Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድንቁርና`ውን ኣብኡ ነይሩ`ዩ

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ "ኣንታ እንታይ ወረደና " ጥራሕ ዘኮነስ “ ገለ ዝፈጸምናዮ ናብዚ ሃለዋትና`ዚ ዘብጸሔ ዘንቢ/ሓጥያት ደኣ ከይህሉ?! " እናበሉ ዝሓስቡን ዝዛረቡን ውሑዳት ኣይኮኑን።ዝኾነ ኾይኑ ክሳድ ሒዝና ንምጽናሕ ዝኣክል፤ ክፉእ እናረኣኻ ሕማቅ እናሰማዕካ ዓገብ ዘይምባል ንባዕሉ ዓቢ

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

“ኣንታ እንታይ ወረደና ” ጥራሕ ዘኮነስ “ ገለ ዝፈጸምናዮ ናብዚ ሃለዋትና`ዚ ዘብጸሔ ዘንቢ/ሓጥያት ደኣ ከይህሉ?! ” እናበሉ ዝሓስቡን ዝዛረቡን ውሑዳት ኣይኮኑን።ዝኾነ ኾይኑ ክሳድ ሒዝና ንምጽናሕ ዝኣክል፤ ክፉእ እናረኣኻ ሕማቅ እናሰማዕካ ዓገብ ዘይምባል ንባዕሉ ዓቢ ሓጥያት ምዃኑ ርዱእ ክኸውን ኣለዎ።  

ካብቲ ዓገብ ዘይተባህሎ ናብዚ ሃለዋት ዘብጸሔ  ኣብ “ኣሕሊፍኩም ሂብኩሞም” ዝብል ሓተታ ጠቂሰዮ ዝነበርኩ ገለ ነጥብታት ክጠቅስ`የ።

“……….. ኣንቱም ዓገብ ምባል ዘይትፈልጡ፤ መሻረውቲ፡ መጣቃዕቲ፡ ፈራሃት፡ ተመሳሰልቲ፤ ነዚ ሓድሽ ወለዶ ጉጉይ ኣፈታትሓ ሽግራት ክመርጽ፤ ጌጋ መንገዲ ክሕዝ ጌርኩም ኢኹም ……………. እወ !  ንባሕርን ምድረበዳን ሸፋቱን ኣዛብእ ዘቤትን ኣሕሊፍኩም ሂብኩሞም !!!

እወ ! ንስኻትኩም ፡-

1 – ነቲ ካልኣይ ገጽ ህዝባዊ ሰራዊትን ጎኑን  መማልእቱን ዝነበረ  ሰራዊት ሓርነት፤  ኣብ 2ይ መፋርቅ 70ታት ህዝባዊ ሰራዊት ንኸረን ደቀምሓረ ….. ናጻ ከውጽእ እንከሎ ንመንደፈራ ዓዲዃላ ኣቁርደት ተሰነ …..  ናጻ ዘውጸኤ  ሰራዊት ሓርነት፤ መሪሕነት ህግ ምስ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተመሓዝዩ ክድምስሶ እንከሎ (ንደቅኹምን ኣሕዋትኩም ዝኾኑ ሰራዊት ሓርነት ክወቅዕ እንከሎ) ዓገብ ብዘይምባልኩም፡

2 – ድሕሪ ነጻነት እቶም ካለኦት ደቅና/ኣሕዋትኩም ኸ ኣበይ ኣለዉ? ኢልኩም ብዘይምሕታትኩም፤ መራሒ ህግደፍ ኣፉ መሊኡ ኣብ ሜዳ ንግስቲ ሳቫ ናይ ካለኦት ህላዌ ከም ዘይኣምንን ከም ዘየፍቅድን ምስ ተዛረበ፤  ካብ እሺ ሓሊፍኩም ” ሓቁ ! ኣበይ ዝነበሩ`ዮም …… እንታይ ዝገበሩ`ዮም” ብምባል ንዘይ መሳትኹም ብምንእኣስኩም

