Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሕሪ 24 ዓመት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት : ኤርትራዊ የማነ ተፈሪ ዓሪፉ::

የማነ ተፈሪ ኣብ ኖርወይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ክረክብ ንኣስታት 20 ዓመት ተቓሊሱ: ሕቶኡ ከይተመለሰ ኣብ 58 ዕድሚኡ ሓሙስ 7 ጥሪ ሃንደበት ዓሪፉ ብምባል ጋዜጣታት እታ ሃገር ገሊጸን::የማነ ኣብ ኣፍልቡ ቃንዛ ተሰሚዕዎ ብሓካይም ሓገዝ ተገይሩሉ ክድሕን

የማነ ተፈሪ ኣብ ኖርወይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ክረክብ ንኣስታት 20 ዓመት ተቓሊሱ: ሕቶኡ ከይተመለሰ ኣብ 58 ዕድሚኡ ሓሙስ 7 ጥሪ ሃንደበት ዓሪፉ ብምባል ጋዜጣታት እታ ሃገር ገሊጸን::የማነ ኣብ ኣፍልቡ ቃንዛ ተሰሚዕዎ ብሓካይም ሓገዝ ተገይሩሉ ክድሕን ከምዘይክኣለ ተፈሊጡ::

ንሱ ኣብ ሽወደን 9 ዓመት ድሕሪ ምቕማጡ ኣብ 1998 ናብ ኖርወይ ከምዝኣተወን: ብዘይካ እተን ክልተ ዓመት ኣብ ሆስፒታል ዝሰርሓለን ኣስታት 24 ዓመት ኣብ 13 ዝተፈላለየ ካምቦ ስደተኛታት ከምዘሕለፎ ጋዜጣ ቨገ ገሊጻ:: እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ: የማነ ካብ ሃገሩ ኣብ 1974 ከምዝወጽአን ኣብቲ ንናጽነት ዝተገብረ ቃልሲ ድማ ተቓዋማይ ከም ዝነበረን: እንተኾነ ንሃገሩ ብድሌቱ ብፍጹም ክምለስ ከምዘይደልን ኣቐዲሙ ንዝሃቦ ቃለመጠይቕ ብምውካስ ኣቕሪባ::

የማነ ስድራ ቤት ክምስረት ዝነበሮ ተስፋ ጸንቂቑ: እንኮ ትምኒቱ ካብ ካምቦ ስደተኛታት ወጺኡ ሰሪሑ ክኣቱን ንቡር ሂወት ክመርሕን ምንባሩ በርግሉንድ ስቲን ጠቒሱ: ጭንቀትን ጸቕጥን ከም ዝነበሮ ሓቢሩ::

በርግሉንድ ስቲን ነዊሕ ሂወት ንዑቕባ ኣብቂዑ ድሕሪ ምባል ኣብ ጉዳይ የማነ ዝተራእየ ተሪር ኣተሓሕዛ ፖለቲካ ዑቕባ ኖርወይ ኣድላይ ኣይኮነን ኢሉ::

የማነ ተፈሪ ኣብ 2014 ንውሳነ መንግስቲ ብሕጊ ክምጉት ጠበቓ ተመዲቡሉ: ብሰብኣዊነት ሕጋዊ መንበሪ ክወሃቦ ኣብ መስርሕ ከሎ ዓለም ኣርኪባቶ::

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • ኣርዓዶም January 12, 2016

    ጨንፈር ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዳጋ የለን ኮይኑ እምበር፡ ኖርወይ ብሕጊ ናይዚ ኩነታት ክትሕተት ዝግብኣ ሃገር ኢያ። እዚ ሰብ ስድራን ህዝብን የሕዋትን ኣለውዎ፡ እዞም ስድራ፡ ኣብ ልዕሊ ወዶም ዝወረደ ግፍዒ ክሳብ ክንደይ ከሕምሞም ከምዝኽእል፡ ኮታ ንኹልና የሕሚምና እዩ። ግን ተጣበቕቲ መሰላት ኤርትራ ኖርወይ፡ ነዚ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ከቕርብዎን፡ ንስድራቤት መዋቲ ዘድሊ ሓገዝን ምጽንናዕና በቲ መንግስቲ ክግበረሎም፡ ምሕታት ኣገዳሲ ይመስለኒ።
    በላዕ ካሕሳ እንዳበልካ፡ ገበንካ ተሸፊኑልካ ክትከይድ ምሕሳብ፡ ዓመጽ ኢዩ። ስለዚ ዝክኣል ተኮይኑ፡ ንመንግስቲ ወይ ኢሚግረይሽን ኖርወይ ብሕጊ ምሓዝ ተመራጺ ይመስለኒ።

  • Genet-orginal January 15, 2016

    RIP
    He left his country in 1974. Young Eritrean are leaving their country now in 2016. What is new about us.
    God please help Us to get the devil out of our country.

  • wedigere January 20, 2016

    rest in peace,yemane

Post a Reply to Ti Cancel Reply