጩ መጎሰኡ ይበዝሕ ዝብል ኣካል እንድሕሪ ሃልዩ’ውን ሰማዕቲ ኢና። ኣብዚ ግን ጥንቃቀ ይሓትት ማለት ካብ ዝኮነ ድኩም ስሚዒት ነጻ ክከውን ንጽበዮ።
    ብሓጺሩ ኣነ ውጩ ካብ ሓንቲ ኤርትራዊት “ግመል” ንላዕሊ ተቃሊሱ ዝብል ምስክር ክህቦ ይከብደኒ እዩ።

    • MightyEmbasoyra March 12, 2014

      Ato Meretse,
      Nice! The only thing I would amend this to “ኣነ ውጩ ካብ ሓንቲ ኤርትራዊት “ግመል ወይ ድማ ኣድጊ” ንላዕሊ ተቃሊሱ ዝብል ምስክር ክህቦ ይከብደኒ እዩ።” ኣድጊ መታን ከይተስተማስል።

  • Selamawi March 12, 2014

    In today’s Eritrea one is ‘siwue’ even if they die of natural causes or self-inflicted death such as alcoholism. One can be called a hero ‘jigna’ if they contributed to the dismantlement of the Eritrean society: its unity, its youth, its religion, its constitutions, its education system… That is, as long as you have done something good in the fighting fields – more than 23 years ago, your name is hero, you will be suwue when you die of any cause.

    I find the Eritrean situation bizarre!

    God forgive us all and grant us peace and harmony

    • Aman March 15, 2014

      That is not always true. Take Naizghi Kiflu. He was a hero and died with no ”siwue” attached to his death. hgdef decides who is ”siwue” and who is not; who is hero or who is not, who is Eritrean ….

  • Hidat March 12, 2014

    GIGENA BETEOM ZEFETWEWON ZEXELEWON BEMAERE EYU ZEZEKER: ETEMENTAYSIE NETEOM YEHEBENOM NETEOM DEMA YEBAHREROM SELE ZEKONE.