3 – ኣይ ካብ ሃይማኖት (ፍርሃት ፈጣሪ) ኣይ ካብ ስልጣኔ (ስፍሓት ኣእምሮ) ሓዲግ ዝኾኑ ሰበ-ስልጣን ብስቅታኹም ቅልጽሞም እናዓበዬ ጅቦኦም እናመለኤ ክኸይድ እንኮሎ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ብዘይምርዳእኩም

4 – ባንደራ ሃገር ንሃገራውያን ከይተወከስካ ንተዘክሮታቱ ኣብ ግምት ከየእተኻ ክቅየር እንከሎ ከም ምቅያር ጃከት ስለ ዝረኣኹሞ

5 – “ትንፋስ ዘለዎ ሓወልቲ ስዉኣትና “ ( ኣካሎም ዝጎደለ ኣሕዋትና ) ንጉዳይ መነባብሮኦም ምምሓሽ ሰላማዊ ሰልፊ ገይሮም ናይ ጠያይት መልሲ ክወሃቦም እንኮሎ እቲ ወትሩ ሩጉእ ደምኩም ሰለ ዘይፈለሔ

6 – ብስም “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ባርነት እናተኻየደ፤ “ደቅና ኣሰብኡት ክኾኑልና” እናበልኩም፤ ነቲ መጻኢ መንእሰያት ዝውሕጥ፤ ሳዋ ስለ ዝዋጠኹም

7 – መኮነናት ኢትዮጳያ ዘይገበርዎ ድፍረት “መጋቢተይ`ዶ ኣላይተይ” እናበልካ ጸጽቡቃተን እናሓረኻ ብባህልን ንቡርን ዘይፈልጡ ዓናጅል ክድፈራ እንከለዋ ከምዘይረኣኹምን ዘይሰማዕኩምን ክትመስሉ ስለ ዝጸዓርኩም

እምበኣር ናብዚ ስቅታ`ዝን ውጽኢታቱን ዘብጸሔና ድንቁርና ህዝብናን ድንቁርና ናይቶም ብኣነ-ሕራይ ዝደንቆሩ ምሁራትናን`ዩ።ድንቁርና ኩሉ ግዜ ኣብ ሕማቅና ኣሎን ነይሩን`ዩ።

ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ድንቁርናን ነጻነትን ከምዘይቃደዉ፤ ብዘስምዕ ቃና ኣብቲ ንህዝቢ ኣስመራ ቅድሚ መስዋእቶም ዘስምዑዎ ኣገዳሲ መደረ ትምህርቲ  ምስ ነጻነት ዘለዎ ምትእስሳር ደጋጊሞም ብምግላጽ ” …… በሉ ! ዘይትማሃሩ እንተኾንኩም ነጻነት`ውን ኣየድልየኩምን`ዩ ! “  ክብሉ ቁሩብ ዝተረፎም`ዮም ዝመስሉ ነይሮም።

ን መልእኽቲ ከቢረ ካብቲ ዝምልከቶ ሓፋሽ ህዝቢ ንላዕሊ መራሕቲ ሻዕብያ ፡-

  • ኣብ ውሽጢ ውድቦም ኣንጻር ምሁራት ዝገበርዎ ጎስጓስ ብምዕዋት
  • ንርእሱ ዘልዓለ ምሁር ብምድቋስ
  • ብኣነ-ሕራይ ደናቁር ክኾኑ ዝደልዩ ምሁራት ብምጥራይ ዝተረድእዎ ይመስሉ።

ሳብ ነቲ ኣብ ኩሉ ሕማቅና ዝነበረን ዘሎን ድንቁርና ሓግሒግና ብፍልጠት ንትክኦ         ሞይቁና ክንሓድር ማለት ዘይከውን`ዩ።

AAHafiz (191)14/09/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • keshi mars September 15, 2015

    ሓደ ሓደ ሰብ ቁስሊ ብጭቃ ዝተሸፈነ እዩ። ካብ ነቲ ግዳይ ትወቅስ፡ መፍትሒ ከተናዲ፡ ተትጽዕር ምሓሸ ኔሩ፡ ኣበይ ኔርካ ጥራሕ ዘይኮነ፧ ኣበይ ኣለኻ ሕጂ፧ እንታይ እዩ ኣበርኩቶኻ፧ ንቅድሚት ክትጥምት ኣለካ።

  • Bisrat gebremariam September 15, 2015

    Kubur haw Abdulaziz ezi etblozeleka kulu Haki eu intekone gin hiji zidlezelo gegatat mixibtsab zeykones kemey ftah nemxie eu Imo nay ftah hasabka iske gele belna .thanks

  • YERHWO September 15, 2015

    Bisrat gebremariam ,

    YOU totally missed the words of wisdom/meriet zeywedik kalat /of haw Awelker. The answer to to your question is in his last and concluding sentence.

    • sahay Erican September 15, 2015

      Dear Yerhwo,

      You have also probably missed the core message of the writer’s article. He is not saying “We”. He is saying “You”. Now tell me what he meant by the “You”. He is blaming the Christian Highlanders as he sees Eritrea as “Muslim versus Christians”. Go figure it. It does not require a rocket scientist.

      (Tsehaye: the peasants’ son)

      • AHMED SALEH !!!. September 15, 2015

        Everybody have his way of thinking on how to
        interpret the life we lead . Some people try
        to take things positive way and some contrary
        to it .
        I rather brush off negative forces because they
        are sources for mental sickness.

  • sahay Erican September 15, 2015

    Dear all,

    Sorry for some grammar/typos in the above comment.

    (Tsehaye: the peasants’ son)

  • YERHWO September 15, 2015

    Haw Tsehaye,

    IF that is what Awelker meant it is very repulsive. And I am not sure how you reached to that conclusion. He is the only one with the answer. His concluding sentence doesn’t say ‘YOU’ it clearly says US. Let’s not be too judgmental . We can always ask for clarification before making such a divisive and unhealthy comments.

    Thanks.

  • Masawa September 15, 2015

    ሓውና ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ይብል: “ድንቁርና`ውን ኣብኡ ነይሩ`ዩ”::

    እዋእ ሓቂ እዩ። ድንቁርና ደኣ ሽዓ ጅምር ክትብል ከላ እቶም ደናቁር መንነቶም ታሪኾም ቋንቋታቶም ኣፈታሪኾም ክልውጡን ከንድዱን ከለዉ፣ መረበት ዓዶም ክሕዱ እንከለዉ፤ ጋቢ ዙርያ ልውየት ግልድም ዕጣቕ ዓዶም ጉሕፍ ኣቢሎም ጃኬት ስግር ባሕሪ ተኻርዮም፣ ስነ ሓሳብ ናይ ፋሽሽቲ ዓረብ በዓዝ ካብ በዓል ሳዳምን ሓፌዝ ኣልኣሳድን፣ ፋሺዝም ካብ ሞሶሊኒ፣ ኮሙኒዝም ካብ ቺናን ሩስያን፣ ክልቅሑ ምስ ጀመሩ እንድዩ።
    ድንቁርና ደኣ ሽዓ እንድያ ጅምር ክትብል ዝኣተወት። እቶም ደናቑር ንታሪኽን መንነትን እምነትን ብሄረ ኩናማ ከጽንቱ ዓድታቶምን ጥሪቶም ሃለዋቶምን ብሓዊ ባርዕ ከብርሱ ምስ ጀመሩ።
    ድንቁርና ደኣ ሽዓ ጅምር ክትብል ከላ እንድያ ነቶም ምሁራት ለባማት ተስፋ ዝነበሮም ተምሃሮ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ነበር፣ ብስም ስርየት ኣዲስ፣ ሓደ ብሓደ ክምርዝዎም ክቕንጽልዎም ከጥፍእዎም ምስ ጀመሩ።
    ድንቁርና ደኣ ሽዓ ጅምር ክትብል ከላ ነቶም ናይ ለውጢ ኣራሚ ምንቅስቓስ ዘልዓሉ እተማህሩ ኣማኢት ተባዓት መንእሰያት ብሽም “ኣድሓርሓርቲ ወገናውያን” ተኸሲሶም ዝጠፍኡን ዝጸነቱን ኣባላት መንካዕ ፋሉል እንድዩ።
    መንነቱ ታሪኹ ቋንቋታቱ መረበቱ ውርሻኡ ናይ ገዛእ ርእሱ ብሓዊ ኣንዲዱ ናይ እንዳማቱ ተለቂሑ ዘውደኽድኽ እቲ ናይ ፈለማ ደንቆሮ እዩ። እዚ ድንቁርና እዚ ከይተፈውሰ ድማ ኣብ ኣተሓሳስባና ሃናጺ ፍታሕ ክመጽእ ዘበት እዩ። ስለዚ ቅድም ነፍሲወከፍና ንገዛእ ርእስና ንፈውስ።

  • Eritra September 15, 2015

    “መንነቱ ታሪኹ ቋንቋታቱ መረበቱ ውርሻኡ ናይ ገዛእ ርእሱ ብሓዊ ኣንዲዱ ናይ እንዳማቱ ተለቂሑ ዘውደኽድኽ እቲ ናይ ፈለማ ደንቆሮ እዩ።”

    Masawa aka Tecklay

    You have been using the above statements to insult Lowlanders throughout the years here in Assenna.
    Can you please at least stop posing as Eritrean Highlander ?

    • Saving young ERitreans September 15, 2015

      Eritra,

      I don’t know if you are labelling Teclay on purpose..LOwlanders did not burn their own Tigre books ,the jebha elites that wanted Arabic to be ther language of Eritrea did..BUt ,I do not blame them ..Islam is religion ,politics,social life and law..They were following real Islam principles.However the metahit people never said we shall destroy Tigre to replace it with Arabic..Neither did teclay. Please ,when we criticize someone let us understand his comments correctly.

  • Hadgu September 15, 2015

    Brother/Sister Massawa very well said. However, Eritra, stop accusing everyone with a valid point as Teclay. Why are you so scared and so obsessed of Teclay that you’ve now become ‘Tsemam Hade derfu’ all the time?

    The Arabs, particularly the two cancers, Qatar and Saudi Arabia are spending millions of US dollars to spread extreme Islamic ideology across the region and East Africa in particular.
    They denied basic human right protection for Eritreans who flee the regime in Eritrea, they are also disturbing, causing destruction in Syria and Yemen by supporting extremists all the times.
    The Arabs next target of destruction and misery and also damages beyond repairs is in poor isolated Eritrea.
    And you “Eritra”, because you giving yourself the name of Eritrea are you defending the Eritrean lowlanders or are you just defending your moslem religion?

  • Saving young ERitreans September 15, 2015

    ክቡር AAHafiz,

    እቲ ናይ ሕልናን ሞራልን ሃጓፍ ከም ዘለና ዘምጻእካዮ ነጥብታት፣ ሓቂ ምንም ዘይወጾ።ግን እቲ ጉዳይ ኣበይ ተወሊድካ እንተበልዎስ፣ ኣባሻዉል ተወሊደ ከይብል ቲራቮሎ እየ ዓብየ ከም ዝብል ሰብ ተስምዕ።ምኽንያቱ ከምቲ እቲ ዓቢ መጽሓፍ ዝብሎ ኣብ ሑጻ ዝተሰረተ ቤት ንፋስን ማይን ምስ መጸ ከም ዝፈርስ ይገልጽ።እቲ ሽግር ካብቲ ኣላዓዕላ እቲ ቓልሲ እዩ።ኣብ ዓረባዊ ኤርትራዊ ዝተሰረተ ቃልሲ ጀብሃ መልክዑ እናቐየረ ክመጽእ ከሎ ብናይ ውሽጡ ጉዳይን ክልተ ኢትዮጵያዉያን ሓይልታት ተዳጋጊፈን ስለ ዝወቕዕኦ እውን ክምብል ኢሉ።እቲ ኣቢሲንያዊ ኣጀንዳ ዝነበሮን ዘለዎን ውድብ ኢሳያስ ፣ዓማ ኣስላመይቲ፣ ሓራዲት፣ ካራ እንተዘይብላ ላማ ኣይስኣናን እዩ ብምባል ሃይማኖታዊ ብድዔ ብዝሓዘለ ኩነታት ተመስሪቱን ዓብዩን።ንመታሕት ነጺሉ ንደቂ ሰሜን ባሕሪ ሒዙ።ነቶም ኣስላም ሓረድቲ ዘይሰምዕዎ ድምበዛን ነጺሉ ናብቶም ኣቦና ራእሲ ኣሉላ ዘምጽኦም ደቀርብዓ (ካርነሽም)ሓዘ።ቀጺሉ እውን ናይ ቶርዓ ክርስትያን ሓላዪ ተመሲሉ ምስ ኣተዎም ሕጂ ቀንዲ ጸላእቱ ንሶም እዮም።ስለዚ ቅድሚኡ እውን ራቢጣ ኢስላሚያ (ሕብረት ኣስላም)ኢሉ ዝጀመረ ጀብሃን፣ካብ ዓጋመ ንበልጽ ኢና ኢሎም ደቂ ባንዳ ዝጀመርዎ ቃልስን ናበይ እዩ ከምርሕ ፧ ሕልና ንዝነበሮ ህዝቢ ባሕሪነጋሽ ፣ብትምክሕትን ጽልኢ ሃይማኖት እስልምናን ዝ ሃንጾም ውድባት ተኸቲሉ እንታይ ኴንና ኢና ንዝብል ሕቶ ፣እንታይከ ዘይኮንና ዝብል መልሲ ይህቦ ኣነ።
    ኣሰና ከይድምስሳ ተስፋ እገብር ምክንያቱ ቀጥታን ሓቀኛን መልእኽቲ ስለ ዝኾነት

    • Saving young ERitreans September 15, 2015

      ኣሕዋት ፍርቆም ኣዝማደይ ደቀርብዓ እዮም፣ኣነ ከም መገለሊ ኣይጥቀመሉን እየ፣ብጌጋ ከይትርድኡኒ።ሓደን ቀንዲ ዜጋ ሓደን ካል ኣይ ዜጋ ንምግባር ከይመስለኩም።ድምበዛን ነቶም ሕያዎት ትግረን ብሌን ይፈልጥዎም እዮም።ብኡ ምኽንያት እዩ ኢሳያስ ኣስላም ሓረድቲ ኢሉ ከእምኖም ዘይክኣለ።፡

  • Geshu September 15, 2015

    Was ELF’s war against the Tigre and other Eritrean languages and proud Habesha history? If the Tigre books were purely for academic purposes, why then the need to destroy them? Was there any hidden agenda that ELF tried to hide? Deliberate distortion of history has not helped us a bit.
    To me only criminals burn documents when running for their lives. The more ELF people try to cover the reason and the past, the more questions and suspensions arise. No more hiding the facts from NiKid T’ray opportunist so-called opposition groups have to come out soon.

    • Saving young ERitreans September 15, 2015

      Bravo Geshu ,

      I do not want to repeat myself as you have complemented to my brilliant comment above.You really get it.Banditry baptised as gedli destroyed our people ,I t does not matter ,if angels come from heaven to tell us gedli was necessary ,we know the truth.Gedhu continue to be more brilliant than me ,(if that is possible)..a little humor there..